ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 52

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ኣሰልጥንዎም

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ኣሰልጥንዎም

“ውሉዳት ካብ የሆዋ እተዋህቡ ርስቲ እዮም።”—መዝ. 127:3

መዝሙር 134 ውሉዳት ካብ ኣምላኽ እተዋህቡ ሕድሪ እዮም

መላለዪ *

1. የሆዋ ንወለዲ እንታይ ሕድሪ እዩ ሂብዎም ዘሎ፧

የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብ ሓዳር ውሉዳት ኪወልዱ ድሌት ኣሕዲሩ እዩ ፈጢርዎም። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ውሉዳት ካብ የሆዋ እተዋህቡ ርስቲ እዮም” ኪብል ሓቁ እዩ። (መዝ. 127:3) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓደ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ብዙሕ ገንዘብ ከተቐምጠሉ ሂቡካ ንበል። እንታይ ምተሰምዓካ፧ ስለ ዝኣመነካ መሸም ክብሪ ምተሰምዓካ። ብዘይካዚ ግና፡ እቲ ገንዘብ ከይጠፍኣካ ምተጨነቕካ። እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ናይ ቀረባ ዓርክና ዝዀነ የሆዋ ኸኣ ንወለዲ፡ ካብ ገንዘብ ኣዝዩ ዚኸብር ነገር ኪከናኸኑ ሕድሪ ሂብዎም ኣሎ። እወ፡ ውሉዳቶም ክንክንን ሓጐስን ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ሓላፍነት ሂብዎም ኣሎ።

2. ብዛዕባ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንመያየጥ፧

2 ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ውሉዳት ኪወልዱ እንተ ዀይኖምን መዓስ ኪወልዱ ኸም ዘለዎምን ኪውስን ዘለዎ መን እዩ፧ ውሉዳት ዜሐጕስ ህይወት ምእንቲ ኺህልዎምከ፡ ወለዲ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ጥበባዊ ውሳነታት ኪገብሩ ዚሕግዝ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ገለ መሰረታዊ ስርዓታት እስከ ንርአ።

ንሰብ ሓዳር ውሳነኦም ኣኽብረሎም

3. (ሀ) ሰብ ሓዳር ውሉዳት ኪወልዱ እንተ ዀይኖም መን እዮም ኪውስኑ ዘለዎም፧ (ለ) ፈተውትን ቤተ ሰብን እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ኪዝክሩ ዘለዎም፧

3 ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ሓደስቲ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ብቕልጡፍ ኪወልዱ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። ነቲ ልምዲ እቲ ንምስዓብ ከኣ ካብ ቤተ ሰቦምን ካብ ካልኦትን ጸቕጢ ይወርዶም እዩ። ኣብ እስያ ዚነብር ጀትሮ ዝስሙ ሓው፡ “ኣብ ጉባኤና፡ ገሊኦም ውሉዳት ዘለዎም ሰብ ሓዳር ነቶም ዘይወለዱ ሰብ ሓዳር ኪወልዱ ጸቕጢ ይገብሩሎም እዮም” ይብል። ኣብ እስያ ዚነብር ጀፍሪ ዝስሙ ኻልእ ሓው ድማ፡ “ገሊኦም ሰባት ንዘይወለዱ ሰብ ሓዳር፡ ‘ምስ ኣረግኩም ዚጥውረኩም የብልኩምን’ ይብልዎም እዮም” ይብል። ይኹን እምበር፡ ሰብ ሓዳር ኪወልዱ እንተ ዀይኖም፡ ባዕሎም እዮም ኪውስኑ ዘለዎም። እዚ ናታቶም ውሳነን ናታቶም ሓላፍነትን እዩ። (ገላ. 6:5፡ እ.ጽ.) ፈተውትን ቤተ ሰብን ንሓደስቲ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ኪሕጐሱ ኸም ዚደልይዎም ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ውሉዳት ምውላድ ወይ ዘይምውላድ ናይቶም ሰብ ሓዳር ውሳነ ምዃኑ ኺዝክሩ ኣለዎም።—1 ተሰ. 4:11

4-5. ሰብ ሓዳር ብዛዕባ እንታይ ክልተ ጕዳይ እዮም ኪመያየጡ ዘለዎም፧ ነዚ ምይይጥ እዚኸ መዓስ እንተ ገበርዎ ይሓይሽ፧ ግለጽ።

4 ውሉዳት ኪወልዱ ዝወሰኑ ሰብ ሓዳር ነዚ ዚስዕብ ክልተ ኣገዳሲ ሕቶታት ኪመያየጡሉ ኣለዎም፦ ቀዳማይ፡ መዓስ እዮም ውሉዳት ኪወልዱ ዚደልዩ፧ ካልኣይ፡ ክንደይ ውሉዳት እዮም ዚደልዩ፧ እሞ ደኣ ሰብ ሓዳር ነዚ ምይይጥ እዚ መዓስ እንተ ገበርዎ ይሓይሽ፧ እዚ ኽልተ ጕዳይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ ሰብ ሓዳር ቅድሚ ምምርዓዎም ብዛዕባ ውሉዳት ኪመያየጡ ኣለዎም። ስለምንታይ እዮም ሽዑ ኺመያየጡሉ ዘለዎም፧ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ሓደ ሓሳብ ኪህልዎም ኣለዎ። ብተወሳኺ ድማ፡ ነቲ ሓላፍነት እቲ ድሉዋት እንተ ዀይኖም ኪሓስቡ ኣለዎም። ወላዲ ምዃን ግዜን ጕልበትን ስለ ዜህልኽ፡ ገሊኦም ሰብ ሓዳር ድሕሪ መርዓኦም እንተ ወሓደ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ከይወለዱ ኺጸንሑ ወሲኖም እዮም። ንእተወሰነ ግዜ እንተ ጸኒሖም፡ ንሓዳሮም ንምልማድን ንሓድሕዶም ንምቅርራብን ግዜ ኺህልዎም ከም ዚኽእል ይኣምኑ እዮም።—ኤፌ. 5:33

6. እዚ እንነብረሉ ግዜ ንገሊኦም ሰብ ሓዳር ብኸመይ ጸልይዎም ኣሎ፧

6 ገሊኦም ክርስትያናት ነቲ እቶም ሰለስተ ደቂ ኖህን ኣንስቶምን ዝሓደግዎ ኣብነት ኪስዕቡ ወሲኖም እዮም። እዞም ሰለስተ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ብኡብኡ ኣይወለዱን። (ዘፍ. 6:18፣ 9:18, 19፣ 10:1፣ 2 ጴጥ. 2:5) የሱስ ንግዜና ምስ “ዘመን ኖህ” ኣመሳሲልዎ እዩ፣ ኣብ “ጽንኩር ግዜ” ንነብር ከም ዘለና ኸኣ ዜተሓታት ኣይኰነን። (ማቴ. 24:37፣ 2 ጢሞ. 3:1) ገሊኦም ሰብ ሓዳር ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንምስታፍ ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኺውፍዩ፡ ውሉዳት ከይወለዱ ኺጸንሑ ወሲኖም ኣለዉ።

ጥበበኛታት ሰብ ሓዳር፡ ውሉዳት ብዛዕባ ምውላድን ክንደይ ውሉዳት ከም ዚወልዱን ቅድሚ ምውሳኖም፡ ተቐሚጦም ‘ይጽብጽቡ’ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ) *

7. ኣብ ሉቃስ 14:28, 29ን ምሳሌ 21:5ን ዚርከብ ስርዓታት ንሰብ ሓዳር ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧

7 ጥበበኛታት ሰብ ሓዳር፡ ውሉዳት ብዛዕባ ምውላድን ክንደይ ውሉዳት ከም ዚወልዱን ቅድሚ ምውሳኖም፡ ተቐሚጦም ‘ይጽብጽቡ’ እዮም። (ሉቃስ 14:28, 29 ኣንብብ።) ምኩራት ወለዲ ኸም ዜረጋግጽዎ፡ ውሉዳት ምዕባይ፡ ገንዘብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ግዜን ጕልበትን እውን ይሓትት እዩ። ስለዚ፡ ሰብ ሓዳር ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪሓስቡሉ ኣለዎም፦ ‘ንስድራ ቤትና ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ንምምላእ ክልቴና ኽንሰርሕ ኬድልየና ድዩ፧ “መሰረታዊ ነገራት” እንታይ ምዃኑ ኽልቴና ንሰማምዓሉ ዲና፧ ክልቴና ኽንሰርሕ እንተ ኣድልዩ፡ ንደቅና መን ኪከናኸኖም እዩ፧ ኣብ ኣተሓሳስባኦምን ኣብ ተግባሮምን መን ጽልዋ ኺገብረሎም እዩ፧’ ነዚ ሕቶታት እዚ ብህድኣት ዚመያየጡሉ ሰብ ሓዳር፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 21:5 ዚርከብ ቃላት ኣብ ልቦም የሕድርዎ እዮም።—ኣንብብ።

ፈቃር ሰብኣይ ንሰበይቱ ንምድጋፍ ዚከኣሎ ይገብር እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

8. ክርስትያናት ሰብ ሓዳር እንታይ ጸገማት እዮም ኪጽበዩ ዘለዎም፧ ሓደ ፈቃር ሰብኣይከ እንታይ እዩ ዚገብር፧

8 ውሉድ ካብ ነፍሲ ወከፍ ወላዲ ብዙሕ ግዜን ጕልበትን የድልዮን ይግብኦን እዩ። ስለዚ፡ ሰብ ሓዳር ኣብ ርእሲ ርእሲ ብዙሓት ውሉዳት እንተ ወሊዶም፡ ንነፍሲ ወከፍ ውሉድ ዜድሊ ቘላሕታ ምሃብ ኬሸግሮም ይኽእል እዩ። ገሊኦም ብዙሓት ሕጻናት ዘለውዎም ሰብ ሓዳር፡ ልዕሊ ዓቕሞም ከም ዝዀኖም ይገልጹ እዮም። እታ ኣደ ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ ሓይላ ኺጽንቀቕ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ መጽናዕታን ጸሎታን ኣገልግሎታን ብስሩዕ ከይትገብር ጽልዋ ኼሕድረላ ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ንምስማዕን ካብኡ ንምጥቃምን ኬጸግማ ይኽእል እዩ። ሓደ ፈቃር ሰብኣይ፡ ውሉዳት ኣብ ኣኼባ ዀነ ኣብ ቤት ቈላሕታ ኣብ ዜድልዮም እዋን፡ ንሰበይቱ ንምድጋፍ ዚከኣሎ ይገብር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቤት ዚዕየ ነገራት ብምዕያይ፡ ንሰበይቱ ኺሕግዛ ይኽእል እዩ። ኵሎም ካብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣዘውቲሮም ምእንቲ ኺጥቀሙ ድማ፡ ኣበርቲዑ ይጽዕር እዩ። ንስድራ ቤቱ እውን ብስሩዕ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ሒዝዎም ይኸይድ እዩ።

ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ምሃርዎም

9-10. ንደቆም ኪሕግዙ ዚደልዩ ወለዲ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

9 ወለዲ ንደቆም፡ ንየሆዋ ኼፍቅሩ ንምምሃር እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ካብ ስነ ምግባራዊ ሓደጋታትከ ኸመይ ገይሮም ኬዕቍብዎም ይኽእሉ፧ ወለዲ ኺወስድዎ ዚኽእሉ ገለ ስጕምትታት እስከ ንርአ።

10 ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ ጸልዩ። እቶም ወለዲ ሲምሶን ዝዀኑ ማኖኣን ሰበይቱን እንታይ ከም ዝገበሩ እሞ ንርአ። ማኖኣ ወዲ ኸም ዚውለደሉ ምስ ፈለጠ፡ ነቲ ቘልዓ ብኸመይ ከም ዜዕብዮ ኻብ የሆዋ መምርሒ ለመነ።

11. ወለዲ ኸመይ ገይሮም እዮም ነቲ ኣብ መሳፍንቲ 13:8 ተጠቒሱ ዚርከብ ኣብነት ማኖኣ ኺስዕቡ ዚኽእሉ፧

11 ኣብ ቦዝንያን ሀርዞጎቪናን ዚነብሩ ኒሃድን ኣልማን ካብ ማኖኣ ተማሂሮም እዮም። ከምዚ ድማ ይብሉ፦ “ከም ማኖኣ፡ ብኸመይ ንፉዓት ወለዲ ኸም እንኸውን የሆዋ ምእንቲ ኺምህረና ለሚንናዮ ኢና። የሆዋ ኸኣ ንጸሎትና ብእተፈላለየ መገድታት፡ ማለት ብቕዱሳት ጽሑፋትን ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ብኣኼባታት ጉባኤን ብኣኼባታት ዞባን ኣቢሉ መሊሱልና እዩ።”—መሳፍንቲ 13:8 ኣንብብ።

12. ዮሴፍን ማርያምን ንደቆም እንታይ ኣብነት እዮም ኰይኖምዎም፧

12 ብኣብነት ምሃሩ። እትብሎ ነገር ኣገዳሲ እዩ፣ እትገብሮ ነገር ግና ኣብ ውሉድካ ዝዓበየ ጦብላሕታ ኺሓድግ ይኽእል እዩ። ዮሴፍን ማርያምን ንደቆም፡ እንተላይ ንየሱስ፡ ጽቡቕ ኣብነት ይዀንዎም ከም ዝነበሩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ዜድሊ ንምምላእ፡ ብትግሃት ይዓዪ ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ኬድንቑ የተባብዖም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 4:9, 10) ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ “ዓመት ዓመት” ንበዓል ፋስጋ ናብ የሩሳሌም ኪወስድ በቲ ሕጊ ይግደድ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ንሱ ግና ከምኡ ይገብር ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 2:41, 42) ገሊኦም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣቦታት፡ ነቲ ብስድራ ቤት ዚግበር መገሻ ዘይጥዕምን ግዜ ዜህልኽን ክቡርን ከም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዮሴፍ ግና መንፈሳዊ ነገር የድንቕ ነይሩ እዩ፣ ንደቁ እውን ከምኡ ኺገብሩ ምሂርዎም እዩ። ማርያም እውን ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ እያ። ብቓላታን ብተግባራታን ከኣ፡ ደቃ ንቓል ኣምላኽ ኪፈትዉ ምሂራ ኽትከውን ኣለዋ።

13. ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ኣብነት ዮሴፍን ማርያምን ዝሰዓቡ ብኸመይ እዮም፧

13 እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ኒሃድን ኣልማን ነቲ ዮሴፍን ማርያምን ዝሓደግዎ ኣብነት እውን ኪስዕቡ ደልዮም እዮም። እዚኸ ንወዶም፡ ንኣምላኽ ከም ዜፍቅሮን ከም ዜገልግሎን ገይሮም ንምዕባይ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧ ብዛዕባ እዚ ኺገልጹ ኸለዉ፡ “ብስርዓታት የሆዋ ምንባር ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ምዃኑ ብኣነባብራና ንወድና ኸነርእዮ ፈቲንና ኢና” ይብሉ። ኒሃድ ድማ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ውሉድካ ኪዀኖ እትደልዮ ዓይነት ሰብ ኩን” ይብል።

14. ወለዲ፡ ኣዕሩኽ ደቆም መን ምዃኖም ኪፈልጡ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

14 ንደቅኹም፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪሓርዩ ሓግዝዎም። ኣቦን ኣደን፡ ኣዕሩኽ ደቆም መን ምዃኖምን እንታይ ይገብሩ ኸም ዘለዉን ኪፈልጡ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ውሉዳቶም ብማሕበራዊ መራኸብን ብሞባይል ተሌፎንን ኣቢሎም ምስ መን የዕልሉ ኸም ዘለዉ ምፍላጥ እውን የጠቓልል እዩ። እቶም ኣዕሩኽ እቲኦም ኣብ ልዕሊ ኣተሓሳስባን ተግባራትን እቶም ውሉዳት ጽልዋ ኺህልዎም ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 15:33

15. ወለዲ ኻብ ጀሲ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

15 ወለዲ ምስ ኮምፕዩተር ወይ ሞባይል እተተሓሓዘ ብዙሕ ፍልጠት እንተ ዘይብሎም እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧ ኣብ ፊሊፒንስ ዚነብር ጀሲ ዚብሃል ኣቦ፡ “ብዛዕባ ተክኖሎጂ ብዙሕ ፍልጠት የብልናን። እዚ ግና ነቲ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ዘለዎ ሓደጋታት ንደቅና ኻብ ምምሃር ኣይዓገተናን” ይብል። ጀሲ ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ብዙሕ ፍልጠት ስለ ዘይብሉ፡ ንደቁ ኸይጥቀሙ ኣይከልከሎምን። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ደቀይ ነቲ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኦም ሓድሽ ቋንቋ ንምፍላጥን ንኣኼባታት ንምጽናዕን መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ንምንባብን ኪጥቀመሉ ኣተባቢዐዮም እየ።” ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ብሞባይል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ብዛዕባ ምልእኣኽን ብኢንተርነት ስእልታት ብዛዕባ ምልእኣኽን ኣብ jw.org® ኣብ ትሕቲ “መንእሰያት” ዚብል ክፋል ዚርከብ ሚዛናዊ ምኽሪ ኣንቢብካ ምስ ደቅኻ ተመያይጥካሉዶ፧ ነተን ንርእስኻ ባዕልኻ ዲኻ እትቈጻጸራ፡ ወይስ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትካ፧ ዘርእስታ ቪድዮን ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቐሉ ዘርእስታ ቪድዮንከ ምሳታቶም ኴንካ ርኢኻየንዶ፧ * ንደቅኻ ብዛዕባ ጥበባዊ ኣጠቓቕማ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ክትምህሮም ከለኻ፡ እዚ ናውቲ እዚ ብዙሕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ምሳ. 13:20

16. ብዙሓት ወለዲ እንታይ እዮም ገይሮም፧ እንታይ ፍረኸ ረኺቦም፧

16 ብዙሓት ወለዲ፡ ደቆም ምስቶም ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ሰናይ ኣብነት ዚዀንዎም ምእንቲ ኺቀራረቡ ኣጋጣሚታት ንምኽፋት ይጽዕሩ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኮት ዲቭዋር ዚነብሩ ንዴኒን ቦሚንን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር፡ ሓላው ወረዳ ምሳታቶም ኪሓድር ብዙሕ ሳዕ ይዕድሙ እዮም። ንዴኒ ኸምዚ ይብል፦ “እዚ ኣብ ወድና ኣዝዩ ጽቡቕ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ። መጀመርታ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀሚሩ፡ ሕጂ ድማ ተተካኢ ሓላው ወረዳ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።” እሞኸ ንደቅኻ ተመሳሳሊ መሰናድዎ ኽትገብረሎም ትኽእልዶ፧

17-18. ወለዲ ንደቆም ካብ መዓስ ኣትሒዞም እዮም ኬሰልጥንዎም ዘለዎም፧

17 ንደቅኹም ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዝኩም ኣሰልጥንዎም። ወለዲ ንደቆም፡ ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ኬሰልጥንዎም እንተ ጀሚሮም፡ ዝሓሸ ፍረ ይረኽቡ እዮም። (ምሳ. 22:6) ንኣብነት፡ ነቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ መጋይሽቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ እስከ ከም ኣብነት ንውሰድ። ኣዲኡ ኤውንቄን ዓባዩ ሎኢስን ‘ካብ ሕጻንነቱ’ ኣትሒዘን እየን ኣሰልጢነናኦ።—2 ጢሞ. 1:5፣ 3:15

18 ኣብ ኮት ዲቭዋር ዚነብሩ ዣን-ክሎድን ፒስን ዚብሃሉ ኻልኦት ሰብ ሓዳር፡ ንሽዱሽቲኦም ደቆም ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎን ከም ዜገልግልዎን ገይሮም ኣዕብዮምዎም እዮም። እሞ ደኣ እንታይ እዩ ዕዉታት ኪዀኑ ኣኽኢልዎም፧ ኣብነት ኤውንቄን ሎኢስን እዮም ስዒቦም። “ንደቅና ኻብ ዚውለዱ ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዝና ቃል ኣምላኽ ቀሪጽናሎም ኢና” ድማ ይብሉ።—ዘዳ. 6:6, 7

19. ቃል ኣምላኽ ንደቅኻ ትቐርጸሎም ኪብሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

19 ቃል የሆዋ ንደቅኻ “ቕረጸሎም” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ “ምቕራጽ” ኪብሃል ከሎ፡ “ብምድግጋም . . . ምምሃርን ኣብ ኣእምሮ ምቕራጽን” ማለት እያ። ወለዲ ኸምኡ ንምግባር፡ ኣዘውቲሮም ምስ ደቆም ግዜ ኼሕልፉ ኣለዎም። ንውሉዳት ደጋጊምካ ኽትምህሮም ተስፋ ዜቝርጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ወለዲ ነዚ ጻዕሮም፡ ንደቆም ቃል ኣምላኽ ዜረድኡሉን ነቲ ቓል እቲ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ዚሕግዙሉን ኣጋጣሚ ገይሮም ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም።

ወለዲ ንነፍሲ ወከፍ ውሉዶም ብኸመይ ከም ዜሰልጥንዎም ኪውስኑ ኣለዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 20 ርአ) *

20. ንውሉዳት ኣብ ምዕባይ፡ መዝሙር 127:4 ብኸመይ ኪዕየየላ ኸም ዚኽእል ግለጽ።

20 ኣስተውዓልቲ ኹኑ። መዝሙር 127 ንውሉዳት ምስ ፍላጻታት ተመሳስሎም እያ። (መዝሙር 127:4 ኣንብብ።) ፍላጻታት ካብ እተፈላለየ ነገራት ኪስራሕ ይኽእል እዩ፡ መጠኑ እውን ኪፈላለ ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ውሉድ እውን በበይኑ ባህርያት እዩ ዘለዎ። ስለዚ፡ ወለዲ ንነፍሲ ወከፍ ውሉዶም ብኸመይ ከም ዜሰልጥንዎም ኪውስኑ ኣለዎም። ንየሆዋ ዜገልግሉ ኽልተ ወሉዳት ዘዕበዩ ኣብ ዘመናዊት እስራኤል ዚነብሩ ዕዉታት ሰብ ሓዳር፡ “ንነፍሲ ወከፍ ውሉድ ነናቱ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና መሪሕናሉ” ብምባል ሓጋዚ ዀይኑ ዝረኸብዎ ነገር ይገልጹ። ልክዕ እዩ፡ በዚ መገዲ እዚ መጽናዕቲ ምግባር ወትሩ ዜድሊ ወይ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ኺውስን ዘለዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ስድራ ቤት እዩ።

የሆዋ ኺሕግዘኩም እዩ

21. ወለዲ ኻብ የሆዋ እንታይ ሓገዝ ኪጽበዩ ይኽእሉ፧

21 ሓድሓደ ግዜ ወለዲ፡ እቲ ውሉዳት ንምምሃር ዜጋጥሞም ጸገማት ልዕሊ ዓቕሞም ከም ዝዀነ ኺስምዖም ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ውሉዳት ግና ካብ የሆዋ እተዋህቡ ውህበት እዮም። የሆዋ ኸኣ ወትሩ ንወለዲ ንምሕጋዝ ድሉው እዩ። ጸሎት ወለዲ ንምስማዕ ድሉው እዩ። ንጸሎቶም ከኣ ብመጽሓፍ ቅዱስ፡ ብጽሑፋትና፡ ከምኡ ድማ ብኣብነትን ብምኽርን እቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ብሱላት ወለዲ ኣቢሉ ይምልሶ እዩ።

22. ገለ ኻብቲ ወለዲ ንውሉዳቶም ኪህብዎም ዚኽእሉ ብሉጽ ነገራት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧

22 ሓደ ቘልዓ ንምዕባይ 20 ዓመት ከም ዚወስድ ይዝረበሉ እዩ፣ ከም ሓቂ ግና፡ ወለዲ ኻብ ሓላፍነቶም ጠሪሶም ጡረታ ኣይወጹን እዮም። ገለ ኻብቲ ንውሉዳቶም ኪህብዎም ዚኽእሉ ብሉጽ ነገራት ከኣ፡ ፍቕርን ግዜን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስልጠናን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ውሉድ ንዚውሃቦ ስልጠና ዘለዎ ኣቀባብላ ይፈላለ እዩ። ብዙሓት ንየሆዋ ብዜፍቅሩ ወለዲ ዝዓበዩ ውሉዳት ግና፡ ከምቲ ኣብ እስያ ንእትነብር ጆኣና ሜ እተሰምዓ ዓይነት ስምዒት እዩ ዘለዎም። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ነቲ ኻብ ወለደይ ዝረኸብክዎ ስልጠና ምልስ ኢለ ኽሓስበሉ ኸለኹ፡ ስለ ዝገሰጹንን ንየሆዋ ኸፍቅር ስለ ዝመሃሩንን ኣዝየ አመስግኖም እየ። ህይወት ጥራይ ኣይኰኑን ሂቦምኒ፣ የግዳስ፡ ትርጉም ዘለዎ ህይወት እዮም ሂቦምኒ።” (ምሳ. 23:24, 25) ሚልዮናት ክርስትያናት ተመሳሳሊ ስምዒት ኣለዎም።

መዝሙር 59 ንወድሶ ንኣምላኽና!

^ ሕ.ጽ. 5 ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ውሉዳት ኪወልዱ ኣለዎም ድዩ፧ ኪወልዱ እንተ ዀይኖም፡ ክንደይ እዮም ኪወልዱ ዘለዎም፧ ከመይ ገይሮምከ እዮም ንደቆም፡ ንየሆዋ ምፍቃርን ምግልጋልን ኬሰልጥንዎም ዚኽእሉ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ዘመናውያን ኣብነታት ትጠቅስ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ ዜኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተቕርብ።

^ ሕ.ጽ. 15 መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝ (እንግሊዝኛ)፡ ምዕ. 36፡ 2ይ ጥራዝ፡ ምዕ. 11 እውን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ኪወልዱ እንተ ዀይኖም ይመያየጡ፣ ውሉድ ዜምጽኦ ሓጐስን ግዴታን እውን ይግምግሙ።

^ ሕ.ጽ. 64 መግለጺ ስእሊ፦ ሰብ ሓዳር ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ንዚርከቡን በበይኑ ኽእለት ንዘለዎምን ደቆም ነንበይኖም ገይሮም የጽንዕዎም።