ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 51

ዘይተሕፍር ተስፋ ትሃሉኻ

ዘይተሕፍር ተስፋ ትሃሉኻ

“እታ ተስፋ እቲኣ ኣይተሕፍርን እያ።”—ሮሜ 5:5

መዝሙር 142 ንተስፋና ኣጽኒዕና ንሓዛ

መላለዪ a

1. እቲ ኣብርሃም ዝነበሮ ተስፋ ኣብ ድልዱል መሰረት እተሰረተ እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

 የሆዋ ንፈታዊኡ ኣብርሃም፡ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርኡ ኸም ዚባረኹ ኣተስፈዎ። (ዘፍ. 15:5፣ 22:18) ኣብርሃም ከኣ ኣብ ኣምላኽ ሓያል እምነት ስለ ዝነበረቶ፡ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸም ዚፍጸም ኣመነ። ይኹን እምበር፡ ኣብርሃም ወዲ 100 ዓመት ኰይኑ እኳ እንተ ነበረ፡ ሳራ ድማ ጓል 90 ዀይና እኳ እንተ ነበረት፡ እዞም እሙናት ሰብኣይን ሰበይትን ገና ውሉድ ኣይወለዱን ነይሮም። (ዘፍ. 21:1-7) ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ኣብርሃም] ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ምእንቲ ኪኸውን፡ . . . ብተስፋ ኣሚኑ” ይብል። (ሮሜ 4:18) ኣብርሃም ከምቲ ተስፋኡ ኸም ዝረኸበ ንፈልጥ ኢና። ኣቦ እቲ ንነዊሕ ግዜ ብተስፋ እተጸበዮ ውሉድ ኰይኑ እዩ፣ ንዕኡ ድማ ይስሃቅ ኢሉ ሰመዮ። እሞ ደኣ ነቲ ኣብርሃም ዝነበሮ እምንቶ መሰረት ዝዀኖ እንታይ እዩ፧

2. ኣብርሃም፡ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸም ዚፍጸም ዝኣመነ ስለምንታይ እዩ፧

2 ኣብርሃም ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ ስለ ዝነበሮ፡ “ነቲ ንሱ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጽሞ ኸም ዚኽእል . . . ኣጸቢቑ ኣሚኑ” ነበረ። (ሮሜ 4:21) ስለዚ፡ የሆዋ ንኣብርሃም ሞገሱ ሃቦ፣ ሳላ እምነቱ እውን ኣጽደቖ። (ያእ. 2:23) ኣብ ሮሜ 4:18 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እምነትን ተስፋን ኣብርሃም ንሓድሕደን ይተኣሳሰራ እየን። ሕጂ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 5 ብዛዕባ ተስፋ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ።

3. ጳውሎስ ብዛዕባ ተስፋ እንታይ እዩ ገሊጹ፧

3 ጳውሎስ ብዛዕባ ተስፋና ኺዛረብ ከሎ፡ ርግጸኛ ዀይኑ፡ “እታ ተስፋ እቲኣ ኣይተሕፍርን እያ” ዝበለሉ ምኽንያት ገሊጹ ኣሎ። (ሮሜ 5:5) ክርስትያናዊት ተስፋ ብኸመይ ከም እትዓቢ እውን መረዳእታ ሂቡና ኣሎ። ነቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 5:1-5 ዘርዚርዎ ዘሎ መስርሕ ክንምርምር ከለና፡ ብዛዕባ ናይ ውልቅኻ ተመክሮ እውን ሕሰብ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ክርስትያናዊት ተስፋኻ ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ብዝያዳ ርግጽ ከም ዝዀነት ከተስተውዕል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ንተስፋኻ ኻብዚ ሕጂ ዘላቶ ብኸመይ ብዝያዳ ኸተሐይላ ኸም እትኽእል፡ ኣብዚ ምይይጥ እዚ ኺግለጽ እዩ። ፈለማ ግና ነታ ጳውሎስ ዘይተሕፍር ዝበላ እተደንቕ ተስፋ እስከ ንርኣያ።

እታ እተደንቕ ተስፋና

4. ኣብ ሮሜ 5:1, 2 ብዛዕባ እንታይ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

4 ሮሜ 5:1, 2 ኣንብብ። ጳውሎስ ነዚ ቓላት እዚ፡ ኣብ ሮሜ ናብ ዝነበረት ጉባኤ እዩ ጽሒፍዎ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዛዕባ የሆዋን የሱስን ተማሂሮምን ኣሚኖምን ክርስትያናት ኰይኖምን ዝነበሩ እዮም። ስለዚ፡ ኣምላኽ ‘ሳላ እምነት ኣጽዲቕዎምን’ ብመንፈስ ቅዱስ ቀቢእዎምን ነይሩ እዩ። እወ፡ ርግጽን እተደንቕን ተስፋ ረኺቦም ነይሮም እዮም።

5. ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ እዮም ተስፋ ዚገብሩ፧

5 ጳውሎስ ጸኒሑ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ እተጸውዑሉ ተስፋ ጽሒፉሎም ኣሎ። እታ ተስፋ እቲኣ፡ ‘ነቶም ቅዱሳት ንእተዋህበ ርስቲ’ እውን ተጠቓልል እያ። (ኤፌ. 1:18) ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ፡ ተስፋኦም ኣበይ ከም ዚረኽቡ ሓቢርዎም እዩ። ነታ ተስፋ እቲኣ፡ “እታ ኣብ ሰማያት ተነቢራትልኩም ዘላ ተስፋ” ኢሉ እዩ ጸዊዕዋ። (ቈሎ. 1:4, 5) እምበኣር፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺቦም ናብ ሰማይ ኪትንስኡ እሞ ምስ ክርስቶስ ኪነግሱ እዮም ተስፋ ዚገብሩ።—1 ተሰ. 4:13-17፣ ራእ. 20:6

ሓውና ፍረደሪክ ፍራንዝ ነቲ ቕቡኣት ክርስትያናት ዘለዎም ተስፋ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. ሓደ ቕቡእ ሓው ብዛዕባ ተስፋ እንታይ እዩ ዝበለ፧

6 ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ተስፋኦም ክብ ኣቢሎም እዮም ዚርእዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻባታቶም ዝዀነ ሓውና ፍረደሪክ ፍራንዝ ካብ ልቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፦ “ተስፋና ርግጽ እያ፣ ንነፍሲ ወከፍ ኣባላት እቶም 144,000 ዝዀኑ ሒደት መጓሰ እውን ካብቲ ዝሓሰብናዮ ንላዕሊ ዀይና ምሉእ ብምሉእ ክትፍጸመልና እያ።” ብዘይካዚ፡ ሓውና ፍራንዝ ንሓያሎ ዓመታት ንኣምላኽ ብተኣማንነት ድሕሪ ምግልጋል፡ ብ1991 ከምዚ በለ፦ “ሕጂ እውን ነቲ ተስፋና ዘለዋ ዋጋ ኣየጥፋእናዮን። . . . ብእተጸበናያ መጠን ከኣ ሞሳና ይዓዝዝ ኣሎ። ነዊሕ እኳ እንተ ተጸበናያ፡ ዋላ እውን ሚልዮን ዓመት እንተ ተጸበናያ፡ እተጣዕስ ኣይኰነትን። ንተስፋና ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኽብ ኣቢለ እየ ዝርእያ።”

7-8. መብዛሕትኦም ክርስትያናት እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧ (ሮሜ 8:20, 21)

7 ሎሚ ንየሆዋ ዜምልኽዎ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ካልእ ተስፋ እዩ ዘለዎም። ከም ኣብርሃም፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም ተስፋ ዚገብሩ። (እብ. 11:8-10, 13) ጳውሎስ፡ እቶም ነዚ ተስፋ እዚ ዚጽበዩ ዘለዉ፡ እንታይ ክቡር ነገር ከም ዚረኽቡ ጽሒፉ ኣሎ። (ሮሜ 8:20, 21 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋታት ንፈለማ ግዜ ኣብ እተምሃርካሉ እዋን ልዕሊ ዅሉ እንታይ እዩ ስሒቡካ፧ ሓደ መዓልቲ ኻብ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ሓራ ዄንካ ፍጹም ምዃን ድዩ፡ ወይስ ምስቶም እትፈትዎም ሰብካ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር፧ እዚ መሸም ንመጻኢ “ብተስፋ” ኸም እትጥምት ገይሩካ ኪኸውን ኣለዎ።

8 ተስፋና ኣብ ሰማይ ንዘለኣለም ምንባር ይኹን ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ንሓጐስ ምኽንያት እትዀነና ኽብርቲ ተስፋ ኣላትና። እታ እተሐጕስ ተስፋና ኸኣ ክትዓቢ ትኽእል እያ። እቲ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝጸሓፎ ነገር፡ እዚ ብኸመይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይገልጸልና። እምበኣር፡ ብዛዕባ ተስፋ እንታይ ከም ዝጸሓፈ እስከ ንመርምር። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ተስፋና ብቐጻሊ ኸም እትዓብን ከቶ ኸም ዘይተሕፍረናን ብዝያዳ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ተስፋ ብኸመይ ትዓቢ፧

ንዅሎም ክርስትያናት፡ ጸበባ ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 9-10 ርአ)

9-10. ከምቲ ንጳውሎስ ዘጋጠሞ፡ እንታይ እዩ ንክርስትያናት ኬጋጥሞም ዚኽእል፧ (ሮሜ 5:3) (ስእልታት እውን ርአ።)

9 ሮሜ 5:3 ኣንብብ። ኣብዚ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ ጸበባ ንተስፋና ኣብ ምሕያል እጃም ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ነስተብህል። እዚ ይገርመና ይኸውን። ከም ሓቂ ግና፡ ኵሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ጸበባ ኺጽበዩ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ንጳውሎስ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ንሰብ ተሰሎንቄ፡ “ምሳኻትኩም ከለና፡ ጸበባ ኸም ዚመጸና ኣቐዲምና ንነግረኩም ኔርና፣ ከምቲ እትፈልጥዎ ኸኣ፡ ከምኡ ዀይኑ” ኢልዎም እዩ። (1 ተሰ. 3:4) ንሰብ ቈረንቶስ ከኣ፡ “ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ . . . ዘጋጠመና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ . . . ከም ዝኸበደና፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይንደልን ኢና” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ።—2 ቈረ. 1:8፣ 11:23-27

10 ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት እውን ጸበባ ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:12) ንስኻኸ ብየሱስ ምስ ኣመንካን ንዕኡ ኽትስዕቦ ምስ ጀመርካን ጸበባ ኣጓኒፉካዶ፧ ምናልባት ፈተውትኻን ቤተ ሰብካን ኣላጊጾምልካ ይዀኑ። ካብኡ ሓሊፎም እውን ተጻቢኦምኻ ይዀኑ። ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽትነብር ዝገበርካዮ ቘራጽነትከ ኣብ ስራሕ ጸገማት ፈጢሩልካዶ፧ (እብ. 13:18) ተስፋኻ ንኻልኦት ብምክፋልካኸ ኻብ መንግስቲ ተቓውሞ ኣጋጢሙካዶ፧ ዜጋጥመና ዓይነት ጸበባ እዚ ይኹን እቲ፡ ጳውሎስ ክንሕጐስ ከም ዘሎና እዩ ነጊሩና። ስለምንታይ፧

11. ፈተና ንምጽዋር ቈራጽነት ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 ጸበባ ኸነሕልፍ ከለና፡ ነቲ ጸበባ ዜፍርዮ ኣብ ግምት ብምእታው ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። ኣብ ሮሜ 5:3 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ “ጸበባስ ተጻዋርነት ከም ዜምጽእ ንፈልጥ ኢና።” ኵሎም ክርስትያናት ጸበባ የሕልፉ እዮም፣ ስለዚ፡ ኵሎም ክርስትያናት ተጻዋርነት ኬማዕብሉ ኣለዎም። ዝመጸ ፈተና እኳ እንተ መጸ፡ ንምጽዋሩ ቘራጽነት ኪህልወና ኣለዎ። እንተ ተጻዊርና ጥራይ ኢና ተስፋና ኺፍጸም ከሎ እንርኢ። ከምቶም የሱስ ኣብ ከውሒ ብዛዕባ ዝወደቐ ዘርኢ ኺዛረብ ከሎ ዝሓሰቦም ሰባት ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ንሳቶም ኣብ መጀመርታ ነቲ ቓል ብሓጐስ እኳ እንተ ተቐበልዎ፡ “ጸበባ ወይ መስጐጕቲ ምስ ተላዕለ” ግና ተዓንቀፉ። (ማቴ. 13:5, 6, 20, 21) ልክዕ እዩ፡ ተቓውሞ ወይ ፈተና ቐሊል ወይ ባህ ዜብል ነገር ኣይኰነን፣ ንዕኡ እንተ ተጻዊርናዮ ግና ብርግጽ ጥቕሚ ንረክብ ኢና። ብኸመይ፧

12. ፈተናታት ክንጻወር ከለና ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

12 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ ፈተናታት ብተጻዋርነት ምሕላፍ ዘለዎ ጥቕሚ ኣጕሊሑ ኣሎ። “ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉእ ብምሉእ ጥዑያትን ምእንቲ ኽትኰኑ ግና፡ ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ያእ. 1:2-4) ያእቆብ ንተጻዋርነት፡ ዕዮ ኸም ዘለዋ ገይሩ እዩ ገሊጽዋ። እሞ ደኣ ተጻዋርነት እንታይ ዕዮ እያ እትፍጽም፧ ከም ትዕግስትን እምነትን ትውክልቲ ኣብ ኣምላኽን ዝኣመሰለ ባህርያት ብዝያዳ ኸተማዕብል ትሕግዘካ እያ። ይኹን እምበር፡ ካብ ተጻዋርነት ካልእ ኣገዳሲ ጥቕሚ እውን ንረክብ ኢና።

13-14. ተጻዋርነት እንታይ እያ እተፍሪ፧ እዚኸ ምስ ተስፋና ብኸመይ ይዛመድ፧ (ሮሜ 5:4)

13 ሮሜ 5:4 ኣንብብ። ጳውሎስ፡ ተጻዋርነት “እተፈተነ ብቕዓት” ከም እተፍሪ ጠቒሱ ኣሎ። ተጻዋርነትካ ስምረት የሆዋ እዩ ዜምጽኣልካ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ የሆዋ ፈተናታት ወይ ጸገማት ከተሕልፍ ከለኻ ባህ ይብሎ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣምላኽ ንዓኻ እዩ ስምረቱ ዚህበካ። ተጻዋርነትካ እተፈተነ ብቕዓት እዩ ዜፍሪ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ብቕዓት ኰን እዩ።—መዝ. 5:12

14 ኣብርሃም ፈተናታት ከም እተጻወረን ስምረት ኣምላኽ ከም ዝረኸበን መሸም ኣይንርስዖን ኢና። የሆዋ ንኣብርሃም ዓርኩ ገይሩ እዩ ርእይዎ፡ ጻድቕ ገይሩ እውን ቈጺርዎ። (ዘፍ. 15:6፣ ሮሜ 4:13, 22) ንሕና እውን ከምኡ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝዓየናዮ መጠን ወይ ኣብቲ ዝረኸብናዮ ፍሉይ መሰል ተመርኲሱ ኣይኰነን ስምረቱ ዚህበና። የግዳስ፡ ብተኣማንነት ስለ እተጻወርና እዩ ስምረቱ ዚህበና። ብዘይካዚ ድማ፡ ዕድመና፡ ኵነታትና፡ ወይ ክእለትና ብዘየገድስ፡ ኵላትና ኽንጻወር ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ኣብዚ እዋን እዚ ብተኣማንነት ፈተና ትጻወርዶ ኣለኻ፧ ትጻወር እንተ ኣሊኻ፡ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘሎካ ብምፍላጥካ ተጸናናዕ። ስምረት ኣምላኽ ከም ዝረኸብና ምፍላጥና፡ ሓያል ጽልዋ ኺገብረልና ይኽእል እዩ። ንተስፋና ኼሐይላ ይኽእል እዩ።

ዝሓየለት ተስፋ

15. ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ እንታይ እዩ ዝበለ፧ እዚ ንገሊኦም ኬደናግሮም ዚኽእልከ ስለምንታይ እዩ፧

15 ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ፈተናታት ብተኣማንነት ብምጽዋር፡ ስምረት የሆዋ ንረክብ ኢና። ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እተፈተነ ብቕዓት እውን ተስፋ [የምጽእ]፣ . . . እታ ተስፋ እቲኣ ኣይተሕፍርን እያ” በለ። (ሮሜ 5:4, 5) እዚ ንገሊኦም ኬደናግሮም ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ኣብ ሮሜ 5:2 ተስፋ፡ ማለት “ተስፋ ኽብሪ ኣምላኽ” ከም ዘለዎም ጠቒሱ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ‘እቶም ክርስትያናት እቲኦም ድሮ ተስፋ ኻብ ነበሮም፡ ጳውሎስ ጸኒሑ ንተስፋ ዝጠቐሳ ስለምንታይ እዩ፧’ ዚብል ሕቶ ኺልዓል ይከኣል እዩ።

እታ ኣብ ፈለማ ዝሰሓበትካ ተስፋ፡ ዝዓመቘትን ዝደልደለትን ክርስትያናዊት ተስፋ ዀይና ኣላ (ሕጡብ ጽሑፍ 16-17 ርአ)

16. ተስፋ ኣብ ውሽጢ ሰብ እናዓበየት እትኸይድ ብኸመይ እያ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

16 ተስፋ እትዓቢ ነገር ከም ዝዀነት ኣብ ግምት እንተ ኣእቲና፡ ጳውሎስ እንታይ ማለቱ ኸም ዝዀነ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ነዚ ብኣብነት ንምብራህ፦ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዜደንቕ ተስፋ ንፈለማ ግዜ ዝሰማዕካሉ እዋንሲ ትዝክሮዶ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንዘለኣለም ምንባር ዚብልዎ ሓሳብ፡ ትምኒት ጥራይ ከም ዝዀነ ጌርካ ሓሲብካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ንየሆዋን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ተስፋታትን ብዝያዳ እናፈለጥካዮ ምስ ከድካ ግና፡ እዚ ተስፋ እዚ ኸም ዚፍጸም ብዝያዳ ርግጸኛ ዄንካ።

17. ርእስኻ ወፊኻ ምስ ተጠመቕካ እውን እንተ ዀነ፡ ተስፋኻ ብኸመይ እያ እትዓቢ፧

17 ርእስኻ ወፊኻ ምስ ተጠመቕካ እኳ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ብዝያዳ እናተምሃርካን እናበሰልካን ምስ ከድካ፡ ተስፋኻ እናዓበየት እያ እትኸይድ። (እብ. 5:13–6:1) እቲ ኣብ ሮሜ 5:2-4 ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ህይወትካ ርኢኻዮ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። በበይኑ ዓይነት ጸበባ እኳ እንተ ኣጋጠመካ፡ ንዅሉ ኽትጻወሮ ኽኢልካ፡ ስምረት ኣምላኽ እውን ረኺብካ። ሞገስ ኣምላኽ ብምርካብካ ኸኣ፡ ሕጂ ነቲ ንሱ ዘተስፈዎ ንምጽባይ ዝዓበየ ምኽንያት ኣሎካ። ተስፋኻ ኻብቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረቶ ዝሓየለት ኰይና ኣላ። ብዝያዳ ህያውን ብብሕቲ እትምልከተካን ኰይናትልካ ኣላ። ብዝያዳ እውን ጽልዋ ተሕድረልካ እያ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንስድራ ቤትካ ብኸመይ ከም እትሕዝ፡ ውሳነታት ብኸመይ ከም እትገብር፡ ንግዜኻ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ፡ ኰታስ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትካ ጽልዋ ትገብረልካ እያ።

18. የሆዋ እንታይ ውሕስነት እዩ ሂቡና ዘሎ፧

18 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እታ ስምረት ኣምላኽ ድሕሪ ምርካብካ ዘላትካ ተስፋ፡ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ጠቒሱ ኣሎ። ተስፋኻ ኸም እትፍጸም መረጋገጺ ሂቡካ ኣሎ። ስለምንታይ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ንክርስትያናት እዚ ዚስዕብ ውሕስነት ጽሒፉሎም ኣሎ፦ “ፍቕሪ ኣምላኽ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ ኸኣ፡ እታ ተስፋ እቲኣ ኣይተሕፍርን እያ።” (ሮሜ 5:5) እምበኣር፡ ብዛዕባ እታ የሆዋ ዝሃበካ ተስፋ ርግጸኛ ንምዃን እኹል ምኽንያት ኣሎካ።

19. ምስ ተስፋኻ ብእተተሓሓዘ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧

19 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ተስፋ፡ ከምኡ ድማ ብኸመይ ስምረቱ ኸም ዝሃቦን ዓርኩ ገይሩ ኸም ዝረኣዮን ኣስተንትን። እቲ ኣብርሃም ተስፋ ዝገበረሉ ነገር ከንቱ ኣይነበረን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብርሃም ድማ ተዓጊሱ፡ ነዛ ተስፋ እዚኣ ረኺብዋ እዩ” ይብለና። (እብ. 6:15፣ 11:9, 18፣ ሮሜ 4:20-22) ብርግጽ እምበኣር፡ ብተስፋኡ ኣይሓፈረን። ንስኻ እውን እሙን እንተ ዄንካ፡ ዓስቢ ተስፋኻ ኸም እትረክብ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ተስፋኻ ናይ ሓቂ እያ፣ ብእኣ እውን ኣይክትሓፍርን ኢኻ፣ የግዳስ፡ ክትሕጐስ ኢኻ! (ሮሜ 12:12) ስለዚ ጳውሎስ፡ “ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተስፋኹም ምእንቲ ኽትዓዝዝሲ፡ እቲ ተስፋ ዚህብ ኣምላኽ በቲ ኣብኡ ዘሎኩም እምነት ኣቢሉ ብዅሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኩም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—ሮሜ 15:13

መዝሙር 139 ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክርስትያናዊት ተስፋ እንታይ ከም እተጠቓልል፡ ከም እትፍጸም እውን ስለምንታይ ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና። ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 5፡ እታ ሕጂ ዘላትና ተስፋ፡ ካብታ ሓቂ ኣብ ፈለማ ኽንፈልጥ ከለና ዝነበረትና ተስፋ ብኸመይ ከም እትፍለ ኽንርኢ ኢና።