ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብር ከም ዚግብኣካ ተስተውዕልዶ፧

መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብር ከም ዚግብኣካ ተስተውዕልዶ፧

“ንህዝቢ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምዓድን ኣብ ምምሃርን ትጋህ።” —1 ጢሞ. 4:13

መዝሙር፦ 45, 42

1, 2. (ሀ) ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እዚ፡ ኢሳይያስ 60:22 እትፍጸም ዘላ ብኸመይ እያ፧ (ለ) ኣብ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ እንታይ እዩ ዜድሊ ዘሎ፧

“እቲ ሒደትሲ ሽሕ፡ እቲ ንእሽቶ ኸኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳ. 60:22) እዘን ብትንቢት እተነግራ ቓላት እዚአን፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ይፍጸማ ኣለዋ። ከመይሲ፡ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2015፡ 8,220,105 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ኣገልጊሎም እዮም። እቲ ሰማያዊ ኣቦና፡ “ኣነ የሆዋ ነዚ ብግዜኡ ኸፍጥኖ እየ” ኢሉ እተዛረቦ ኣብ ናይ መወዳእታ ኽፋል እታ ጥቕሲ ዚርከብ ሓሳባት ንዅላትና ክርስትያናት ብብሕትና ይትንክፈና እዩ። ከምቲ ብናህሪ ኣብ እትጐዓዝ ማኪና እተሰቕለ ሰብ ፍጥነታ ዚስምዖ፡ ንሕና እውን እቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ናህሪ ይስምዓና እዩ። ነዚ ፍጥነት እዚ ብብሕትና እንታይ ምላሽ ንህበሉ ኣለና፧ ከም ቀናኣት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዝከኣለና ዘበለ ንገብርዶ ኣለና፧ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ስሩዓት ወይ ሓገዝቲ ፈለምቲ ይዀኑ ኣለዉ። ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልይሉ ቦታ ኼገልግሉ ወይ ኣብ ካልእ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ኪካፈሉ ንዝቐረበሎም ጻውዒት ጽቡቕ ምላሽ ዚህቡ ሓያሎ ኣሕዋት ምርኣይናስ ዜሐጉስዶ ኸይኰነ፧

2 ይኹን እምበር፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ዝያዳ ዓየይቲ የድልዩ ኣለዉ። ዓመት ዓመት፡ 2,000 ጉባኤታት ይምስረታ ኣለዋ። ኣብ ኵለን እዘን ሓደስቲ ጉባኤታት ዜገልግሉ ሓሓሙሽተ ሽማግለታት የድልዩ እንተ ኢልና ድማ፡ በብዓመቱ 10,000 ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ሓለውቲ ኪዀኑ ኣለዎም ማለት እዩ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋት ከኣ ኣገልገልቲ ጉባኤ ኪዀኑ ዜኽእሎም ብቕዓት ኬጥርዩ ኣለዎም ማለት እዩ። ብዘይካዚ፡ ኵላትና ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ‘ብዙሕ ዕዮ ጐይታ ኸም ዘሎና’ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—1 ቈረ. 15:58

መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

3, 4. መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር ኪብሃል ከሎ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

3 ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 3:1 ኣንብብ። እታ “ምምጥጣር” ዝትርጉማ ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ምናልባት እውን ክንዮ እቲ ኽትበጽሖ እትኽእል ንዘሎ ነገር ንምሓዝ ኣእዳውካ ምዝርጋሕ ተመልክት። ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ነዛ ቓል እዚኣ ብምጥቃም፡ መንፈሳዊ ዕቤት ጻዕሪ ኸም ዚሓትት ኣጕልሐ። ሓደ ሓው ኣብ ጉባኤኡ ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል ኪሓስብ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ገና ኣገልጋሊ ጉባኤ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ መንፈሳዊ ባህርያት ኬማዕብል ከም ዘለዎ ይግንዘብ እዩ። ፈለማ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኪኸውን ይጽዕር። ድሕሪ ግዜ፡ ሓላዊ ዀይኑ ኼገልገል ዜኽእሎ መንፈሳዊ ብቕዓታት ኬጥሪ እውን ይጽዕር። ኣብ ክልቲኡ መዳይ ድማ፡ ተወሳኺ ሓላፍነታት ጉባኤ ኺስከም ዜኽእሎ ብቕዓታት ኬጥሪ ብዙሕ ጻዕሪ ይገብር እዩ።

4 ብተመሳሳሊ፡ ፈለምቲ፡ ቤት-ኤላውያን፡ ወይ ወለንተኛታት ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ዚደልዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ነዚ ሸቶታት እዚ ኪወቕዑ ኺመጣጠሩ ኣለዎም። ቃል ኣምላኽ ንዅላትና ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዕቤት ክንገብር ብኸመይ ከም ዚሕግዘና እስከ ንርአ።

ዝያዳ መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብር ጽዓር

5. መንእሰያት ነቲ ዘለዎም ብርታዐ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ኪጥቀምሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

5 መንእሰያት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዙሕ ኺዓምሙ ዜኽእሎም ብርታዐ ኣለዎም። (ምሳሌ 20:29 ኣንብብ።) ገሊኦም ኣብ ቤት-ኤል ዜገልግሉ መንእሰያት ኣሕዋት፡ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ኣብ ምሕታምን ምጥራዝን እዮም ዚዓይዩ። ሓያሎ መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምህናጽን ኣብ ምክንኻንን ይሕግዙ እዮም። ባህርያዊ ሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ፡ መንእሰያት ተመክሮ ምስ ዘለዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢሮም ረድኤት ንምሃብ ጻዕርታት ይገብሩ እዮም። ብዙሓት መንእሰያት ፈለምቲ ድማ፡ ንደቀባትን ቋንቋ ወጻኢ ንዚዛረቡ ማሕበረሰብን ብስራት የበስሩ ኣለዉ።

6-8. (ሀ) ሓደ መንእሰይ ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣረኣእያ ዝለወጠ ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ውጽኢትከ ረኺቡ፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ‘የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ እንጥዕምን እንርእን’፧

6 ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻ ምግልጋል ኣገዳሲ ምዃኑ ኸም እትግንዘብ ርዱእ እዩ። ግናኸ፡ ከምቲ ኣሮን ዚብሃል ሓው እተሰምዖ እንተ ተሰሚዑካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ኣሮን ኣብ ክርስትያን ስድራ ቤት እኳ እንተ ዓበየ፡ “ኣኼባታትን ኣገልግሎት ወፍርን ዜሰልኪ ዀይኑኒ ነይሩ” በለ። ንኣምላኽ ብሓጐስ ኬገልግሎ ይደሊ እኳ እንተ ነበረ፡ ስለምንታይ ሕጉስ ከም ዘይኰነ ግና ኪርድኦ ኣይከኣለን። እሞኸ እንታይ ገይሩ፧

7 ኣሮን መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ንኣኼባታት ብምድላውን ኣብኡ ሓሳብ ብምሃብን መንፈሳዊ ልማዳት ኣጥረየ። ብፍላይ ከኣ ኣዘውቲሩ ኺጽሊ ጀመረ። ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ እናዓበየ ብዝኸደ መጠን፡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብር ጀመረ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ፡ ፈላሚ ዀይኑ ኣገልጊሉን ዕንወት ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ምስ ካልኦት ኰይኑ ዓይዩን ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ሰቢኹን እዩ። ሕጂ ኸኣ ኣብ ቤት-ኤል የገልግል ኣሎ፣ ሽማግለ ድማ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዝወሰዶ ስጕምትታት እንታይ ይስምዖ፧ “‘የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒመን ርእየን’ እየ። ብዙሕ ስለ ዝባረኸኒ፡ ብዓል ዕዳኡ ኸም ዝዀንኩ እዩ ዚስምዓኒ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝያዳ ኺዓዪ ድማ ተደሪኸ እየ። ከምኡ ምግባረይ ከኣ፡ ዝያዳ በረኸት ክረክብ ኣኽኢሉኒ” በለ።

8 ሓደ ዘማሪ፡ “እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን” ኢሉ ዘሚሩ እዩ። (መዝሙር 34:8-10 ኣንብብ።) እወ፡ የሆዋ ነቶም ብቕንኣት ዜገልግልዎ ፈጺሙ ኣየሕፍሮምን እዩ። ኵላትና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ከለና፡ ‘የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምናን ርኢናን’ ኢና። ብምሉእ ነፍስና ንኣምላኽ ከነገልግል ከለና ድማ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ሓጐስ ንረክብ ኢና።

ጽናዕ፡ ኣይትተሓለል

9, 10. ብትዕግስቲ ‘ኽትጽበ’ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

9 ሸቶኻ ንምውቃዕ ክትጽዕር ከለኻ፡ ብትዕግስቲ ‘ተጸበ።’ (ሚክ. 7:7) የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ወትሩ ይድግፎም እኳ እንተ ዀነ፡ ፍሉይ መሰላት ክሳዕ ዚረኽቡ ወይ ከኣ ዚምሽእ ኵነታት ክሳዕ ዚርከብ ኪጽበዩ ይሓድጐም እዩ። ንኣብርሃም ወዲ ኸም ዚወልድ ምስ ኣተስፈዎ፡ ኣብርሃም እምነትን ትዕግስትን ኬርኢ የድልዮ ነይሩ። (እብ. 6:12-15) ይስሃቅ ክሳዕ ዚውለድ ንነዊሕ ዓመታት እኳ እንተ ተጸበየ፡ ኣይተሓለለን፡ የሆዋ እውን ኣየሕፈሮን።—ዘፍ. 15:3, 4፣ 21:5

10 ምጽባይ ቀሊል ኣይኰነን። (ምሳ. 13:12) ብዛዕባ እቲ ዝጐሃናሉ ነገራት ነስቈርቍር እንተ ዄንና፡ ብቐሊሉ ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል ኢና። የግዳስ፡ ንግዜና መንፈሳዊ ብቕዓታትና ንምምሕያሽ ምስ እንጥቀመሉ ጥበባዊ እዩ። ከምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል ሰለስተ መገዲ እስከ ንርአ።

11. እንታይ ዓይነት መንፈሳዊ ባህርያት ኢና ኸነማዕብል እንኽእል፧ እዚ ባህርያት እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 መንፈሳዊ ባህርያት ኣማዕብል። ቃል ኣምላኽ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን፡ ጥበብን ልቦናን ፍልጠትን ምስትውዓልን ምምዝዛንን ልብምናን ከነጥሪ ንኽእል ኢና። እቶም ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ መሪሕ ግደ ዘለዎም ድማ እዘን ባህርያት እዚአን የድልያኦም እየን። (ምሳ. 1:1-4፣ ቲቶ. 1:7-9) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከነንብብ ከለና፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እተፈላለየ ነገራት ዘለዎ ኣረኣእያ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና። በብመዓልቱ ብዛዕባ መዘናግዒ፡ ኣከዳድና፡ ኣመለኻኽዓ፡ ኣተሓሕዛ ገንዘብ፡ ምስ ሰብ ተሳኒኻ ብዛዕባ ምንባር ውሳነ ኽንገብር የድልየና እዩ። ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ንየሆዋ ዜሐጕስ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና።

12. ኣባላት ጉባኤ ኣብ ዕዮኦም እሙናት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

12 ኣብ ዕዮኻ እሙን ኩን። ኣሕዋት ኰንና ኣሓት ብዘየገድስ፡ ንዚውሃበና ዝዀነ ይኹን ቲኦክራስያዊ ዕዮ ኽንፍጽም ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ኣሎና። እቲ ሹም ዝነበረ ነህምያ፡ ንገለ ኻብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ሓላፍነት ኪህብ ነበሮ። እሞኸ ንመን እዩ ሸይሙ፧ ነቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁን እሙናትን ዝነበሩ እዩ ሸይሙ። (ነህ. 7:2፣ 13:12, 13) ሎሚ እውን፡ “ኣመሓደርቲ እሙናት ኰይኖም ኪርከቡ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ።” (1 ቈረ. 4:2) ሰናይ ግብሪ ድማ ኵሉ የስተብህለሉ እዩ።1 ጢሞቴዎስ 5:25 ኣንብብ።

13. ካልኦት ምስ ዚገፍዑኻ፡ ኣብነት ዮሴፍ ክትስዕብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

13 የሆዋ ኼጽርየካ ፍቐድ። ካልኦት ምስ ዚገፍዑኻ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ምናልባት ነቲ ነገር ብኡብኡ ንምቕናዕ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ንርእስኻ ኽትጣበቐላ ምስ እትጽዕር፡ ነቲ ነገር ዝያዳ የጋድዶ ይኸውን። ንዮሴፍ ኣሕዋቱ እኳ እንተ ገፍዕዎ፡ ቂም ኣይሓዘን። ድሕሪ ግዜ፡ ዮሴፍ ብሓሶት ተኸሲሱ ብዘፍትሓዊ መገዲ ተኣስረ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ኣጸጋሚ ዅነታት የሆዋ ኺመርሖ ፈቐደ። እንታይ ውጽኢትከ እዩ ረኺቡ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቃል የሆዋ ኣጽረዮ” ይብል። (መዝ. 105:19) እቲ ፈተናታት ምስ ኣብቅዐ፡ ዮሴፍ ፍሉይ መዝነት ኪቕበል ብቑዕ ኰይኑ እዩ። (ዘፍ. 41:37-44፣ 45:4-8) ከቢድ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ጥበብ ኪውሃበካ ጸሊ፡ ቃልካን ተግባርካን ልእመት ዘለዎ ይኹን፡ የሆዋ ኼበርትዓካ ለምን። የሆዋ ድማ ኪረድኣካ እዩ።1 ጴጥሮስ 5:10 ኣንብብ።

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዕቤት ግበር

14, 15. (ሀ) ንሜላ ስብከትና ‘ኸነተኵረሉ’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኵነታት ምስ ዚለዋወጥ፡ ምትዕርራይ ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእልን “እተፈልየ ሜላ ኽትጥቀም ፍቓደኛ ዲኻ፧” ዘርእስታ ሳጹንን ርአ።)

14 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ንህዝቢ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምዓድን ኣብ ምምሃርን ትጋህ። ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር” ኢሉ መኸሮ። (1 ጢሞ. 4:13, 16) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጢሞቴዎስ ምኩር ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ምእንቲ ኺሰልጦ፡ ኣብ ትምህርቱ ‘ኼተኵር’ ነበሮ። ኵሉ ሳዕ ሓደ ዓይነት ኣቀራርባ እንተ ዚጥቀም ነይሩ፡ ሰባት ኣይምሰምዕዎን። ስለዚ፡ ልቢ ሰባት ምእንቲ ኺትንክፍ፡ ንኣመሃህራኡ ኸከም እቲ ዜድልዮም ኪቐያይሮ ነበሮ። ንሕና እውን ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና።

15 ኣብ በቤት እናኸድና ኽንሰብኽ ከለና፡ ብዙሕ ሳዕ ንሰባት ኣብ ቤቶም ኣይንረኽቦምን ኢና። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ከኣ፡ ናብ ገሊኡ ኣፓርትማታትን እተሓጽረ ኣባይትን ክንኣቱ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ከባቢኻ ከምኡ ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ ብስራት ንምስባኽ ስለምንታይ ካልእ መገድታት ዘይትጥቀም፧

16. ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

16 ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት፡ ብስራት ክንዝርግሓሉ እንኽእል ሓደ ብሉጽ ሜላ እዩ። ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ዕዮ እዚ ብምክፋሎም ብዙሕ ውጽኢትን ዓስብን ረኺቦም እዮም። ግዜ መዲቦም ንሰባት ኣብ መደበራት ባቡርን ኣውቶብስን ዕዳጋታትን መናፈሻታትን ሰብ ኣብ ዝበዝሖ ኻልእ ቦታታትን ይምስክሩሎም እዮም። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ካልእ ሰብ፡ ብዛዕባ ዝሰምዖ ዜና ብምዝራብ፡ ብዛዕባ ውሉዳት እቲ ዜዘራርቦ ሰብ ናእዳ ብምሃብ፡ ወይ ብዛዕባ ስራሑ ብምሕታት ዝርርብ ኪጅምር ይኽእል እዩ። እቲ ዕላል ምስ ቀጸለ ድማ፡ እቲ ኣስፋሒ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሱ ኼዘራርቦ ይኽእል እዩ። እቲ ዜዘራርቦ ሰብ ዚህቦ ምላሽ ከኣ ዚበዝሕ ግዜ ናብ ተወሳኺ ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚመርሕ።

17, 18. (ሀ) ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ንምክፋል ምትእምማን ከተጥሪ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ለ) እቲ ዳዊት ንየሆዋ ብምውዳስ ዘርኣዮ መንፈስ ኣብ ኣገልግሎት ዚጠቕመካ ስለምንታይ እዩ፧

17 እቲ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኤዲ ዝስሙ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዚነብር ፈላሚ፡ ንሰባት ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ምዝርራብ የፍርሆ ነበረ። ድሕሪ ግዜ ግና ምትእምማን ኣጥረየ። እንታይ እዩ ሓጊዝዎ፧ “ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ኣምልኾ ስድራ ቤት ክንገብር ከለና፡ ሰባት ኪጻረሩናን ርእይቶኦም ኪገልጹልናን ከለዉ ብኸመይ ምላሽ ክንህብ ከም እንኽእል መርሚርና። ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓሳቦም ኪህቡና ድማ ሓቲትናዮም” በለ። ሕጂ ድማ፡ ኤዲ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ምክፋል ባህ እዩ ዚብሎ።

18 ብስራት ንምስባኽ ዚሕግዘካ ኽእለትን ምትእምማንን ምስ ረኸብካ፡ መንፈሳዊ ዕቤትካ እውን ኪርአ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:15 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ከም ዳዊት ነቲ ሰማያዊ ኣቦኻ፡ “ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኽውድሶ እየ፣ ውዳሰኡ ወትሩ ኣብ ከናፍረይ ኪኸውን እዩ። ብየሆዋ ኽምካሕ እየ፣ ዓቃላት ኪሰምዑን ኪሕጐሱን እዮም” ኢልካ ኸም እትውድሶ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (መዝ. 34:1, 2) ሳላ ኣገልግሎትካ ድማ፡ ትሑታት ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺጽምበሩ ይኽእሉ እዮም።

መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባር ንኣምላኽ ኣኽብሮ

19. እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ፡ ቀያዲ ዅነታት ከለዎ እውን ሕጉስ ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

19 ዳዊት፡ “ኦ የሆዋ፡ ኵሉ ግብርታትካ ኼሞግሰካ እዩ፣ እሙናትካ ኸኣ ኪውድሱኻ እዮም። ክብሪ ንግስናኻ ኺነግሩ፡ ብዛዕባ ሓይልኻ እውን ኪዛረቡ እዮም፣ ግብርታት ሓይልኻን ክቡር ግርማ ንግስነትካን ድማ ንሰብ ኬፍልጡ እዮም” ኢሉ እውን ዘሚሩ እዩ። (መዝ. 145:10-12) እዘን ቃላት እዚአን፡ ንስምዒት ኵሎም እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ኸም ዜንጸባርቓ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብሰንኪ ሕማም ወይ እርጋን ኣብ ኣገልግሎት ክንድቲ እትደልዮ ኽትገብር እንተ ዘይክኢልካኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ንኣለይትኻን ንኻልኦት ሰባትን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ እተበስሮም፡ በቲ ቕዱስ ኣገልግሎትካ ጌርካ ነቲ ዜደንቕ ኣምላኽና ኸም እትውድሶ ኣይትረስዕ። ብእምነትካ እንተ ተኣሲርካ፡ ኵነታትካ ብዚፈቕዶ መጠን ብዛዕባ ሓቂ ኸም እትዛረብ ኣየጠራጥርን እዩ፣ እዚ ኸኣ ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ እዩ። (ምሳ. 27:11) ብዘይካዚ፡ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት እናነበርካ መንፈሳዊ ልማዳትካ ትሕሉ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ይሕጐስ እዩ። (1 ጴጥ. 3:1-4) ከቢድ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ እውን፡ ንየሆዋ ኽትውድሶን መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብርን ትኽእል ኢኻ።

20, 21. ኣብ ውድብ የሆዋ ዝያዳ ዕዮ ብሕድሪ ምስ ዚውሃበካ፡ ንኻልኦት በረኸት ክትኰነሎም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

20 ወትሩ መንፈሳዊ ዕቤት ትገብር እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ። ኣብ መደባትካ ወይ ኣነባብራኻ ቝሩብ ምትዕርራይ ምስ እትገብር፡ ነቶም ተስፋ ዜድልዮም ዘሎ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ዜደንቕ ተስፋታት ኣብ ምምሃር ዓብዪ እጃም ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብርን ጥቕሚ ርእስኻ ብምስዋእ ክትመላለስን ከለኻ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ብዙሕ ኪጥቀሙ እዮም። ኣብ ጉባኤ ብትሕትና ተደሪኽካ ኽትጽዕር ከለኻ ኸኣ፡ እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ኺፈትዉኻን ኬመስግኑኻን ኪድግፉኻን እዮም።

21 ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ፡ ኵላትና መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር ንኽእል ኢና። ብሱላት ክርስትያናት ንሓደስቲ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ግና ብኸመይ እዮም፧ ብዛዕባ እዚ ኣብ ዚቕጽል መጽናዕትና ኽንመያየጥ ኢና።