ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣመሰራርታን ዕላማን መውስቦ

ኣመሰራርታን ዕላማን መውስቦ

“የሆዋ ኣምላኽ ከኣ፡ ‘ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን። ንዕኡ መመላእታ እትዀኖ ሓጋዚት ክገብረሉ እየ’ በለ።” —ዘፍ. 2:18

መዝሙር፦ 36, 11

1, 2. (ሀ) መውስቦ ብኸመይ ጀሚሩ፧ (ለ) እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ መውስቦ እንታይ ኬስተውዕሉ ይኽእሉ ነይሮም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

መውስቦ ኣገዳሲ ኽፍሊ ህይወት ደቂ ሰብ እዩ። ኣመሰራርታኡን ዕላማኡን ምፍላጥና፡ ብዛዕባ እዚ ርክብ እዚ ግቡእ ኣረኣእያ ኽንሕዝን ካብ በረኸቱ ተኻፈልቲ ኽንከውንን ይሕግዘና እዩ። ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ዝዀነ ኣዳም ምስ ፈጠሮ፡ ንእንስሳታት ስም ኬውጽኣሎም ኢሉ ናብ ኣዳም ኣምጽኦም። “ንሰብኣይ ግና መመላእታ እትዀኖ ሓጋዚት ኣይነበረቶን።” ስለዚ፡ ኣምላኽ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣደቀሶ፡ ሓንቲ ኻብ መሰናግለኡ ወሲዱ ድማ፡ ሰበይቱ ገይሩ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ። (ዘፍጥረት 2:20-24 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ፡ ኣምላኽ ንመውስቦ ሰረቶ።

2 የሱስ ድማ፡ የሆዋ፡ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ” ኸም ዝበለ መረጋገጺ ሂቡ ኣሎ። (ማቴ. 19:4, 5) ኣምላኽ ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ በታ ኻብ ኣዳም እተወስደት መሰንገለ ገይሩ ምፍጣሩ፡ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዚቀራረቡ ገይርዎም እዩ። ኪፋትሑ ወይ ሓደ ሰብ ልዕሊ ሓደ መጻምድቲ ኺህልዎ እተሰርዐ ስርዓት ኣይነበረን።

መውስቦ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ

3. ሓደ ኣገዳሲ ዕላማ መውስቦ እንታይ እዩ፧

3 ኣዳም በታ ደሓር ሄዋን ኢሉ ዝጸውዓ ተፈታዊት ሰበይቱ ደስ ኢልዎ ነይሩ እዩ። ንዕኡ “መመላእታ” ስለ ዝነበረት፡ ከም ሰብኣይን ሰበይትን መጠን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ተሓጒሶም ኪነብሩ ኸለዉ፡ “ሓጋዚት” ክትኰኖ እያ ተፈጢራ። (ዘፍ. 2:18) ሓደ ኣገዳሲ ዕላማ መውስቦ፡ ንምድሪ ምምላእ እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 1:28) ኣወዳትን ኣዋልድን ንወለዶም ዚፈትዉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሓዲጎምዎም ወጺኦም ኪምርዓዉን ሓድሽ ቤት ኪስርቱን እዩ ተሓሲቡ። ሰባት ብግቡእ መጠን ንምድሪ ኺመልእዋን ንብምልእታ ገነት ኪገብርዋን እዩ ዕላማ ተገይሩ።

4. ኣብቲ ቐዳማይ መውስቦ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧

4 ኣዳምን ሄዋንን በቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ተጠቒሞም ትእዛዝ የሆዋ ስለ ዝጠሓሱ፡ ኣብቲ ቐዳማይ መውስቦ ዓብዪ ሽግር እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ሰይጣን ድያብሎስ ዚብሃል “ናይ ጥንቲ ተመን” ንሄዋን ካብ ፍረ እታ “ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን” እንተ በሊዓ፡ ጽቡቕን ክፉእን ባዕላ ኸም እትውስን ብምሕባል ኣታለላ። ንሳ እውን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንሰብኣያ ስለ ዘይሓተተቶ፡ ንርእስነቱ ኣየኽበረቶን። ኣዳም ከኣ ንኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚእዘዞ፡ ነታ ሄዋን ዝሃበቶ ፍረ ተቐቢሉ በልዓ።—ራእ. 12:9፣ ዘፍ. 2:9, 16, 17፣ 3:1-6

5. ካብቲ ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ዝሃብዎ ምላሽ እንታይ ንምሃር፧

5 ኣምላኽ ንኣዳም ብዛዕባ በደሉ ኺሓትቶ ምስ ጀመረ፡ ኣዳም፡ “እታ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሂባትኒ በሊዐ” ኢሉ ንሰበይቱ ተሓታቲት ገበራ። ሄዋን ከኣ ተመን ስለ ዘታለላ ኸም ዝበልዐት ተዛረበት። (ዘፍ. 3:12, 13) እዚ ዘቕረብዎ መመኽነይታ፡ ዕባራ ምኽንያት እዩ ነይሩ። እቶም ቀዳሞት መጻምድቲ ንየሆዋ ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዓለወኛታት ኰኑ። እዚ መለበሚ ኪዀነና ኣለዎ። ሓደ መውስቦ ዕዉት ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ መጻምድቲ ሓሓላፍነቱ ኺስከምን ንየሆዋ ኺእዘዞን ኣለዎ።

6. ንዘፍጥረት 3:15 ብኸመይ ትገልጻ፧

6 ሰይጣን ኣብ ኤደን ሽግር እኳ እንተ ፈጠረ፡ የሆዋ ግና በታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ቀዳመይቲ ትንቢት ገይሩ ንደቂ ሰብ ተስፋ ሃቦም። (ዘፍጥረት 3:15 ኣንብብ።) እቲ ፈለማ ዝዓለወ መንፈሳዊ ፍጡር ብ“ዘርኢ” እታ ሰበይቲ ኸም ዚጭፍለቕ ተገልጸ። በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሰማይ ዜገልግልዎ ጻድቃን መንፈሳውያን ፍጡራትን ዘሎ ፍሉይ ርክብ ብእተወሰነ መገዲ ገለጸሎም። ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ፡ ኣምላኽ ካብታ ኸም ሰበይቱ ዝዀነት ውድቡ ንሓደ ልኢኹ ንድያብሎስ ከም ‘ዚጭፍልቖ’ ጸኒሑ ይገልጽ እዩ። እቲ ዚልኣኽ ድማ ንእዙዛት ደቂ ሰብ፡ ነቲ እቶም ቀዳሞት ሰብ ሓዳር ዘጥፍእዎ ህይወት፡ ማለት ከምቲ የሆዋ ኣብ ፈለማ ዝዓለሞ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዜኽእሎም ዓይነት ህይወት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ኪኸፍተሎም እዩ።—ዮሃ. 3:16

7. (ሀ) ካብ ዕልወት ኣዳምን ሄዋንን ንነጀው ኣብ ሓዳር እንታይ ጽልዋ እዩ ሓዲሩ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡትን ንኣንስትን እንታይ ኢሉ እዩ ዚእዝዞም፧

7 ዕልወት ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ሓዳሮምን ኣብቲ ብድሕሪኡ እተመስረተ ዅሉ ሓዳርን ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ንኣብነት፡ ሄዋንን ደቂ ሄዋንን ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ጻዕረን ከም ዚበዝሕ ተሓቢሩ እዩ። ኣንስቲ ንሰብኡተን ሃረር ከም ዚብላኦም፡ ሰብኡት ድማ ንኣንስቶም ከም ዚመልክወን፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ከምዚ ኣብ ናይ ሎሚ ሓዳር እንርእዮ ዘለና ኸም ዚሃስይወን ተገሊጹ ኣሎ። (ዘፍ. 3:16) ሰብኡት ንርእስነቶም ብፍቕሪ ኺዓይዩሉ ኸም ዚግባእ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይእዝዝ እዩ። ኣንስቲ እውን ብተራአን ንርእስነት ሰብኡተን ኪግዝኣ ይግብአን። (ኤፌ. 5:33) ኣብ መንጎ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰብ ሓዳር ምትሕብባር ምስ ዚህሉ፡ ጠንቂ ግጭት ዚኸውን ኵነታት ኪንኪ ወይ እውን ጠሪሱ ኺውገድ ይከኣል እዩ።

ካብ ግዜ ኣዳም ክሳዕ ማይ ኣይሂ ዝነበረ መውስቦ

8. ካብ ግዜ ኣዳም ክሳዕ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ታሪኽ መውስቦ እንታይ እዩ፧

8 ኣዳምን ሄዋንን ብሰንኪ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ቅድሚ ሙማቶም፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለዱ። (ዘፍ. 5:4) እቲ ቃየል ዝስሙ በዅሪ ወዶም ከኣ፡ ሓንቲ ኻብተን ቤተ ሰቡ ተመርዓወ። እቲ ዘርኢ ቃየል ዝዀነ ላሜክ፡ ክልተ ኣንስቲ ኸም ዝነበራኦ ተጠቒሱ ዚርከብ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ እዩ። (ዘፍ. 4:17, 19) ኣብቲ ኻብ ኣዳም ክሳዕ እቲ ብዘመን ኖህ ዝመጸ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ወለዶታት፡ ሒደት ውልቀ ሰባት ጥራይ እዮም ኣምለኽቲ የሆዋ ኸም ዝዀኑ ተሓቢሩ ዚርከብ። ካባታቶም ኣቤልን ሄኖክን ኖህን ስድራ ቤቱን ኪጥቀሱ ይከኣሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዘመን ኖህ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር፡ “እቶም ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እተን ኣዋልድ ሰባት መልክዐኛታት ምዃነን ረኣዩ። ካባታተን ድማ ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሰዱ” ይብል። እዚ ኣብ መንጎ ስጋ ዝለበሱ መላእኽትን ኣንስትን እተገብረ ዘይባህርያዊ መውስቦ፡ ነፊሊም ዚብሃሉ ዓመጽቲ ደቓሉ ኣፍረየ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ‘ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ በዝሐ፡ ኵሉ ዝንባለ ሓሳባት ልቡ ድማ ወትሩ ኽፉእ ኰነ።’—ዘፍ. 6:1-5

9. የሆዋ ነቶም ብዘመን ኖህ ዝነበሩ እኩያት እንታይ እዩ ገይርዎም፧ ካብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዘጋጠመ ነገር እንታይ ንምሃር፧

9 የሆዋ ንእኩያት ንምጥፋእ፡ ብዘመን ኖህ ማይ ኣይሂ ኣምጺኡ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰባት ብመዓልታዊ ጕዳያት ናብራኦም፡ እንተላይ ብመርዓ እምብዛ ትሑዛት ብምንባሮም፡ ነቲ “ኖህ እቲ ሰባኽ ጽድቂ” ብዛዕባ እቲ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ጥፍኣት ዝበሎ ነገር ኣርዚኖም ኣይረኣይዎን። (2 ጴጥ. 2:5) የሱስ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ዅነታት ምስቲ ኣብዚ ግዜና እንርእዮ ዘለና ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:37-39 ኣንብብ።) ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ቕድሚ መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኣብ ብዘላ ዓለም ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ዚስበኽ ዘሎ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስማዕ ይኣብዩ ኣለዉ። እምበኣር፡ ከም መውስቦን ምዕባይ ቈልዑን ዝኣመሰለ ናይ ቤተ ሰብ ጕዳይ ንመዓልቲ የሆዋ ብንቕሓት ከይንከታተል ዕንቅፋት ኪዀነና ኣይነፍቅድ።

ካብ ማይ ኣይሂ ኽሳዕ ግዜ የሱስ ዝነበረ መውስቦ

10. (ሀ) ኣብ ሓያሎ ባህልታት፡ እንታይ ጾታዊ ተግባራት እዩ ልሙድ ክፍሊ ህይወት ሰባት ኰይኑ ዝነበረ፧ (ለ) ኣብርሃምን ሳራን ብዛዕባ መውስቦ ሰናይ ኣብነት ዝሓደጉ ብኸመይ እዮም፧

10 ኖህን ሰለስተ ደቁን ሓሓንቲ ሰበይቲ እኳ እንተ ነበራኦም፡ ብዘመነ ኣበው ግና ድርብ መውስቦ ኺገብሩ፡ ማለት ገሊኦም ሰብኡት ብዙሓት ኣንስቲ ኺገብሩ ጀመሩ። ኣብ ሓያሎ ባህልታት፡ ምንዝርና ኸም ሓደ ልሙድ ክፍሊ ህይወቶም ኰነ፣ ሓሉፍ ሓሊፉ እውን ኣብ ሃይማኖታዊ ልምድታቶም ተኣታተወ። ኣብራምን (ኣብርሃም) ሰበይቱ ሳራይን (ሳራ) ንኣምላኽ ተኣዚዞም ናብ ከነኣን ኣብ ዝገዓዙሉ እዋን፡ እታ ሃገር ንመውስቦ ብዜበላሹ ብዙሕ ልምድታት መሊኣ ነበረት። ነበርቲ ሶዶምን ጎሞራን ብዕሉጋት ወይ ንብዕሉግ ተግባራት ዕሽሽ ዚብሉ ብምንባሮም፡ የሆዋ ነተን ከተማታት እቲአን ኣጥፍአን። ይኹን እምበር፡ ኣብርሃም ንቤተ ሰቡ ብግቡእ የመሓድር ነበረ፣ ሳራ እውን ንርእስነት ሰብኣያ ተገዛኢት ብምዃን ሰናይ ኣብነት ሓደገት። (1 ጴጥሮስ 3:3-6 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ፡ ንየሆዋ እተምልኽ ሰበይቲ ኣመርዓዎ። እቲ ንኣቦታት 12 ነገዳት እስራኤል ዝወለደ ያእቆብ ወዲ ይስሃቅ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ይሕለቕ ነበረ።

11. ሕጊ ሙሴ ንእስራኤላውያን ብኸመይ ኣዕቈቦም፧

11 ጸኒሑ፡ የሆዋ ንደቂ ያእቆብ (እስራኤል) ምስኡ ኺዳን ኣተኣታተዎም። ብዘመነ ኣበው ዝነበረ መሰረታዊ ልምድታት መውስቦ፡ እንተላይ ድርብ መውስቦ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴ ስርዓት ተገብረሉ። እቲ ሕጊ ኸኣ ንእስራኤላውያን ምስ ናይ ሓሶት ኣምለኽቲ ኸይዋሰቡ ዚኽልክሎም ብምንባሩ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቝባ ዀይንዎም እዩ። (ዘዳግም 7:3, 4 ኣንብብ።) ኣብ ሓዳር ከቢድ ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዓበይቲ ህዝቢ ይሕግዙ ነበሩ። ጥልመትን ቅንእን ጥርጣረን ብግቡእ ይተሓዝ ነበረ። ፍትሕ ዚፍቀድ እኳ እንተ ነበረ፡ ስርዓት ግና ተገይሩሉ ነበረ። ሰብኣይ ንሰበይቱ፡ “ዜሕፍር ነገር” ምስ ዚረኽበላ ኺፈትሓ ይኽእል ነበረ። (ዘዳ. 24:1) እቲ “ዜሕፍር ነገር” እንታይ ምዃኑ እኳ እንተ ዘይተገልጸ፡ ጢጥ ቅሚጥ ዘይምንባሩ ግና ክንግምት ንኽእል ኢና።—ዘሌ. 19:18

ንመጻምድትኻ ኸቶ ኣይትጥለም

12, 13. (ሀ) ብግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ገሊኦም ሰብኡት ንኣንስቶም እንታይ ይገብርወን ነበሩ፧ (ለ) ሎሚ፡ ሓደ ጥሙቕ ብዓል ሓዳር ንሰበይቱ ሓዲጉ ምስ መጻምድቲ ኻልእ እንተ ኸይዱ፡ እንታይ ሳዕቤናት እዩ ዜስዕበሉ፧

12 ብግዜ ነብዪ ሚልክያስ፡ ብዙሓት ኣይሁድ ሰብኡት ብዘይረብሕ መመኽነይታታት ንኣንስቶም ብምፍታሕ ይጠልምወን ነበሩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ገሊኦም ሰብኡት ንኣንስቲ ንእስነቶም ይፈትሑ ነበሩ፣ ከምኡ ዝገበሩ ኸኣ፡ ምናልባት ብዕድመ ዝነኣሳ ኣንስቲ ወይ ኣረማውያን ኣንስቲ ምእንቲ ኺምርዓዉ ኢሎም እዮም። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን፡ ኣይሁድ ሰብኡት ንኣንስቶም “ብዝዀነ ምኽንያት” ብምፍታሕ ይጠልምወን ነበሩ። (ማቴ. 19:3) የሆዋ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ፍትሕ ይጸልእ እዩ።—ሚልክያስ 2:13-16 ኣንብብ።

13 ሎሚ፡ ኣብ መውስቦ ዚግበር ጥልመት ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ሸለል ኢልካ ኣይርአን እዩ። ንበል ግና፡ ሓደ ጥሙቕ ብዓል ሓዳር ንመጻምድቱ ፈቲሑ፡ ምስ መጻምድቲ ኻልእ ከይዱ። እቲ ኣባሲ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ፡ ንመንፈሳዊ ንጽህና እታ ጉባኤ ንምሕላው ተባሂሉ ይውገድ እዩ። (1 ቈረ. 5:11-13) ተመሊሱ ኣባል እታ ጉባኤ ቕድሚ ምዃኑ፡ ‘ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረታት ኪፈሪ ኣለዎ።’ (ሉቃ. 3:8፣ 2 ቈረ. 2:5-10) እቲ ሰብ ካብ ውገዳ ቕድሚ ምምላሱ ብልክዕ ክንድዚ ዚብሃል ግዜ ኺሓልፍ ኣለዎ እኳ እንተ ዘይተባህለ፡ ከምዚ ዓይነት ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ሳሕቲ ዜጋጥም ጥልመት ግና ዕሽሽ ኢልካ ኣይርአን እዩ። ሓደ ሓጥእ ናይ ሓቂ ንስሓኡ ምእንቲ ኼርኢ ንውሕ ዝበለ ግዜ፡—ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ፡—የድልዮ እዩ። ዋላ እኳ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ውገዳ እንተ ተመልሰ፡ ብዛዕባ ርእሱ ንየሆዋ “ጸብጻብ ኪህብ እዩ።”—ሮሜ 14:10-12፣ ናይ 15 ሕዳር 1979 ግምቢ ዘብዐኛ፡ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 31-32 ርአ።

ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዚግበር መውስቦ

14. ሕጊ ሙሴ እንታይ ሓፈሻዊ ዕላማ እዩ ነይርዎ፧

14 ህይወት እስራኤላውያን ንልዕሊ 1,500 ዓመት ብሕጊ ሙሴ እዩ ዚመሓደር ነይሩ። እቲ ሕጊ እቲ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንናይ ቤተ ሰብ ጕዳይን ካልእ ነገራትን ኣብ ዚሕዙሉ መገዲ ብስርዓታት ጽድቂ ኺምርሑ ሓጊዝዎም፡ ናብ መሲሕ ዜብጽሕ መጕዚ እውን ኰይንዎም እዩ። (ገላ. 3:23, 24) የሱስ ኣብ ዝሞተሉ እዋን እቲ ሕጊ ስለ እተሳዕረ ግና፡ ኣምላኽ ሓድሽ ስርዓት ኣዳልዩ እዩ። (እብ. 8:6) ኣብቲ ትሕቲ እቲ ስርዓት እቲ ድማ፡ ገለ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዚፍቀድ ዝነበረ ነገራት ተኸልኪሉ እዩ።

15. (ሀ) ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምንታይ ስርዓት መውስቦ እያ እትምራሕ፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን ኪፋታሕ ኢሉ ኺሓስብ ከሎ፡ እንታይ እዩ ኺፈልጥ ዘለዎ፧

15 የሱስ ካብ ገሊኦም ፈሪሳውያን ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ብዛዕባ እቲ ንሰበይቲ ኺፈትሑ እተፈቕደሎም ስርዓት፡ “ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን” በሎም። (ማቴ. 19:6-8) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ በቲ ኣምላኽ ኣብ ኤደን ዝሰርዖ ስርዓት መውስቦ ኸም እትምራሕ ገለጸ። (1 ጢሞ. 3:2, 12) ሰብ ሓዳር “ሓደ ስጋ” ስለ ዝዀኑ፡ ንኣምላኽን ንሓድሕዶምን ዘለዎም ፍቕሪ ንርክቦም ከም ዜደልድሎ ብምግባር ንሓድሕዶም ተጣቢቖም ኪነብሩ ኣለዎም። ሓደ ሰብ ብዘይ ምኽንያት ምንዝርና ብሕጊ ምስ ዚፋታሕ፡ ኪምርዖ ናጻ ኣይኰነን። (ማቴ. 19:9) ልክዕ እዩ፡ ከምቲ ነብዪ ሆሴእ ነታ ዝመንዘረት ሰበይቱ ጎሜር ይቕረ ዝበለላ፡ ሓደ ሰብ እውን ንዝዘመወ መጻምድቱ ይቕረ ኺብል ይኽእል እዩ። የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ፡ እስራኤል ብመንፈሳዊ መዳይ ምስ ዘመወት እሞ ምስ ተነስሐት፡ ምሒርዋ እዩ። (ሆሴ. 3:1-5) ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ሓደ ሰብ፡ መጻምድቱ ኸም ዝዘምወ ምስ ፈለጠ፡ ምስቲ ዝኣበሰ መጻምድቲ ጾታዊ ርክብ ክገብር ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ፡ በዚ ተግባሩ እዚ ይቕረ ኸም ዝበሎ ጌርካ ኸም ዚቝጸር፡ ድሕርዚ ድማ ንፍትሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ከም ዘይህልዎ ኺፍለጥ ይግባእ።

16. የሱስ፡ ከይተመርዓኻ ብዛዕባ ምንባር እንታይ በለ፧

16 የሱስ ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዘይካ ምንዝርና ንፍትሕ ዚኸውን ምኽንያት ከም ዘየልቦ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብዛዕባ እቶም ከይተመርዓዉ ኺነብሩ “እተዋህቦም” ተዛረበ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ” በለ። (ማቴ. 19:10-12) ብዙሓት ክርስትያናት ንየሆዋ ብዘይተኸፋፈለ ኣእምሮ ኼገልግልዎ ስለ ዝደለዩ፡ ከይተመርዓዉ ምንባር ሓርዮም ኣለዉ። ከምኡ ብምግባሮም፡ ኪንኣዱ ይግብኦም።

17. ሓደ ሰብ ኪምርዖ ወይ ከይምርዖ ንምውሳን ዚሕግዞ እንታይ እዩ፧

17 ሓደ ሰብ ከይተመርዓወ ኺነብር ወይ ኪምርዖ ኸም ዚውስን ዚገብሮ፡ መጠን እቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ቘራጽነት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከይተመርዓኻ ምንባር ከም ዚሓይሽ ገሊጹ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ “ምንዝርና ስለ ዝበዝሐ ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰበይቲ ትሃልዎ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ እውን ናይ ገዛእ ርእሳ ሰብኣይ ይሃልዋ” ኢሉ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ርእሶም ኪገትኡ እንተ ዘይክኢሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሓይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ” ኢሉ እዩ። መውስቦ ንሓደ ሰብ ብፍትወት ነዲዱ ናብ ግብረ ሕቡእ ወይ ምንዝርና ኸየምርሕ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ዕድመ ኺሕሰበሉ ኸም ዚግባእ ኪገልጽ ከሎ፡ “ሓደ ሰብ ከይተመርዓወ ምንባር ዘይክእሎ እንተ መሲልዎ፡ ብጽሕናኡ ኸኣ እንተ ኣሕሊፉ፡ ከምዚ ይግበር፦ ዝደለዮ ይግበር፣ ኣይሓጥአን። ይመርዓዉ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረ. 7:2, 9, 36፣ 1 ጢሞ. 4:1-3) ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ብሰንኪ እቲ ንእስነት ዜምጽኦ ሓያል ስምዒት ተሃዊኹ ኺምርዖ የብሉን። ከመይሲ፡ ሓዳር ዜምጽኦ ሓላፍነታት ንምስካም ዜኽእሎ ብስለት ዘይብሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

18, 19. (ሀ) ክርስትያናዊ መውስቦ ብኸመይ እዩ ዚቐውም፧ (ለ) እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ እያ ኽትገልጽ፧

18 ክርስትያናዊ መውስቦ ንየሆዋ ርእሶም ብዝወፈዩን ብምሉእ ልቦም ብዜፍቅርዎን ሰብኣይን ሰበይትን እዩ ዚቐውም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ንሓድሕዶም ካብ ዘላቶም ሓያል ፍቕሪ ተላዒሎም፡ ብመውስቦ ህይወቶም ኬተኣሳስሩ ድሌት ኪህልዎም ኣለዎ። “ብጐይታ ጥራይ” ምምርዓዎም፡ በረኸት የምጽኣሎም እዩ። (1 ቈረ. 7:39) ምስ ተመርዓዉ ኸኣ፡ ሓዳሮም ዕዉት ኪኸውን ዜኽእል ብሉጽ ምኽሪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚርከብ ምሉእ ብምሉእ ኪሰማምዑሉ ኣለዎም።

19 እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ኣብዚ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ንሓዳር ዜበላሹ ባህርያት ዜርእዩሉ ዘለዉ “ዳሕሮት መዓልትታት፡” ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ከመይ ገይሮም ንዜጋጥሞም ብድሆታት ኪሰግሩ ኸም ዚኽእሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት ክትገልጽ እያ። (2 ጢሞ. 3:1-5) ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ መገዲ ኽንጐዓዝ ከለና፡ ሓዳርና ዕዉትን ሓጐስ ዝመልኦን ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና፡ የሆዋ ኣብቲ ኽቡር ቃሉ ገሊጹልና ኣሎ።—ማቴ. 7:13, 14