ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከተሰልጥን ከም ዚግብኣካ ተስተውዕልዶ፧

ከተሰልጥን ከም ዚግብኣካ ተስተውዕልዶ፧

“ኣነስ ጽቡቕ ትምህርቲ ኽህበኩም እየ።”—ምሳ. 4:2

መዝሙር፦ 45, 44

1, 2. ንኻልኦት ኣስፋሕቲ፡ ቲኦክራስያዊ ዕዮታት ምእንቲ ኺዓይዩ ኸነሰልጥኖም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

የሱስ ቀዳምነት ዚህቦ ዝነበረ ዕዮ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጓሶትን መምህራንን ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንኻልኦት ንምስልጣን እውን ግዜ መዲቡ እዩ። (ማቴ. 10:5-7) ፊልጶስ ብዕዮ ወንጌላውነት ትሑዝ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣርባዕተ ኣዋልዱ ንፉዓት ሰበኽቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ምእንቲ ኪዀና ሓጊዝወን ኪኸውን ኣለዎ። (ግብ. 21:8, 9) ከምዚ ዝበለ ስልጠና፡ ሎሚ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዜድሊ፧

2 ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ቍጽሪ እቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበሉ ዘለዉ ሰባት ይበዝሕ ኣሎ። ዘይተጠምቁ ሓደስቲ እውን ንኣገዳስነት ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ኣለዎም። ነቲ ብስራት ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዚሰብኩ፡ ብዛዕባ ሓቂ እውን ብኸመይ ከም ዚምህሩ ኺፈልጡ ኣለዎም። ኣብ ጉባኤታትና ዚርከቡ ኣሕዋት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ንምዃን ዜድሊ ብቕዓት ምእንቲ ኼማልኡ፡ ኣበርቲዖም ኪዓይዩ መተባብዒ የድልዮም እዩ። ብሱላት ክርስትያናት ንሓደስቲ “ጽቡቕ ትምህርቲ” ብምሃብ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።—ምሳ. 4:2

ካብ ቃል ኣምላኽ ብርታዐን ጥበብን ኪረኽቡ ሓግዞም

3, 4. (ሀ) ጳውሎስ ንመጽናዕቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ምስ ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት ብኸመይ ኣተሓሒዝዎ፧ (ለ) ንተምሃሮና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብብሕቶም ኬጽንዑ ቕድሚ ምትብባዕና፡ ንሕና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

3 ብሕታዊ መጽናዕቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣድላዪ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝጸሓፈሎም ቃላት ይርከብ፦ “በቲ ልክዕ ፍልጠት ፍቓዱ [ፍቓድ ኣምላኽ] ብዅሉ ጥበብን ብመንፈሳዊ ግንዛበን ክትምልኡ ምእንታኹም ካብ ምጽላይን ካብ ምልማንን ኣየቋረጽናን። ብሰናይ ግብሪ ዘበለ እናፈረኹምን ብልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹምን ንየሆዋ እትበቕዑ ዄንኩም ምእንቲ ኽትመላለሱን ብዅሉ ንዕኡ ምእንቲ ኸተሐጕስዎን ከኣ ኢና ኸምኡ ዝገበርና።” (ቈሎ. 1:9, 10) ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ንየሆዋ ዚበቕዑ ዀይኖም ምእንቲ ኺመላለሱን ብዅሉ ንዕኡ ምእንቲ ኼሐጕስዎን፡’ ከምዚ ዝበለ ልክዕ ፍልጠት የድልዮም ነበረ። እዚ ድማ ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ እናፈረዩ’ ኺመላለሱ፡ ምናዳ ኸኣ ኣዘውቲሮም እቲ ብስራት ኪሰብኩ የኽእሎም ነበረ። ሓደ ኣምላኺ የሆዋ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምግልጋል፡ ልማድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪህልዎ ኣለዎ። ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ነጥብ እዚ ኸነረድኦም ኣሎና።

4 ካልኦት ካብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀሙ ቕድሚ ምሕጋዝና ግና፡ ንሕና ንባዕልና ኣገዳሲ ምዃኑ ኽንኣምነሉ ኣሎና። ንሕና ንባዕልና ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪህልወና ኣለዎ። ስለዚ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ሰባት ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ዚጻረር ሓሳባት ምስ ዚገልጹ ወይ ከቢድ ሕቶ ምስ ዚሓትቱኒ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሰ ኽምልስ እኽእል ድየ፧ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንዑ የሱስን ጳውሎስን ካልኦትን ከንብብ ከለኹ፡ ጽንዓቶም ነቲ ንየሆዋ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዚጸልዎ አስተንትነሉ ድየ፧’ ኵላትና ኻብ ቃል ኣምላኽ ፍልጠትን ምኽርን የድልየና እዩ። ካብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ከም እንጥቀም ንኻልኦት ክንነግሮም ከለና፡ ትጉሃት ተምሃሮ ቕዱሳት ጽሑፋት ብምዃን ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ነተባብዖም ኢና ዘለና።

5. ሓደስቲ ዘበሉ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ልማዶም ምእንቲ ኺገብርዎ ብኸመይ ኪሕገዙ ኸም ዚኽእሉ ሓሳብ ሃብ።

5 ‘ከመይ ገይረ እየ ንተምሃሮይ ብስሩዕ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኸሰልጥኖም ዝኽእል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ኣብ ፈለማ፡ ነቲ ምሳኻ ዚገብሮ መጽናዕቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዚዳለወሉ ኸተርእዮ ትኽእል ኢኻ። ካብ መመላእታ ጽሑፍ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ እትብሃል መጽሓፍ ኼንብብን ኣብኡ እተሓበረ ጥቕስታት ገንጺሉ ኺርእን ሓሳብ ክትህቦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ምእንቲ ኺህብ ድማ፡ ኪዳሎ ሓግዞ። ኵሉ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ! ኬንብብ እውን ኣተባብዓዮ። መልሲ እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ሕቶታት ንምርካብ፡ ነቲ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ ብኸመይ ኪጥቀመሉ ኸም ዚኽእል ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ተምሃራይካ ነዊሕ ከይጸንሐ ብብሕታዊ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ደስ ኪብሎ እዩ።

6. (ሀ) ተምሃራይካ ኣብ ልቡ ፍቕሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኬሕድር ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ (ለ) ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ልባዊ ፍቕሪ እንተ ኣማዕቢሉ እንታይ ምግባሩ እዩ ዘይተርፍ፧

6 ንሓደ እኳ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ወይ ኬጽንዕ ጸቕጢ ኽንገብረሉ የብልናን። የግዳስ፡ ንተምሃሮና በቲ ብውድብ የሆዋ እተዳለወ ናውቲ ጌርና፡ ፍቕሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኬሕድሩ ንሓግዞም። ቅኑዕ ዝልቡ ተምሃራይ ጸኒሑ ኸምቲ፡ “ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ። . . . ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ መዕቈብየይ ገይረዮ ኣለኹ” ኢሉ ዝዘመረ ዘማሪ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። (መዝ. 73:28) መንፈስ የሆዋ ኸኣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንኣምላኽ ኪቐርቦ ዚደሊ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ይዓዪ እዩ።

ኪሰብኩን ኪምህሩን ኣሰልጥኖም

7. የሱስ ንሰዓብቱ፡ ሰበኽቲ እቲ ብስራት ኪዀኑ ዘሰልጠኖም ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

7 ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 10፡ የሱስ ን12 ሃዋርያቱ ዝሃቦም ትእዛዝ ንረክብ ኢና። ሓፈሻዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ ዝርዝር ነጥብታት ጠቒሱ እዩ ተዛሪብዎም። [1] ንሳቶም ድማ ከመይ ገይሮም ብውጽኢታዊ መገዲ ኺሰብኩ ኸም ዘለዎም ኪምህሮም ከሎ ሰሚዖምዎ እዮም። ድሕሪኡ፡ ናብ ኣገልግሎት ወፈሩ። ነቲ የሱስ እተጠቕመሉ ሜላታት ተዓዚቦም ስለ ዝነበሩ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ኽኢላታት መምህራን እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ዀኑ። (ማቴ. 11:1) ንሕና ድማ ንተምሃሮና፡ ውጽኢታውያን ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ኪዀኑ ኸነሰልጥኖም ንኽእል ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ ኽንሕግዘሉ እንኽእል ክልተ መገዲ እስከ ንርአ።

8, 9. (ሀ) የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ንሰባት ብኸመይ ይቐርቦም ነይሩ፧ (ለ) ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ኸምቲ የሱስ ዝገበሮ ገይሮም ምስ ሰባት ምእንቲ ኺዛራረቡ፡ ከመይ ጌርና ኽንሕግዞም ንኽእል፧

8 ንሰባት ምዝርራብ። የሱስ ብዙሕ ግዜ ንውልቀ ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ የዘራርቦም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ምስታ ኣብ ጥቓ ኸተማ ሲካር ኣብ እትርከብ ዒላ ያእቆብ ዝረኸባ ሰበይቲ ጽቡቕ ተዛራሪቡ እዩ። (ዮሃ. 4:5-30) ምስቲ ኣካብ ቀረጽ ዝነበረ ሌዊ ዚብሃል ማቴዎስ እውን ተዛራሪቡ እዩ። ካብቲ ዝገበርዎ ዝርርብ ሒደት ጥራይ እዩ ኣብ ወንጌላት ተመዝጊቡ ዚርከብ፣ ኰይኑ ግና፡ ማቴዎስ ነቲ የሱስ ዘቕረበሉ ጻውዒት ተቐቢሉ ሰዓቢኡ ዀነ። ማቴዎስን ካልኦትን ኣብቲ ኣብ እንዳ ማቴዎስ እተገብረ ድግስ፡ የሱስ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኺዛረብ ሰሚዖምዎ እዮም።—ማቴ. 9:9፣ ሉቃ. 5:27-39

9 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ነቲ ብዛዕባ ሰብ ናዝሬት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዝነበሮ ናትናኤል ብጽቡቕ ተዛሪብዎ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ናትናኤል ኣተሓሳስባኡ ቐየረ። ብዛዕባ እቲ ኻብ ናዝሬት ዝዀነ የሱስ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ ዝያዳ ኺፈልጥ ደለየ። (ዮሃ. 1:46-51) ስለዚ፡ ንሓደስቲ ኣስፋሕቲ፡ ንሰባት ከመይ ገይሮም ብምቕሉልን ብጽቡቕን መገዲ ኼዘራርቡ ኸም ዚኽእሉ ኸነስልጥኖም ኣሎና። [2] እቶም በዚ ኸምዚ እንሕግዞም ኣስፋሕቲ፡ ብሕታዊ ተገዳስነትን ቃላት ለውሃትን ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ኪትንክዮም ኪርእዩ ኸለዉ ደስ ኪብሎም እዩ።

10-12. (ሀ) የሱስ ነቲ ገሊኦም ብዛዕባ እቲ ብስራት ዝነበሮም ተገዳስነት ብኸመይ ኰስኲስዎ፧ (ለ) ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ነቲ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምሃር ክእለቶም ኬመሓይሹ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

10 ተገዳስነት ምዅስኳስ። የሱስ ንኣገልግሎቱ ንምፍጻም ውሱን ግዜ እዩ ነይርዎ። ይኹን እምበር፡ ግዜ ወሲዱ ነቲ ሰባት ብዛዕባ እቲ ብስራት ዘለዎም ተገዳስነት ይዅስኵስ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ንጃልባ ኸም መድረኽ ብምጥቃም፡ ንህዝቢ ምሂሩ እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ንጴጥሮስ ብተኣምራዊ መገዲ ብዙሓት ዓሳ ኸም ዚሕዝ ድሕሪ ምግባሩ፡ “ካብ ሕጂ ሰባት ብህይወቶም ከለዉ ኽትገፍፍ ኢኻ” በሎ። እሞ ደኣ ቓላትን ተግባራትን የሱስ እንታይ ኣፍርዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጴጥሮስን ብጾቱን፡ “ነተን ጃለቡ ናብ ምድሪ መሊሶም ከኣ፡ ንዅሉ ሓዲጎም [ንየሱስ] ሰዓብዎ” ይብል።—ሉቃ. 5:1-11

11 ኣባል እቲ ዋዕላ ኣይሁድ ዝዀነ ኒቆዲሞስ ብዛዕባ ትምህርቲ የሱስ ተገዳስነት ኣሕደረ። ዝያዳ ኺፈልጥ እኳ እንተ ደለየ፡ ምስ የሱስ ብግህዶ ኺዛረብ ከሎ ኸይርአ ፈርሀ። የሱስ ከኣ ግዜኡ ኣይበቅቕን እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ምስ ኒቆዲሞስ ብለይቲ፡ ሰባት ኣብ ዘይርእይዎ እዋን ተራኸበ። (ዮሃ. 3:1, 2) ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ንምሃር፧ ወዲ ኣምላኽ ንእምነት ውልቀ ሰባት ንምህናጽ ግዜ መዲቡ እዩ። ንሕናኸ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ብትግሃት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብርን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕንዶ ኣይግብኣናን፧

12 ምስ ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እንተ ኣገልጊልና፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ናይ ምምሃር ክእለቶም የመሓይሹ እዮም። ነቶም ቍሩብ ተገዳስነት ዘርኣዩ እውን እንተ ዀነ ኸይርስዕዎም ከነሰልጥኖም ንኽእል ኢና። ተመላሊስካ ምብጻሓት ኣብ እንገብረሉን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እንመርሓሉን እዋን፡ ንሓደስቲ ኣስፋሕቲ ኽንማልኦም ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝበለ ስልጠናን መተባብዕን ምስ ዚውሃቦም ከኣ፡ እቶም ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሎም ኣስፋሕቲ ንተገዳስነት ካልኦት ኪዅስኵሱን ባዕሎም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑን ድሌት የሕድሩ እዮም። ቀልጢፎም ተስፋ ኸይቈርጹ፡ የግዳስ ብትዕግስትን ብጽንዓትን ኬገልግሉ እውን ይምሃሩ እዮም።—ገላ. 5:22፣ “ ኣድላይነት ጽንዓት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ንክርስትያናት ብጾቶም ኬገልግሉ ኣሰልጥኖም

13, 14. (ሀ) ብዛዕባ እቶም ምእንቲ ኻልኦት ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት ከመይ ይስምዓካ፧ (ለ) ሓደስቲ ኣስፋሕትን መንእሰያትን ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ፍቕሪ ምእንቲ ኼርእዩ፡ ብምንታይ ግብራዊ መገድታት ከተሰልጥኖም ትኽእል፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕውነታዊት ፍቕሪ” ኸነርእን ንኣሕዋትና ኸነገልግልን የተባብዓና እዩ። (1 ጴጥሮስ 1:22፣ ሉቃስ 22:24-27 ኣንብብ።) ወዲ ኣምላኽ ንኻልኦት ንምግልጋል፡ ህይወቱ እውን ከይተረፈ ሂቡ እዩ። (ማቴ. 20:28) ብዛዕባ ዶርቃስ፡ “ብብዝሒ ሰናይ ግብሪ ትገብርን ምጽዋት ትምጽውትን ነበረት” ተባሂሉ ኣሎ። (ግብ. 9:36, 39) ኣብ ሮሜ እትነብር ማርያም ዝስማ ሓብቲ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ‘ጽዒራትሎም’ እያ። (ሮሜ 16:6) ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ምሕጋዝ ዘለዎ ኣገዳስነት ምእንቲ ኺግንዘቡ፡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ንክርስትያናት ብጾቶም ፍቕሪ ኼርእዩ ነስልጥኖም (ሕጡብ ጽሑፍ 13, 14 ርአ)

14 ብሱላት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሕሙማት ወይ ንኣረጋውያን ኪበጽሑ ኸለዉ፡ ንሓደስቲ ኣስፋሕቲ ኺማልእዎም ይኽእሉ እዮም። ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ፡ ወለዲ ንደቆም ናብ ከምዚ ዝበለ ምብጻሓት ኪማልእዎም ይኽእሉ እዮም። ሽማግለታት ከኣ ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣሕዋትና ምግቢ ኼዳልዉሎም ወይ ቤቶም ኪጽግኑሎም ከለዉ፡ መንእሰያት ወይ ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ምሳታቶም ከም ዚዓይዩ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንሳቶም እውን ብኸመይ ከም ዚልውሁ ይምሃሩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሽማግለ ኣብ ገጠር ኪሰብኽ ከሎ፡ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓጺር ግዜ ኣላጊሱ ናይ ምብጻሕ ልማድ ነበሮ። ብዙሕ ግዜ ኣሰንይዎ ዚኸይድ ሓደ መንእሰይ ሓው ድማ፡ በዚ ኸምዚ ንዅሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ፍቕሪ ኼርእዮም ከም ዚግባእ ተማሂሩ እዩ።—ሮሜ 12:10

15. ሽማግለታት በቲ ሰብኡት ኣብ ጉባኤ ዚገብርዎ ዕቤት ኪግደሱ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

15 የሆዋ ንሰብኡት፡ ንጉባኤ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ስለ ዝሃቦም፡ ኣሕዋት ክእለት ዘረባኦም ኬመሓይሹ ኣለዎም። ሽማግለ እንተ ዄንካ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ መደረኡ ኺለማመድ ከሎ ኽትሰምዖዶ ትኽእል፧ ብሓገዝካ ንፉዕ መምህር ቃል ኣምላኽ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ነህ. 8:8 [3]

16, 17. (ሀ) ጳውሎስ ኣብ ዕቤት ጢሞቴዎስ እንታይ ተገዳስነት እዩ ነይርዎ፧ (ለ) ሽማግለታት ነቶም ኣብ መጻኢ ጓሶት ጉባኤ ዚዀኑ ኣሕዋት፡ ከመይ ገይሮም ብውጽኢታዊ መገዲ ኼሰልጥንዎም ይኽእሉ፧

16 ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዙሓት ጓሶት የድልዩ ኣለዉ፣ እቶም ኣብ መጻኢ ነዚ ዕዮ እዚ ዚዓይዩ ድማ ቀጻሊ ስልጠና የድልዮም እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ኣታ ወደየ፡ . . . በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ብቐጻሊ በርትዕ፣ እቲ ብብዙሓት መሰኻኽር እተደገፈ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ነገራት፡ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚበቕዑ እሙናት ሰባት ሕድሪ ሃቦም” ብምባል ብኸመይ ስልጠና ኸም ዚውሃብ ሓፈሻዊ ነጥቢ ሂብዎ እዩ። (2 ጢሞ. 2:1, 2) ጢሞቴዎስ ኣብ ጐድኒ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሃዋርያ ጳውሎስ ብምግልጋሉ ተማሂሩ እዩ። ድሕሪኡ፡ ጢሞቴዎስ ነቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ ሜላታት ኣብ ኣገልግሎቱን ኣብ ካልእ መዳያት ቅዱስ ኣገልግሎትን ተጠቒሙሉ እዩ።—2 ጢሞ. 3:10-12

17 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብወዝቢ ኣይኰነን ኣሰልጢንዎ። የግዳስ፡ ብመደብ እዩ ተማሊእዎ። (ግብ. 16:1-5) ሽማግለታት ከኣ ብቕዓት ንዘለዎም ኣገልገልቲ ጉባኤ ናብቲ ግቡእ ዚዀነሉ ጕስነታዊ ምብጻሕ ብምምላእ፡ ኣብነት ጳውሎስ ኪቐድሑ ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቶም ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ክርስትያን ሓለውቲ ንምዃን ዜድሊ ትምህርትን እምነትን ዓቕልን ፍቕርን ብኣዒንቶም ኪዕዘቡ ይኽእሉ። እዚ ኣሰራርሓ እዚ፡ ንስልጠና እቶም ናይ መጻኢ ጓሶት “መጓሰ ኣምላኽ” ኣበርክቶ ይገብር እዩ።—1 ጴጥ. 5:2

ንኻልኦት ምስልጣን ዘለዎ ኣገዳስነት

18. ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንኻልኦት ምስልጣን ኣገዳሲ ጌርና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ንየሆዋ ንምግልጋል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይኽፈት ስለ ዘሎ፡ ንኻልኦት ምስልጣን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። የሱስን ጳውሎስን ንኻልኦት ብምስልጣን ኣብነት ይዀኑና እዮም። የሆዋ ነዞም ሕጂ ዘለዉ ኣገልገልቱ፡ ንቲኦክራስያዊ ዕዮታት ኣጸቢቖም ኪስልጥኑ እዩ ዚደልዮም። እቶም ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ጉባኤ ዘሎ ዕዮታት ንምዕያይ ዜኽእሎም ክእለት ምእንቲ ኼማዕብሉ፡ ንዓታቶም ክንሕግዞም ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ። ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዅነታት እናተበላሸወ፡ ሓድሽ ኣጋጣሚታት ስብከት ድማ እናተኸፍተ ብዝኸደ መጠን፡ ከምዚ ዝበለ ስልጠና ብህጹጽ ዜድሊ እናዀነ እዩ ዚኸይድ።

19. ንኻልኦት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንምስልጣን እትገብሮ ጻዕሪ ዕዉት ከም ዚኸውን ክትኣምን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

19 ልክዕ እዩ፡ ንሰባት ምስልጣን ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ። የሆዋን እቲ ፍቑር ወዱን ግና ነዚ ስልጠና እዚ ንምሃብ ኪድግፉናን ጥበብ ኪህቡናን እዮም። እቶም እንሕግዞም ኣስፋሕቲ ‘ኺጽዕሩን ኪጋደሉን’ ክንርእዮም ከለና ድማ ክንሕጐስ ኢና። (1 ጢሞ. 4:10) ንሕና እውን ንየሆዋ ኣብ እነቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት መንፈሳዊ ዕቤት ንግበር።

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 7) ገለ ኻብቲ የሱስ ዝጠቐሶ ነጥብታት እዚ ዚስዕብ እዩ፦ (1) ቅኑዕ መልእኽቲ ስበኹ። (2) ብመሰናድዎ ኣምላኽ ዕገቡ። (3) ምስ ሰብ ቤት ኣይትከራኸሩ። (4) ተጻረርቲ ኼጋጥሙኹም ከለዉ፡ ብኣምላኽ ተኣመኑ። (5) ብፍርሂ ኣይትሰነፉ።

^ [2] (ሕጡብ ጽሑፍ 9) ኣብታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 62-64፡ ኣብ ኣገልግሎት ምስ እንረኽቦም ሰባት ከመይ ጌርና ኽንዛራረብ ከም እንኽእል ጽቡቕ ሓሳባት ኣሎ።

^ [3] (ሕጡብ ጽሑፍ 15) እታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 52-61፡ ውጽኢታዊ ህዝባዊ መደረ ንምድላው ብዛዕባ ዜድሊ ባህርያት ትገልጽ።