ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 50

“ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ”

“ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ”

“ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፦ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ።”—ሉቃ. 23:43

መዝሙር 145 ኣምላኽ ዘተስፈወና ገነት

መላለዪ a

1. የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ገበነኛ እንታይ እዩ ኢልዎ፧ (ሉቃስ 23:39-43)

 የሱስን እቶም ኣብ ጐድኑ እተሰቕሉ ኽልተ ገበነኛታትን በብቝሩብ እናተሳቐዩ እዮም ዚሞቱ ነይሮም። (ሉቃ. 23:32, 33) እቶም ክልተ ገበነኛታት ኣቐዲሞም ንየሱስ ስለ ዝጸረፍዎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ዘይምንባሮም ንጹር እዩ። (ማቴ. 27:44፣ ማር. 15:32) ሓደ ኻባታቶም ግና ሓሳቡ ቐየረ። ንየሱስ ድማ፡ “የሱስ፡ መንግስትኻ ምስ ሓዝካ፡ ዘክረኒ” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፦ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። (ሉቃስ 23:39-43 ኣንብብ።) እቲ ገበነኛ ነቲ የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዛዕባ “መንግስተ ሰማያት” ዝሰበኾ መልእኽቲ ኸም እተቐበለ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር የሎን። የሱስ እውን እቲ ሰብኣይ እቲ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚኣቱ ዚሕብር ነገር ኣይተዛረበን። (ማቴ. 4:17) ስለዚ፡ ብዛዕባ እታ ኣብ መጻኢ እትህሉ ምድራዊት ገነት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧

ብዛዕባ እቲ ንየሱስ እተዛረቦ ገበነኛን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዚፈልጦ ዝነበረ ነገራትን እንታይ ኢልና ኢና ኽንድምድም እንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 2-3 ርአ)

2. እቲ እተነስሐ ገበነኛ ኣይሁዳዊ እዩ ነይሩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

2 እቲ እተነስሐ ገበነኛ፡ ኣይሁዳዊ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። እዚ ገበነኛ ነቲ ኻልኣዩ፡ “ከም ናቱ ዝበለ ፍርዲ ተፈሪዱካ ኸሎስ፡ ንኣምላኽ ኣይትፈርህን ዲኻ፧” ኢሉ እዩ ተዛሪብዎ። (ሉቃ. 23:40) ኣይሁድ ሓደ ኣምላኽ እዮም ዜምልኹ ነይሮም፣ ኣህዛብ ግና ብዙሓት ኣማልኽቲ እዮም ዜምልኹ ነይሮም። (ዘጸ. 20:2, 3፣ 1 ቈረ. 8:5, 6) እቶም ገበነኛታት ካብ ኣህዛብ እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ “ንኣማልኽቲ ኣይትፈርህን ዲኻ፧” ኢሉ ምሓተቶ። ብተወሳኺ እውን፡ የሱስ ናብ ኣህዛብ ዘይኰነስ፡ ናብተን “ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል” እዩ ተላኢኹ። (ማቴ. 15:24) ኣምላኽ ድማ ንእስራኤላውያን፡ ምዉታት ከም ዜተንስእ ገሊጹሎም ነይሩ እዩ። እቲ እተነስሐ ገበነኛ ብዛዕባ እዚ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ቃላቱ ኸም ዚሕብሮ ድማ፡ የሆዋ ንየሱስ ኣተንሲኡ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚገብሮ ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ እቲ ገበነኛ፡ ኣምላኽ ንዕኡ እውን ከም ዜተንስኦ ተስፋ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

3. የሱስ ብዛዕባ ገነት ምስ ጠቐሰ፡ እቲ እተነስሐ ገበነኛ እንታይ ሓሲቡ ኪኸውን ኣለዎ፧ ግለጽ። (ዘፍጥረት 2:15)

3 እቲ እተነስሐ ገበነኛ ኣይሁዳዊ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ እታ የሆዋ መንበሪኦም ክትከውን ዝሃቦም ገነት ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ እታ የሱስ ዝጠቐሳ ገነት ኣብ ምድሪ እትድኰን ጽብቕቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኸም እትኸውን ሓሲቡ ኪኸውን ኣለዎ።—ዘፍጥረት 2:15 ኣንብብ።

4. እቲ የሱስ ንሓደ ኻብቶም ገበነኛታት እተዛረቦ ቓላት ብዛዕባ እንታይ ከም እንሓስብ እዩ ኺገብረና ዘለዎ፧

4 እቲ የሱስ ነቲ ገበነኛ እተዛረቦ ቓላት፡ ኣብ ገነት ህይወት ከመይ ምዃኑ ኸም እንሓስብ ኪገብረና ኣለዎ። ከም ሓቂ፡ ካብቲ ሰላማዊ ግዝኣት ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ ገነት ክንምሃር ንኽእል ኢና። እቲ ኻብ ሰሎሞን ዚዓቢ የሱስ ከኣ ምስ መጋዝእቱ ዀይኑ ኣብ ምድሪ ዜደንቕ ኵነታት ከም ዜስፍን ክንጽበ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 12:42) እምበኣር፡ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ኣብ ገነት ንዘለኣለም ንምንባር እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኪሓስቡ ይግባእ።—ዮሃ. 10:16

ህይወት ኣብ ገነት ከመይ ኪኸውን እዩ፧

5. ኣብ ገነት ህይወት ከመይ ኪመስል ኢኻ እትጽበ፧

5 ብዛዕባ እቲ ኣብ ገነት ዚህሉ ህይወት ክትሓስብ ከለኻ፡ ናብ ኣእምሮኻ ዚመጽእ እንታይ እዩ፧ ምናልባት ከምቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረ ጽቡቕ ስፍራ ኣታኽልቲ ብኣእምሮኻ ትስእል ትኸውን። (ዘፍ. 2:7-9) ነቲ ሚክያስ ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ” ኢሉ ዝመዝገቦ ትንቢት ትዝክሮ ትኸውን። (ሚክ. 4:3, 4) እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ኸም ዚህሉ ዝሃቦ መግለጺ ትዝ ይብለካ ይኸውን። (መዝ. 72:16፣ ኢሳ. 65:21, 22) ስለዚ፡ ኣብ ሓደ ውቁብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዄንካ፡ ኣብ ጥቓኻ ኣብ ዘሎ መኣዲ ድማ በብዓይነቱ ጥዑም ምግቢ ተሰሪዑ ብኣእምሮኻ ትስእል ትኸውን። እቲ ኣየር ብጽሩይ ሽታ ኣትክልትን ዕምባባታትን ከም ዝመልአ ትሓስብ ትኸውን። ብዘይካዚ፡ ደሃይ ሰሓቕ ስድራ ቤትካን ፈተውትኻን፡ እንተላይ እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ኸም እትሰምዕ ጌርካ ብኣእምሮኻ ትስእል ትኸውን። እዚ ዅሉ ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ነገር እዚ ብርግጽ ኣብ ምድሪ ኺፍጸም እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ኣብ ገነት ዚህሉ ህይወት፡ ባህ ዜብል ዕዮ እውን ኪህሉ እዩ።

ካብ ምዉታት ንዚትንስኡ ሰባት ናይ ምምሃር ኣገዳሲ ዕዮ ኺህልወና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. ኣብ ገነት እንታይ ኢና ኽንገብር፧ (ስእሊ ርአ።)

6 የሆዋ ኻብ ዕዮና ሓጐስ ከም እንረክብ ገይሩ እዩ ፈጢሩና። (መክ. 2:24) ምናዳ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ከኣ ብስራሕ ትሑዛት ክንከውን ኢና። እቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚድሕኑን እቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኻብ ምዉታት ዚትንስኡን ሰባት፡ ክዳንን ምግብን መንበርን ኬድልዮም እዩ። ነቲ ዜድልዮም ንምምላእ፡ ብዙሕ ባህ ዜብል ዕዮ ኺህሉ እዩ። ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ነታ ዚነብሩላ ገነት ኪከናኸንዋ ዝነበሮም፡ ንሕና እውን ነታ ገነታዊት ምድሪ ናይ ምክንኻን ባህ ዜብል ዕዮ ኺህልወና እዩ። ነቶም ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ዕላማኡን ብዙሕ ዘይፈልጡ ኻብ ምዉታት ዚትንስኡ ሚልዮናት ሰባት ምምሃር፡ ከምኡ እውን ነቶም ቅድሚ ግዜ የሱስ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ተወሳኺ ፍልጠት ምክፋል ክሳዕ ክንደይ ከም ዜሐጕስ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ።

7. ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ስለምንታይከ፧

7 ኣብታ ናይ መጻኢ ገነት ዚህሉ ህይወት፡ ሰላምን ብልጽግናን ስርዓትን ዝዓሰሎ ኸም ዚኸውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ወዱ ዚህሉ ህይወት ከመይ ከም ዚመስል ብእተወሰነ መርኣዪ ሂቡና እዩ። ነዚ ድማ ኣብቲ ብዛዕባ ግዝኣት ንጉስ ሰሎሞን እተመዝገበ ዛንታ ኽንርእዮ ንኽእል ኢና።

ግዝኣት ንጉስ ሰሎሞን—ቅምሶ ገነት

8. እቲ ኣብ መዝሙር 37:10, 11, 29 ዚርከብ ንጉስ ዳዊት ዝጸሓፎ ቓላት ፍጻመኡ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።)

8 ንጉስ ዳዊት ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ጥበበኛን እሙንን ንጉስ ኣብ ዝፋን ዚቕመጠሉ እዋን ጽሒፉ እዩ። (መዝሙር 37:10, 11, 29 ኣንብብ።) ብዛዕባ እታ እትመጽእ ገነት ክንዛራረብ ከለና፡ ብዙሕ ግዜ መዝሙር 37:11 ንሰባት ነንብበሎም ኢና። ነዚ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ከመይሲ፡ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ጠቒስዋ እዩ፣ እዚ ድማ ናይ መጻኢ ፍጻመ ኸም ዘለዋ ዚሕብር እዩ። (ማቴ. 5:5) ኰይኑ ግና፡ ቃላት ዳዊት ብዛዕባ እቲ ብዘመን ንጉስ ሰሎሞን ዚህሉ ህይወት እውን ይገልጽ እዩ። ሰሎሞን ንእስራኤል ኣብ ዚገዝኣሉ ዝነበረ እዋን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብታ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ” ምድሪ ፍሉይ ሰላምን ብልጽግናን ረኺቦም ነይሮም እዮም። ኣምላኽ ድማ፡ “ብሕግታተይ እንተ ተመላሊስኩም . . . ፡ ኣብታ ምድሪ ሰላም ክህብ እየ፣ ማንም ከየፍረሃኩም ድማ ክትድቅሱ ኢኹም” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 20:24፣ 26:3, 6) እዚ ዘተስፈዎ ተስፋታት ብግዜ ንግስና ሰሎሞን ተፈጺሙ እዩ። (1 ዜና 22:9፣ 29:26-28) ብዘይካዚ ድማ፡ እኩያት ከም ‘ዘይህልዉ’ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። (መዝ. 37:10) ስለዚ፡ ኣብ መዝሙር 37:10, 11, 29 ዚርከብ ቃላት፡ ጥንቲ ተፈጺሙ እዩ፡ ኣብ መጻኢ እውን ኪፍጸም እዩ።

9. ንግስቲ ሳባ ብዛዕባ ግዝኣት ንጉስ ሰሎሞን እንታይ ኢላ እያ እተዛረበት፧

9 ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰሎሞን ዝረኸብዎ ሰላምን ብልጽግናን ዚገልጽ ወረ ናብ ንግስቲ ሳባ በጽሐ። እታ ንግስቲ ኸኣ ነቲ ዅነታት ብዓይና ኽትርኢ ኢላ ኻብ ርሑቕ ሃገር ናብ የሩሳሌም ተጓዕዘት። (1 ነገ. 10:1) ንመንግስቲ ሰሎሞን ኣጸቢቓ ድሕሪ ምርኣያ ኸኣ፡ “ፍርቁ እኳ ኣይተነግረንን። . . . እቶም ሰብካ ሕጉሳት እዮም፡ እቶም ወትሩ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብሉን ጥበብካ ዚሰምዑን ገላዉኻ ሕጉሳት እዮም!” በለት። (1 ነገ. 10:6-8) እንተዀነ ግና፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰሎሞን ዝነበረ ዅነታት፡ ካብቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ወዱ የሱስ ዚገብረሎም ነገራት ቅምሶ ጥራይ እዩ።

10. የሱስ ካብ ሰሎሞን ዚበልጽ ብኸመይ እዩ፧

10 የሱስ ብዅሉ መገዲ ኻብ ሰሎሞን ይበልጽ እዩ። ሰሎሞን ከቢድ ጌጋታት ዝገበረ ዘይፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ንህዝቢ ኣምላኽ ጸገማት ኣምጺኡሎም እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ የሱስ ጌጋ ዚብሃል ዘይገብር ፍጹም ገዛኢ እዩ። (ሉቃ. 1:32፣ እብ. 4:14, 15) ነቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ ኣመና ኸቢድ ፈተናታት ከኣ ሰጊርዎ እዩ። ፈጺሙ ኸም ዘይሓጥእ ወይ ነቶም እሙናት ተገዛእቱ ዚጐድእ ነገር ከም ዘይገብር ኣርእዩ እዩ። ንሱ ንጉስና ብምዃኑ፡ ክብሪ እዩ ዚስምዓና።

11. የሱስ እንታይ ሓገዝ እዩ ኺውሃቦ፧

11 ብዘይካዚ፡ ምስ የሱስ ሓቢሮም ዚዓይዩ 144,000 መጋዝእቱ ኺህልዉ እዮም። ንሳቶም ንደቂ ሰብ ኣብ ምክንኻንን ዕላማ የሆዋ ኣብ ምድሪ ኣብ ምፍጻምን ምስኡ ኺተሓባበሩ እዮም። (ራእ. 14:1-3) እዚኣቶም ከኣ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ብዙሕ ፈተናታትን መከራን ኣሕሊፎም እዮም። ስለዚ፡ እዞም መጋዝእቲ የሱስ እዚኦም ብድኻምና ኺድንግጹልና ይኽእሉ እዮም። እሞ ደኣ እዞም መጋዝእቲ የሱስ ብልክዕ እንታይ ግደ እዩ ኺህልዎም፧

እቶም ቅቡኣት እንታይ ግደ እዩ ኺህልዎም፧

12. የሆዋ ነቶም 144,000 እንታይ ዕዮ እዩ ኺህቦም፧

12 እቲ ንየሱስን ንመጋዝእቱን እተዋህቦም ዕዮ፡ ካብቲ ንሰሎሞን እተዋህቦ ዕዮ ኣጸቢቑ ይዓቢ እዩ። እቲ እስራኤላዊ ንጉስ ነቶም ኣብ ሓንቲ ሃገር ዚነብሩ ሚልዮናት ሰባት ጥራይ እዩ ኼመሓድር ነይርዎ። እቶም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገዝኡ ገዛእቲ ግና፡ ነቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚነብሩ ቢልዮናት ሰባት እዮም ኬመሓድርዎም። የሆዋስ ነቶም 144,000 ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ኰን እዩ ሂብዎም!

13. እቶም መጋዝእቲ የሱስ እንታይ ፍሉይ ዕዮ እዩ ኺህልዎም፧

13 እቶም 144,000፡ ከም የሱስ፡ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም እዮም ኬገልግሉ። (ራእ. 5:10) ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ካህናት ብቐዳምነት ኣካላውን መንፈሳውን ጥዕና እቲ ህዝቢ ናይ ምሕላው ዕዮ እዩ ነይርዎም። እቲ ሕጊ ኸኣ፡ “ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገራት” እዩ፣ ስለዚ፡ መጋዝእቲ የሱስ ኣብቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ብኣካላውን ብመንፈሳውን መዳይ ዜድልዮም ናይ ምምላእ ፍሉይ ግደ ኺሕግዙ እዮም ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና። (እብ. 10:1) እቶም ነገስታትን ካህናትን፡ ኣብ ምድሪ ንዚነብሩ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ መልእኽቲ ኸም ዜመሓላልፉሎም፡ ሽዑ ኢና ኽንርእዮ። ሽዑ የሆዋ ዚሰርዖ ስርዓት እዚ ይኹን እቲ፡ ኣብታ እትመጽእ ገነት፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት፡ ዜድልዮም መምርሒ ኸም ዚውሃቦም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ራእ. 21:3, 4

እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ኣብ ገነት ንምንባር ዜኽእል ብቕዓት ንምርካብ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

14. ኣብ መንጎ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ኣሕዋት ክርስቶስን እንታይ ርክብ እዩ ዘሎ፧

14 የሱስ ነቶም ምስኡ ዚገዝኡ፡ “ሒደት መጓሰ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ። (ሉቃ. 12:32) ኣብ ካልእ ግዜ ድማ “ካልኦት ኣባጊዕ” ኢሉ ብዛዕባ ዝጸውዖም ካልኣይ ጕጅለ ተዛሪቡ እዩ። እዞም ክልተ ጕጅለ፡ ሓደ መጓሰ እዮም ዜቝሙ። (ዮሃ. 10:16) ብሓባር እውን ይዓይዩ ኣለዉ፣ ምድሪ ገነት ክትከውን ከላ ኸኣ፡ እዚ ኪቕጽል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም “ሒደት መጓሰ” ኣብ ሰማይ ኪዀኑ እዮም። እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ድማ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ኣብ ገነት ንምንባር ዜኽእል ብቕዓት ንምርካብ፡ ሕጂ ኺገብርዎ ዘለዎም ነገራት ኣሎ።

ኣብ እትመጽእ ገነት ንምንባር ካብ ሕጂ ኽንዳሎ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ) b

15. (ሀ) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ምስ ኣሕዋት ክርስቶስ ዚተሓባባሩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣብነት እዚ ኣብ ፋርማሲ ዘሎ ሓው ክትስዕብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ስእሊ ርአ።)

15 እቲ እተነስሐ ገበነኛ ንክርስቶስ ዘለዎ ሞሳ ኣጸቢቑ ንምግላጽ ኣጋጣሚ ኸይረኸበ እዩ ሞይቱ። ብኣንጻሩ ግና እቶም ካብ “ካልኦት ኣባጊዕ” ዘበልና ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዚስምዓና ንምግላጽ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና። ንኣብነት፡ ንየሱስ ዘሎና ፍቕሪ በቲ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋቱ እንሕዘሉ መገዲ ኣቢልና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። የሱስ ነተን ኣባጊዕ ብመሰረት እዚ ኸም ዚፈርደን ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 25:31-40) ኣብ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ብውዕዉዕ መንፈስ ብምስታፍ ንኣሕዋት ክርስቶስ ክንድግፎም ንኽእል ኢና። (ማቴ. 28:18-20) ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ናውቲ ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመሉ ኣሎና። ንኣብነት፡ ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመላ ኣሎና። እሞ ደኣ ኽሳዕ ሕጂ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ እንተ ዘየሊኻ፡ ብእተኻእለካ መጠን ንብዙሓት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ንምዕዳም ንምንታይ ሸቶ ዘይትገብር፧

16. ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ካብ ሕጂ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

16 ከምቲ የሆዋ ዚደልየና ዓይነት ሰባት ንምዃን ኣብ ገነት ክሳዕ እንኣቱ ኽንጽበ የብልናን። ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ኣብ ዘረባናን ተግባርናን ቅኑዓት፡ ኣብ ህይወትና እውን ሚዛናውያን ክንከውን ንኽእል ኢና። ንየሆዋን ንመጻምድትናን ንክርስትያናት ብጾትናን እሙናት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብዛ እክይቲ ዓለም እናነበርና ብመለክዒታት ኣምላኽ ንምምልላስ ዚከኣለና ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ኣብ ገነት ብእኡ ንምምላስ ዝቐለለ እዩ ዚዀነልና። ኣብ ገነት ንምንባር ንዳሎ ኸም ዘለና ዜርኢ ኽእለታትን ጠባያትን እውን ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ኣብዛ ሕታም እዚኣ እትርከብ፡ “‘ንምድሪ ንምውራስ’ ድሉው ዲኻ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

17. ኣብ ሕሉፍ ብዝገበርናዮ ሓጢኣት ክንድቈስሲ ግቡእ ድዩ፧ ግለጽ።

17 ኣብ ሕሉፍ ብዝገበርናዮ ኸቢድ ሓጢኣት እውን ወትሩ ናይ በደለኛነት ስምዒት ኪስምዓና የብሉን። ልክዕ እዩ፡ በቲ መስዋእታዊ በጃ እናኣመኻነና ‘ፈቲና ብሓጢኣት ክንመላለስ’ የብልናን። (እብ. 10:26-31) ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ኸቢድ ሓጢኣትና ብሓቂ እንተ ተነሲሕና፡ እቲ የሆዋ ዘዳለዎ ሓገዝ እንተ ተቐቢልና፡ ኣካይዳና እውን እንተ ቐዪርና፡ ንሱ ይቕረ ኸም ዝበለልና ኣሚንና ኽንቀስን ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 55:7፣ ግብ. 3:19) የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን፡ “ንጻድቃን ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን ክጽውዕ እየ መጺአ” ኸም ዝበሎም ኣይንረስዕ። (ማቴ. 9:13) እቲ መስዋእታዊ በጃ ኣዝዩ ኽቡር ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ሓጢኣትና ኺሽፍኖ ይኽእል እዩ።

ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ

18. ምስቲ ኣብ ጐድኒ የሱስ ዝሞተ ገበነኛ ብዛዕባ እንታይ ክትዛራረብ ምደለኻ፧

18 ኣብ ገነት ምስቲ ንየሱስ እተዛረቦ ገበነኛ ክትዛራረብ ከለኻስ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ መሸም ክልቴኹም ነቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ዘሎኩም ሞሳ ምገለጽኩም። ምናልባት እውን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምድራዊ ህይወት የሱስ እንታይ ከም ዝዀነ፡ የሱስ ምስ መለሰሉ እውን ከመይ ከም እተሰምዖ ኺገልጸልካ ትሓትቶ ትኸውን። ንሱ ድማ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ናይ ሰይጣን ስርዓት ከመይ ከም ዝነበረ ኽትገልጸሉ ይሓትተካ ይኸውን። ምስቶም ከምቲ ሰብኣይ እቲ ዝኣመሰሉ ሰባት ቃል ኣምላኽ ምጽናዕ ብሓቂ ዓብዪ ኽብሪ እዩ!—ኤፌ. 4:22-24

ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት፡ ሓደ ሓው ነቲ ኼማዕብሎ ዚደሊ ዝነበረ ኽእለት ምምዕባሉ ደስ ይብሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)

19. ኣብ ገነት ዚህሉ ህይወት ዜስልኪ ዘይከውን ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

19 ኣብ ገነት ዚህሉ ህይወት ዜሰልኪ ኣይኪኸውንን እዩ። ወትሩ ምስ መሰጥቲ ሰባት ክንራኸብ ኢና፣ ትርጉም ዘለዎ ዕዮ እውን ኪህልወና እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ ብዝያዳ ኽንፈልጦ ኢና፡ በቲ ዘዳለወልና እውን ክንሕጐስ ኢና። ብዛዕባኡ እንምሃሮ ነገር መወዳእታ የብሉን፣ ብዛዕባ ፍጥረቱ እውን ገና ብዙሕ እንምሃሮ ነገራት ኣሎና። ንዝነውሐ ግዜ ብዝነበርና መጠን ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እናዓመቘ እዩ ኪኸይድ። የሆዋን የሱስን ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክንነብር ስለ ዘተስፈዉና፡ ምስጋናና ዕዙዝ እዩ!

መዝሙር 22 መንግስትኻ ቘይማ—“ትምጻእ” ኢልና ንልምን

a ኣብ ገነት ብዛዕባ ዚህሉ ህይወትሲ ብዙሕ ሳዕ ትሓስብዶ፧ ከምኡ ምግባር፡ ዜተባብዕ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዓቚሩልና ዘሎ ብዝያዳ ብዝሓሰብና መጠን፡ ብዛዕባ እታ ሓዳስ ዓለም ንሰባት ክንምህር ከለና፡ ዝያዳ ውዕዉዕ ስምዒት እዩ ዚህልወና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ እታ እትመጽእ ገነት ዘተስፈዎ ተስፋ፡ እምነትና ኸተደልድለልና እያ።

b መግለጺ ስእሊ፦ ካብ ምዉታት ንዚትንስኡ ሰባት ንምምሃር ተስፋ ዚገብር ሓው፡ ሕጂ ንሰባት ይምህር ኣሎ።