ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 49

መዝሙር 147 ተስፋ ህይወት ዘለኣለም

ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ—ብኸመይ፧

ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ—ብኸመይ፧

“ንወዲ ኣለልዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህልዎ . . . እዩ።”ዮሃ. 6:40

ኣትኵሮ

ካብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፡ ቅቡኣት ኰኑ ኻልኦት ኣባጊዕ ብኸመይ ከም ዚጥቀሙ።

1. ገሊኦም ሰባት ንዘለኣለም ብዛዕባ ምንባር እንታይ እዩ ዚስምዖም፧

 ብዙሓት ሰባት ጥዕናኦም ምእንቲ ኺሕልዉ ኢሎም ንኣመጋግባኦም ይጥንቀቑሉ፡ ኣዘውቲሮም እውን ይወሳወሱ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ንዘለኣለም ኪነብሩ ትጽቢት ኣይገብሩን እዮም። እርጋን ዜምጽኦ ብዙሕ ጭንቂ ስለ ዘሎ፡ ንዘለኣለም ምንባር ዚብልዎ ሓሳብ ዘይከውን እዩ ዚመስሎም። የሱስ ግና ኣብ ከም ዮሃንስ 3:16ን 5:24ን፡ ሰባት “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ተዛሪቡ እዩ።

2. ዮሃንስ ምዕራፍ 6 ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት እንታይ እያ እትብል፧ (ዮሃንስ 6:39, 40)

2 ሓደ ግዜ፡ የሱስ ንኣሽሓት ሰባት ብእንጌራን ዓሳን ገይሩ ብተኣምራዊ መገዲ መገቦም። a እዚ ዜደንቕ እዩ ነይሩ፣ ንጽብሒቱ እተዛረቦ ነገር ግና ብዝያዳ መስተንክር እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ ስዒቦምዎ ናብ ቅፍርናሆም፡ ናብ ገማግም ባሕሪ ገሊላ ኸዱ፣ ኣብኡ ኸኣ ሰባት ካብ ሞት ኪትንስኡን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡን ከም ዚኽእሉ ነገሮም። (ዮሃንስ 6:39, 40 ኣንብብ።) ብዛዕባ እቶም ሞይቶም ዘለዉ ፈተውትኻን ቤተ ሰብካን እሞ ሕሰብ። ብዙሓት ምዉታት ኪትንስኡ ኸም ዚኽእሉ፡ ንስኻን ሰብካን እውን ንዘለኣለም ክትነብሩ ኸም እትኽእሉ እዩ የሱስ ሓቢሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ ኣብ ዮሃንስ 6 እተዛረቦ ቓላት፡ ንብዙሓት ከቢድዎም እዩ። ነዚ እስከ ንመርምሮ።

3. ብመሰረት ዮሃንስ 6:51፡ የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እንታይ ኢሉ እዩ ዝገለጸ፧

3 እቶም ንየሱስ ናብ ቅፍርናሆም ዝሰዓብዎ ህዝቢ፡ ኣብ መንጎ እቲ የሱስ ዝሃቦም እንጌራን ኣብ መንጎ እቲ የሆዋ ንኣቦታቶም ዝሃቦም ማናን ምትእስሳር ከም ዘሎ ረኣዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንማና፡ “እንጌራ ሰማይ” ኢሉ ይጽውዖ እዩ። (መዝ. 105:40፣ ዮሃ. 6:31) የሱስ ኣስዒቡ ኸኣ ብማና ገይሩ ኣገዳሲ ነገር መሃሮም። ማና ኻብ ኣምላኽ እተዋህበ ተኣምር እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ዝበልዕዎ ሰባት ሞይቶም እዮም። (ዮሃ. 6:49) ብኣንጻሩ ግና፡ የሱስ ንገዛእ ርእሱ፡ “ናይ ሓቂ እንጌራ ኻብ ሰማይ፡” “ናይ ኣምላኽ እንጌራ፡” “እንጌራ ህይወት” ኢሉ ጸውዐ። (ዮሃ. 6:32, 33, 35) ኣብ መንጎ ማናን ገዛእ ርእሱን ዘሎ ቐንዲ ፍልልይ እውን ኣጕልሐ። “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ” ድማ በለ። (ዮሃንስ 6:51 ኣንብብ።) እቶም ኣይሁድ ደንጸዎም። ካብ ሰማይ ዝወረደ “እንጌራ” ብኸመይ ንሱ ኸም ዝዀነ፡ ካብቲ ኣምላኽ ንኣቦታቶም ብተኣምራዊ መገዲ ዝሃቦም ማና እውን ብኸመይ ከም ዚበልጽ ኣይተረድኦምን። የሱስ፡ “እዚ ኣነ . . . ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ” ብምባል ኣገዳሲ ነጥቢ ወሰኸ። እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ እንተ ፈሊጥና፡ ንሕና ዀንና ቤተ ሰብና ብኸመይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ከም እንኽእል ክንርዳእ ስለ ዚሕግዘና፡ እዚ ኣገዳሲ እዩ። እምበኣር፡ የሱስ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ንርአ።

ህያው እንጌራን ስጋኡን

4. ገሊኦም ብዘረባ የሱስ ዝሰምበዱ ስለምንታይ እዮም፧

4 ገሊኦም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ‘ንሱ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዚህቦ ስጋኡ’ ኺዛረብ ምስ ሰምዑ ሰምበዱ። ቃል ብቓሉ ስጋኡ ኺበልዑ ዚህቦም ድዩ መሲልዎም፧ (ዮሃ. 6:52) የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበሊዕኩም፡ ደሙ እውን እንተ ዘይሰቲኹም፡ ብርእስኹም ህይወት የብልኩምን” ብምባል ዜሰምብድ ነገር ወሰኸሎም።—ዮሃ. 6:53

5. የሱስ ነቶም ሰባት ቃል ብቓሉ ደሙ ኺሰትዩ ማለቱ ኸም ዘይነበረ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

5 ብዘመን ኖህ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ደም ከይበልዑ ኸልኪልዎም እዩ። (ዘፍ. 9:3, 4) ኣብቲ ንእስራኤል ዝሃቦ ሕጊ እውን ነዚ ኽልክል እዚ ደጊምዎ እዩ። ደም ዝበልዐ ዘበለ ሰብ “ካብ ህዝቡ ይመንቈስ” እዩ ተባሂሉ። (ዘሌ. 7:27) የሱስ ነዚ ሕጊ እዚ ሓልይዎ እዩ። (ማቴ. 5:17-19) ስለዚ፡ ነቶም ኣይሁድ ቃል ብቓሉ ስጋኡ ኺበልዑ፡ ኣብ ሰራውሩ ዝነበረ ደሙ እውን ኪሰትዩ ምትብባዕ፡ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ በዚ ዜሰምብድ ዘረባ እዚ ገይሩ፡ ብኸመይ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ከም ዚረኽቡ እዩ ዚምህሮም ነይሩ።—ዮሃ. 6:54

6. የሱስ ስጋኡ ብዛዕባ ምብላዕን ደሙ ብዛዕባ ምስታይን እተዛረቦ ዘረባ ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዚግባእ፧

6 እሞ ደኣ የሱስ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ከምቲ ኣቐዲሙ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኺዛረብ ከሎ ዝገበሮ፡ ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዩ ዚጥቀም ነይሩ። ነታ ሰበይቲ፡ “ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ዘበለ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ደኣ ኣብኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ይኸውን እምበር፡ ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ” ኢሉ እዩ ተዛሪብዋ። (ዮሃ. 4:7, 14) b ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ቃል ብቓሉ ማይ ብምስታይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም እትረክብ ኣይኰነን ዚዛረባ ነይሩ። እቶም ኣብ ቅፍርናሆም እተኣከቡ ህዝቢ እውን፡ ቃል ብቓሉ ስጋኡ እንተ በሊዖምን ደሙ እንተ ሰትዮምን ንዘለኣለም ይነብሩ ማለቱ ኣይነበረን።

ኣብ መንጎ ኽልተ ኣጋጣሚታት ዘሎ ፍልልይ

7. ገሊኦም ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 6:53 እተዛረቦ ዘረባ እንታይ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ፧

7 ገሊኦም ሃይማኖተኛታት፡ እቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 6:53 ስጋኡ ብዛዕባ ምብላዕን ደሙ ብዛዕባ ምስታይን እተዛረቦ ዘረባ፡ ምስቲ ኣብ ድራር ጐይታ እተዛረቦ ተመሳሳሊ ብምዃኑ፡ ምስኡ ኸም ዚተኣሳሰር ይኣምኑ እዮም። (ማቴ. 26:26-28) ኣብ ድራር ጐይታ ዚእከብ ዘበለ፡ ካብቲ ዚዘውር ቅጫን ወይንን ኪወስድ ከም ዘለዎ ይኣምኑ እዮም። እዝስ ቅኑዕ ድዩ፧ ኣብ ዓዓመት፡ ኣብቲ በዓል እቲ ሚልዮናት ሰባት ምሳና ስለ ዚእከቡ፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽንፈልጥ ኣሎና። ኣብ መንጎ እቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 6:53 እተዛረቦ ዘረባን ኣብ ድራር ጐይታ እተዛረቦ ዘረባን ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ።

8. ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ኣጋጣሚታት እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

8 ኣብ መንጎ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ዘሎ ኽልተ ፍልልይ እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ የሱስ ነቲ ኣብ ዮሃንስ 6:53-56 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት መዓስን ኣበይን እዩ ተዛሪብዎ፧ ብ32 ድ.ክ. ኣብ ገሊላ ንኣይሁድ እዩ ተዛሪብዎ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ድራር ጐይታ ዘቘመሉ እዋን ኣስታት ዓመት ኣቐዲሙ እዩ ዀይኑ። ካልኣይ፡ ንመን እዩ እዚ ቓላት እዚ ተዛሪብዎ፧ መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ገሊላ ዝሰምዕዎ ሰባት ካብ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ንላዕሊ ኣብቲ ንግዜኡ ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት ዘተኰሩ እዮም ነይሮም። (ዮሃ. 6:26) የሱስ እተዛረቦ ነገር ምርዳእ ምስ ከበዶም እኳ፡ ኣብኡ ዝነበሮም እምነት ብቕልጡፍ ኣጥፊኦም እዮም። ገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ካብ ምስዓቡ ንድሕሪት ተመሊሶም እዮም። (ዮሃ. 6:14, 36, 42, 60, 64, 66) ነዚኣቶም ምስቶም ብ33 ድ.ክ. ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ የሱስ ድራር ጐይታ ኣብ ዘቘመሉ ምሸት ዝነበሩ ሰባት እሞ ነነጻጽሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ እቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ንዅሉ እቲ ዚምህሮም ዝነበረ ነገራት ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተረድእዎ፡ ካብኡ ኣይተፈልዩን። ዘይከምቶም ኣብ ገሊላ ዝነበሩ ሰባት ከኣ፡ የሱስ ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ኣሚኖም ነበሩ። (ማቴ. 16:16) ስለዚ፡ የሱስ፡ “ንስኻትኩም . . . ብፈተናይ ምሳይ ዝጸናዕኩም ኢኹም” ኢሉ ነኣዶም። (ሉቃ. 22:28) እዚ ኽልተ ፍልልያት ጥራይ እኳ፡ እቲ ኣብ ዮሃንስ 6:53 ዘሎ ቓላት ንድራር ጐይታ ኸም ዘየመልክት የነጽረልና እዩ። ብዘይካዚ፡ ተወሳኺ መርትዖ እውን ኣሎ።

ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 6፡ የሱስ ነቶም ኣብ ገሊላ ዝረኸቦም ኣይሁድ ብዛዕባ እተዛረቦም ዘረባ ተዘንትዩ ኣሎ (ጸጋም)። ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ንሒደት እሙናት ሃዋርያቱ ተዛረቦም (የማን) (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)


ንዓኻ እውን ይምልከተካ እዩ

9. ኣብ ድራር ጐይታ እተዘርበ ቓላት ነየኖት ጕጅለ እዩ ዚምልከት፧

9 ኣብ ድራር ጐይታ፡ የሱስ ንሃዋርያቱ፡ ቅጫ ድሕሪ ምሃብ፡ እዚ ንስጋኡ ኸም ዜመልክት ሓበሮም። ድሕሪኡ፡ ወይኒ ድሕሪ ምሃብ፡ “ደም ኪዳን” ማለት ምዃኑ ነገሮም። (ማር. 14:22-25፣ ሉቃ. 22:20፣ 1 ቈረ. 11:24) እዚ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ሓድሽ ኪዳን ምስ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ዘይኰነስ፡ ምስቶም “ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ” ገዛእቲ ዚዀኑ መንፈሳውያን “ቤት እስራኤል” እዩ ተኣትዩ። (እብ. 8:6, 10፣ 9:15) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ሃዋርያት ነዚ ኣይተረድእዎን። ነዊሕ ከይጸንሑ ግና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብኡ፡ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ገዛእቲ ንምዃን ከኣ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ኣተዉ።—ዮሃ. 14:2, 3

10. እቲ የሱስ ኣብ ገሊላ እተዛረቦ ዘረባ ኻብቲ ኣብ ድራር ጐይታ እተዛረቦ ዘረባ ብኸመይ ይፍለ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

10 ኣብ ድራር ጐይታ፡ የሱስ ኣብቲ “ሒደት መጓሰ” እዩ ኣተኲሩ ነይሩ። እቲ ንእሽቶ ጕጅለ እቲ፡ በቶም ምስኡ ኣብታ ኽፍሊ ዝነበሩ እሙናት ሃዋርያት እዩ ጀሚሩ። (ሉቃ. 12:32) ንሳቶምን እቶም ኣብቲ ጕጅለ እቲ ዚውሰኹ ኻልኦትን ካብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። እዚኣቶም ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ቦታ ኺህልዎም እዩ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ድራር ጐይታ ንሃዋርያቱ እተዛረቦ ዘረባ ምስቲ ኣብ ገሊላ ንዝረኽቦም ህዝቢ እተዛረቦ ዘረባ ይፈላለ እዩ። እቲ ኣብ ድራር ጐይታ እተዛረቦ ዘረባ ንኣባላት እቲ ንእሽቶ ጕጅለ ጥራይ እዩ ዚምልከት። እቲ ኣብ ገሊላ እተዛረቦ ግና ንኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ እዩ ዚምልከት።

እቶም ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ፡ ንእሽቶ ጕጅለ እዮም፣ ብየሱስ ዚኣምን ዘበለ ግና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)


11. እንታይ የሱስ ኣብ ገሊላ እተዛረቦ ነገር እዩ ብዛዕባ ውሱን ዝቝጽሮም ሰባት ይዛረብ ከም ዘይነበረ ዚሕብር፧

11 የሱስ ብ32 ድ.ክ. ኣብ ገሊላ ብቐንዱ ነቶም እንጌራ ኺውሃቡ ዝደለዩ ኣይሁድ እዩ ተዛሪብዎም። እንተዀነ ግና፡ ኣብቲ ንኸብድኻ ዚመልእ ምግቢ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኻብኡ ዚበልጽ ነገር፡ ማለት ኣብቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ መሰናድዎ ኸም ዜተኵሩ እዩ ኺገብሮም ጽዒሩ። ብዘይካዚ፡ ምዉታት በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸም ዚትንስኡን ንዘለኣለም ከም ዚነብሩን ተዛሪቡ እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ውሱን ዝቝጽሮም ሕሩያት ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ፣ ኣብ ድራር ጐይታ ግና ብዛዕባ ሒደት ሕሩያት እዩ ተዛሪቡ። ኣብ ገሊላ ኣብቲ ንዅሎም ሰባት ክፉት ዝዀነ በረኸት እዩ ኣተኲሩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ “ካብዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ፣ እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ” ኢሉ እዩ ተዛሪቡ።—ዮሃ. 6:51 c

12. ነቲ የሱስ ዝጠቐሶ ጥቕሚ ንምርካብ እንታይ እዩ ዜድሊ፧

12 የሱስ ነቶም ኣብ ገሊላ እተዛረቦም ኣይሁድ፡ ኵሉ ሰብ ነዚ በረኸት እዚ ኸም ዚረክብ ኣይኰነን ነጊርዎም። እቶም ‘ካብቲ እንጌራ ዚበልዑ፡’ ማለት እቶም ብእኡ ዚኣምኑ ጥራይ እዮም ዚጥቀሙ። ብዙሓት ስመ ክርስትያን፡ ‘ብየሱስ እንተ ኣሚንካን ከም መድሓኒኻ እንተ ተቐቢልካዮን፡ ክትድሕን ኢኻ’ ይብሉ እዮም። (ዮሃ. 6:29) ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ካብቶም ኣብ ገሊላ ዝነበሩ ብየሱስ ኣሚኖም ዝነበሩ ህዝቢ፡ ሓዲጎምዎ ኸይዶም እዮም። ስለምንታይ፧

13. ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር የሱስ ንምዃን እንታይ የድሊ፧

13 መብዛሕትኦም ካብቶም የሱስ ዝመገቦም ህዝቢ፡ ዝደለይዎ ነገር ክሳዕ ዝረኸቡ ተሓጒሶም ምሰዓብዎ ነይሮም። ተኣምራዊ ምሕዋይ፡ ናጻ ምግቢ፡ ወይ ምስ ትጽቢታቶም ዚሳነ ትምህርትታት እዮም ደልዮም ነይሮም። የሱስ ግና፡ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቱ ዝያዳ ነገራት ኪገብሩ ኸም ዜድሊ ሓበረ። ስጋዊ ትምኒት ደቂ ሰብ ኬዕግብ ጥራይ ኢሉ ኣይኰነን ናብ ምድሪ መጺኡ። የግዳስ፡ ነቲ “ናባይ ክትመጹ” ኢሉ ዘቕረቦ ጻውዒት ኪቕበልዎ፡ ንዅሉ እቲ ትምህርትታቱ እውን ኪሕልውዎ ኣለዎም።—ዮሃ. 5:40፣ 6:44

14. ካብ ስጋን ደምን የሱስ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

14 የሱስ ነቶም ህዝቢ ብእምነት ኪመላለሱ ኸም ዜድልዮም ኣጕልሓሎም። ኣብ ምንታይ እዮም ኪኣምኑ ዚግባእ፧ ኣብቲ ድሕሪ ግዜ በጃ ዀይኑ ዚስዋእ ስጋኡን ደሙን እዮም ኪኣምኑ ነይርዎም። እዚ እምነት እዚ ነቶም ኣይሁድ እቲኦም ኣድላዪ እዩ ነይሩ፣ ሎሚ እውን ኣድላዪ እዩ። (ዮሃ. 6:40) እወ፡ ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 6:53 እተጠቕሰ፡ ካብ ስጋን ደምን የሱስ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ በቲ በጃ ኽንኣምን ኣሎና። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ተኸፊቱሎም ኣሎ።—ኤፌ. 1:7

15-16. ካብ ዮሃንስ ምዕራፍ 6 እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና ረኺብና፧

15 ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 6 ዚርከብ ጸብጻብ፡ ንዓናን ንሰብናን ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ። እዚ ጸብጻብ እዚ፡ የሱስ ንሰባት ከም ዚልውሃሎም የነጽረልና እዩ። ኣብ ገሊላ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምሂሩ፡ ምእንቲ ኺዕንገሉ እውን ምግቢ ሂብዎም እዩ። (ሉቃ. 9:11፣ ዮሃ. 6:2, 11, 12) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንሱ “እንጌራ ህይወት” ምዃኑ ምሂሩ እዩ።—ዮሃ. 6:35, 48

16 እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ተባሂሎም እተጸውዑ፡ ካብቲ ዓመት ዓመት ኣብ ድራር ጐይታ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ኣይወስዱን እዮም፣ ኪወስዱ እውን የብሎምን። (ዮሃ. 10:16) ይኹን እምበር፡ ካብ ስጋን ደምን የሱስ ክርስቶስ ይጥቀሙ እዮም። ኣብቲ መስዋእታዊ በጃ እምነት ብምሕዳር ከኣ እዮም ዚጥቀሙ። (ዮሃ. 6:53) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ እቶም ካብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ዘለዎም ሰባት፡ በዚ ተግባሮም ኣቢሎም ክፍሊ እቲ ሓድሽ ኪዳንን ወረስቲ እታ ሰማያዊት መንግስትን ከም ዝዀኑ እዮም ዜርእዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ካብቶም ቅቡኣት ንኹን፡ ወይ ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ፡ እቲ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 6 ዘሎ ጸብጻብ ንዓና ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ፡ ብእምነት ክንመላለስ ከም ዘሎና የጕልሓልና እዩ።

መዝሙር 150 ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ

a ብዛዕባ ዮሃንስ 6:5-35፡ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ተገሊጹ ኣሎ።

b እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ማይ፡ ነቲ የሆዋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኢሉ ዝገበሮ መሰናድዎታት እዩ ዜመልክት።

c ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 6፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ንዅሉ ኽፉት ምዃኑ ንምሕባር፡ “ዘበለ” ተባሂሉ ኺትርጐም ዚኽእል ቃል፡ ወይ ከኣ ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ ኸም ዚምልከቶ ዚሕብር ኣቃውማ ተዓይዩሉ ኣሎ።—ዮሃ. 6:35, 40, 47, 54, 56-58