ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ትምህርቲ ኣየቋረጽኩን

ትምህርቲ ኣየቋረጽኩን

የሆዋ ‘ዓብዪ መምህረይ’ ብምዃኑ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። (ኢሳ. 30:20) ንሱ ንኣምለኽቱ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስን ብመስተንክር ፍጥረታቱን ብውድቡን ኣቢሉ ይምህሮም እዩ። በቶም ከማና ሰባት ዝዀኑ መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣቢሉ እውን ይሕግዘና እዩ። ሕጂ ዳርጋ ወዲ ሚእቲ ዓመት እኳ እንተ ዀንኩ፡ ብዅሉ እዚ መገድታት እዚ ኽሳዕ ሎሚ ኻብ ትምህርቲ የሆዋ እጥቀም ኣለኹ። ብኸመይ ከምኡ ኸም ዝዀነ ኽገልጸልኩም።

ብ1948 ምስ ስድራ ቤተይ

ብ1927 ኣብ ጥቓ ሺካጎ፡ ኢልዮንስ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ እየ ተወሊደ። ኣቦይን ኣደይን ሓሙሽተ ውሉዳት እዮም ወሊዶም፡—ጀታ፡ ዶን፡ ኣነ፡ ካርል፡ ጆይ ማለት እዩ። ኵላትና ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና ኸነገልግሎ ቘሪጽና ነበርና። ጀታ ብ1943 ናብ ካልኣይ ክፍሊ ጊልዓድ ኣተወት። ዶንን ካርልን ጆይን ከኣ ብ1944ን ብ1947ን ብ1951ን በብተራ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቤት-ኤል ኣተዉ። እቲ ንሳቶምን ወለደይን ዝሓደግዎ ኣብነት ዓብዪ ጦብላሕታ እዩ ሓዲጉለይ።

ስድራ ቤትና ሓቂ ፈለጠት

ኣቦይን ኣደይን ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባሮም ንኣምላኽ የፍቅርዎ ነይሮም እዮም፣ እቲ ፍቕሪ እቲ ድማ ንደቆም ተኺሎምልና እዮም። ኣቦይ ግና ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ወተሃደር ኰይኑ ኣብ ኤውሮጳ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ዝነበሮ እምነት ኣጥፍአ። ኣደይ ከኣ ብህይወት ብምምጻኡ ኣመና ስለ እተሓጐሰት፡ “ካርል፡ ከም ልማድና ናብ ቤተ ክርስትያን ንኺድ” በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ክሳዕ ኣብኡ ኸካይደኪ እየ፣ ናብኡ ግና ኣይኣቱን እየ” በላ። ንሳ ድማ፡ “ስለምንታይ፧” ኢላ ሓተተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣብቲ ውግእ፡ ካብ ሓደ ሃይማኖት ዝዀኑ ኻህናት ንተጻባእቲ ወተሃደራትን ንኣጽዋራቶምን ባሪኾም እዮም! እሞ ደኣ ኣምላኽ ኣብ ክልቲኡ ወገን ነይሩ ማለት ድዩ፧” ኢሉ መለሰላ።

ድሕርዚ፡ ኣደይ ኣብ ቤተ ክርስትያን ከላ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤትና መጹ። ንኣቦይ ከኣ ብዛዕባ መጽሓፍ ራእይ ዚገልጻ ላይት ዚብል ኣርእስቲ ዘለወን ክልተ መጻሕፍቲ ኣርኣይዎ። ኣቦይ ተገዳስነት ብምሕዳሩ፡ ነተን መጻሕፍቲ ተቐበሎም። ኣደይ ነተን መጻሕፍቲ ምስ ረኣየትን፡ ከተንብበን ጀመረት። ድሕርዚ ሓደ መዓልቲ፡ ግዱሳት ዘበሉ በተን ላይት ዚብሃላ መጻሕፍቲ ኣብ ዚግበር መጽናዕቲ ኺሳተፉ ዚዕድም ምልክታ ኣብ ጋዜጣ ረኸበት። ስለዚ፡ ናብኡ ኽትከይድ ወሰነት። ኣብኡ ምስ በጽሐት፡ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ማዕጾ ኸፈተትላ። ኣደይ ከኣ ንሓንቲ ኻብተን መጻሕፍቲ እናኣርኣየታ፡ “ኣብዚ ነዚኣ ዲኹም እተጽንዑ ዘለኹም፧” ኢላ ሓተተታ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ “እወ መዓረይ። እተዊ” በለታ። ኣብታ እትቕጽል ሰሙን፡ ኣደይ ንደቃ ምስኣ ወሰደትና፣ ድሕሪኡ እውን ኣየቋረጽናን።

ኣብ ሓደ ኣኼባ፡ እቲ ዚመርሕ ሓው ንዓይ፡ መዝሙር 144:15 ኸንብብ ሓተተኒ፣ እታ ጥቕሲ፡ የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ ምዃኑ እያ እትገልጽ። እታ ጥቕሲ እቲኣ ኣዝያ እያ መሲጣትኒ፣ ብዘይካኣ ድማ፡ ክልተ ኻልእ ጥቕስታት ይምስጣኒ ነይረን እየን። ንሳተን ድማ 1 ጢሞቴዎስ 1:11፡ የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ምዃኑ እትገልጽ፡ ከምኡ ድማ ኤፌሶን 5:1፡ “ንኣምላኽ ምሰልዎ” ኢላ እትምሕጸን እየን ነይረን። ስለዚ፡ በቲ ንፈጣርየይ ንምግልጋል ዝገብሮ ባህ ኪብለኒ፡ ከምኡ ብምግባረይ እውን ከም ክብሪ ክቘጽሮ ኸም ዚግባእ ደምዲመ። ኣብ ምሉእ ህይወተይ፡ በዚ ሓቅታት እዚ ኽመላለስ እየ ጽዒረ።

እታ ዝቐረበት ጉባኤ፡ 32 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ሺካጎ እያ እትርከብ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣኼባታት ንእከብ ኔርና ኢና፣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ ፍልጠት እውን እናዓበየ እዩ ኸይዱ። ትዝ ይብለኒ ሓደ ግዜ፡ እቲ ዚመርሕ ሓው ንጀታ፡ ሓሳብ ክትህብ ኣጋጣሚ ሃባ። ንዓኣ ኽሰምዓ ኸለኹ ኸኣ፡ ‘ነዚ እፈልጦ እየ። ሓሳብ ንምሃብ ኢደይ ሓፍ ከብል ምኸኣልኩ’ ኢለ ኽሓስብ ይዝከረኒ። ስለዚ፡ ክዳሎን ሓሳብ ክህብን ጀመርኩ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን መንፈሳዊ ዕቤት ገበርኩ። ብ1941 ድማ ተጠመቕኩ።

ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ካብ የሆዋ ዝረኸብክዎ ትምህርቲ

ምናዳ ነቲ ብ1942 ኣብ ክሊቭላንድ፡ ኦሃዮ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኣይርስዖን እየ። እቲ ኣኼባ ብተሌፎን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ዚርከብ ልዕሊ 50 ቦታታት ተመሓላሊፉ እዩ። ንሕና እውን ብስድራ ቤትና ኣብ ጥቓ እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ መአከቢ ምስ ካልኦት ስድራ ቤታት ኣብ ድንኳናት ንሓድር ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዓሚሩ እዩ ነይሩ፣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜጋጥሞም ተቓውሞ እውን ይውስኽ እዩ ነይሩ። ምሸት፡ ገሊኦም ኣሕዋት ንማካይኖም ናብ መንጽር እቲ እንሓድረሉ ድንኳናት ገጸን ገይሮም ደው ኬብልወን ረኣኹ። ኵላቶም ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማኪና፡ ሓሓደ ሰብ ኮፍ ኢሉ ምሉእ ለይቲ ኺሕሉ ተሰማምዑ። ገለ ሽግር እንተ ተፈጢሩ፡ መብራህቲ ማካይኖም ብምውላዕ ነቶም ኬጥቅዑና ዚመጹ ኺደጕሕዎም፡ ድምጺ ጥሩምባ ማካይኖም እውን ኪነፍሑ ወሰኑ። ድሕሪኡ፡ ካልኦት ጐይዮም ከይዶም ኪሕግዝዎም ሓሰቡ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ‘ህዝቢ የሆዋ ንዅሉ ነገር ድሉዋት እዮም!’ ኢለ ኽሓስብ ትዝ ይብለኒ። በዚ ስለ ዝቐሰንኩ ኸኣ፡ ጥዑም ድቃስ ደቀስኩ፣ ዋላ ሓንቲ ሽግር እውን ኣይተፈጥረን።

ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ኸስተንትን ከለኹ፡ ኣደይ ዋላ ሓንቲ ምልክት ጭንቀት ወይ ፍርሂ ኸም ዘይነበራ ዘከርኩ። ኣብ የሆዋን ኣብ ውድቡን ምሉእ እምንቶ እዩ ነይርዋ። ነቲ ሰናይ ኣብነታ፡ ከቶ ኣይርስዖን እየ።

ቀቅድሚ እቲ ኣኼባ፡ ኣደይ ስርዕቲ ፈላሚት ኰነት። ስለዚ፡ ነቲ ብዛዕባ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝቐረበ መደረታት ፍሉይ ኣትኵሮ ገበረትሉ። ናብ ቤትና ኽንምለስ ከለና፡ “ፈላሚት ኰይነ ክቕጽል እደሊ እየ፣ ነዚ እናገበርኩ ግና ቤተይ ጽቡቕ ገይረ ኽኣሊ ኣይክእልን እየ” በለት። ክንሕግዝ ንኽእል እንተ ዄንና ድማ ሓተተትና። ንሕና እውን ፍቓደኛታት ኰንና። ስለዚ፡ ንነፍሲ ወከፍና ቕድሚ ቝርሲ እነጽርዮ ሓደ ወይ ክልተ ኽፍሊ መደበትልና። ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ከድና፡ ቤትና ኸም እተወገነ ርእያ ተረጋግጽ እሞ ናብ ኣገልግሎታ ትኸይድ ነበረት። ብዙሕ ዕዮ እኳ እንተ ነበራ፡ ንደቃ ግና ዕሽሽ ኢላ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ። ድሕሪ ትምህርቲ ኽንምሳሕ ናብ ቤትና ኽንምለስ ከለና፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤት እያ እትጸንሓና ነይራ። ሓድሓደ መዓልቲ ድሕሪ ትምህርቲ፡ ምስኣ ናብ ኣገልግሎት ንኸይድ ኔርና ኢና፣ በዚ ኸምዚ፡ ፈላምነት እንታይ ምዃኑ ኽንርዳእ ክኢልና ኢና።

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ

ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ፈላምነት ጀመርኩ። ኣቦይ ገና ናይ የሆዋ ምስክር እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ከመይ ከም ዘለኹ ኺፈልጥ ደለየ። ሓደ ምሸት ከኣ፡ ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓርኩ፡ ምሳይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ዚደሊ ሰብ ከም ዘይረኸብኩ ነገርክዎ። ሓንሳእ ስቕ ድሕሪ ምባል፡ “ምሳይ ከተጽንዕ ትደሊዶ፧” ኢለ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ ቍሩብ ድሕሪ ምሕሳብ፡ “ሕራይ ዘይብለሉ ምኽንያት የብለይን” ኢሉ መለሰለይ። እወ፡ ናይ መጀመርታ ተምሃራየይ፡ ኣቦይ እዩ ነይሩ። እዚ ፍሉይ ነገር እዩ ነይሩ!

“ዘ ትሩዝ ሻል ሜክ ዩ ፍሪ” ዘርእስታ መጽሓፍ ኢና ኣጽኒዕና። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ኣቦይ ንዓይ፡ ንፉዕ ተምሃራይን መምህርን ክኸውን ይሕግዘኒ ኸም ዘሎ ኣስተውዓልኩ። ንኣብነት፡ ሓደ ምሸት ሓንቲ ሕጡብ ጽሑፍ ምስ ኣንበብና፡ “እዛ መጽሓፍ እትብሎ ዘላ እርኢ ኣለኹ። ቅኑዕ ምዃኑ ግና ከመይ ጌርካ ትፈልጥ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ነዚ ኣይተዳሎኹን ነይረ፣ ስለዚ፡ “ሕጂ መርትዖ ከቕርበልካ ኣይክእልን እየ፣ ኣብ ዚቕጽል መጽናዕትና ግና መልሲ ኸምጽኣልካ እየ” በልክዎ። ከምኡ ድማ ገበርኩ። ነቲ እንመያየጠሉ ዝነበርና ነጥቢ ዚድግፍ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ረኸብኩ። ድሕሪኡ፡ ምርምር ብምግባር ንመጽናዕትና ብዝሓሸ ኽዳሎ ጀመርኩ። እዚ ንመንፈሳዊ ዕቤተይን ንመንፈሳዊ ዕቤት ኣቦይን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ኣቦይ ነቲ ዚምሃሮ ዝነበረ ኺትግብሮ ጀመረ፡ ብ1952 ድማ ተጠምቀ።

ሓድሽ ሸቶታት ብምውጻአይ ተወሳኺ ትምህርቲ ረኸብኩ

ወዲ 17 ምስ ኰንኩ፡ ካብ ገዛ ወጻእኩ። ጀታ a ሚስዮናዊት ኰነት፡ ዶን ከኣ ቤት-ኤላዊ ዀነ። ክልቲኦም ንኣገልግሎቶም ይፈትውዎ ስለ ዝነበሩ፡ እዚ ብዙሕ ኣተባቢዑኒ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ንምእታው ድሕሪ ምምልካት፡ ነቲ ነገር ኣብ ኢድ የሆዋ ሓደግክዎ። እሞኸ እንታይ ኰነ፧ ብ1946 ናብ ቤት-ኤል ተጸዋዕኩ።

ኣብ ቤት-ኤል ኣብ ዘሕለፍክዎ ሓያሎ ዓመታት በበይኑ ዕዮታት ተመዲቡለይ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ብዙሕ ሓድሽ ነገራት ክምሃር ክኢለ እየ። ኣብ ቤት-ኤል ኣብ ዝጸናሕኩሉ 75 ዓመት፡ መጻሕፍቲ ብኸመይ ከም ዚስራሕን ሕሳብ ብኸመይ ከም ዚስራሕን ተማሂረ እየ። ኣታውን ሰደድን ብኸመይ ከም ዚዕየ እውን ተማሂረ እየ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ካብቲ ኣብ ቤት-ኤል ብኣምልኾ ንግሆን መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረታትን ኣቢሉ ዚቐርብ ቀጻሊ መንፈሳዊ ምግቢ ተጠቒመ እየ።

ንሽማግለታት ጉባኤ እናመሃርኩ

ካብቲ ብ1947 ናብ ቤት-ኤል ዝኣተወ ካርል ዝስሙ ምንኣሰይ ሓወይ እውን ተማሂረ እየ። ንሱ ንፉዕ ተምሃራይን መምህርን መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ። ሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ መደረይ ሓሳብ ኪህበኒ ሓተትክዎ። ብዙሕ ነጥብታት ከም ዝኣከብኩ፡ ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ ግና ክውስን ከም ዘይከኣልኩ ነገርክዎ። ንሱ ድማ፡ “ጆኤል፡ ፍረ ነገር መደረኻ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ጥራይ ብምሕታት፡ ፍታሕ ሃበኒ። እንታይ ኪብል ከም ዝደለየ ብቕልጡፍ እየ ቖብ ኣቢለዮ፣ ምስቲ ትምህርተይ ዚተሓሓዝ ነጥብታት ክጥቀም፡ ዝተረፈ ግና ክሓድጎ ኸም ዝነበረኒ እየ ተረዲአ። ሽዑ ዝረኸብክዎ ትምህርቲ ፈጸመ ኣይረሳዕክዎን።

ኣብ ቤት-ኤል ሕጉስ ንምዃን፡ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ተሳትፎ ኺህልወና ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ዜተባብዕ ተመክሮታት ንረክብ ኢና። ሓደ ምሸት፡ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ብሮንክስ ዚብሃል ከባቢ ዘጋጠመኒ ነገር ኣጸቢቐ እዝክሮ እየ። ኣነን ሓደ ሓውን ንሓንቲ ኣቐዲማ ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ዝወሰደት ሰበይቲ ኽንበጽሓ ኸድና። ኣብ መእተዊና፡ “በዛ ምሸት እዚኣ፡ ንሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሃናጺ ነገር ኢና እንምህር ዘለና” በልናያ። ንሳ ኸኣ፡ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዀይኑ፡ እተዉ” በለትና። ሽዑ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ሓዳስ ዓለምን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና ተመያየጥና። ንሳ በዚ ስለ እተመሰጠት፡ ኣብ እትቕጽል ሰሙን ንገሊኦም ፈተውታ ዓደመቶም። ድሕሪ ግዜ፡ ንሳን ሰብኣያን እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዀኑ።

ካብ ሰበይተይ ዝረኸብክዎ ትምህርቲ

ምስ ሰበይተይ ቅድሚ ምርኻበይ፡ ን10 ዓመት ዚኣክል እየ እትዀነኒ ሰብ ዘናዲ ነይረ። እሞ ደኣ እትዀነኒ ሰበይቲ ንምርካብ ዝሓገዘኒ እንታይ እዩ፧ ‘ምስ ተመርዓና፡ እንታይ ክገብር እየ ዝደሊ፧’ ንእትብል ሕቶ ብጸሎት ሓሲበላ ነይረ እየ።

ምስ ሜሪ ኣብ ዕዮ ወረዳ

ድሕሪ እቲ ብ1953 ኣብ ስታድዩም ያንኪ እተገብረ ኣኼባ፡ ሜሪ ኣንዮል ምስ ዝስማ ሓብቲ ተራኸብኩ። ንሳን ጀታን ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እየን ተማሂረን፣ ሜሪ ድማ መገላግልቲ ሓብተይ እያ ነይራ። ሜሪ ብዛዕባ እቲ ኣብ ካሪበያ ሚስዮናዊት ኰይና እተገልግለሉ ዓድን መጽናዕትታት ብዛዕባ ዝመርሓትለን ሰባትን ብውዕዉዕ ስምዒት ነገረትኒ። ብዝያዳ እናተፋለጥና ምስ ከድና፡ ሕደ መንፈሳዊ ሸቶታት ከም ዘሎና ፈለጥና። ኣብ መንጎና ዝነበረት ፍቕሪ ኸኣ እናዓበየት ከደት፣ ስለዚ፡ ኣብ ሚያዝያ 1955 ተመራዓውና። ሜሪ ብብዙሕ መገድታት ካብ የሆዋ እተዋህበትኒ ውህበትን ሰናይ ኣብነትን ኰይናትለይ እያ። ኣብ ኵሉ እቲ ዚውሃባ ምድብ ሕጕስቲ እያ ነይራ። ብትግሃት እትዓዪ፡ ንሰባት እትሓሊ፡ ወትሩ እውን ንመንግስቲ ኣምላኽ እተቐድም እያ ነይራ። (ማቴ. 6:33) ሰለስተ ዓመት ኣብ ዕዮ ወረዳ ድሕሪ ምግልጋል፡ ብ1958 ናብ ቤት-ኤል ክንኣቱ ተጸዋዕና።

ካብ ሜሪ ብዙሕ እየ ተማሂረ። ንኣብነት፡ ኣብ መጀመርታ ሓዳርና ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ከነንብብ ወሰንና፣ ኣብ መዓልቲ ኸኣ 15 ፍቕድታት ኢና እነንብብ ኔርና። ሓዴና ነቲ ንባብ ምስ ኣንበቦ፡ ብዛዕባ እቲ ጥቕስታት ሓሳብ ንህብ፡ ኣብ ህይወትና ብኸመይ ክንትግብሮ ኸም እንኽእል እውን ንመያየጥ ነበርና። ሜሪ ኸኣ ኣብ ጊልዓድ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት እተማህረቶ ነገር ትነግረኒ ነበረት። እዚ ምይይጥ እዚ፡ ልቦና ኸጥሪ፡ መደረታተይ ኰነ ንኣሓት ዝህቦ ምትብባዕ ድማ ከመሓይሽ ሓጊዙኒ እዩ።—ምሳ. 25:11

ብ2013 ሜሪ ሞተት። ኣብ ሓዳስ ዓለም ክረኽባ ሃረር እብል እየ! ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ትምህርተይ ኣይከቋርጽን እየ፡ ብምሉእ ልበይ እውን ብየሆዋ ኽእመን እየ። (ምሳ. 3:5, 6) ህዝቢ የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንታይ ከም ዚገብሩ ምሕሳብ የጸናንዓንን የሐጕሰንን እዩ። ሽዑ ኸኣ ብርግጽ ካብቲ ዓብዪ መምህርና ሓድሽ ነገራት ክንምሃር ኢና፣ ብዛዕባኡ እውን ክንምሃር ኢና! እወ፡ በቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝመሃረኒ ነገራትን በቲ ብዙሕ መግለጺ ጸጋኡን ኣመስጊነ ኣይጸግቦን እየ።

a ታሪኽ ህይወት ጀታ ሱነል ኣብ ናይ 1 መጋቢት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 23-29 ርአ።