ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ታሕሳስ 2019

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 3 ለካቲት–1 መጋቢት 2020 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ንዕዮን ንዕረፍትን “ገግዜኡ ኣለዎ”

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ እስራኤላውያን ዚሕልውዎ ሕጊ ሰንበት ከም ኣብነት ብምጥቃም፡ ብዛዕባ ዕዮን ዕረፍትን ዘሎና ኣረኣእያ ንምግምጋም ክትሕግዘና እያ።

የሆዋ ንሓርነትካ መሰናድዎ ገይሩልካ

እታ ጥንታዊት ዓመት እልልታ ነቲ የሆዋ ንዓና ዝገበረልና መሰናድዎ ሓርነት ተዘኻኽረና።

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ሕጽይቲ ጓል “ኣብ መሮር” እንተ ዓሚጽዋን ንሳ እንተ ኣእውያን፡ ንሳ ኻብ ዝሙት ንጽህቲ እያ ነይራ፡ ንሱ ግና ገበነኛ እዩ ዚኸውን ነይሩ። ስለምንታይ፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሰይጣን ንሄዋን ካብ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን እንተ በሊዓ ኸም ዘይትመውት ኪነግራ ኸሎ፡ ነዚ ሎሚ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ነፍሲ ኣይትመውትን ዚብል ሓሳብ ድዩ ዜተኣታቱ ነይሩ፧

ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣጸቢቕካ እትፈልጦ፧

ንየሆዋ ትፈልጦ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ብዛዕባ ምምዕባልከ ኻብ ሙሴን ካብ ንጉስ ዳዊትን እንታይ ንምሃር፧

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ኣሰልጥንዎም

ከመይ ገይሮም እዮም ወለዲ ንደቆም፡ ንየሆዋ ምፍቃር ኬሰልጥንዎም ዚኽእሉ፧

“ብዅሉ ኣመስግኑ”

ናይ ምምስጋን መንፈስ ምምዕባል፡ ንዓና ጽቡቕ ዝዀነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ።

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኣንቢብካዮዶ፧ እንታይ ከም እትዝክር እስከ ርአ።

መሐበሪ ርእሰ ነገር ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን 2019

መሐበሪ ርእሰ ነገር ኵሉ እቲ ኣብ 2019 ኣብ ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን እተሓትመ ዓንቀጻት።