ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሰይጣን ንሄዋን ካብ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን እንተ በሊዓ ኸም ዘይትመውት ኪነግራ ኸሎ፡ ነዚ ሎሚ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ነፍሲ ኣይትመውትን ዚብል ሓሳብ ድዩ ዜተኣታቱ ነይሩ፧

ኣይፋልን ኪብሃል ይከኣል እዩ። ድያብሎስ ንሄዋን ካብታ ኣምላኽ ዝኸልከሎም ፍረ እንተ በሊዓ ኸም ዝሞተት ከም እትመስል፡ ግናኸ ኣብ ውሽጣ እትርከብ ዘይትርአ ረቃቕ ነገር (እታ ሎሚ ገሊኦም ዘይትመውት ነፍሲ ዚብልዋ) ኣብ ካልእ ከም እትነብር ኣይኰነን ነጊርዋ። ሰይጣን ብተመን ኣቢሉ፡ ካብ ፍረ እታ ኦም እንተ በሊዓ፡ ‘ከቶ ኸም ዘይትመውት’ እዩ ነጊርዋ። ብህይወት ምንባር ከም እትቕጽል፡ ኣብ ምድሪ ድማ ዝሓሸ ህይወት ከም ዚህልዋ፡ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ዘይኰነስ ብርእሳ ኸም እትመሓደር እዩ ኣሚቱ።—ዘፍ. 2:17፣ 3:3-5

እሞ ደኣ እዚ ሎሚ ዘሎ ሰረተ እምነት ኢመዋትነት ነፍሲ መበቈሉ ኣብ ኤደን እንተ ዘይኰይኑ፡ መዓስ እዩ ጀሚሩ፧ ርግጸኛታት ኴንና በዚ ግዜ እዚ ኽንብል ኣይኽእልን ኢና። ግናኸ፡ ኵሉ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣብቲ ብዘመን ኖህ ዝመጸ ማይ ኣይሂ ኸም ዝጠፍአ ንፈልጥ ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኖህን ስድራ ቤቱን ጥራይ ስለ ዝደሓኑ፡ ንሳቶም እውን ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ስለ ዝነበሩ፡ ግጉይ ሃይማኖታዊ ሓሳባት ንማይ ኣይሂ ኣይሰገረን።

ስለዚ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ነፍሲ ሰብ ኣይትመውትን ዚብል ትምህርቲ ድሕሪ ማይ ኣይሂ እዩ መጺኡ ኪኸውን ዘለዎ። ኣምላኽ ኣብ ባቤል ንቛንቋታት ምስ ደባለቖን እቶም ህዝቢ ናብ “ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ” ፋሕ ምስ በሉን ከኣ፡ ነቲ ሰባት ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶም ዚብል ሓሳብ ምሳታቶም ሒዞምዎ ተበቲኖም ኪዀኑ ኣለዎም። (ዘፍ. 11:8, 9) እቲ ናይ ሓሶት ሓሳብ መበቈሉ መዓስ ምዃኑ ብዘየገድስ ግና፡ ካብቲ “ኣቦ ሓሶት” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኸም ዝዀነ፡ ብሰፊሑ ኺዝርጋሕ ከሎ እውን ንሱ በዚ ባህ ከም ዚብሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 8:44