ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ገሊኦም ሰባት ነቲ ኣብ መዝሙር 12:7 ዘሎ “ኽትሕልዎም” ዚብል ቃል ምስ “ቃላት የሆዋ” (ፍቕዲ 6) ኼተኣሳስርዎ ኸለዉ፡ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ግና ብንጹር ምስቶም “ውጹዓት” (ፍቕዲ 5) ተኣሳሲሩ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት፡ እዛ ፍቕዲ እዚኣ ምስ ሰባት ከም እትተኣሳሰር ይሕብር እዩ።

ኣብ መዝሙር 12:1-4፡ “እሙናት ካብ መንጎ ሰባት ጠፊኦም” ዚብል ነንብብ። ሕጂ ነቲ ሕቶ እተላዕለሉ ኣብ መዝሙር 12:5-7 ዘሎ ሓሳባት ንርአ።

“‘ውጹዓት ስለ እተጨቈኑ፡

ድኻታት ድማ እህህ ስለ ዝበሉ፡

ክትንስእ እየ’ ይብል የሆዋ።

‘ካብቶም ዚንዕቕዎም ከድሕኖም እየ።’

ቃላት የሆዋ ንጹህ እዩ፣

ኣብ እቶን መሬት ከም ዝጸረየ፡ ሸውዓተ ሳዕ ከም ዝነጽሀ ብሩር እዩ።

ኦ የሆዋ፡ ክትሕልዎም፡

ንነፍሲ ወከፎም ካብዚ ወለዶ እዚ ንዘለኣለም ከተዕቍቦም ኢኻ።”

ኣብ ፍቕዲ 5፡ ኣምላኽ ብዛዕባ “ውጹዓት” እንታይ ከም ዚብል ተሓቢሩ ኣሎ። ኬድሕኖም ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ፍቕዲ 6፡ “ቃላት የሆዋ ንጹህ እዩ፣ . . . ከም ዝነጽሀ ብሩር እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። ውፉያት ክርስትያናት ነዚ ምሉእ ብምሉእ ይሰማምዑሉ እዮም።—መዝ. 18:30፣ 119:140

ሕጂ ነታ ቐጺላ ዘላ ፍቕዲ፡ ማለት ንመዝሙር 12:7 ንርኣያ፦ “ኦ የሆዋ፡ ክትሕልዎም፡ ንነፍሲ ወከፎም ካብዚ ወለዶ እዚ ንዘለኣለም ከተዕቍቦም ኢኻ።” እሞ ደኣ እዛ ፍቕዲ እዚኣ ምስቲ ቕድሚኣ ዘሎ “ቓላት የሆዋ” ዘይኰነስ፡ ምስቶም “ውጹዓት” ተተሓሒዛ ኽትትርጐም ከም ዚግባእ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ፍቕዲ 7 ነቲ ብዛዕባ “ቓላት የሆዋ” እተዋህበ ሓሳባት ስዒባ ስለ ዝመጸት፡ ኣምላኽ ንቓላቱ ኸም ዚሕልዎ ገይሮም ዚድምድሙ ሰባት ኣለዉ። ከም ሓቂ ኸኣ፡ ተጻረርቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪእግድዎን ኬጥፍእዎን ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ኣምላኽ ንቓሉ ሓልይዎ እዩ።—ኢሳ. 40:8፣ 1 ጴጥ. 1:25

ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ፍቕዲ 5 ተባሂሉ ዘሎ ነገር እውን ብማዕረ ሓቅነት ኣለዎ። የሆዋ “ንውጹዓት” ኰነ ‘ንጭቁናት’ ሓጊዝዎምን ኣድሒንዎም እዩ፣ ብሕጂ እውን ከምኡ ኺገብር እዩ።—እዮ. 36:15፣ መዝ. 6:4፣ 31:1, 2፣ 54:7፣ 145:20

እሞ ደኣ ፍቕዲ 7 ንሰባት ከም እተመልክት ብኸመይ ክንድምድም ንኽእል፧

ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሓሳባት ነዚ ይሕብር እዩ።

ኣብ መዝሙር 12:1፡ ብዛዕባ እቶም ሓሶት እተነግሮም “እሙናት” ተጠቒሱ ኣሎ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ኣንጻር እቶም ንልሳኖም ብዘይግቡእ ዚጥቀሙሉ ሰባት ከም ዚልዓል ተሓቢሩ ኣሎ። እታ መዝሙር ከኣ፡ ቃላት ኣምላኽ ንጹህ ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ኽንኣምኖ ኸም እንኽእል ተረጋግጸልና።

ስለዚ፡ ፍቕዲ 7፡ የሆዋ ነቶም ግዳይ እኩያት ዝዀኑ ውጹዓት ከም ዚሕልዎምን ከም ዜዕቍቦምን እያ እትገልጽ ዘላ።

ኣብዚ እተጠቐምናሉ ኣተራጕማ ነቲ ኣብ ናይ ማሶራውያን ዘሎ ጽሑፍ እብራይስጢ እዩ ዜንጸባርቕ። ኣብ ናይ ግሪኽኛ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ድማ፡ ኣብ ፍቕዲ 7፡ “ክትሕልወና፡” “ከተዕቍበና” እዩ ተባሂሉ ዘሎ፣ እዚ ድማ ነቶም ውጹዓትን ጭቁናትን ዝዀኑ እሙናት እዩ ዜመልክት። ብተወሳኺ፡ ኣብ ፍቕዲ 7፡ “ነፍሲ ወከፎም፡” ማለት ነፍሲ ወከፍ እቶም እሙናት ‘ካብቶም ንእከይ ዜስፋሕፍሑ ወለዶ’ ኸም ዚዕቈቡ ተሓቢሩ ኣሎ። (መዝ. 12:7, 8) ብዘይካዚ ድማ፡ ፍቕዲ 7 ኣብ ናይ ኣራማይስጢ ታርጉማት ከምዚ ትንበብ፦ “ኦ ጐይታ፡ ንጻድቃን ተዕቍቦም፡ ካብዚ እኩይ ወለዶ ኸኣ ንዘለኣለም ትሕልዎም። ከምቶም ደም ደቂ ሰብ ዚመጽዩ ዓለቕቲ፡ እኩያት ኣብ ኵሉ ይዞሩ።” እዚ ኸኣ መዝሙር 12:7 ብዛዕባ ቓላት ኣምላኽ ትዛረብ ከም ዘየላ ዚሕብር ተወሳኺ መርትዖ እዩ።

ስለዚ፡ እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ን“እሙናት” ተስፋ ትህቦም እያ፣ እወ፡ ኣምላኽ ብርግጽ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ።