ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፕሮጀክት መጽናዕቲ

እሙናት ሰባት መብጽዓኦም ይፍጽሙ

እሙናት ሰባት መብጽዓኦም ይፍጽሙ

መሳፍንቲ 11:30-40 ኣንብብ እሞ፡ ካብ ዛንታ ይፍታሕን ጓሉን መብጽዓ ብዛዕባ ምፍጻም ተምሃር።

ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት መርምሮ። እሙናት እስራኤላውያን ነቲ ንየሆዋ ዚኣትዉሉ መብጽዓ ብኸመይ ይርእይዎ ነይሮም፧ (ዘሁ. 30:2) ይፍታሕን ጓሉን ኣብ የሆዋ እምነት ከም ዘለዎም ብኸመይ ኣርእዮም፧—መሳ. 11:9-11, 19-24, 36

ኣዕሚቝካ ዅዓት። ይፍታሕ መብጽዓ ኺመባጻዕ ከሎ፡ እንታይ ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፧ (w16.04 7 ¶12) ይፍታሕን ጓሉን ነቲ መብጽዓ ንምፍጻም፡ እንታይ መስዋእትታት እዮም ገይሮም፧ (w16.04 7-8 ¶14-16) ሎሚ ክርስትያናት እንታይ መብጽዓ እዮም ኪመባጽዑ ዚኽእሉ፧—w17.04 5-8 ¶10-19

ትምህርቲ ርኸብ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

  • ‘ነቲ ርእሰይ ክውፊ ኸለኹ ዝኣቶኽዎ መብጽዓ ንምሕላው እንታይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧’ (w20.03 13 ¶20)

  • ‘ንየሆዋ ብዝያዳ ንምግልጋል እንታይ መስዋእትታት ክገብር እኽእል፧’

  • ‘መብጽዓ ቓል ኪዳነይ ንምድልዳል እንታይ ክገብር እኽእል፧’ (ማቴ. 19:5, 6፣ ኤፌ. 5:28-33)