ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 51

ኣብ ጽንኩር እዋን፡ ሰላም ርኸብ

ኣብ ጽንኩር እዋን፡ ሰላም ርኸብ

“ልብኹም ኣይረበሽ፡ ኣይፍራህ ከኣ።”—ዮሃ. 14:27

መዝሙር 112 የሆዋ፡ ኣምላኽ ሰላም

መላለዪ a

1. “ሰላም ኣምላኽ” እንታይ እዩ፧ እዚ ሰላም እዚ እንተ ኣልዩናኸ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧ (ፊልጲ 4:6, 7)

 እዛ ዓለም ፈጺማ ዘይትፈልጦ ዓይነት ሰላም ኣሎ። እዚ፡ “ሰላም ኣምላኽ” ይብሃል። እዚ ሰላም እዚ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦና ኽቡር ርክብ ብምምስራት ዚርከብ ህድኣት እዩ። ሰላም ኣምላኽ እንተ ኣልዩና፡ ቅሳነት እዩ ዚስምዓና። (ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።) ምስቶም ንዕኡ ዜፍቅርዎ ሰባት ከኣ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምስርት ኢና። ምስቲ “ኣምላኽ ሰላም” እውን ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ ይህልወና እዩ። (1 ተሰ. 5:23) ንኣቦና ንፈልጦን ንኣምኖን ንእዘዞን እንተ ዄንና፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ሰላም ኣምላኽ ነቲ እተጨነቐ ልብና ኼህድኦ ይኽእል እዩ።

2. ሰላም ኣምላኽ ክንረክብ ከም እንኽእል ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

2 ኣብ ጽንኩር እዋን፡ ንኣብነት ኣብ እዋን ለበዳ፡ ሓደጋ፡ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ወይ መስጐጕቲ ብሓቂዶ ሰላም ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና፧ ሓደ ኻብዚ ጸገማት እዚ ንልብና ብፍርሂ ኺመልኦ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ልብኹም ኣይረበሽ፡ ኣይፍራህ ከኣ” ኢሉ መኺርዎም እዩ። (ዮሃ. 14:27) እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ነዚ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ስዒቦም እዮም። ከቢድ ፈተናታት እናኣሕለፉ ኽነሶም ብሓገዝ የሆዋ ሰላም ኪረኽቡ ኽኢሎም እዮም።

ኣብ እዋን ለበዳ፡ ሰላም ምርካብ

3. ለበዳ ንሰላምና ኺርብሾ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

3 ለበዳ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ኽፋል ህይወትና ዓብዪ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኮቪድ-19 ኣብ ብዙሓት ዘሕደሮ ጽልዋ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ሓደ መጽናዕቲ፡ ልዕሊ ፍርቂ እቶም ኣብኡ እተሳተፉ ሰባት፡ ኣብ እዋን እቲ ለበዳ ድቃስ ከም ዝሰኣኑ ሓቢሮም እዮም። እቲ ለበዳ እቲ፡ ነቲ ኣብ ሻቕሎት፡ ሕዱር ጭንቀት፡ ምብዛሕ መስተ፡ ምውሳድ ሓሽሽ፡ ዘቤታዊ ዓመጻ፡ ፈተነ ርእሰ ቕትለት እተራእየ ልዑል ወሰኽ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ኣብቲ እትነብረሉ ኸባቢ፡ ሓደ ሕማም ኪላባዕ እንተ ጀሚሩ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ንጭንቀትካ ተቘጻጺርካ ሰላም ኣምላኽ ክትረክብ እትኽእል፧

4. ነቲ የሱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እተነበዮ ትንቢት ምፍላጥ ሰላም ዜምጽኣልና ስለምንታይ እዩ፧

4 የሱስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ለበዳ ወይ ተላባዒ ሕማም “ኣብ በቦታኡ” ኸም ዚኸውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 21:11) ነዚ ምፍላጥ ሰላም ዜምጽኣልና ብኸመይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ብለበዳ ኣይንስምብድን ኢና። እቲ የሱስ ዝበሎ ይፍጸም ከም ዘሎ ነስተውዕል ኢና። ስለዚ፡ ነቲ የሱስ ኣብ ግዜ መወዳእታ ንዚነብሩ ሰባት፡ “ኣይትሰምብዱ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ንስዕብ ኢና።—ማቴ. 24:6

ኣብ እዋን ለበዳ፡ ኣውድዮ ቕዳሓት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስማዕ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኪህበካ ይኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. (ሀ) ለበዳ ኼጋጥም ከሎ ብመሰረት ፊልጲ 4:8, 9፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧ (ለ) ኣውድዮ ቕዳሓት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስማዕ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

5 ለበዳ ብቐሊሉ ሻቕሎትን ስምባድን ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ደዚ b ዝስማ ሓብቲ ኸምኡ እዩ ኣጋጢምዋ። ሓው ኣቦኣን ወዲ ሓው ኣቦኣን ሓኪማን ብኮቪድ-19 ምስ ሞቱ፡ እቲ ቫይረስ ከይሕዛ እሞ ነታ ብዕድመ ዝደፍአት ኣዲኣ ኸይተመሓላልፈላ ሰጊኣ ነይራ። ብዘይካዚ፡ እቲ ለበዳ ንስራሓ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንምግብን ንኽራይ ገዛን ካበይ ኣምጺኣ ኸም እትኸፍል ኣጨኒቕዋ ነይሩ። እዚ ጭንቀት እዚ ንኣእምሮኣ ስለ ዝመልኦ፡ ለይቲ ኽትድቅስ ኣይከኣለትን። ይኹን እምበር፡ መሊሳ ሰላማ ኽትረክብ ከኣለት። ብኸመይ፧ ምእንቲ ኽትሃድእን ኣወንታዊ ሓሳብ ምእንቲ ኽትሓስብን፡ ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ ጸለየት። (ፊልጲ 4:8, 9 ኣንብብ።) የሆዋ በቲ ኣውድዮ ቕዳሓት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ “ኺዛረባ” ኸሎ እውን ሰምዐት። ብዛዕባኡ ድማ፡ “እቲ ዜደዓዕስ ድምጺ እቶም ኣንበብቲ ንጭንቀተይ ኣህዲእዎ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ እውን ኣዘኻኺሩኒ” ትብል።—መዝ. 94:19

6. ብሕታዊ መጽናዕትን ኣኼባታት ጉባኤን ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

6 ኣብ እዋን ለበዳ፡ ንዅሉ እቲ ኣዘውቲርና እንገብሮ ዝነበርና ነገር ክንገብር ኣይንኽእልን ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ብሰንኪ እዚ፡ ብሕታዊ መጽናዕትኻ ወይ ኣኼባኻ ኣይትሕደግ። ኣብ ጽሑፋትናን ኣብ ቪድዮታትናን ዚወጽእ ናይ ሓቂ ተመክሮታት፡ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ተመሳሳሊ ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ ብተኣማንነት ከም እተመላለሱ ኼዘኻኽረካ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 5:9) ኣኼባታት ከኣ ንኣእምሮኻ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ ብኣወንታዊ ሓሳባት ኪመልኦ ይኽእል እዩ። ምስቶም ተኣከብቲ ንሓድሕድኩም ንምትብባዕ እውን ኣጋጣሚ ኪኸፍተልካ እዩ። (ሮሜ 1:11, 12) ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ዚሓምሙሉ፡ ኣብ ዚፈርሁሉ፡ ወይ በይኖም ኣብ ዚዀኑሉ እዋን፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝደገፎም እንተ ኣስተንቲንካ፡ እምነትካ ኽትድልድል እያ፡ ንዓኻ ኸም ዚድግፈካ እውን እምነት ከተሕድር ኢኻ።

7. ካብ ሃዋርያ ዮሃንስ እንታይ ትምሃር፧

7 ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ርክብ ንምግባር ጽዓር። ለበዳ ኣብ ዚህልወሉ እዋን፡ ዋላ እውን ምስ ክርስትያናት ብጾትና ኽንከውን ከለና፡ ኣካላዊ ርሕቀትና ኽንሕሉ የድልየና ይኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ከምቲ ንሃዋርያ ዮሃንስ እተሰምዖ ይስምዓካ ይኸውን። ሃዋርያ ዮሃንስ ንፈታዊኡ ጋይዮስ ኣፍ ንኣፍ እዩ ኺዛረቦ ደልዩ ነይሩ። (3 ዮሃ. 13, 14) ንእተወሰነ እዋን ከምኡ ኺገብር ከም ዘይክእል ግና ፈሊጡ። ስለዚ፡ እቲ ኺገብሮ ዚኽእል ነገር ገይሩ፣ ንጋይዮስ ደብዳበ ጽሒፉሉ። ንስኻ እውን ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ብኣካል ክትበጽሖም እንተ ዘይክኢልካ፡ ብተሌፎን ወይ ብኤለክትሮኒካዊ መልእኽቲ ተዛረቦም። ምስ ክርስትያናት ብጾትካ ወትሩ ርክብ እንተ ኣልዩካ፡ ዝያዳ ቕሳነትን ሰላምን ኪስምዓካ እዩ። ምናዳ እንተ ተጨኒቕካ ኸኣ፡ ምስ ሽማግለታት ርክብ ንምግባር ጽዓር፣ ፍቕራዊ መተባብዒኦም እውን ተቐበል።—ኢሳ. 32:1, 2

ኣብ እዋን ሓደጋ፡ ሰላም ምርካብ

8. ሓደጋ ንሰላምካ ኺርብሾ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 ምዕልቕላቕ ማይ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ወይ ባርዕ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ንነዊሕ እዋን ብርቱዕ ጭንቀት ኪስምዓካ ይኽእል እዩ። እትፈትዎ ሰብካ እንተ ሞይቱካ ወይ ንብረትካ እንተ ስኢንካ፡ ሓዘን፡ ቅብጸት፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ቍጥዓ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ከምዚ ስለ እተሰምዓካ፡ ኣፍቃሪ ንዋይ ወይ ጐደሎ ዝእምነቱ ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ከቢድ ፈተና ኢኻ ኣሕሊፍካ። ገሊኦም ከኣ ኣብቲ እዋን እቲ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኺህልወካ ይጽበዩ ይዀኑ። (እዮ. 1:11) ይኹን እምበር፡ ዋላ ኣብ እዋን ጭንቂ፡ ሰላም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧

9. ከመይ ገይሩ እዩ የሱስ ንሓደጋታት ዘዳለወና፧

9 የሱስ እንታይ ኢሉ ኸም እተነበየ ኣይትረስዕ። ገሊኦም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ ሓደጋ ፈጺሙ ዜጋጥሞም ኣይመስሎምን እዩ። ንሕና ግና ኣብዚ ግዜና ብዙሕ ሓደጋታት ከም ዘሎ፡ ገሊኡ እውን ንዓና ኺጸልወና ኸም ዚኽእል ንፈልጥ ኢና። የሱስ ንሰዓብቱ፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ “ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድር”ን ካልእ ሓደጋታትን ከም ዚኸውን ነጊርዎም እዩ። (ሉቃ. 21:11) ብዘይካዚ ድማ፡ ‘ጥሕሰት ሕጊ ኸም ዚበዝሕ’ ተነብዩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ብዝሒ ገበንን ዓመጻን መጥቃዕትታት ሽበራን ይርአ ኣሎ። (ማቴ. 24:12) የሱስ፡ እዚ ሓደጋታት እዚ ነቶም ንየሆዋ ዝሓደግዎ ጥራይ ከም ዚጸሉ ኣይተዛረበን። ከም ሓቂ ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ግዳያት ሓደጋታት ኰይኖም እዮም። (ኢሳ. 57:1፣ 2 ቈረ. 11:25) የሆዋ ኻብ ኵሉ ሓደጋታት ብተኣምራዊ መገዲ ኣየዕቍበናን ይኸውን፣ ህድኣትን ሰላምን ምእንቲ ኽንረክብ ግና ዜድልየና ዘበለ ዅሉ ይህበና እዩ።

10. ንሓደጋ ምድላው መግለጺ እምነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ምሳሌ 22:3)

10 ኣብ እዋን ሓደጋ እንታይ ከም እንገብር ኣቐዲምና መደብ እንተ ኣውጺእና፡ ኣብቲ ህጹጽ ኵነታት ብህድኣት ስጕምቲ ንምውሳድ ዝቐለለ እዩ ዚዀነልና። ግናኸ ኣቐዲምና ምድላው፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነት ከም ዝጐደለ ድዩ ዜርኢ፧ ኣይፋልን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ንሓደጋ ኣቐዲምና ኽንዳሎ ኸለና፡ ኣብ ሓልዮቱ እምነት ከም ዘሎና ኢና እነርኢ ዘለና። ብኸመይ፧ ቃል ኣምላኽ ንሓደጋ ኣቐዲምና ኽንዳሎ ምኽሪ ይህበና እዩ። (ምሳሌ 22:3 ኣንብብ።) ውድብ ኣምላኽ ከኣ ብመጽሔታትን ብኣኼባታት ጉባኤን ብእዋናዊ ምልክታታትን ኣቢላ ንእዋን ሓደጋ ኣቐዲምና ኽንዳሎ ብተደጋጋሚ ትምሕጸነና እያ። c እሞ ደኣ ንየሆዋ ንኣምኖ ዲና፧ ንኣምኖ እንተ ዄንና፡ ነቲ ምኽሪ እቲ ሓደጋ ቕድሚ ምምጻኡ ሕጂ ኢና እንስዕቦ።

ኣቐዲምካ ምድላው፡ ኣብ እዋን ሓደጋ ንህይወትካ ኼድሕና ይኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) d

11. ካብ ማርግረት እንታይ ትምሃር፧

11 ማርግረት ዝስማ ሓብቲ ዘሕለፈቶ እስከ ንርአ። ኣብ ከባቢኣ ባርዕ ምስ ተላዕለ፡ ገዛኣ ሓዲጋ ኽትወጽእ ትእዛዝ ተዋህባ። ብሓንሳእ ብዙሓት ሰባት ኪሃድሙ ይጽዕሩ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ መገድታት ብብዝሒ ማካይን ተዓጻጸወ። እቲ ኣየር ብብርቱዕ ትኪ መልአ። ማርግረት ከኣ ኣብ ማኪናኣ ተዓጽያ ኽትጸንሕ ተገደደት። ተዳልያ ስለ ዝነበረት ግና፡ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ተረፈት። ኣብ ቦርሳኣ፡ ኣብ እዋን ሓደጋ ኽትስዕቦ ዘለዋ መገዲ ዚሕብር ካርታ ሒዛ ነበረት። ኣብ ህጹጽ እዋን፡ ብቐሊሉ ነዚ ምእንቲ ኽትስዕቦ ድማ፡ ኣቐዲማ ብማኪናኣ በቲ መገዲ ሓሊፋ ነበረት። ሳላ እዚ ዝገበረቶ ምድላው ከኣ ካብቲ ሓደጋ ደሓነት።

12. ድሕንነትና ንምሕላው ንዚውሃበና መምርሒታት እንስዕብ ስለምንታይ ኢና፧

12 ሰበ ስልጣን ንዓና ምእንቲ ኼዕቍቡናን ስርዓት ምእንቲ ኺሕሎን ኢሎም ሰዓታት እቶእቶ ኽንሕሉ፡ ካብ ሓደ ቦታ ኽንወጽእ ዚውሃብ ትእዛዝ ከነኽብር፡ ወይ ካልእ ግብራዊ ስጕምትታት ክንወስድ ይሓትቱና ይዀኑ። ገሊኦም ሰባት ነቲ ዘለዎም ሓዲጎም ኪኸዱ ስለ ዘይደልዩ፡ ነቲ እተዋህቦም ትእዛዝ ንምሕላው ይደናጐዩ እዮም። ክርስትያናት ግና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን እንታይ ምላሽ እዮም ዚህቡ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምእንቲ ጐይታ ኢልኩም፡ ንዅሉ እቲ ሰብ ዝፈጠሮ ተገዝኡ፣ ነቲ ልዑል ዝዀነ ንጉስ ወይስ ነቶም . . . ብእኡ እተላእኩ ሹማምንቲ ተገዝኡ” ይብለና። (1 ጴጥ. 2:13, 14) ውድብ ኣምላኽ እውን ድሕንነትና ኽንሕሉ መምርሒ ትህበና እያ። ሽማግለታት ኣብ ህጹጽ እዋን ቀልጢፎም ምእንቲ ኺረኽቡና፡ እዋናዊ ኣድራሻና ወይ ቍጽሪ ተሌፎንና ኽንህቦም ወትሩ መዘኻኸሪ ይውሃበና እዩ። እሞኸ ኸምኡ ጌርካዶ፧ ኣበይ ከም እነዕቅል፡ ካብ ሓደ ቦታ ብኸመይ ከም እንወጽእ፡ ወይ ረድኤት ብኸመይ ከም እንረክብ መምርሒ ይውሃበና ይኸውን። ወይ ድማ ንኻልኦት ብኸመይን መዓስን ከም እንሕግዝ መምርሒ ይውሃበና ይኸውን። ንዚውሃበና መምርሒ ዘይንእዘዝ እንተ ዄንና፡ ህይወትናን ህይወት ሽማግለታትን ኣብ ሓደጋ ኸነእቱ ንኽእል ኢና። እዞም እሙናት ሰባት ነቒሖም ይሕልዉና ኸም ዘለዉ ኣይንረስዕ። (እብ. 13:17) ማርግረት፡ “መምርሒ ሽማግለታትን ውድብናን ምስዓብ፡ ንህይወተይ ከም ዘድሓና ኣጸቢቐ እኣምን እየ” ኢላ ሓሳባ ገሊጻ ኣላ።

13. ካብ ኣባይቶም እተመዛበሉ ብዙሓት ክርስትያናት ሓጐሶምን ሰላሞምን ኪዕቅቡ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

13 ብሰንኪ ሓደጋ፡ ውግእ፡ ወይ ህዝባዊ ናዕቢ ኻብ ኣባይቶም እተመዛበሉ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ሓድሽ ኵነታቶም ንምልማድ፡ ብኡብኡ እውን ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ንምስታፍ ዚከኣሎም ገይሮም እዮም። ከምቶም ብሰንኪ መስጐጕቲ ፈቐዶኡ ፋሕ ዝበሉ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ‘ቃል ብስራት ኣበሲሮም’ እዮም። (ግብ. 8:4) ስብከት ከኣ ኣብቲ ጸገማት ዘይኰነስ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኬተኵሩ ሓጊዝዎም እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሓጐሶምን ሰላሞምን ኪዕቅቡ ኽኢሎም እዮም።

ኣብ እዋን መስጐጕቲ፡ ሰላም ምርካብ

14. መስጐጕቲ ንሰላምና ኺርብሾ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

14 መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ሰላም ከም ዚስምዓና ዚገብር ብዙሕ ነገራት ክንስእን ንኽእል ኢና። ብናጽነት ኣኼባና ኽንገብር ከለና፡ ብቕሉዕ ክንሰብኽ ከለና፡ ከይኣስሩና ኢልና ኸይተሰከፍና እውን መዓልታዊ ንጥፈታትና ኽንገብር ከለና፡ ሓጐስን ዕግበትን ይስምዓና እዩ። ናጽነትና እንተ ተወሲዱ ግና፡ ጽባሕ እንታይ ከም ዚኸውን ስለ እንፈርህ ንጭነቕ ንኸውን። እዚ ስምዒት እዚ ንቡር እዩ። ይኹን እምበር፡ ክንጥንቀቕ ኣሎና። የሱስ ንሰዓብቱ፡ ብመስጐጕቲ ኺዕንቀፉ ኸም ዚኽእሉ ሓቢርዎም ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 16:1, 2) እሞ ደኣ ኣብ እዋን መስጐጕቲ ሰላምና ኽንዕቅብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15. መስጐጕቲ ኽንፈርህ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ዮሃንስ 15:20፣ 16:33)

15 ቃል ኣምላኽ፡ “ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም” ይብለና እዩ። (2 ጢሞ. 3:12) ኣንድሬ ዝስሙ ሓው ኣብ ሃገሩ ዕዮና ምስ ተኣገደ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ምቕባል ኣጸጊምዎ ነይሩ እዩ። ‘ኣብዚ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ዘለዉ። ከመይ ገይሮም እዮም እቶም ሰበ ስልጣን ንዅላትና ዚኣስሩና፧’ ኢሉ ይሓስብ ነይሩ እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ግና፡ ሰላም ዘይኰነስ፡ ቀጻሊ ጭንቀት እዩ ኣምጺኡሉ። ኣብቲ ዓዲ ዚነብሩ ገሊኦም ኣሕዋት ግና ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ እዮም ሓዲጎምዎ፣ ከም ዘይእሰሩ እውን ኣይሓሰቡን። ኪእሰሩ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ማዕረ ኣንድሬ ግና ኣይተጨነቑን። ስለዚ ኣንድሬ ኸም ናቶም ዓይነት ኣረኣእያ ኺሕዝ፡ ነቲ ነገር እውን ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኪሓድጎ ወሲኑ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰላም ተሰሚዕዎ። እቲ ጸገማት እናሃለወ እኳ ሓጐስ ረኺቡ። ንሕና እውን ተመሳሳሊ ነገር ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። የሱስ ንመስጐጕቲ ኽንጽበዮ ኸም ዘሎና ኺነግረና ኸሎ፡ እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ከም እንኽእል እውን ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—ዮሃንስ 15:20፣ 16:33 ኣንብብ።

16. ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ ኽንከውን ከለና፡ እንታይ መምርሒ ኢና ኽንእዘዝ ዘሎና፧

16 ዕዮና ኺእገድ ወይ ብርቱዕ ቀይዲ ኺግበረሉ ኸሎ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ካብ ሽማግለታትን መምርሒታት ይውሃበና ይኸውን። እዚ መምርሒታት እዚ ንዓና ንምዕቋብ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ብቐጻሊ ኸም እንረክብ ንምርግጋጽ፡ ብእተኻእለ መጠን እውን ስብከትና ኽንቅጽል ንምሕጋዝ ተባሂሉ እዩ ዚውሃብ። ስለዚ፡ ዋላ እውን እቲ ዚውሃበካ መምርሒ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተረድኣካ፡ ንምሕላዉ ዚከኣለካ ግበር። (ያእ. 3:17) ብተወሳኺ እውን፡ ብዛዕባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወይ ብዛዕባ ንጥፈታት ጉባኤ ዚምልከት ሓበሬታ ንዘይምልከቶም ሰባት ፈጺምካ ኣይትቕላዕ።—መክ. 3:7

ኣብ ኣጸጋሚ ግዜያት፡ ንሰላምካ ኣበርክቶ ዚገብር እንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ) e

17. ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሃዋርያት እንታይ ንምግባር ኢና ቘሪጽና ዘለና፧

17 ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ዚዋግኣሉ ቐንዲ ምኽንያታት፡ “ብዛዕባ የሱስ ዚምስክሩ” ብምዃኖም እዩ። (ራእ. 12:17) እምበኣር፡ ብሰይጣንን በታ ዓለሙን ኣይትፍራህ። ተቓውሞ እናሃለወ ኽነሱ ምስባኽን ምምሃርን፡ ሓጐስን ሰላምን እዩ ዜምጽኣልና። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሰበ ስልጣን ኣይሁድ ንሃዋርያት ስብከቶም ደው ኬብሉ ምስ ኣዘዝዎም፡ እቶም እሙናት ሰባት ንኣምላኽ ኪእዘዙ እዮም ወሲኖም። ብቐጻሊ ሰቢኾም፣ እዚ ድማ ሓጐስ ኣምጺኡሎም። (ግብ. 5:27-29, 41, 42) ልክዕ እዩ፡ ንዕዮና ቐይዲ ኣብ ዚግበረሉ እዋን ተጠንቂቕና ኢና ኽንሰብኽ ዘሎና። (ማቴ. 10:16) ዚከኣለና እንተ ጌርና ግና፡ ንየሆዋ ባህ ብምባልናን ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ንሰባት ብምንጋርናን ሰላም ንረክብ ኢና።

“ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ”

18. እቲ ዜድልየና ሰላም ካበይ ከም ዚርከብ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

18 ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን እኳ ሰላም ኪህልወና ኸም ዚኽእል እመን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፡ ሰላም ኣምላኽ፡ ማለት ካብ የሆዋ ጥራይ ኪርከብ ዚኽእል ሰላም ከም ዜድልየና ኣይትረስዕ። ለበዳ፡ ሓደጋ፡ ወይ መስጐጕቲ ኼጋጥመካ ከሎ፡ ናብ የሆዋ ተጸጋዕ። ናብ ውድቡ ልገብ። ናብቲ ዚጽበየካ ዘሎ ዜደንቕ መጻኢ ኣማዕዲኻ ጠምት። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ‘ኣምላኽ ሰላም ምሳኻ ኪኸውን እዩ።’ (ፊል. 4:9) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣብ ትሕቲ ጸበባ ንዚርከቡ ክርስትያናት ብጾትና ሰላም ኣምላኽ ምእንቲ ኺረኽቡ ብኸመይ ከም እንሕግዞም ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

a የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎ ሰላም ከም ዚህቦም ኣተስፍዩ ኣሎ። እቲ ኣምላኽ ዚህቦ ሰላም እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ኽንረኽቦ እንኽእል፧ “ሰላም ኣምላኽ” እንተ ኣልዩና፡ እዚ ነገር እዚ ኣብ እዋን ለበዳ፡ ሓደጋ፡ ወይ መስጐጕቲ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽትህበሉ እያ።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

c ኣብ ንቕሑ! ቍ. 5 2017 ዝወጸት፡ “ሓደጋ ምስ ዜጋጥም—ህይወት ኬድሕን ዚኽእል ስጕምትታት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ኣብ እዋን ሓደጋ ንኸባቢኣ ለቒቓ ንምውጻእ ኣቐዲማ ትዳሎ።

e መግለጺ ስእሊ፦ ንዕዮና ቐይዲ ኣብ እተገብረሉ ዓዲ ዚነብር ሓው፡ ተጠንቂቑ ይምስክር።