ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ብምሃብ ዝረኸብክዎ ሓጐስ

ብምሃብ ዝረኸብክዎ ሓጐስ

ወዲ 12 ዓመት ከለኹ፡ ክህቦ ዝኽእል ክቡር ነገር ከም ዘሎኒ ንፈለማ ግዜ ፈለጥኩ። ኣብ ኣኼባ፡ ሓደ ሓው ክሰብኽ ዝደሊ እንተ ዀይነ ሓተተኒ። ቅድሚኡ ሰቢኸ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ “እወ” ኢለ መለስኩሉ። ናብ ሓደ ኽሊ ኸድና እሞ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ጽሑፋት ሂቡ፡ “በቲ ሓደ ሸነኽ ጐደና ንዘለዉ ሰባት ስበኸሎም፡ ኣነ ድማ በዚ ሸነኽ ንዘለዉ ኽሰብከሎም እየ” በለኒ። ፈሪሀ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ በቤት እናኸድኩ ኽሰብኽ ጀመርኩ፣ እቲ ዜገርም ከኣ፡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ንዅሉ እቲ ጽሑፋት ኣበርኪተ ወዳእክዎ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ዝህቦም ነገር ፈትዮምዎ ነይሮም እዮም ማለት እዩ።

ብ1923 ኣብ ቻተም፡ ከንት፡ ዓዲ እንግሊዝ እየ ተወሊደ። ጕሁያት ሰባት ኣብ ዝመልእዋ ዓለም ድማ እየ ዓብየ። ብሰንኪ እቲ ዓብዪ ውግእ (ቀዳማይ ውግእ ዓለም)፡ ዓለም ዝሓሸት ቦታ ኽትከውን ዝነበረ ተስፋ በኒኑ ተሪፉ ነበረ። ወለደይ ድማ በቶም ኣብ ጥቕሞም ጥራይ ዜተኵሩ ኣቕሽሽቲ ባብቲስት ጕህዮም ነበሩ። ወዲ ትሽዓተ ኣቢለ ኸለኹ፡ ኣደይ ናብ ኣዳራሽ ማሕበር ኣህጉራውያን ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ክትከይድ ጀመረት፣ ኣብኡ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባታቶም ይገብሩ ነበሩ። ሓንቲ ኻብተን ኣሓት ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብታ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍን እተመርኰሰ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ትህበና ነበረት። ኣነ እውን ነቲ ዝምሃሮ ዝነበርኩ እፈትዎ ነበርኩ።

ካብ ዓበይቲ ኣሕዋት ዝረኸብክዎ ትምህርቲ

ኰተቴ ኸለኹ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ተስፋ ንሰባት ምንጋር የሐጕሰኒ ነበረ። ብዙሕ ግዜ በይነይ ኣብ በቤት እናኸድኩ አገልግል እኳ እንተ ነበርኩ፡ ምስ ካልኦት ብምግልጋለይ እውን ተማሂረ እየ። ንኣብነት፡ ኣነን ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓውን ብብሽክለታ ጌርና ናብ እንሰብከሉ ኽልና ኽንከይድ ከለና፡ ሓደ ቐሺ ብጥቓና ምስ ሓለፈ፡ ኣነ፡ “ጤል እንሀ” በልኩ። እቲ ሓው ድማ ብሽክለታኡ ደው ኣቢሉ፡ ምስኡ ኣብ ሓደ ጕንዲ ኾፍ ክብል ሓተተኒ። ቀጺሉ፡ “ኣየናዮም ጤል ምዃኑ ኽትፈርድ መን ስልጣን ሂቡካ፧ ንሰባት ብምብሳርና ጥራይ ንተሓጐስ፡ ፍርዲ ንየሆዋ ንግደፎ” በለኒ። ብዛዕባ እቲ ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ እየ ተማሂረ።—ማቴ. 25:31-33፣ ግብ. 20:35

ብምሃብ ሓጐስ ንምርካብ፡ ሓድሓደ ግዜ ብትዕግስቲ ኽንጻወር ከም ዘሎና ሓደ ኻልእ ብዕድመ ዚዓብየኒ ሓው ምሂሩኒ እዩ። ብዓልቲ ቤቱ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይትፈትዎምን እያ ነይራ። ሓደ መዓልቲ፡ ናብ ገዛኡ ዓደመኒ። ሽዑ ድማ፡ ኪሰብኽ ጸኒሑ ኸም ዝመጸ ምስ ፈለጠት ኣዝያ ስለ ዝነደረት፡ ቈጽሊ ሻሂ ዝሓዘ ባኮታት ኣብ ልዕሌና ደርበየትልና። ንሱ ግና ኣብ ክንዲ ዚገንሓ፡ ገጹ ኸየጸለመ ነቲ ባኮታት ናብ ቦታኡ መለሶ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ብዓልቲ ቤቱ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ስለ እተጠምቀት፡ ትዕግስቱ ፍረ ኣፍርያ እያ።

ንሰባት ብዛዕባ ናይ መጻኢ ተስፋ ንምንጋር ዝነበረኒ ድሌት እናዓበየ ኸደ፣ ኣነን ኣደይን ድማ ኣብ መጋቢት 1940 ኣብ ዶቨር ተጠመቕና። ወዲ 16 ዓመት ከለኹ፡ ኣብ መስከረም 1939፡ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ጀርመን ውግእ ኣወጀት። ኣብ ሰነ 1940፡ ኣብ ኣፍ ደገና ዀይነ ኣሽሓት ወተሃደራት ኣብ ገጾም ስምባድ እናተንብበ ብማካይን ጽዕነት ኪሓልፉ ረኣኹ። ካብ ኲናት ዱንክሪክ ብህይወት ዝተረፉ እዮም ነይሮም። ኣብ ኣዒንቶም ተስፋ ዚብሃል ኣይንበብን ነበረ፣ ስለዚ ድማ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክነግሮም ተሃንጠኹ። ጸኒሑ በታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ልዕሊ ብሪጣንያ ቐጻሊ ደብዳብ ጀመረ። ምሸት ምሸት፡ ናይ ጀርመን ነፈርቲ ደብዳብ ብልዕሌና ይሓልፋ ነበራ። እቲ ቦምባታት ከኣ ኬፋጽን ኪወድቕን ከሎ ንሰምዖ ብምንባርና፡ ንሽበር ነበርና። ንጽብሒቱ፡ ኣብ ሓደ ኸባቢ ዚርከብ ብምሉኡ ኣባይቲ ዓንዩ ይጸንሓና ነበረ። ብዛዕባ መጻኢ ዘላትና ሓንቲ ተስፋ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ብዝያዳ እናኣስተውዓልኩ ኸድኩ።

ኣብ ምሃብ ዘተኰረ ህይወት ጀመርኩ

ብ1941 ኣዝዩ ዜሐጕሰኒ ህይወት ጀመርኩ። ኣብ ቻተም ኣብ ዚርከብ ሮያል ዶክያርድ ዚብሃል መዐሸግ መራኽብ፡ ተልመዴን ሰራሕ መርከብ ኰይነ እሰርሕ ነበርኩ፣ እዚ ስራሕ እዚ ድማ ብዙሕ ጥቕምታት ዝነበሮ ብምዃኑ ብዙሓት ዚምነይዎ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ውግእ ኪሳተፉ ኸም ዘይብሎም ካብ ዚርድኡ ነዊሕ ገይሮም ነይሮም እዮም። ኣብ ከባቢ 1941 ከኣ ኣብ ኢንዱስትሪ ኣጽዋር ክንሰርሕ ከም ዘይብልና ፈለጥና። (ዮሃ. 18:36) ኣብቲ መዐሸግ መራኽብ፡ ሳብማሪን ይስርሓ ስለ ዝነበራ፡ ነቲ ስራሕ ገዲፈ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ እንተ ዀንኩ ኸም ዚሓይሽ ወሰንኩ። እታ መጀመርታ እተመደብኩላ ኸተማ፡ ኣብ ኮትስዎልድስ እትርከብ ኰይና ሲረንሰስተር ትብሃል።

ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ብምእባየይ ንትሽዓተ ወርሒ ተኣሲረ ነበርኩ። ማዕጾ እታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተኣሰርኩላ ሸላ ኣብ እተዓጽወሉን በይነይ ኣብ ዝተረፍኩሉን እዋን ሕማቕ እዩ ተሰሚዑኒ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግና፡ ሓለውትን እሱራትን ስለምንታይ ከም እተኣሰርኩ ኺሓትቱኒ ጀመሩ፣ ኣነ እውን ተሓጒሰ ብዛዕባ እምነተይ ገለጽኩሎም።

ምስ ተፈታሕኩ፡ ምስ ለናርድ ስሚዝ * ኰይነ ኣብ ኣውራጃ ከንት ኣብ ዚርከባ እተፈላለያ ኸተማታት ኪሰብኽ ሕቶ ቐረበለይ። ካብ 1944 ኣትሒዙ፡ ኣሽሓት ነተጕቲ እተጻዕና ሰብ ዘይብለን ነፈርቲ ጀት ኣብ ከንት ኪወድቃ ጀመራ። ኣብ መንጎ እቲ ናዚ ዚቈጻጸሮ ኤውሮጳን ኣብ መንጎ ለንደንን ኢና ንነብር ኔርና። እዘን ነተጕቲ ሒዘን ዚመጻ ጀት የሸብራና እየን ነይረን። ከመይሲ፡ ሞተረን ኪጠፍእ እንተ ሰሚዕካዮ፡ ድሕሪ እተወሰነ ኻልኢት ወዲቐን ከም ዚፍንጀራ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብቲ እዋን ውግእ፡ ንሓሙሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሓሎም ነበረና። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ገዛ ምናልባት እንተ ፈሪሱ ኼዕቍበና ኣብ ትሕቲ ዚኽእል ብሓጺን እተሰርሐ ሰደቓ ኾፍ ንብል ነበርና። ድሕሪ ግዜ፡ ብምሉኦም ኣባላት እታ ስድራ ቤት ተጠሚቖም እዮም።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ብስራት ኣበሰርኩ

ኣብ ኣይርላንድ ፈላሚ ዀይነ ኣብ ዘገልገልኩሉ እዋን፡ ንሓደ ዓብዪ ኣኼባ ኸነፋልጥ ከለና (ታሕቲ)

ድሕሪ እቲ ውግእ፡ ኣብ ደቡባዊ ኣይርላንድ ንኽልተ ዓመት ፈላሚ ዀይነ ኣገልገልኩ። ኣይርላንድ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ኽሳዕ ክንደይ እተፈልየት ከም ዝዀነት ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። ሚስዮናውያን ምዃንና እናገለጽና መዕረፊ ንምርካብ ኣብ በቤት እናዞርና ሓተትና፣ መጽሔታትና እውን ኣብ ጐደና ኽንዕድል ፈተንና። ኣብታ ካቶሊካዊት ሃገር ከምኡ ምግባርሲ ኸመይ ዝበለ “ዕሽነት” ኰን እዩ ነይሩ! ሓደ ሰብኣይ ሓይሊ ኸም ዚጥቀም ምስ ኣፈራርሃና፡ ናብ ሓደ ፖሊስ ከይደ ጠራዕኩ፣ ንሱ ድማ፡ “እዚ እናገበርካ ደኣ፡ ከምኡ ኼጋጥመካ ግድን እዩ እምበር” በለኒ። ካህናት ክሳዕ ክንደይ ስልጣን ከም ዘለዎም ኣየስተውዓልናን ኔርና። ሰባት መጻሕፍትና እንተ ተቐቢሎምና፡ እቶም ካህናት ካብ ስራሖም የስጕጕዎም ነበሩ፣ ካብ እተኻረናሉ ቦታ እውን ኣስጐጉና።

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ሓድሽ ቦታ ኽንከይድ ከለና፡ ካብቲ እንሓድረሉ ቦታ ብብሽክለታ ኣርሒቕና ኼድና፡ ካልእ ካህን ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ኽንሰብኽ ከም ዘሎና ፈለጥና። ድሕሪኡ ኣብ መወዳእታ፡ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ሰባት ንሰብከሎም ነበርና። ኣብ ኪልከኒ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ሳዕ ምስ ሓደ መንእሰይ ነጽንዕ ነበረና፣ ንዕኡ እውን ጭፍራ ሰባት የጕባብዑሉ ነበሩ። ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር ብዙሕ የሐጕሰኒ ብምንባሩ፡ ኣብ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ ሚስዮናዊ ዀይነ ኽስልጥን ኣመልከትኩ።

ካብ 1948 ኽሳዕ 1953፡ እታ ሲቢያ እትብሃል ጃልባ ቤት ሚስዮናውያን ኰይና ተገልግለና ነበረት (የማን)

ኣብ ኒው ዮርክ ንሓሙሽተ ወርሒ ምስ ሰልጠንኩ፡ ኣርባዕቴና ምሩቓት ጊልዓድ ናብ ንኣሽቱ ደሴታት ባሕሪ ካሪበያ ተመደብና። ኣብ ሕዳር 1948፡ ሲቢያ ብእትብሃል 18 ሜተር ዝንውሓታ ብጋንጽላ እትድፋእ ጃልባ ጌርና ኻብ ከተማ ኒው ዮርክ ነቐልና። ቅድሚኡ ብባሕሪ ተጓዒዘ ዘይፈልጥ ብምንባረይ፡ ተሃንጥየ ነበርኩ። ገስት ማኪ ዝስሙ ሓደ ኻባና ኸኣ ምኩር ኣዛዝ መርከብ እዩ ነይሩ። ንሱ ድማ ባሕረኛ ኺገብሮ ዚግባእ መሰረታዊ ነገራት፡ ንኣብነት፡ ከመይ ጌርና እተፈላለየ ዓይነት ጋንጽላ ኽንግትርን ክንዓጽፍን ከም ዘሎና፡ ከመይ ጌርና ኮምፓስ ከም እንጥቀም፡ ከመይ ጌርና ኣንጻር ንፋስ ከም እንሰፍፍ መሃረና። ገስት ንጃልባና ብውሕሉል መገዲ እናመርሓ፡ ድሕሪ 30 መዓልቲ ሓደገኛ ማዕበላት ሰጊርና ናብ ባሃማስ በጻሕና።

“ኣብተን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ኣውጅዎ”

ኣብ ንኣሽቱ ደሴታት ባሃማስ ሒደት ኣዋርሕ ድሕሪ ምስባኽና፡ ናብ ደሴታት ሊዎርድን ደሴታት ዊንድዎርድን ነቐልና፣ ንሳተን ከኣ ካብተን ኣብ ጥቓ ፖርቶ ሪኮ ዚርከባ ደሴታት ቨርጅን ኽሳብ ትሪኒዳድ ኣስታት 800 ኪሎ ሜተር ተዘርጊሐን ይርከባ። ንሓሙሽተ ዓመት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዘይብለን ግሉላት ደሴታት ንሰብኽ ነበረና። ሓድሓደ ግዜ፡ መልእኽቲ ኸይሰደድና ወይ ከይተቐበልና ሰሙናት ንገብር ነበርና። ቃል ኣምላኽ ኣብተን ደሴታት እቲአን ምስባኽ ግና ብዙሕ የሐጕሰና ነበረ።—ኤር. 31:10

ኣብ ጃልባ ሲቢያ ዝነበሩ ሚስዮናውያን (ካብ ጸጋም ናብ የማን)፦ ሮን ፓርኪን፡ ዲክ ራይድ፡ ገስት ማኪ፡ ስታንሊ ካርተር

ኣብ ልሳን ባሕሪ መልህቕና ኽንድርቢ ኸለና፡ ተቐማጦ እተን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ኣቝሻት ተሃንጥዮም ይመጹ ነበሩ፣ መን ምዃንና ንምርኣይ ከኣ ኣብ ደንደስ ባሕሪ ይእከቡ ነበሩ። ገሊኦም ከምታ ናትና ዓይነት ጃልባ ዀነ ፈረንጂ ርእዮም ዘይፈልጡ እዮም ነይሮም። ተቐማጦ እተን ደሴታት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ፍልጠት ዘለዎም ሃይማኖተኛታት እዮም ነይሮም። ብዙሕ ግዜ ዓሳን ኣቮካዶን ፉልን ይህቡና ነበሩ። እታ ጃልባና ንመደቀሲ፡ ንመኸሸኒ፡ ወይ ንመሕጸቢ ኽዳውንቲ ዚኸውን ጸቢብ ቦታ ጥራይ እኳ እንተ ነበራ፡ ዝገበርና ጌርና ኣተኣኻኺልና ንነብር ነበረና።

ናብ ገምገም ባሕሪ ንወጽእ እሞ ምሉእ መዓልቲ ኽንሰብኽ ንውዕል ነበርና። መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚቐርብ እውን ንነግሮም ነበርና። ዕራርቦ ምስ ኰነ፡ ደወል እታ ጃልባ ንድውል ነበርና። ብዙሓት ተቐማጦ ኺመጹ ምርኣይ እውን ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። እቲ ብዘይቲ ዚነድድ መብራህቶም ሒዞም ካብ ጎቦ ኺወርዱ ኸለዉ፡ ምሊሕ ምሊሕ ዚብል ከዋኽብቲ ይመስል ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሚእቲ ዚዀኑ ሰባት ይመጹ ነበሩ፣ ሕቶታት ኪሓትቱና ድማ የምስዩ ነበሩ። መዝሙር ይፈትዉ ብምንባሮም፡ ቃላት መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ብታይፕ ጽሒፍና ንዕድሎም ነበርና። ኣርባዕቴና ነቲ መዝሙራት ብግቡእ ንምዝማር ዚከኣለና ኽንገብር ከለና ኸኣ፡ እቶም ሰባት ምሳና ሓቢሮም ይዝምሩ ነበሩ፣ ደሃዮም እውን ጥዑም እዩ ነይሩ። ከመይ ዝበለ ጥዑም ግዜ ዀን እዩ ነይሩ!

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምምራሕና፡ ገሊኦም ተምሃሮ ኣብ ካልእ መጽናዕቲ ንምስታፍ ምሳና ናብቶም እንኸዶም ዚቕጽሉ ስድራ ቤት ይኸዱ ነበሩ። ኣብ ሓደ ቦታ ሒደት ሰሙናት ድሕሪ ምጽናሕና ናብ ካልእ ክንከይድ እኳ እንተ ነበረና፡ ክሳዕ እንምለሶም፡ ብዙሕ ግዜ ነቶም ዝሓሸ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ምስ ካልኦት ኬጽንዑ ንሓትቶም ነበርና። ገሊኦም ነቲ ዕዮ እቲ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢሮም ከም ዝሓዝዎ ምርኣይ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ።

ሎሚ፡ ሓያሎ ኻብዚ ደሴታት እዚ መዘናግዒ በጻሕቲ ሃገር ዝመልአ እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ሑጻን ኣእዋም ስየን ዝመልኦ ገማግም፡ ከምኡ ድማ ሓውሲ ሰማያውን ቀጠልያን ዝሕብሩ ላጉን ዘለዎ ብሕቱው ቦታታት እዩ ነይሩ። ለይቲ ለይቲ፡ ካብ ደሴት ናብ ደሴት ንኸይድ ነበርና። ክንጐዓዝ ከለና ኸኣ፡ ኣባ ሰላማታት (ዶልፊናት) ኣብ ጐድኒ ጃልባና እናተጻወቱ ይሕምብሱ ነበሩ፣ ጃልባና ነቲ ባሕሪ ጨዲዳቶ ኽትከይድ ከላ ዚስማዕ ደሃይ ጥራይ እውን እዩ ዚስማዕ ዝነበረ። ወርሒ ኣብቲ ህዱእ ባሕሪ ኸተብርህ ከላ፡ ክሳብ ኣድማስ እተዘርግሐ ብሩራዊ ጐደና ይመስል ነበረ።

ኣብ ደሴታት እናሰበኽና ሓሙሽተ ዓመት ምስ ጸናሕና፡ ነታ ብጋንጽላ እትድፋእ ጃልባና ብሞተር ብእትድፋእ ጃልባ ንምቕያር ናብ ፖርቶ ሪኮ ኸድና። ኣብኣ ምስ በጻሕና፡ ምስ ሓንቲ ማክሲን ቦይድ እትብሃል ጽብቕቲ ሚስዮናዊት ተራኸብኩ እሞ ምስኣ ፍቕሪ ሓዘኒ። ንሳ ኻብ ቍልዕነታ ኣትሒዛ ብቕንኣት ትሰብኽ ነይራ እያ። ደሓር ከኣ ብ1950 ብካቶሊካዊ መንግስቲ ኽሳዕ እትስጐጕ ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ሚስዮናዊት ኰይና ኣገልጊላ እያ። ከም ባሕረኛ መጠን ኣብ ፖርቶ ሪኮ ሓደ ወርሒ ጥራይ ክጸንሕ እየ ዚፍቀደለይ ዝነበረ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ናብ ካልእ ደሴታት ንዓመታት ክኸይድ ነበረኒ። ስለዚ፡ ንርእሰይ፡ ‘ሮናልድ፡ ነዛ ጓል እዚኣ እንተ ደሊኻያ፡ ቀልጢፍካ ስጕምቲ ኽትወስድ ኣሎካ’ በልኩ። ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ንመርዓ ሓተትክዋ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙን ከኣ ተመርዓና። ኣነን ማክሲንን ኣብ ፖርቶ ሪኮ ሚስዮናውያን ኴንና ኸነገልግል ተመደብና፣ ስለዚ፡ በታ ሓዳስ ጃልባ ኣይተጐዓዝኩን።

ብ1956 ኣብ ወረዳና ንዚርከባ ጉባኤታት ክንበጽሐን ጀመርና። ብዙሓት ኣሕዋት ድኻታት እዮም ነይሮም፣ ንዓታቶም ምብጻሕ ግና ንፈትዎ ነበርና። ንኣብነት፡ ኣብ ቍሸት ፖታላ ፓስቲሎ፡ ሓያሎ ቘልዑ ዝነበርወን ክልተ ስድራ ቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበራ፣ ነቶም ቈልዑ ድማ ሻምብቆ እነፍሓሎም ነበርኩ። ንሓንቲ ሂልዳ ዝስማ ንእሽቶ ጓል ከኣ ምሳና ናብ ስብከት ክትከይድ ትደሊ እንተ ዀይና ሓተትክዋ። ንሳ ድማ፡ “እደሊ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣይክእልን እየ። ሳእኒ የብለይን” ኢላ መለሰትለይ። ስለዚ፡ ሳእኒ ዓደግናላ እሞ ምሳና ኽትሰብኽ ከደት። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ብ1972 ኣነን ማክሲንን ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል እናበጻሕና ኸለና፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ሽዑ እተመረቐት ሓብቲ ናባና መጸት። ናብቲ እተመደበትሉ ኤኳዶር እያ ትነቅል ነይራ፣ ንሳ ድማ፡ “ኣየለለኹምንን ምሽ፧ ሳእኒ ዘይብላ ኣብ ፓስቲሎ ዝነበረት ጓል እኮ እየ” በለትና። ሂልዳ እያ ነይራ! ኣዚና ስለ እተሓጐስና ነባዕና!

ብ1960 ኣብ ሳንቱርሰ፡ ሳን ህዋን ዚርከብ ጨንፈር ፖርቶ ሪኮ ኸነገልግል ሕቶ ቐረበልና። ኣብ ፈለማ፡ ኣነን ለናርት ጆንሰንን መብዛሕትኡ ዕዮ ንዓዪ ነበርና። ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ቐዳሞት ሰባት እዮም፣ ብ1957 ድማ ናብ ፖርቶ ሪኮ መጹ። ደሓር ከኣ ማክሲን ኮንትራት መጽሔታት ተእቱ ነበረት፣ ኣብ ሰሰሙን ልዕሊ ሽሕ ተእቱ ነበረት። ብዛዕባ ዅሎም እቶም ነቲ መንፈሳዊ ምግቢ ዚረኽቡ ትሓስብ ስለ ዝነበረት፡ እቲ ዕዮ እቲ የሐጕሳ ነበረ።

ኣገልግሎት ቤት-ኤል ኣብ ምሃብ ዘተኰረ ህይወት ክትመርሕ ስለ ዜኽእለካ፡ እፈትዎ እየ። ብዘይ ብድሆታት ግና ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ብ1967 ኣብ ፖርቶ ሪኮ ናይ ፈለማ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣብ እተገብረሉ እዋን፡ እተሰከምክዎ ሓላፍነት ልዕሊ ዓቕመይ ኰይኑኒ ነበረ። እቲ ሽዑ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሪሕ ግደ ዝነበሮ ናታን ኖር ከኣ ናብ ፖርቶ ሪኮ መጸ። ነቶም ኪበጽሑ ዝመጹ ሚስዮናውያን መጓዓዝያ ኣዳልየሎም እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብጌጋ ግና ዘየዳሎኹሎም መሰሎ። ጸኒሑ፡ ብእተወደበ መገዲ ብዛዕባ ምዕያይ ሓያል ምኽሪ ሃበኒ፡ ብኣይ ከም ዝጐሃየ ድማ ገለጸለይ። ምስኡ ኽከራኸር ኣይደለኹን፣ ኰይኑ ግና፡ ስለ ዘይተረድኣለይ፡ ንእተወሰነ እዋን ጐሃኹ። ይኹን እምበር፡ ኣነን ማክሲንን ድሕርዚ ምስ ሓውና ኖር ኣብ እተራኸብናሉ እዋን፡ ናብ ክፍሉ ዓዲሙ ምግቢ ኸሸነልና።

ካብ ፖርቶ ሪኮ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንዚርከቡ ቤተ ሰበይ ብተደጋጋሚ ንበጽሖም ኔርና ኢና። ኣደይ ሓቂ ኽትቅበል ከላ፡ ኣቦይ ኣይተቐበለን ነይሩ። ካብ ቤት-ኤል ዚመጹ ተዛረብቲ ምብጻሕ ኣብ ዚገብሩሉ እዋን ግና፡ ኣደይ ኣብ ገዛ ትቕበሎም ነበረት። ኣቦይ ከኣ እቶም ኣብ ቤት-ኤል ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ምስቶም ዓመታት ኣቐዲሙ ዚፍንፍኖም ዝነበረ ኣቕሽሽቲ ኺነጻጸሩ ኸለዉ፡ ክሳዕ ክንደይ ትሑታት ምዃኖም ረኣየ። ኣብ መወዳእታ፡ ብ1962 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ተጠምቀ።

ኣነን ማክሲንን ድሕሪ ምምርዓውና ነዊሕ ከይጸናሕና ኣብ ፖርቶ ሪኮ፣ ብ2003 ድማ ኣብ መበል 50 ዓመት ዕለተ መርዓና

ዝፈትዋ ሰበይተይ ማክሲን ብ2011 ሞተት። ብትንሳኤ ኽርእያ ተሃንጠየ እየ ዘለኹ። ብዛዕባኡ ኽሓስብ ከለኹ፡ ሓጐስ እዩ ዚስምዓኒ። ኣነን ማክሲንን ብሓንሳእ ኣብ ዝነበርናሉ 58 ዓመት፡ ኣብ ፖርቶ ሪኮ ዚርከቡ ህዝቢ የሆዋ ኻብ 650 ናብ 26,000 ኪዓብዩ ርኢና ኢና። ብ2013 ድማ ጨንፈር ፖርቶ ሪኮ ምስ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተጸምበረ፣ ኣነ እውን ኣብ ዎልኪል፡ ኒው ዮርክ ከገልግል ተሓተትኩ። ኣብታ ደሴት 60 ዓመት ድሕሪ ምጽናሐይ፡ ከምቲ ኮኲ ዚብሃል ኣብ ዕራርቦ ኮ-ኪ፡ ኮ-ኪ እናበለ ዚንቁ ኣብ ኦም ዚነብር ቍርዖብ፡ ፖርቶ ሪካዊ ዝዀንኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ግናኸ፡ ካብታ ደሴት ዝወጸሉ ግዜ ኣኺሉ ነበረ።

“ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ”

ሕጂ እውን ኣብ ቤት-ኤል ንኣምላኽ ምግልጋል የሐጕሰኒ እዩ። ዕድመይ ልዕሊ 90 ዓመት ኰይኑ ኣሎ። ዕዮይ ከኣ ከም መንፈሳዊ ጓሳ መጠን፡ ንኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ምትብባዕ እዩ። ናብ ዎልኪል ካብ ዝመጽእ፡ ንልዕሊ 600 ከም ዝበጻሕክዎም እዩ ተነጊሩኒ። ገሊኦም ናባይ ዚመጹ ብዛዕባ ናይ ብሕቶም ወይ ናይ ስድራ ቤቶም ጸገማት ኪዛራረቡ ይደልዩ እዮም። ገሊኦም ድማ ኣብ ኣገልግሎት ቤት-ኤል ዕዉታት ንምዃን እንታይ ከም ዜድልዮም ምኽሪ ይሓትቱ። ገሊኦም ኣብ ቀረባ ግዜ እተመርዓዉ ኸኣ፡ ብዛዕባ ሓዳር ምኽሪ ይደልዩ። ገሊኦም ድማ ካብ ቤት-ኤል ወጻኢ ኼገልግሉ እተመደቡ እዮም። ንዅሎም ኬዘራርቡኒ ዚመጹ ድሕሪ ምስማዕ፡ ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ፡ “‘ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ።’ ስለዚ፡ ብዕዮኹም ተሓጐሱ። ንየሆዋ ኢኹም እትዓይዩ” እብሎም እየ።—2 ቈረ. 9:7

እቲ ኣብ ቤት-ኤል ሕጉስ ንምዃን ዜጋጥም ብድሆ፡ ካብ ካልእ ዚፍለ ኣይኰነን፦ ዕዮኻ ኣገዳሲ ኣብ ዚዀነሉ ምኽንያት ከተተኵር ኣሎካ። ኵሉ እቲ ኣብ ቤት-ኤል እንገብሮ ዕዮ፡ ቅዱስ ኣገልግሎት እዩ። እቲ ዕዮ ኸኣ ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡” ነቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት ዚኸውን መንፈሳዊ ምግቢ ኼዳሉ ይሕግዞ እዩ። (ማቴ. 24:45) ንየሆዋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ነገልግሎ ብዘየገድስ፡ ክንውድሶ ኣጋጣሚ ኣሎና። “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡” በቲ ግበርዎ ዚብለና ንተሓጐስ።

^ ሕ.ጽ. 13 ታሪኽ ህይወት ለናርድ ስሚዝ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2012 ግምቢ ዘብዐኛ ወጺኡ ኣሎ።