ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብዅሉ ኣመስግኑ”

“ብዅሉ ኣመስግኑ”

ኣመስጋኒ ወይ መመሰዊ ዲኻ፧ ኵላትና ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽንሓስበላ ኣሎና። ኣብዚ ግዜና፡ ብዙሓት ሰባት “ዘየመስግኑ” ኸም ዚዀኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይንበ እዩ። (2 ጢሞ. 3:2) ንዚግበረሎም ወይ ንዚውሃቦም ነገራት ‘ይግብኣኒ እዩ’ ዓይነት ስምዒት ዘለዎም ሰባት ኣጓኒፎምኻ ይዀኑ። ነቲ እተዋህቦም ከኣ ኬመስግኑ ኸም ዘየድልዮም ይስምዖም ይኸውን። ምስዞም ሰባት እዚኦም ምቅርራብ መሸም፡ ባህ ዜብል ኣይኰነን።

ብኣንጻሩ ግና፡ ንኣገልገልቲ የሆዋ፡ “ኣመስገንቲ . . . ኹኑ፡” ከምኡ ድማ “ብዅሉ ኣመስግኑ” ተባሂሉ ተነጊርዎም ኣሎ። (ቈሎ. 3:15፣ 1 ተሰ. 5:18) ናይ ምምስጋን መንፈስ ምምዕባል፡ ንዓና ጽቡቕ እዩ። ከምኡ ዝዀነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ።

ምስጋና ምስቲ ብዛዕባ ርእስኻ ዘሎካ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይተኣሳሰር

ሓደ ኻብቲ ናይ ምምስጋን መንፈስ ከነማዕብለሉ ዘሎና ምኽንያት፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ስለ ዜኽእለና እዩ። ዜመስግን ሰብ ብዛዕባ ርእሱ ጽቡቕ ይስምዖ እዩ፣ እቲ ዚምስገን ሰብ እውን እንተ ዀነ ጽቡቕ ይስምዖ እዩ። ምስጋና ንኽልቲኦም ጽቡቕ ስምዒት ዚፈጥረሎም ስለምንታይ እዩ፧ ነዚ ኣብነት እዚ እስከ ሕሰበሉ፦ ሰባት ሓደ ነገር ኪገብሩልካ ፍቓደኛታት ዚዀኑ፡ ‘ይግብኦ’ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ ደይኰነን፧ ስለዚ፡ ይሓልዩልካ እዮም ማለት እዩ። ሓልዮቶም ምስ ረኣኻ ድማ፡ ብዛዕባ ርእስኻ ጽቡቕ ይስምዓካ እዩ። ሩት ከምኡ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ከም ዚኽእል ክንግምት ንኽእል ኢና። ቦኣዝ ንሩት ለጊሱላ እዩ። እዚ ኸኣ ንሩት ዚሓልየላ ሰብ ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ስለ ዘኽኣላ፡ ብዙሕ ኣሐጒስዋ ኪኸውን ኣለዎ።—ሩት 2:10-13

ምናዳ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ዝሃበካን ብሕጂ እውን ዚህበካን ሓያሎ መንፈሳውን ኣካላውን ውህበታት ከም እትሓስብ ኣየጠራጥርን እዩ። (ዘዳ. 8:17, 18፣ ግብ. 14:17) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣምላኽ ዝገበረልካ ሰናይ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ኣብ ክንዲ እትሓስበሉ፡ ነቲ ኣምላኽ ንዓኻን ንእትፈትዎም ሰብካን ዘፍሰሰልካ ብዙሕ በረኸት ግዜ ወሲድካ ኣስተንትነሉ። ብዛዕባ ልግሲ ፈጣሪኻ ምስትንታንካ፡ ነቲ ንዕኡ ዘሎካ ምስጋና ኼዕዝዞ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረካን ከም ዜኽብረካን እውን ኪርድኣካ እዩ።—1 ዮሃ. 4:9

እንተዀነ ግና፡ ብዛዕባ ልግሱ ኻብ ምሕሳብን ብዛዕባ በረኸቱ ኻብ ምስትንታንን ንላዕሊ እውን ግበር፣ ንየሆዋ ስለቲ ሕያውነቱ ኣመስግኖ። (መዝ. 100:4, 5) “መግለጺ ምስጋና ንሓጐስ ወዲ ሰብ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ይገብር እዩ” ይብሃል እዩ።

ምስጋና ንሰባት የቀራርብ

ኣመስጋኒ ምዃን ንጥቕምኻ ዝዀነሉ ኻልእ ምኽንያት፡ ዕርክነት ስለ ዜደልድል እዩ። ኵላትና ኽንምስገን ንደሊ ኢና። ንሰብ ስለቲ ሰናይ ተግባሩ ኻብ ልቢ እንተ ኣመስጊንካዮ፡ ኣብ መንጎኹም ዝሓሸ ቕርርብ ይፍጠር እዩ። (ሮሜ 16:3, 4) ብዘይካዚ ድማ፡ ኣመስገንቲ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንሰብ ኪሕግዙ ይደልዩ እዮም። ነቲ ዚግበረሎም ሰናይ ነገራት የስተብህሉሉ፡ ከም ውሬታኡ ኸኣ ሰናይ ነገር ንምግባር ይድረኹ እዮም። እወ፡ ንኻልኦት ምሕጋዝ ሓጐስ የምጽእ እዩ። ከምቲ የሱስ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ዝበሎ እዩ።—ግብ. 20:35

ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ብዛዕባ ምስጋና ዝገበሮ መጽናዕቲ ዳይረክተር ኰይኑ ዘገልገለ ሮበርት ኢሞንስ፡ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣመሓላሊፉ ኣሎ፦ “ብናይ ምስጋና ዓይኒ ኽንርኢ እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ወሃብትን ተቐበልትን እንዀነሉ ምትእስሳር ክንርእዮ ኣሎና።” ብህይወት ንምንባርን ሕጉሳት ንምዃንን፡ ብብዙሕ መገድታት ደገፍ ካልኦት ከም ዜድልየና ኣይከሓድን እዩ። ንኣብነት፡ ካልኦት ሰባት፡ ምግቢ የቕርቡልና ወይ ሕክምናዊ ኽንክን ይገብሩልና ይዀኑ። (1 ቈረ. 12:21) ኣመስጋኒ ሰብ ነቲ ኻልኦት ዚገብሩሉ ብንጹር የማስወሉ እዩ። እሞኸ ነቲ ኻልኦት ዚገብሩልካ ነገር፡ ምስጋናኻ ናይ ምግላጽ ልማድ ኣሎካዶ፧

ምስጋና ምስቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎካ ኣመለኻኽታ ይተኣሳሰር

ኣመስጋኒ ናይ ምዃን ባህርይ ከተማዕብለሉ ዘሎካ ኻልእ ምኽንያት፡ ኣብ ኣሉታዊ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣወንታዊ ኸተተኵር ስለ ዚሕግዝ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣእምሮኻ ኸም መጻረዪ ዀይኑ እዩ ዚዓዪ። ንገሊኡ መዳይ እቲ ኣብ ከባቢኻ ዚኸውን ነገራት ኪዓግቶ ኸሎ፡ ንገሊኡ መዳያት ግና የተኵረሉ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ኣወንታዊ ነገራት ይርኣየካ፣ ነቲ ጸገማት ከኣ ኣይተተኵረሉን። ብዝያዳ ኣመስጋኒ ብዝዀንካ መጠን፡ ብዝያዳ ድማ ሰናይ እዩ ዚርኣየካ፣ እዚ እውን ብግዲኡ መሊሱ ብዝያዳ ኣመስጋኒ እዩ ዚገብረካ። ኣመስጋኒ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኵሉ ሳዕ ብጐይታ ተሓጐሱ” ኢሉ ዝሃቦ ምሕጽንታ ንምትግባሩ ይሕግዘካ እዩ።—ፊል. 4:4

ኣመስጋኒ ምዃን ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ የጥፍኦ እዩ። ንሓደ ነገር እተመስግነሉ እንተ ዄንካ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ቕንኢ፡ ጓሂ፡ ወይ ቅሬታ ኺስምዓካ ኣይክእልን እዩ። ኣመስገንቲ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብፍቕረ ንዋይ ኣይሽገሩን እዮም። ነቲ ዘለዎም የማስዉሉ እዮም፡ ዝያዳ ኣብ ምርካብ እውን ኣየተኵሩን እዮም።—ፊል. 4:12

ብዛዕባ እቲ ዝረኸብካዮ በረኸት ሕሰብ

ክርስትያን ብምዃንካ፡ ሰይጣን በቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዜጋጥመካ ጸገማት ኪደቝሰካን ኪድህለካን ይደሊ እዩ። ኣሉታዊ ኣረኣእያን ናይ ምምራር መንፈስን እንተ ኣሕዲርካ፡ ባህ እዩ ዚብሎ። ከምዚ ዓይነት መንፈስ እንተ ኣልዩካ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰብኽ ከለኻ ብዙሕ ኣይትዕወትን ኢኻ። ከም ሓቂ፡ ምስጋና ምስ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ፣ ንኣብነት፡ ነቲ ኣምላኽ ዝገበረልካ ሰናይ ተስተብህለሉ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ዘተስፈወና ተስፋታት እውን እምነት እንተ ኣልዩካ፡ ሓጐስ ትረክብ ኢኻ።—ገላ. 5:22, 23

ሓደ ኻብ ህዝቢ የሆዋ ብምዃንካ፡ ምስዚ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ ምስጋና እተገልጸ ነገር ትሰማማዕ ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ኣመስጋንን ኣወንታውን ምዃን ብቐሊሉ እነማዕብሎ ነገር ዘይምዃኑ ኣስተውዒልካ ትኸውን ኢኻ። በዚ ግና ተስፋ ኣይትቝረጽ። ናይ ምምስጋን ባህርይ ከተማዕብልን ነዚ ዓቂብካ ኽትመላለስን ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ብዛዕባ እቲ እተመስግነሉ ገሊኡ መዳይ ህይወትካ፡ መዓልቲ መዓልቲ ግዜ ወሲድካ ሕሰብ። ብዝያዳ ኸምኡ ብዝገበርካ መጠን፡ ብዝያዳ ኣመስጋኒ ኽትከውን ኢኻ። እዚ ድማ ካብቶም ኣብ ጸገማት ዜተኵሩ ሰባት ንላዕሊ ሕጉስ ኪገብረካ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽን ሰባትን ዚገብርዎ ዜተባብዕን ባህ ዜብልን ሰናይ ነገራት ኣስተንትን። ነዚ ኸኣ ኣብ ዕለታዊ መዝገብካ ኽትጽሕፎ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ መዝገብካ እውን በታ መዓልቲ እቲኣ እተመስግነሉ ኽልተ ወይ ሰለስተ ነገራት ክትምዝግብ ትኽእል ኢኻ።

ገሊኦም ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ መጽናዕቲ ዝገበሩ ሰባት፡ “ኣዘውቲርና እነመስግን እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣብ ሓንጐልና ዘሎ ኒውሮን ብቐሊሉ ናብ ኣወንታዊ ኸም ዚዘዙ ይገብሮ እዩ” ይብሉ እዮም። ኣመስጋኒ ሰብ፡ ዝያዳ ሓጐስ ኣለዎ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብካዮ በረኸት ሕሰብ፡ ነቲ ኣብ ህይወትካ ዝረኸብካዮ ኣወንታዊ ነገራት ኣስተንትነሉ፡ ኣመስጋኒ እውን ኩን! ንሰናይ ነገራት ኣቕሊልካ ኣብ ክንዲ እትርኢ፡ ‘ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግኖ።’ እወ፡ ‘ብዅሉ ኣመስግን።’—1 ዜና 16:34፣ 1 ተሰ. 5:18