ዓንቀጽ መጽናዕቲ 25
ኣቱም ሽማግለታት፡ ካብ ጊዴዎን ተምሃሩ
“ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን . . . ከየዘንትወልኩም ግዜ ይሓጽረኒ እዩ።”—እብ. 11:32።
መዝሙር 124 እሙናት ንኹን
መላለዪ a
1. ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 5:2፡ ሽማግለታት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧
ክርስትያን ሽማግለታት ነተን ክቡራት ኣባጊዕ የሆዋ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ኣለዎም። እዞም ውፉያት ሰባት እዚኦም ነዚ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ንምግልጋል እተዋህቦም ሓላፍነት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። “ብሓቂ ዚጓስይወን ጓሶት” ንምዃን እውን ይጽዕሩ እዮም። (ኤር. 23:4፣ 1 ጴጥሮስ 5:2 ኣንብብ።) ኣብ ጉባኤታትና ኸምዚ ዝኣመሰሉ ሰብኡት ብምርካብና ብሓቂ ተባሪኽና ኢና!
2. ገሊኦም ሽማግለታት እንታይ ፈተናታት እዩ ኼጋጥሞም ዚኽእል፧
2 ሽማግለታት ሓላፍነታቶም ኪስከሙ ኸለዉ፡ ብዙሕ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም። ንጉባኤ ምሕላይ፡ ዓብዪ ዕዮ እዩ ዚሓትት። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ቶኒ ዝስሙ ሽማግለ፡ ምስ ብዝሒ እቲ ዚቕበሎ ዕዮ ብዚተሓሓዝ ብዝያዳ ትሕትና ኼርኢ ኸም ዘለዎ ተማሂሩ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣኼባታትን ኣገልግሎትን ንምውዳብ ዝያዳ ዕዮታት ክዓዪ ጀሚረ። ብዙሕ ብዝዓየኹ መጠን ግና፡ ተወሳኺ ዕዮታት ኪፍጠር ጀሚሩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ንብሕታዊ መጽናዕትን ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ንጸሎትን ዕሽሽ ኢለዮ።” ኣብ ኮሶቮ ዚነብር ኢሊር ዝስሙ ሽማግለ ድማ፡ ካልእ ብድሆ እዩ ኣጋጢምዎ። ውግእ ኣብ ዚካየደሉ ኸባቢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንቲኦክራስያዊ መምርሒ ምቕባል ኣጸጊምዎ ነይሩ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ሓደገኛ ኸባቢ ንዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ክሕግዝ ዕዮ ምስ ሃበኒ፡ ትብዓተይ ተፈቲኑ እዩ። ፈሪሀ እየ ነይረ፣ እቲ መምርሒ እውን ግብራዊ ዀይኑ ኣይተራእየንን።” ኣብ እስያ ዚነብር ቲም ዝስሙ ሚስዮናዊ ኸኣ፡ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ምግባር እኳ ኸቢድዎ ነይሩ እዩ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ሓይለይ ይጽንቀቕ ነይሩ።” እሞ ደኣ ተመሳሳሊ ብድሆታት ንዜጋጥሞም ሽማግለታት እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧
3. ካብቲ ጊዴዎን ዝሓደጎ ኣብነት ኵላትና ኽንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ሽማግለታት ካብ ጊዴዎን ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። (እብ. 6:12፣ 11:32) ንሱ ንህዝቢ ኣምላኽ የዕቍቦምን ይጓስዮምን ነይሩ እዩ። (መሳ. 2:16፣ 1 ዜና 17:6) ሽማግለታት ከም ጊዴዎን፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዋን ምእንቲ ኺሓልዩሎም ተሸይሞም ኣለዉ። (ግብ. 20:28፣ 2 ጢሞ. 3:1) ስለዚ፡ ካብ ትሕትናን ተኣዛዝነትን ጊዴዎን ክንምሃር ንኽእል ኢና። ሓላፍነቱ ኺፍጽም ከሎ እውን፡ ተጻዋርነቱ ተፈቲኑ እዩ። ሽማግለ ንኹን ኣይንኹን፡ ንሽማግለታት ዘሎና ሞሳ ኸነዕዝዝ ንኽእል ኢና። ነዞም ኣበርቲዖም ዚዓይዩ መንፈሳውያን ሰብኡት ክንድግፎም ንኽእል ኢና።—እብ. 13:17።
ትሕትናኻ ኺፍተን ከሎ
4. ጊዴዎን ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
4 ጊዴዎን ትሑት ሰብ እዩ ነይሩ። b መልኣኽ የሆዋ ንጊዴዎን፡ ንእስራኤል ካብ ኢድ እቶም ሓያላት ሚድያናውያን ኬድሕን ከም እተሓርየ ምስ ነገሮ፡ እዚ ትሑት ሰብኣይ እዚ፡ “እንዳይ ካብ ምናሴ ዝነኣሰ እዩ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቤት ኣቦይ ዝነኣስኩ እየ” ኢሉ እዩ መሊሱ። (መሳ. 6:15) ነቲ ሓላፍነት እቲ ኸም ዘይበቅዕ ኰይኑ እዩ ተሰሚዕዎ ነይሩ። የሆዋ ግና፡ ነቲ ዕዮ እቲ ጊዴዎን ኪዓይዮ ኸም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብሓገዝ የሆዋ ድማ፡ ጊዴዎን ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ብዕዉት መገዲ ኺዛዝም ክኢሉ እዩ።
5. ትሕትና ሽማግለታት ብኸመይ ኪፍተን ይኽእል፧
5 ሽማግለታት ወትሩ ብትሕትና ንምምልላስ ዚከኣሎም እዮም ዚጽዕሩ። (ሚክ. 6:8፣ ግብ. 20:18, 19) ብዛዕባ ኽእለታቶም ወይ ብዛዕባ ዕማማቶም ኣይጅሃሩን እዮም፣ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ብሰንኪ ኣበራቶም ወይ ጕድለታቶም ከም ዘይረብሑ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሓደ ሽማግለ ፈተናታት ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እተፈላለየ ዕዮታት ንምዕያይ ፍቓደኛ ድሕሪ ምዃኑ፡ ንምፍጻሙ ኪኸብዶ ይኽእል እዩ። ወይ ድማ በቲ ንኻልእ ዕዮ ዚፍጽመሉ መገዲ ኺንቀፍ ከሎ፡ በቲ ንሓደ ዕዮ ዚፍጽመሉ መገዲ ግና ይንኣድ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ሽማግለታት ካብ ጊዴዎን እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧
6. ሽማግለታት ብዛዕባ ትሕትና ኻብ ጊዴዎን እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
6 ሓገዝ ሕተት። ትሑት ሰብ ዓቕሙ ድሩት ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ጊዴዎን ካብ ካልኦት ሓገዝ ብምሕታት፡ ትሑት ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። (መሳ. 6:27, 35፣ 7:24) ጥበበኛታት ሽማግለታት እውን ከምኡ እዮም ዚገብሩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ቶኒ ኸምዚ ይብል፦ “ብሰንኪ ኣተዓባብያይ፡ ካብቲ ዝኽእሎ ንላዕሊ ዕዮ እቕበል እየ። ስለዚ፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትና ብዛዕባ ትሕትና ኸነጽንዕ ወሲነ፣ ንሰበይተይ እውን ትዕዝብትታታ ኽትነግረኒ ሓቲተያ። ነቲ ኣብ jw.org እትርከብ ከም የሱስ፡ ንኻልኦት ኣሰልጥኖም፡ እመኖም፡ ሓላፍነት ሃቦም ዘርእስታ ቪድዮ እውን መሊሰ ርእየያ።” ድሕርዚ፡ ቶኒ ኻብ ካልኦት ሓገዝ ኪሓትት ጀመረ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየሉ፧ ቶኒ ኸምዚ ይብል፦ “እቲ ናይ ጉባኤ ዕዮ ይዕየ ኣሎ፣ ኣነ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ገዛእ ርእሰይ ንምህናጽ ዝያዳ ግዜ ረኺበ ኣለኹ።”
7. ሽማግለታት ኪንቀፉ ኸለዉ፡ ብኸመይ እዮም ንጊዴዎን ኪመስልዎ ዚኽእሉ፧ (ያእቆብ 3:13)
7 እንተ ተነቒፍካ፡ ልኡም ምላሽ ሃብ። ሽማግለታት ኪንቀፉ ኸለዉ፡ ካልእ ፈተና የጋጥሞም እዩ። ኣብዚ እውን ካብ ጊዴዎን ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ጊዴዎን ጕድለታቱ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ኤፍሬማውያን ምስ ነቐፍዎ፡ ልኡም ምላሽ እዩ ሂብዎም። (መሳ. 8:1-3) ብቝጥዓ ኣይመለሰሎምን። ነቲ ዘተሓሳሰቦም ነገር ብምስማዕ፡ ብሜላ እውን ነቲ ውጥረት ከም ዚበንን ብምግባር፡ ትሕትና ኣርእዩ እዩ። ጥበበኛታት ሽማግለታት እውን ነቐፌታ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ጽን ኢሎም ብምስማዕን ብልእመት ብምምላስን፡ ንጊዴዎን ኪመስልዎ ይኽእሉ እዮም። (ያእቆብ 3:13 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ድማ ንሰላም ጉባኤ ኣበርክቶ ይገብሩ።
8. ሽማግለታት ኪውደሱ ኸለዉ፡ እንታይ ምላሽ እዮም ኪህቡ ዚግባእ፧ ኣብነት ሃብ።
8 ኵሉ ውዳሰ ንየሆዋ ሃብ። ጊዴዎን በቲ ኣብ ልዕሊ ሚድያን እተረኽበ ዓወት ክብሪ ምስ ተዋህቦ፡ ናብ የሆዋ ኸም ዚትኰር እዩ ገይሩ። (መሳ. 8:22, 23) እሞ ደኣ እተሸሙ ኣሕዋት ብኸመይ ንጊዴዎን ኪመስልዎ ይኽእሉ፧ ውዳሰ ንየሆዋ ኸም ዚውሃብ ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 4:6, 7) ንኣብነት፡ ሓደ ሽማግለ ብናይ ምምሃር ክእለቱ እንተ ተናኢዱ፡ ናብ ምንጪ እቲ ትምህርቲ ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ወይ ናብቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚውሃብ ስልጠና ኸም ዚትኰር ኪገብር ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ሽማግለታት ሓድሓደ ግዜ ናብ ርእሶም ዘየድሊ ቘላሕታ ይስሕቡ ኸይህልዉ ኺሓስቡሉ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ተመክሮ ሓደ ቲሞቲ ዝስሙ ሽማግለ እስከ ንርአ። ቲሞቲ ሽማግለ ዀይኑ ምስ ተሸመ፡ ኣብ ፈለማ ህዝባዊ መደረታት ምቕራብ ይፈቱ ነይሩ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ነዊሕን እተሓላለኸን መእተዊታትን ምሳሌታትን እየ ዝጥቀም ነይረ። በዚ ድማ፡ ሰባት ይንእዱኒ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ የሆዋ ዘይኰነስ ኣባይ እዮም ዜተኵሩ ነይሮም።” እናሓደረ ግና፡ ቲሞቲ ናብ ርእሱ ዘየድሊ ቘላሕታ ምእንቲ ኸይስሕብ፡ ኣመሃህራኡ ኼዐሪ ኸም ዘለዎ ተገንዘበ። (ምሳ. 27:21) እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “እተፈላለዩ ሰባት መደረይ ንጸገማቶም ኪሰግርዎ፡ ንፈተና ኺጻወሩ፡ ወይ ንየሆዋ ብዝያዳ ኪቐርብዎ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ነጊሮምኒ። ካብቲ ቕድሚ ዓመታት ኣነ ዝንኣደሉ ዝነበርኩ እዋን፡ እዚ ሓሳባት እዚ ብዝያዳ እዩ ዜሐጕሰኒ።”
ተኣዛዝነትካ ወይ ትብዓትካ ኺፍተን ከሎ
9. ተኣዛዝነትን ትብዓትን ጊዴዎን ብኸመይ እዩ ተፈቲኑ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)
9 ጊዴዎን ፈራዲ ዀይኑ ምስ ተሸመ፡ ተኣዛዝነቱን ትብዓቱን ተፈቲኑ እዩ። ነቲ ናይ ኣቦኡ መሰውኢ በዓል ኬፍርስ፡ ሓደገኛ ዕዮ ተዋሂብዎ እዩ። (መሳ. 6:25, 26) ኣብ ካልእ ግዜ ድማ፡ ሰራዊት ምስ ኣከበ፡ ክልተ ሳዕ ብዝሒ እቲ ሰራዊት ኪንኪ መምርሒ ተዋሂብዎ እዩ። (መሳ. 7:2-7) ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ብለይቲ ንሰፈር ጸላኢ ኼጥቅዕ ተነጊርዎ እዩ።—መሳ. 7:9-11።
10. ተኣዛዝነት ሽማግለታት ብኸመይ ኪፍተን ይኽእል፧
10 ሽማግለ “ሰማዕ” ወይ እዙዝ ኪኸውን ኣለዎ። (ያእ. 3:17) ሓደ እዙዝ ሽማግለ ነቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ወይ ካብ ውድብ ኣምላኽ ዚውሃቦ መምርሒ ይሰምዕ ወይ ብቕልጡፍ ይእዘዝ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ንኻልኦት ሰናይ ኣብነት ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ተኣዛዝነቱ ኺፍተን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ እተዋህቦ መምርሒ ምፍጻም ኪኸብዶ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት ከኣ፡ ብዛዕባ ናይ ገሊኡ መምርሒ ግብራውነት ወይ ጥበባውነት ሕቶ ኺልዓሎ ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ንናጽነቱ ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ዚኽእል ዕዮ ኺውሃቦ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ሽማግለታት ብተኣዛዝነት ዝመጸ ንጊዴዎን ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧
11. ሽማግለታት እዙዛት ምእንቲ ኪዀኑ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧
11 ንዚውሃብ መምርሒ ተጠንቂቕካ ስማዕ፡ ኣብ ግብሪ እውን ኣውዕሎ። የሆዋ ንጊዴዎን፡ ነቲ ናይ ኣቦኡ መሰውኢ ብኸመይ ከም ዜፍርሶ፡ ንዕኡ ዚኸውን ሓድሽ መሰውኢ ኣበይ ከም ዚሰርሕ፡ ከምኡ እውን እንታይ እንስሳ ኸም ዚስውእ ነጊርዎ እዩ። ጊዴዎን ነቲ እተዋህቦ መምርሒ ኣብ ሕቶ ኣየእተዎን፣ የግዳስ፡ ከምቲ እተባህሎ እዩ ገይሩ። ሎሚ ሽማግለታት ምስ መንፈሳውን ስጋውን ድሕንነትና ብዚተሓሓዝ ብደብዳበታትን ብምልክታታትን ብመምርሒታትን ኣቢሉ፡ ካብ ውድብ የሆዋ መምርሒታት ይመጾም እዩ። ሽማግለታትና ንቲኦክራስያዊ መምርሒ ብተኣማንነት ዚስዕቡ ብምዃኖም ነፍቅሮም ኢና። ካብዚ ድማ ምልእቲ ጉባኤ እያ እትጥቀም።—መዝ. 119:112።
12. ኣብ ቲኦክራስያዊ መምርሒ ለውጢ እንተ ኣልዩ፡ ሽማግለታት ንእብራውያን 13:17 ኺትግብርዋ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
12 ምትዕርራይ ንምግባር ፍቓደኛ ኹን። ጊዴዎን ብመሰረት እቲ የሆዋ ዝሃቦ ትእዛዝ ንብዝሒ ሰራዊቱ ብልዕሊ 99 ሚእታዊት እዩ ነክዩ። (መሳ. 7:8) ‘እዚ ለውጢ እዝስ ብሓቂ የድሊ ድዩ፧ የዋጽእ ድዩ፧’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ እተባህሎ ተኣዚዙ እዩ። ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን ኣብ ቲኦክራስያዊ መምርሒ ንዚመጽእ ለውጥታት ብምትግባር ንጊዴዎን ይመስልዎ እዮም። (እብራውያን 13:17 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ብ2014 ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብቲ ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ዚምወለሉ መገዲ ለውጢ ገበረ። (2 ቈረ. 8:12-14) ድሕርዚ፡ ጉባኤታት ዚኸፍላኦ ልቓሕ ከም ዘይህሉ ተሓበረ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ገንዘበን ኣብ ሓደ ማዕከን ከም ዚኸውን ብምግባር፡ ገንዘባዊ ዓቕመን ብዘየገድስ ከከም ኣድላዪነቱ መአከቢታት ከም ዚስራሕ ተገልጸ። ሆሴ ብዛዕባ እዚ ለውጢ እዚ ምስ ሰምዐ፡ እዚ ኣሰራርሓ እዚ ብሓቂ ዚዓዪ እንተ ዀይኑ ስለ ዘጠራጠሮ፡ ‘ዋላ ሓንቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እኳ ኣይክትህነጽን እያ። ኣብ ዓድና በዚ ኸምዚ ኽትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ’ ኢሉ ሓሲቡ ነይሩ። እሞ ደኣ ነቲ እተዋህቦ መምርሒ ኺድግፍ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ባዕሉ ኺምልስ ከሎ፡ “ኣብ ምሳሌ 3:5, 6 ዚርከብ ቃላት፡ ብየሆዋ ኽእመን ኣዘኻኺሩኒ። ውጽኢቱ ድማ ዜደንቕ እዩ ዀይኑ! ዝያዳ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ርእሲ ምህናጽና፡ ወፈያ እንገብረሉ እተፈላለየ መገድታት እውን ተማሂርና፣ በዚ ኸምዚ ምምዕርራይ ኪኸውን ክኢሉ እዩ” ይብል።
13. (ሀ) ብዛዕባ እንታይ እዩ ጊዴዎን ርግጸኛ ዝነበረ፧ (ለ) ሽማግለታት ንጊዴዎን ኪመስልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
13 ብትብዓት ፍቓድ የሆዋ ግበር። ጊዴዎን ፍርህን ሓደጋን እናሃለዎ ኽነሱ፡ ንየሆዋ ተኣዚዝዎ እዩ። (መሳ. 9:17) ካብ የሆዋ መረጋገጺ ምስ ተዋህቦ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምዕቋብ ኣብ ዚገብሮ ጻዕሪ፡ ደገፍ የሆዋ ኸም ዘይፍለዮ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዘሎ ቦታታት ዜገልግሉ ሽማግለታት እውን፡ ንጊዴዎን ይመስልዎ እዮም። ኪእሰሩ፡ ኪምርመሩ፡ ካብ ስራሕ ኪስጐጉ፡ ወይ ኣደዳ ማህረምቲ ኪዀኑ ዚኽእሉሉ ኣጋጣሚ እናሃለወ ኽነሱ፡ ብትብዓት ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎትን ካብ ምምራሕ ድሕር ኣይብሉን እዮም። c ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ሓደገኛ ዅነታት ዚህሉ እኳ እንተ ዀነ፡ ሽማግለታት ነቲ ዚውሃቦም መምርሒ ንምስዓብ ትብዓት ኬድልዮም እዩ። ገለ ኻብቲ ዚውሃቦም መምርሒታት ድማ ከም ምሳልያዊ በረድ ዝኣመሰለ መልእኽቲ ምእዋጅን ካብ መጥቃዕቲ ጎግ ብዓል ማጎግ ንምድሓን እንታይ ክንገብር ከም ዚግባእን ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ህዝ. 38:18፣ ራእ. 16:21።
ተጻዋርነትካ ኺፍተን ከሎ
14. ተጻዋርነት ጊዴዎን ብኸመይ እዩ ተፈቲኑ፧
14 እቲ ንጊዴዎን ከም ፈራዲ መጠን እተዋህቦ ዕዮ ኣድካሚ እዩ ነይሩ። ሚድያናውያን ኣብቲ ብለይቲ እተገብረ ውግእ ምስ ሃደሙ፡ ጊዴዎን ካብ ስንጭሮ ይዝርኤል ክሳብ ፈለግ ዮርዳኖስ ሰዓቦም፣ እዚ ቦታ እዚ ብጣሻ ዝመልአ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መሳ. 7:22) እሞኸ ጊዴዎን ኣብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሐ ምስጓጕ ሓዲግዎዶ፧ ኣይፋልን! ንሱን እቶም 300 ሰቡን ደኺሞም እኳ እንተ ነበሩ፡ ንጸላኢ ኻብ ምስጓጕ ግና ኣየቋረጹን። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ንሚድያናውያን ኣርኪቦም ሰዓርዎም።—መሳ. 8:4-12።
15. ተጻዋርነት ሽማግለ ብኸመይ ኪፍተን ይኽእል፧
15 ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ሽማግለ በቲ ንጉባኤኡን ንስድራ ቤቱን ዜርእዮ ሓልዮት ብኣካላዊ፡ ብኣእምሮኣዊ፡ ወይ ብስምዒታዊ መዳይ ሓይሉ ኺጽንቀቕ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ሽማግለታት ንጊዴዎን ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧
16-17. ጊዴዎን ኪጻወር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ሽማግለታት ብዛዕባ እንታይ እዮም ኪተኣማመኑ ዚኽእሉ፧ (ኢሳይያስ 40:28-31) (ስእሊ እውን ርአ።)
16 የሆዋ ኸም ዜበርትዓካ እመን። ጊዴዎን፡ የሆዋ ኸም ዜበርትዖ ኣሚኑ ነይሩ እዩ፣ የሆዋ እውን ኣየሕፈሮን። (መሳ. 6:14, 34) ጊዴዎንን ሰቡን ንኽልተ ነገስታት ሚድያን ብእግሪ ኣብ ዚስዕቡሉ ዝነበሩ እዋን፡ እቶም ነገስታት ኣብ ኣግማል ተወጢሖም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (መሳ. 8:12, 21) ኰይኑ ግና፡ እቶም እስራኤላውያን ቈሪጾም ስለ እተላዕሉ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ተዓወቱ። ሽማግለታት ድማ ኣብቲ “ኸቶ ዘይደክምን ዘይሕለልን” የሆዋ ኺውከሉ ይኽእሉ እዮም። ንሱ እውን ኣብ ዜድልዮም እዋን፡ ብርታዐ ይህቦም እዩ።—ኢሳይያስ 40:28-31 ኣንብብ።
17 ማትዩ ኣባል ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ዀይኑ እዩ ዜገልግል። እሞ ደኣ ኣብ ዕዮኡ ንዜጋጥሞ ብድሆታት ንምጽዋር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ማትዩ ኸምዚ ይብል፦ “ሓቅነት ፊልጲ 4:13 ርእየ እየ። ብዙሕ ግዜ ምስ ደኸምኩን ሓይለይ ምስ ተወድኣንን ብጽኑዕ ናብ ኣምላኽ ጸልየ እየ፣ ንኣሕዋት ንምድጋፍ ዜኽእለኒ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሓይሊ ኺህበኒ እውን ለሚነዮ እየ። ኣብቲ ኣጋጣሚታት እቲ፡ መንፈስ የሆዋ ኼበርትዓንን ነቲ ጸገም ንምጽዋር ኪሕግዘንን ከሎ ተሰሚዑኒ እዩ።” ውፉያት ሽማግለታትና ጕልበቶም ከይቈጠቡ ነተን መጓሰ ኺጓስዩ ኸለዉ፡ ከም ጊዴዎን ዕንቅፋታት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ ዓቕሞም ድሩት ምዃን ኪፈልጡ ኣለዎም፣ ልዕሊ ዓቕሞም ንምግባር እውን ኪጽዕሩ የብሎምን። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ነቲ ሓገዙ ደልዮም ዜቕርብዎ ልማኖ ኸም ዚስምዖን ንምጽዋር ዜድልዮም ብርታዐ ኸም ዚህቦምን ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም።—መዝ. 116:1፣ ፊል. 2:13።
18. ሽማግለታት ንጊዴዎን ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧
18 ሽማግለታት ካብ ጊዴዎን እዋናውን ግብራውን ትምህርትታት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ዚቕበልዎ ብዝሒ ዕዮን ኣብቲ ንነቐፌታ ዀነ ንናእዳ ዚህብዎ ብምላሽን ትሕትና ኼርእዩ ይግባእ። ምናዳ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን፡ እዙዛትን ተባዓትን ኪዀኑ ይግባእ። ዜጋጥሞም ዕንቅፋታት ብዘየገድስ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ዜበርትዖም እምነት ኬሕድሩ ኣለዎም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነዞም ጻዕረኛታት ጓሶት እዚኦም ነማስዎምን ‘ነኽብሮምን’ ኢና።—ፊል. 2:29።
መዝሙር 120 ከም ክርስቶስ ልኡማት ንኹን
a የሆዋ ንጊዴዎን ኣብ ታሪኽ እስራኤል ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዋን ንህዝቡ ኺጓስን ኬዕቍብን እዩ ሸይምዎ። ጊዴዎን ከኣ ነዚ ዕዮ እዚ፡ ንኣስታት 40 ዓመት ብተኣማንነት ዓይዩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሓያሎ ብድሆታት ኣጋጢምዎ እዩ። ሎሚ ሽማግለታት ተመሳሳሊ ፈተናታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ኣብነቱ ብኸመይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ክንርኢ ኢና።
b ንርእስና ብግቡእ ብምግምጋምን ዓቕምና ብምፍላጥን ትሕትና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ትሕትና ኻብ ትዕቢት ወይ ትምክሕቲ ናጻ ምዃን ተመልክት።—ፊል. 2:3።
c ኣብታ ኣብ ናይ ሓምለ 2019 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣብ ትሕቲ እገዳ ብቐጻሊ ንየሆዋ ኣምልኮ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ገጽ 10-11፡ ሕ.ጽ. 10-13 ርአ።