ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ነገር ንምቛም፡ ምስክርነት ክልተ መሰኻኽር ከም ዜድሊ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዘሁ. 35:30፣ ዘዳ. 17:6፣ 19:15፣ ማቴ. 18:16፣ 1 ጢሞ. 5:19) ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ግና፡ ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ሕጽይቲ ጓል “ኣብ መሮር” እንተ ዓሚጽዋን ንሳ እንተ ኣእውያን፡ ንሳ ኻብ ዝሙት ንጽህቲ እያ ነይራ፡ ንሱ ግና ገበነኛ እዩ ዚኸውን ነይሩ። እሞ ደኣ ንሱ ኺዕምጻ ኸሎ ኻልኦት ዘይረኣዩ ኻብ ኰኑ፡ ስለምንታይ እዩ ንሳ ንጽህቲ፡ ንሱ ግና ገበነኛ ዚኸውን ነይሩ፧

ኣብ ዘዳግም 22:25-27 ዚርከብ መምርሒ፡ ነቲ ሰብኣይ ድሮ ኸም ገበነኛ ቘጺሩ ስለ ዚጅምር፡ ብቐዳምነት ገበነኛ ኸም ዝዀነ ንምርግጋጽ ኣይኰነን ተዋሂቡ። እዚ ሕጊ እዚ፡ እታ ሰበይቲ ንጽህቲ ኸም ዝዀነት ኣብ ምርግጋጽ እዩ ኣተኲሩ። ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት እስከ ንመርምሮ።

እተን ቅድሚ እዚ ዘለዋ ፍቕድታት፡ ምስ ሓንቲ ሕጽይቲ ጓል “ኣብ ከተማ” ጾታዊ ርክብ ብዛዕባ ዝገበረ ሰብኣይ ይገልጻ እየን። እታ እተሓጽየት ጓል ከም ምርዕውቲ ትርአ ስለ ዝነበረት ከኣ፡ እቲ ሰብኣይ በቲ ተግባሩ ብዝሙት ገበነኛ እዩ ዚኸውን ነይሩ። እታ ጓል ደኣኸ፧ ‘ኣብ ከተማ ኽነሳስ ኣየእወየትን።’ እንተ ተእዊ ነይራ፡ ሰባት ኣውያታ ሰሚዖም መናገፍዋ ነይሮም። ንሳ ግና ኣየእወየትን። ስለዚ፡ ኣብ ዝሙት ተሳታፊት ብምዃና፡ ክልቲኦም ገበነኛታት ተባሂሎም እዮም ዚፍረዱ ነይሮም።—ዘዳ. 22:23, 24

ቀጺሉ እቲ ሕጊ ኻብዚ እተፈልየ ዅነታት ኣስፊሩ ኣሎ፦ “ግናኸ፡ እቲ ሰብኣይ ነታ ሕጽይቲ ጓል ኣብ መሮር እንተ ረኺብዋ እሞ፡ ሓይልዋ ምስኣ እንተ ደቂሱ፡ እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ በይኑ ይሙት፣ ነታ ጓል ግና ገለ እኳ ኣይትግበራ። እታ ጓልሲ ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዚ ነገር እዚ፡ ከም ነገር እቲ ንብጻዩ ኣጥቂዑ ዚቐትሎ ሰብ እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ መሮር እዩ ረኺብዋ፣ እታ ሕጽይቲ ጓል ከኣ ኣእውያስ፡ ዜናግፋ ኣይነበረን።”—ዘዳ. 22:25-27

ኣብቲ ዅነታት እቲ፡ እታ ጓል ንጽህቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ እያ እትርአ ነይራ። ብኸመይ፧ “ኣእውያስ፡ ዜናግፋ ኣይነበረን” ተባሂሉ እዩ ዚሕሰብ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣይዘመወትን። እቲ ሰብኣይ ግና ነታ ሕጽይቲ ጓል ‘ሓይልዋስ ምስኣ ስለ ዝደቀሰ፡’ ብጾታዊ ዓመጻን ብዝሙትን ገበነኛ እዩ ዚኸውን ነይሩ።

ስለዚ፡ እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ንጽህና እታ ሰበይቲ እኳ እንተ ኣተኰረ፡ ነቲ ሰብኣይ ብጾታዊ ዓመጻን ብዝሙትን ገበነኛ ገይሩ ብልክዕ ገሊጽዎ እዩ። እቶም ፈራዶ ኸኣ ‘ነቲ ነገር ኣጸቢቖም ከም ዚምርምርዎ፡’ ምስቲ ብግልጽን ብተደጋጋምን ሰፊሩ ዚርከብ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም እውን ውሳነ ኸም ዚገብሩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዘዳ. 13:14፣ 17:4፣ ዘጸ. 20:14