ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 50

መዝሙር 135 የሆዋ ዜቕርቦ ምሕጽንታ፦ ‘ወደየ፡ ጥበበኛ ኹን’

ኣቱም ወለዲ፡ ውሉድኩም እምነቱ ኼደልድል ሓግዝዎ

ኣቱም ወለዲ፡ ውሉድኩም እምነቱ ኼደልድል ሓግዝዎ

“እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም [ፍለጡ።]ሮሜ 12:2

ኣትኵሮ

ወለዲ ምስ ውሉዶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ዘለዎም እምነት ብኸመይ ከም ዚዛራረቡን ብኸመይ እምነቶም ከም ዜደልድሉሎምን ዚሕብር ግብራዊ ሓሳባት።

1-2. ውሉድ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱሳዊ እምነታትና ሕቶታት ኪሓትት ከሎ፡ ወለዲ ነዚ ብኸመይ ኪርእይዎ ይግባእ፧

 ወላዲ ምዃን ምሉእ ግዜኻ ዚጠልብ ዕዮ ኸም ዝዀነ ብዙሓት ይሰማምዑሉ እዮም። ቈልዓ እተዕቢ ዘለኻ ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ንሱ ድልዱል እምነት ምእንቲ ኺህልዎ ጻዕሪ እትገብር ብምዃንካ ኽንንእደካ ንፈቱ። (ዘዳ. 6:6, 7) ውሉድካ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነትና፡ እንተላይ ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ከቢድ ሕቶታት ኪሓትት ይኽእል እዩ።

2 ኣብ ፈለማ፡ ሕቶታት ውሉድካ የተሓሳስበካ ይኸውን። እምነቱ ትደክም ከም ዘላ ጌርካ እውን ትሓስብ ትኸውን። ከም ሓቂ ግና፡ ዚዓብዩ ቘልዑ እምነቶም ንምድልዳል ሕቶታት ኪሓትቱ ኣለዎም። (1 ቈረ. 13:11) ስለዚ፡ በዚ ኽትፈርህ የብልካን። ንዅሉ እቲ ውሉድካ ብዛዕባ እምነታትና ዜበግሶ ሕቶታት፡ ናይ ምምዝዛን ክእለቱ ንምምዕባል ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተሉ ጌርካ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ወለዲ ንውሉዳቶም (1) ናታቶም እምነት ኬማዕብሉ፡ (2) ንስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ፡ (3) ንእምነቶም ኪጣበቑሉ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉ ኽንመያየጥ ኢና። ውሉዳት ሕቶታት ምሕታቶም ስለምንታይ ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ከምኡ ድማ ወለዲ ኣብ ምንታይ ንጥፈታት ብዛዕባ ክርስትያናዊ እምነቶም ንምዝራብ ኣጋጣሚ ኸም ዚረኽቡ ኽንምርምር ኢና።

ውሉድካ ናቱ እምነት ኬማዕብል ሓግዞ

4. ውሉድካ እንታይ ሕቶታት ኬበግስ ይኽእል፧ ስለምንታይከ፧

4 ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዚውረስ ነገር ከም ዘይኰነ ክርስትያን ወለዲ ይፈልጡ እዮም። ኣብ የሆዋ እምነት ኣሕዲሩ ዚውለድ የልቦን። ውሉድካ እውን እንተ ዀነ ኸምኡ እዩ። እናሓደረ፡ ‘ኣምላኽ ከም ዘሎ ኸመይ ገይረ እፈልጥ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክኣምኖ እኽእል ድየ፧’ ዝዓይነቱ ሕቶታት ይለዓሎ ይኸውን። ከም ሓቂ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብኣእምሮና’ ኽንጥቀምን ‘ንዅሉ ኽንምርምርን’ የተባብዓና እዩ። (ሮሜ 12:1፣ 1 ተሰ. 5:21) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ንውሉድካ እምነቱ ኼደልድል እትሕግዞ፧

5. ውሉድ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ እምነት ምእንቲ ኼደልድል፡ ወለዲ ብኸመይ ኪሕግዝዎ ይኽእሉ፧ (ሮሜ 12:2)

5 ውሉድካ ንሓቂ መርሚሩ ኺፈልጣ ኣተባብዓዮ። (ሮሜ 12:2 ኣንብብ።) ሕቶታት ምስ ሓተተ፡ በቲ ንምርምር ዚሕግዝ ከም መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣመሰለ ናውቲ ገይሩ ብኸመይ መልሲ ኸም ዚረክብ ኣርእዮ። ኣብ መሐበሪ ምርምር፡ ኣብ ትሕቲ “መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ርእሰ ነገር፡ “ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰባት እተጻሕፈ ጽቡቕ መጽሓፍ ጥራይ ከም ዘይኰነ ዚሕብር መርትዖ ይርከብ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብርግጽ “ቃል ኣምላኽ” እዩ። (1 ተሰ. 2:13) ንኣብነት፡ ብዛዕባ እታ ጥንቲ ኣብ ኣሶር ዝነበረት ከተማ ነነዌ ምርምር ኪገብር ይኽእል እዩ። ኣብ ሕሉፍ፡ ገሊኦም ሓያስያን መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከተማ ነነዌ ኸም ዘይነበረት ተማጒቶም እዮም። ኣብ 1850ታት ግና፡ ዑናታት እታ ኸተማ ብፍሕረት ተረኽበ፣ እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ልክዕ ምዃኑ ዜረጋግጽ ነበረ። (ጸፎ. 2:13-15) ብዘይካዚ፡ ውሉድካ ንጥፍኣት ነነዌ ዚምልከት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተፈጸመ ሓበሬታ እንተ ደልዩ፡ ኣብ ናይ ሕዳር 2021 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ትፈልጥዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኪርኢ ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚረኽቦ ሓበሬታ ምስቲ ኣብ መዝገበ ፍልጠትን ካልእ እሙን ምንጭታትን ዚረኽቦ ሓበሬታ ብምንጽጻር ድማ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ እምነት ኬደልድል ይኽእል እዩ።

6. ወለዲ ንውሉዶም ከመይ ገይሮም እዮም ከም ዜመዛዝን ኪገብርዎ ዚኽእሉ፧ ኣብነት ሃብ። (ስእሊ እውን ርአ።)

6 ውሉድካ ኼመዛዝን ሓግዞ። ወለዲ ምስ ውሉዶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ንምምይያጥ ዜኽእል እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣለዎም። ንዙረት ናብ ቤተ መዘክር፡ መናፈሻ፡ ወይ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ከዱ፡ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ኪኽፈተሎም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብኣካል ወይ ብኦንላይን ኣብ ቤተ መዘክር ክትዞሩ ኸለኹም፡ ንውሉድካ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ምዃኑ ዜርኢ ታሪኻዊ ፍጻመታት ወይ ቅርስታት ክትሕብሮ ትኽእል ኢኻ። ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ ሓደ እምኒ ሞኣብ ተባሂሉ ዚፍለጥ 3,000 ዓመት ዝገበረ ጽላት ከም ዚርከብሲ ውሉድካ ይፈልጥዶ፧ እቲ ናይ ሓቂ እምኒ ሞኣብ ንምርኢት ኣብቲ ኣብ ፓሪስ፡ ፈረንሳ ዚርከብ ቤተ መዘክር ሉቨ እዩ ዚርከብ። ብተወሳኺ፡ ልክዕ ምስሊ እቲ እምኒ ሞኣብ ኣብቲ ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ ዘሎ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “መጽሓፍ ቅዱስን መለኮታዊ ስምን” ኣብ ዘርእስቱ ምርኢት ቀሪቡ ኣሎ። ኣብቲ እምኒ ሞኣብ፡ ሜሻ ንጉስ ሞኣብ ካብ እስራኤል ከም ዝዓለወ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓበሬታ ይሰማማዕ እዩ። (2 ነገ. 3:4, 5) ውሉድካ ብዛዕባ ሓቅነትን ልክዕነትን መጽሓፍ ቅዱስ ብዓይኑ ምስ ረኣየ፡ እምነቱ ኽትድልድል እያ።—ምስ 2 ዜና መዋእል 9:6 ኣረኣኢ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ መዘክር ዚርከብ ቅርስታት ብምምይያጥ፡ ውሉድካ ኼመዛዝን ክትሕግዞዶ ትኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)


7-8. (ሀ) ካብቲ ኣብ ተፈጥሮ እንርእዮ ጽባቐን ንድፍን እንታይ ንምሃር፧ ኣብነት ሃብ። (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) ውሉድካ ነቲ ኣብ ፈጣሪ ዘለዎ እምነት ንምድልዳል እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

7 ውሉድካ ብዛዕባ ተፈጥሮ ኺሓስብ ኣተባብዓዮ። ምስ ውሉድካ ኣብ ገጠር ብእግርኻ ኽትዛወር ከለኻ፡ ወይ ኣታኽልቲ ኽትኵስኵስ ከለኻ፡ ነቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ዜደንቕ ንድፊ ኬቕልበሉ ሓግዞ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ንድፊ እዚ፡ ኣስተውዓልን ጥበበኛን ነዳፊ ኸም ዘሎ መርትዖ ይህብ እዩ። ንኣብነት፡ ስነ ፍልጠተኛታት ነቲ ሕምብሊል ዚብል ቅርጺ ዘለዎ ንድፊ ንሓያሎ ዓመታት ኣጽኒዖምዎ እዮም። ኒኮላ ፋመሊ ዚብሃል ስነ ፍልጠተኛ ኸም ዝገለጾ ድማ፡ ነቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርከብ ቅርጺ ሕምብሊል ክትቈጽሮ ኸለኻ፡ ተኸታታሊ ቝጽርታት ኢኻ እትረክብ። እዚ ቝጽርታት ድማ ተርታ ፊቦናቺ ተባሂሉ ይፍለጥ። ሕምብሊለታይ ንድፊ ኣብ ብዙሕ ነገራት ይርአ እዩ፣ ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ጋላክሲታትን ኣብ ገሊኡ ዛዕጐላትን ኣብ ኣቝጽልትን ኣብ ዕምባባ ሱፍን ይርአ እዩ። a

8 ውሉድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ስነ ፍልጠት ብዝያዳ እናተማህረ ምስ ከደ፡ ናይ መብዛሕትኡ ቕርጺ ብሕግታት ከም ዚቕየድ ኪፈልጥ እዩ። ንኣብነት፡ ቋቖ ውርጪ (ስኖውፍሌክ) ብመሰረት ዚደጋገም ቅርጺ እዩ ዚቐውም። ከምዚ ዝበለ ተደጋጋሚ ቕርጺ ኣብ ካልእ ተፈጥሮኣዊ ነገራት እውን ይርከብ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ውቁብ ንድፊ ዚቕይድ ሕግታት መን እዩ ኣቚምዎ፧ ነቲ ኣብ ተፈጥሮ እንርእዮ ስርዓትን ዜደንቕ ንድፍን መን እዩ ደኲንዎ፧ ውሉድካ ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እዚ ብዝያዳ ብዝሓሰበ መጠን፡ ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ከም ዝፈጠሮ ድልዱል እምነት ኬማዕብል እዩ። (እብ. 3:4) ኣብ እተወሰነ ደረጃ ምስ በጽሐ፡ “ኣምላኽ ካብ ፈጠረና፡ ሕጉሳት ክንከውን ዜኽእለና ስነ ምግባራዊ መምርሒ ይህበና እዩ ኢልና ኽንጽበዶ ኣይግባእን፧” ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ እዚ መምርሒ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚርከብ ክትሕብሮ ትኽእል ኢኻ።

NASA, ESA, and the Hubble Heritage (STScl/AURA)-ESA/Hubble Collaboration

ነቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ጽባቐን ንድፍን መን ነዲፍዎ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-8 ርአ)


ንስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኦ ሓግዞ

9. ብምንታይ ተላዒሉ እዩ ሓደ ውሉድ ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ኬበግስ ዚኽእል፧

9 ውሉድካ ብዛዕባ ኣገዳስነት ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት እንተ ኣልይዎ፡ ሕቶታቱ ኻበይ ከም እተላዕለ ኸተስተውዕል ፈትን። ንስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይሰማማዓሉ ድዩ፡ ወይስ ንኻልኦት ብዛዕባ ክርስትያናዊ እምነቱ ብኸመይ ከም ዚገልጸሎም ስለ ዝኸበዶ፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ምስ ውሉድካ ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ብምጽናዕ፡ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽ ምዃኑ ኸተረድኦ ትኽእል ኢኻ። b

10. ውሉድካ ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ብሕታዊ ርክብ ምእንቲ ኺሓስብ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

10 ውሉድካ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ብሕታዊ ርክብ ኣኽቢሩ ኺርእዮ ኣተባብዓዮ። ምስ ውሉድካ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ፡ በቲ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሎ ሕቶታትን ምሳሌታትን ጌርካ ኣብ ልቡ ዘሎ ኽትርዳእ ጽዓር። (ምሳ. 20:5) ንኣብነት፡ ኣብ ትምህርቲ 8፡ የሆዋ ምስ ሓደ ንዕቝባናን ንጥቕምናን ኢሉ መዘኻኸሪታት ዚህብ ሓላዪ ዓርኪ ተመሳሲሉ ኣሎ። ነቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:3 ዘሎ ሓሳባት ምስ ተመያየጥኩምሉ፡ “የሆዋ ኸምዚ ዓይነት ጥዑም ዓርኪ ኻብ ኰነ፡ ነቲ ኽንገብሮ ዚእዝዘና ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዚግባእ፧” ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። እዚ ቐሊል ሕቶ ይመስል ይኸውን፣ ንውሉድካ ግና፡ ንሕግታት ኣምላኽ ከም መግለጺ ፍቕሪ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ኺገብሮ ይኽእል እዩ።—ኢሳ. 48:17, 18

11. ከመይ ጌርካ ኢኻ ንውሉድካ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንጥቕሙ ኸም ዝዀነ ኸተረድኦ እትኽእል፧ (ምሳሌ 2:10, 11)

11 ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምትግባር ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ኣመያይጦ። መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ጥቕሲ ዕለት ብሓባር ከተንብቡ ኸለኹም፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንስድራ ቤትኩም ብኸመይ ከም ዝሓገዘኩም ተመያየጡሉ። ንኣብነት፡ ውሉድካ ብትግሃትን ብቕንዕናን ምምልላስ እንታይ ጥቕምታት ከም ዘለዎ ተረዲእዎዶ ኣሎ፧ (እብ. 13:18) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምትግባር ብኸመይ ብኣካላዊ ዀነ ብስምዒታዊ መዳይ ዕቝባ ኸም ዚዀነና እውን ከተጕልሕ ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 14:29, 30) ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ስርዓታት ምምይያጥ፡ ውሉድካ ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኸም ዚርድኦ እዩ ዚገብር።—ምሳሌ 2:10, 11 ኣንብብ።

12. ሓደ ኣቦ ንወዱ ነቲ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ግብራዊ ጥቕሚ ብኸመይ ኣረዲእዎ፧

12 ኣብ ፈረንሳ ዚነብር ስቲቭ ዝስሙ ኣቦ፡ ንሱን ሰበይቱን ነቲ መንእሰይ ዝዀነ ወዶም ኤታን፡ ሕግታት የሆዋ ኻብ ፍቕሪ እተላዕለ ምዃኑ ብኸመይ ከም ዝገለጹሉ ኺሕብር ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “‘የሆዋ ንስርዓታቱ ኽንሕልዎ ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ ንሱ ኸም ዜፍቅረና ብኸመይ የርኢ፧ ነዚ ስርዓት እዚ እንተ ዘይተግቢርካዮ፡ እንታይ እዩ ዚኸውን፧’ ዝዓይነቱ ሕቶታት ንሓትቶ ኢና።” ኤታን ኣብ ከምዚ ዝበለ ዝርርብ ምስታፉ፡ ንስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ ኪቕበሎ ሓጊዝዎ እዩ። ስቲቭ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ሸቶና ኤታን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ካብ ሰብኣዊ ጥበብ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ምዃኑ ኸም ዚርኣዮ ምግባር እዩ” ይብል።

13. ወለዲ ንውሉዶም፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪትግብርዎ ብኸመይ ኬሰልጥንዎም ይኽእሉ፧ ኣብነት ሃብ።

13 ውሉድካ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪትግብር ኣሰልጥኖ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ኽትገብረሉ እትኽእል ኣጋጣሚ፡ ውሉድካ መጽሓፍ ኬንብብ ካብ ቤት ትምህርቱ ፕሮጀክት ኪውሃቦ ኸሎ እዩ። ኣብታ መጽሓፍ፡ ኣብ ብዕሉግ ተግባር ዚሳተፉ ወይ ብቝጥዓ ስጕምቲ ዚወስዱ ገጸ ባህርያት ከም ጥዑያት ሰባት ጌርካ ተሳኢሎም ይዀኑ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ንውሉድካ፡ ንተግባራት እቶም ገጸ ባህርያት ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ኺግምግሞ ኸተተባብዖ ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 22:24, 25፣ 1 ቈረ. 15:33፣ ፊል. 4:8) እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ክፍሊ ዚግበር ምይይጥ ንመምህሩን ንመማህርቱን ኪምስክረሎም የዳልዎ ይኸውን።

ውሉድካ ንእምነቱ ኺጣበቐሉ ኣዳልዎ

14. እንታይ ጕዳይ እዩ ንመንእሰያት ክርስትያናት ኬፍርሆም ዚኽእል፧ ስለምንታይከ፧

14 ሓድሓደ ግዜ፡ መንእሰያት ክርስትያናት ብርእሶም ኣጸቢቖም ስለ ዘይተኣማመኑ፡ ንእምነቶም ኣይጣበቑሉን ይዀኑ። ብዛዕባ ኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ኪልዓል ከሎ፡ ይፈርሁ ይዀኑ። ስለምንታይ፧ ገሊኦም መምህራኖም ንፍልቀት ከም ጭቡጥ ሓቂ ገይሮም የቕርብዎ እዮም። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ውሉድካ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ምእንቲ ኪቐውም ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

15. ሓደ መንእሰይ ክርስትያን ኣብቲ ዚኣምነሉ ነገራት ብዝያዳ ኺተኣማመን እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

15 ውሉድካ ኣብቲ ዚኣምነሉ ነገራት ብዝያዳ ኺተኣማመን ሓግዞ። ውሉድካ ኣብ ፈጣሪ ዚኣምን ብምዃኑ ኺሓፍር የብሉን። (2 ጢሞ. 1:8) ስለምንታይ እዩ በዚ ኺሓፍር ዘይብሉ፧ ብዙሓት ስነ ፍልጠተኛታት፡ ህይወት ብወዝቢ ወይ ብኣጋጣሚ ኸም ዘይመጸ ይኣምኑ እዮም። ንእተሓላለኸ ህይወት ዝገበረ ኣስተውዓሊ ነዳፊ ኸም ዘሎ ይግንዘቡ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዘሎ ኣብያተ ትምህርቲ ዝውቱር ዝዀነ ኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ኣይቅበልዎን እዮም። ውሉድካ ብዛዕባ እቲ ንኻልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ብፍጥረት ኪኣምኑ ዘኽኣሎም ምኽንያታት ብምስትንታን፡ እምነቱ ኼደልድል ይኽእል እዩ። c

16. ወለዲ ንውሉዶም፡ ኣብ ፈጣሪ ንዘለዎ እምነት ምእንቲ ኺጣበቐሉ ብኸመይ ኪሕግዝዎ ይኽእሉ፧ (1 ጴጥሮስ 3:15) (ስእሊ እውን ርአ።)

16 ውሉድካ ነቲ ኣብ ፈጣሪ ዘለዎ እምነት ኪጣበቐሉ ኣዳልዎ። (1 ጴጥሮስ 3:15 ኣንብብ።) ነቲ ኣብ jw.org ዚወጽእ፡ “መንእሰያት ዚሓትትዎ—ፍጥረትዶ ወይስ ፍልቀት፧” ዘርእስቱ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ብሓባር ክትምርምርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ድሕሪኡ፡ ውሉድካ ምስ ሰባት ኣብ ዚዛራረበሉ እዋን፡ ብዛዕባ ህልውና ፈጣሪ ዜረጋግጽ እንታይ ዜእምን መረዳእታ ኺጥቀም ከም ዚኽእል ተመያየጡ። ምስ ደቂ ትምህርቱ ኺማጐት ከም ዘይብሉ ኣዘኻኽሮ። ገሊኦም ጽቡቕ ምይይጥ ንምግባር ፍቓደኛታት እንተ ዀይኖም፡ ቀሊል መረዳእታ ኺጥቀም ኣተባብዓዮ። ንኣብነት፡ ሓደ መማህርቱ፡ “ኣብ ዝርእዮ ነገር ጥራይ እየ ዝኣምን፣ ንኣምላኽ ከኣ ኣይረኣኽዎን” ይብሎ ይኸውን። ሽዑ፡ ሓደ መንእሰይ ክርስትያን፡ “ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ዘይሰፈሮ ዱር ትጐዓዝ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ብወዝቢ ዒላ ትረክብ። እንታይ ኢልካ ምሓሰብካ፧ ዒላ ምርካብካ ጥራይ እኳ ኣስተውዓሊ ህያው ፍጡር ከም ዝዀዓታ ዚሕብር ካብ ኰነ፡ ህልውና ዩኒቨርስ ደኣኸ ብዝያዳ ኸምኡዶ ኣይሕብርን፧” ኢሉ ኺምልስ ይኽእል እዩ።

ምስ መማህርትኻ ኽትዛራረብ ከለኻ፡ ቀሊል መረዳእታ ተጠቐም (ሕጡብ ጽሑፍ 16-17 ርአ) d


17. ወለዲ ንውሉዶም፡ ንሰባት ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺነግር ብኸመይ ኬተባብዕዎ ይኽእሉ፧ ብኣብነት ኣረድእ።

17 ውሉድካ ንሰባት ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ኪነግር ኣተባብዓዮ። (ሮሜ 10:10) ብዛዕባ እምነቱ ኺነግር ዚገብሮ ጻዕሪ፡ ምስቲ መሳርሒ ሙዚቃ ንምውቃዕ ዚገብሮ ጻዕሪ ኸተነጻጽሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ፈለማ፡ ሓደ ተልመዴን ንምውቃዑ ቐሊል ዝዀነ ሙዚቃ እዩ ዚጻወት። እናሓደረ ግና፡ እናመለኾ ይኸይድ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ፈለማ ሓደ መንእሰይ ክርስትያን ብዛዕባ እምነቱ ንኻልኦት ኪነግር ከሎ፡ ቀሊል መእተዊ ይጥቀም ይኸውን። ንኣብነት፡ ንመማህርቱ ኸምዚ ኺብሎ ይኽእል እዩ፦ “ብዙሕ ግዜ መሃንድሳት፡ ንድፍታት ካብ ተፈጥሮ ኸም ዚቐድሑ ትፈልጥዶ፧ ሓንቲ መሳጢት ቪድዮ ኸርእየካ።” ድሕሪኡ፡ ሓንቲ ኻብተን ተነዲፉ ድዩ፧ ዘርእስተን ተኸታተልቲ ቪድዮታት ምስ ኣርኣዮ፡ “ሓደ ስነ ፍልጠተኛ በቲ ኻብ ተፈጥሮ ዝቐድሖ ንድፊ ዚንኣድ ካብ ኰነ፡ በቲ ኣብ ተፈጥሮ ዘሎ ንድፊ ደኣኸ መን እዩ ኺውደስ ዚግብኦ፧” ኢሉ ኺሓትቶ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ቀሊል ኣቀራርባ፡ ንተገዳስነት ሓደ መንእሰይ ኪስሕብን ዝያዳ ንምፍላጥ ድሌት ኬሕድረሉን ይኽእል ይኸውን።

ውሉድካ ብቐጻሊ እምነቱ ኼደልድል ሓግዞ

18. ወለዲ ነቲ ውሉዶም ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ብቐጻሊ ኼደልድሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

18 ብየሆዋ ዘይኣምኑ ሰባት ኣብ ዝመልእዋ ዓለም ኢና እንነብር። (2 ጴጥ. 3:3) ስለዚ፡ ኣቱም ወለዲ፡ ምስ ውሉድኩም መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዑ ኸለኹም፡ ንቓል ኣምላኽን ንስነ ምግባራዊ መለክዒታትን ዘለዎ ኣኽብሮት ዚውስኸሉ ርእሰ ነገራት ኪምርምር ኣተባብዕዎ። ናብቲ መስተንክር ፍጥረታት የሆዋ ኸም ዜተኵር ብምግባር፡ ኬመዛዝን ሓግዝዎ። ዜደንቕ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተፈጸመ ኣረድእዎ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ምስ ውሉድኩም ሓቢርኩም ጸልዩ፡ ምእንታኡ እውን ጸልዩ። ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ የሆዋ ነቲ ንእምነት ውሉድኩም ንምድልዳል እትገብርዎ ጻዕርታት ከም ዚባርኾ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም።—2 ዜና 15:7

መዝሙር 133 ብንእስነትና ንየሆዋ ነምልኮ

a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org እትርከብ፡ The Wonders of Creation Reveal God’s Glory—Patterns ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

b ውሉድካ ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ እንተ ዛዚምዋ፡ ኣብ 3ይ ክፋል4ይ ክፋልን ዚርከብ ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ገሊኡ ትምህርትታት ምስኡ ኽትክልሶ ትኽእል ኢኻ።

c ኣብ ናይ መስከረም 2006 ንቕሑ! ዝወጸት፡ “Why We Believe in a Creator” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ከምኡ ድማ ነታ The Origin of Life—Five Questions Worth Asking ዘርእስታ ብሮሹር ርአ። ተወሳኺ ኣብነታት ንምርካብ፡ ኣብ jw.org ዚርከብ ርእይቶታት ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዘርእስቱ ተኸታታሊ ቪድዮታት ርአ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ብዛዕባ ድሮን ተገዳስነት ዘለዎ መማህርቱ፡ ካብተን ተነዲፉ ድዩ፧ ዘርእስተን ቪድዮታት የርእዮ።