ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዛ ዓመት ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

‘ንኣእምሮና ምሕዳስ’ ኪብሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧ (ሮሜ 12:2)

ንህይወትና ብጽቡቕ ተግባራት ካብ ምስላም ንላዕሊ የጠቓልል። የግዳስ፡ ንህይወትና ብእተኻእለና መጠን ምስ መለክዒታት የሆዋ ንምስምማዕ፡ ውሽጣዊ እንታይነትና መርሚርና፡ ዜድሊ ለውጥታት ክንገብር ኣሎና።—w23.01፡ ገጽ 8-9

ኵነታት ዓለም ክንከታተል ከለና፡ ሚዛንና ኽንሕሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኵነታት ዓለም ኣብ ምፍጻም ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ግደ ምክትታል የገድሰና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ምይይጥና ኣብ ግምት ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ብውድብ የሆዋ እተሓትመ ሓበሬታ ኺምስረት ኣለዎ፣ ስለምንታይሲ፡ ብግምት ምዝራብ ንሓድነትና ኺዘርጎ ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 1:10)—w23.02፡ ገጽ 16

ጥምቀት የሱስ ካብ ጥምቀት ሰዓብቱ ብኸመይ ይፍለ፧

የሱስ ንኣምላኽ ካብ እተወፈየ ህዝቢ ስለ እተወልደ፡ ርእሱ ንየሆዋ ኺውፊ ኣየድለዮን። ፍጹምን ብዘይ ሓጢኣትን ብምንባሩ፡ ኪንሳሕ ኣየድለዮን።—w23.03፡ ገጽ 5

ካልኦት ሓሳብ ምእንቲ ኺህቡ፡ ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧

ሓጺር ሓሳብ ንሃብ፣ በዚ ኸምዚ፡ ንተወሳኺ ተሳትፎ ግዜ ንፈቅድ። ብዙሕ ነጥብታት ኣይንሸፍን፣ በዚ ኸምዚ፡ ካልኦት ሓሳብ ዚህቡሉ ኣይኪስእኑን እዮም።—w23.04፡ ገጽ 23

እታ ኣብ ኢሳይያስ 35:8 እተጠቕሰት “መገዲ ቕድስና” ንምንታይ እያ እተመልክት፧

እዛ ምሳልያዊት መገዲ እዚኣ፡ ነታ ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ናብ ዓዶም እተመልሱላ መገዲ እያ እተመልክት ነይራ። ኣብዚ ቐረባ ግዜኸ ንምንታይ እያ እተመልክት፧ ቅድሚ 1919 ኣብ ዝነበረ ዘመናት፡ ናይ ምድላው ዕዮ ተዓይዩ እዩ፣ ገለ ኻብኡ ትርጉምን ሕትመትን መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀስ ይከኣል። ኣብ መንፈሳዊ ገነት ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብ“መገዲ ቕድስና” ይጕዓዙ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ናብ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ይመርሕ።—w23.05፡ ገጽ 15-19

ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 9፡ ኣብ ክልተ ምሳልያውያን ኣንስቲ እተመርኰሰ እንታይ ምኽሪ እዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧

ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ፡ “ዓሻ ሰበይቲ” እተቕርቦ ዕድመ ናብ “መቓብር” ከም ዚመርሕ፡ ን“ናይ ሓቂ ጥበብ” እትውክል ሰበይቲ እተቕርቦ ዕድመ ድማ ናብ “መገዲ ኣእምሮ” ኸም ዚመርሕ ተገሊጹ ኣሎ። (ምሳ. 9:1, 6, 13, 18)—w23.06፡ ገጽ 22-24

ኣምላኽ ኣብቲ ንሎጥ ዝሓዘሉ መገዲ ትሕትናኡን ሚዛናውነቱን ብኸመይ ኣርእዩ፧

የሆዋ ንሎጥ ካብ ሶዶም ናብ ኣኽራን ኪሃድም መምርሒ ሃቦ። ሎጥ ናብ ጾዓር ኪሃድም ምስ ለመነ ግና፡ ከምቲ ልማኖኡ ፈቐደሉ።—w23.07፡ ገጽ 21

ሓንቲ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ስእለ ጽዩፍ እንተ ርእዩ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

በዚ ንሳ ተወቃሲት ከም ዘይኰነት ክትዝክር ኣለዋ። ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዋ ርክብ ከተተኵር፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዚርከባ እሞ ጭንቂ ምስ ኣጋጠመን ካብ የሆዋ ምጽንናዕ ዝረኸባ ኣንስቲ ኸተስተንትን ትኽእል እያ። ንሰብኣያ ኸኣ፡ ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ኻብ ዚኽእል ኵነታት ምእንቲ ኺርሕቕ ክትሕግዞ ትኽእል እያ።—w23.08፡ ገጽ 14-17

ብዛዕባ እምነትና ሕቶ ኺልዓል ከሎ፡ ልቦና ብልእመት ንምምላስ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ነቲ ዚቐርበልና ሕቶ፡ እቲ ሰብ እንታይ ከም ዜገድሶ እንፈልጠሉ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ብልእመት ክንምልስ ንኽእል።—w23.09፡ ገጽ 17

ብርታዐ ብዛዕባ ምርካብ ካብ ማርያም እንታይ ንምሃር፧

ኣደ መሲሕ ከም እትኸውን ምስ ፈለጠት፡ ካብ ካልኦት ሓገዝ ደለየት። ገብርኤልን ኤልሳቤጥን ከኣ ቅዱስ ጽሑፋዊ መተባብዒ ሃብዋ። ንሕና እውን ካብ ክርስትያናት ብጾትና ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—w23.10፡ ገጽ 15

የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ እዩ ኺምልሶ ዚኽእል፧

ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖን ምስ ዕላማኡ ዘለዎ ዝምድና ኣብ ግምት ከም ዜእቱን ቃል ኣትዩልና ኣሎ። (ኤር. 29:12) ንተመሳሳሊ ልማኖታት ብእተፈላለየ መገዲ ኺምልስ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ወትሩ ይድግፈና እዩ።—w23.11፡ ገጽ 21-22

ኣብ ሮሜ 5:2 “ተስፋ” ተጠቒሳ ኣላ፣ ኣብ ፍቕዲ 4 ደኣ ዳግም እተጠቕሰት ስለምንታይ እያ፧

ሓደ ሰብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንምንባር ተስፋ ይገብር ይኸውን። ጸበባ ምስ ኣጋጠሞ፡ ነዚ ምስ ተጻወሮ፡ ብቕዓቱ ተፈቲኑ ስምረት ኣምላኽ ምስ ረኸበ ግና፡ ተስፋኡ ትሕይልን ብዝያዳ ህያው ትኸውንን እያ።—w23.12፡ ገጽ 12-13