ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዛ ዓመት ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

ንቕቡኣት ክርስትያናት ብኸመይ ኢና ኽንሕዞም ዘሎና፧

ንእምነቶም ነድንቓ ኢና፣ ካብ ግቡእ ንላዕሊ እምብዛ ቈላሕታ ግና ኣይንህቦምን ኢና። ብዘይግቡእ ‘ንሰባት ካብ ምንኣድ’ ንቝጠብ ኢና። (ይሁ. 16፡ እ.ጽ.) ብዛዕባ ተስፋኦም ብሕታዊ ሕቶታት ኣይንሓትቶምን ኢና።—w20.01፡ ገጽ 29

የሆዋ ብብሕቲ ኸም ዜስተብህለልካ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

ገና ኸይተወለድካ ኸም ዘስተብሃለልካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ጸሎትካ እውን ይሰምዕ እዩ። ሓሳባትካን ኣብ ልብኻ ዘሎን ይፈልጦ እዩ፣ ተግባራትካ እውን ንዕኡ ይጸልዎ እዩ። (1 ዜና 28:9፣ ምሳ. 27:11) ናብኡ ስሒቡካ እዩ።—w20.02፡ ገጽ 12

መዓስ ኢና ኽንዛረብ ዘሎና፧ መዓስከ ኢና ኽንዛረብ ዘይብልና፧

ብዛዕባ የሆዋ ተሓጒስና ንዛረብ ኢና። ሓደ ሰብ ብግጉይ መገዲ ኸም ዚኸይድ ክንርኢ ኸለና ንዛረብ ኢና። ኬድሊ ኸሎ፡ ሽማግለታት ምኽሪ ይህቡ እዮም። ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ዕዮና ብኸመይ ከም ዚግበር ዝርዝር ሓበሬታ ኣይንሓትትን ወይ ኣይንነግርን ኢና። ምስጢር እውን ኣይንቀልዕን ኢና።—w20.03፡ ገጽ 20-21

እቶም ኣብ ዮኤል ምዕራፍ 2 እተጠቕሱ ኣንበጣ ኻብቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 9 እተጠቕሱ ኣንበጣ ብኸመይ ይፍለዩ፧

ዮኤል 2:20-29፡ ኣምላኽ ነቶም ኣንበጣ ኸም ዜርሕቖምን ስለቲ ዜውርድዎ ጕድኣት ከም ዚኽሕስን ትገልጽ። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ መንፈሱ ኸም ዜፍስስ ትሕብር። እዚ ነገራት እዚ፡ ኣብቲ ባቢሎናውያን ንእስራኤል ዝወረሩሉ እዋንን ድሕሪኡን ተፈጺሙ እዩ። ራእይ 9:1-11፡ እቶም ኣብዚ ግዜና ኸም ኣንበጣ ዝኣመሰሉ ቕቡኣት ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ መልእኽቲ ፍርዲ ኸም ዚእውጁ፡ እዚ ድማ ንደገፍቲ እዚ ስርዓት ከም ዜሕምሞም ትገልጽ።—w20.04፡ ገጽ 3-6

ሎሚ ንጉስ ሰሜን መን እዩ፧

ሎሚ፡ ሩስያን ተሓባበርታን፡ ንጉስ ሰሜን እየን። ንሳተን ከኣ ንዕዮ ስብከትና ብምእጋድን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምጽላእን፡ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለወን። ብዘይካዚ፡ ንጉስ ሰሜን ምስ ንጉስ ደቡብ ይወዳደር ኣሎ።—w20.05፡ ገጽ 13

እቲ ኣብ ገላትያ 5:22, 23 ተዘርዚሩ ዘሎ ባህርያት ጥራይ ድዩ መዳያት “ፍረ መንፈስ”፧

ኣይፋልን። መንፈስ ቅዱስ ከም ጽድቂ ዝኣመሰለ ተወሳኺ ሰናይ ባህርያት ከነፍሪ ይሕግዘና እዩ። (ኤፌ. 5:8, 9)—w20.06፡ ገጽ 17

ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ኢንተርነት ምልጣፍ እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧

እቲ እትልጥፎ ነገር፡ ትጅሃር ከም ዘለኻ ወይ ትሑት ከም ዘይኰንካ ኼምስል ይኽእል እዩ።—w20.07፡ ገጽ 6-7

ክርስትያን ኣገልገልቲ ኻብ ክኢላታት ገፈፍቲ ዓሳ እንታይ ይምሃሩ፧

ክኢላታት ገፈፍቲ ዓሳ ኣብቲ ዓሳታት ብብዝሒ ዚርከቡሉ ቦታን ግዜን ይገፍፉ እዮም። ግቡእ ናውቲ ንምጥቃም ዝሰልጠኑ እዮም። ኵነታት እናተለዋወጠ ድማ ብትብዓት ይዓይዩ እዮም። ንሕና እውን ኣብ ኣገልግሎትና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።—w20.09፡ ገጽ 5

ነቲ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ብኸመይ ነዕምቖ፧

መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡን ነቲ ዘንበብዎ ኼስተንትኑሉን ከነተባብዖም ንኽእል ኢና። ምጽላይ እውን ክንምህሮም ንኽእል ኢና።—w20.11፡ ገጽ 4

ኣብቶም “ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ” እተባህሉ “ዅላቶም” ዚጠቓለሉ መን እዮም፧—1 ቈረ. 15:22

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኵሉ ሰብ ከም ዚትንስእ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ ብዛዕባ እቶም ‘ብክርስቶስ የሱስ እተቐደሱ’ ቕቡኣት ክርስትያናት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (1 ቈረ. 1:2፣ 15:18)—w20.12፡ ገጽ 5-6

እቶም ቅቡኣት፡ ‘እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ኣብ እትንፍሓሉ እዋን፡ ብቕጽበት ዓይኒ ምስ ተለወጡ’ እንታይ እዮም ኪገብሩ፧—1 ቈረ. 15:51-53

ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ንኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስይዎም እዮም። (ራእ. 2:26, 27)—w20.12፡ ገጽ 12-13