ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕዉት ክርስትያናዊ ሓዳር

ዕዉት ክርስትያናዊ ሓዳር

“ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።” —ኤፌ. 5:33

መዝሙር፦ 36, 3

1. መዓልቲ መርዓ እተሐጕስ እኳ እንተ ዀነት፡ እቶም ዚምርዓዉ ግና ኣብ ሓዳር እንታይ ኪጽበዩ ይኽእሉ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ብመዓልቲ መርዓ፡ ጽብቕቲ መርዓት ኣብ ቅድሚ ምልኩዕ መርዓዊ ኽትቀርብ ከላ፡ ሓጐሶም ብቓላት ኪግለጽ ዚከኣል ኣይኰነን። ቅድሚኡ ኣብ ዚቀራረቡሉ ዝነበሩ እዋን ፍቕሮም እናሓየለ ብምኻዱ፡ ተመራዕዮም ከይጣለሙ ቓል ኪኣትዉ ድሉዋት ኰይኖም እዮም። ልክዕ እዩ፡ ናይ ክልቲኦም ህይወት ብሓደ ተጠሚሩ ሓንቲ ቤት ኬቝሙ ኸለዉ፡ ምትዕርራያት የድልዮም እዩ። እቲ መስራቲ መውስቦ ንኽልቲኦም ሰብ ሓዳር ኣብ ሓዳሮም ዕዉታትን ሕጉሳትን ኪዀኑ ስለ ዚደልዮም ግና፡ ቃል ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ኪምርዓዉ ዚደልዩ፡ ጥበባዊ ምኽሪ ይህቦም እዩ። (ምሳ. 18:22) ኰይኑ ግና፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር፡ ምርዑዋት “ኣብ ስጋኦም ጸበባ ይህልዎም እዩ” ይብለና እዩ። (1 ቈረ. 7:28) እዚ ጸበባ እዚ ኸመይ ጌርካ እዩ ብእተኻእለ መጠን ከም ዚንኪ ኺግበር ዚከኣል፧ ንክርስትያናዊ ሓዳር ዕዉት ዚግበሮኸ እንታይ እዩ፧

2. ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር እንታይ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍቕሪ ኺህሉ ይግባእ፧

2 መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳስነት ፍቕሪ የጕልሕ እዩ። ኣብ ሓዳር፡ ልባዊ ፍቕሪ (ግሪኽኛ፡ ፊልያ) ተድሊ እያ። ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ዘላ ዓይነት ፍቕሪ (ኤሮስ) ደስታ ተምጽእ እያ። ውሉዳት ምስ ተወልዱ ኸኣ፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤት (ስቶርገ) ኣገዳሲት እያ። ንሓዳር ዕዉት እትገብሮ ግና እታ ኣብ መሰረታዊ ስርዓት እተመርኰሰት ፍቕሪ (ኣጋፐ) እያ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዛ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—ኤፌ. 5:33

ሰብ ሓዳር ዘለዎም ግደ

3. ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር እትህሉ ፍቕሪ ኽሳዕ ክንደይ እያ ሓያል ክትከውን ዚግብኣ፧

3 ጳውሎስ፡ “ኣቱም ሰብኡት፡ ከምቲ ክርስቶስ ነታ ጉባኤ ዘፍቀራን ርእሱ ምእንታኣ ኣሕሊፉ ዝሃበን፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ኤፌ. 5:25) ሰዓብቲ የሱስ ንጐይታኦም ምእንቲ ኺመስልዎ፡ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ኣለዎም። (ዮሃንስ 13:34, 35፣ 15:12, 13 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ክርስትያን ሰብ ሓዳር ዘላ ፍቕሪ ኣዝያ ሓያል ካብ ምዃና እተላዕለ፡ እንተ ኣድልዩ ነፍሲ ወከፎም ምእንቲ መጻምድቱ ኺመውት ፍቓደኛ ኪኸውን እትድርኽ ክትከውን ኣለዋ። ኣብ መንጎኦም ሱር ዝሰደደ ዘይምርድዳእ እንተ ኣልዩ ግና፡ ነዚ ጠሪሶም እኳ ኣይሓስብዎን እዮም። እታ ኣጋፐ ተባሂላ ዘላ ፍቕሪ ግና፡ “ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትጻወር” እያ። እወ፡ “ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።” (1 ቈረ. 13:7, 8) ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ንሓድሕዶም ከይጣለሙን ዝኣተውዎ መብጽዓ ምዝካሮም፡ ንዚፍጠር ዝዀነ ይኹን ጸገም ምስቲ ልዑል ስርዓታት ተሰማሚዖም ኪፈትሕዎ ይሕግዞም እዩ።

4, 5. (ሀ) ሰብኣይ ከም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን እንታይ ሓላፍነት ኣለዎ፧ (ለ) ሰበይቲ ንስርዓት ርእስነት ብኸመይ ክትርእዮ ኣለዋ፧ (ሐ) ሓንቲ ሰበይትን ሓደ ሰብኣይን እንታይ ምትዕርራያት እዮም ኪገብሩ ነይርዎም፧

4 ጳውሎስ ኣብቲ ነፍሲ ወከፍ ብዓል ሓዳር ዘለዎ እጃም ኬተኵር ከሎ፡ “ኣንስቲ ንሰብኡተን ከም ንጐይታ ገይረን ይገዝኣኦም፣ ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ጉባኤኡ ዝዀነ፡ . . . ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ኤፌ. 5:22, 23) እዚ ስርዓት እዚ ንሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኸም እትንእስ ኣይገብራን እዩ። የግዳስ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰበይቲ፡ “ሰብኣይ [ኣዳም] በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን። ንዕኡ መመላእታ እትዀኖ ሓጋዚት ክገብረሉ እየ” ኺብል ከሎ ዝሓሰቦ ግደ ኽትፍጽም እዩ ዚሕግዛ። (ዘፍ. 2:18) ከምቲ እቲ “ርእሲ ጉባኤኡ” ዝዀነ ክርስቶስ ፍቕሪ ዜርኢ፡ ክርስትያን ሰብኣይ እውን ንርእስነቱ ብፍቕሪ ኺጥቀመሉ ኣለዎ። ከምኡ ምስ ዚገብር፡ ሰበይቱ ውሕስነት ይስምዓ፡ እተኽብሮን እትድግፎን እትግዝኦን ብምዃና እውን ዕግበት ትረክብ።

5 ሓንቲ ካቲ [1] እትብሃል ሰበይቲ፡ ሓዳር ምስ ጀመርካ፡ ህይወትካ ኸተተዓራርዮ ኸም ዚግባእ ክትገልጽ ከላ፡ “ከይተመርዓኹ ኸለኹ፡ ናጻ እየ ነይረ፡ ንርእሰይ እውን ባዕለይ እየ ዝሓልየላ ነይረ። ምስ ተመርዓኹ ግና ኣብ ሰብኣየይ ክጽጋዕ ከም ዘሎኒ ስለ እተምሃርኩ፡ ምትዕርራይ ክገብር ነይሩኒ። እዚ ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን፣ ተግባራትና ብመገዲ የሆዋ ስለ እንገብር ግና፡ ብዙሕ እንቀራረብ ሰብ ሓዳር ኢና ዄንና” ትብል። ብዓል ቤታ ፍሬድ እውን፡ “ውሳነታት ምግባር ቀሊል ኰይኑለይ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ሓዳር ከኣ፡ ብዛዕባ ኽልተ ሰብ ስለ እትሓስብ፡ ዝያዳ እዩ ዜጸግም። ብጸሎት መምርሒ የሆዋ ብምድላየይን ሰበይተይ እትብለኒ ናይ ብሓቂ ብምስማዐይን ግና፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናቐለለኒ ኸይዱ። ብሓድነት ከም እንዓዪ እዩ ዚስምዓኒ!” ይብል።

6. ኣብ ሓዳር ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ ፍቕሪ “ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት” እትኸውን ብኸመይ እያ፧

6 ድልዱል ሓዳር ንሓድሕዶም ሕድገታት ብዚገባበሩ ኽልተ ሰባት እዩ ዚቐውም። ‘ንሓድሕዶም ኪተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ኺባሃሃሉን ኣለዎም።’ እወ፡ ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ይጋገዩ እዮም። ከምኡ ኼጋጥሞም ከሎ ግና፡ ካብ ጌጋታቶም ኪምሃሩ፡ ይቕረ ኺባሃሃሉ፡ ፍቕሪ “ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት” ክትከውን ኬፍቅዱላ ኣጋጣሚ ይረኽቡ እዮም። (ቈሎ. 3:13, 14) ብተወሳኺ፡ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። . . . ኣይትቕየምን እያ።” (1 ቈረ. 13:4, 5) ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዚፍጠር ዘይምርድዳኣት ብቕልጡፍ ኪፍታሕ ኣለዎ። ስለዚ፡ ክርስትያን ሰብ ሓዳር መዓልቲ ኸይዓረበት ፍልልያቶም ኬደቅሱ ኣለዎም። (ኤፌ. 4:26, 27) ካብ ልብኻ ተደሪኽካ ንበደልካ ይቕረታ ንምሕታት፡ ትሕትናን ትብዓትን የድሊ እዩ፣ ይኹን እምበር፡ ከምኡ ምግባር ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዚፍጠር ብዙሕ ጸገማት ይፈትሕ፡ ንሓድሕዶም እውን የቀራርቦም እዩ።

ለውሃት ዜድልየሉ ፍሉይ መዳይ

7, 8. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳር ብዛዕባ ዚግበር ጾታዊ ርክብ እንታይ ምኽሪ ይህብ፧ (ለ) ሰብ ሓዳር ኪላዋውሁ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሰብ ሓዳር ነቲ ናይ መውስቦ ግቡኦም ኪርእዩሉ ዘለዎም ሚዛናዊ ኣረኣእያ ጽቡቕ ምኽሪ ይህብ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:3-5 ኣንብብ።) ብፍቕሪ ተደሪኾም ንስምዒትን ንድሌትን መጻምድቶም ኪሓልዩ ኣለዎም። ሰበይቲ ብለውሃት እንተ ዘይተታሒዛ፡ በዚ መዳይ መውስቦ እዚ ባህ ከይብላ ይኽእል እዩ። ሰብኡት ምስ ኣንስቶም “ብፍልጠት” ኪነብሩ ተነጊርዎም ኣሎ። (1 ጴጥ. 3:7) ጾታዊ ርክብ ብባህርያዊ ደኣ ኺመጽእ ኣለዎ እምበር፡ ብግዲ ወይ ብጸቕጢ ኪኸውን የብሉን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰብኣይ ንሰበይቲ ቐዲምዋ ዚለዓዓል እኳ እንተ ዀነ፡ ብስምዒታዊ መዳይ ግና ንኽልቲኦም ሰብ ሓዳር ምሹእ ኣብ ዚዀኑሉ ግዜ ኪኸውን ኣለዎ።

8 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ምስ ባህርያዊ ጾታዊ ርክብ ዚተሓሓዝ ዓይነትን ደረትን መግለጺ ፍቕሪ ዝርዝር መምርሒ እኳ እንተ ዘይሃበ፡ ብዛዕባ መግለጺ ፍቕሪ ግና ይጠቅስ እዩ። (መሃ. 1:2፣ 2:6) ክርስትያን ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ኪላዋውሁ ኣለዎም።

9. ሓደ ሰብ ካብ ሓዳሩ ወጻኢ ኺጥምት ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

9 ንኣምላኽን ንብጻይናን ድልዱል ፍቕሪ ምስ ዚህልወና፡ ኣብ ሓዳርና ኣትዩ ኺብትኖ ዚኽእል ነገር ኣይህሉን እዩ። ገሊኡ ሓዳር ብሰንኪ ወልፊ ስእለ ጽዩፍ ኣብ ውጥረት ኣትዩ ወይ ተበቲኑ እዩ። ብስእለ ጽዩፍ ከይንስሓብ ወይ ካብ ሓዳርና ወጻኢ ኸይንጥምት ክንጥንቀቕ ኣሎና። ምስ ዘይመጻምድትና እንኳሸም ከም ዘለና መሲልና ኸይንርአ እውን ክንጥቀቕ ኣሎና፣ ከመይሲ፡ እዚ ሃሳዪ እዩ። ኣምላኽ ኵሉ ሓሳባትን ተግባራትን ከም ዚፈልጥ ምዝካርና፡ ነቲ ንዕኡ ባህ ከነብሎን ብንጽህና ኽንመላለስን ዘሎና ባህጊ የሐይሎ እዩ።—ማቴዎስ 5:27, 28፣ እብራውያን 4:13 ኣንብብ።

ኣብ መውስቦ ውጥረት ምስ ዚሰፍን

10, 11. (ሀ) ክሳዕ ክንደይ እዩ ፍትሕ በዚሑ ዘሎ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳር ብዛዕባ ምፍልላይ እንታይ ይብል፧ (ሐ) ሰብ ሓዳር ቀልጢፎም ከይፈላለዩ ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧

10 ኣብ ሓዳር እተፈጥረ ኸቢድ ጸገም ከይተፈትሐ እንተ ጸኒሑ፡ ሓዲኦም ወይ ክልቲኦም ብዛዕባ ፍልልይ ወይ ፍትሕ ኪሓስቡ ይጅምሩ እዮም። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ልዕሊ ፍርቂ እቲ ዚግበር መውስቦ ብፍትሕ እዩ ዚዛዘም። እዚ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ልሙድ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ዘሎ ጸገማት ይበዝሕ ምህላዉ ግና ዜተሓሳስብ እዩ።

11 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚብል ትእዛዝ እዩ ዚህብ፦ “ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈለ። ክትፍለ እንተ ኣልይዋ ግና፡ ከይተመርዓወት ትንበር፡ ወይ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፣ ሰብኣይ እውን ካብ ሰበይቱ ኣይፈለ።” (1 ቈረ. 7:10, 11) ምስ መጻምድትኻ ምፍልላይ፡ ኣፍኲስካ ኺርአ የብሉን። ከቢድ ጸገማት ኣብ ዚለዓለሉ እዋን ምፍልላይ ዚሓይሽ እኳ እንተ መሰለ፡ ከምኡ ምግባር ግና መብዛሕትኡ ግዜ ዝገደደ ጸገማት እዩ ዚፈጥር። የሱስ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ኸም ዚጠብቕ እተዛረቦ ሓሳብ ድሕሪ ምድጋሙ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 19:3-6፣ ዘፍ. 2:24) እዚ ኸኣ፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ‘ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶ ኺፈልይዎ’ ኸም ዘይግባእ ዜመልክት እዩ። የሆዋ ንመውስቦ ኣብ ምሉእ ህይወት ከም ዚቕጽል ማእሰር ገይሩ እዩ ዚርእዮ። (1 ቈረ. 7:39) ኵላትና ንኣምላኽ ጸብጻብ ከም እንህብ ምፍላጥና፡ ኣብ ሓዳር ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ እቲ ጸገም ገና ኸይዓበየ ብኣጋኡ ንምፍታሑ ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ኪድርኸና ይግባእ።

12. ሓደ ሰብ ምስ መጻምድቱ ብዛዕባ ምፍልላይ ከም ዚሓስብ ዚገብሮ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

12 ገሊኦም ሰብ ሓዳር ዘይከውን ትጽቢት ብምሕዳሮም፡ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዜሐጕስ ሓዳር ዝነበሮ ትምኒት ከም ዝሓሰቦ ኸይኰነ ምስ ረኸቦ፡ ዕግበት ኪስእንን እተታለለ ዀይኑ ኺስምዖን ኪማረርን ይኽእል እዩ። ኣብ ተፈጥሮኣዊ ባህርያትናን ኣተዓባብያናን ዘሎ ፍልልይ ድማ ነገር ኪፈጥር፡ ወይ እውን ብገንዘብን ብእንዳ ኣሕሙን ብኣተዓባብያ ቘልዑን ግጭት ኪለዓል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ክርስትያን ሰብ ሓዳር ብኣምላኽ ኪምርሑ ፍቓደኛታት ብምዃኖም፡ ንዅሉ እዚ ጸገማት እዚ ኸኣ ክልቲኦም ዚቕበልዎ ፍታሕ ይገብሩሉ ብምህላዎም ኪንኣዱ ይግብኦም።

13. ሰብ ሓዳር ንምፍልላይ እንታይ ብቑዕ ምኽንያት ኪህልዎም ይኽእል፧

13 ሓድሓደ ግዜ፡ ሰብ ሓዳር ዚፋላለዩሉ ብቑዕ ምኽንያት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ኰነ ኢልካ ዘይምሕላይ፡ ክቱር ኣካላዊ ማህሰይቲ፡ ወይ መንፈሳዊ ህይወት ብዘየማትእ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ዅነታት፡ ንምፍልላይ ምኽንያት ዚኸውን ፍሉይ ኵነታት ከም ዝዀነ ዚኣምኑ ኣለዉ። ከቢድ ጸገማት ዘለዎም ክርስትያን ሰብ ሓዳር፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ኪደልዩ ኣለዎም። እቶም ምኩራት ኣሕዋት ከኣ ነቶም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽሪ ንምትግባር ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ጸገማት ንምፍታሕ፡ የሆዋ መንፈሱ ምእንቲ ኺህበና፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስርዓታቱ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ፍረ መንፈስ ንምፍራይን ድማ ምእንቲ ኺሕግዘና ኽንጽሊ ኣሎና።—ገላ. 5:22, 23 [2]

14. መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኣብ ሓዳሮም ንየሆዋ ዘየምልኽ መጻምድቲ ዘለዎም ክርስትያናት እንታይ ይብሎም፧

14 ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ሓዲኦም ካብ መንጎ ሰብ ሓዳር ኣገልጋሊ የሆዋ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ስለምንታይ ኪፋላለዩ ኸም ዘይብሎም መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ምኽንያታት ይህብ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:12-14 ኣንብብ።) እቲ ዘይኣማኒ ወይ እታ ዘይኣማኒት ይፍለጥዎ ወይ ኣይፍለጥዎ፡ ብሳላ እቲ ኣማኒ “ተቐዲሱ” ወይ “ተቐዲሳ” ኺብሃሉ ይከኣሉ እዮም። እቶም ውሉዳቶም እውን “ቅዱሳት” እዮም፣ ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቦታ ኣለዎም። ጳውሎስ ኣስዒቡ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሓንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሓንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧” በለ። (1 ቈረ. 7:16) ዳርጋ ኣብ ኵለን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንመጻምድቶም ‘ዘድሓኑ’ ሰብ ሓዳር ኣለዉ።

15, 16. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ነተን ሰብኡተን ኣገልገልቲ የሆዋ ዘይኰኑ ክርስትያን ኣንስቲ እንታይ ምኽሪ ይህበን፧ (ለ) “እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልዩ፡” እቲ ክርስትያን እንታይ መትከል እዩ ዚሕዝ፧

15 ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያን ኣንስቲ፡ “ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣልዮም፡ ብዘይ ቃል ብኣካይዳ ኣንስቶም ምእንቲ ኺማረኹ ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም፣ ከምኡ ዚዀኑ ድማ፡ ነቲ ንጹህ ኣካይዳኽንን ብዙሕ ኣኽብሮትክንን ምስ ረኣዩ እዮም” ኢሉ ምዒድወን ኣሎ። ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ ክርስትያናዊ እምነት ብቐጥታ ኻብ ምዝራብ ንላዕሊ፡ በቲ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ . . . ህዱእን ልኡምን መንፈስ” ንሰብኣያ ኽትማርኾ ትኽእል እያ።—1 ጴጥ. 3:1-4

16 እቲ ዘይኣማኒ ኺፍለ እንተ ደለየኸ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልዩ ግና፡ ይፈለ፣ ሓው ወይስ ሓብቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ቅዩዳት ኣይኰኑን፣ ኣምላኽ ግና ናብ ሰላም ጸዊዑኩም ኣሎ” ይብል። (1 ቈረ. 7:15) ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ኪርአ ኸሎ፡ እቲ ክርስትያን ኪምርዖ ሓራ እዩ ማለት ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ነቲ ዘይኣማኒ ዝዀነ መጻምድቱ ብግዲ ኼጽንሖ ኺፍትን የብሉን ማለት እዩ። ምፍልላዮም እተወሰነ ሰላም ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ምናልባት እቲ ዘይኣማኒ ተመሊሱ ሓዳሩ ኺገብር ይደሊ ይኸውን። ኣብ መጻኢ እውን ኣገልጋሊ የሆዋ ኪኸውን ይኽእል ይኸውን።

ኣብ ሓዳር ቀዳምነት ዚውሃቦ ነገር

ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምሃብ፡ ነቲ ኣብ ሓዳርካ እትረኽቦ ሓጐስ የዕዝዞ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ክርስትያን ሰብ ሓዳር ቀዳምነት ኪህብዎ ዚግባእ ነገር እንታይ እዩ፧

17 ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ስለ ዘለና፡ ኣብ “ጽንኩር ግዜ” ኢና ዘለና። (2 ጢሞ. 3:1-5) ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ምስ እንኸውን ግና፡ ዓለም ኣሉታዊ ጽልዋታት ከይትገብረልና ንጻረራ ኢና። ጳውሎስ፡ “እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓጺሩ እዩ። ድሕሪ ሕጂ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም፡ ከም ዘይብሎም ይኹኑ፣ . . . እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ እውን፡ ከምቶም ምሉእ ብምሉእ ዘይጥቀሙ ይኹኑ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 7:29-31) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ንሰብ ሓዳር ነቲ ናይ መውስቦ ግቡኦም ዕሽሽ ኪብሉ ኣይኰነን ዚነግሮም ነይሩ። ግናኸ፡ እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓጺር ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ኪህቡ ኣለዎም።—ማቴ. 6:33

18. ክርስትያናት ዜሐጕስን ዕዉትን ሓዳር ኪህልዎም ዚኽእል ስለምንታይ እዮም፧

18 ኣብ ኣዝዩ ፈታኒ ግዜ ንነብር እኳ እንተ ኣለና፡ ኣብ መላእ ዓለም እውን ሓዳር ይብተን እኳ እንተሎ፡ ዜሐጕስን ዕዉትን ሓዳር ኪህልወና ይኽእል እዩ። እወ፡ ምስ ህዝቢ የሆዋ ዝለገቡ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ዜውዕሉ፡ ነቲ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ዚህቦ መምርሒ ኸኣ ዚስዕቡ ክርስትያን ሰብ ሓዳር፡ “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶ” ኣኽቢሮም ኪመላለሱ ይኽእሉ እዮም።—ማር. 10:9

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 5) ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ [2] (ሕጡብ ጽሑፍ 13) ኣብታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብቲ ኣብ ገጽ  219-221 ዚርከብ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍትሕን ምፍልላይን ዘለዎ ኣረኣእያ” ዘርእስቱ መመላእታ ጽሑፍ ርአ።