ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 50

ድምጺ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ስማዕ

ድምጺ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ስማዕ

“ድምጸይ . . . ኪሰምዓ እየን።”—ዮሃ. 10:16

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

መላለዪ *

1. የሱስ ንሰዓብቱ ምስ ኣባጊዕ ዘመሳሰለሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

 የሱስ ነቲ ምስ ሰዓብቱ ዘለዎ ርክብ፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ጓሳን ኣባጊዑን ዘሎ ጥብቂ ርክብ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ዮሃ. 10:14) እቲ ምስስል እቲ ግቡእ እዩ። ኣባጊዕ ንጓሳአን ይፈልጣኦ፡ ድምጹ እውን ይሰምዓ እየን። ሓደ ተጓዓዛይ ነዚ ብዓይኑ ርእይዎ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ድማ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ንገሊአን ኣባጊዕ ክንስእለን ስለ ዝደለና፡ ክንጽውዐን ፈቲንና። ድምጽና ስለ ዘይፈልጣኦ ግና፡ ኣይሰዓባናን። ድሕሪኡ፡ ሓደ ንእሽቶ ጓሳ መጺኡ ምስ ጸውዐን ብኡብኡ ስዒበናኦ።”

2-3. (ሀ) ሰዓብቲ የሱስ ንድምጹ ኸም ዚሰምዑ ብኸመይ የርእዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብ እትቕጽልን እንታይ ክንርኢ ኢና፧

2 እዚ ተጓዓዛይ ዘሕለፎ ተመክሮ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ኣባጊዑ ወይ ደቀ መዛሙርቱ ዝበሎ ነገር እዩ ዜዘኻኽረና። ንሱ፡ “ድምጸይ . . . ኪሰምዓ እየን” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 10:16) የሱስ ግና ኣብ ሰማይ እዩ ዘሎ። ከመይ ጌርና ኢና ‘ንሰምዖ ኣለና’ ኽንብል እንኽእል፧ ድምጺ ጐይታና ንሰምዕ ከም ዘለና እነርእየሉ ቐንዲ መገዲ፡ ንትምህርትታቱ ኣብ ህይወትና ብምትግባር እዩ።—ማቴ. 7:24, 25

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን፡ ገለ ኻብ ትምህርትታት የሱስ ክንርኢ ኢና። ኣብዘን ዓንቀጻት ከም እንርእዮ ኸኣ፡ የሱስ ገሊኡ ነገራት ደጊም ክንገብር ከም ዘይግባእ፡ ገሊኡ ነገራት ከኣ ክንገብር ከም ዚግባእ ምሂሩ እዩ። ኣብ ፈለማ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ደጊም ከይንገብሮ ዝኣዘዘና ኽልተ ነገራት ክንርኢ ኢና።

“ደጊም . . . ኣይትጨነቑ”

4. ብመሰረት ሉቃስ 12:29፡ እንታይ እዩ ‘ኼጨንቐና’ ዚኽእል፧

4 ሉቃስ 12:29 ኣንብብ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት፡ “ደጊም . . . ኣይትጨነቑ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። የሱስ ዚህቦ ምኽሪ ወትሩ ጥበባውን ቅኑዕን ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ክንትግብሮ ንደሊ ኢና፣ ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ምትግባሩ ይኸብደና እዩ። ስለምንታይ፧

5. ስለምንታይ እዮም ገሊኦም ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ኪጭነቑ ዚኽእሉ፧

 5 ገሊኦም ብዛዕባ ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት፡ ማለት ብዛዕባ ምግብን ክዳንን መጽለልን ይጭነቑ ይዀኑ። ኣብ ድኻ ዓዲ ይነብሩ ይዀኑ። ንስድራ ቤቶም ንምንባይ ዜድሊ እኹል ገንዘብ ምርካብ ኣጸጋሚ ይዀኖም ይኸውን። ወይ ከኣ እቲ ኣላዪ ስድራ ቤት ካልእ ምንጪ ኣታዊ ኸይሓደገ ይመውት ይኸውን። ገሊኦም ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ስራሖምን ኣታዊኦምን ስኢኖም ይዀኑ። (መክ. 9:11) ገለ ኻብዚ ጸገማት እንተ ኣጋጢሙና፡ ነቲ ደጊም ከይንጭነቕ ካብ የሱስ እተዋህበና ምኽሪ ብኸመይ ክንስዕቦ ንኽእል፧

ብስጋዊ ነገራት ኣብ ጭንቀት ኣብ ክንዲ እትጥሕል፡ ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ ህነጽ (ሕጡብ ጽሑፍ 6-8 ርአ) *

6. ሓደ እዋን ንሃዋርያ ጴጥሮስ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ግለጽ።

6 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ኣብ ባሕሪ ገሊላ ብጃልባ ይጐዓዙ ነበሩ። ምስ ማዕበል እናተቓለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ብማየ ማይ ኪኸይድ ረኣይዎ። ሽዑ ጴጥሮስ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንካስ፡ ብማየ ማይ ክመጸካ ኣዝዘኒ” በሎ። የሱስ፡ “ንዓ” ምስ በሎ፡ ጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ወሪዱ፡ “ብማየ ማይ ናብ የሱስ ከደ።” ድሕሪኡ ግና እንታይ እዩ ዀይኑ፧ እቲ ዛንታ ኸምዚ ይብል፦ “ህቦብላ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና፡ ፈርሀ። ኪጥሕል ምስ ጀመረ ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ!’ ኢሉ ኣእወየ።” የሱስ ከኣ ኢዱ ዘርጊሑ ኣድሓኖ። ጴጥሮስ ኣትኵሮኡ ኣብ የሱስ ክሳዕ ዝገበረ ኣብቲ ዚናወጽ ዝነበረ ማያት ኪኸይድ ክኢሉ ነይሩ እዩ። ናብቲ ህቦብላ ምስ ጠመተ ግና፡ ፍርህን ጥርጣረን ስለ ዘሰነፎ፡ ኪጥሕል ጀመረ።—ማቴ. 14:24-31

7. ካብ ጴጥሮስ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

7 ካብ ጴጥሮስ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ናብቲ ባሕሪ ምስ ወረደ፡ ኣቓልቦኡ ብኻልእ ተወሲዱ ምጥሓል ኪጅምር ኣይሓሰበን ነይሩ። ናብ ጐይታኡ ኽሳዕ ዚበጽሕ ብማየ ማይ ኪኸይድ እዩ ሓሲቡ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኣትኵሮኡ ኻብ ሸቶኡ ተሰርቀ። ልክዕ እዩ፡ ብማየ ማይ ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና፣ ናይ እምነት ፈተናታት ግና የጋጥመና እዩ። ኣብ የሆዋን ኣብ ተስፋታቱን ወትሩ ነተኵር እንተ ዘይኴንና፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ክንጥሕል ንጅምር ኢና። ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ምሳልያዊ ህቦብላ ብዘየገድስ፡ ኣእምሮና ወትሩ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንዓና ንምሕጋዝ ዘለዎ ኽእለትን ኬተኵር ኣለዎ። ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧

8. ብስጋዊ ነገራት እምብዛ ኸይንጭነቕ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

8 ንጭንቀት ብእምንቶ እንተ ተኪእናዮ፡ ንጥቀም ኢና። ንመንፈሳዊ ነገራት እንተ ኣቐዲምና፡ እቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ ነቲ ዜድልየና ስጋዊ ነገራት ከም ዜማልኣልና ውሕስነት ኣትዩልና እዩ። (ማቴ. 6:32, 33) ነቲ ዘተስፈወና ነገር ከኣ ወትሩ ይፍጽሞ እዩ። (ዘዳ. 8:4, 15, 16፣ መዝ. 37:25) የሆዋ ንኣዕዋፍን ንዕምባባታትን ዜድልዮም ዜማልኣሎም ካብ ኰነ፡ ብዛዕባ እቲ እንበልዖ ወይ እንኽደኖ ኽንጭነቕ የብልናን። (ማቴ. 6:26-30፣ ፊል. 4:6, 7) ከምቲ ሓለይቲ ወለዲ ብፍቕሪ ተደሪኾም ንደቆም ብስጋ ዜድልዮም ዜማልኡሎም፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና እውን ብፍቕሪ ተደሪኹ ንህዝቡ ብስጋ ዜድልዮም የማልኣሎም እዩ። እወ፡ የሆዋ ኸም ዚናብየና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና!

9. ካብ ተመክሮ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧

9 የሆዋ ነቲ ብስጋዊ ዜድልየና ነገራት ብኸመይ ከም ዜማልኣልና ዜርኢ ተመክሮ እስከ ንርአ። ሓደ እዋን፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ንገሊአን ኣብ መንበሪ ስደተኛታት ዚነብራ ኣሓት ብኣረጊት ማኪናኦም ልዕሊ ሰዓት ተጓዒዞም ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ወሰድወን። ድሕሪኡ ዘጋጠሞም ነገር እቲ ሓው ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ነተን ኣሓት ዓዲምናየን፣ ድሕሪኡ ግና ዚብላዕ ዚብሃል ከም ዘይብልና ዘኪርና።” እሞ ደኣ እንታይ ገይሮም፧ እቲ ሓው ኣስዒቡ ኸምዚ ይብል፦ “ናብ ገዛ ምስ በጻሕና፡ ኣብ ኣፍ ደገ ገዛና ኣስቤዛ ዝሓዘ ኽልተ ዓብዪ ሳንጣ ጸኒሑና። ኣብኡ መን ከም ዝሓደጎ ኣይንፈልጥን ኢና። የሆዋ እዩ ሓልዩልና።” ድሕርዚ፡ ማኪናኦም ተበላሸወት። ንኣገልግሎት ተድልዮም እኳ እንተ ዀነት፡ መዐረዪኣ ዚኸውን ገንዘብ ግና ኣይነበሮምን። ነታ ማኪና ናብ እንዳ ጋራጅ ወሲዶም እናተመርመረት ከላ፡ ሓደ ሰብኣይ መጺኡ፡ “እዛ ማኪና ናይ መን እያ፧” ኢሉ ሓተተ። እቲ ሓው ድማ ናቱ ኸም ዝዀነት፡ ተበላሽያ እውን ከም ዘላ ነገሮ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “ምብልሻዋስ ደሓን። ሰበይተይ ከምዚኣ ዓይነት ማኪናን ልክዕ ከምዚኣ ዓይነት ሕብርን ትደሊ እያ። ክንደይ ትሸጣ፧” በሎ። ነቲ ሓው ከኣ ካልእ ማኪና ኼዐድጎ ዚኽእል ገንዘብ ከፈሎ። እቲ ሓው ኣብ መደምደምታ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ ኸመይ ከም እተሰምዓና ኽገልጽ ኣየድልየንን እዩ። እዚ ብኣጋጣሚ ዘይምዃኑ ፈሊጥና ኢና። ኢድ የሆዋ እያ።”

10. መዝሙር 37:5 ብስጋዊ ነገራት ከይንጭነቕ እተተባብዓና ብኸመይ እያ፧

10 ነቲ ሕያዋይ ጓሳ እንተ ሰሚዕናዮን ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት እምብዛ እንተ ዘይተጨኒቕናን፡ የሆዋ ዜድልየና ኸም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 37:5 ኣንብብ፣ 1 ጴጥ. 5:7) ኣብ  ሕጡብ ጽሑፍ 5 ተጠቒሱ ዘሎ ዅነታት እሞ ሕስብ ነብሎ። የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ መዓልታዊ ዜድልየና ንምምላእ፡ ብርእሲ ስድራ ቤት ወይ ብኣስራሒና ተጠቒሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ርእሲ ስድራ ቤትና ኸምኡ ኺገብር እንተ ዘይክኢሉ ወይ ስራሕና እንተ ስኢንና፡ የሆዋ ብኻልእ መገዲ ዜድልየና ኼማልኣልና እዩ። ብርግጽ ዜድልየና ኺህበና እዩ። ሕጂ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ደጊም ከይንገብሮ ዝነገረና ኻልእ ነገር እስከ ንርአ።

“ደጊም ኣይትፍረዱ”

ስግር ደጋዊ ትርኢት እንተ ጠሚትና፡ ከይንፈርድ ይሕግዘና (ሕጡብ ጽሑፍ 11, 14-16 ርአ) *

11. ብመሰረት ማቴዎስ 7:1, 2፡ የሱስ ደጊም እንታይ ከይንገብር እዩ ኣዚዙና፧ እዚ ኣጸጋሚ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

11 ማቴዎስ 7:1, 2 ኣንብብ። የሱስ፡ እቶም ዘይፍጹማት ሰማዕቱ ንኻልኦት ናይ ምንቃፍ ዝንባለ ኸም ዘለዎም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ፡ “ደጊም ኣይትፍረዱ” ዝበሎም። ንሕና እውን ንክርስትያናት ብጾትና ኸይንፈርድ ንጽዕር ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ዘይፍጹማት ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቐፍቲ ዝዀንና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ንየሱስ ንስምዓዮ፡ ደጊም ከይንፈርድ ዚከኣለና ንጽዓር።

12-13. ኣብቲ የሆዋ ብዛዕባ ንጉስ ዳዊት ዘለዎ ኣረኣእያ ምስትንታንና፡ ንኻልኦት ከይንፈርድ ብኸመይ ይሕግዘና፧

12 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስትንታን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። የሆዋ ኣብቲ ሰባት ዘለዎም ጽቡቕ ነገራት እዩ ዜተኵር። ነዚ ኣብቲ ምስ ንጉስ ዳዊት ዝነበሮ ርክብ ንርእዮ ኢና። ዳዊት ብዙሕ ከቢድ ጌጋታት ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ምስ ባትሴባ ዘምዩ፡ ንሰብኣያ እውን ኣቕቲልዎ እዩ። (2 ሳሙ. 11:2-4, 14, 15, 24) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብዘሎ ስድራ ቤቱ፡ እንተላይ ንኻልኦት ኣንስቱ ጐዲኡ እዩ። (2 ሳሙ. 12:10, 11) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ሰራዊት እስራኤል ብዘይግቡእ ኪቝጸሩ ምስ ኣዘዘ፡ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ትውክልቲ ኸም ዘጕደለ ኣርእዩ እዩ። ብትዕቢትን በቲ ኣብ ዕቤት ሰራዊቱ ዘለዎ ትውክልትን ተደሪኹ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧ ኣስታት 70,000 እዮም ብለበዳ ሞይቶም!—2 ሳሙ. 24:1-4, 10-15

13 ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እስራኤል ትነብር እንተ ትኸውን፡ ንዳዊት ብኸመይ ምረኣኻዮ፧ ምሕረት የሆዋ ዘይግብኦ ጌርካዶ ምፈረድካዮ፧ የሆዋ ኸምኡ ኣይገበረን። ኣብቲ ዳዊት ብሓፈሻ ብተኣማንነት እተመላለሰሉ እዋናትን ኣብቲ ኻብ ልቡ ዝገበሮ ንስሓን እዩ ኣተኲሩ። ከም ውጽኢቱ፡ የሆዋ ንዳዊት፡ ነቲ ኸቢድ ሓጢኣቱ ሓደገሉ። ዳዊት ንዕኡ ኣዝዩ ኸም ዜፍቅሮን ቅኑዕ ዘበለ ኺገብር ይደሊ ኸም ዝነበረን፡ የሆዋ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣምላኽና ኣብ ጽቡቕና ዜተኵር ምዃኑስ ኣይተመስግንንዶ፧—1 ነገ. 9:4፣ 1 ዜና 29:10, 17

14. እንታይ ኣመለኻኽታ እዩ ንኻልኦት ከይንፈርድ ዚሕግዘና፧

14 የሆዋ ንዘይፍጹማት ሰባት ሕድገታት ካብ ገበረሎም፡ ንሕና ንሓድሕድና ሕድገታት ክንገብርን ኣብቲ ሰባት ዘለዎም ጽቡቕ ከነተኵርን ንኽእል ኢና። ዘይፍጽምና ኻልኦት ምእራይን ምንቃፍን መብዛሕትኡ ግዜ ቐሊል እዩ። ሓደ መንፈሳዊ ሰብ ግና ነቲ ዘይፍጽምናታት ርእዩ ኽነሱ፡ ምስቶም ሰባት ተሳንዩ ይዓዪ እዩ። ሓንቲ ዘይተጸርበት ኣልማዝ ንምርኣያ ባህ ዘይተብል ክትከውን ትኽእል እያ፣ ሓደ ኣስተውዓሊ ሰብ ግና ነቲ ሓርፋፍ ዝባና ጥራይ ኣይኰነን ዚርኢ፣ የግዳስ፡ እታ ኣልማዝ ምስ ተጸርበት ዚህልዋ ዋጋ እውን ይርኢ እዩ። እምበኣር፡ ከም የሆዋን የሱስን፡ ስግር ደጋዊ ትርኢት ክንጥምትን ጽቡቕ ባህርያት ሰባት ክንርእን ኣሎና።

15. ኵነታት ሰባት ኣብ ግምት ነእቱ እንተ ዄንና፡ ከይንፈርዶም ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

15 ኣብ ጽቡቕ ባህርያት ካልኦት ኣብ ርእሲ ምትኳር፡ እንታይ እዩ ኸይንፈርዶም ኪሕግዘና ዚኽእል፧ ህይወቶም ከመይ ከም ዝዀነ ብኣእምሮና ንስኣሎ። ነዚ ኣብነት እስከ ንርአ። የሱስ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ከሎ፡ ሓንቲ ድኻ መበለት ክልተ ሰናቲም ኣብቲ መመጽወቲ ኸተውድቕ ከላ ረኣየ። “ስለምንታይ እያ ኣብዚሓ ዘይሃበት፧” ኢሉ ኣይሓሰበን። ኣብቲ እታ መበለት ዘውደቐቶ ኣብ ክንዲ ዜተኵር፡ ውሽጣዊ ድራኸኣን ኵነታታን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዚከኣላ ብምግባራ ወደሳ።—ሉቃ. 21:1-4

16. ካብቲ ንቨሮኒካ ዘጋጠማ ተመክሮ እንታይ ትምሃር፧

16 ኵነታት ሰባት ኣብ ግምት ምእታው ዘለዎ ኣገዳስነት፡ ንሓንቲ ቨሮኒካ ዝስማ ሓብቲ ብዘጋጠማ ተመክሮ ኣቢልና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ኣብታ እተገልግለላ ጉባኤ፡ ሓንቲ ኣደ ንወዳ በይና ተዕብዮ ነበረት። ቨሮኒካ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ንጥፈታት ጉባኤ ብዙሕ ዘይሳተፉ ገይረ እየ ዝርእዮም ነይረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብኣሉታዊ እየ ዝርእዮም ነይረ። ድሕሪኡ ግና፡ ምስታ ኣደ ናብ ኣገልግሎት ከይደ። ንሳ ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ኦውቲዝም ዚብሃል ጸገም ዘለዎ ወዳ እንታይ ጸገማት ከም እተሕልፍ ነጊራትኒ። ነቲ ብስጋውን ብመንፈሳውን መዳይ ዜድልዮም ንምምላእ ዚከኣላ እያ እትገብር ነይራ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብሰንኪ ጥዕና ወዳ፡ ኣብ ካልእ ጉባኤ ኸይዳ እያ እትእከብ ነይራ።” ኣብ መደምደምታ፡ ቨሮኒካ ኸምዚ ትብል፦ “ክሳዕ ክንድዚ ጸገም ከም ዘለዋ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ሕጂ ነዛ ሓብቲ እዚኣ ስለቲ ዅሉ ንየሆዋ ንምግልጋል እትገብሮ ጻዕሪ ኣዝየ አኽብራ እየ።”

17. ያእቆብ 2:8 እንታይ ክንገብር እያ እትእዝዘና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኸምኡ እንገብር፧

17 ንክርስትያን ብጻይና ንፈርድ ከም ዘለና እንተ ተፈሊጡና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ንኣሕዋትና ኸነፍቅሮም ከም ዚግባእ ኽንዝክር ኣሎና። (ያእቆብ 2:8 ኣንብብ።) ብተወሳኺ፡ ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ከነቕርብ፡ ደጊም ከይንፈርድ ኪሕግዘና ድማ ክንልምኖ ኣሎና። ነቲ እንነቕፎ ሰብ ንምዝርራብ ተበግሶ ብምውሳድ፡ ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ኽንዓዪ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ክንፈልጦ የኽእለና ይኸውን። ኣብ ኣገልግሎት ብሓባር ንምዕያይ ክንሓትቶ ወይ ከኣ ምሳሕ ወይ ድራር ክንዕድሞ ንኽእል ኢና። ንሓውና ብዝያዳ እናፈለጥናዮ ብዝኸድና መጠን፡ ኣብነት የሆዋን የሱስን ብምስዓብ ጽቡቕ ጐድኑ ኸነናዲ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ደጊም ከይንፈርድ ዝሃበና ትእዛዝ ንሰምዕ ከም ዘለና ኸነርኢ ንኽእል።

18. ድምጺ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንሰምዕ ከም ዘለና ኸመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧

18 ከምቲ ኣባጊዕ ድምጺ ጓሳአን ዚሰምዓ፡ ሰዓብቲ የሱስ እውን ድምጹ ይሰምዑ እዮም። ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ደጊም ከይንጭነቕን ንኻልኦት ደጊም ከይንፈርድን ንጽዕር እንተ ዄንና፡ የሆዋን የሱስን ንጻዕርታትና ኺባርኽዎ እዮም። እምበኣር፡ ካብቶም “ሒደት መጓሰ” ንኹን ወይ ካብተን “ካልኦት ኣባጊዕ፡” ድምጺ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ወትሩ ንስማዕ። (ሉቃ. 12:32፣ ዮሃ. 10:11, 14, 16) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ኪገብርዎ ዝኣዘዞም ክልተ ነገራት ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 101 ብሓድነት ንዕየ

^ ሕ.ጽ. 5 የሱስ ኣባጊዑ ድምጹ ይሰምዓ ኺብል ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ንትምህርትታቱ ሰሚዖም ኣብ ህይወቶም የውዕልዎ ማለቱ እዩ ነይሩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክልተ ጕሉሕ ትምህርትታት የሱስ ክንርኢ ኢና። እዚ ድማ ደጊም ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ከይንጭነቕን ደጊም ከይንፈርድን እተዋህበ ትምህርትታት እዩ። ነዚ ምኽሩ ብኸመይ ከም እንትግብሮ እውን ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 51 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ስራሑ ይስእን፡ ንስድራ ቤቱ ዜድሊ ገንዘብ ይውሕዶ፡ ገዛ እውን ኪረክብ የድልዮ። ብቐሊሉ ተጨኒቑ ኻብቲ ንኣምላኽ ዜቕርቦ ኣምልኾ ኣቓልቦኡ ኺስረቕ ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 53 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ናብ ኣኼባ ደንጕዩ ይበጽሕ። እንተዀነ ግና፡ ብዘይወግዓዊ መገዲ ኺምስክር ከሎ፡ ብዕድመ ንዝደፍአት ሰበይቲ ኺሕግዝ ከሎ፡ ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪከናኸን ከሎ፡ ጽቡቕ ባህርያት የርኢ።