ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተመክሮ

ተመክሮ

ንዅሉ ርሕሩሕ ምዃን

ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ኣብ ኒው ዚላንድ እትነብር ሓብቲ ንሓድሕድና ብዛዕባ ምትሕልላይ እትገልጽ ቪድዮ ረኣየት፣ እታ ቪድዮ፡ የሆዋ ርሕራሐ ኣብ ውሽጡ ኸም ዚስምዖ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ብግብሪ ኸም ዜርእዮ እትገልጽ እያ። (ኢሳ. 63:7-9) ስለዚ፡ እታ ሓብቲ ነቲ እተማህረቶ ኽትትግብሮ ወሰነት። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣስቤዛ እናዓደገት ከላ፡ ምስ ሓንቲ ግዳም ሓደር ሰበይቲ ተራኸበት፣ ንዓኣ ድማ ምግቢ ኽትዕድገላ ፍቓደኛ ምዃና ነገረታ። እታ ሰበይቲ ነቲ ሓሳብ ተቐበለቶ። እታ ሓብቲ ነቲ ምግቢ ሒዛ ምስ ተመልሰት፡ በታ መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧ ዘርእስታ ትራክት ገይራ ኣሕጽር ኣቢላ መስከረትላ።

እታ ሰበይቲ ኽትበኪ ጀመረት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤት ከም ዝዓበየት፡ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ግና ንሓቂ ኸም ዝሓደገቶ ገለጸትላ። ኣብ ቀረባ ግዜ ግና፡ ናብ የሆዋ ምእንቲ ኽትምለስ ካብኡ ሓገዝ ትልምን ነበረት። ሽዑ እታ ሓብቲ ነታ ሰበይቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሃበታ፡ መጽናዕቲ ንምጅማር እውን ቈጸራ ገበራ። a

ነቲ የሆዋ ንዅሉ ሰብ ዜርእዮ ርሕራሐ ኽንቀድሖ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ንቤተ ሰብናን ኣብ ጉባኤና ንዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ርሕራሐ ኸነርእዮም ንኽእል ኢና። ንኻልኦት ንምምስካር እንረኽቦ ዘበለ ኣጋጣሚታት ብምጥቃም ከኣ፡ ርሕራሐ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

a ንዘይንጡፋት ኣስፋሕቲ ብኸመይ ክንሕግዝ ከም እንኽእል ንምፍላጥ፡ ኣብ ናይ ሰነ 2020 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ናባይ ተመለሱ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።