ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 32

ምስ ኣምላኽካ ብትሕትና ተመላለስ

ምስ ኣምላኽካ ብትሕትና ተመላለስ

‘ምስ ኣምላኽካ ብትሕትና ተመላለስ!’—ሚክ. 6:8

መዝሙር 31 ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ!

መላለዪ *

1. ዳዊት ብዛዕባ ትሕትና የሆዋ እንታይ እዩ ኢሉ፧

‘የሆዋ ትሑት እዩ’ ኽንብል ንኽእል ዲና፧ እወ ንኽእል ኢና። ሓደ ግዜ፡ ዳዊት፡ “ዋልታ ድሕነትካ ትህበኒ፡ ትሕትናኻ ኸኣ ተዕብየኒ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (2 ሳሙ. 22:36፣ መዝ. 18:35) ምናልባት ዳዊት ብዛዕባ እታ ነብዪ ሳሙኤል ናብ ቤት ኣቦኡ መጺኡ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ዝቐብኣሉ መዓልቲ ይዝክር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዳዊት ካብቶም ሸሞንተ ኣወዳት ዝነኣሰ እዩ ነይሩ፣ የሆዋ ግና ንዕኡ፡ ንንጉስ ሳኦል ኪትክእ ሓርይዎ እዩ።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

2 ዳዊት ነቲ ኣብ ሓደ መዝሙር ዚርከብ ብዛዕባ የሆዋ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት ብርግጽ ይሰማምዓሉ እዩ፦ “ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኪርኢ ይደንን እሞ፡ ንትሑት ካብ ሓመድ የተንስኦ፣ ንድኻ . . . ምስ ልዑላን . . . የቐምጦ።” (መዝ. 113:6-8) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ፈለማ ነቲ የሆዋ ትሕትና ዘርኣየሉ ኣጋጣሚታት ብምምርማር ኣገዳሲ ትምህርትታት ክንረክብ ኢና። ድሕሪኡ፡ ካብ ንጉስ ሳኦልን ካብ ነብዪ ዳንኤልን ካብ የሱስን ብዛዕባ ትሕትና እንታይ መለበምን ትምህርትን ከም እንረክብ ክንርኢ ኢና።

ካብ የሆዋ እንታይ ንምሃር፧

3. የሆዋ ንዓና ብኸመይ እዩ ዚሕዘና፧ እዚኸ እንታይ የርኢ፧

3 የሆዋ በቲ ንዘይፍጹማት ኣምለኽቱ ዚሕዘሉ መገዲ ኣቢሉ ትሑት ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ንኣምልኾና ኣብ ርእሲ ምቕባሉ፡ ከም ኣዕሩኹ ገይሩ እውን ይርእየና እዩ። (መዝ. 25:14) የሆዋ ምስኡ ዕርክነት ምእንቲ ኽንምስርት ኢሉ፡ ብተበግሶኡ ወዱ ንሓጢኣትና መስዋእቲ ኪኸውን ኣዳልዩልና እዩ። ብሓቂ ዜደንቕ ምሕረትን ዜደንቕ ርሕራሐን እዩ ኣርእዩ!

4. የሆዋ እንታይ እዩ ሂቡና ዘሎ፧ ስለምንታይከ፧

4 ካልእ ኣብነት መግለጺ ትሕትና የሆዋ እውን ንርአ። የሆዋ ፈጣሪ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ህይወትና ናይ ምምራጽ ክእለት ከም ዘይብልና ገይሩ ኺፈጥረና ምኸኣለ ነይሩ። ከምኡ ግና ኣይገበረን። የግዳስ፡ ብመልክዑ ፈጢሩና፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት እውን ሂቡና እዩ። ዘይንረብሕ ሰባት ክነስና፡ ካብ ልብና ኸነገልግሎ እዩ ዚደሊ፣ እወ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽናን ተኣዛዝነት ንጥቕምና ምዃኑ ፈሊጥናን ከነገልግሎ እዩ ዚደሊ። (ዘዳ. 10:12፣ ኢሳ. 48:17, 18) የሆዋ በዚ ኸምዚ ትሕትናኡ ስለ ዘርኣየና፡ ብዙሕ ከነመስግኖ ኣሎና!

የሱስ ኣብ ሰማይ ቈይሙ ኣሎ። ኣብ ጥቓኡ ድማ ገሊኦም መጋዝእቱ ደው ኢሎም ኣለዉ። ብሓባር ነቶም ብዙሓት መላእኽቲ ይጥምትዎም ኣለዉ። ገሊኦም መላእኽቲ ዕዮኦም ንምፍጻም ናብ ምድሪ ይኸዱ ኣለዉ። የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ስእሊ ዚርኣዩ ዘለዉ ፍጡራት፡ ሓላፍነት ኣካፊልዎም እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. የሆዋ ትሑታት ክንከውን ዚምህረና ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 የሆዋ በቲ ምሳና ዘለዎ ርክብ ኣቢሉ ትሑታት ክንከውን ይምህረና እዩ። ንሱ ኣብ ብዘሎ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ጥበበኛ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ ካልኦት ሓሳባት ንምቕባል ፍቓደኛ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንወዱ፡ ንዅሉ ኣብ ምፍጣር ኪሕግዞ ፈቒዱሉ እዩ። (ምሳ. 8:27-30፣ ቈሎ. 1:15, 16) የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ክነሱ፡ ንኻልኦት ስልጣን የካፍል እዩ። ንኣብነት፡ ንየሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ሸይምዎ እዩ፣ ነቶም መጋዝእቲ የሱስ ዚዀኑ 144,000 ሰባት እውን እተወሰነ ስልጣን ኪህቦም እዩ። (ሉቃ. 12:32) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንየሱስ ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ኪኸውን ኣሰልጢንዎ እዩ። (እብ. 5:8, 9) ነቶም መጋዝእቲ የሱስ እውን የሰልጥኖም እዩ። እንተዀነ ግና፡ እዚ ዕዮ እዚ ድሕሪ ምሃብ፡ ንዅሉ ዕዮኦም ብዝርዝር ንምቍጽጻር ጣልቃ ኣይኣቱን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ፍቓዱ ኸም ዚገብሩ ይኣምኖም እዩ።—ራእ. 5:10

ንኻልኦት ከነሰልጥኖምን ዕዮ ኽንህቦምን ከለና፡ ንየሆዋ ንመስሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 6-7 ርአ) *

6-7. ንኻልኦት ስልጣን ብዛዕባ ምክፋል፡ ካብ ሰማያዊ ኣቦና እንታይ ንምሃር፧

6 እቲ ኻብ ካልእ ሓገዝ ዘየድልዮ ሰማያዊ ኣቦና ስልጣኑ ንኻልኦት ዜካፍል እንተ ዀይኑ፡ ንሕና ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኸምኡ ኽንገብር ዘይግባእ፧ ንኣብነት፡ ርእሲ ስድራ ቤት ወይ ሽማግለ ጉባኤ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ገሊኡ ዕዮታት ንኻልኦት ብምክፋልን እግሪ እግሮም እናኸድካ ብደቂቕ ብዘይምክትታልን ኣብነት የሆዋ ስዓብ። በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ እንተ መሲልካዮ፡ እቲ ዕዮ ይዕየ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ከተሰልጥንን ርእሰ ምትእምማኖም ክትውስኸሎምን ኢኻ። (ኢሳ. 41:10) እቶም እተወሰነ ስልጣን ዘለዎም ካብ የሆዋ እንታይ ካልእ ነገር ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

7 የሆዋ በቲ ደቁ ዝዀኑ መላእኽቲ ዘለዎም ሓሳብ ከም ዚግደስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (1 ነገ. 22:19-22) ኣቱም ወለዲ፡ ከመይ ጌርኩም ኣብነት የሆዋ ኽትስዕቡ ትኽእሉ፧ ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ፡ ደቅኹም ንሓደ ዕዮ ብኸመይ ከም ዚዓይይዎ ሓሳብ ኪህቡ ሕተትዎም። ጽቡቕ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ሓሳባቶም ስዓብዎ።

8. የሆዋ ንኣብርሃምን ንሳራን እተዓገሶም ብኸመይ እዩ፧

8 ትሕትና የሆዋ ብትዕግስቱ ኣቢላ እውን ትርአ እያ። ንኣብነት፡ የሆዋ፡ ኣገልገልቱ ንውሳነታቱ ዚምልከት ሕቶታት ብኣኽብሮት ኬቕርቡሉ ኸለዉ ይዕገሶም እዩ። ኣብርሃም ብዛዕባ እቲ ንሶዶምን ንጎሞራን ንምጥፋእ እተገብረ ውሳነ ኸም ዘተሓሳሰቦ ኺገልጽ ከሎ፡ የሆዋ ሰሚዕዎ እዩ። (ዘፍ. 18:22-33) የሆዋ ንሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም ብኸመይ ከም ዝሓዛ እውን ንዝክር ኢና። ነቲ ኣብ እርጋና ኸም እትጠንስ ዘተስፈዎም ተስፋ ሰሚዓ ምስ ሰሓቐት፡ ኣይተቐየማን ወይ ኣይተቘጥዓን። (ዘፍ. 18:10-14) ኣብ ክንዳኡስ፡ ብኣኽብሮት እዩ ሒዝዋ።

9. ወለድን ሽማግለታትን ካብ የሆዋ እንታይ ይምሃሩ፧

9 ኣቱም ወለድን ኣቱም ሽማግለታትን፡ ካብ የሆዋ እንታይ ትምሃሩ፧ እቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣንኩም ዘለዉ ሰባት ንውሳነታትኩም ኣብ ሕቶ እንተ ኣእትዮምዎ እንታይ ከም እትገብሩ ሕሰቡሉ። ብኡብኡ ኽትእርምዎም ዲኹም እትፍትኑ፡ ወይስ ኣረኣእያኦም ክትርድኡ ኢኹም እትጽዕሩ፧ እቶም ስልጣን ዘለዎም ንየሆዋ እንተ መሲሎምዎ፡ ስድራ ቤታትን ጉባኤታትን ብርግጽ ይጥቀማ እየን። ክሳዕ ሕጂ፡ ብዛዕባ ትሕትና ኻብ የሆዋ እንታይ ከም እንምሃር ርኢና ኢና። ሕጂ፡ ብዛዕባ ትሕትና፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ካብ እተመዝገቡ ሰባት እንታይ ትምህርትን መለበምን ከም እንረክብ ክንርኢ ኢና።

ካብ ካልኦት እንታይ ንምሃር፧

10. የሆዋ ብኣብነታትን ብመለበሚታትን ገይሩ ዚምህረና ብኸመይ እዩ፧

10 የሆዋ ‘ዓብዪ መምህርና’ ብምዃኑ፡ ኣብ ቃሉ ንትምህርትና ዚዀኑ ኣብነታትን መለበሚታትን ኣስፊሩልና ኣሎ። (ኢሳ. 30:20, 21) ብዛዕባ እቶም ትሕትናን ካልእ ኣምላኻዊ ባህርያትን ዘርኣዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ሰባት እንተ ኣስተንቲንና፡ ብዙሕ ንምሃር ኢና። ብዛዕባ እቶም ሰናይ ባህርያት ዘየማዕበሉ ኽንምርምር ከለና እውን፡ መለበሚ ንረክብ ኢና።—መዝ. 37:37፣ 1 ቈረ. 10:11

11. ሳኦል ዝገበሮ ነገር ብኸመይ እዩ መለበሚ ዚዀነና፧

11 ብዛዕባ ንጉስ ሳኦል እስከ ንሕሰብ። ኣብ ፈለማ፡ ትሑት መንእሰይ እዩ ነይሩ። ዓቕሙ ድሩት ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፡ ተወሳኺ ሓላፍነት ንምቕባል እውን ተወላዊሉ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 9:21፣ 10:20-22) ጸኒሑ ግና፡ ተዳፋሪ ዀይኑ እዩ። ንጉስ ድሕሪ ምዃኑ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እዚ ሕማቕ ባህርይ እዚ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንነብዪ ሳሙኤል ኪጽበዮ ኸሎ ትዕግስቱ ወዲኡ እዩ። የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ኣብ ክንዲ ዚተኣማመን፡ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘይተፈቕደሉ ኽነሱ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕሪቡ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ሞገስ የሆዋ ኣጥፊኡ፡ ውዒሉ ሓዲሩ እውን ንግስነቱ ስኢኑ እዩ። (1 ሳሙ. 13:8-14) እዚ መለበሚ ኪዀነና ኣለዎ፣ ተዳፈርቲ ኽንከውን የብልናን።

12. ዳንኤል ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

12 ሳኦል ዝሓደጎ መለበሚ ድሕሪ ምርኣይና፡ ሕጂ ብኣንጻሩ ነብዪ ዳንኤል ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት እስከ ንርአ። ዳንኤል ኣብ ምሉእ ህይወቱ ወትሩ ኻብ የሆዋ መምርሒ ዚደሊ ትሑት ሰብ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ በቲ የሆዋ ዝሃቦ ሓገዝ ገይሩ ንነቡካድነጻር ትርጉም ሕልሙ ምስ ፈትሓሉ፡ ስለቲ ትርጉም ኪምስገን ፍቓደኛ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብትሕትና ተደሪኹ፡ ኵሉ ኽብርን ምስጋናን ንየሆዋ እዩ ሂብዎ። (ዳን. 2:26-28) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ኣሕዋት ንመደረና ዚፈትዉዎ እንተ ዀይኖም ወይ ኣብ ኣገልግሎት ኣሳልጦ እንተ ኣልዩና፡ ኵሉ ኽብሪ ንየሆዋ ኽንህብ ከም ዘሎና ኽንርስዕ የብልናን። ብዘይ ሓገዝ የሆዋ ነዚ ነገራት እዚ ኽንገብር ከም ዘይንኽእል ክንእመን ኣሎና። (ፊል. 4:13) ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ኣልዩና፡ ነቲ ሰናይ ኣብነት የሱስ ኢና እንስዕብ ዘለና። ብኸመይ፧

13. ካብቲ ኣብ ዮሃንስ 5:19, 30 ዚርከብ ቃላት የሱስ፡ ብዛዕባ ትሕትና እንታይ ንምሃር፧

13 የሱስ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ የሆዋ ግና ይጽጋዕ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 5:19, 30 ኣንብብ።) ካብ ሰማያዊ ኣቦኡ ስልጣን ኪምንዝዕ ኣይፈተነን። ፊልጲ 2:6 ብዛዕባ የሱስ፡ “ማዕረ ኣምላኽ ኪኸውን ኢሉ ኺምንዝዕ ኣይሓሰበን” ትብል። እዙዝ ወዲ ብምንባሩ፡ ዓቕሙ ደረት ከም ዘለዎ ይፈልጥ፡ ንስልጣን ኣቦኡ እውን የኽብር ነይሩ እዩ።

የሱስ ስልጣኑ ደረት ከም ዘለዎ ይፈልጥን ነዚ የኽብሮን ነይሩ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. የሱስ ልዕሊ ስልጣኑ ዝዀነ ነገር ኪገብር ምስ ተሓትተ፡ እንታይ ኢሉ እዩ መሊሱ፧

14 ያእቆብን ዮሃንስን ምስ ኣዲኦም ኰይኖም ንየሱስ፡ ነቲ ልዕሊ ስልጣኑ ዝዀነ ፍሉይ መሰል ኪህቦም ምስ ሓተትዎ፡ ንሱ እንታይ ኢሉ እዩ መሊሱሎም፧ የሱስ ብኡብኡ፡ ብመንግስቱ ኣብ የማኑን ኣብ ጸጋሙን መን ከም ዚቕመጥ ዚውስን እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ጥራይ ምዃኑ ነገሮም። (ማቴ. 20:20-23) ነቲ ኣብ ስልጣኑ ዘለዎ ደረት ከም ዜኽብሮ እውን ኣርኣዮም። ብሓቂ ትሑት እዩ ነይሩ። ካብቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ሓሊፉ ኣይከደን። (ዮሃ. 12:49) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ሰናይ ኣብነት የሱስ ክንስዕብ እንኽእል፧

ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት እቲ የሱስ ዝሓደጎ ትሕትና ኽንስዕብ እንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ) *

15-16. ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 4:6 ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ብኸመይ ክንትግብሮ ንኽእል፧

15 ንሕና እውን ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 4:6 ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ብምትግባር፡ ኣብነት ትሕትና የሱስ ክንስዕብ ንኽእል ኢና። እታ ጥቕሲ እቲኣ፡ “ክንየው እቲ ጽሑፍ ኣይትኺድ” ትብለና። ምኽሪ ኽንሕተት ከለና፡ ናይ ርእስና ርእይቶ ኽንህብ ወይ ኣብ ኣእምሮና ሽዑ ሽዑ ዝመጸልና ነገር ክንዛረብ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ዚርከብ ምኽሪ ኸም ዚትኰር ኢና ኽንገብር ዘሎና። በዚ ኸምዚ፡ ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኽንእመን ንኽእል። ብትሕትና ድማ እቲ ኻብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እተዋህበ “ቕኑዕ ትእዛዛት” ብሉጽ ምዃኑ ኸም እንኣምን ነርኢ።—ራእ. 15:3, 4

16 ብትሕትና እንመላለሰሉ ሓደ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ኽብሪ ንምምጻእ እዩ፣ ብዘይካዚ ግና፡ ካልእ ጽቡቕ ምኽንያታት እውን ኣሎና። ቀጺልና ኸኣ ትሕትና ብኸመይ ሓጐስ ከም እተምጽኣልናን ምስ ሰብ ክንረዳዳእ ብኸመይ ከም እተኽእለናን ኽንርኢ ኢና።

ትሑታት ምስ እንኸውን ብኸመይ ንጥቀም፧

17. ትሑታት ሰባት ሕጉሳት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

17 ትሑታት እንተ ዄንና፡ ዝያዳ ሓጐስ ንረክብ ኢና። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧ ዓቕምና ድሩት ምዃኑ እንተ ፈሊጥና፡ ነቲ ኻብ ካልኦት እንረኽቦ ሓገዝ ብዙሕ ነማስወሉ፡ ብእኡ እውን ንሕጐስ ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ንዓሰርተ ድዉያት ዘሕወየሉ ኣጋጣሚ እሞ ሕሰብ። ሓደ ኻባታቶም ጥራይ እዩ ኻብቲ ዜስገድግድ ሕማም ምስ ሓወየ ተመሊሱ ዘመስገኖ፣ እቲ ሰብ እቲ ባዕሉ ኺሓዊ ጠሪሱ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ትሑት ብምንባሩ ኸኣ ነቲ ዝረኸቦ ሓገዝ ኣማስዩሉ እዩ፣ ንኣምላኽ እውን ክብሪ ሂብዎ እዩ።—ሉቃ. 17:11-19

18. ትሕትና ምስ ሰብ ክንሳነ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧ (ሮሜ 12:10)

18 ትሑታት ሰባት ብዝያዳ ምስ ሰብ ይሳነዩን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ የጥርዩን እዮም። ስለምንታይ ከምኡ እንብል፧ ትሑታት ሰባት፡ ካልኦት ሰባት ጽቡቕ ባህርያት ከም ዘለዎም ይፈልጡን ንዓታቶም ይኣምንዎምን እዮም። ብዘይካዚ፡ ካልኦት ሰባት ኣብ ዕዮኦም ኪሰልጦም ከሎ ይሕጐሱ እዮም፣ ንምንኣዶምን ንምኽባሮምን እውን ኣይድንጕዩን እዮም።—ሮሜ 12:10 ኣንብብ።

19. ትዕቢት እነርሕቐሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

19 ብኣንጻሩ ግና፡ ዕቡያት ሰባት ውዳሰ ርእሶም ስለ ዚደልዩ፡ ንሰብ ምንኣድ ይኸብዶም እዩ። ንርእሶም ምስ ካልኦት የወዳድሩ፡ ናይ ውድድር መንፈስ እውን የስፍኑ እዮም። ንኻልኦት ኣብ ክንዲ ዜሰልጥኑን ሓላፍነት ኣብ ክንዲ ዚህቡን፡ “ሓደ ነገር ብልክዕ ኪስራሕ እንተ ደሊኻ፡”—ማለት በቲ ንዓታቶም ባህ ዜብሎም መገዲ፡—“ባዕልኻ ኽትገብሮ ኣሎካ” ይብሉ እዮም። ዕቡይ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ህርፋን ስልጣንን ቅንእን ኣለዎ። (ገላ. 5:26) ነባሪ ዕርክነት እውን ኪምስርት ይሽገር እዩ። ናይ ትዕቢት ጸገም ከም ዘሎና እንተ ኣስተውዒልና፡ እዚ ሕማቕ ጠባይ እዚ ኣብ ውሽጥና ሱር ምእንቲ ኸይሰድድ፡ ‘ኣእምሮና ንምሕዳስ’ ዜኽእል ሓገዝ ካብ የሆዋ ንምርካብ ብጽኑዕ ክንጽሊ ኣሎና።—ሮሜ 12:2

20. ስለምንታይ ኢና ትሑታት ክንከውን ዘሎና፧

20 የሆዋ ኣብነት ስለ ዝዀነና ብዙሕ ነመስግን ኢና። ትሕትናኡ ኣብቲ ምስ ኣገልገልቱ ዘለዎ ርክብ ንርእዮ ኢና፡ ክንመስሎ እውን ንደሊ ኢና። ብተወሳኺ ድማ፡ ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገቡ ምስ ኣምላኽ እተመላለሱ ትሑታት ሰባት ክንመስሎም ንደሊ ኢና። እምበኣር፡ ወትሩ ንየሆዋ ዚግብኦ ግርማን ክብርን ንሃቦ። (ራእ. 4:11) ሽዑ፡ ንሕና እውን ምስቲ ንትሑታት ዜፍቅር ሰማያዊ ኣቦና ንምምልላስ ብቕዓት ኪህልወና እዩ።

መዝሙር 123 ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ

^ ሕ.ጽ. 5 ትሑት ሰብ መሓርን ርሕሩሕን እዩ። ስለዚ፡ ‘የሆዋ ትሑት እዩ’ ኽንብል ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ ትሕትና የሆዋ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ ድማ፡ ካብ ንጉስ ሳኦልን ካብ ነብዪ ዳንኤልን ካብ የሱስን ብዛዕባ ትሕትና እንታይ መለበምን ትምህርትን ክንረክብ ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 58 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሽማግለ ንሓደ መንእሰይ ሓው ክልታት ጉባኤ ብኸመይ ከም ዚሕዝ የሰልጥኖ። ደሓር፡ እቲ ሽማግለ ነቲ ሓው ብደቂቕ ኣይቈጻጸሮን፣ የግዳስ፡ ዕዮኡ ኺፍጽም ይሓድጎ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ንሓደ ሽማግለ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ናብ ዚግበር መርዓ ኽትከይድ ግቡእ እንተ ዀይኑ ትሓትቶ። እቲ ሽማግለ ርእይቶኡ ኣይህባን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ገሊኡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይኽልሰላ።