ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 33

ፍቕርን ጥበብን ትዕግስትን ኣምላኽ ኣብ ትንሳኤ ይርአ

ፍቕርን ጥበብን ትዕግስትን ኣምላኽ ኣብ ትንሳኤ ይርአ

“ትንሳኤ ኪኸውን [እዩ]።”—ግብ. 24:15

መዝሙር 151 ኪጽውዕ

መላለዪ *

1. የሆዋ፡ ህይወት ዝፈጠረ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ በይኑ ዝነበረሉ ግዜ ነይሩ እዩ። ብጽምዋ ግና ኣይተበልዐን። ብዅሉ መገዲ ምሉእ ዘይጕዱል ነይርዎ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንኻልኦት ህይወት ኪህቦም ደለየ። ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸኣ፡ ኪፈጥር ጀመረ።—መዝ. 36:9፣ 1 ዮሃ. 4:19

2. የሱስን መላእኽትን ብዛዕባ ፍጥረታት የሆዋ እንታይ ተሰሚዕዎም፧

2 ፈለማ፡ የሆዋ ነቲ ምስኡ ዚሰርሕ ሰራሕተኛ እዩ ፈጢርዎ። እዚ ሰራሕተኛ እዚ ድማ በዅሪ ወዱ እዩ። “ኵሉ ብእኡ እዩ ተፈጢሩ፡” እንተላይ እቶም ሚልዮናት ኣስተውዓልቲ መንፈሳውያን ፍጡራት ብእኡ እዮም ተፈጢሮም። (ቈሎ. 1:16) የሱስ በቲ ምስ ኣቦኡ ንምስራሕ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ይሕጐስ ነይሩ እዩ። (ምሳ. 8:30) መላእኽቲ እውን ሕጉሳት እዮም ነይሮም። የሆዋን እቲ ኽኢላ ሰራሕተኛኡ ዝዀነ የሱስን ንሰማያትን ንምድርን ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፡ ብቐረባ ይዕዘቡ ነይሮም እዮም። እሞኸ እቶም መላእኽቲ እንታይ እዮም ገይሮም፧ ምድሪ ኽትድኰን ከላ፡ “ብናእዳ ጨዲሮም” እዮም፣ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ዅሉ ፍጥረታት የሆዋ፡ እንተላይ እቲ ናይ መወዳእታ ውሕሉል ፍጥረት ዝዀነ ሰብ ኪፍጠር ከሎ እውን ናእዳኦም ይገልጹ ነይሮም እዮም። (እዮ. 38:7፣ ምሳ. 8:31) ኣብ ኵሉ እዚ ፍጥረታት እዚ፡ ፍቕርን ጥበብን የሆዋ ይርአ እዩ።—መዝ. 104:24፣ ሮሜ 1:20

3. ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:21, 22 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ እንታይ እዩ ኣኽኢሉ፧

3 የሆዋ ንደቂ ሰብ ኣብዛ ዝፈጠሮም ውቅብቲ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም ሓሊኑሎም ነይሩ። ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣቦኦም ምስ ዓለዉ ግና፡ ሓጢኣትን ሞትን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣንጸላለወ። (ሮሜ 5:12) እሞኸ የሆዋ እንታይ ገይሩ፧ ንደቂ ሰብ ብኸመይ ከም ዜድሕኖም ብኡብኡ እዩ ገሊጹ። (ዘፍ. 3:15) ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዚወጹሉ በጃ ኼዳሉ ድማ ዕላማ ገይሩ እዩ። እዚ ድሕሪ ምግባሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንዕኡ ምግልጋል ኪመርጽን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብን መገዲ ኼጣጥሕ ክኢሉ እዩ።—ዮሃ. 3:16፣ ሮሜ 6:23፣ 1 ቈረንቶስ 15:21, 22 ኣንብብ።

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

4 እቲ ኣምላኽ ንምዉታት ኬተንስእ ምዃኑ ዘተስፈወና ተስፋ፡ ብዙሕ ሕቶታት የበግስ እዩ። ንኣብነት፡ ትንሳኤ ብኸመይ እዩ ዚኸውን፧ እንፈትዎም ሰብና ምስ ተንስኡስ ከነለልዮም ዲና፧ ትንሳኤ ሓጐስ ዜምጽኣልና ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባ ትንሳኤ ምስትንታንና ንፍቕርን ንጥበብን ንትዕግስትን የሆዋ ኸነማስወሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ በብሓደ እስከ ንርኣዮ።

ትንሳኤ ብኸመይ እዩ ዚኸውን፧

5. ሰባት ብስርዓትን በብቝሩብን ከም ዚትንስኡ እንኣምን ስለምንታይ ኢና፧

5 የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ማእለያ ዘይብሎም ሚልዮናት ኣብ ዜተንስኣሉ እዋን፡ ኵሎም ብሓንሳእ ከም ዘይትንስኡ ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ኣብ ምድርና ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ብሃንደበት እንተ ተተኲሱ፡ ሕንፍሽፍሽ ኪፈጥር ይኽእል እዩ። የሆዋ ኸኣ ብዘይተወደበ መገድን ብሕንፍሽፍሽን ጠሪሱ ኣይዓዪን እዩ። ነባሪ ሰላም ምእንቲ ኺህሉ፡ ስርዓት ኪሕሎ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። (1 ቈረ. 14:33) የሆዋ ኣምላኽ ምስ የሱስ ኰይኑ ቕድሚ ፍጥረት ወዲ ሰብ ንምድሪ ኼዳልዋ ኸሎ፡ ብጥበብን ብትዕግስትን እዩ ዓይዩ። የሱስ እውን ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ምስቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ሰባት ሓቢሩ ንምድሪ ነቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ኼዳልዋ ኸሎ፡ ብጥበብን ብትዕግስትን ኪዓዪ እዩ።

እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ሰባት ነቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚሓትቶ ብቕዓታትን ኪምህርዎም እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ) *

6. ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 24:15፡ የሆዋ ንመን እውን እዩ ኼተንስኦም፧

6 ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ሰባት ነቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚሓትቶ ብቕዓታትን ኪምህርዎም ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መብዛሕትኦም እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት፡ “ሓጥኣን” እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብብ።) ካብቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ኺጥቀሙ እንተ ዀይኖም፡ ብዙሕ ለውጥታት ኪገብሩ ኣለዎም። ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ንዘይፈልጡ ሚልዮናት ሰባት ብዛዕባኡ ሓቂ ምምሃር እንታይ ከም ዜጠቓልል እሞ ሕሰቦ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምዚ ሕጂ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና እንገብሮ ዓይነት ትምህርቲ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኪውሃቦ ድዩ፧ እቶም ሓደስቲ ዘበሉኸ ኣብ ጉባኤታት ተመዲቦም ነቶም ድሕሪኦም ዚትንስኡ ንምምሃር ኪስልጥኑ ድዮም፧ ነዚ ሽዑ ኽንርእዮ ኢና። ዝዀነ ዀይኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ፡ “ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ።” (ኢሳ. 11:9) ኣብተን ሽሕ ዓመት እቲአን፡ ብሓቂ ዜሐጕስ ብዙሕ ዕዮ ኺህልወና እዩ!

7. ህዝቢ ኣምላኽ ነቶም ትንሳኤ ዚረኽቡ ሰባት ኪምህርዎም ከለዉ ዚድንግጹሎም ስለምንታይ እዮም፧

7 ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ፡ ኵሎም ምድራውያን ደቂ የሆዋ ንዕኡ ንምሕጓስ ለውጥታት ኪገብሩ ኣለዎም። ስለዚ፡ ነቶም ትንሳኤ ዚረኽቡ ሰባት ንሓጢኣቶም ኬሰንፉን ብመለክዒታት የሆዋ ኺመላለሱን ኪሕግዝዎም ከለዉ፡ ብሓቂ ኺድንግጹሎም ኣለዎም። (1 ጴጥ. 3:8) እቶም ትንሳኤ ዚረኽቡ ሰባት ድማ በቶም ‘ድሕነቶም ንምፍጻም’ ዚጽዕሩ ትሑታት ህዝቢ የሆዋ ኺስሓቡ እዮም።—ፊል. 2:12

ነቶም ትንሳኤ ዚረኽቡስ ከነለልዮም ዲና፧

8. ነቶም ትንሳኤ ዚረኽቡ እንፈትዎም ሰባት ከነለልዮም ምዃንና ዜእምነና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

8 ነቶም ትንሳኤ ዚረኽቡ እንፈትዎም ሰብና ኸነለልዮም ምዃንና ዜእምነና ሓያሎ ምኽንያታት ኣሎና። ንኣብነት፡ ብመሰረት እቲ ቕድሚ ሕጂ ዘጋጠመ ትንሳኤ፡ የሆዋ ንዝሞቱ ሰባት ከምቲ ቐቅድሚ ሞቶም ዝነበሮም ዓይነት ትርኢትን ኣዘራርባን ኣተሓሳስባን ሒዞም ከም ዚትንስኡ ገይሩ እዩ ዳግም ዚፈጥሮም። የሱስ ንሞት ምስ ድቃስ፡ ንትንሳኤ ኸኣ ካብ ድቃስ ምስ ምብርባር ከም ዘመሳሰሎ ኣይንረስዕ። (ማቴ. 9:18, 24፣ ዮሃ. 11:11-13) ሰባት ካብ ድቃሶም ኪበራበሩ ኸለዉ፡ ከምቲ ኺድቅሱ ኸለዉ ዝነበሮም ዓይነት ትርኢትን ኣዘራርባን ተዘክሮን እዩ ዘለዎም። ሕጂ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ኣልኣዛር እስከ ንርአ። ንሱ ኻብ ዚመውት ራብዕቲ ገይሩ ብምንባሩ፡ ሰብነቱ ኺምሽምሽ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። የሱስ ምስ ኣተንስኦ ግና፡ ኣሓቱ ብኡብኡ ኣለልየናኦ እየን፣ ኣልኣዛር እውን ዘኪርወን ኪኸውን ኣለዎ።—ዮሃ. 11:38-44፣ 12:1, 2

9. ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት ፍጹም ኣእምሮን ሰብነትን ሒዞም ዘይትንስኡ ስለምንታይ እዮም፧

9 የሆዋ ኻብቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ዚነብሩ ሰባት ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኸም ዘይብል ኣተስፍዩና እዩ። (ኢሳ. 33:24፣ ሮሜ 6:7) ስለዚ፡ እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት ጥዑይ ኣካላት ሒዞም እዮም ዳግም ዚፍጠሩ። ይኹን እምበር፡ ብኡብኡ ፍጹማት ኣይኪዀኑን እዮም። ከምኡ እንተ ዀይኖም፡ ሰቦም ኬለልይዎም ኣይክእሉን እዮም። ኵሎም ደቂ ሰብ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ በብቝሩብ ናብ ፍጽምና ዚበጽሑ እዩ ዚመስል። የሱስ ከኣ ኣብ መወዳእታ እቲ ሽሕ ዓመት፡ ነታ መንግስቲ መሊሱ ንኣቦኡ ኼረክባ እዩ። ሽዑ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ዕዮኣ ምሉእ ብምሉእ ክትፍጽም እያ፡ ንደቂ ሰብ እውን ናብ ፍጽምና ኸተብጽሖም እያ።—1 ቈረ. 15:24-28፣ ራእ. 20:1-3

ትንሳኤ ሓጐስ ዜምጽኣልና ብኸመይ እዩ፧

10. ትንሳኤ ኪኸውን ከሎ፡ እንታይ ኪስምዓካ እዩ፧

10 ንእትፈትዎም ሰብካ ብትንሳኤ ምቕባል እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። እቲ ሽዑ ዚስምዓካ ሓጐስ ኬስሕቐካ ድዩ ወይስ ኬንብዓካ፧ ንየሆዋኸ መዝሙር ውዳሰ ኽትዝምረሉ ዲኻ፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ስለቲ ዜደንቕ ውህበት ትንሳኤ፡ ነቲ ሓላዪ ኣቦኻን ንወዱን ብርግጽ ሓያል ፍቕሪ ኸተሕድር ኢኻ።

11. ብመሰረት እቲ ኣብ ዮሃንስ 5:28, 29 እተመዝገበ ቓላት የሱስ፡ እቶም በቲ ቕኑዕ መለክዒታት ኣምላኽ ዚመላለሱ እንታይ ኪረኽቡ እዮም፧

11 እቶም ኻብ ምዉታት ዚትንስኡ ነቲ ኣረጊት ስብእናኦም ቀንጢጦም በቲ ቕኑዕ መለክዒታት ኣምላኽ ኪመላለሱ ኸለዉ ዚስምዖም ሓጐስ እሞ ገምቶ። እቶም ነዚ ለውጥታት እዚ ዚገብሩ፡ ናብ ትንሳኤ ህይወት ኪወጹ እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ እቶም ካብ ኣምላኽ ዚዓልዉ ነቲ ኣብ ገነት ዚህሉ ሰላም ኪዘርጉ ኣይኪፍቀደሎምን እዩ።—ኢሳ. 65:20፣ ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ።

12. ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብየሆዋ ዚባረኹ ብኸመይ እዮም፧

12 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ንሓቅነት እቲ ኣብ ምሳሌ 10:22 ዚርከብ ቃላት ኣብ ህይወቶም ኪርእይዎ እዮም። እታ ጥቕሲ፡ “በረኸት የሆዋ የሀብትም፣ ስቓይ እውን ኣይውስኸሉን” ትብል። መንፈስ የሆዋ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ስለ ዚዓዪ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪህብትሙ፡ ማለት በብግዜኡ ንክርስቶስ እናመሰልዎን ናብ ፍጽምና እናዓበዩን ኪኸዱ እዮም። (ዮሃ. 13:15-17፣ ኤፌ. 4:23, 24) ጥዕናኦምን ባህርያቶምን እውን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተመሓየሸ ኪኸይድ እዩ። ሽዑስ ህይወት ክሳዕ ክንደይ ኰን ዜሐጕስ ኪኸውን እዩ! (እዮ. 33:25) ግናኸ፡ ሕጂ ብዛዕባ ትንሳኤ ምስትንታንና ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ንፍቕሪ የሆዋ ኣማስወሉ

13. ብመሰረት መዝሙር 139:1-4፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጠና ኻብ ትንሳኤ ብኸመይ ክንግንዘብ ንኽእል፧

13 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ንምዉታት ኬተንስኦም ከሎ፡ ንመንነቶም ዜቕውም ተዘክሮኦምን ባህርያቶምን ሂቡ እዩ ዜተንስኦም። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰበሉ። የሆዋ ንዓኻ ኣዝዩ ስለ ዜፍቅረካ፡ ንዅሉ ሓሳብካን ስምዒትካን ዘረባኻን ተግባርካን ይምዝግቦ ኣሎ። ስለዚ፡ ኬተንስኣካ እንተ ዀይኑ፡ ተዘክሮኻን ኣረኣእያኻን ባህርያትካን ብቐሊሉ ኺመልሰልካ ይኽእል እዩ። ንጉስ ዳዊት፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚግደሰልና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መዝሙር 139:1-4 ኣንብብ።) እሞ ደኣ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጠና ምርዳእና፡ ሕጂ ንዓና ብኸመይ ይጸልወና፧

14. የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጠና ኸነስተንትን ከለና፡ እንታይ እዩ ኺስምዓና ዘለዎ፧

14 የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጠና ኸነስተንትን ከለና፡ ከምኡ ምግባሩ ኼጨንቐና የብሉን። ስለምንታይ፧ የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዚሓልየልና ኣይንረስዕ። ነቲ ኻብ ካልኦት ዚፈልየና ባህርያት የኽብሮ እዩ። ነቲ ንመንነትና ዚቐርጽ ኣብ ህይወትና ዜጋጥም ተመክሮታት እውን ኣጸቢቑ የስተብህለሉ እዩ። እዚ ብሓቂ ዜጸናንዕ ሓሳብ እዩ! በይንና ኸም ዝዀንና ዀይኑ ኺስምዓና የብሉን። ኣብ መመዓልቲ ኣብ እነሕልፈን ኵለን ደቓይቕ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺድግፈና ኢሉ ወትሩ ኣብ ጐድንና እዩ።—2 ዜና 16:9

ንጥበብ የሆዋ ኣማስወሉ

15. ትንሳኤ ንጥበብ የሆዋ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

15 ፍርሂ ሞት ከም ብርቱዕ ኣጽዋር እዩ። እቶም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘለዉ ሰባት በዚ ፍርሂ እዚ ተጠቒሞም፡ ሰባት ንፈተውቶም ኪጠልሙ ወይ ንዚኣምኑሉ ነገር ኪሓድጉ ይግድድዎም እዮም። እዚ መፈራርሂ እዚ ግና ኣባና ኣይዓዪን እዩ። ጸላእትና እንተ ቐቲሎምና፡ የሆዋ ኸም ዜተንስኣና ንፈልጥ ኢና። (ራእ. 2:10) ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ፡ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከም ዘይብተኽ ርግጸኛታት ኢና። (ሮሜ 8:35-39) የሆዋ ተስፋ ትንሳኤ ብምሃብ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ጥበብ ኰን እዩ ኣርእዩ! ብተስፋ ትንሳኤ ኣቢሉ ንሰይጣን፡ ሓደ ኻብቲ ብርቱዕ ኣጽዋሩ ኼፍትሖ ኸሎ፡ ንዓና እውን ጽኑዕ ትብዓት ከነጥሪ ኣዕጢቑና እዩ።

ውሳነታትና ነቲ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ዝኣተወልና ቓል ከም እንኣምነሉ የርኢ ድዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ) *

16. ንርእስኻ እንታይ ሕቶታት ኢኻ ኽትሓትት ዘሎካ፧ መልስታቱኸ ኣብ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትውከል ዚሕብረካ ብኸመይ እዩ፧

16 ጸላእቲ የሆዋ ኸም ዚቐትሉኻ እንተ ኣፈራሪሆምኻ፡ ህይወትካ ንየሆዋ ሕድሪ ኽትህቦ ፍቓደኛ ኽትከውን ዲኻ፧ እዚ ኸመይ ጌርካ ትፈልጥ፧ ሓደ መገዲ፡ ‘መዓልቲ መዓልቲ ዝገብሮ ንኣሽቱ ውሳነታት፡ ኣብ የሆዋ ኸም ዝውከል የርኢ ድዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ብምሕታት እዩ። (ሉቃ. 16:10) ብተወሳኺ ድማ፡ ‘ኣነባብራይ ነቲ የሆዋ ንመንግስቱ እንተ ኣቐዲመ ዜድልየኒ ዘበለ ኸም ዜማልኣለይ ዝኣተወለይ ቃል ከም ዝኣምነሉ የርኢ ድዩ፧’ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። (ማቴ. 6:31-33) መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ‘እወ’ ዚብል እንተ ዀይኑ፡ ንየሆዋ ኸም እትኣምኖ ኣርኢኻ ኢኻ፣ ንዚመጽእ ዝዀነ ይኹን ፈተና እውን ተዳሊኻ ኢኻ።—ምሳ. 3:5, 6

ንትዕግስቲ የሆዋ ኣማስወሉ

17. (ሀ) የሆዋ ዕጉስ ምዃኑ ኣብ ትንሳኤ ብኸመይ ይርአ፧ (ለ) ንትዕግስቲ የሆዋ ኸም እነማስወሉ ኸመይ ጌርና ነርኢ፧

17 የሆዋ ነዚ ኣረጊት ስርዓት ዜጥፍኣሉ ውስንቲ መዓልትን ሰዓትን ኣላቶ። (ማቴ. 24:36) ትዕግስቱ ወዲኡ ቕድሚ እታ ግዜ ስጕምቲ ኣይወስድን እዩ። ንምዉታት ኬተንስኦም ይናፍቕ እዩ፣ ግናኸ፡ ዕጉስ እዩ። (እዮ. 14:14, 15) ትንሳኤ ዚህበሉ ግቡእ ግዜ ኽሳዕ ዚኣክል ይጽበ እዩ ዘሎ። (ዮሃ. 5:28) ንሕና ንትዕግስቲ የሆዋ እነማስወሉ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሆዋ ዕጉስ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ንሕና ‘ናብ ንስሓ ኽንበጽሕ’ ክኢልና ኢና። (2 ጴጥ. 3:9) የሆዋ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዕድል ኪኽፈተሎም ይደሊ እዩ። ስለዚ፡ ንትዕግስቲ የሆዋ ኸም እነማስወሉ ነርኢ። ብኸመይ፧ ነቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ብትግሃት ብምንዳይን ንየሆዋ ኼፍቅርዎን ኬገልግልዎን ከኣ ብምሕጋዝን ኢና ኸምኡ እንገብር። (ግብ. 13:48) ሽዑ፡ ከማና ኻብ ትዕግስቲ የሆዋ ኺጥቀሙ እዮም።

18. ስለምንታይ ኢና ንኻልኦት ክንዕገሶም ዘሎና፧

18 የሆዋ ኣብቲ ናብ ፍጽምና ንምብጻሕ እንገብሮ ምዕባለ፡ ክሳዕ መወዳእታ እቲ ሽሕ ዓመት ብትዕግስቲ ኺጽበየና እዩ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና እዩ። ስለዚ፡ ንሕና ኣብ ጽቡቕ ጐድኒ ሰባት ከነተኵርን ክንዕገሶምን ኣሎና። ንኣብነት፡ ንሓንቲ ሓብቲ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ሰብኣያ ብብርቱዕ ጭንቀት ስለ እተሸገረ፡ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ሓደጎ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ እታ ሓብቲ፡ “እዚ ንዓይ ከቢድ ስቓይ እዩ ነይሩ። እቲ ኸም ስድራ ቤት ንመጻኢና ዝገበርናዮ መደባት፡ ምሉእ ብምሉእ እዩ ፈሪሱ” ትብል። እዛ ፈቃር ሰበይቲ እዚኣ፡ እዚ ዅሉ እናኣሕለፈት ክነሳ፡ ንሰብኣያ ተዓገሰቶ። ናብ የሆዋ ተጸግዐት፡ ከቶ እውን ኣይተሓለለትን። ከም የሆዋ፡ ስግር እቲ ጸገም ብምምዕዳው፡ ኣብ ጽቡቕ ጐድኒ ሰብኣያ ኣተኲራ እያ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ሰብኣየይ ጽቡቕ ባህርያት ኣለዎ፡ በብቝሩብ ድማ ናብ ዝነበሮ ኺምለስ ይጽዕር ኣሎ።” እምበኣር፡ ነቶም ኣብ ስድራ ቤትና ዀነ ኣብ ጉባኤ ጸገማት ንምስጋር ዚቃለሱ ዘለዉ ኽንዕገሶም ኣሎና።

19. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

19 ምድሪ ኽትፍጠር ከላ፡ የሱስን መላእኽትን ተሓጒሶም እዮም። ምድሪ ንየሆዋ ብዜፍቅርዎን ብዜገልግልዎን ፍጹማት ሰባት ምስ ተመልአት ድማ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚሕጐሱ እሞ ገምቶ። እቶም ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ዚውሰዱ መጋዝእቲ ክርስቶስ፡ ደቂ ሰብ ካብቲ ንሳቶም ዚዓይይዎ ዕዮ ኺጥቀሙ ምስ ረኣዩ ዚስምዖም ሓጐስ እሞ ገምቶ። (ራእ. 4:4, 9-11፣ 5:9, 10) ናይ ሓጐስ ንብዓት ንናይ ስቓይ ንብዓት ዚትክኣሉ፡ ሕማምን ሓዘንን ሞትን እውን ንዘለኣለም ዘይህልወሉ እዋን እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። (ራእ. 21:4) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ነቲ ፈቃርን ጥበበኛን ዕጉስን ኣቦኻ ኽትመስሎ ጽዓር። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ዜጋጥመካ ፈተናታት ብዘየገድስ፡ ሓጐስካ ኽትዕቅብ ኢኻ። (ያእ. 1:2-4) የሆዋ፡ “ትንሳኤ ኪኸውን [እዩ]” ኢሉ ስለ ዘተስፈወናስ፡ ብዙሕዶ ኸነመስግኖ ኣይግባእን፧—ግብ. 24:15

መዝሙር 141 ተኣምር ህይወት

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ፈቃርን ጥበበኛን ዕጉስን ኣቦ እዩ። እዚ ባህርያቱ ድማ፡ ኣብቲ ንዅሉ ዝፈጠረሉ ኣፈጣጥራን ኣብ ትንሳኤ ምዉታትን ኪርአ ይከኣል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ንዚልዓለና ገሊኡ ሕቶታት ክንመያየጠሉ ኢና፣ ንፍቕርን ንጥበብን ንትዕግስትን የሆዋ ብኸመይ ከም እነማስወሉ እውን ከነጕልሕ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ቕድሚ ኣማእታት ዓመታት ዝሞተ ወደባት ኣመሪካዊ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ይትንስእ። ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓነ ሓው ከኣ ነቲ ዝተንስአ ሰብ፡ ካብቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ንምጥቃም እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ተሓጒሱ ይምህሮ።

^ ሕ.ጽ. 61 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ንኣስራሒኡ፡ ኣብ ገሊአን መዓልትታት ትርፊ ሰዓት ኪዓዪ ኸም ዘይክእል ይሕብሮ። እተን መዓልትታት እቲአን ምስቲ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኣምልኾ ኣብ እተተሓሓዘ ንጥፈታት ከም ዚጥቀመለን ይገልጸሉ። ኣብ ካልእ ግዜ ብህጹጽ ኪድለ ኸሎ ግና፡ ተወሳኺ ስራሕ ኪሰርሕ ፍቓደኛ ምዃኑ ይሕብሮ።