ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 51

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

የሆዋ ንዅሉ ንብዓትካ ይፈልጦ እዩ

የሆዋ ንዅሉ ንብዓትካ ይፈልጦ እዩ

“ንንብዓተይ ኣብ ሓርብኻ ኣክቦ። ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተመዝገበን፧”መዝ. 56:8

ኣትኵሮ

የሆዋ ንስቓይና ኣጸቢቑ ኸም ዚርድኣልናን ብኸመይ መጸናንዒ ኸም ዚህበናን።

1-2. እንታይ ኵነታት እዩ ኼንብዓና ዚኽእል፧

 ኵላትና ነቢዕና ንፈልጥ ኢና። ኣዝዩ ዜሐጕስ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብሓጐስ ንነብዕ ኢና። ምናልባት ብፍሉይ ዜገድሰካ ነገር ወይ ብፍሉይ ዚትንክየካ ነገር ምስ ኣጋጠመካ፡ ንኣብነት፡ ውሉድካ ምስ ተወልደ፡ ፍሉይ ጦብላሕታ ዘሕደረልካ ነገር ምስ ዘከርካ፡ ወይ ምስ እትፈትዎ ዓርክኻ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ምስ ተራኸብኩም ነቢዕካ ትኸውን።

2 መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ብሰንኪ ስቓይ ልብና ኢና እንነብዕ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኣመና ምስ ኣጕሃየና ንነብዕ ኢና። ብሰንኪ ዜቐንዙ ሕማም ወይ ብሰንኪ ሞት እንፈትዎ ሰብና ኸቢድ ስቓይ ከነሕልፍ ከለና እውን ንነብዕ ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ከምቲ የሩሳሌም ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ምስ ወደቐት ንነብዪ ኤርምያስ እተሰምዖ ስምዒት ይስምዓና ይኸውን። ንሱ፡ “ወሓይዝ ማይ ካብ ኣዒንተይ ይውሕዝ ኣሎ። ኣዒንተይ ከየቋረጻን ከየዕረፋን ይነብዓ ኣለዋ” ብምባል ስምዒቱ ገሊጹ እዩ።—ድጕ. 3:48, 49

3. የሆዋ ንጭንቂ ገላዉኡ ኺርኢ ኸሎ እንታይ ይስምዖ፧ (ኢሳይያስ 63:9)

3 የሆዋ ብሰንኪ ዜጨንቕ ኵነታት ክንደይ ከም ዝነባዕና ይፈልጥ እዩ። ንዅሉ እቲ ገላዉኡ ዜሕልፍዎ ስቓይ ከም ዚፈልጦ፡ ኣውያትና እውን ከም ዚሰምዕ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። (መዝ. 34:15) እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ኻብ ምርኣይን ካብ ምስማዕን ንላዕሊ እውን ይገብር እዩ። ከም ፈቃር ወላዲ ስለ ዝዀነ፡ ደቁ ኺነብዑ ኸለዉ ኣጸቢቑ ይጕሂ፡ ንምሕጋዞም እውን ይለዓዓል እዩ።—ኢሳይያስ 63:9 ኣንብብ።

4. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኻብ ዚርከብ ኣብነታት ብዛዕባ ኣተሓሳስባ የሆዋ እንታይ ንምሃር፧

4 የሆዋ፡ ገላዉኡ ኺነብዑ ኸለዉ እንታይ ከም ዚገብር ኣብ ቃሉ ገሊጹልና ኣሎ። ንኣብነት፡ ካብቲ ንሃናን ንዳዊትን ንንጉስ ህዝቅያስን ኣብ ህይወቶም ዘጋጠሞም ነገራት፡ እዚ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ስለምንታይ እዮም ነቢዖም፧ የሆዋ ንኣውያቶም ብኸመይ መሊሱሎም፧ ብሰንኪ ሓዘን፡ ጥልመት፡ ወይ ቅብጸት ክንነብዕ ከለናኸ፡ ካብ ተመክሮኦም ብኸመይ ንጸናናዕ፧

ናይ ሓዘን ንብዓት

5. ሃና ብሰንኪ ዅነታታ ኸመይ እዩ ተሰሚዕዋ ነይሩ፧

5 ሃና ናይ ሓዘን ንብዓት ከም እትነብዕ ዝገበራ ተደራራቢ ጸገማት ኣጋጢምዋ እዩ። ሓደ ኻብዚ ጸገማት እዚ፡ ሰብኣያ ጵኒና እትብሃል ካልኣይቲ ሰበይቲ ዝነበረቶ ምዃኑ እዩ። ጵኒና ኸኣ ንሃና ትንዕቃ ነበረት። እዚ ኸይኣክል ድማ፡ ሃና ውሉድ ኣይነበራን፡ ጵኒና ግና ውሉዳት ነበርዋ። (1 ሳሙ. 1:1, 2) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ጵኒና ንሃና ብተደጋጋሚ ተባጭወላ ነበረት። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ከመይ ምተሰምዓካ፧ ሃና ኣመና ትጕሂ ብምንባራ፡ “ትበኪ ነበረት፡ ኣይትበልዕን እውን ነበረት፡” ብዘይካዚ እውን “ኣመና ተመሪራ” ነበረት።—1 ሳሙ. 1:6, 7, 10

6. ሃና ምጽንናዕ ንምርካብ እንታይ እያ ገይራ፧

6 እሞ ደኣ ብኸመይ እያ ሃና እተጸናንዐት፧ ሓደ ኻብቲ ዝሓገዛ ነገር፡ ናብቲ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበረ ማሕደር ምኻዳ እዩ። ኣብኡ ድማ ምናልባት ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ኰይና፡ “ናብ የሆዋ ትጽልን ብዙሕ ትበክን ነበረት።” ንየሆዋ ኸኣ፡ “ጸበባ ገረድካ እንተ ርኢኻን እንተ ዘኪርካንን” እናበለት ኪረድኣ ለመነቶ። (1 ሳሙ. 1:10ለ, 11) በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ልባ ዘሎ ዅሉ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣፍሰሰት። የሆዋ ድማ ንብዓት እታ ፍቕርቲ ጓሉ ምስ ረኣየ፡ ብዙሕ ራሕሪሑላ ኪኸውን ኣለዎ!

7. ሃና ነቲ ኣብ ልባ ዘሎ ናብ የሆዋ ብምፍሳስ እንታይ ምጽንናዕ እያ ዝረኸበት፧

7 ሃና ነቲ ኣብ ልባ ዘሎ ብጸሎት ናብ የሆዋ ምስ ኣፍሰሰትን ካብ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት መተባብዒ ምስ ረኸበትን ከመይ ተሰሚዕዋ፧ እቲ ዛንታ ኣስዒቡ ኸምዚ ይብል፦ “እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደት፡ በልዐት ከኣ፡ ደጊም እውን ጓሂ ኣብ ገጻ ኣይተራእየን።” (1 ሳሙ. 1:17, 18) እቲ ዜጨንቕ ኵነታታ እኳ እንተ ዘይተቐየረ፡ ንሳ ግና እፎይታ ረኸበት። ስምዒታዊ ጾራ ናብ የሆዋ ደርብያቶ። ንሱ ድማ ጭንቃ ረኣየ፡ ኣውያታ ሰምዐ፡ ውሉድ ከም እትረክብ እውን ገበራ።—1 ሳሙ. 1:19, 20፣ 2:21

8-9. ምስ እብራውያን 10:24, 25 ብምስምማዕ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምእካብ ዚከኣለና ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

8 ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ። ናይ ሓዘን ንብዓት ከም እትነብዕ ዚገብረካ ኣጸጋሚ ዅነታት ዲኻ እተሕልፍ ዘለኻ፧ ምናልባት ብሞት ኣባል ቤተ ሰብካ ወይ ብሞት ፈታዊኻ ትሓዝን ትህሉ ትኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋናት፡ በይንኻ ኽትከውን ምድላይ ንቡር እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ሃና ናብቲ ማሕደር ብምኻድ እተጸናንዐትን እተተባብዐትን፡ ዋላ እውን ከቢዱካ ኸሎ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምኻድ ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ። (እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።) ኣብ ኣኼባታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጸናንዕ ሓሳባት ንሰምዕ ኢና። የሆዋ ድማ በዚ ኣቢሉ፡ ኣሉታዊ ሓሳባት ብኣወንታዊ ኽንትክእ ይሕግዘና እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ዋላ እውን ኵነታትና ብኡብኡ እንተ ዘይተመሓየሸ፡ ስምዒትና ኽንቈጻጸር ንኽእል ኢና።

9 ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣኼባታትና ብሓቂ ዚርሕርሑልና ክርስትያን ብጾት ኣለዉና። መግለጺ ሓልዮቶምን ፍቕሮምን ከኣ የተባብዓና እዩ። (1 ተሰ. 5:11, 14) ሰበይቱ ዝሞተቶ ፍሉይ ፈላሚ ዀይኑ ዜገልግል ሓው ከምዚ ብምባል ተመክሮኡ ይገልጽ፦ “ክሳዕ ሕጂ እነብዕ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ኵርናዕ ኮፍ ኢለ እበኪ እየ። ኣኼባታትና ግና ብሓቂ እዩ ኣተባቢዑኒ። እቲ ኻብ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝሰምዖ ጥዑም ቃል፡ ብሓቂ የጸናንዓኒ እዩ። ናብ ኣኼባ ቕድሚ ምኻደይ ዝነበረኒ ጭንቀት ብዘየገድስ፡ ኵሉ ሳዕ ኣብኡ ይፈዅሰኒ እዩ።” ኣብ ኣኼባታትና ኽንእከብ ከለና፡ የሆዋ ብኣሕዋትናን ብኣሓትናን ገይሩ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

ካብ ክርስትያናት ብጾትና ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)


10. ስምዒታዊ ስቓይ ኬጋጥመና ኸሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት ሃና እንስዕብ፧

10 ሃና ስምዒታ ብጸሎት ናብ የሆዋ ብምፍሳስ ተጸናኒዓ እያ። ንስኻ እውን፡ የሆዋ ኸም ዚሰምዓካ ብምትእምማን፡ ‘ጭንቀትካ ናብኡ ኽትድርብዮ’ ትኽእል ኢኻ። (1 ጴጥ. 5:7) ሰብኣያ ብዕጡቓት ዘረፍቲ እተቐትላ ሓብቲ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ልበይ ሕምሽሽ ዝበለ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፣ መሊሰ ዝጥዒ እውን ኣይመሰለንን ነይሩ። ናብቲ ሰማያዊ ኣቦይ የሆዋ ምስ ጸለኹ ግና፡ ተጸናኒዐን ተደዓዒሰን። ሓድሓደ ግዜ፡ ስምዒተይ ዝገልጸሉ ቓላት ይጠፍኣኒ ነይሩ እዩ፣ ንሱ ግና ተረዲኡለይ። ስምዒተይ ኪርበጽ ከሎ፡ ሰላም ንምርካብ እጽሊ እየ። ድሕሪኡ፡ ልበይን ኣእምሮይን ስለ ዚሃድእ፡ ክቕጽል እኽእል።” ዜተሓሳስበካ ነገር ናብ የሆዋ እንተ ኣፍሲስካዮ፡ በቲ ናይ ሓዘን ንብዓትካ ኣጸቢቑ ይጕሂ፡ ስቓይ ልብኻ እውን ይርድኦ እዩ። እቲ ዜጨንቐካ ዅነታት እኳ እንተ ዘይተወገደ፡ የሆዋ ንእተረበሸ ልብኻ ኼደዓዕሶ ይኽእል እዩ፡ ሰላም ክትረክብ ከኣ ይሕግዘካ እዩ። (መዝ. 94:19፣ ፊል. 4:6, 7) ብተኣማንነት ስለ እተጻወርካ እውን፡ ዓስብኻ ኺህበካ እዩ።—እብ. 11:6

ናይ ጥልመት ንብዓት

11. ዳዊት ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞ ኣጸጋሚ ዅነታት ከመይ እዩ ተሰሚዕዎ፧

11 ዳዊት ኣብ ህይወቱ፡ ከም ዚነብዕ ዝገበሮ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣሕሊፉ እዩ። ገሊኦም ተጻቢኦምዎ እዮም፣ ዚኣምኖም ሰባት እውን ጠሊሞምዎ እዮም። (1 ሳሙ. 19:10, 11፣ 2 ሳሙ. 15:10-14, 30) ሓደ ግዜ፡ “ብእህህታይ ደኺመ፣ ምሉእ ለይቲ ንዓራተይ ብንብዓት አጠስጥሶ ኣለኹ፣ ንመገምሰስየይ ብብኽያት ኣዕለቕሊቐዮ ኣለኹ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ተሰሚዕዎ፧ “ብሰሪ ዅሎም እቶም ዚጻረሩኒ” ኢሉ ምኽንያቱ ገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 6:6, 7) ካብ ሰባት ዝወረዶ ጕድኣት ኣመና ዜሳቒ ብምንባሩ፡ ንብዓቱ ብዘይምቍራጽ እዩ ውሒዙ።

12. ኣብ መዝሙር 56:8 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ዳዊት እንታይ እዩ ዚኣምን ነይሩ፧

12 ዳዊት ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅሮ ግና ይኣምን ነበረ። ስለዚ ድማ፡ “የሆዋ ንድምጺ ብኽያተይ ኪሰምዖ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 6:8) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ኣብ መዝሙር 56:8 ዚርከብ መሳጢ ቓላት ኣውስአ። (ኣንብብ።) እተን ቃላት እቲአን ብዛዕባ ሓልዮት የሆዋ ጽቡቕ ስእሊ እየን ዚስእላ። ዳዊት ንየሆዋ፡ ንንብዓቱ ኣብ ሓርቢ ኸም ዚእክቦ ወይ ኣብ መጽሓፍ ከም ዚጽሕፎ ገይሩ እዩ ስኢልዎ። ንስቓዩ ኸም ዚፈልጦን ከም ዚዝክሮን ድማ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ንጸገማቱ ይፈልጦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ እዚ ዜሕድረሉ ጽልዋ ኸም ዚርድኣሉ እውን ይኣምን ነይሩ እዩ።

13. ሰባት ኬጕህዩና ኸለዉ፡ ብምንታይ ኢና ኽንጸናናዕ እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ። እትኣምኖ ሰብ ስለ ዘጕሃየካ ወይ ስለ ዝጠለመካ፡ ብስምዒታዊ ጭንቂ ትሳቐዶ ኣለኻ፧ ሓዳር ንምምስራት ዝገበርካዮ ጻዕሪ ብሃንደበት ብምፍሻሉ፡ ሓዳርካ ብምፍራሱ፡ ወይ እትፈትዎ ሰብ ንየሆዋ ምግልጋል ብምሕዳጉ ልብኻ ጕህዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሓው ሰበይቱ ምስ ዘመወትን ሓዲጋቶ ምስ ከደትን እተሰምዖ ስምዒት ኪገልጽ ከሎ፡ “ብስምባድ ተዓኒደ እየ ተሪፈ፣ ከምኡ ኸም ዘጋጠመኒ እውን ክኣምን ኣይከኣልኩን። ዋጋ ኣልቦነትን ጓህን ቍጥዓን ተሰሚዑኒ” ይብል። ጥልመት ወይ ጓሂ እንተ ኣጋጢሙካ፡ የሆዋ ኸቶ ስለ ዘይሓድገካ ተጸናናዕ። እዚ ዝጠቐስናዮ ሓው፡ “ሰብኣዊ ርክባት ኪፈሽል ከም ዚኽእል፡ የሆዋ ግና ከውሕና ኸም ዝዀነ ተገንዚበ እየ። ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣጋጠመ፡ ወትሩ ምሳና እዩ። ንእሙናቱ ኣይሓድጎምን እዩ” ይብል። (መዝ. 37:28) ብዘይካዚ፡ ፍቕሪ የሆዋ ኻብ ናይ ዝዀነ ሰብ ከም ዚበልጽ ኣይንረስዕ። ጥልመት ብዙሕ ዜሳቒ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ የሆዋ ንዓኻ ዘለዎ ሓልዮት ግና ፈጺሙ ኣይጸልዎን እዩ። (ሮሜ 8:38, 39) እምበኣር፡ እቲ ኺመሓላለፍ እተደልየ ነጥቢ እዚ እዩ፦ ሰብ ንዓኻ ዚሕዘሉ መገዲ ብዘየገድስ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ የፍቅረካ እዩ።

የሆዋ ስቡር ንዝልቦም ቀረባኦም ምዃኑ፡ መጽሓፍ መዝሙር ተረጋግጸልና (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)


14. ኣብ መዝሙር 34:18 እንታይ መተባብዒ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧

14 ጥልመት ኬጋጥመና ኸሎ፡ በቲ ኣብ መዝሙር 34:18 ዚርከብ ዳዊት ዝጸሓፎ ዜተባብዕ ቃላት ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና። (ኣንብብ።) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እቶም “መንፈሶም እተደቝሰ” ተባሂሎም ዘለዉ፡ እቶም “ተስፋ ዚብሃል ዘይብሎም” ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ይገልጽ። የሆዋ ነቶም ብሰንኪ ኸቢድ ጓሂ ኸምኡ ዚስምዖም ሰባት ብኸመይ እዩ ዚሕግዞም፧ ከምቲ ፈቃር ወላዲ ንዝጨነቖ ውላዱ ዚሓቝፎን ዜጸናንዖን፡ የሆዋ እውን ብሰሪ ጥልመት ክንድቈስ ከለና ብዝያዳ ስለ ዚርሕርሓልናን ስለ ዚድግፈናን፡ “ቀረባኦም እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። ነቲ ስቡር ልብና ዀነ ነቲ እተደቝሰ መንፈስና ኼጸናንዕን ኬደዓዕስን ይደሊ እዩ። ነዚ ሕጂ ዘሎ መከራና ንምጽዋር ዜኽእል ብዙሕ ተስፋ እውን ይህበና እዩ።—ኢሳ. 65:17

ናይ ቅብጸት ንብዓት

15. እንታይ ኵነታት እዩ ንህዝቅያስ ከም ዚነብዕ ዝገበሮ፧

15 ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ወዲ 39 ዓመት ምስ ኰነ፡ ዘይምሕር ሕማም ከም ዘለዎ ፈለጠ። የሆዋ ድማ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ንህዝቅያስ፡ በቲ ሕማሙ ኸም ዚመውት ነገሮ። (2 ነገ. 20:1) ህዝቅያስ ተስፋ ዝነበሮ ኣይመስልን እዩ ነይሩ። በዚ ኣመና ብምሕዛኑ ኸኣ፡ ኣምሪሩ በኸየ። ብጸሎት እውን ካብ የሆዋ ሓገዝ ለመነ።—2 ነገ. 20:2, 3

16. ህዝቅያስ እናነብዐ ምስ ለመነ፡ የሆዋ እንታይ እዩ ገይሩሉ፧

16 የሆዋ በቲ ህዝቅያስ እናነብዐ ዘቕረበሉ ልማኖ ውሽጡ ተተንከየ፣ ንህዝቅያስ ከኣ፡ “ጸሎትካ ሰሚዐ፡ ንብዓትካ እውን ርእየ እየ። እንሆ ድማ፡ አሕውየካ ኣለኹ” በሎ። ብኢሳይያስ ኣቢሉ ድማ፡ ዕድመኡ ኸም ዚውስኸሉን ንየሩሳሌም ካብ ኢድ ኣሶራውያን ከም ዜናግፋን ቃል ኣተወሉ።—2 ነገ. 20:4-6

17. ከቢድ ጸገማት ጥዕና ኼጋጥመና ኸሎ፡ ብኸመይ እዩ የሆዋ ዚሕግዘና፧ (መዝሙር 41:3) (ስእሊ እውን ርአ።)

17 ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ። ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመካ ጸገም ጥዕና፡ ተስፋ ዘይብልካ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ ብጸሎት ናብ የሆዋ ቕረብ፣ ብንብዓት እውን ለምኖ። “እቲ ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ኣብ ኵሉ ጸበባና ኸም ዜጸናንዓና መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። (2 ቈረ. 1:3, 4) ሎሚ የሆዋ ንዅሉ ጸገማትና ኼወግደልና ኣይንጽበን ኢና፣ ብርግጽ ግና የጸናንዓና እዩ። (መዝሙር 41:3 ኣንብብ።) የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ፡ ክንጻወር ዜኽእለና ሓይልን ጥበብን ውሽጣዊ ሰላምን ይህበና እዩ። (ምሳ. 18:14፣ ፊል. 4:13) ኵሉ ሕማም ዘይህልወሉ ግዜ ኸም ዚመጽእ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ተስፋ ብምሃብ እውን የበርትዓና እዩ።—ኢሳ. 33:24

የሆዋ ብርታዐን ጥበብን ውሽጣዊ ሰላምን ብምሃብ ንጸሎትና ይምልሶ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)


18. ኣመና ፈታኒ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ እንታይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኣጸናኒዑካ፧ (“ ንብዓትና ዚደርዘልና ዜጸናንዕ ቃላት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

18 ህዝቅያስ ብቓላት የሆዋ ተጸናኒዑ እዩ። ንሕና እውን ብቓል ኣምላኽ ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና። የሆዋ ነቲ ኣብ ግዜ ጭንቂ ኼደዓዕሰና ዚኽእል ቃሉ ዓቂቡልና ኣሎ። (ሮሜ 15:4) ሓንቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትነብር ሓብቲ ሕማም መንሽሮ ኸም ዘለዋ ምስ ፈለጠት፡ ብዙሕ ነብዐት። ብዛዕባኡ ኸምዚ ብምባል ተዘንቱ፦ “ካብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሕልፊ ኢሳይያስ 26:3 ብዙሕ ኣጸናኒዓትኒ እያ። መብዛሕትኡ ግዜ ንፈተናታትና ኽንቈጻጸሮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ እታ ጥቕሲ ግና የሆዋ ኣብ እዋን ፈተናታት ንተግባራትና ኽንቈጻጸር ዜኽእለና ውሽጣዊ ሰላም ኪህበና ኸም ዚኽእል ኣረጋጊጻትለይ እያ።” እሞ ደኣ ኣመና ፈታኒ ዅነታት፡ ምናልባት እውን ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ፍሉይ ምጽንናዕ ዝረኸብካሉ ጥቕሲዶ ኣሎ፧

19. ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ዚጽበየና ዘሎ፧

19 ሕጂ፡ ኣብ መወዳእታ ዳሕሮት መዓልትታት ኢና እንነብር ዘለና። ስለዚ፡ ብዙሕ ዜንብዕ ምኽንያታት ኪህሉ ንጽበ ኢና። ከምቲ ኣብ ሃናን ዳዊትን ንጉስ ህዝቅያስን ዝረኣናዮ ግና፡ የሆዋ ንንብዓትና ይርእዮ፡ በዚ እውን ይጕሂ እዩ። ንንብዓትና ይፈልጦ እዩ። ስለዚ፡ ጭንቂ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ልብና ብጸሎት ናብ የሆዋ ኸነፍስስ ኣሎና። ካብቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ፈቃራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድማ ኣይንፈለ። በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ዜደዓዕስ ቃላት ከኣ ንጸናናዕ። በዚ ኸምዚ፡ ብተኣማንነት እንተ ተጻዊርና፡ የሆዋ ዓስብና ኸም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሓደ ኻብቲ ዓስቢ ድማ፡ እቲ ንብዘሎ ናይ ሓዘንን ናይ ጥልመትን ናይ ቅብጸትን ንብዓት ካብ ኣዒንትና ዚደርዘሉ እዋን እዩ። (ራእ. 21:4) ሽዑ፡ ናይ ሓጐስ ንብዓት ጥራይ ኢና ኽንነብዕ።

መዝሙር 4 “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”