ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 34

ኣብ ጉባኤ የሆዋ ቦታ ኣሎካ!

ኣብ ጉባኤ የሆዋ ቦታ ኣሎካ!

ከምቲ ሰብነት ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ኵሉ ኣካላት እቲ ሰብነት ከኣ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ሰብነት ዝዀነ፡ ክርስቶስ እውን ከምኡ እዩ።”—1 ቈረ. 12:12

መዝሙር 101 ብሓድነት ንዕየ

መላለዪ *

1. እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎና፧

ክፍሊ ጉባኤ የሆዋ ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ሰላማውያንን ሕጉሳትን ሰባት ኣብ ዝመልእዎ መንፈሳዊ ገነት ኢና ዘለና። እሞኸ ኣብ ጉባኤ የሆዋ እንታይ ቦታ ኣሎካ፧

2. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብተን ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፋ መልእኽትታቱ እንታይ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ ዘሎ፧

2 ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ካብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብተን ብድራኸ መንፈስ ዝጸሓፈን መልእኽትታቱ እተጠቕመሉ ምሳሌ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ኣብተን መልእኽትታት እቲአን፡ ጳውሎስ ንጉባኤ ምስ ሰብነት ኣመሳሲልዋ ኣሎ። ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ውልቀ ሰባት ከኣ፡ ምስ ኣካላት ሰብነት ኣመሳሲልዎም ኣሎ።—ሮሜ 12:4-8፣ 1 ቈረ. 12:12-27፣ ኤፌ. 4:16

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሰለስተ ትምህርቲ ኢና ኽንርኢ፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብቲ ጳውሎስ ዝመሰሎ ምሳሌ እንረኽቦ ሰለስተ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንርኢ ኢና። ቀዳማይ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጉባኤ የሆዋ ቦታ * ኸም ዘሎና ኽንምሃር ኢና። ካልኣይ፡ ኣብታ ጉባኤ ዘሎና ቦታ ዘይርኣየና እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና። ሳልሳይ፡ ኣብ ጉባኤ ኣምላኽ ዘሎና ግደ ንምፍጻም ወትሩ ትሑዛት ክንከውን ዜድልየሉ ምኽንያት ክንርኢ ኢና።

ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጉባኤ የሆዋ ግደ ኣሎና

4. ካብ ሮሜ 12:4, 5 እንታይ ንምሃር፧

4 ካብቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ ምሳሌ ኽንምሃሮ እንኽእል ቀዳማይ ትምህርቲ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ስድራ ቤት የሆዋ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘሎና እዩ። ጳውሎስ ንምሳሌኡ በዚ ዚስዕብ እዩ ጀሚርዎ፦ “ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘሎና፡ እቲ ኣካላት ግና ሕደ ተግባር ዘይብሉ፡ ከምኡ ድማ ንሕና ብዙሓት ክነስና፡ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት፡ ግናኸ ነፍሲ ወከፍና ኣካላት ሓድሕድ ኢና።” (ሮሜ 12:4, 5) ጳውሎስ እንታይ ነጥቢ እዩ ኼመሓላልፍ ደልዩ ነይሩ፧ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጉባኤ በበይኑ ግደ ኣሎና፣ ነፍሲ ወከፍና ግና ኣገደስቲ ኢና።

ኣብ ጉባኤ በበይኑ ግደ ኣሎና፡ ኵላትና ግና ኣገደስቲ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 5-12 ርአ) *

5. የሆዋ ንጉባኤኡ እንታይ “ውህበት” እዩ ሂብዋ፧

5 ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ ቦታ ዘለዎም ሰባት ክትሓስብ ከለኻ፡ ብኡብኡ ኣብቶም ዚመርሑና ተተኵር ትኸውን። (1 ተሰ. 5:12፣ እብ. 13:17) የሆዋ ብክርስቶስ ኣቢሉ፡ ንጉባኤኡ “ውህበት ሰባት” ሂብዋ እዩ። (ኤፌ. 4:8) እዞም “ውህበት ሰባት” እዚኦም ከኣ፡ ንኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ንሓገዝቲ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ንኣባላት ኮሚተ ጨንፈር፡ ንሓለውቲ ወረዳ፡ ንመምህራን ኣብያተ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሽማግለታት ጉባኤ፡ ንኣገልገልቲ ጉባኤ የጠቓልሉ። ኵሎም እዞም ኣሕዋት እዚኦም ነተን ክቡራት ኣባጊዕ የሆዋ ንምክንኻንን ንረብሓታት ጉባኤ ንምግልጋልን ብመንፈስ እዮም ተሸይሞም።—1 ጴጥ. 5:2, 3

6. ብመሰረት 1 ተሰሎንቄ 2:6-8፡ ብመንፈስ ቅዱስ እተሸሙ ኣሕዋት እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚጽዕሩ፧

6 ኣሕዋት በበይኑ ሓላፍነታት ንምስካም፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተሸይሞም እዮም። ከምቲ ኸም ኣእዳውን ኣእጋርን ዝኣመሰለ በበይኑ ኣካላት ሰብነት ንብዘሎ እቲ ሰብነት ዚጠቅም ነገር ዚዓዪ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እተሸሙ ኣሕዋት እውን ንብዘሎ ጉባኤ ዚጠቅም ነገር እዮም ዚዓይዩ። ብሕታዊ ኽብሮም ኣይደልዮን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ኪሃንጹን ኬበርትዑን ይጽዕሩ እዮም። (1 ተሰሎንቄ 2:6-8 ኣንብብ።) የሆዋ ኸምዚኦም ዝበሉ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ስለ ዝሃበና ነመስግኖ ኢና!

7. ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዚርከቡ ብዙሓት ክርስትያናት እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

7 ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ሚስዮናውያን፡ ፍሉያት ፈለምቲ፡ ወይ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይሽየሙ ይዀኑ። እወ፡ ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ፡ ከም ናይ ምሉእ ግዜ ስራሖም ገይሮም ይርእይዎ ኣለዉ። ከምኡ ብምግባሮም ከኣ፡ ንብዙሓት ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ የሱስ ኪዀኑ ሓጊዞምዎም እዮም። እዞም ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ብስጋ ብዙሕ እኳ እንተ ዘይብሎም፡ የሆዋ ግና ብዙሕ በረኸት ዘለዎ ህይወት ሂብዎም ኣሎ። (ማር. 10:29, 30) ነዞም ፍቑራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣኽቢርና ኢና እንርእዮም፡ ክፍሊ ጉባኤ ብምዃኖም እውን የሐጕሰና እዩ።

8. ኵሉ ኣስፋሒ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

8 ኣብ ጉባኤ ቦታ ዘለዎም ግና እቶም እተሸሙ ኣሕዋትን እቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን ጥራይ ድዮም፧ ኣይፋልን! ኵሉ ኣስፋሒ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብታ ጉባኤን ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ። (ሮሜ 10:15፣ 1 ቈረ. 3:6-9) ከም ሓቂ፡ ሓደ ኻብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገደስቲ ሸቶታት ጉባኤ፡ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምግባር እዩ። (ማቴ. 28:19, 20፣ 1 ጢሞ. 2:4) ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ፡ ማለት እተጠምቁን ዘይተጠምቁን ኣስፋሕቲ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ቐዳምነት ኪህብዎ ይጽዕሩ እዮም።—ማቴ. 24:14

9. ንክርስትያናት ኣሓትና ኣኽቢርና እንርእየን ስለምንታይ ኢና፧

9 የሆዋ ንክርስትያናት ኣሓትና ኣብ ጉባኤ ኽቡር ቦታ ሂብወን ኣሎ። ነተን ብተኣማንነት ዜገልግላኦ ኣንስትን ኣደታትን መበለታትን ዘይተመርዓዋን ኣኽቢሩ ይርእየን እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ነተን ንኣምላኽ ባህ ዘበላኦ ብሉጻት ኣንስቲ ብተደጋጋሚ ጠቒስወን ኣሎ። ብጥበብን ብእምነትን ብቕንኣትን ብትብዓትን ብልግስን ብሰናይ ግብርን ጽቡቕ ኣብነት ከም ዚዀና ጌርካ እውን ተናኢደን ኣለዋ። (ሉቃ. 8:2, 3፣ ግብ. 16:14, 15፣ ሮሜ 16:3, 6፣ ፊል. 4:3፣ እብ. 11:11, 31, 35) የሆዋ ነተን ኣብ ጉባኤና ዚርከባ ተመሳሳሊ ጽቡቕ ባህርያት ዘለወን ክርስትያናት ኣንስቲ ስለ ዝሃበና፡ ብዙሕ ነመስግኖ ኢና።

10. ንኣረጋውያን ኣኽቢርና እንርእዮም ስለምንታይ ኢና፧

10 ኣብ ጉባኤ ብዙሓት ኣረጋውያን ብምህላዎም እውን ተባሪኽና ኢና። ኣብ ገሊአን ጉባኤታት፡ ምሉእ ህይወቶም ንኣገልግሎት የሆዋ ብተኣማንነት ዝወፈዩ ኣረጋውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉ። ገሊኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ከኣ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ሓቂ ዝፈለጡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣረጋውያን ምስ እርጋን ዚመጽእ በበይኑ ጸገማት ጥዕና የሸግሮም ይኸውን። እዚ ጸገማት እዚ ድማ ነቲ ኣብ ጉባኤን ኣብ ዕዮ ስብከትን ኪገብርዎ ዚኽእሉ ይድርቶ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እዞም ኣረጋውያን እዚኦም ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም፣ በቲ ዘለዎም ኵሉ ጕልበት ተጠቒሞም ከኣ ንኻልኦት የተባብዑን የሰልጥኑን እዮም። ካብ ተመክሮኦም እውን ንጥቀም ኢና። የሆዋ ብሓቂ ጽቡቓት ገይሩ እዩ ዚርእዮም፣ ንሕና እውን ብሓቂ ጽቡቓት ጌርና ኢና እንርእዮም።—ምሳ. 16:31

11-12. በቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ቘልዑን መንእሰያትን ብኸመይ ተተባቢዕካ፧

11 ብዛዕባ ቘልዑን መንእሰያትን እውን ንሕሰብ። ኣብዛ ሰይጣን ድያብሎስን እኩይ ፍልስፍናታቱን ዝዓብለላ ዓለም ኪዓብዩ ኸለዉ፡ ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። (1 ዮሃ. 5:19) ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ኪህቡ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኪሳተፉ፡ ብትብዓት ድማ ንእምነቶም ኪጣበቑ ኽንርኢ ኸለና፡ ኵላትና ንተባባዕ ኢና። እወ፡ ኣቱም ቈልዑን መንእሰያትን፡ ኣብ ጉባኤ የሆዋ ኣገዳሲ ቦታ ኣሎኩም።—መዝ. 8:2

12 ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ግና፡ ኣብ ጉባኤ ትርጉም ዘለዎ እጃም ከም ዘለዎም ምእማን የጸግሞም እዩ። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጉባኤ ቦታ ኸም ዘሎና ምእንቲ ኺስምዓና፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

ኣብ ጉባኤ ዘሎካ ቦታ ኸም ዚርኣየካ ግበር

13-14. ገሊኦም ሰባት ኣብ ጉባኤ ዋጋ ኸም ዘይብሎም ኰይኑ ዚስምዖም ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

13 ካብቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ ምሳሌ እንረኽቦ ኻልኣይ ትምህርቲ እስከ ንርአ። ጳውሎስ ናብቲ ሎሚ ብዙሓት ዘለዎም ጸገም እዩ ኣተኲሩ፣ ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ጉባኤ ዋጋ ኸም ዘለዎም ምእማን የጸግሞም እዩ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “እግሪ፡ ‘ኢድ ስለ ዘይኰንኩስ፡ ክፍሊ ሰብነት ኣይኰንኩን’ እንተ ኢሉ፡ ክፍሊ ሰብነት ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ። እዝኒ ድማ፡ ‘ዓይኒ ስለ ዘይኰንኩስ፡ ክፍሊ ሰብነት ኣይኰንኩን’ እንተ ኢላ፡ ክፍሊ ሰብነት ምዃና ኣይተርፋን እዩ።” (1 ቈረ. 12:15, 16) ጳውሎስ እንታይ ነጥቢ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ፧

14 ርእስኻ ኣብ ጉባኤ ምስ ዘለዉ ኻልኦት ክርስትያናት እንተ ኣነጻጺርካ፡ ዋጋ ኸም ዘሎካ ኣይርኣየካን ይኸውን። ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ተውህቦ ዘለዎም መምህራን፡ ንፉዓት ወደብቲ፡ ወይ ክኢላታት ጓሶት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት ማዕሪኦም ተውህቦ ዘይብልካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። እዚ ስምዒት እዚ፡ ትሕትና ኸም ዘሎካ እዩ ዜርኢ። (ፊል. 2:3) ግናኸ፡ ተጠንቀቕ። ርእስኻ ወትሩ ምስቶም ብሉጽ ክእለት ዘለዎም ተወዳድር እንተ ዄንካ፡ ብርእስኻ ኽትጕሂ ኢኻ። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ኣብ ጉባኤ ቦታ ዘይብልካ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ነዚ ስምዒታት እዚ ንምስናፍ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

15. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 12:4-11፡ ብዛዕባ እተዋህበና ውህበት እንታይ ኢና ኽንፈልጥ ዘሎና፧

15 ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ የሆዋ ንገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ተኣምራዊ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ሂብዎም እዩ፣ ኵሎም ክርስትያናት ግና ኣይኰኑን ሕደ ውህበታት እተቐበሉ። (1 ቈረንቶስ 12:4-11 ኣንብብ።) የሆዋ በበይኑ ውህበታትን ክእለታትን እዩ ሂብዎም፣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ግና ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ሎሚ፡ ተኣምራዊ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ የብልናን። እቲ መሰረታዊ ስርዓት ግና ሕጂ እውን ይዓዪ እዩ። ኵላትና ሕደ ኽእለታት ኣይህልወናን ይኸውን፣ ኵላትና ግና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣገደስቲ ኢና።

16. ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ እንታይ ምኽሪ ኢና ኽንዓይየሉ ዘሎና፧

16 ርእስና ምስ ካልኦት ክርስትያናት ኣብ ክንዲ እነነጻጽር፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ዝጸሓፎ ንዕየየሉ፦ “ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡ ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡ ብርእሱ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ።”—ገላ. 6:4

17. ንምኽሪ ጳውሎስ እንተ ስዒብና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

17 ነቲ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ዝጸሓፎ ምኽሪ እንተ ስዒብናን ገግብርና እንተ መርሚርናን፡ ፍሉይ ውህበትን ክእለትን ከም ዘሎና ይርኣየና እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሽማግለ ኻብ መድረኽ ንምምሃር ተውህቦ ዘይብሉ ይኸውን፣ ግናኸ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ብዙሕ የስልጥ ይኸውን። ወይ ከኣ ከም ካልኦት ሽማግለታት ጉባኤኡ ጽቡቕ ናይ ምውዳብ ክእለት ኣይህልዎን ይኸውን፣ በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ኣስፋሕቲ ጽቡቕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንምርካብ ከይተሰከፉ ዚቐርብዎ ፈቃር ጓሳ ምዃኑ ዘመስከረ ይኸውን። ወይ ድማ ተቐባል ኣጋይሽ ብምዃኑ ጽቡቕ ስም ኣጥርዩ ይኸውን። (እብ. 13:2, 16) ብርታዐናን ውህበታትናን ብንጹር ምስ ተራእየና፡ ንጉባኤና ብዛዕባ እነበርክቶ እጃም ጽቡቕ ኪስምዓና እዩ። ነቶም ካብ ናትና እተፈልየ ውህበት ዘለዎም ኣሕዋትና እውን ኣይክንቀንኣሎምን ኢና።

18. ከመይ ጌርና ኢና ኽእለታትና ኸነማዕብል እንኽእል፧

18 ኣብ ጉባኤ ዘሎና ዓይነት ቦታ ብዘየገድስ፡ ኵላትና ኣገልግሎትና ንምምሕያሽን ክእለትና ንምምዕባልን ባህጊ ኺህልወና ኣለዎ። ምእንቲ ኽንመሓየሽ ከኣ፡ የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ጽቡቕ ስልጠና ኣዳልዩልና ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን፡ ኣብ ኣገልግሎት ከመይ ጌርና ብዝያዳ ውጽኢታውያን ከም እንኸውን ትምህርቲ ይውሃበና እዩ። ነቲ ስልጠና እትስ ምሉእ ብምሉእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

19. ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ኣቲኻ ኽትምሃር እትገብሮ ሸቶ ብኸመይ ክትበጽሖ ትኽእል፧

19 ካልእ ጽቡቕ መደብ ስልጠና፡ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ነቶም ካብ 23 ክሳዕ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኽፉት እዩ። ነቲ ሸቶ እቲ ኽትበጽሖ ዘይትኽእል ይመስለካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኽትምሃር ዘይትኽእለሉ ምኽንያታት ኣብ ክንዲ እትዝርዝር፡ ኣብኡ ኽትምሃር እትደልየሉ ምኽንያታት ዘርዝር። ድሕሪኡ፡ ነቲ ብቕዓታት ንምምላእ ዜኽእለካ መደብ ሓንጽጽ። ብሓገዝ የሆዋን ብወገንካ ብእትገብሮ ጻዕርን፡ እቲ ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ነገር ይከኣል ይኸውን።

ውህበታትካ ንጉባኤ ንምህናጽ ተጠቐመሉ

20. ካብቲ ኣብ ሮሜ 12:6-8 ዚርከብ ሓሳብ እንታይ ንምሃር፧

20 ካብቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ ምሳሌ እንምሃሮ ሳልሳይ ትምህርቲ ኣብ ሮሜ 12:6-8 ይርከብ። (ኣንብብ።) ኣብኣ ኸኣ ጳውሎስ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት በበይኑ ውህበት ከም ዘለዎም ዳግም ሓቢሩ ኣሎ። ብተወሳኺ ግና፡ ንውህበትና ንጉባኤ ንምህናጽን ንምብርታዕን ክንጥቀመሉ ኸም ዚግባእ ኣጕሊሑ ኣሎ።

21-22. ካብ ሮበርትን ፈሊቸን እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

21 ሮበርት ኢልና ዝሰመናዮ ሓው ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ኣብ ዓዱ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ኬገልግል ተመደበ። እቲ ለውጢ ምድብ ብሰንኪ ጕድለቱ ዘይምዃኑ እኳ እንተ ተነግሮ፡ ንሱ ግና፡ “እቲ ብዛዕባ ርእሰይ ዝነበረኒ ኣሉታዊ ኣረኣእያ፡ ማለት እቲ ኣይነፋዕኩን ዚብል ስምዒት፡ ንነዊሕ ኣዋርሕ ጸኒሑ እዩ። ኣገልግሎት ቤት-ኤል ክሓድጎ ዝሓሰብኩሉ እዋናት ነይሩ እዩ” ይብል። እሞኸ ብኸመይ ሓጐሱ ኺረክብ ክኢሉ፧ ሓደ ኻልእ ሽማግለ፡ የሆዋ ኣብ ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ምድብና ነቲ ናይ ሕጂ ምድብና ጠቐምቲ ኽንከውን ኢሉ ኸም ዜሰልጥነና ኣዘኻኸሮ። ሮበርት ከኣ ኣብ ሕሉፍ ኪጥምት ከም ዘይብሉ፡ የግዳስ ሕጂ ኺገብሮ ኣብ ዚኽእል ነገር ከተኵር ከም ዘለዎ ተገንዘበ።

22 ንሓውና ፈሊቸ ኢፒስኮፖ ድማ ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢምዎ እዩ። ንሱን ሰበይቱን ብ1956 ካብ ጊልዓድ ተመረቑ፣ ኣብ ቦሊቭያ ድማ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኣገልገሉ። ብ1964 ከኣ ውሉድ ወለዱ። ፈሊቸ ኸምዚ ይብል፦ “ነቲ እንፈትዎ ምድብና ምሕዳግ ኣጸጊሙና ነይሩ። ሓደ ዓመት ዚኸውን ከስተማስል እየ ኣባኺነዮ። ብሓገዝ የሆዋ ግና፡ ኣረኣእያይ ቀዪረ፡ ኣብቲ ኸም ወላዲ መጠን ዘሎኒ ሓድሽ ሓላፍነት እውን ኣተኲረ እየ።” ከም ናይ ሮበርት ወይ ፈሊቸ ዓይነት ስምዒት ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ዝነበረካ ዓይነት ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ስለ ዘይብልካ ትጕሂ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ኣትኵሮኻ እንተ ቐዪርካ እሞ ኣብቲ ሕጂ ንየሆዋን ንኣሕዋትን ንምግልጋል ክትገብሮ እትኽእል ነገር እንተ ኣተኲርካ፡ ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ። ውህበታትካን ክእለታትካን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ኣበርቲዕካ ዕየ፣ ንጉባኤኻ ኽትሃንጽ ከለኻ ድማ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።

23. ግዜ ወሲድና እንታይ ክንገብር እዩ ዘሎና፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

23 ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት ኢና። ንሱ ኽፍሊ ስድራ ቤቱ ኽንከውን ይደልየና እዩ። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ንምህናጽ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ግዜ ወሲድና እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ነቲ ግደና እቲ ንምፍጻም ድማ ኣበርቲዕና እንተ ዓዪና፡ ኣብ ጉባኤ ቦታ ኸም ዘይብልና ዀይኑ ኣይኪስምዓናን እዩ። ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኻልኦት ግና ብኸመይ ኢና እንርእዮም፧ ከም እነማስዎም ብኸመይ ከነርእዮም ንኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ኽንርኢ ኢና።

መዝሙር 24 ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ

^ ሕ.ጽ. 5 ኵላትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ኸም ዘሎና ኺስምዓና ንደሊ ኢና። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ቦታና ኣበይ ከም ዝዀነ ንሓስብ ንኸውን። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጉባኤ የሆዋ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘሎና ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 3 መግለጺ ቓላት፦ እቲ ኣብ ጉባኤ የሆዋ ዘሎና ቦታ፡ ነቲ ንጉባኤ ኣብ ምህናጽን ኣብ ምድልዳልን ዘሎና ግደ የመልክት። እዚ ኸኣ ብዓሌታዊ፡ ብቝጥባዊ፡ ብማሕበራዊ፡ ብባህላዊ፡ ወይ ብትምህርታዊ ድሕረ ባይታ ዚውሰን ኣይኰነን።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ቅድሚ ኣኼባ ጉባኤን ኣብ መንጎ እቲ ኣኼባን ድሕሪ ኣኼባን እንታይ ከም ዚግበር ዜርኢ ሰለስተ ስእልታት። ስእሊ 1፦ ሓደ ሽማግለ ንሓደ ጋሻ ጽቡቕ ገይሩ ይቕበሎ፡ ሓደ መንእሰይ ሓው ንመሳርሒ ድምጺ የዳሉ፡ ሓንቲ ሓብቲ ኸኣ ምስ ሓንቲ ኣረጋዊት ሓብቲ ትዛራረብ። ስእሊ 2፦ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኺምራሕ ከሎ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ሓሳብ ይህቡ። ስእሊ 3፦ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይ ይሕግዙ። ሓንቲ ኣደ ንጓላ ወፈያኣ ኣብ ሳጹን ውጽኢት ከተእቱ ትሕግዛ። ሓደ መንእሰይ ሓው ጽሑፋት የዳሉ፡ ሓደ ሓው ከኣ ንሓንቲ ኣረጋዊት ሓብቲ የተባብዓ።