ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 52

ኣትን መንእሰያት ኣሓት፡ ብሱላት ክርስትያን ኣንስቲ ኹና

ኣትን መንእሰያት ኣሓት፡ ብሱላት ክርስትያን ኣንስቲ ኹና

“ኣንስቲ እውን ከምኡ . . . ወራዙት፡ ብዅሉ እውን እሙናት ኪዀና ይግባእ።”—1 ጢሞ. 3:11

መዝሙር 133 ብንእስነትና ንየሆዋ ነምልኮ

መላለዪ a

1. ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ንምዕባይ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

 ቈልዓ ብኸመይ ቀልጢፉ ኸም ዚዓቢ የደንቐና እዩ። እዚ ዕቤት እዚ ብዘይ ጻዕሪ ዚመጽእ እዩ ዚመስል። ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ምዕባይ ግና ብዘይ ጻዕሪ ኺብጻሕ ኣይከኣልን እዩ። b (1 ቈረ. 13:11፣ እብ. 6:1) ናብቲ ሸቶ እቲ ንምብጻሕ፡ ምስ የሆዋ ዓሚቝ ብሕታዊ ርክብ ከነማዕብል ኣሎና። ኣምላኻዊ ባህርያት ክንኵስኵስ፡ ግብራዊ ኽእለታት ከነማዕብል፡ ኣብ መጻኢ ሓላፍነታት ንምስካም እውን ድሉዋት ክንከውን ከለና፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ የድልየና እዩ።—ምሳ. 1:5

2. ካብ ዘፍጥረት 1:27 እንታይ ንምሃር፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

2 የሆዋ ንሰባት፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። (ዘፍጥረት 1:27 ኣንብብ።) ሰብኡትን ኣንስትን ብኣካላዊ መዳይ ፍልልይ ኣለዎም፣ እንተዀነ ግና፡ ብኻልእ መገዲ እውን ይፈላለዩ እዮም። ንኣብነት፡ የሆዋ ንሰብኡትን ንኣንስትን እተፈላለየ ግደ እዩ ሂብዎም። ስለዚ፡ ንሓላፍነታቶም ንምፍጻም ዜኽእል ባህርያትን ክእለታትን የድልዮም እዩ። (ዘፍ. 2:18) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ብስልቲ ክርስትያን ሰበይቲ ንምዃን እንታይ ክትገብር ከም ዜድልያ ኽንምርምር ኢና። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ከኣ፡ መንእሰያት ኣሕዋት እንታይ ኪገብሩ ኸም ዜድልዮም ክንምርምር ኢና።

ኣምላኻዊ ባህርያት ኰስኵሳ

ኣርኣያ እተን ከም እኒ ርብቃን ኣስቴርን ኣቢጋይልን ዝኣመሰላ እሙናት ኣንስቲ ምስዓብ፡ ብስልቲ ክርስትያን ሰበይቲ ንምዃን ኪሕግዘኪ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 3-4 ርአ)

3-4. መንእሰያት ኣሓት ካበይ እየን ኣርኣያ ኺረኽባ ዚኽእላ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

3 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ዘፍቀራኦን ዘገልገላኦን ብዙሓት ዜደንቓ ኣንስቲ ተጠቒሰን ይርከባ። (ኣብ jw.org እትርከብ፡ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።) ንሳተን ኣብቲ ቐንዲ ጥቕስና ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ “ወራዙት፡ ብዅሉ እውን እሙናት” እየን ነይረን። ብተወሳኺ፡ ኣሓት ኣብ ገጉባኤአን፡ ኣርኣያ ኪዀናአን ዚኽእላ ብሱላት ክርስትያን ኣንስቲ ኺረኽባ ይኽእላ እየን።

4 ኣትን መንእሰያት ኣሓት፡ ኣርኣያ ኪዀናኽን ዚኽእላ ብሱላት ክርስትያን ኣንስቲ ትፈልጣዶ፧ ነቲ ጽቡቕ ባህርያተን ኣስተብህላሉ። ድሕሪኡ ነቲ ባህርያት እቲ ብኸመይ ኣብ ህይወትክን ከም እተርእያ ሕሰባሉ። ኣብዚ ዚስዕብ ሕጡብ ጽሑፋት፡ ንብሱላት ኣንስቲ ዜድልየን ክልተ ኣገደስቲ ባህርያት ክንርኢ ኢና።

5. ሓንቲ ብስልቲ ክርስትያን ሰበይቲ ትሕትና ኺህልዋ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

5 ትሕትና ኣገዳሲት መዳይ ክርስትያናዊ ብስለት እያ። ሓንቲ ሰበይቲ ትሕትቲ እንተ ዀይና፡ ምስ የሆዋን ምስ ሰባትን ጽቡቕ ርክብ እዩ ዚህልዋ። (ያእ. 4:6) ንኣብነት፡ ንየሆዋ እተፍቅሮ ሰበይቲ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኣ ዝሰርዖ ስርዓት ርእስነት ብትሕትና ትድግፎ እያ። (1 ቈረ. 11:3) እቲ ስርዓት እቲ ኣብ ጉባኤ ዀነ ኣብ ስድራ ቤት ብንጹር ይዕየየሉ እዩ። c

6. መንእሰያት ኣሓት ካብ ርብቃ ብዛዕባ ትሕትና እንታይ ኪምሃራ ይኽእላ፧

6 ንርብቃ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰዳ። ኣብ ምሉእ ህይወታ ብትብዓት ግቡእ ስጕምቲ ዝወሰደት ለባም ሰበይቲ እያ ነይራ። (ዘፍ. 24:58፣ 27:5-17) ኰይኑ ግና፡ ንሰብ እተኽብርን ምእዝዝትን እውን እያ ነይራ። (ዘፍ. 24:17, 18, 65) ንስኻትክን እውን ከም ርብቃ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓት ብትሕትና እንተ ደጊፍክን፡ ኣብ ስድራ ቤትክን ኰነ ኣብ ጉባኤኽን ኣወንታዊ ጽልዋ ኸተሕድራ ኢኽን።

7. መንእሰያት ኣሓት ትሑታት ብምዃን ብኸመይ ንኣስቴር ኪመስላኣ ይኽእላ፧

7 ኵሎም ብሱላት ክርስትያናት ትሕትና ኼማዕብሉ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጥበብ . . . ምስ ትሑታት እያ” ይብል። (ምሳ. 11:2) ኣስቴር ትሕትቲ ኣገልጋሊት ኣምላኽ እያ ነይራ። ትሕትቲ ብምንባራ ኸኣ ብድፍረት ስጕምቲ ኣይወሰደትን። የግዳስ፡ ነቲ ብዕድመ ኻብኣ ዚዓቢ ዝነበረ ማርዶካይ ዝስሙ ወዲ ሓው ኣቦኣ ዝሃባ ምኽሪ ሰምዐት፣ ከምቲ ዝበላ እውን ገበረት። (ኣስ. 2:10, 20, 22) ንስኻትክን እውን ምኽሪ ብምሕታትን ንዚውሃበክን ጽቡቕ ምኽሪ ብምትግባርን፡ ተመሳሳሊ ትሕትና ኸተርእያ ትኽእላ ኢኽን።—ቲቶ. 2:3-5

8. ብመሰረት 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10፡ ሓንቲ ሓብቲ ትሕትቲ እንተ ዀይና፡ ኣከዳድናኣን ኣመለኻኽዓኣን ብጥበብ እትመርጽ ብኸመይ እያ፧

8 ኣስቴር ብኻልእ መገዲ እውን ትሕትና ኣርእያ እያ። “ጽቡቕ ዝቕርጻን ማራኺ ዝትርኢታን” እያ ነይራ፣ እንተዀነ ግና፡ ዘይግቡእ ቈላሕታ ኽትስሕብ ኣይፈተነትን። (ኣስ. 2:7, 15) እሞ ደኣ ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ኻብ ኣብነት ኣስቴር ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧ ሓደ መገዲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10 ጐሊሑ ኣሎ። (ኣንብብ።) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ኣንስቲ፡ ትሕትናን ልብምናን ዜርኢ ኽዳውንቲ ኪኽደና እዩ ምዒድወን። እቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዚርከብ ናይ ግሪኽኛ ቓላት፡ ክርስትያን ኣንስቲ ዚኽደናኦ ኽዳውንቲ ኣኽቢርካ ዚርአን ንስምዒታት ኰነ ንርእይቶታት ካልኦት ኣብ ግምት ዜእቱን ኪኸውን ከም ዚግባእ እዩ ዜመልክት። ነተን ብሱላት ክርስትያን ኣሓትና፡ ትሕትና ዜርኢ ኽዳውንቲ ዚኽደና ብምዃነን ኣዚና ኢና እነድንቐን!

9. ካብ ኣቢጋይል እንታይ ንምሃር፧

9 ምስትውዓል ኵለን ብሱላት ክርስትያናት ኪህልወን ዚግባእ ካልእ ኣገዳሲ ባህርይ እዩ። እሞ ደኣ ምስትውዓል እንታይ እዩ፧ ምስትውዓል ጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክእለት ኪብሃል ይከኣል እዩ። ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ቅኑዕን ጌጋን ድሕሪ ምፍላይ፡ ጥበባዊ ውሳነ ናይ ምግባር ክእለት ኪብሃል ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣቢጋይል እስከ ንርአ። ብዓል ቤታ ንብምሉኡ ቤተ ሰቡ ዚጸሉ ሕማቕ ውሳነ ገበረ። ኣቢጋይል ከኣ ብኡብኡ ስጕምቲ ወሰደት። እቲ ጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክእለታ፡ ህይወት ሰባት ኣድሓነ። (1 ሳሙ. 25:14-23, 32-35) ብዘይካዚ፡ ምስትውዓል መዓስ ከም እንዛረብን መዓስ ስቕ ከም እንብልን ክንፈልጥ የኽእለና። ንኻልኦት ብብሕቲ ኽንግደሰሎም ከለና እውን፡ መዓስ ሚዛንና ኸም እንሕሉ ኽንፈልጥ ይሕግዘና።—1 ተሰ. 4:11

ግብራዊ ኽእለታት ኣማዕብላ

ጽቡቕ ናይ ምንባብን ናይ ምጽሓፍን ክእለት እንታይ ጥቕሚ ኣምጺኡልኪ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

10-11. ጽቡቕ ናይ ምንባብን ናይ ምጽሓፍን ክእለት ብምምዕባል ንገዛእ ርእስኽንን ንኻልኦትን ብኸመይ ክትጠቕማ ትኽእላ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

10 ክርስትያን ኣንስቲ ግብራዊ ኽእለታት ኬማዕብላ ኣለወን። ገሊኡ ኻብቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ቍልዕነታ እትምሃሮ ኽእለት፡ ኣብ ምሉእ ህይወታ ኺጠቕማ ይኽእል እዩ። ገለ ኻብዚ ኣብነታት እስከ ንርአ።

11 ጽቡቕ ናይ ምንባብን ናይ ምጽሓፍን ክእለት ኣማዕብላ። ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ምንብባን ናይ ምጽሓፍን ክእለት ከም ዘየድልየን ጌርካ እዩ ዚርአ። እንተዀነ ግና፡ እዚ ኽእለት እዚ ንዅሎም ክርስትያናት ዜድሊ እዩ። d (1 ጢሞ. 4:13) ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት፡ ጽቡቕ ናይ ምንባብን ናይ ምጽሓፍን ክእለት ካብ ምምዕባል ኪዓግተክን ኣይትፍቀዳ። እዚኸ እንታይ ዓስቢ እዩ ኼምጽኣልክን፧ እዚ ኽእለት እዚ፡ ስራሕ ክትረኽባን ክትሕዛን ኪሕግዘክን ይኽእል እዩ። ዝሓሻ ተምሃሮን መምህራንን ቃል ኣምላኽ እውን ክትኰና ኢኽን። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ቃል ኣምላኽ ከተንብባን ብዛዕባኡ ኸተስተንትናን ከለኽን ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርባ ኢኽን።—እያ. 1:8፣ 1 ጢሞ. 4:15

12. ምሳሌ 31:26 ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ከነማዕብል እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

12 ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ኣማዕብላ። ክርስትያናት ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ኪህልዎም ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ . . . ይኹን” ብምባል ግብራዊ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። (ያእ. 1:19) ካልኦት ኪዛረቡ ኸለዉ ኻብ ልቢ ትሰምዓኦም እንተ ዄንክን፡ “ርሕሩሓት” ከም ዝዀንክን ኢኽን እተርእያ። (1 ጴጥ. 3:8) ሓደ ሰብ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ወይ ስምዒቱ እንታይ ምዃኑ እንተ ዘይተረዲኡክን፡ ግቡእ ሕቶታት ሕተታ። ድሕሪኡ፡ ምላሽ ቅድሚ ምሃብክን ሕሰባ። (ምሳ. 15:28፡ እ.ጽ.) ‘እዚ ዝዛረቦ ዘረባስ ሓቅን ሃናጽን ድዩ፧ ጥዑምን ልኡምን ድዩ፧’ ኢልክን ገዛእ ርእስኽን ሕተታ። ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ካብ ዘለወን ክርስትያናት ተምሃራ። (ምሳሌ 31:26 ኣንብብ።) ንኣዛራርባአን ኣስተብህላሉ። ነዚ ኽእለት እዚ እናኣማዕበልክን ብዝኸድክን መጠን ምስ ካልኦት ዘሎክን ርክብ እናተመሓየሸ ኪኸይድ እዩ።

ገዛኣ ጽቡቕ ገይራ እተምሓድር ሰበይቲ፡ ኣብ ስድራ ቤታ ዀነ ኣብ ጉባኤኣ ኣወንታዊ ጽልዋ ተሕድር (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ብኸመይ ኢኽን ኣተሓሕዛ ገዛ ኽትምሃራ እትኽእላ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ኣተሓሕዛ ገዛ ተምሃራ። ኣብ ሓያሎ ዓድታት፡ ኣንስቲ ንቤተ ሰብ ዜድሊ ብዙሕ ሓላፍነታት ይስከማ እየን። ኣዴኽን ወይ ካልእ ክኢላ ሓብቲ ነዚ ኽእለት እዚ ኽትምህረክን ትኽእል ትኸውን። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ሲንዲ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ሓደ ኻብቲ ኣደይ ዝሃበትኒ ኣዝዩ ኽቡር ውህበት፡ ትግሃት ከም ዜሐጕስ ምምሃራ እዩ። ከም ናይ ምኽሻንን ናይ ምጽራይን ናይ ምስፋይን ናይ ምሽማትን ክእለታት ስለ እተምሃርኩ፡ ህይወተይ ቀሊል ኰይኑለይ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዝያዳ ኽገብር እውን መገዲ ተኸፊቱለይ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣደይ ብኸመይ ኣጋይሽ ከም ዝቕበል ምሂራትኒ እያ። እዚ ድማ ኣርኣያ ክዀኑኒ ምስ ዚኽእሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ክራኸብ ኣኽኢሉኒ እዩ።” (ምሳ. 31:15, 21, 22) ገዛኣ ጽቡቕ ገይራ እተመሓድር ትግህትን ተቐባሊት ጋሻን ዝዀነት ሰበይቲ ንስድራ ቤታን ንጉባኤኣን በረኸት እያ እትኸውን።—ምሳ. 31:13, 17, 27፣ ግብ. 16:15

14. ካብ ተመክሮ ክሪስታል እንታይ ትምሃራ፧ ኣትኵሮኽንከ ኣበይ ኪኸውን ኣለዎ፧

14 ርእስኽን ምኽኣል ተምሃራ። ርእስኻ ምኽኣልን ብዘሎካ ዓጊብካ ምንባርን ኵሎም ክርስትያናት ኪበጽሕዎ ዚግባእ ኣገዳሲ ሸቶ እዩ። (ፊል. 4:11፣ 2 ተሰ. 3:7, 8) ክሪስታል ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ወለደይ ግብራዊ ዝዀነ ኽእለታት ክምሃር ስለ ዝደለዩኒ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኸለኹ እንታይ ዓይነት ትምህርትታት ክሓሪ ኸም ዘሎኒ ሓሳቦም ሂቦምኒ እዮም። ኣቦይ ኣተሓሕዛ ሕሳብ ከጽንዕ እዩ ደፋፊኡኒ። እዚ ድማ ብሓቂ እዩ ጠቒሙኒ።” ኣብ ርእሲ እቲ ዓለማዊ ስራሕ ንምሓዝ ዜድልየክን ክእለታት፡ ብኸመይ ገንዘብክን ከም እተካውና እውን ተምሃራ። (ምሳ. 31:16, 18) ኣብ ዘየድሊ ዕዳ ብዘይምእታውን ብቐሊል ናብራ ዕጉባት ብምዃንን፡ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣተኵራ።—1 ጢሞ. 6:8

ንናይ መጻኢ ሓላፍነታትክን ተዳለዋ

15-16. ዘይተመርዓዋ ኣሓት ንኻልኦት ዚጠቕማ ብኸመይ እየን፧ (ማርቆስ 10:29, 30)

15 መንፈሳዊ ባህርያትን ኣገዳሲ ኽእለታትን እንተ ኣማዕቢልክን፡ ኣብ መጻኢ ንእትስከማኦ ሓላፍነት ድሉዋት ክትኰና ኢኽን። ገለ ኻብዚ ሓላፍነታት እዚ እስከ ንርአ።

16 ንእተወሰነ እዋን ከይተመርዓኽን ንምጽናሕ ክትውስና ትኽእላ ኢኽን። ኣብ ገሊኡ ባህሊ፡ ዘይምምርዓው ብኣሉታዊ ዓይኒ ዚርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ምስቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ብምስምማዕ ከይተመርዓዋ ኺጸንሓ ወሲነን እየን። (ማቴ. 19:10-12) ገሊአን ከኣ ብሰንኪ ዅነታት ከይተመርዓዋ ይጸንሓ እየን። የሆዋን የሱስን ንዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ከም ዘይንዕቅዎም ከነረጋግጸልክን ንፈቱ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከባ ዘይተመርዓዋ ኣሓት፡ ኣብ ጉባኤአን ኣወንታዊ ጽልዋ የሕድራ እየን። እቲ ንኻልኦት ዘለወን ፍቕርን ልባዊ ተገዳስነትን ብመንፈሳዊ መዳይ ንብዙሓት ኣሓትን ኣዴታትን ኪዀና ኣኽኢልወን እዩ።—ማርቆስ 10:29, 30 ኣንብብ፣ 1 ጢሞ. 5:2

17. ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምእታው ካብ ሕጂ ብኸመይ ክትዳሎ ትኽእል፧

17 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኽትኰና ትኽእላ ኢኽን። ክርስትያን ኣንስቲ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ዓብዪ ጽልዋ እዩ ዘለወን። (መዝ. 68:11) እሞ ደኣ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምእታውሲ ኻብ ሕጂ መደብ ክትገብራ ትኽእላዶ፧ ፈለምቲ፡ ወለንተኛታት ህንጸት፡ ወይ ቤት-ኤላውያን ኴንክን ከተገልግላ ትኽእላ ኢኽን። ብዛዕባ ሸቶኽን ጸልያ፣ ነቲ ሸቶ እቲ ንዝወቕዕዎ ሰባት ኣዛራርባ፣ ነቲ ብቕዓት እቲ ምእንቲ ኽትበጽሓኦ እንታይ ክትገብራ ኸም ዜድልየክን እውን ፍለጣ። ድሕርዚ፡ ሚዛናዊ መደብ ኣውጽኣ። ነቲ ሸቶኽን እንተ ወቒዕክናኦ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሓያሎ ባህ ዜብል ኣጋጣሚታት ኪኽፈተልክን እዩ።

መርዓ ትሓስቢ እንተ ኣለኺ፡ መጻምድትኺ ተጠንቂቕኪ ኽትመርጺ ኣሎኪ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. ሓንቲ ሓብቲ፡ ሰብኣይ ክትመርጽ ከላ ኣዝያ ኽትጥንቀቕ ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

18 ንምምርዓው ክትውስና ትኽእላ ኢኽን። እቲ እተመያየጥናሉ ባህርያትን ክእለታትን፡ ክኢላታት ኣንስቲ ንምዃን ኪሕግዘክን ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ መርዓ ትሓስባ እንተ ኣሊኽን፡ መጻምድትኽን ተጠንቂቕክን ክትመርጻ ኣሎክን። እዚ ውሳነ እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወትክን እትገብራኦ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ውሳነታት እዩ። ኣብ ትሕቲ ርእስነት እቲ እትምርዓውኦ ሰብኣይ ከም እትዀና ኣይትረስዓ። (ሮሜ 7:2፣ ኤፌ. 5:23, 33) ስለዚ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልክን ገዛእ ርእስኽን ሕተታ፦ ‘ብሱል ክርስትያን ድዩ፧ ኣብ ህይወቱ መንፈሳዊ ነገራት ድዩ ዜቐድም፧ ጥበባዊ ውሳነታት ይገብር ድዩ፧ ጌጋታቱ ይእመን ድዩ፧ ንደቂ ኣንስትዮ የኽብር ድዩ፧ ብመንፈሳውን ብስጋውን ብስምዒታውን መዳይ ንዓይ ንምሕጋዝ ዜኽእሎ ኽእለታት ኣለዎዶ፧ ሓላፍነታቱ ጽቡቕ ገይሩ ድዩ ዚስከም፧ ንኣብነት፡ ኣብ ጉባኤ እንታይ ሓላፍነታት እዩ ዘለዎ፧ ነዚኸ ብኸመይ እዩ ዚሕዞ፧’ (ሉቃ. 16:10፣ 1 ጢሞ. 5:8) ልክዕ እዩ፡ ንፉዕ ሰብኣይ ክትረኽባ እንተ ደሊኽን፡ ንፍዕቲ ሰበይቲ ኽትኰና ኸም ዘሎክን ኣይትረስዓ።

19. “ሓጋዚት” ወይ “ረዳኢት” ዚብል ግደ፡ ኣኽቢርካ ዚርአ ሓላፍነት እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

19 ንፍዕቲ ሰበይቲ ንሰብኣያ “መመላእታ” እትዀኖ “ሓጋዚት” ወይ “ረዳኢት” ከም ዝዀነት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዘፍ. 2:18፡ እ.ጽ.) እዚ መግለጺ እዝስ ዜዋርድ ድዩ፧ ኣይፋልን! ሰበይቲ ኸም ሓጋዚት ወይ ከም ደጋፊት ዘለዋ ግደ ኣኽቢርካ ዚርአ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ የሆዋ ብተደጋጋሚ “ረዳእየይ” ተባሂሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጸዊዑ ኣሎ። (መዝ. 54:4፣ እብ. 13:6) ሰበይቲ ንሰብኣያ፡ ነቲ ንስድራ ቤቶም ዚጸሉ ውሳነታት ኪትግብር ክትድግፎን ክትሕግዞን ከላ፡ ናይ ብሓቂ እያ ሓጋዚቱ እትኸውን። ንየሆዋ ስለ እተፍቅሮ ኸኣ፡ ሰብኣያ ብጽቡቕ ስሙ ምእንቲ ኺልዓል ትጽዕር እያ። (ምሳ. 31:11, 12፣ 1 ጢሞ. 3:11) ስለዚ፡ ንየሆዋ ዘሎክን ፍቕሪ ብምዕማቝን ኣብ ቤት ኰነ ኣብ ጉባኤ ንኻልኦት ብምሕጋዝን፡ ነዚ ናይ መጻኢ ሓላፍነት ድሉዋት ክትኰና ትኽእላ ኢኽን።

20. ኣደ እንታይ ጽልዋ እያ ኸተሕድር እትኽእል፧

20 ኣዴታት ክትኰና ትኽእላ ኢኽን። ድሕሪ መርዓ፡ ውሉዳት ኪመጹ ይኽእሉ እዮም። (መዝ. 127:3) ስለዚ፡ ኣርሒቕካ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እተመያየጥናሉ ባህርያትን ክእለታትን፡ ንሰብኡትክን ንፉዓት ኣንስቲ፡ ንደቅኽን ድማ ንፉዓት ኣዴታት ንምዃን ኪሕግዘክን እዩ። ፍቕርን ለውሃትን ትዕግስትን እንተ ኣማዕቢልክን፡ ደቅኽን ቀሲኖም ዚዓብዩሉ ማምቝ ቤት እዩ ዚህልወክን።—ምሳ. 24:3

ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተማህራ፡ ነቲ እተማህራኦ እውን ኣብ ግብሪ ዘውዓላ ብዙሓት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ብሱላት ክርስትያናት ኰይነን ኣለዋ (ሕጡብ ጽሑፍ 21 ርአ)

21. ብዛዕባ ኣሓትና ኸመይ እዩ ዚስምዓና፧ ስለምንታይከ፧ (ስእሊ ገበር ርአ።)

21 ኣትን ኣሓትና፡ ስለቲ ንየሆዋን ንህዝቡን እትገብራኦ ዅሉ ኣዚና ኢና እንፈትወክን። (እብ. 6:10) መንፈሳዊ ባህርያት ንምዅስኳስ፡ ንህይወትክንን ንህይወት ካልኦትን ዚጠቅም ክእለታት ንምምዕባል፡ ኣብ መጻኢ ንዚህልወክን ሓላፍነታት እውን ንምድላው ብዙሕ ትጽዕራ ኢኽን። ኣብ ውድብ የሆዋ ኽቡር ቦታ እዩ ዘሎክን!

መዝሙር 137 እሙናት ኣንስቲ፡ ክርስትያን ኣሓት

a ኣትን መንእሰያት ኣሓት፡ ኣብ ጉባኤ ኽቡር ቦታ እዩ ዘሎክን። ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ብምዅስኳስ፡ ግብራዊ ኽእለታት ብምምዕባል፡ ኣብ መጻኢ ሓላፍነት ንምስካም እውን ድሉዋት ብምዃን ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ክትበጽሓ ትኽእላ ኢኽን። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዙሕ በረኸት ክትረኽባ ኢኽን።

b መግለጺ ቓላት፦ ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ዝበጽሐ ሰብ ብጥበብ ዓለም ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ እዩ ዚምራሕ። ኣብነት የሱስ ይስዕብ፡ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ኪህልዎ ይጽዕር፡ ንሰባት እውን ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ የርኢ እዩ።

d ብዛዕባ ኣገዳስነት ንባብ ንምፍላጥ፡ ኣብ jw.org እትርከብ፡ “ንባብ ንቘልዑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—1 ክፋል፦ ምንባብዶ ወይስ ምርኣይ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።