ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ወርቂ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ነገር ድለ

ካብ ወርቂ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ነገር ድለ

ወርቂ ረኺብካዶ ትፈልጥ፧ ውሑዳት ሰባት ረኺቦም ይፈልጡ እዮም። እንተ ዀነ ግና፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ካብ ወርቂ ኣጸቢቓ እትበልጽ ነገር ረኺቦም እዮም። እዚኣ ኸኣ ‘ብጽሩይ ወርቂ ዘይትዕደግ’ መለኮታዊት ጥበብ እያ። —እዮ. 28:12, 15

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ወርቂ ንምርካብ ምስ ዚጽዕሩ ሰባት ይመሳሰሉ እዮም። ከመይሲ፡ ነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ ነታ ብዋጋ ዘይትሽንን ጥበብ ንምርካብ፡ ኪጽዕርን ቅዱሳት ጽሑፋት ኪምርምርን ኣለዎ። እሞ ደኣ፡ ካብቲ ወርቂ ዚርከበሉ ሰለስተ መገድታት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ጥረ ወርቂ ረኺብካ!

ብርባ ርባ እናኸድካ ከለኻ፡ ሓንቲ እተንጸባርቕ ንእሽቶ ጸጸር እትመስል ነገር ርኢኻ ንበል። ኣልዒካ ምስ ርኣኻያ ግና፡ ለካስ ጥረ ወርቂ እያ! ካብ ርእሲ ኽርቢት እትንእስ ኰይና፡ ንዓኣ ኻብ ምርካብ፡ ብሉጽ ኣልማዝ ምርካብ ይቐልል። ከምኡ ምስ ዜጋጥመካ መሸም ካልእ ጥረ ወርቂ እንተ ረኸብካ ኢልካ፡ ቍሊሕ ቍሊሕ ከም እትብል ፍሉጥ እዩ።

ብተመሳሳሊ እውን፡ ቅድሚ እተወሰነ እዋን ኣብ ሓንቲ ዘይትርስዓ መዓልቲ፡ ሓደ ኻብ ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ዝሓዘለ መልእኽቲ ኺነግረካ ናብ ቤትካ መጺኡ ይኸውን። ነታ ናይ መጀመርታ መንፈሳዊ ጥረ ወርቂ ዝረኸብካላ መዓልቲ መሸም ኣጸቢቕካ ትዝክራ ኢኻ። እቲ ወርቂ ድማ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማኻ ዝረኣኻዮ ስም የሆዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መዝ. 83:18) ወይ ከኣ ፈታው የሆዋ ኽትከውን ከም እትኽእል፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ፈሊጥካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (ያእ. 2:23) ብኡብኡ፡ ካብ ወርቂ ዚበልጽ ነገር ከም ዝረኸብካ ተረዲኡካ። ሽዑ፡ ተወሳኺ መንፈሳዊ ጥረ ወርቂ ኽትረክብ ተሃንጢካ ትኸውን።

ተወሳኺ ወርቂ ረኺብካ!

ሓድሓደ ግዜ፡ ደቂቕ ወይ ድኹም ወርቂ ኣብ ድበት ዛራታትን ኣፋላግን ይእከብ እዩ። ገሊኦም ጻዕረኛታት ደለይቲ ወርቂ፡ ኣብ ሓደ ወቕቲ ጥራይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ይረኽቡ እዮም።

ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ምስ ጀመርካ፡ ከምቲ ኻብ ጥቓ ወሓዚ ብዙሕ ወርቂ ዜውጽእ ደላይ ወርቂ ዝዀንካ ዀይኑ ተሰሚዑካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዘስተንተንካ መጠን ድማ፡ ፍልጠትካ እናወሰኸ ይኸይድ፣ እዚ ድማ ንመንፈሳውነትካ የሀብትሞ። ብዛዕባ ኽቡር ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እተስተንትን፡ ንየሆዋ ብኸመይ ክትቀርቦ ኸም እትኽእልን ንርእስኻ ብኸመይ ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜብጽሕ ፍቕሩ ኸም እትሕልዋን ትምሃር።—ያእ. 4:8፣ ይሁ. 20, 21

ከምቲ ሓደ ደላይ ወርቂ ነቲ ዝደለዮ ወርቂ ንምርካብ ዚጽዕር፡ ክቡር ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምፍላጥ ትጽዕርዶ፧

ከምቲ ሓደ ደላይ ወርቂ ኽቡር ወርቂ ኺረክብ ዚጽዕር፡ ንስኻ እውን ክቡር መንፈሳዊ ሃብቲ ንምርካብ ተጊህካ ጽዒርካ ትኸውን። ነቲ መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ፈለጥካ ድማ፡ ርእስኻ ኽትውፍን ክትጥመቕን ተደሪኽካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—ማቴ. 28:19, 20

ብሕጂ እውን ድለ!

ደላይ ወርቂ ኣብ እሳተ ጐመራዊ ኣኻውሕ ሒደት ወርቂ ኺረክብ ይኽእል እዩ። ገሊኡ ኣብቲ ኣኻውሕ እተለጠፈ ወርቂ ዜዋጽእ ብምዃኑ ነቲ ኣኻውሕ ሓምሺሾም ነቲ ወርቂ የውጽእዎ እዮም። ኣብ ፈለማ፡ እቲ ኣብቲ ዘይተጻረየ ሓመድ ብረት ዘሎ ወርቂ ብዓይኒ ኣይርአን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ብሉጽ ደረጃ ዚብሃል ሓመድ ብረት እኳ ኣብ ሓደ ቶን ኸውሒ፡ 10 ግራም ወርቂ ጥራይ እዩ ዚሕዝ! ኰይኑ ግና፡ ሓደ ደላይ ወርቂ ነቲ ኣኻውሕ እንተ ዓዲንዎ ኸም ዚከሓስ ይፈልጥ እዩ።

ሓደ ሰብ ነቲ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክርስቶስ” ምስ ሰገረ እውን፡ ጻዕሪ የድልዮ እዩ። (እብ. 6:1, 2) ስለዚ፡ ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽ ነጥብታትን ግብራዊ ትምህርትን ንምርካብ፡ ኣበርቲዕካ ኽትዓዪ ኣሎካ። እሞ ደኣ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲስካ መጽናዕቲ ጌርካ ኽነስኻ፡ ብሕታዊ መጽናዕትኻ ፍረ ዘለዎ ኽትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ወትሩ ኽትምሃር ህንጡይ ኩን። ኣብ ዝርዝር ነጥብታት ኣቓልቦ ግበር። ቀጻሊ ጻዕሪ ግበር። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ከም ወርቂ ኣዝዩ ኽቡር ዝዋግኡ መለኮታዊ ጥበብን መምርሕን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትረክብ ኢኻ። (ሮሜ 11:33) ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎካ ፍልጠት ንምውሳኽ፡ ነቲ ብቛንቋኻ ዚርከብ ናውቲ ምርምር ኣጸቢቕካ ተጠቐመሉ። ንዜድልየካ መምርሕን ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታትካ ዚኸውን መልስን ብትዕግስቲ ኣናዲ። ካልኦት ሓጋዝን ዜተባብዕን ኰይኑ ዝረኸብዎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ዓንቀጻትን ምእንቲ ኺነግሩኻ ሕተቶም። ኣብ ቃል ኣምላኽ መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ ዝረኸብካዮ ኣገዳሲ ነጥብታት ንኻልኦት ኣካፍል።

ልክዕ እዩ፡ ሸቶኻ ፍልጠት ምውሳኽ ጥራይ ኪኸውን ኣይግባእን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ፍልጠት ይነፍሕ” ኢሉ ኣጠንቂቑ እዩ። (1 ቈረ. 8:1) ስለዚ፡ ትሑትን ብእምነት ድልዱልን ንምዃን ጽዓር። ስሩዕ ኣምልኾ ስድራ ቤትን ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ምስ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዕካ ኽትመላለስ ይሕግዘካ፡ ንኻልኦት ክትሕግዝ እውን ይድርኸካ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ካብ ወርቂ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ነገር ብምርካብካ ኽትሕጐስ ኢኻ።—ምሳ. 3:13, 14