ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዛ ዓመት ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

የሆዋ ኣብ ኣተሓሕዛ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ እዩ ኣብነት ዚዀነና፧

የሆዋ ንደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ኣድልዎ እዩ ዚሕዘን፣ ንደቂ ተባዕትዮ ኸኣ ሓለፋ ደቂ ኣንስትዮ ገይሩ ኣይርእዮምን እዩ። ብተወሳኺ እውን፡ ይሰምዐን እዩ፣ ብዛዕባ እቲ ዚስምዐን ስምዒታትን ዜተሓሳስበን ነገራትን ይግደስ እዩ። ብዘይካዚ፡ ዕዮኡ ኸም ዚዓይያ ይኣምነን እዩ።—w24.01፡ ገጽ 15-16

ነቲ “መኻፍልቶም ኣይትኹኑ” ዚብል ኣብ ኤፌሶን 5:7 ዚርከብ ምኽሪ ብኸመይ ክንትግብሮ ንኽእል፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ምስቶም ንመለክዒታት ኣምላኽ ምስዓብ ከም ዚኸብደና ዚገብሩ ሰባት ከይንቃራረብ እዩ ዜጠንቅቐና ነይሩ። ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብኣካል ኰነ ብማሕበራዊ መራኸቢ ሕማቕ ቅርርብ ከይንገብር ክንጥንቀቕ ኣሎና።—w24.03፡ ገጽ 22-23

ካብ ምንታይ ናይ ሓሶት ወረ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧

ካብቲ ኻብ ፈተውትና ዚልኣኸልና ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ወረ፡ ካብቲ ኻብ ዘይንፈልጦም ሰባት ዚመጽእ ወረ፡ ከምኡ እውን ካብቲ ኻብ ከሓድቲ ዚመጽእ ናይ ኣምሰሉ ተገዳስነት ክንጥንቀቕ ኣሎና።—w24.04፡ ገጽ 12

ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንንጉስ ሰሎሞንን ነቶም ኣብ ሶዶምን ጎሞራን ኰነ ኣብ ማይ ኣይሂ ዝሞቱ ሰባትን ዚፈርዶ ፍርዲ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ እንታይከ ኢና ዘይንፈልጥ፧

የሆዋ ንዘለኣለም ኪጠፍኡ ምውሳኑ ወይ ዘይምውሳኑ ርግጽ ኴንና እንፈልጦ ነገር የሎን። ይኹን እምበር፡ ንዅሉ ሓቅታት ከም ዚፈልጥን ምሕረቱ ዓብዪ ምዃኑን ንፈልጥ ኢና።—w24.05፡ ገጽ 3-4

ኣምላኽ “ከውሒ” ምዃኑ፡ እንታይ መተባብዒ እዩ ዚህበና፧ (ዘዳ. 32:4)

ዕቝባ ንምርካብ ናብ የሆዋ ኽንጽጋዕ ንኽእል ኢና። ንሱ ወትሩ ቓሉ ስለ ዚሕሉ፡ እሙን እዩ። ባህርያቱን ዕላማኡን ስለ ዘይለዋወጥ እውን፡ ጽኑዕ እዩ።—w24.06፡ ገጽ 26-28

ንሓድሽ ጉባኤ ብኸመይ ትለምዶ፧

ብየሆዋ ተኣመን፣ ንሱ ኸምቲ ኣብ ሕሉፍ ንኣገልገልቱ ዝሓገዞም፡ ንዓኻ እውን ኪሕግዘካ እዩ። ንሓድሽ ጉባኤኻ ምስቲ ዝቐደመ ኣይተወዳድር። ምስቲ ሓድሽ ጉባኤኻ ተሓወስ፡ ሓደስቲ ፈተውቲ ኸተጥሪ እውን ጽዓር።—w24.07፡ ገጽ 26-28

ካብተን ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 25 ዚርከባ ሰለስተ ምሳሌታት እንታይ ንምሃር፧

ምሳሌ እተን ኣባጊዕን እተን ኣጣልን፡ እሙናት ክንከውን ከም ዘሎና ተጕልሓልና። ምሳሌ እተን ለባማት ደናግልን እተን ዓያሹ ደናግልን፡ ድሉዋትን ንቑሓትን ክንከውን ከም ዘሎና ተጕልሓልና። ምሳሌ እተን ታለንት ከኣ፡ ትጉሃት ክንከውን ከም ዘሎና ተጕልሓልና።—w24.09፡ ገጽ 20-24

ገበላ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ቍመቱ ኽንደይ እዩ ነይሩ፧

ኣብ 2 ዜና መዋእል 3:4፡ ገሊኡ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት “120 እመት” እዩ ዚብል፣ እዚ ኸኣ 53 ሜተር ዝቝመቱ ግምቢ ማለት እዩ። ገሊኡ ዜተኣማምን ጽሑፋት ግና “20 እመት” እዩ ዚብል፣ እዚ ድማ 9 ሜተር ማለት እዩ። ርጕዲ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስ ኣብ ግምት ከተእቱ ኸለኻ፡ እቲ ዳሕረዋይ እዩ ቕኑዕ ዚመስል።—w24.10፡ ገጽ 31

ኣገልጋሊ ጉባኤ ‘ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ’ ኪኸውን ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ (1 ጢሞ. 3:12)

ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ሓዳር ኪገብር ከም ዘለዎ፡ ኪምንዝር እውን ከም ዘይብሉ የመልክት። ብዘይካዚ፡ ንኻልእ ሰበይቲ ዘይግቡእ ቈላሕታ ኺገብር የብሉን።—w24.11፡ ገጽ 19

ኣብ ዮሃንስ 6:53 እተዘርበ ዘረባ፡ ምስ ድራር ጐይታ ዚተሓሓዝ ኣይኰነን እንብል ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ዮሃንስ 6:53፡ ስጋ የሱስ ብዛዕባ ምብላዕን ደሙ ብዛዕባ ምስታይን ተዘሪቡ ኣሎ። የሱስ ነዚ ቓላት እዚ፡ ብ32 ድ.ክ. ኣብ ገሊላ ነቶም ብእኡ ኺኣምኑ ዜድልዮም ዝነበረ ኣይሁድ እዩ ተዛሪብዎ። ድራር ጐይታ ግና ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ኣብ የሩሳሌም እዩ ቘይሙ። ኣብኡ ኸኣ የሱስ ነቶም ምስኡ ዚነግሱ ደቀ መዛሙርቱ እዩ ተዛሪብዎም።—w24.12፡ ገጽ 10-11