ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 50

የሆዋ ንሓርነትካ መሰናድዎ ገይሩልካ

የሆዋ ንሓርነትካ መሰናድዎ ገይሩልካ

“ኣብታ ምድሪ ድማ፡ ኣብኣ ንዚነብሩ ዅሎም ሓርነት ኣውጁ።”—ዘሌ. 25:10

መዝሙር 22 መንግስትኻ ቘይማ—“ትምጻእ” ኢልና ንልምን

መላለዪ *

1-2. (ሀ) እዮቤል ወይ ዓመት እልልታ እንታይ እያ፧ (“ ዓመት እልልታ እንታይ እያ ነይራ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) (ለ) ኣብ ሉቃስ 4:16-18 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ብዛዕባ እንታይ እዩ ተዛሪቡ፧

ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ንመበል 50 ዓመት ንግስና ንጉስ ወይ ንግስቲ ንምዝካር፡ ፍሉይ ጽምብል ይካየድ እዩ። እታ መበል 50 ዓመት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይቲ ገዛኢ እዮቤል ተባሂላ እያ እትፍለጥ። እታ እዮቤል ከኣ ንሓደ መዓልቲ፡ ንሓደ ሰሙን፡ ወይ ካብኡ ንዝነውሐ ግዜ ትበዓል ይኸውን። ውዒሉ ሓዲሩ ግና ኣብ መወዳእታኡ ተብቅዕ እያ፡ ምስኣ ተተሓሒዙ ዚመጽእ ሓጐስ እውን ነባሪ ኣይከውንን እዩ።

2 ሕጂ፡ ዝሓሸ እዮቤል ኽንምርምር ኢና፣ እዚ እዮቤል እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ኣብ ሓሓምሳ ዓመት ዚእወጅ ዝነበረ ሓደ ዓመት ዝንውሓቱ በዓል ይበልጽ እዩ። እታ እስራኤላውያን ጥንቲ ዜኽብርዋ ዝነበሩ እዮቤል ወይ ዓመት እልልታ፡ ነቶም ዜብዕልዋ ህዝቢ ሓርነት ተምጽኣሎም ነይራ እያ። እዚ ሎሚ ዜገድሰና ግና ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ እታ እስራኤላውያን ዜብዕልዋ ዝነበሩ ዓመት እልልታ ነቲ ነባሪ ሓርነት ምእንቲ ኽንረክብ ተባሂሉ የሆዋ ሕጂ ዜዳልዎ ዘሎን የሱስ እተዛረበሉን ዜደንቕ መሰናድዎ የዘኻኽረና እዩ።—ሉቃስ 4:16-18 ኣንብብ።

ኣብ ዓመት እልልታ፡ እቶም ባሮት ዝነበሩ ናብ ዓሌቶምን ናብ ርስቶምን ስለ ዚምለሱ፡ ኣብ እስራኤል ሓጐስ ይኸውን ነይሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ) *

3. ኣብ ዘሌዋውያን 25:8-12 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እስራኤላውያን ካብ ዓመት እልልታ ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም፧

3 የሱስ ብዛዕባ ሓርነት ኪዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ ኸም ዝነበረ ብዝያዳ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ፈለማ ነታ ኣምላኽ ንጥንታውያን ህዝቡ ዝሰርዓሎም ዓመት እልልታ ኽንርድኣ ኣሎና። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ “ነታ መበል 50 ዓመት ቀድስዋ፣ ኣብታ ምድሪ ድማ፡ ኣብኣ ንዚነብሩ ዅሎም ሓርነት ኣውጁ። ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፣ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘሌዋውያን 25:8-12 ኣንብብ።) ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ እስራኤላውያን ካብታ ሰሙናዊ ዜብዕልዋ ሰንበት ከም እተጠቕሙ ርኢና ኢና። እሞ ደኣ እስራኤላውያን ካብታ ዓመት እልልታ ብኸመይ እዮም ተጠቒሞም፧ ሓደ እስራኤላዊ ኣብ ዕዳ ይኣቱ እሞ፡ ዕዳኡ ንምኽፋል መሬቱ ኺሸይጥ ይግደድ ንበል። ኣብ ዓመት እልልታ፡ መሬቱ ይምለሰሉ ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ሰብ እቲ “ናብ ርስቱ” ይምለስ፡ ደቁ እውን ነቲ ርስቲ መሬቶም ኣይስእኑን። ወይ ድማ ሓደ እስራኤላዊ ስለ እተሸገረ፡ ዕዳኡ ንምኽፋል ሓደ ኻብ ደቁ ወይ ገዛእ ርእሱ ንባርነት ይሸይጥ ንበል። ኣብ ዓመት እልልታ፡ እቲ ንባርነት እተሸጠ “ናብ ዓሌቱ” ይምለስ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ዋላ ሓደ ብዘይ ተስፋ ንሓዋሩ ባርያ ኣይከውንን እዩ ነይሩ። የሆዋ ብሓቂ ይሓልየሎም እዩ ነይሩ!

4-5. ሎሚ እታ ጥንታዊት ዓመት እልልታ እተገድሰና ስለምንታይ እያ፧

4 ዓመት እልልታ እንታይ ካልእ ጥቕሚ ነይርዋ፧ የሆዋ ንህዝቡ፡ “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ፡ የሆዋ ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎኻ ሓደ እኳ ኣይድከ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 15:4) እዚ ኻብቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ዚኸውን ዘሎ ኣመና እተፈልየ እዩ ነይሩ። ሎሚ፡ ሃብታማት እናሃብተሙ፡ ድኻታት እናደኸዩ ኪኸዱ ኢና እንርኢ ዘለና።

5 ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰንናን። ስለዚ ኸኣ፡ ነቲ ጥንቲ ኣብ ዓመት እልልታ ባሮት ሓራ ብዛዕባ ምግባርን ዕዳ ብዛዕባ ምስራዝን ርስቲ መሬት ናብ ዋናኡ ብዛዕባ ምምላስን እተሰርዐ ስርዓት ኣይንሕልዎን ኢና። (ሮሜ 7:4፣ 10:4፣ ኤፌ. 2:15) ይኹን እምበር፡ ዓመት እልልታ ተገድሰና እያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሰርዓሎም ስርዓት ዜዘኻኽረና ሓርነት ወይ ናጽነት ክንረክብ ንኽእል ኢና።

የሱስ ሓርነት ኣዊጁ

6. ደቂ ሰብ ካብ ምንታይ እዮም ሓራ ኺወጹ ዜድልዮም፧

6 ኵላትና ኣብ ትሕቲ ሕሱም ባርነት ስለ ዘለና፡ ማለት ባሮት ሓጢኣት ስለ ዝዀነና፡ ሓራ ኽንወጽእ የድልየና እዩ። ሓጥኣን ስለ ዝዀነና፡ ንኣርግን ንሓምምን ንመውትን ኢና። ብዙሓት ሰባት ገዛእ ርእሶም ኣብ መስትያት ኪርእዩ ኸለዉ ወይ ንሕክምና ናብ ሓኪም ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ዜረጋግጽ መርትዖ ይርእዩ እዮም። ብዘይካዚ፡ ክንሓጥእ ከለና፡ ንጕሂ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ናብቲ ኣብ ሰብነቱ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ ዚማርኾ’ ነገር ከም ዘሎ ተኣሚኑ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “እዋይ ኣነ መከረኛ ሰብ! ካብዚ ናብ ሞት ዚመርሕ ሰብነት እዝስ መን ኬናግፈኒ እዩ፧” ኢሉ እዩ።—ሮሜ 7:23, 24

7. ኢሳይያስ ብዛዕባ ሓርነት እንታይ እዩ ተነብዩ፧

7 እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ኣምላኽ፡ ካብ ሓጢኣት እንናገፈሉ ወይ ናጻ እንዀነሉ መገዲ ኣዳልዩ እዩ። የሱስ ኣብቲ ሓርነት እቲ ቐንዲ ግደ ኣለዎ። ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅድሚ ክርስቶስ፡ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚህሉ ዓብዪ ሓርነት ተነብዩ ነይሩ። እቲ ዓብዪ ሓርነት እቲ ኸኣ ካብቲ ኣብ እስራኤል እትብዓል ዓመት እልልታ እተምጽኦ ሓርነት ኣጸቢቑ ዚዓቢ እዩ ዚኸውን። ብዛዕባኡ ድማ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ንዓቃላት ከበስሮም የሆዋ ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ልዕለይ እዩ። ስቡር ንዝልቦም ክዝንን፡ ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ . . . ኽእውጅ ልኢኹኒ።” (ኢሳ. 61:1) እዚ ትንቢት እዚ ኣብ መን እዩ ዚፍጸም፧

8. ኢሳይያስ ብዛዕባ ሓርነት እተነበዮ ትንቢት ኣብ መን እዩ ዚፍጸም፧

8 እቲ ብዛዕባ ሓርነት እተነግረ ኣገዳሲ ትንቢት፡ የሱስ ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ እዩ ኺፍጸም ጀሚሩ። የሱስ ኣብ ዓዱ ናዝሬት ናብ ምኵራብ ምስ ኣተወ፡ ነቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ነዘን ኢሳይያስ ዝጸሓፈን ቃላት እዚአን ኣንበበሎም። “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ፡ ንዕዉራት ድማ ምርኣይ ክእውጅ፡ ንግፉዓት ሓራ ኸውጽእ፡ ቅብልቲ ዓመት የሆዋ ኽሰብኽ ልኢኹኒ” ኢሉ ድሕሪ ምንባቡ፡ እዚ ኣብኡ ኸም ዚፍጸም ገለጸሎም። (ሉቃ. 4:16-19) እሞኸ የሱስ ነቲ ትንቢት ብኸመይ እዩ ፈጺምዎ፧

ሓራ ዚወጹ ቐዳሞት

የሱስ ኣብታ ኣብ ናዝሬት እትርከብ ምኵራብ ሓርነት ኣዊጁ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)

9. ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት እንታይ ዓይነት ሓርነት ኪረኽቡ እዮም ተስፋ ዚገብሩ ነይሮም፧

9 እቲ ኢሳይያስ እተነበዮን የሱስ ዘንበቦን ሓርነት ወይ ናጽነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እዩ ኺውሃብ ተጀሚሩ። የሱስ፡ “እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቕዱስ ጽሑፍ እዚ፡ ሎሚ ተፈጺሙ” ብምባል ነዚ ኣረጋጊጽዎ እዩ። (ሉቃ. 4:21) ብዙሓት ካብቶም የሱስ ኬንብብ ከሎ ዝሰምዑ ሰባት፡ ካብ ሮሜ ሓራ ንምውጻእ ፖለቲካዊ ለውጢ ይጽበዩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ከምቶም፡ “ንሕና ግና፡ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ ኸም ዝዀነ ተስፋ ንገብር ኔርና” ኢሎም እተዛረቡ ኽልተ ሰባት ይስምዖም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 24:13, 21) የሱስ ግና ንሰዓብቱ ኣንጻር ኣርዑት ሮሜ ኺዓልዉ ኸም ዘየለዓዓሎም ንፈልጥ ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር” ኪህቡ እዩ ምሂርዎም። (ማቴ. 22:21) እሞ ደኣ የሱስ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸመይ ገይሩ እዩ ናጽነት ኣምጺኡ፧

10. የሱስ ንሰባት እንታይ ሓርነት ኪረኽቡ እዩ መገዲ ኸፊቱ፧

10 ወዲ ኣምላኽ ንሰባት ብኽልተ መገዲ ሓርነት ወይ ናጽነት ኪረኽቡ ንምሕጋዝ እዩ መጺኡ። ቀዳማይ፡ ካብቲ መራሕቲ ሃይማኖት ዚምህርዎ ጨቋኒ ሰረተ እምነታት ሓርነት ንምርካብ ዜኽእል መገዲ ኸፊቱ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ፡ ባሮት ስርዓታት ሰብን ባሮት ግጉይ እምነታትን እዮም ነይሮም። (ማቴ. 5:31-37፣ 15:1-11) እቶም መንፈሳውያን መራሕቲ ኪዀኑ ዝነበሮም ሰባት ከኣ፡ ዕዉራት እዮም ነይሮም ኪብሃል ይከኣል እዩ። ንመሲሕን ነቲ ንሱ ዘምጽኦ መንፈሳዊ ብርሃንን ስለ ዘይተቐበሉ፡ ካብ ጸልማትን ካብ ሓጢኣትን ኣይወጹን። (ዮሃ. 9:1, 14-16, 35-41) የሱስ በቲ ቕኑዕ ትምህርቱን በቲ ሰናይ ኣብነቱን ኣቢሉ፡ ንዓቃላት መንፈሳዊ ሓርነት ኣፍሊጥዎም እዩ።—ማር. 1:22፣ 2:23–3:5

11. የሱስ ሓርነት ዝሃበሉ ኻልኣይ መገዲ እንታይ እዩ፧

11 የሱስ ሓርነት ዝሃበሉ ኻልኣይ መገዲ ኸኣ፡ ንደቂ ሰብ ካብ ባርነት እቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት ናጻ ምውጻእ የጠቓልል። ብመሰረት እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፡ ኣምላኽ ነቶም እምነት ዘርኣዩን ነቲ ንሱ ዘዳልዎ በጃ እተቐበሉን ሰባት ካብ ሓጢኣቶም ይቕረ ኺብለሎም ይኽእል እዩ። (እብ. 10:12-18) የሱስ፡ “ወዲ፡ ሓራ እንተ ኣውጺኡኩም፡ ብሓቂ ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 8:36) እቲ ሓርነት እቲ ኸኣ፡ ካብቲ ኣብ ናይ እስራኤላውያን ዓመት እልልታ ዚርከብ ዓይነት ሓርነት ብርግጽ ይዓቢ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ዓመት እልልታ ሓራ ዝወጸ ሰብ መሊሱ ባርያ ኪኸውን ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ውዒሉ ሓዲሩ እውን ሙማቱ ኣይተርፎን እዩ።

12. ካብቲ የሱስ ዝኣወጆ ሓርነት እተጠቕሙ ቐዳሞት መን እዮም፧

12 ኣብ መዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ የሆዋ ንሃዋርያትን ንኻልኦት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ብመንፈስ ቅዱስ ቀብኦም። ነቶም ኣብ መጻኢ ምስ የሱስ ኪነግሱ ሰማያዊ ትንሳኤ ዚረኽቡ ሰባት ድማ ውሉዳቱ ገይሩ ተቐበሎም። (ሮሜ 8:2, 15-17) ንሳቶም ድማ ካብቲ የሱስ ኣብታ ኣብ ናዝሬት እትርከብ ምኵራብ ዝኣወጆ ሓርነት እተጠቕሙ ቐዳሞት እዮም ነይሮም። እቶም ሰብኡትን ኣንስትን እቲኦም ድሕሪ ደጊም ባሮት እቲ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዜስፋሕፍሕዎ ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታትን ኣይነበሩን። ብዘይካዚ እውን፡ ኣምላኽ ንዓታቶም፡ ካብቲ ናብ ሞት ዚመርሕ ሓጢኣት ሓራ ኸም ዝዀኑ ገይሩ እዩ ርእይዎም። እታ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብ33 ድ.ክ. ኪቕብኡ ኸለዉ ዝጀመረት ምሳልያዊት ዓመት እልልታ ድማ፡ ኣብ መደምደምታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ከተብቅዕ እያ። ክሳዕ ሽዑ እንታይ ኪዕመም እዩ፧

ሓራ ዚወጹ ሚልዮናት ተወሰኽቲ ሰባት

13-14. ነቲ የሱስ ዝኣወጆ ሓርነት፡ ብዘይ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት፡ መን እውን እዮም ኪረኽብዎ ዚኽእሉ፧

13 ኣብዚ ግዜና፡ ካብተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ሚልዮናት ቅኑዓት ሰባት ኣለዉ። (ዮሃ. 10:16) ኣምላኽ ንዓታቶም፡ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ኪነግሱ ኣይጸውዖምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ተስፋ ኣለዎም። ንስኻኸ ነዚ ተስፋ እዚ ድዩ ዘሎካ፧

14 ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ገለ ኻብቲ እቶም ክፍሊ እቲ ሰማያዊ መንግስቲ ኣምላኽ ዚዀኑ ዘበሉ ዚረኽብዎ ጥቕምታት ትረክብ ኣለኻ። በቲ ኣብ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ዘሎካ እምነት ኣቢልካ፡ ሓጢኣትካ ኺሕደገልካ ኽትልምን ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ መትከልን ሰናይ ሕልናን ይህልወካ። (ኤፌ. 1:7፣ ራእ. 7:14, 15) ብዘይካዚ እውን፡ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ኻብ ዝሰረተ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ እምነታት ናጻ ብምዃንካ ዝረኸብካዮ በረኸት እሞ ሕሰበሉ። የሱስ፡ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 8:32) እዚ ሓርነት እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን እዩ!

15. ኣብ መጻኢ እንታይ ሓርነትን በረኸትን ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧

15 ዝዓበየ ሓርነት ከም ዚመጽእ እውን ክትጽበ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሱስ ንናይ ሓሶት ሃይማኖትን ንብልሹው ግዝኣት ሰባትን ንምውጋድ ወሳኒ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜምልኽዎ “ብዙሓት ህዝቢ” ኼዕቍቦም እዩ፣ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ምድራዊት ገነት በረኸት ኪህቦም እዩ። (ራእ. 7:9, 14) ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ኪትንስኡ እዮም፣ ካብ ኵሉ ሳዕቤናት ሓጢኣት ኣዳም ሓራ ንምውጻእ እውን ኣጋጣሚ ኺውሃቦም እዩ።—ግብ. 24:15

16. ንደቂ ሰብ እንታይ ዓብዪ ሓርነት እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

16 ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት፡ የሱስን መጋዝእቱን ንደቂ ሰብ ናብ ፍጹም ኣካላውን መንፈሳውን ጥዕና ኽብ ኣብ ምባል ኪሕግዙ እዮም። እዚ ግዜ ምምላስን ሓርነትን ከኣ ከምታ ኣብ እስራኤል እትብዓል ዝነበረት ዓመት እልልታ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜገልግሉ ዘበሉ ዅሎም ድማ ካብ ሓጢኣት ሓራ ዀይኖም ሰብኣዊ ፍጽምና ኺረኽቡ እዮም።

ኣብ ሓዳስ ዓለም ጠቓምን ዜዕግብን ዕዮ ኺህልወና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ኣብ ኢሳይያስ 65:21-23 ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ትንቢት ኣሎ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

17 ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ህይወት ዚገልጽ ትንቢት ኣብ ኢሳይያስ 65:21-23 ይርከብ እዩ። (ኣንብብ።) እቲ ህይወት እቲ ዕዮ ዘይህልወሉ ናይ ትህኪት ህይወት ኣይኰነን ኪኸውን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ጠቓምን ዜዕግብን ዕዮ ኸም ዚህልዎም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ እዋን እቲ ድማ፡ “ፍጥረት ንባዕሉ እውን፡ ካብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ኺወጽእን ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ኪህልዎን” ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ሮሜ 8:21

18. ብሩህ መጻኢ ኸም ዚጽበየና ኽንኣምን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

18 ከምቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ ዕዮኦምን ዕረፍቶምን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልዎም መሰናድዎ ዝገበረሎም፡ ኣብቲ ዚመጽእ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ዚኸውን ግዜ ብርግጽ ኪህሉ እዩ። ሎሚ፡ ንኣምላኽ እነቕርበሉ ኣምልኾ ንሓጐስና ወሳኒ እዩ፣ ኣብ ሓዳስ ዓለም እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። እወ፡ በቲ ዚኣምኑ ደቂ ሰብ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ንግስና ክርስቶስ ዚህልዎም ጽቡቕ ዕዮን መንፈሳዊ ንጥፈታትን ክንሕጐስ ንኽእል ኢና።

መዝሙር 142 ንተስፋና ኣጽኒዕና ንሓዛ

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ሓርነት ወይ ናጽነት ምእንቲ ኺእወጅ ፍሉይ መሰናድዎ ገይሩ ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ መሰናድዎ ዓመት እልልታ እዩ ነይሩ። ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰኑን፣ ዓመት እልልታ ግና ንዓና ትርጉም ኣለዋ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እታ ጥንታዊት ዓመት እልልታ ነቲ የሆዋ ንዓና ዝገበረልና መሰናድዎ ብኸመይ ከም እተዘኻኽረናን ካብኣ ብኸመይ ከም እንጥቀምን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 61 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ዓመት እልልታ፡ ባሮት ዝነበሩ ሰባት ሓራ ይወጹ ነይሮም፣ ናብ ዓሌቶምን ናብ ርስቶምን እውን ይምለሱ ነይሮም።