ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 48

መዝሙር 97 ሰብ ብቓል ኣምላኽ እዩ ዚነብር

ካብቲ ብተኣምር እተረኽበ እንጌራ እንታይ ንምሃር፧

ካብቲ ብተኣምር እተረኽበ እንጌራ እንታይ ንምሃር፧

“እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። እቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ኣይኪጠምን . . . እዩ።”ዮሃ. 6:35

ኣትኵሮ

ካብቲ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 6 ዚርከብ የሱስ ንብዙሓት ህዝቢ ንምምጋብ እንጌራን ዓሳን ዘባዝሓሉ ዛንታ እንረኽቦ ትምህርቲ።

1. ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክሳዕ ክንደይ እዩ እንጌራ ዝውቱር ነይሩ፧

 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንጌራ ንብዙሓት ሰባት ቀንዲ ምግቦም እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 14:18፣ ሉቃ. 4:4) ኣዝዩ ዝውቱር ካብ ምንባሩ እተላዕለ፡ ሓድሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግቢ ብሓፈሻ ንምምልካት “እንጌራ” ይብል እዩ። (ማቴ. 6:11) ኣብ ክልተ ኻብቲ ኣጸቢቑ ዚፍለጥ ተኣምራት የሱስ እውን፡ እንጌራ ኣገዳሲ እጃም ነይርዎ እዩ። (ማቴ. 16:9, 10) ሓደ ኻብቲ ዛንታታት እቲ፡ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 6 ይርከብ። ነዚ ዛንታ እዚ ኽንመያየጠሉ ኸለና፡ ሎሚ ኽንትግብሮ እንኽእል ትምህርትታት ክንረክብ ኢና።

2. ኣብ ምንታይ ኵነታት እዩ ምግቢ ዘድለየ፧

2 ሃዋርያት የሱስ ካብ ስብከት ምስ ተመልሱ፡ የሱስ ምእንቲ ኼዕርፉ ኢሉ ብጃልባ ናብ ስግር ባሕሪ ገሊላ ወሰዶም። (ማር. 6:7, 30-32፣ ሉቃ. 9:10) ኣብ ቤት-ሳይዳ ናብ ዚርከብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። ነዊሕ ከይጸንሑ ግና፡ ኣሽሓት ህዝቢ መጺኦም ዓጐጕዎም። የሱስ ነቶም ህዝቢ ገጽ ኣይከልኦምን። ግዜ ወሲዱ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መሃሮም፡ ሕሙማቶም ድማ ኣሕወየ። ኪመሲ ምስ ጀመረ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ዚኸውን ምግቢ ኻበይ ከም ዚርከብ ኣተሓሳሰቦም። ገለ ኻብቶም ህዝቢ እተወሰነ ምግቢ እኳ እንተ ነበሮም፡ መብዛሕትኦም ናብ ኣቝሻት ከይዶም ዚብላዕ ኪዕድጉ ኸም ዘለዎም ግና እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሓሰቡ። (ማቴ. 14:15፣ ዮሃ. 6:4, 5) እሞ ደኣ የሱስ እንታይ ገበረ፧

ብተኣምር እተረኽበ እንጌራ

3. የሱስ ንሃዋርያቱ፡ ነቶም ህዝቢ እንታይ ኪገብሩሎም እዩ ኣዚዝዎም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

3 የሱስ ንሃዋርያቱ፡ “ኪኸዱ ኣየድልዮምን እዩ፣ ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም” በሎም። (ማቴ. 14:16) እንተዀነ ግና፡ ኣብኡ ኣስታት 5,000 ሰብኡት ስለ ዝነበሩ፡ እዚ ቐሊል ኣይነበረን። ኣንስትን ቈልዑን ምስ ዚቝጸሩ ድማ፡ ዚብላዕ ዜድልዮም 15,000 ሰባት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ማቴ. 14:21) ሽዑ፡ እንድርያስ፡ “ሓሙሽተ ጎጎ ስገምን ክልተ ንእሽቶ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ ኣሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ፧” በለ። (ዮሃ. 6:9) ጎጎ ስገም መብዛሕትኡ ግዜ ብድኻታት ዚዝውተር ምግቢ እዩ ነይሩ፣ እቲ ንኣሽቱ ዓሳታት ከኣ ጨው ተገይሩሉ ዝነቐጸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ቘልዓ ሒዝዎ ዝነበረ ምግቢ፡ ነቶም ብዙሓት ህዝቢ ዚኣክል ኣይነበረን።

የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ ብመንፈሳዊ ዀነ ብስጋዊ መዳይ ዜድልዮም ነገራት ኣማልኣሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)


4. ካብ ዮሃንስ 6:11-13 እንታይ ንምሃር፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

4 የሱስ ንኣጋይሹ ኼአንግድ ብምድላዩ፡ በብጕጅለ ዀይኖም ኣብ ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። (ማር. 6:39, 40፣ ዮሃንስ 6:11-13 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ ስለቲ እንጌራን ዓሳን ንኣቦኡ ኣመስገነ። እቲ ምግቢ ኻብ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ምስጋና ይግብኦ እዩ። እምበኣር፡ ንሕና እውን ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ኣብ በይንና ንኹን ወይ ካልኦት ኣብ ዘለውዎ፡ ምግቢ ቕድሚ ምብላዕና ኽንጽሊ ኣሎና። ድሕርዚ፡ የሱስ ነቲ ምግቢ ኸም ዚዕድልዎም ገበረ። እቶም ህዝቢ ድማ በሊዖም ጸገቡ፣ ተረፍ እውን ኣትረፉ፣ የሱስ ድማ ኪባኽን ኣይደለዮን። ስለዚ፡ ንደሓር ኪኸውን ኢሉ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚእክብዎ ገበረ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ፡ ንጥሪትና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ዚሕግዝ ኣርኣያ ሓዲጉልና እዩ። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ነዚ ዛንታ እዚ ምስ ደቅኻ ኸተንብቦ እሞ፡ ብዛዕባ ጸሎትን ምቕባል ጋሻን ልግስን ክትመያየጡሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ቅድሚ ምብላዐይ እጽሊ ድየ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)


5. እቶም ህዝቢ ነቲ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ፡ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዝሓሰቡ፧ ንሱኸ እንታይ ገበረ፧

5 እቶም ህዝቢ ብኣመሃህራን ብተኣምራትን የሱስ ተገረሙ። ኣምላኽ ፍሉይ ነብዪ ኸም ዜተንስኣሎም ሙሴ ነጊርዎም ብምንባሩ ኸኣ፡ ‘እዚ የሱስሲ፡ ንሱ ደዀን ይኸውን፧’ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘዳ. 18:15-18) ንሱ እንተ ዀይኑ፡ ብሉጽ ገዛኢ ኸም ዚኸውን፡ ምናልባት እውን ንብዘሎ እስራኤል ምግቢ ኸም ዚህብ ገይሮም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ንየሱስ “ብሓይሊ ሒዞም ኬንግስዎ” ደለዩ። (ዮሃ. 6:14, 15) የሱስ ከምኡ ኺገብሩ እንተ ዚፈቕደሎም ነይሩ፡ ኣብ ፖለቲካ እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ኣይሁድ ምኣተወ። እሞኸ ፈቒዱሎምዶ፧ ኣይፋልን። እቲ ዛንታ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ የሱስ “ናብ ከረን ኣልገሰ” ይብለና። ስለዚ፡ ጸቕጢ እኳ እንተ ተገብረሉ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ኣየእተወን። እዚ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚዀነና!

6. ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ከም እንደሊ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

6 መሸም፡ ኣብዚ ግዜና፡ እንጌራ ኸነባዝሕ ወይ ሕሙማት ብተኣምር ከነሕዊ ኣይንሕተትን ኢና፣ ኬንግሱና ወይ መራሒ ሃገር ኪገብሩና ዚፍትኑ ሰባት እውን የለዉን። ኰይኑ ግና፡ ለውጢ የምጽእ ኢሎም ንዝሓሰብዎ ሰብ ድምጽና ብምሃብ ወይ ብምድጋፍ፡ ኣብ ፖለቲካ ኽንኣቱ ይደፋፍኡና ይዀኑ። የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ግና ንጹር እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዱ ኣየእተወን፣ ጸኒሑ ኸኣ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በለ። (ዮሃ. 17:14፣ 18:36) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ንኣተሓሳስባን ንተግባራትን የሱስ ኬንጸባርቑ ኣለዎም። እወ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኢና እንድግፍ፡ ብዛዕባኣ ኢና እንምስክር፡ ምእንታኣ እውን ኢና እንጽሊ። (ማቴ. 6:10) ሕጂ፡ ናብቲ የሱስ ብተኣምር እንጌራ ዘባዝሓሉ ኣጋጣሚ ምልስ ኢልና፡ ካብኡ እንታይ ተወሳኺ ትምህርቲ ኸም ዚርከብ ንርአ።

የሱስ ኣብ ፖለቲካ ኣይሁድን ሮሜን ኢዱ ብዘይምእታው፡ ንሰዓብቱ ኣብነት ሓደገሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)


“ትርጉም እቲ እንጌራ”

7. የሱስን ሃዋርያቱን እንታይ እዮም ዝገበሩ፧ (ዮሃንስ 6:16-20)

7 የሱስ ነቶም ህዝቢ ምስ መገቦም፡ ንሃዋርያቱ ብጃልባ ናብ ቅፍርናሆም ሰደዶም፡ ንሱ ግና ናብ ከረን ደየበ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብቲ እቶም ህዝቢ ኼንግስዎ ኢሎም ዚገብርዎ ዝነበሩ ጻዕርታት ረሓቐ። (ዮሃንስ 6:16-20 ኣንብብ።) እቶም ሃዋርያት ብጃልባ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ብርቱዕ ንፋስን ማዕበልን ተላዕለ። የሱስ ከኣ ብማየ ማይ እናኸደ ናባታቶም በጽሐ። ንሃዋርያ ጴጥሮስ ድማ ብማየ ማይ ናብኡ ኺመጽእ ጸውዖ። (ማቴ. 14:22-31) የሱስ ናብታ ጃልባ ምስ ደየበ፡ እቲ ንፋስ ሃድአ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” በልዎ። a (ማቴ. 14:33) ኰይኑ ግና፡ ኣብ መንጎ እዚ ተኣምር እዝን ኣቐዲሙ ኣብቶም ህዝቢ ዝገበሮ ተኣምርን ዘሎ ምትእስሳር ኣየስተውዓልዎን። ማርቆስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “[እቶም ሃዋርያት] ኣዝዮም ኣስተንከሩ፣ ከመይሲ፡ ልቦም ተደፊኑ ነበረ እምበር፡ ትርጉም እቲ እንጌራ ኣይተረድእዎን ነበሩ።” (ማር. 6:50-52) እወ፡ የሆዋ ንየሱስ፡ ተኣምራት ንምግባር ክሳዕ ክንደይ ሓይሊ ኸም ዝሃቦ ኣይተረድኦምን ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ የሱስ ነቲ ናይ እንጌራ ተኣምር ብምጥቃስ፡ ካብኡ እንታይ ትምህርቲ ኸም ዚርከብ ገለጸሎም።

8-9. እቶም ህዝቢ ንየሱስ ዝሰዓብዎ ስለምንታይ እዮም፧ (ዮሃንስ 6:26, 27)

8 እቶም ብየሱስ እተመገቡ ህዝቢ ኣብ ስጋዊ ድሌቶምን ትምኒቶምን ጥራይ ዘተኰሩ እዮም ነይሮም። ብኸመይ እዮም ኣብኡ ኣተኲሮም፧ ንጽብሒቱ፡ የሱስን ሃዋርያቱን ካብቲ ቦታ ኸም ዝኸዱ ረኣዩ። ስለዚ፡ ካብ ጢቤርያስ ናብ ዝመጻ ጃለቡ ደዪቦም፡ ንየሱስ ንምርካብ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። (ዮሃ. 6:22-24) እሞ ደኣ ብቐዳምነት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ኢሎም ድዮም ከምኡ ዝገበሩ፧ ኣይፋልን። ብቐዳምነት፡ እንጌራ ረኺቦም ከብዶም ኪመልኡ እዮም ዚደልዩ ነይሮም። ከምኡ ይሓስቡ ምንባሮም፡ ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

9 እቶም ህዝቢ ንየሱስ ኣብ ጥቓ ቅፍርናሆም ረኸብዎ። ሽዑ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ ብቐዳምነት ስጋዊ ድሌቶም ንምርዋይ ከም ዝደለይዎ ተዛረቦም። ‘ካብቲ ጎጎታት እኳ እንተ በልዑን እንተ ጸገቡን፡’ እዚ “ዚበላሾ ምግቢ” ምዃኑ ገለጸሎም። “ንህይወት ዘለኣለም ዚነብር ምግቢ ዕየዩ” ኢሉ እውን ተማሕጸኖም። (ዮሃንስ 6:26, 27 ኣንብብ።) ኣቦኡ ኸምዚ ዓይነት ምግቢ ኸም ዚህቦም ነገሮም። እቲ ምግቢ እቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዚመርሕ ምዃኑ፡ ኣገሪምዎም ኪኸውን ኣለዎ! እንታይ ዓይነት ምግቢ እዩ ኸምኡ ኺገብር ዚኽእል፧ እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩኸ ነዚ ምግቢ እዚ ብኸመይ እዮም ኪረኽብዎ ዚኽእሉ፧

10. እቶም ህዝቢ ብዛዕባ እንታይ “ግብሪ ኣምላኽ” እዮም ኪምሃሩ ነይርዎም፧

10 እቶም ኣይሁድ እቲኦም ነቲ ምግቢ እቲ ንምርካብ እንታይ ግብሪ ኺገብሩ ኸም ዚግባእ ኪፈልጡ ደለዩ። ምናልባት ብዛዕባ ናይ ሕጊ ሙሴ “ግብሪ” ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ግና፡ “ግብሪ ኣምላኽ፡ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” በሎም። (ዮሃ. 6:28, 29) ሓደ ሰብ ‘ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ፡’ በቲ ተወካሊ ኣምላኽ ኪኣምን ኣለዎ። የሱስ ኣቐዲሙ ብዛዕባ እዚ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 3:16-18, 36) ደሓር እውን ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ ተወሳኺ ሕሳባት ሂቡ እዩ።—ዮሃ. 17:3

11. እቶም ኣይሁድ እቲኦም ከብዶም ብእንጌራ ኣብ ምምላእ ጥራይ ኣተኲሮም ምንባሮም ብኸመይ እዮም ኣርእዮም፧ (መዝሙር 78:24, 25)

11 እቶም ኣይሁድ እቲኦም ነቲ የሱስ ብዛዕባ ሓድሽ “ግብሪ ኣምላኽ” ዝመሃሮም ትምህርቲ ኣይተቐበልዎን። ስለዚ፡ “ርኢና ኽንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ ትገብር ኣለኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ዮሃ. 6:30) ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ ኣቦታቶም ማና ኸም እተዋህቦም ጠቐሱ፣ እዚ ድማ ንኣቦታቶም እንጌራኦም እዩ ነይሩ። (ነህ. 9:15፣ መዝሙር 78:24, 25 ኣንብብ።) ገና ቓል ብቓሉ እንጌራ ኣብ ምርካብ እዮም ኣተኲሮም ነይሮም። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ህይወት ዚህብ ማና ዝዀነ ‘ኻብ ሰማይ እተዋህበ ናይ ሓቂ እንጌራ’ ምስ ተዛረበ እኳ፡ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይሓተትዎን። (ዮሃ. 6:32) ኣብቲ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ኣመና ኻብ ምትኳሮም እተላዕለ፡ ነቲ የሱስ ኬካፍሎም ዚፍትን ዝነበረ መንፈሳዊ ሓቅታት ዕሽሽ በልዎ። እሞ ደኣ ኻብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ንምሃር፧

ብቐዳምነት እነተኵረሉ ነገር

12. ብኸመይ እዩ የሱስ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ እንታይ ምዃኑ ዝሓበረ፧

12 ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 6 ዚርከብ ቀንዲ ትምህርቲ እዚ እዩ፦ ብቐዳምነት ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኢና ኸነተኵር ዘሎና። የሱስ ነቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ ፈተና ምላሽ ኪህብ ከሎ፡ ነዚ ነጥቢ እዚ ኸም ዘጕልሐ ንዝክሮ ኢና። (ማቴ. 4:3, 4) ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ እውን፡ መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ ኸም ዚባረኹ ኣጕልሑ ኣሎ። (ማቴ. 5:3) ስለዚ፡ ‘ካብ ስጋዊ ትምኒታተይ ንላዕሊ፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዘተኵር ኣብ ኣነባብራይ ይርአ ድዩ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።

13. (ሀ) ብምግቢ ምሕጓስ ጌጋ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ መጠንቀቕታ ኢና ኸነተኵረሉ ዘሎና፧ (1 ቈረንቶስ 10:6, 7, 11)

13 ብዛዕባ እቲ ብስጋ ዜድልየና ነገራት ምጽላይን በዚ ምሕጓስን ጌጋ የብሉን። (ሉቃ. 11:3) ብጻዕርና “ምብላዕን ምስታይን” ሓጐስ የምጽእ እዩ፣ እዚ ድማ “ካብ ኢድ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ” እዩ። (መክ. 2:24፣ 8:15፣ ያእ. 1:17) ኰይኑ ግና፡ ንስጋዊ ነገራት ቀዳምነት ከይንህብ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኣጋ መወዳእታ ስርዓት ኣይሁድ ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ ነዚ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ኣብ ሕሉፍ እዋን፡ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ጥቓ ኸረን ሲና ዘጋጠመ ነገር ኣዘኻኸሮም። ንክርስትያናት ከኣ፡ “ከምቲ [እስራኤላውያን] እተመነይዎ፡ ንሕና እውን እከይ ምእንቲ ኸይንምነ” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (1 ቈረንቶስ 10:6, 7, 11 ኣንብብ።) እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ብተኣምር ዝሃቦም ምግቢ፡ ናብ “እከይ” እዮም ቀዪሮምዎ። (ዘሁ. 11:4-6, 31-34) ኣብ ቅድሚ እቲ ምራኽ ወርቂ ድማ፡ በሊዖምን ሰትዮምን ተሓጒሶምን እዮም። (ዘጸ. 32:4-6) ጳውሎስ ነዚ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ነገራት፡ ነቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ብ70 ድ.ክ. ዝመጸ መወዳእታ ስርዓት ኣይሁድ ዝነበሩ ክርስትያናት ከም መለበሚ ገይሩ ጠቐሰሎም። ሕጂ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ስርዓት ዓለም ኢና እንነብር ዘለና፣ ስለዚ፡ ንምኽሪ ጳውሎስ ኣርዚንና ኽንርእዮ ኣሎና።

14. ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ምስ ምግቢ ብእተተሓሓዘ እንታይ ኵነታት ኢና እንጽበ፧

14 የሱስ ብዛዕባ “ናይ ዕለት እንጌራና” ኽንጽሊ ኸም ዚግባእ ኪምህር ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ “ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ” ዚዀነሉ ግዜ ኽንጽሊ እውን ምሂሩ እዩ። (ማቴ. 6:9-11) እሞ ደኣ ሽዑ ዓለም ከመይ እትኸውን ይመስለካ፧ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምስ ኰነ፡ ጥዑም ምግቢ ኸም ዚህሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 25:6-8 ተገሊጹ ዘሎ፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ የሆዋ ኣኺሉ ዚተርፍ ስጋዊ ምግቢ ኺህሉ እዩ። መዝሙር 72:16 እውን፡ “ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ” ኢላ ትንበ። እሞ ደኣ በቲ እኽሊ እቲ ጌርካ እትፈትዎ ዓይነት እንጌራ ወይ ሓድሽ ዓይነት እንጌራ ኽትስንክትዶ ትደሊ፧ ብተወሳኺ ኸኣ፡ ፍረ እቲ ባዕልኻ ዝተኸልካዮ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትበልዕ ኢኻ። (ኢሳ. 65:21, 22) ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም እውን ከምዚ ዓይነት በረኸት ኪረኽቡ እዮም።

15. ኣብቲ ዚመጽእ ትንሳኤ እንታይ ትምህርቲ እዩ ኺህሉ፧ (ዮሃንስ 6:35)

15 ዮሃንስ 6:35 ኣንብብ። እቶም ካብቲ የሱስ ዘባዝሖ እንጌራን ዓሳን ዝበልዑ ሰባት እንታይ መጻኢ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧ ኣብቲ ዚመጽእ ትንሳኤ፡ ንገሊኦም ንረኽቦም ንኸውን። ኣብ ሕሉፍ ብእምነት እኳ እንተ ዘይተመላለሱ፡ ይትንስኡ ይዀኑ። (ዮሃ. 5:28, 29) እንተዀነ ግና፡ እቲ የሱስ፡ “እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። እቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ኣይኪጠምን . . . እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት እንታይ ማለት ምዃኑ ኺምሃሩ ኣለዎም። ኣብቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ኺኣምኑ፡ ማለት የሱስ ምእንታኦም ህይወቱ ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበ እምነት ኬሕድሩ ኣለዎም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቶም ካብ ምዉታት ዝተንስኡን ነቶም ሽዑ ዚውለዱን ዚኸውን መደብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኺህሉ እዩ። ንዓታቶም ምምሃርሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜሐጕስ ኪኸውን እዩ! ኣብኡ ዚህልወካ ተሳትፎ፡ ቃል ብቓሉ እንጌራ ብምብላዕ ካብ ዚርከብ ባህታ ንላዕሊ ኺፈጥረልካ እዩ። እወ፡ ሽዑ ብቐዳምነት ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኢና ኸነተኵር።

16. ኣብ ዚቕጽል እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

16 ክሳዕ ሕጂ ገለ ኽፋል ዮሃንስ ምዕራፍ 6 ኢና መርሚርና፣ የሱስ ግና ብዛዕባ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ብዙሕ እዩ ምሂሩ። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣይሁድ ነዚ ኬቕልቡሉ ነይርዎም፣ ንሕና እውን ከነቕልበሉ ኣሎና። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ዝተረፈ ኽፋል ዮሃንስ ምዕራፍ 6 ኽንምርምር ኢና።

መዝሙር 20 ፍቑር ወድኻ ሂብካ

a ብዛዕባ እዚ መሳጢ ዛንታ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን ገጽ 131፡ ከምኡ እውን ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ ገጽ 185 ርአ።