ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ተጻረርቲ የሱስ ብዛዕባ ምሕጻብ ኢድ ክርክር ዜልዕሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

እዚ ጕዳይ እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ጸላእቲ የሱስ ኣብኡን ኣብ ደቀ መዛሙርቱን ጕድለት ኪኣርዩ ኸለዉ ዜልዕልዎ ዝነበሩ ሓያሎ ጕዳያት እዩ ነይሩ። ኣብ ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ ኻብ ሰብነት ዚክዖ ፈሳሲ፡ ደዌ፡ ኣተሓሕዛ ሬሳ ሰብን እንስሳን ዚምልከት ሕጊ ንጽህና ነይሩ እዩ። ሓደ ሰብ ካብ ርኽሰቱ ብኸመይ ኪነጽህ ከም ዚኽእል ዚገልጽ መምርሒታት እውን ነይሩ እዩ። እዚ ድማ መስዋእቲ ብምቕራብ፡ ብምሕጻብ፡ ወይ ብምንጻግ ኪግበር ይከኣል ነይሩ።—ዘሌ.፡ ምዕ. 11-15፣ ዘሁ.፡ ምዕ. 19።

ናይ ሃይማኖት መምህራን ኣይሁድ ግና ነዚ ሕጊ እዚ ብዝርዝር ተንተንዎ። ሓደ መወከሲ ኸም ዝሓበሮ፡ ብዛዕባ ዅሉ ዜርክስ ዘበለ፡ “ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ከም ዚመሓላለፍ፡ ብኸመይን ክሳዕ ክንደይን ናብ ካልኦት ከም ዚመሓላለፍ፡ ኪረክስ ዚኽእልን ዘይክእልን ኣቕሑን ካልእ ነገራትን ኣየናይ ከም ዝዀነ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብኸመይ ስርዓት ምንጻህ ኪካየድ ከም ዚኽእል ይምርምሩ ነበሩ።”

ተጻረርቲ የሱስ፡ “ስለምንታይ እዮም ደቀ መዛሙርትኻ ስርዓት ቀዳሞት ከይሕልዉስ፡ ብዝረኸሳ ኣእዳው ዚበልዑ፧” ኢሎም ሓቲቶምዎ ነይሮም። (ማር. 7:5) እዞም ሃይማኖታውያን ጸላእቲ እዚኦም፡ ኣእዳውካ ኸይተሓጸብካ ምብላዕ ንጥዕና ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ኣይኰኑን ዚእምቱ ነይሮም። እቶም መምህራን፡ ምግቢ ቕድሚ ምብላዖም ማይ ኣብ ኣእዳዎም ኣፍሲሶም ናይ ምሕጻብ ስርዓት ነይርዎም እዩ። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መወከሲ ብተወሳኺ ኸምዚ ይብል፦ “ኣየናይ ኣቕሓ ንመንጠብጠቢ ኸም ዚኸውን፡ እንታይ ዓይነት ማይ ኪኸውን ከም ዘለዎ፡ መን ኬንጠብጥብ ከም ዘለዎ፡ ኣእዳውካ ኽሳዕ ኣበይ ኪሕጸብ ከም ዘለዎ እውን ክትዕ ነበረ።”

የሱስ ነዚ ዅሉ ብሰብ ዝቘመ ሕጊ እተጻረረሉ ምኽንያት ንጹር እዩ ነይሩ። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ኣብ ጽሑፍ ዘሎ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ እዩ ተነብዩ፦ ‘እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ ስለ ዚምህሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ።’ ትእዛዝ ኣምላኽ ሓዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣለኹም።”—ማር. 7:6-8