ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 50

እምነትን ግብርን ናብ ጽድቂ ይመርሕ

እምነትን ግብርን ናብ ጽድቂ ይመርሕ

“ነቶም ኣስኣሰር እታ ኣቦና ኣብርሃም . . . ዝነበረቶ እምነት ስዒቦም ብስርዓት ዚመላለሱ እውን ኣቦኦም ኰይኑ እዩ።”—ሮሜ 4:12

መዝሙር 119 እምነት ትሃልወና

መላለዪ a

1. ብዛዕባ እምነት ኣብርሃም ክንሓስብ ከለና፡ እንታይ ሕቶ ኢና ኽንሓትት እንኽእል፧

 ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣብርሃም ሰሚዖም ዚፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ፡ መብዛሕትኦም ግና ብዛዕባኡ ብዙሕ ኣይፈልጡን እዮም። ንስኻ ግና ብዛዕባ ኣብርሃም ብዙሕ ትፈልጥ ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣብርሃም ‘ንዅሎም እቶም ዚኣምኑ ኣቦኦም’ ከም እተባህለ ትፈልጥ ኢኻ። (ሮሜ 4:11) ኰይኑ ግና፡ ‘ኣስኣሰር ኣብርሃም ክስዕብ እኽእልዶ፧ ከም ናቱ ዓይነት እምነት ኪህልወኒ ይኽእልዶ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። እወ፡ ትኽእል ኢኻ።

2. ብዛዕባ እቲ ኣብርሃም ዝሓደጎ ኣብነት ምጽናዕ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ያእቆብ 2:22, 23)

2 ከም ናይ ኣብርሃም ዝበለ እምነት ከነማዕብለሉ እንኽእል ሓደ መገዲ፡ ብዛዕባ ኣብነቱ ብምጽናዕ እዩ። ኣብርሃም ብመሰረት እቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦ ትእዛዝ ናብ ርሑቕ ዓዲ ገዓዘ፡ ንዓመታት ኣብ ድንኳን ሰፈረ፡ ንፍቑር ወዱ ይስሃቅ እውን ኪስውኦ ፍቓደኛ ዀነ። እዚ ተግባራቱ እዚ፡ ድልዱል እምነት ከም ዘለዎ እዩ ዜርኢ። እዚ እምነቱን ግብሩን ከኣ ስምረት ኣምላኽ ኪረክብን ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ኪምስርትን ኣኽኣሎ። (ያእቆብ 2:22, 23 ኣንብብ።) የሆዋ ንዅላትና፡ ተመሳሳሊ በረኸት ክንረክብ ይደልየና እዩ፣ ንዓኻ ብውልቂ እውን ከምኡ እዩ ዚምነየልካ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንጳውሎስን ንያእቆብን ብመንፈሱ ብምድራኽ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብርሃም ዝሓደጎ ኣብነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጽሕፉ ገበሮም። እምበኣር፡ ኣብቲ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 4ን ያእቆብ ምዕራፍ 2ን ዚርከብ ኣብርሃም ዝሓደጎ ኣብነት ነተኵር። ኣብዘን ክልቲአን ምዕራፋት ብዛዕባ ኣብርሃም ኣገዳሲ ሓበሬታ ተጠቒሱ ኣሎ።

3. ጳውሎስን ያእቆብን ካበየነይቲ ኣገዳሲት ጥቕሲ እዮም ጠቒሶም፧

3 ጳውሎስን ያእቆብን ካብ ዘፍጥረት 15:6 ጠቒሶም ኣለዉ። እታ ጥቕሲ፡ “[ኣብርሃም] ብየሆዋ . . . ኣመነ፣ ንሱ ድማ ጽድቂ ገይሩ ቘጸረሉ” ትብል። ጽድቂ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ከም ዝዀነ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን በደል ከም ዘይብሉ ጌርካ ኸም ዚርአ የመልክት። ሓደ ዘይፍጹምን ሓጥእን ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ በደል ከም ዘይብሉ ጌርካ ኺርአ ምኽኣሉ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። ንስኻ እውን ጻድቕ ክትከውን ከም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብሓቂ እውን ይከኣል እዩ። ነዚ ብኸመይ ክንበጽሖ ኸም እንኽእል ንምፍላጥ፡ ኣብርሃም ብኸመይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸም ዝጸደቐ ኽንርዳእ ኣሎና።

ጻድቕ ንምዃን፡ እምነት ተድሊ

4. ንደቂ ሰብ ጻድቃን ከይዀኑ ዚዓግቶም እንታይ እዩ፧

4 ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ ኵሎም ሰባት ከም ዝሓጥኡ ገሊጹ ኣሎ። (ሮሜ 3:23) እሞ ደኣ ሓደ ሰብ ጻድቕ ከም ዝዀነ ወይ ኣበር ከም ዘይብሉ ጌርካ ኺርአ፡ በዚ ኸምዚ እውን ስምረት ኣምላኽ ኪረክብ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ጳውሎስ፡ ኵሎም ቅኑዓት ክርስትያናት ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ምእንቲ ኺረኽቡላ ኢሉ ንኣብርሃም ከም ኣብነት ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ።

5. የሆዋ ንኣብርሃም ኣብ ምንታይ ተመስሪቱ እዩ ኣጽዲቕዎ፧ (ሮሜ 4:2-4)

5 ኣብርሃም ኣብ ምድሪ ከነኣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ንኣብርሃም ኣጽደቖ። ስለምንታይ እዩ የሆዋ ንኣብርሃም ኣጽዲቕዎ፧ ኣብርሃም ንሕጊ ሙሴ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝሓለወ ድዩ፧ ኣይፋልን። (ሮሜ 4:13) እቲ ሕጊ እቲ፡ ካብቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘጽደቐሉ እዋን ድሕሪ 400 ዓመት ኣቢሉ እዩ ንህዝቢ እስራኤል ተዋሂቡ። እሞ ደኣ ኣምላኽ ኣብ ምንታይ ተመስሪቱ እዩ ንኣብርሃም ኣጽዲቕዎ፧ ብጸጋኡ ሳላ እምነቱ እዩ ኣጽዲቕዎ።—ሮሜ 4:2-4 ኣንብብ።

6. የሆዋ ንሓደ ሓጥእ ብኸመይ እዩ ዜጽድቖ፧

6 ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ሓደ ሰብ ምስ ዚኣምን፡ “እምነቱ ኸም ጽድቂ እያ እትቝጸረሉ” በለ። (ሮሜ 4:5) ቀጺሉ እውን፡ “ከምቲ ዳዊት ብዛዕባ ሓጐስ እቲ ኣምላኽ ብዘይ ግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ ሰብ ዝበሎ እዩ፦ ‘እቶም ጥሕሰቶም እተሓድገሎም፡ ሓጢኣቶም እውን እተኸድነሎም፡ ሕጉሳት እዮም፣ የሆዋ ሓጢኣቱ ዘይቈጽረሉ ሰብ ሕጉስ እዩ’” በለ። (ሮሜ 4:6-8፣ መዝ. 32:1, 2) ኣምላኽ ነቶም ብእኡ ዚኣምኑ ሓጢኣቶም ይሓድገሎም ወይ ይኸድነሎም እዩ። ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ይብለሎም እዩ፣ ድሕሪ ደጊም እውን ንሓጢኣቶም ኣይጽብጽቦን እዩ። የግዳስ፡ ብመሰረት እምነቶም በደል ኣልቦን ጻድቃንን ከም ዝዀኑ ገይሩ እዩ ዚርእዮም።

7. ገሊኦም እሙናት ኣምለኽቲ ዝጸደቑ ብኸመይ እዮም፧

7 ኣብርሃምን ዳዊትን ካልኦት እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋን ከም ዝጸደቑ እኳ እንተ ተነግረሎም፡ ገና ኻብ ሓጢኣቶም ናጻ ዘይኰኑ ዘይፍጹማት እዮም ነይሮም። ሳላ እምነቶም ግና፡ ምናዳ ምስቶም ንኣምላኽ ዘየምልኹ ሰባት ኪነጻጸሩ ኸለዉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣበር ከም ዘይብሎም ጌርካ እዮም ተራእዮም። (ኤፌ. 2:12) ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ብንጹር ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ክንምስርት እንተ ዄንና፡ እምነት ናይ ግድን ተድልየና እያ። ኣብርሃምን ዳዊትን ሳላ እምነቶም እዮም ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ኪምስርቱ ኽኢሎም፣ ንሕና እውን ሳላ እምነትና ኢና ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ክንምስርት እንኽእል።

እምነትን ግብርን ብኸመይ ይተኣሳሰር፧

8-9. ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ጽሑፋት ጳውሎስን ያእቆብን ኣብ ምንታይ ግጉይ መደምደምታ እዮም በጺሖም፧ ስለምንታይከ፧

8 ኣብ መንጎ እምነትን ግብርን ዘሎ ምትእስሳር፡ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ንዘመናት ኬካትዕ ጸኒሑ እዩ። ገሊኦም ካህናት፡ “ክትድሕን እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እመን” ኢሎም ይምህሩ እዮም። “ንየሱስ ተቐበሎ እሞ ኽትድሕን ኢኻ” ኢሎም ኪምህሩ እውን ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ገሊኦም ከኣ ነቲ ጳውሎስ እተዛረቦ፡ ‘ኣምላኽ ብዘይ ግብርስ ጽድቂ ይቘጽር’ ዚብል ቃላት ይጠቕስዎ እዮም። (ሮሜ 4:6) ገሊኦም ግና ናብ ንግደት ብምኻድ ወይ ቤተ ክርስትያን ዝሓንጸጸቶ ኻልእ ግዴታታት ብምፍጻም፡ ገዛእ ርእስኻ ኸተድሕን ከም እትኽእል ይማጐቱ እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም ከኣ ነቲ ኣብ ያእቆብ 2:24 ዚርከብ፡ “ሰብ ብእምነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ትርእዩ ኣለኹም” ዚብል ጥቕሲ ይጠቕሱ ይዀኑ።

9 ብምኽንያት እዚ እተፈላለየ መትከላት፡ ገሊኦም ሃይማኖታውያን ጸሓፍቲ፡ ጳውሎስን ያእቆብን ብዛዕባ ጕዳይ እምነትን ግብርን ከም ዘይተሰማምዑ እዮም ዚድምድሙ። ገሊኦም ካህናት፡ ጳውሎስ ብዘይ ግብሪ ብእምነት ጥራይ ጽድቂ ኸም ዚርከብ ኪኣምን ከሎ፡ ያእቆብ ግና ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ግብሪ ኸም ዜድሊ ኸም ዝመሃረ ይኣምኑ እዮም። ሓደ ፕሮፌሰር ስነ መለኮት ነዚ ሓሳብ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ያእቆብ ነቲ ጳውሎስ፡ ጽድቂ ብዘይ ግብሪ ብእምነት ጥራይ ከም ዚርከብ ዘጕልሓሉ ምኽንያት ኣይተረድኦን” በለ። ከም ሓቂ ግና፡ ንጳውሎስን ንያእቆብን ኪጽሕፉ ዝደረኾም የሆዋ እዩ። (2 ጢሞ. 3:16) ስለዚ፡ ነቲ ሓሳባቶም ከነሰማምዓሉ እንኽእል ቀሊል መገዲ ኺህሉ ኣለዎ፣ ከም ሓቂ ድማ ኣሎ። ንትሕዝቶ ጽሑፋቶም ኣብ ግምት እንተ ኣእቲና፡ ሓሳባቶም ኪርድኣና ይኽእል እዩ።

ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣይሁድ ክርስትያናት፡ ግብሪ ሕጊ ሙሴ ዘይኰነስ፡ እምነት ከም ዜድሊ ኣጕልሓሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ) b

10. ጳውሎስ ብቐንዱ ብዛዕባ እንታይ “ግብሪ” እዩ ዚገልጽ ነይሩ፧ (ሮሜ 3:21, 28) (ስእሊ እውን ርአ።)

10 ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 3ን 4ን ኣብ ምንታይ “ግብሪ” እዩ ኣተኲሩ፧ ብቐንዱ ኣብ “ግብሪ ሕጊ፡” ማለት ኣብ ግብሪ ሕጊ ሙሴ እዩ ኣተኲሩ። (ሮሜ 3:21, 28 ኣንብብ።) ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ኣይሁድ ክርስትያናት፡ ሕጊ ሙሴን እቲ ንሱ ዚጠልቦ ግብርን ከም እተሳዕረ ምቕባል ከቢድዎም ዝነበረ እዩ ዚመስል። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ ሳላ “ግብሪ ሕጊ” ዘይምዃኑ ንምርኣይ፡ ንኣብርሃም ከም ኣብነት ገይሩ ጠቐሰሎም። የግዳስ፡ ጽድቂ ሳላ እምነት እዩ ዚርከብ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ ኽንበጽሖ ኸም እንኽእል ምትእምማን ስለ ዚፈጥረልና፡ ኣዝዩ ዜተባብዕ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ብኣምላኽን ብክርስቶስን እንተ ኣሚንና፡ ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ያእቆብ ንክርስትያናት፡ እምነቶም ብ“ግብሪ፡” ማለት ብዘይ ኣድልዎ ሰናይ ብምግባር ኬርእዩ ተማሕጸኖም (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ) c

11. ያእቆብ እንታይ “ግብሪ” እዩ ዜጕልሕ ነይሩ፧

11 በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ እቲ ኣብ ያእቆብ ምዕራፍ 2 ተጠቒሱ ዘሎ “ግብሪ፡” እቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ “ግብሪ ሕጊ” ኣይኰነን። የግዳስ፡ ያእቆብ ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዚገብርዎ ግብርታት ወይ ንጥፈታት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እዚ ግብሪ እዚ ኸኣ፡ ሓደ ክርስትያን ኣብ ኣምላኽ ናይ ሓቂ እምነት እንተ ኣልይዎ ወይ እንተ ዘይብሉ ይሕብር እዩ። ቀጺልና፡ ያእቆብ እተጠቕመሉ ኽልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

12. ያእቆብ ነቲ ኣብ መንጎ እምነትን ግብርን ዘሎ ምትእስሳር ብኸመይ እዩ ገሊጽዎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

12 ያእቆብ ኣብቲ ቐዳማይ ኣብነት፡ ክርስትያናት ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎም ርክብ ኣድልዎ ኺገብሩ ኸም ዘየብሎም ገለጸ። ነዚ ነጥቢ ንምብራህ ከኣ፡ ገሊኡ ሰብ ንሃብታም ክብ ኣቢሉ ኸም ዚርኢ፡ ንድኻ ግና ከም ዚንዕቕ ሓበረ። ከምዚ ዓይነት ሰብ፡ እምነት ከም ዘላቶ እኳ እንተ ተዛረበ፡ እምነቱ ግና ብግብሪ ኣየርኣየን። (ያእ. 2:1-5, 9) ያእቆብ ኣብቲ ኻልኣይ ኣብነቱ፡ ‘ሓው ወይስ ሓብቲ ኺዓርቁ፡ ናይ ዕለት ምግቢ እውን ኪስእኑ’ ርእዩስ ዋላ ሓንቲ ዘይሕግዝ ሰብ ጠቐሰ። እቲ ሰብ እቲ እምነት ከም ዘላቶ እኳ እንተ ተዛረበ፡ ብግብሪ ግና ኣይደገፋን፣ ስለዚ፡ እምነቱ ኸንቱ እያ። ድሕርዚ፡ ያእቆብ፡ “እምነት፡ ግብሪ እንተ ዘይብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ” ኢሉ ጸሓፈ።—ያእ. 2:14-17

13. ያእቆብ፡ እምነት ብግብሪ ኸም እትርአ ንምጕላሕ እንታይ ኣብነት እዩ እተጠቕመ፧ (ያእቆብ 2:25, 26)

13 ያእቆብ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ረሃብ እምነታ ብግብሪ ብምርኣይ ሰናይ ኣብነት ከም እትዀነና ጠቐሰ። (ያእቆብ 2:25, 26 ኣንብብ።) ንሳ ብዛዕባ የሆዋ ሰምዐት፡ ንእስራኤላውያን ይድግፎም ምንባሩ እውን ኣስተውዓለት። (እያ. 2:9-11) ድሕርዚ፡ እምነታ ብግብሪ ኣርኣየት። ነቶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ኽልተ እስራኤላውያን ሰለይቲ ኣዕቈበቶም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እታ እስራኤላዊት ዘይኰነት ዘይፍጽምቲ ሰበይቲ ኸም ኣብርሃም ጸደቐት። እቲ ንሳ ዝሓደገቶ ኣብነት ድማ እምነትና ብግብሪ ኸነሰንዮ ኸም ዘሎና የጕልሕ።

14. ጳውሎስን ያእቆብን ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ብኸመይ እዩ ንሓድሕዱ ዚሳነ፧

14 እዞም ክልተ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀኑ ጳውሎስን ያእቆብን ንጕዳይ እምነትን ግብርን ካብ እተፈላለየ ኣንፈት እዮም ገሊጾምዎ። ጳውሎስ ንኣይሁድ ክርስትያናት፡ ግብርታት ሕጊ ሙሴ ብምግባር ስምረት ኣምላኽ ኪረኽቡ ኸም ዘይክእሉ እዩ ዚገልጸሎም ነይሩ። ያእቆብ ግና ንዅሎም ክርስትያናት፡ እምነቶም ብሰናይ ግብሪ ኼርእዩ እዩ ዜጕልሕ ነይሩ።

እምነትካ የሆዋ ዚሰምሮ ግብርታት ክትገብር ትድርኸካዶ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. እምነትና ብግብሪ ኸነርእየሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

15 ንሕና ምእንቲ ኽንጸድቕ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብርሃም ዝገበሮ ኽንገብር ኣይኰነን የሆዋ ዚጽበየና። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ እምነትና ብግብሪ እነርእየሉ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ናብ ጉባኤ ንዝመጹ ሓደስቲ ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበል፡ ብሓቂ ንእተሸገሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንሕግዝ፡ ንኣባላት ስድራ ቤትና እውን ሰናይ ክንገብር ንኽእል ኢና፣ ነዚ ዅሉ ኣምላኽ ይሰምሮ እዩ፡ ይባርኾ እውን እዩ። (ሮሜ 15:7፣ 1 ጢሞ. 5:4, 8፣ 1 ዮሃ. 3:18) እምነትና ብሰናይ ግብሪ እነርእየሉ ሓደ ፍልይ ዝበለ መገዲ ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ብምስባኽ እዩ። (1 ጢሞ. 4:16) ኵላትና ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታትን ኣብ መገድታቱን ከም እንኣምን ብግብሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና ኸኣ፡ የሆዋ ነዚ ነገር እዚ ጽድቂ ገይሩ ኸም ዚቘጽረልናን ኣዕሩኹ ኸም ዚገብረናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

እምነት ንምጥራይ፡ ተስፋ ተድሊ

16. ናይ ኣብርሃም ተስፋ ምስ እምነቱ ብኸመይ ተኣሳሲራ፧

16 ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 4 ኻብ ኣብርሃም እንረኽቦ ኻልእ ኣገዳሲ ትምህርቲ ጐሊሑ ኣሎ። እዚ ድማ ኣገዳስነት ተስፋ እዩ። የሆዋ፡ “ብዙሓት ኣህዛብ” ብኣብርሃም ኣቢሎም ከም ዚባረኹ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። ኣብርሃም ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ኸም ዝነበሮ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! (ዘፍ. 12:3፣ 15:5፣ 17:4፣ ሮሜ 4:17) ይኹን እምበር፡ ኣብርሃም ወዲ 100 ዓመት፡ ሳራ ድማ ጓል 90 ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እኳ፡ እቲ እተተስፈወ ወዲ ገና ኣይተወልደን ነይሩ። ብኣረኣእያ ሰብ፡ ኣብርሃምን ሳራን ውሉድ ኪወልዱ ዘይክእሉ እዩ ዚመስል ነይሩ። እዚ ንኣብርሃም ብሓቂ ዚፍትኖ ዅነታት እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ምእንቲ ኪኸውን፡ ተስፋ ኣብ ዘይብሉስ፡ ብተስፋ ኣሚኑ።” (ሮሜ 4:18, 19) ከምቲ ተስፋ ዝገበሮ እውን ተፈጺሙሉ። እወ፡ ኣቦ ይስሃቅ ኰይኑ፣ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ብተስፋ እተጸበዮ ወዱ ረኺቡ።—ሮሜ 4:20-22

17. ከም ኣዕሩኽ ኣምላኽ ጽድቂ ኪቝጸረልና ኸም ዚኽእል ብኸመይ ንፈልጥ፧

17 ንሕና እውን ከም ኣብርሃም ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና፡ ከም ኣዕሩኽ ኣምላኽ እውን ጽድቂ ኪቝጸረልና ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ብምጽሓፍ ነዚ ነጥቢ እዚ ጠቒስዎ እዩ፦ “እታ ‘ተቘጽረሉ’ እትብል ግና፡ ምእንታኡ [ምእንቲ ኣብርሃም] ጥራይ ኣይኰነትን ተጻሒፋ፣ የግዳስ፡ ምእንታና፡ ምእንቲ እቶም ዚቝጸረልና እውን እያ፣ ምኽንያቱ፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ንኣምን ኢና።” (ሮሜ 4:23, 24) ስለዚ፡ ከም ኣብርሃም እምነትን ግብርን ተስፋን ኪህልወና ኣለዎ። ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 5 ብዛዕባ ተስፋ ገሊጹ ኣሎ። ነዚ ድማ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።

መዝሙር 28 ፈታው የሆዋ ምዃን

a ስምረት ኣምላኽ ንደሊ ኢና፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ እውን ክንጸድቕ ንደሊ ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ በቲ ጳውሎስን ያእቆብን ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ኣቢላ እምነትና ዀነ ግብርና፡ ስምረት የሆዋ ኣብ ምርካብ እንታይ እጃም ከም ዘለዎ ትገልጽ።

b መግለጺ ስእሊ፦ ጳውሎስ ንኣይሁድ ክርስትያናት፡ ኣብ “ግብሪ ሕጊ” ዘይኰነስ፡ ኣብ እምነት ኬተኵሩ ተማሕጸኖም፣ ገለ ኻብቲ “ግብሪ ሕጊ” ዚጠልቦ ዝነበረ ነገራት፡ ኣብ ዘፈር ክዳን ሰማያዊ ፈትሊ ምግባር፡ ፋስጋ ምብዓል፡ ከምኡ እውን ስርዓት ምሕጻብ ሰብነት ኪጥቀስ ይከኣል።

c መግለጺ ስእሊ፦ ያእቆብ ንድኻታት ብምሕጋዝን ብኻልእ ሰናይ ግብርታትን እምነትና ኸነርኢ ኣተባብዐ።