ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዮሃንስ ራውተ ኣብ ከባቢ 1920 ኼገልግል ከሎ

ካብ መዛግብትና

“ንየሆዋ ውዳሰ ዜምጽእ ፍረ አፍሪ ኣለኹ”

“ንየሆዋ ውዳሰ ዜምጽእ ፍረ አፍሪ ኣለኹ”

“ኵሉ እቲ ቐደም እተገብረ ውግኣት ምስቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤውሮጳ ዚካየድ ዘሎ ብርቱዕ ኵናት ኪነጻጸር ከሎ፡ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ዀይኑ ኣሎ።” ናይ 1 መስከረም 1915 ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ጸኒሑ ናብ ኣስታት 30 ሃገራት እተላብዐ ውግእ በዚ ኸምዚ እያ ገሊጻቶ። ብዘይካዚ፡ እታ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ብሰንኪ እቲ ውግእ፡ “ብፍላይ ኣብ ጀርመንን ፈረንሳን ኣገልግሎት [መንግስቲ ኣምላኽ] ብእተወሰነ ደረጃ ተዓናቒፉ እዩ” ኢላ ጸብጺባ እያ።

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም ውግእ ተላቢዕሉ ዝነበረ እዋን፡ ክርስትያናት ክሳዕ ክንደይ ገለልትነቶም ኪሕልዉ ኸም ዘለዎም ብንጹር ኣይተረድኡን ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ቈሪጾም ነበሩ። ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ እጃሙ ኼበርክት ዚጽዕር ዝነበረ ቪልሀልም ሂልደብራንት፡ ቅዳሓት ዘ ባይብል ስቱደንትስ ማንዝሊ ብፈረንሳይኛ ኣዘዘ። እዚ ሰብ እዚ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ ኣይኰነን ናብ ፈረንሳ ኸይዱ፣ የግዳስ፡ ወተሃደር ጀርመን እዩ ነይሩ። እዚ ኸም ጸላኢ ዚቝጸር ሰብ፡ ክዳን ወተሃደር ተኸዲኑ መልእኽቲ ሰላም ምሃቡ ንፈረንሳውያን ኣገሪምዎም እዩ።

ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ደብዳበታት ከም ዚሕብሮ፡ ወተሃደራት ጀርመን ዝነበሩ ኻልኦት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣብ ሰራዊት ተዓሲቦም ከለዉ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ኸም ዘለዎም ይስምዖም ነይሩ እዩ። ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ዝነበረ ሓውና ለምከ፡ ሓሙሽተ ኻብቶም ምስኡ ዚሰርሑ ባሕረኛታት ተገዳስነት ከም ዘሕደሩ ኺሕብር ከሎ፡ “ኣብ መርከብ እውን ከይተረፈ፡ ንየሆዋ ውዳሰ ዜምጽእ ፍረ አፍሪ ኣለኹ” በለ።

ወተሃደር ኰይኑ ናብ ዓውደ ውግእ ዝኣተወ ጆርጅ ካይሰር፡ ኣገልጋሊ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኰይኑ እዩ ናብ ቤቱ ተመሊሱ። ከመይ ኢሉ እዩ ኸምኡ ኪኸውን ክኢሉ፧ ብገለ መገዲ ጽሑፋት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ረኸበ፡ ንሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ብምሉእ ልቡ ተቐበሎ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ኲናት ከይኣተወ፡ ካልእ ዕዮ ውትህድርና ኺዓዪ ጀመረ። ድሕሪ እቲ ውግእ ከኣ፡ ንሓያሎ ዓመታት ፈላሚ ዀይኑ ኣገልገለ።

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጕዳይ ገለልትነት ምሉእ ብምሉእ ዘይተረድኦም እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ዝነበሮም ኣረኣእያ ግና ካብ ኣረኣእያን ተግባራትን እቶም ነቲ ውግእ ሓንጐፋይ ኢሎም እተቐበልዎ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያንን ንውግእ ጥሩምባ ኺነፍሑ ኸለዉ፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣብ ጐድኒ እቲ “መስፍን ሰላም” ቈይሞም ነበሩ። (ኢሳ. 9:6) ገለልትነቶም ጸኒዖም ዚሕልዉ ዅሎም እኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ከምቲ ኮንራድ ሞርተር ዝስሙ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሎ ዓይነት መሰረታዊ እምነት ነበሮም፣ ንሱ፡ “ክርስትያን ኪቐትል ከም ዘይብሉ ኻብ ቃል ኣምላኽ ብንጹር ተረዲአ እየ” በለ።—ዘጸ. 20:13 *

ሃንስ ሆልተርሆፍ በዛ ዓረብያ እዚኣ ገይሩ ዘ ጐልደን ኤጅ የፋልጥ ነበረ

ኣብ ጀርመን፡ ነቶም ብምኽንያት ሕልናኦም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ዚኣብዩ ናጻ ዚገብር ሕጊ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን እውን፡ ልዕሊ 20 ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ውትህድርና ዚተሓሓዝ ዕዮ ምዕያይ ኣብዮም ነይሮም እዮም። ከም እኒ ጉስታቭ ኩጃት ዝኣመሰሉ ገሊኦም ኣሕዋት፡ ሕማም ኣእምሮ ኣለዎም ተባሂሎም ናብ መዕቈቢ ሕሙማት ኣእምሮ ተላኢኾምን መድሃኒት ተዋሂብዎምን እዩ። ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ዝኣበየ ሃንስ ሆልተርሆፍ ከኣ፡ ምስ ተኣስረ እውን ዝዀነ ይኹን ምስ ውግእ ዚተሓሓዝ ዕዮ ምዕያይ ኣበየ። እቶም ሓለውቲ እሱራት ድማ፡ መሓውሩ ኽሳዕ ዚድንዝዝ ብቐያዲ ጃኬት ይኣስርዎ ነበሩ። በዚ ኻብ መትከሉ ምንቕ ምባል ምስ ኣበዮም ከኣ፡ ከም ዚቕተል ኣምሲሎም ኬፈራርህዎ ፈተኑ። ኰይኑ ግና፡ ሃንስ ካብ መትከሉ ፈልከት ኣይበለን።

ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኪህቡ እተኸትቡ ኻልኦት ኣሕዋት እውን ኣጽዋር ምልዓል ኣበዩ፡ ኣብ ኵናት ዘየእትዎም ዕዮ ኺውሃቦም ድማ ሓተቱ። * ዮሃንስ ራውተ ነዚ ዓይነት መትከል ምስ ወሰደ፡ ኣብ መገዲ ባቡር ኺዓዪ ተላእከ። ኮንራድ ሞርተር ተላኣኣኺ ሰብ ሞያ ሕክምና ዀይኑ ኺዓዪ ተመደበ፣ ሬይንሆልድ ዌበር ድማ ኣላዪ ሕሙማት ኰይኑ ዓየየ። ኦገስት ክራፍዚግ ከኣ ኣብ ዓውደ ውግእ ዘየእቱ ዕዮ ተዋህቦ። እዞም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኦምን ካልኦትን ብመጠን እቲ ብዛዕባ ፍቕርን ተኣማንነትን ዝነበሮም ምርዳእ ንየሆዋ ኼገልግሉ ቘሪጾም ነበሩ።

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብምኽንያት እቲ ውግእ ኣብ ዚካየደሉ ዝነበረ እዋን ዝነበሮም ኣካይዳ፡ መንግስቲ ኽትትል ኪገብረሎም ጀመረ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብምኽንያት ዕዮ ስብከቶም ኣሽሓት ክሲ ቐረበሎም። ንኣሕዋት ንምሕጋዝ ድማ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጀርመን ኣብቲ ኣብ ማግደበርግ ዝነበረ ቤት-ኤል ክፍሊ ሕጊ ኣቘመ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ክርስትያናዊ ገለልትነት ዝነበሮም ምርዳእ በብቝሩብ ነጺሩ እዩ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተወልዐ፡ ካብ ሰራዊት ምሉእ ብምሉእ ብምርሓቕ ገለልትነቶም ሓልዮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ከም ጸላእቲ ሃገረ ጀርመን ስለ እተራእዩ ድማ፡ ከቢድ መስጐጕቲ ወሪድዎም እዩ። ብዛዕባ እዚ፡ ካልእ እዋን ኣብዛ “ኻብ መዛግብትና” ዘርእስታ ዓምዲ እዚኣ ኺወጽእ እዩ።—ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ ኻብ ዚርከብ መዛግብትና።

^ ሕ.ጽ. 7 ብዛዕባ እቶም ብግዜ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበሩ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብሪጣንያ ዚገልጽ ተመክሮ ኸተንብብ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2013 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ካብ መዛግብትና—ኣብ ‘ሰዓት ፈተና’ ጸንዑ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 9 ኣብ 5ይቲ ጥራዝ እታ ሚለንያል ዶውን (1904) ዘርእስታ ብተኸታታሊ ዝወጸት መጽሓፍን ኣብታ ብጀርመንኛ እተሓትመት ናይ ነሓሰ 1906 ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛን ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ኺውሰድ ከም ዚከኣል ሓሳብ ቀሪቡ ነበረ። ናይ መስከረም 1915 ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዝነበረና ግንዛበ ኣነጸረቶ፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰራዊት ኪኽተቡ ኸም ዘይግባእ ድማ ገለጸት። ይኹን እምበር፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብጀርመንኛ ኣይተሓትመትን።