ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 51

ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣጸቢቕካ እትፈልጦ፧

ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣጸቢቕካ እትፈልጦ፧

“ስምካ ዚፈልጡ ብኣኻ ኺእመኑ እዮም፣ ኦ የሆዋ፡ ንዚደልዩኻ ኣይትሓድጎምን ኢኻ።”—መዝ. 9:10

መዝሙር 56 ንሓቂ ኣጥርያ

መላለዪ *

1-2. ኣብ ተመክሮ ኣንሀሊቶ ኸም እተራእየ፡ ነፍሲ ወከፍና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ወለድኻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድዮም፧ ከምኡ እንተ ዀይኖም፡ ምስ የሆዋ እትምስርቶ ብሕታዊ ርክብ ካባታቶም ክትወርሶ ኸም ዘይትኽእል ክትርስዕ የብልካን። ወለድና ንኣምላኽ ዜገልግሉ ይኹኑ ወይ ኣይኹኑ፡ ነፍሲ ወከፍና ብርእስና ምስ የሆዋ ዕርክነት ከነማዕብል ኣሎና።

2 ኣንሀሊቶ ዝስሙ ሓው ዘሕለፎ ተመክሮ እስከ ንርአ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዲ እዮም ኣዕብዮምዎ። ብንእስነቱ ግና፡ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ርክብ ከም ዝመስረተ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። “ስድራይ ዚገብርዎ ዝነበሩ ኽገብር ስለ ዝደለኹ ጥራይ እየ ንየሆዋ ዘገልግሎ ነይረ” ድማ ይብል። ኰይኑ ግና፡ ቃል ኣምላኽ ንምንባብን ብዛዕባኡ ንምስትንታንን ብዝያዳ ግዜ መደበ፡ ናብ የሆዋ ድማ ካብ ቅድሚኡ ንላዕሊ ብተደጋጋሚ ኺጽሊ ጀመረ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየሉ፧ ኣንሀሊቶ ኸምዚ ይብል፦ “ነቲ ዝፈትዎ ኣቦይ የሆዋ ክቐርቦ ዝኽእለሉ ሓደ በይኑ መገዲ፡ ኣነ ባዕለይ ክፈልጦ ኽጽዕር ከም ዘሎኒ ተማሂረ።” ተመክሮ ኣንሀሊቶ ኣገዳሲ ሕቶታት የበግስ እዩ፦ ኣብ መንጎ ብዛዕባ የሆዋ ምፍላጥን ኣብ መንጎ ንዕኡ ኣጸቢቕካ ምፍላጡን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧ ከመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ እንኽእል፧

3. ኣብ መንጎ ብዛዕባ የሆዋ ምፍላጥን ኣብ መንጎ ንዕኡ ኣጸቢቕካ ምፍላጡን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

3 ሓደ ሰብ፡ ስም ኣምላኽ እንተ ፈሊጡ፡ ንገለ ኻብቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ወይ ዝበሎ ነገራት እውን ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ የሆዋ ይፈልጥ እዩ ኽንብል ንኽእል ኢና። ንየሆዋ ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንፈልጦ ግና፡ ተወሳኺ ነገራት ክንገብር ኣሎና። ግዜ ወሲድና ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያቱን ክንፈልጥ ኣሎና። ድሕሪኡ ጥራይ እዩ ብምንታይ ተደሪኹ ኸም ዚዛረብን ተግባሩ ኸም ዚገብርን ኪርድኣና ዚኽእል። እዚ ድማ ንርእይቶታትናን ንውሳነታትናን ንተግባራትናን ዚሰምሮ እንተ ዀይኑ ኸነስተውዕል ይሕግዘና እዩ። የሆዋ ንዓና እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ምስ ኣስተውዓልና ኸኣ፡ ከምቲ ዝፈለጥናዮ ኽንገብር ኣሎና።

4. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት ምምርማርና ብኸመይ ይሕግዘና፧

4 ንየሆዋ ኸነገልግል ብምድላይና፡ ገሊኦም ሰባት የላግጹልና ይዀኑ፣ ምስ ህዝቡ ኽንሓብር ምስ ጀመርና እውን ይጻረሩና ይዀኑ። ንየሆዋ ንኣምኖ እንተ ዄንና ግና፡ ንሱ ኸቶ ኣይኬሕፍረናን እዩ። ነቲ ኣብ ምሉእ ህይወትና ዚቕጽል ምስኡ እንምስርቶ ዕርክነት ኢና መሰረት እነንብር ዘለና። ግናኸ፡ ንየሆዋ ብሓቂዶ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ንኽእል ኢና፧ እወ፡ ንኽእል ኢና! ከም እኒ ሙሴን ንጉስ ዳዊትን ዝኣመሰሉ ዘይፍጹማት ሰባት ዝሓደግዎ ኣብነታት፡ እዚ ኸም ዚከኣል የረጋግጸልና እዩ። ንሳቶም እንታይ ከም ዝገበሩ ኽንምርምር ከለና፡ ነዘን ዚስዕባ ኽልተ ሕቶታት ክንምልስ ኢና፦ ከመይ ገይሮም እዮም ንየሆዋ ፈሊጦምዎ፧ ካባታቶምከ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ሙሴ “ነቲ ዘይርአ” ረኣዮ

5. ሙሴ እንታይ ኪገብር እዩ ሓርዩ፧

5 ሙሴ ነቲ እተማህሮ ኣብ ተግባር ኬውዕሎ ወሲኑ እዩ። ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ፡ “ወዲ ጓል ፈርኦን” ተባሂሉ ኣብ ክንዲ ዚፍለጥ፡ ምስቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ እብራውያን ኪሓብር ወሰነ። (እብ. 11:24) ነቲ ኣኽቢርካ ዚርአ ቦታ ድማ ሓደጎ። ምስቶም ኣብ ግብጺ ባሮት ዝነበሩ እብራውያን ኪውግን ከሎ ድማ፡ እቲ ኸም ኣምላኽ ጌርካ ዚርአ ዝነበረ ሓያል ገዛኢ ዝዀነ ፈርኦን ኪቝጥዖ ኸም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብሓቂ እተደንቕ እምነት እዩ ኣርእዩ! ሙሴ ብየሆዋ እዩ ተኣሚኑ ነይሩ። ከምዚ ዝበለ እምንቶ ኸኣ መሰረት ነባሪ ርክብ እዩ።—ምሳ. 3:5

6. ካብ ሙሴ እንታይ ንምሃር፧

6 ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ኵላትና ኸም ሙሴ ውሳነታት ክንገብር ኣሎና፦ እሞኸ ንኣምላኽ ምግልጋልን ምስ ህዝቡ ምሕባርን ዲና ኽንሓሪ፧ ንኣምላኽ ንምግልጋል መስዋእቲ ኽንከፍል የድልየና ይኸውን፣ እቶም ንየሆዋ ዘይፈልጥዎ እውን ይጻረሩና ይዀኑ። በቲ ሰማያዊ ኣቦና ንእመን እንተ ዄንና ግና፡ ንሱ ኸም ዚድግፈና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

7-8. ሙሴ እንታይ እዩ ብቐጻሊ ዚምሃር ነይሩ፧

7 ሙሴ ብቐጻሊ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ይምሃርን ፍቓዱ ይገብርን ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ባርነት ሓራ ኼውጽኦም ምስ ተነግሮ፡ ርእሰ ምትእምማን ይጐድሎ ብምንባሩ፡ ብቕዓት ከም ዘይብሉ ንየሆዋ ደጋጊሙ ገሊጹሉ እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ ሓገዝ ብምድላው፡ ብሓቂ ርሕራሐ ኣርእይዎ እዩ። (ዘጸ. 4:10-16) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሙሴ ንፈርኦን ሓያል መልእኽቲ ፍርዲ ኼብጽሓሉ ኽኢሉ እዩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ኬድሕኖም፡ ንፈርኦንን ንሰራዊቱን ግና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኼጥፍኦምን ከሎ ኸኣ፡ ሙሴ ዜደንቕ ሓይሊ ኣምላኽ ርእዩ እዩ።—ዘጸ. 14:26-31፣ መዝ. 136:15

8 ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ወትሩ የማርሩ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ሙሴ ነቲ የሆዋ ምስቶም ካብ ባርነት ሓራ ዘውጽኦም ህዝቡ ዝነበሮ ዓብዪ ትዕግስቲ ተዓዚቡ እዩ። (መዝ. 78:40-43) ብዘይካዚ ድማ፡ ሙሴ ንየሆዋ ሓሳቡ ኪቕይር ምስ ለመኖ እሞ፡ ንሱ ኸምኡ ምስ ገበረ፡ ዜደንቕ ትሕትና ኸም ዘለዎ ርእዩ እዩ።—ዘጸ. 32:9-14

9. ብመሰረት እብራውያን 11:27፡ ሙሴ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ክሳዕ ክንደይ እዩ ጥብቂ ነይሩ፧

9 እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም፡ ሙሴ ምስ የሆዋ ኣዝዩ ጥብቂ ርክብ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኸም ዚርእዮ ዀይኑ እዩ ተመላሊሱ። (እብራውያን 11:27 ኣንብብ።) እቲ ርክቦም ክሳዕ ክንደይ ጥብቂ ኸም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ከምቲ ሰብ ምስ ብጻዩ ዚዛረብ፡ የሆዋ ንሙሴ ገጽ ንገጽ ይዛረቦ ነበረ” ይብል።—ዘጸ. 33:11

10. ንየሆዋ ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንፈልጦ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

10 ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ንየሆዋ ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንፈልጦ፡ ብዛዕባ ባህርያቱ ኽንፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሱ ዚደልዮ ኽንገብር ኣሎና። ሎሚ፡ የሆዋ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።” (1 ጢሞ. 2:3, 4) ሓደ ኻብቲ ነቲ ኣምላኽ ዚደልዮ ኽንገብረሉ እንኽእል መገዲ፡ ብዛዕባ የሆዋ ንሰባት ብምምሃር እዩ።

11. ብዛዕባ የሆዋ ንሰባት ክንምህር ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ንሕና ብዝያዳ እንፈልጦ፧

11 መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ የሆዋ ንሰባት ክንምህር ከለና፡ ንሕና እውን ንዕኡ ብዝያዳ ንፈልጦ ኢና። ንኣብነት፡ የሆዋ ናብቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኪመርሓና ኸሎ፡ ርሕራሐ የሆዋ ብቐጥታ ንርኢ ኢና። (ዮሃ. 6:44፣ ግብ. 13:48) እቶም መጽናዕቲ እንመርሓሎም ሰባት ካብ ሕማቕ ኣመላቶም ሓራ ዀይኖም ሓድሽ ስብእና ኺለብሱ ኽንርኢ ኸለና፡ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ብግብሪ ንርኢ ኢና። (ቈሎ. 3:9, 10) ኣምላኽ ነቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባኡ ፈሊጦም ኪድሕኑ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኪህቦም ከሎ ኸኣ፡ ትዕግስቲ ኣምላኽ ንርኢ ኢና።—ሮሜ 10:13-15

12. ኣብ ዘጸኣት 33:13 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ሙሴ እንታይ እዩ ለሚኑ፧ ስለምንታይከ፧

12 ሙሴ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ኣቕሊሉ ኣይረኣዮን። ብስም የሆዋ ግብርታት ሓይሊ ድሕሪ ምግባሩ እኳ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ኺፈልጦ ብኣኽብሮት ለሚኑ እዩ። (ዘጸኣት 33:13 ኣንብብ።) ሙሴ ነዚ ልማኖ እዚ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን ኣብ 80ታት ዕድሚኡ እዩ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ብዛዕባ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኡ ብዙሕ ኪምሃሮ ዘለዎ ነገር ከም ዘሎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

13. ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ዓብዪ ግምት ከም እንህቦ እነርእየሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

13 ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ንውሓት እቲ ንየሆዋ ኸነገልግል ዝጸናሕናሉ ግዜ ብዘየገድስ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከቶ ኣቕሊልና ኣይንርኣዮ። ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ዓብዪ ግምት ከም እንህቦ እነርእየሉ ሓደ ርኡይ መገዲ ብጸሎት ምስኡ ብምዝራብ እዩ።

14. ብዛዕባ ኣምላኽ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ ጸሎት ወሳኒ ግደ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

14 ድልዱል ርክብ ኪህሉ እንተ ዀይኑ፡ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ግድን ኪህሉ ኣለዎ። ስለዚ፡ ብዙሕ ሳዕ ብምጽላይ ንኣምላኽ ቅረቦ፣ ውሽጣዊ ሓሳባትካ ንምግላጽ እውን ኣይትፍራህ። (ኤፌ. 6:18) ኣብ ቱርኪ እትነብር ክሪስታ ኸምዚ ትብል፦ “ሓሳባተይ ንየሆዋ ብጸሎት ብዝገለጽኩሉን ንሱ ኺሕግዘኒ ኸሎ ብዝረኣኹን መጠን፡ ንዕኡ ዘሎኒ ፍቕርን ኣብኡ ዘሎኒ እምንቶን ይዓቢ እዩ። የሆዋ ንጸሎተይ ብኸመይ ከም ዝመለሶ ብምርኣየይ፡ ንየሆዋ ኸም ኣቦይን ከም ዓርከይን ገይረ ኽርእዮ ሓጊዙኒ እዩ።”

ከም ልቢ የሆዋ ዝዀነ ሰብኣይ

15. የሆዋ ንንጉስ ዳዊት ብኸመይ ገሊጽዎ ኣሎ፧

15 ንጉስ ዳዊት፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ካብ እተወፈዩ ህዝቢ እዩ ተወሊዱ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኻብ ዓሌቱ ዝወረሶ ሃይማኖት ካብ ምስዓብ ንላዕሊ ገይሩ እዩ። ምስ ኣምላኽ ናይ ገዛእ ርእሱ ርክብ ኣማዕቢሉ እዩ፣ የሆዋ ድማ ንዕኡ ፍሉይ ፍቕሪ ነይርዎ እዩ። የሆዋ ባዕሉ እኳ ንዳዊት፡ “ከም ልበይ ዝዀነ ሰብኣይ” ኢሉ ገሊጽዎ እዩ። (ግብ. 13:22) እሞ ደኣ ዳዊት ምስ የሆዋ ኽሳዕ ክንድዚ ናይ ቀረባ ርክብ ኪህልዎ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

16. ዳዊት ንፍጥረት ብምዕዛብ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ተማሂሩ፧

16 ዳዊት ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ፍጥረት ተማሂሩ እዩ። ብንእስነቱ ኣባጊዕ ኣቦኡ እናጓሰየ ሓያሎ ሰዓታት ኣብ ግዳም የሕልፍ ነይሩ እዩ። ምናልባት ከኣ ኣብቲ ግዜ እቲ እዩ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝፈጠሮ ነገራት ኬስተንትን ጀሚሩ ዚኸውን። ንኣብነት፡ ዳዊት ብለይቲ ናብ ሰማይ ኪጥምት ከሎ፡ ከዋኽብቲ ጫሕ ኢሎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንባህርያት እቲ ነዚ ዝፈጠረ ፈጣሪ እውን ኬስተውዕል ይኽእል ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ይነግር፣ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ ይእውጅ” ኢሉ ኺጽሕፍ ተደሪኹ እዩ። (መዝ. 19:1, 2) ብዛዕባ እቲ ሰባት እተፈጥሩሉ መገዲ ኼስተንትን ከሎ ድማ፡ ነቲ ዜደንቕ ጥበብ የሆዋ ብግብሪ ኺርእዮ ኽኢሉ እዩ። (መዝ. 139:14) ዳዊት ንግብርታት የሆዋ ንምርዳእ ኣብ ዚጽዕረሉ እዋን፡ ንሱ ኽሳዕ ክንደይ ትሑት ፍጥረት ምዃኑ ተገንዚቡ እዩ።—መዝ. 139:6

17. ብዛዕባ ፍጥረት እንተ ኣስተንቲንና፡ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

17 ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ብፍጥረት ግዱስ ኩን። ኣብዛ የሆዋ ዝፈጠራ ውቅብቲ ዓለም ተቐማጢ ጥራይ ኣይትኹን፣ የግዳስ፡ ኣድንቕ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ፡ ካብቲ ኣብ ዙርያኻ ዘሎ ፍጥረት፡ ማለት ካብ ኣትክልትን ካብ እንስሳታትን ካብ ሰባትን፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም እትምሃር ኣስተንትን። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብ ጸጽባሕ ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ ብዙሕ ክትምሃር ኢኻ። (ሮሜ 1:20) ኣብ መመዓልቲ እውን ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ እናሓየለት ክትከይድ እያ።

18. ኣብ መዝሙር 18 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ዳዊት እንታይ እዩ ዚፈልጥ ነይሩ፧

18 ዳዊት ካብ የሆዋ ሓገዝ ይረክብ ምንባሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ንኣባጊዕ ኣቦኡ ኻብ ኣንበሳን ካብ ድብን ኪከላኸለለን ከሎ፡ የሆዋ ነቶም ሓያላት ኣራዊት ኬሰንፍ ከም ዝሓገዞ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነቲ ዓርሞሸሽ ተዋጋኢ ዝዀነ ጐልያድ ኪስዕሮ ኸሎ ኸኣ፡ የሆዋ ኸም ዝመርሖ ብንጹር ይርኣዮ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 17:37) ካብቲ ቐናእ ንጉስ ሳኦል ኬምልጥ ከሎ እውን፡ የሆዋ ኸም ዘድሓኖ ገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 18፡ ልዕለ ጽሑፍ) ዕቡይ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ነዚ ዅሉ ባዕሉ ኸም ዝገበሮ ገይሩ ምተዛረበ ነይሩ። ዳዊት ግና ትሑት እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ህይወቱ ኢድ የሆዋ ይርኢ ነይሩ እዩ።—መዝ. 138:6

19. ካብ ዳዊት እንታይ ንምሃር፧

19 ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ሓገዝ የሆዋ ኻብ ምልማን ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ንሱ መዓስን ብኸመይን ሓገዝ ከም ዚህበና ንምፍላጥ ክንጽዕር ኣሎና። ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ብትሕትና እንእመን እንተ ዄንና፡ የሆዋ ነቲ ዚጐድለና ኸም ዚምልኣልና ብንጹር ክንርኢ ኢና። ሓገዝ የሆዋ ብዝረኣና መጠን ከኣ፡ ምስኡ ዘሎና ርክብ እናዓበየ ኪኸይድ እዩ። ኣብ ፊጂ ዚነብር ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ዘገልገለ ኣይሳክ ዚብሃል ሓው፡ ንሓቅነት እዚ ነገር እዚ ኣብ ህይወቱ ርእይዎ እዩ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ህይወተይ ምልስ ኢለ ኽርኢ ኸለኹ፡ ካብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጀመርኩሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሎሚ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዘኒ ኽርኢ እኽእል እየ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ የሆዋ ንዓይ ኣመና ጋህዲ ዀይኑለይ ኣሎ።”

20. ካብቲ ዳዊት ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ንምሃር፧

20 ዳዊት ንየሆዋ ይመስሎ ነይሩ እዩ። የሆዋ ንዕኡ ኽንመስሎ ኸም እንኽእል ወይ ባህርያቱ ኽንቀድሕ ከም እንኽእል ገይሩ እዩ ፈጢሩና። (ዘፍ. 1:26) ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ብዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን፡ ንዕኡ ብዝያዳ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። ዳዊት ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዘለዎ ርክብ ንዕኡ ይመስሎ ነይሩ እዩ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ዳዊት ምስ ባትሴባ ምስ ዘመወን ንሰብኣያ ምስ ኣቕተሎን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሓጢኡ እዩ። (2 ሳሙ. 11:1-4, 15) የሆዋ ግና ነቲ ንኻልኦት ሰባት መሓሪ ዝነበረ ዳዊት ምሒርዎ እዩ። ዳዊት ምስ የሆዋ ኣዝዩ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዝነበሮ፡ ሓደ ኻብቶም ኣዝዮም ፍቱዋት ነገስታት እስራኤል ኰይኑ እዩ፣ የሆዋ እውን ንነገስታት እስራኤል ብዳዊት ገይሩ እዩ ዚልክዖም ነይሩ።—1 ነገ. 15:11፣ 2 ነገ. 14:1-3

21. ብመሰረት ኤፌሶን 4:24ን 5:1ን፡ ‘ንኣምላኽ እንተ መሲልናዮ’ እንታይ ፍረ ኢና እንረክብ፧

21 ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ንሕና እውን ‘ንኣምላኽ ንምሰሎ።’ ንኣምላኽ እንተ መሲልናዮ፡ ገዛእ ርእስና ኽንጠቅምን ንዕኡ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦን ኢና። ስብእናና ብባህርያቱ እንተ ቐሪጽና፡ ውሉዳቱ ምዃንና ነርኢ ኢና።—ኤፌሶን 4:24፣ 5:1 ኣንብብ።

ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንፈልጦ ንጽዓር

22-23. ነቲ ብዛዕባ የሆዋ እተምሃርናዮ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ፡ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

22 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ብፍጥረቱን ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስን ኣቢሉ ገዛእ ርእሱ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብታ ፍልይቲ መጽሓፍ ዝዀነት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ከም እኒ ሙሴን ዳዊትን ዝኣመሰሉ ኽንመስሎም እንኽእል ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተጠቒሶም ኣለዉ። የሆዋ እጃሙ ገይሩ እዩ። ኣዒንትናን ኣእዛንናን ልብናን ክንከፍተሉ ዘሎና ንሕና ኢና።

23 ብዛዕባ የሆዋ እንምሃሮ ትምህርቲ መወዳእታ የብሉን። (መክ. 3:11) እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ብዛዕባኡ ኽንደይ ንፈልጥ ዘይኰነስ፡ በቲ ዝፈለጥናዮ እንታይ ንገብር እዩ። ነቲ እንምሃሮ እንተ ዓዪናሉን ነቲ ፈቃር ኣቦና ኽንመስሎ እንተ ጽዒርናን፡ ንሱ እውን ብቐጻሊ ኪቐርበና እዩ። (ያእ. 4:8) ብቓሉ ኣቢሉ ድማ፡ ነቶም ዚደልይዎ ኸቶ ኸም ዘይሓድጎም መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ።

መዝሙር 80 “የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን”

^ ሕ.ጽ. 5 ብዙሓት ሰባት ኣምላኽ ኸም ዘሎ ይኣምኑ እዮም፣ ንዕኡ ግና ብሓቂ ኣይፈልጥዎን እዮም። ንየሆዋ ትፈልጦ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ብዛዕባ ምምዕባልከ ኻብ ሙሴን ካብ ንጉስ ዳዊትን እንታይ ንምሃር፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነዘን ሕቶታት እዚአን ኽትምልሰን እያ።