ትዝክሮዶ፧
ነቲ ኣብዛ ዓመት ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦
ንየሆዋ ኣብ ምዝራብን ኣብ ምስማዕን ብዛዕባኡ ኣብ ምሕሳብን እነሕልፎ ግዜ እንታይ ጥቕምታት የምጽኣልና፧
ዝሓሸ ውሳነታት ንገብር፡ ዝሓሽና መምህራን ንኸውን፡ እምነትና እናደልደለት ትኸይድ፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ እውን ትዓምቝ።—w22.01፡ ገጽ 30-31።
ንየሆዋን ንተወከልቱን እንተ ኣሚንናዮም፡ እዚ ንዓና ብኸመይ ይሕግዘና፧
ሕጂ፡ ካብ ሽማግለታት ንዚውሃበና መምርሒታትን ውሳነታትን ኣብ ሕቶ ብዘይምእታው፡ ንመገድታት ኣምላኽ ከም እንኣምኖ እነርእየሉ ግዜ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ጀመረ፡ ዜደንጹ ወይ ዘይከውን ዚመስል መምርሒታት እንተ ተዋሂቡና፡ እዙዛት ንምዃን ተዳሊና ኽንጸንሕ ኢና።—w22.02፡ ገጽ 4-6።
እቲ መልኣኽ ንዘካርያስ፡ “ኣብ ኢድ ዘሩባቤል መለክዒ መንደቕ ኪርእዩ” ኺብሎ ኸሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (ዘካ. 4:8-10)
እዚ ራእይ እዚ ንህዝቢ ኣምላኽ፡ እታ ሽዑ እትህነጽ ዝነበረት ብዙሕ ዘይትማርኽ ቤተ መቕደስ ከም እትዛዘምን ምስ መለክዒታት ኣምላኽ ከም እትሰማማዕን ኣረጋጊጹሎም እዩ።—w22.03፡ ገጽ 16-17።
“ብቓል . . . ኣርኣያ” እንኸውን ብኸመይ ኢና፧ (1 ጢሞ. 4:12)
ኣብ ኣገልግሎት ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ንዛረብ፡ ኣብ ኣኼባታት ብምሉእ ልብና ንዝምር፡ ኣዘውቲርና ሓሳብ ንህብ፡ ከምኡ ድማ ሓቂ ንዛረብን ንኻልኦት ዚሃንጽ ዘረባ ንዛረብን ጸርፊ ነወግድን ኢና።—w22.04፡ ገጽ 6-9።
እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 7 ኣብቶም ኣርባዕተ ኣራዊት (መንግስትታት) እተገልጸ ትርኢታት፡ ኣብ ራእይ 13:1, 2 ኣብ ሓደ ኣራዊት እተራእየ ስለምንታይ እዩ፧
እቲ ኣብ ራእይ 13 ተገሊጹ ዘሎ ኣራዊት ንሓደ መንግስቲ ጥራይ ዜመልክት ኣይኰነን፣ ንኣብነት፡ ንሮሜ ጥራይ ዜመልክት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንደቂ ሰብ ንዝገዝኡ ዅሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ዜመልክት እዩ።—w22.05፡ ገጽ 9።
ኣብ ፍትሒ ኣምላኽ እምንቶ ኸም ዘሎና እነርእየሉ ሓደ ኣገዳሲ መገዲ እንታይ እዩ፧
ሓደ ሰብ እንተ ጸሪፉና፡ እንተ ኣጕህዩና፡ ወይ እንተ በዲሉና፡ ቍጥዓን ቅሬታን ንዘይምሓዝ ንጽዕር፡ ነቲ ነገር እውን ኣብ ኢድ የሆዋ ንሓድጎ ኢና። ንሱ ድማ ንዅሉ እቲ ዝወረደና በደል ኬዐርዮ እዩ።—w22.06፡ ገጽ 10-11።
ኣብ ኣኼባ ዚጽሊ ሓው እንታይ ኪዝክር ኣለዎ፧
ጸሎት ነታ ጉባኤ ንምምካር ወይ ምልክታ ንምንጋር ኪጥቀመሉ የብሉን። ብዘይካዚ፡ ምናዳ ኣብ መጀመርታ ኣኼባ፡ ‘ቃላት ኬብዝሕ’ የብሉን። (ማቴ. 6:7)—w22.07፡ ገጽ 24-25።
“እቶም ክፉእ ዝገበሩ” ናብ “ትንሳኤ ፍርዲ” ዚወጹ ብኸመይ እዮም፧ (ዮሃ. 5:29)
ብመሰረት ሕሉፍ ህይወቶም ብኣሉታዊ መገዲ ኣይኪፍረዱን እዮም። ብመሰረት እቲ ድሕሪ ትንሳኤ ዚህልዎም ኣረኣእያን ኣካይዳን ኪግምገሙ እዮም።—w22.09፡ ገጽ 18።
ኣብቲ ኣብ መስከረም 1922 እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ ጆሴፍ ራዘርፎርድ እንታይ ምሕጽንታ እዩ ሂቡ፧
ኣብቲ ኣብ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ “እቲ ንጉስ ይገዝእ ኣሎ! ንስኻትኩም ድማ ብዛዕባኡ እትነግሩ ልኡኻት ኢኹም። ሃየ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ፡ ኣውጁ፡ ኣውጁ!” ኢሉ እዩ ተዛሪቡ።—w22.10፡ ገጽ 3-5።
ኢሳይያስ ምዕራፍ 30፡ ኣምላኽ ነቲ ዜጋጥመና ብድሆታት ክንጻወር ዚሕግዘሉ እንታይ ሰለስተ መገድታት እያ እተጕልሕ፧
ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ (1) ንጸሎትና ጽን ኢሉ ብምስማዕን ምላሽ ብምሃብን፡ (2) ኣብ መገዲ ህይወትና ብምምራሕ፡ (3) ሕጅን ኣብ መጻእን በረኸት ብምሃብ ከም ዚሕግዘና ተገሊጹ ኣሎ።—w22.11፡ ገጽ 9።
ኣብ መዝሙር 37:10, 11, 29 ዚርከብ ቃላት፡ ጥንቲ ፍጻመኡ ኸም ዝረኸበን ኣብ መጻኢ እውን ከም ዚፍጸምን ክንድምድም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
ቃላት ዳዊት ነቲ ኣብ እስራኤል ሰፊኑ ዝነበረ በረኸት፡ ንኣብነት ነቲ ብግዜ ግዝኣት ሰሎሞን ዝነበረ በረኸት ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ እዩ። የሱስ ከኣ ብዛዕባ እትመጽእ ገነት ተዛሪቡ፡ ካብ ፍቕዲ 11 እውን ጠቒሱ እዩ። (ማቴ. 5:5፣ ሉቃ. 23:43)—w22.12፡ ገጽ 8-10, 14።