ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 53

ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ብሱላት ክርስትያን ሰብኡት ኩኑ

ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ብሱላት ክርስትያን ሰብኡት ኩኑ

“በርትዕ፡ ሰብኣይ እውን ኩን።”—1 ነገ. 2:2

መዝሙር 135 የሆዋ ዜቕርቦ ምሕጽንታ፦ ‘ወደየ፡ ጥበበኛ ኹን’

መላለዪ a

1. ክርስትያን ሰብኣይ ዕዉት ንምዃን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

 ሓደ እዋን፡ ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን፡ “በርትዕ፡ ሰብኣይ እውን ኩን” ኢሉ ተማሕጸኖ። (1 ነገ. 2:1-3) ሎሚ ዘለዉ ዅሎም ክርስትያን ሰብኡት ነዚ ምኽሪ እዚ ኺትግብርዎ ይግባእ። ዕዉታት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብኸመይ ንሕግታት ኣምላኽ ከም ዚሕልውዎን ብኸመይ ንስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቶም ከም ዚትግብርዎን ኪፈልጡ ኣለዎም። (ሉቃ. 2:52) እሞ ደኣ መንእሰያት ኣሕዋት ብሱላት ክርስትያን ሰብኡት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

2-3. ሓደ መንእሰይ ሓው ብሱል ክርስትያን ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

2 ክርስትያን ሰብኣይ ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ጉባኤን ኣገዳሲ ግደ እዩ ዘለዎ። ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ኺህልወኩም ዚኽእል ሓላፍነት ሓሲብኩም ክትኰኑ ኣሎኩም። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ሽማግለታት ጉባኤ ንምዃን ሸቶ ጌርኩም ትዀኑ። ክትምርዓዉን ውሉዳት ክትወልዱን እውን ትደልዩ ትዀኑ። (ኤፌ. 6:4፣ 1 ጢሞ. 3:1) ነዚ ሸቶታት እዚ ንምውቃዕን ዕዉታት ንምዃንን ክርስትያናዊ ብስለት የድልየኩም እዩ። b

3 ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ንምብጻሕ እንታይ ኪሕግዘኩም ይኽእል፧ ከተማዕብልዎ ዘሎኩም ኣገዳሲ ኽእለታት ኣሎ። እሞ ደኣ ኣብ መጻኢ ንዚህልወኩም ግደ ዕዉታት ንምዃን ካብ ሕጂ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧

ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ዚመርሕ ስጕምትታት

ነቲ ዜደንቕ ባህርያት የሱስ እንተ ቐዲሕካዮ፡ ብሱል ክርስትያን ሰብኣይ ክትከውን ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)

4. ኣርኣያ ኪዀኑኹም ዚኽእሉ ሰናይ ኣብነታት ኣበይ ክትረኽቡ ትኽእሉ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

4 ኣርኣያ ዚዀኑኹም ሰናይ ኣብነታት ሕረዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመንእሰያት ኣሕዋት ኣርኣያ ዚዀኑ ብዙሓት ሰናይ ኣብነታት ኣለዉ። እዞም ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ንህዝቡ ዚጠቅም ብዙሕ ሓላፍነታት እውን እተሰከሙ እዮም ነይሮም። ኣብ ስድራ ቤትኩምን ኣብ ጉባኤኹምን እውን ሰናይ ኣብነት ዚዀኑኹም ብሱላት ኣብነታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። (እብ. 13:7) ብዘይካዚ፡ እቲ ፍጹም ኣብነትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እውን ኣሎ። (1 ጴጥ. 2:21) ብዛዕባ እዞም ኣብነታት እዚኦም ተጠንቂቕኩም ከተጽንዑ ኸለኹም፡ ነቲ ዜደንቕ ባህርያቶም ኣስተብህሉሉ። (እብ. 12:1, 2) ድሕሪኡ፡ ብኸመይ ክትመስልዎም ከም እትኽእሉ ወስኑ።

5. ብኸመይ ኢኹም ምምዝዛን ከተማዕብሉ እትኽእሉ፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ (መዝሙር 119:9)

5 ናይ “ምምዝዛን” ክእለት ኣማዕብሉ፡ ሓልውዎ እውን። (ምሳ. 3:21) ዜመዛዝን ሰብ፡ ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባሩ ኣማራጺታቱ ተጠንቂቑ እዩ ዚግምግም። ስለዚ፡ ነቲ ኽእለት እቲ ንምጥራይን ንምሕላውን ኣበርቲዕኩም ጽዓሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ብናታቶም ኣተሓሳስባ ዚምርሑ ወይ ስምዒቶም ንተግባራቶም ኪቈጻጸሮ ዚፈቕዱ ብዙሓት መንእሰያት ኣለዉ። (ምሳ. 7:7፣ 29:11) ብዘይካዚ፡ መራኸቢ ብዙሓን ሓያል ጽልዋ ኼሕድረልኩም ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ብኸመይ ኢኹም ምምዝዛን ከተጥርዩ እትኽእሉ፧ ፈለማ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃሩ፡ ብዛዕባ እቲ ዜምጽኦ ጥቕሚ እውን ሕሰቡ። ድሕሪኡ፡ ነዚ ስርዓታት እዚ ንየሆዋ ባህ ዜብል ውሳነታት ንምግባር ተጠቐሙሉ። (መዝሙር 119:9 ኣንብብ።) ነዚ ኣገዳሲ ኽእለት እዚ እንተ ኣማዕቢልኩም፡ ናብ ብስለት ገጽኩም ዓብዪ ስጕምቲ ሰጒምኩም ኪብሃል ይከኣል እዩ። (ምሳ. 2:11, 12፣ እብ. 5:14) ሕጂ እምበኣር፡ ምምዝዛን፡ (1) ምስ ኣሓት ኣብ ዘሎኩም ርክብ፡ (2) ብዛዕባ ብሕታዊ ትርኢትኩም ኣብ እትገብርዎ ውሳነ ብኸመይ ከም ዚጠቕመኩም ንርአ።

6. ሓደ መንእሰይ ሓው ዜመዛዝን እንተ ዀይኑ፡ ብኸመይ እዩ ንኣሓት ኣኽብሮት ዜርኢ፧

6 ናይ ምምዝዛን ክእለት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኣኽብሮት ከተርእዩ ኺሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ሓደ መንእሰይ ሓው ምስ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ኺቀራረብ ምድላይ ንቡርን ግቡእን እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ዜመዛዝን መንእሰይ ንሓንቲ ሓብቲ ንመርዓ ፈጺሙ ዘይሓስባ እንተ ዀይኑ፡ ፍቕሪ ኼለዓዕል ዚኽእል ዘረባ ኣይዛረባን፡ ጽሑፍ ኣይልእከላን፡ ወይ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይገብርን እዩ። (1 ጢሞ. 5:1, 2) ምስ ሓንቲ ሓብቲ ፍቕሪ ንምምስራት ይቀራረብ እንተ ኣልዩ፡ ምስኣ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ንበይኑ ብዘይምዃን፡ ነቲ ጽቡቕ ስማ ኸየበላሹ ይጥንቀቕ እዩ።—1 ቈረ. 6:18

7. ሓደ መንእሰይ ሓው ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ኪመርጽ ከሎ፡ ምምዝዛን ብኸመይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

7 ሓደ መንእሰይ ጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክእለት ከም ዘማዕበለ ዜርእየሉ ኻልእ መገዲ ኣብ ኣከዳድናን ኣብ ኣመለኻኽዓን ጽቡቕ ምርጫ ብምግባር እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ሓድሽ ቅዲ ኽዳውንቲ ዜውጽኡን ነዚ ዜዋዓውዑን ሰባት፡ ንየሆዋ ኣኽብሮት ዘይብሎም ወይ ብዕሉግ ኣነባብራ ዚምርሑ ሰባት እዮም። እቲ ርኹስ ኣተሓሳስባኦም ከኣ ኣብቲ ምስ ሰብነት ዚጠብቕ ወይ ንደቂ ተባዕትዮ ኸም ደቂ ኣንስትዮ ዜምስል ክዳውንቶም ይንጸባረቕ እዩ። ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ዚዓቢ ዘሎ መንእሰይ እንታይ ከም ዚኽደን ኪመርጽ ከሎ፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን በቲ ኣብ ጉባኤ ዚርእዮ ጽቡቕ ኣብነታትን እዩ ዚምራሕ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ገዛእ ርእሱ ኸምዚ ኢሉ ኺሓትት ይኽእል እዩ፦ ‘እዚ ምርጫይ ልብምናን ንኻልኦት ከም ዝሓልን የርኢ ድዩ፧ ሰባት ንኣከዳድናይ ብምጥማት፡ ንኣምላኽ ንምግልጋል ከም እተወፈኹ ብቐሊሉ ኼለልዩ ይኽእሉ ድዮም፧’ (1 ቈረ. 10:31-33፣ ቲቶ. 2:6) ዜመዛዝን መንእሰይ ካብ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ሰማያዊ ኣቦኡ እውን ኣኽብሮት ይረክብ እዩ።

8. ብኸመይ እዩ ሓደ መንእሰይ ሓው ኣብ ኵሉ ተግባሩ ርጡብ ኪኸውን ዚኽእል፧

8 ርጡባት ኩኑ። ርጡብ መንእሰይ ንዅሉ ሓላፍነታቱ ብትግሃት እዩ ዚፍጽም። (ሉቃ. 16:10) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ ዝሓደጎ ፍጹም ኣብነት እስከ ንርአ። ግዲ ዘይብሉ ወይ ሓላፍነት ዘይስምዖ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን እኳ ኸይተረፈ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ፈጺሙ እዩ። ንዅሎም ሰባት፡ ምናዳ ኸኣ ንደቀ መዛሙርቱ የፍቅሮም ነበረ፣ ምእንታኦም እውን ህይወቱ ኣሕሊፉ ሃበ። (ዮሃ. 13:1) እምበኣር፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ዚውሃበኩም ዕዮ ብትግሃት ፈጽሙ። ብኸመይ ከም እትዓይይዎ ዘይትፈልጡ እንተ ዄንኩም፡ ብትሕትና ኻብ ብሱላት ኣሕዋት ሓገዝ ሕተቱ። ንእሽቶ ጥራይ ብምግባር ኣይትዕገቡ። (ሮሜ 12:11) የግዳስ፡ ዚውሃበኩም ዘበለ ዕዮ፡ “ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም” ዕየዩ። (ቈሎ. 3:23) ፍጹማት ዘይምዃንኩም ዚከሓድ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ትሑታት ኩኑ፡ ጌጋኹም እውን ተኣመኑ።—ምሳ. 11:2

ግብራዊ ኽእለታት ኣማዕብሉ

9. መንእሰይ ሓው ግብራዊ ኽእለታት ኬማዕብል ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

9 ብሱል ክርስትያን ሰብኣይ ንምዃን፡ ግብራዊ ኽእለታት ከተማዕብሉ ኣሎኩም። እዚ ድማ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነታት ንምስካም፡ ንርእስኹም ኰነ ንስድራ ቤትኩም ክትናብዩ ዚሕግዝ ዓለማዊ ስራሕ ንምሓዝ፡ ምስ ካልኦት ከኣ ጥዑይ ርክብ ንምምስራት ኪሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ገለ ኻብዚ ኣገዳሲ ኽእለታት እስከ ንርአ።

ጽቡቕ ናይ ምንባብን ናይ ምጽሓፍን ክእለት ንዓኻ ዀነ ንጉባኤኻ ጥቕሚ ኣለዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ)

10-11. ሓደ መንእሰይ ሓው ጽቡቕ ናይ ምንባብን ናይ ምጽሓፍን ክእለት ብምምዕባል፡ ንርእሱ ዀነ ንጉባኤኡ ብኸመይ ኪጠቅም ይኽእል፧ (መዝሙር 1:1-3) (ስእሊ እውን ርአ።)

10 ጽቡቕ ናይ ምንባብን ናይ ምጽሓፍን ክእለት ኣማዕብሉ። መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ዜንብብን ብዛዕባኡ ዜስተንትንን ሰብ ሕጉስን ዕዉትን ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 1:1-3 ኣንብብ።) መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኺፈልጥ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ብንጹር ኪሓስብ የኽእሎ። (ምሳ. 1:3, 4) ከምዚ ዓይነት ሰብኡት ኣብ ጉባኤ የድልዩ እዮም። ስለምንታይ፧

11 ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትን ምኽርን ኪህቡ ዚኽእሉ ኽኢላታት ሰብኡት የድልይዎም እዮም። (ቲቶ. 1:9) ጽቡቕ ናይ ምንባብን ናይ ምጽሓፍን ክእለት እንተ ኣልዩኩም፡ እምነት ዜደልድል ኣስተምሃሪ መደረታትን ሓሳባትን ክትዳለዉ ትኽእሉ ኢኹም። መጽናዕቲ ኣብ እተገብሩሉ እዋን ኰነ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ወረዳን ዞባን መደረታት ኣብ እትሰምዑሉ እዋን ከኣ፡ ጽቡቕ መዘኻኸሪታት ክትምዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ መዘኻኸሪታት እዚ ኸኣ፡ እምነትኩም ንምህናጽን ንኻልኦት ንምትብባዕን ኪሕግዝ ይኽእል እዩ።

12. ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ምእንቲ ኺህልወኩም እንታይ ኪሕግዘኩም ይኽእል፧

12 ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ኣማዕብሉ። ክርስትያን ሰብኣይ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ኪህልዎ ኣለዎ። ጽቡቕ ገይሩ ሓሳብ ንሓሳብ ኪለዋወጥ ዚኽእል ሰብ፡ ሓሳባትን ስምዒታትን ሰባት ይሰምዕ እዩ። (ምሳ. 20:5) ናይ ካልኦት ሰባት ቃና ድምጽን ኣብ ገጽ ዚርአ መግለጽን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኪርዳእ ይኽእል እዩ። ምስ ካልኦት ግዜ ዘየሕልፍ ሰብ ከምኡ ኺገብር ኣይክእልን እዩ። ወግሐ ጸብሐ ብኤለክትሮኒካዊ ናውቲ መልእኽቲ ትለዋወጡ እንተ ዄንኩም፡ ንኣብነት ብኢመይል ወይ ብተክስት መልእኽቲ ትለዋወጡ እንተ ዄንኩም፡ ነቲ ንሰባት ብኣካል ናይ ምዝርራብ ክእለትኩም ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ምስ ሰባት ብኣካል ንምዝርራብ ኣጋጣሚታት ኣናድዩ።—2 ዮሃ. 12

ስራሕ ንምርካብ ዜኽእል ሞያ ኣጥሪ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ))

13. ሓደ መንእሰይ እንታይ እውን እዩ ኺምሃር ዘለዎ፧ (1 ጢሞቴዎስ 5:8) (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ንናብራ ዜድሊ ንምምእራር ዚሕግዝ ክእለት ኣጥርዩ። ብሱል ክርስትያን ንርእሱን ንቤተ ሰቡን ዜድሊ ናይ ምምእራር ክእለት ኪህልዎ ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8 ኣንብብ።) ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ መንእሰያት ኣሕዋት ካብ ኣቦኦም ወይ ካብ ካልእ ቤተ ሰቦም ሓደ ሞያ ኺምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ከኣ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸለዉ፡ ሓደ ሞያ ኺምሃሩ ወይ ስልጠና ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ስራሕ ንምርካብ ዜኽእለኩም ሞያ ኸተጥርዩ ኣሎኩም። (ግብ. 18:2, 3፣ 20:34፣ ኤፌ. 4:28) ትጉሃትን ርጡባትን ሰባት ኩኑ። ከምኡ እንተ ዄንኩም፡ ስራሕ ንምርካብን ንምሓዝን ኪቐልለኩም እዩ። እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ባህርያትን ክእለታትን ንሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጽሞ ሓላፍነታቱ እውን ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ። ገለ ኻብዚ ሓላፍነታት እዚ እስከ ንርአ።

ንናይ መጻኢ ሓላፍነታትኩም ተዳለዉ

14. ብኸመይ እዩ ሓደ መንእሰይ ሓው ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኪኸውን ዚኽእል፧

14 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ። ብዙሓት ብሱላት ክርስትያናት ሰብኡት ገና መንእሰያት ከለዉ እዮም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ጀሚሮም። ሓደ መንእሰይ ፈላሚ እንተ ዀይኑ፡ ምስ በበይኖም ዓይነት ሰባት ብኸመይ ተሳንዩ ኸም ዚዓዪ ይምሃር እዩ። ገንዘቡ ብኸመይ ኣካዊኑ ኸም ዚናበር እውን ይስልጥን እዩ። (ፊል. 4:11-13) ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዜብጽሕ ጽቡቕ መሰጋገሪ እዩ። ብዙሓት ንእተወሰነ እዋን ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ እዮም። እዚ ድማ ንስሩዕ ፈላምነት የዳልዎም እዩ። ፈላምነት ከኣ ንኸም ኣገልግሎት ህንጸት ወይ ኣገልግሎት ቤት-ኤል ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት መገዲ ይኸፍት እዩ።

15-16. ብኸመይ እዩ ሓደ መንእሰይ ሓው ኣብ ጉባኤ ንምግልጋል ብቕዓት ዚረክብ፧

15 ኣገልገልቲ ጉባኤ ወይ ሽማግለታት። ክርስትያናት ሰብኡት ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ሽማግለታት ጉባኤ ዀይኖም ንምግልጋል ሸቶ ኺህልዎም ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት ዚመጣጠር ሰብ፡ “ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ” ይብል። (1 ጢሞ. 3:1) ሓደ ሓው ሽማግለ ቕድሚ ምዃኑ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ንምግልጋል ብቕዓት ኪህልዎ ኣለዎ። ኣገልገልቲ ጉባኤ ንሽማግለታት ብብዙሕ መገዲ ይሕግዝዎም እዮም። ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ብትሕትና የገልግሉ፡ ኣብ ኣገልግሎት እውን ብቕንኣት ይሳተፉ እዮም። መንእሰያት ኣሕዋት ገና ኣብ ኣጋ መወዳእታ 10ታት ዕድሚኦም እኳ፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም ንምግልጋል ብቕዓት ኬጥርዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ ዘሎ ጽቡቕ ብቕዓት ዘለዎ ኣገልጋሊ ጉባኤ ድማ፡ ሽማግለ ዀይኑ ኺሽየም ይኽእል እዩ።

16 እሞ ደኣ ብኸመይ ኢኹም ነዚ ሓላፍነት እዚ ኽትበቕዑ እትኽእሉ፧ ፍሉይ ቀመር የብሉን። እንተዀነ ግና፡ ኵሉ እቲ ብቕዓታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብቲ ንየሆዋን ንስድራ ቤትኩምን ንጉባኤኹምን ዘሎኩም ፍቕሪ እተመስረተ እዩ። (1 ጢሞ. 3:1-13፣ ቲቶ. 1:6-9፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3) ንዅሉ እቲ ብቕዓታት ክትርድእዎ ጽዓሩ። ነቲ ብቕዓታት እቲ ምእንቲ ኸተማልኡ ድማ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምኑ። c

የሆዋ ንሰብኣይ፡ ንሰበይቱን ንደቁን ኬፍቅር፡ ብኣካላውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ከኣ ኪከናኸኖም ይደልዮ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ብኸመይ እዩ ሓደ መንእሰይ ሓው ነቲ ኸም ሰብኣይን ከም ርእሲ ስድራ ቤትን ዚህልዎ ሓላፍነት ኪዳሎ ዚኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

17 ሰብኡትን ርእስታት ስድራ ቤትን። የሱስ ከም ዝሓበሮ፡ ገሊኦም ብሱላት ክርስትያን ሰብኡት ከይተመርዓዉ እዮም ዚነብሩ። (ማቴ. 19:12) ክትምርዓዉ እንተ ወሲንኩም ግና፡ ከም ሰብኣይን ከም ርእሲ ስድራ ቤትን ተወሳኺ ሓላፍነት ኢኹም እትስከሙ። (1 ቈረ. 11:3) የሆዋ ንሰብኣይ፡ ንሰበይቱ ኼፍቅር፡ ብኣካላውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ድማ ዜድሊ ዘበለ ኼማልኣላ ይጽበዮ እዩ። (ኤፌ. 5:28, 29) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ባህርያትን ክእለታትን፡ ንኣብነት ናይ ምምዝዛን ክእለት ምምዕባል፡ ንደቂ ኣንስትዮ ምኽባር፡ ርጡብ ምዃን ኣብ ሓዳርኩም ኪጠቕመኩም እዩ። ከም ሰብኣይን ከም ርእሲ ስድራ ቤትን መጠን ዘሎኩም ሓላፍነት ንምፍጻም ኣጸቢቕኩም እተዳሎኹም ክትኰኑ ኢኹም።

18. ብኸመይ እዩ ሓደ መንእሰይ ሓው፡ ኣቦ ንምዃን ዚዳሎ፧

18 ኣቦታት። ምስ ተመርዓኹም፡ ኣቦታት እውን ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ንፉዕ ኣቦ ብዛዕባ ምዃን ካብ የሆዋ እንታይ ክትምሃሩ ትኽእሉ፧ ብዙሕ ክትምሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። (ኤፌ. 6:4) የሆዋ ንወዱ የሱስ ከም ዜፍቅሮን ከም ዚሰምሮን ብግህዶ እዩ ገሊጹሉ። (ማቴ. 3:17) ኣቦታት እንተ ዄንኩም፡ ንደቅኹም ከም እተፍቅርዎም ኣዘውቲርኩም ኣረጋግጹሎም። ስለቲ ዚገብርዎ ጽቡቕ ነገራት ብተደጋጋሚ ንኣድዎም። ኣብነት የሆዋ ዚስዕቡ ኣቦታት ንደቆም ናብ ብስለት ኪዓብዩ ይሕግዝዎም እዮም። ስለዚ፡ ንስኻትኩም ኣብ ስድራ ቤትኩምን ኣብ ጉባኤኹምን ንዚርከቡ ኻልኦት ብፍቕሪ ብምክንኻን፡ ፍቕርኹምን ሞሳኹምን እውን ብምግላጽ፡ ነቲ ደሓር ዚመጽእ ሓላፍነት ካብ ሕጂ ኽትዳለዉ ትኽእሉ ኢኹም። (ዮሃ. 15:9) እዚ ድማ ነቲ ኣብ መጻኢ ኸም ሰብኣይን ከም ኣቦን ዚህልወኩም ሓላፍነት ንምፍጻም ኪሕግዘኩም እዩ። ክሳዕ ሽዑ ኸኣ ንየሆዋን ንስድራ ቤትኩምን ንጉባኤኹምን በረኸት ክትኰኑ ኢኹም።

ሕጂ እንታይ ኢኹም ክትገብሩ፧

ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተማህሩ፡ ነቲ እተማህርዎ እውን ኣብ ግብሪ ዘውዓሉ ብዙሓት መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ብሱላት ክርስትያናት ኰይኖም ኣለዉ (ሕጡብ ጽሑፍ 19-20 ርአ)

19-20. መንእሰያት ኣሕዋት ብሱላት ክርስትያን ሰብኡት ንምዃን ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧ (ስእሊ ገበር ርአ።)

19 ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ብቕጽበት ኣይኰንኩምን ብሱላት ክርስትያን ሰብኡት እትዀኑ። ኣርኣያ ኪዀኑኹም ዚኽእሉ ሰናይ ኣብነታት ክትሓርዩ፡ ናይ ምምዝዛን ክእለት ከተማዕብሉ፡ ርጡባት ክትኰኑ፡ ንህይወትኩም ዚጠቕመኩም ክእለታት ከተጥርዩ፡ ኣብ መጻኢ ንዚህልወኩም ሓላፍነታት እውን ክትዳለዉ ኣሎኩም።

20 ብዛዕባ እቲ ዚጽበየኩም ዘሎ ዕዮ ኽትሓስቡ ኸለኹም፡ ልዕሊ ዓቕምኹም ዚኸውን ይመስለኩም ይኸውን። ክትዕወቱ ግና ትኽእሉ ኢኹም። የሆዋ ንዓኻትኩም ንምሕጋዝ ብርቱዕ ድሌት ከም ዘለዎ ኣይትረስዑ። (ኢሳ. 41:10, 13) ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን እውን ኪሕግዙኹም እዮም። ብሱላት ክርስትያን ሰብኡት ምስ ኰንኩም፡ ኣብ ህይወትኩም ሓጐስን ዕግበትን ክትረኽቡ ኢኹም። ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ንፈትወኩም ኢና! ብሱላት ክርስትያን ሰብኡት ንምዃን ክትጽዕሩ ኸለኹም፡ የሆዋ ኣብዚሑ ይባርኽኩም።—ምሳ. 22:4

መዝሙር 65 ንገስግስ!

a ብሱላት ሰብኡት ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ የድልዩ እዮም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መንእሰያት ኣሕዋት ብኸመይ ብሱላት ክርስትያን ሰብኡት ከም ዚዀኑ ኽንምርምር ኢና።

b ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዘሎ፡ “መግለጺ ቓላት” ርአ።

c ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ምዕ. 5-6 ርአ።