ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ዳዊት እቲ ዘማሪ ኣብ መዝሙር 61:8፡ ንስም ኣምላኽ “ንዘለኣለም” ኪውድሶ ምዃኑ ዚገልጽ ቃላት ኪጽሕፍ ከሎ፡ የጋንን ወይ ዘይከውን ነገር ይዛረብ ድዩ ነይሩ፧

ኣይፋልን። ዳዊት መሰረት ዘለዎን ዚኸውንን ነገር እዩ ጽሒፉ።

ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣን ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ፍቕድታትን እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ። “መዓልቲ መዓልቲ መብጽዓታተይ ክፍጽም ከለኹ፡ ንስምካ ንዘለኣለም ውዳሰ ኽዝምረሉ እየ።” “ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ብዅሉ ልበይ እውድሰካ ኣለኹ፣ ንዘለኣለም ከኣ ንስምካ ከኽብሮ እየ።” “ንዘለኣለመ ኣለም ድማ ስምካ ኽውድስ እየ።”—መዝ. 61:8፣ 86:12፣ 145:1, 2

ዳዊት ነዚ ቓላት እዚ ኺጽሕፍ ከሎ፡ የጋንን ኣይኰነን ነይሩ፡ ወይ ከም ዘይመውት ኣይኰነን ዚሓስብ ነይሩ። ሰባት ብሰንኪ ሓጢኣቶም ከም ዚሞቱ የሆዋ ኸም እተዛረበ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ንሱ ሓጥእ ምዃኑ እውን ተኣሚኑ እዩ። (ዘፍ. 3:3, 17-19፣ መዝ. 51:4, 5) ከም እኒ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝኣመሰሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ዝረኸቡ ሰባት እኳ ኸም ዝሞቱ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንሱ እውን ውዒሉ ሓዲሩ ሞት ከም ዘይተርፎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መዝ. 37:25፣ 39:4) ኰይኑ ግና እቲ ኣብ መዝሙር 61:8 ዚርከብ ቃላቱ፡ ንኣምላኽ ንዘለኣለም ንምውዳስ፡ ማለት ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ንምውዳስ ዘለዎ ድሌትን ቈራጽነትን እዩ ዚገልጽ።—2 ሳሙ. 7:12

ገለ ኻብቲ ዳዊት ዝጸሓፎ ጽሑፋት ብዛዕባ ተመክሮታት ህይወቱ እዩ ነይሩ። ኣብ መዝሙር 185152ን ዘሎ ልዕለ ጽሑፍ ነዚ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ኣብ መዝሙር 23፡ ዳዊት ንየሆዋ፡ ከም ዚመርሖን ዜዕርፎን ዜዕቍቦን ጓሳ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ዳዊት ከምኡ ዓይነት ጓሳ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ንኣምላኽ ምሉእ ዕድሚኡ ኼገልግሎ ይደሊ ነይሩ እዩ።—መዝ. 23:6

ዳዊት ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኹ ይጽሕፍ ምንባሩ እውን ክንርስዕ የብልናን። ገለ ኻብቲ ዝጸሓፎ ነገራት፡ ብዛዕባ እቲ ድሒሩ ዚፍጸም ነገራት ዚገልጽ ትንቢታት እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ መዝሙር 110፡ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ጐይታኡ ኣብ ሰማይ ‘ኣብ የማን ኣምላኽ ዚቕመጠሉን’ ዓብዪ ስልጣን ዚቕበለሉን እዋን ሓቢሩ ኣሎ። እሞኸ እቲ ጐይታ እንታይ ንምግባር እዩ ኣብኡ ዚቕመጥ፧ ንጸላእቲ ኣምላኽ ንምግዛእን ‘ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ኣብ ምድሪ ፍርዲ ንምፍጻምን’ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚገዝእን “ንዘለኣለም ካህን” ዚኸውንን ጐይታ፡ ማለት እቲ መሲሕ ካብ ዘርኢ ዳዊት እዩ መጺኡ። (መዝ. 110:1-6) የሱስ እዚ ኣብ መዝሙር 110 ዚርከብ ትንቢት ብዛዕባኡ ኸም ዝዀነን ኣብ መጻኢ ኸም ዚፍጸምን መረጋገጺ ሂቡ እዩ።—ማቴ. 22:41-45

እወ፡ ዳዊት ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ብዛዕባ ግዜኡ ዀነ ብዛዕባ እቲ ትንሳኤ ዚረኽበሉን ንየሆዋ ንዘለኣለም ዜወድሰሉን መጻኢ ጽሒፉ እዩ። እዚ ድማ መዝሙር 37:10, 11, 29 ነቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዅነታትን ነቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ዘተስፈዎ ምስ ፈጸመ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚሰፍን ኵነታትን ከም እተመልክት ክንርዳእ ይሕግዘና እዩ።—ኣብዛ ሕታም እዚኣ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ።

ስለዚ፡ መዝሙር 61:8ን ምስኣ ዚመሳሰላ ፍቕድታትን ዳዊት ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ንየሆዋ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ኼሞግሶ ኸም ዚደሊ የመልክታ እየን። ብተወሳኺ እውን፡ ዳዊት ኣብ መጻኢ ብየሆዋ ትንሳኤ ምስ ረኸበ ኺገብሮ ዚኽእል ነገር የመልክታ እየን።