ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 31

ንየሆዋ ኽትጽበዮ ፍቓደኛ ዲኻ፧

ንየሆዋ ኽትጽበዮ ፍቓደኛ ዲኻ፧

“ንኣምላኽ ድሕነተይ ከኣ ክጽበዮ እየ።”—ሚክ. 7:7

መዝሙር 128 ክሳዕ መወዳእታ ተጻወር

መላለዪ *

1-2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

ኣጸቢቕካ እትደልዮ እተላእከልካ ኣቕሓ ኣብቲ እተጸበኻዮ ግዜ እንተ ዘይመጺኡ ኸመይ ይስምዓካ፧ በዝስ ትጕሂዶ፧ ምሳሌ 13:12፡ “እተናውሐ ትጽቢት፡ ልቢ የሕምም” ትብል። ግናኸ፡ እቲ እተላእከልካ ኣቕሓ ኣብቲ እተጸበኻዮ ግዜ ዘይመጸሉ ጽቡቕ ምኽንያታት ከም ዘሎ እንተ ፈሊጥካ ኸመይ ይስምዓካ፧ ነዚ ምስ ፈለጥካ መሸም፡ ብትዕግስቲ ኽትጽበ ፍቓደኛ ምዀንካ።

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ‘ክንጽበ’ ዜኽእለና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ኢና። (ሚክ. 7:7) ድሕሪኡ፡ የሆዋ ስጕምቲ ኺወስድ ብትዕግስቲ እንጽበየሉ ኽልተ መዳያት ክንምርምር ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ ነቶም ንየሆዋ ኺጽበዩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ተዓቚሩሎም ዘሎ በረኸት ክንርኢ ኢና።

ትዕግስቲ ኽንገብር ዚምህረና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

3. እቲ ኣብ ምሳሌ 13:11 ተመዝጊቡ ዘሎ ስርዓት እንታይ የጕልሕ፧

3 ኣብ ምሳሌ 13:11 ተመዝጊቡ ዚርከብ ሓሳብ፡ ትዕግስቲ ኸም ዜድልየና ይምህረና። እታ ጥቕሲ፡ “ብቕልጡፍ እተረኽበ ሃብቲ ይንኪ፣ በብቝሩብ ዚእከብ ሃብቲ ግና ይውስኽ” ትብል። ነቲ መሰረታዊ ስርዓትሲ ተረዲእካዮዶ፧ ጥበበኛ ሰብ ንሓደ ዕማም ብትዕግስትን በብደረጃኡን እዩ ዚዓምሞ።

4. ኣብ ምሳሌ 4:18 ዚርከብ ስርዓት እንታይ የጕልሕ፧

4 ምሳሌ 4:18፡ “መገዲ ጻድቃን . . . ከም ብሩህ ብርሃን ወጋሕታ እያ፣ ኣጸቢቑ ኽሳዕ ዚቐትር ከኣ እናበርሀት ትኸይድ” ትብለና። እዚ ቓላት እዚ፡ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዕላማኡ በብቝሩብ ዚገልጸሉ መገዲ እዩ ዜመልክት። ኰይኑ ግና፡ እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ብዝሰፍሐ መዳይ ክትርአ ኸላ፡ ነቲ ሓደ ክርስትያን ኣብ ህይወቱ መንፈሳዊ ዕቤት ዚገብረሉ መገዲ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። መንፈሳዊ ዕቤት ብቕጽበት ዚመጽእ ኣይኰነን። ግዜ ይሓትት እዩ። ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽን ካብ ውድብ ኣምላኽን እንረኽቦ ምኽሪ ብትግሃት እንተ ኣጽኒዕናዮን እንተ ተግቢርናዮን፡ በብቝሩብ ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለ ስብእና ነማዕብል ኢና። ኣብ ፍልጠት ኣምላኽ እውን ንዓቢ ኢና። የሱስ ነዚ ነጥቢ እዚ ብኸመይ ከም ዘብረሆ እስከ ንርአ።

ከምቲ ተኽሊ በብቝሩብ ዚዓቢ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰሚዑ ነቲ መልእኽቲ ዚቕበሎ ሰብ እውን ብመንፈሳዊ መዳይ በብቝሩብ እዩ ዚዓቢ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. የሱስ፡ ተኽሊ በብቝሩብ ከም ዚዓቢ ብምሳሌ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

5 የሱስ ኣብ ምሳሌኡ፡ እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ልቢ ቕኑዓት ሰባት በብቝሩብ ዚዓቢ ደቂቕ ዘርኢ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ ከምዚ ኢሉ እዩ፦ “እቲ ዘርኢ ኸኣ፡ ንሱ [እቲ ዘራኢ] ኸይፈለጠ ይበቍልን ይዓብን። እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፣ ቅድም ብቝሊ፡ ደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ እኽሊ።” (ማር. 4:27, 28) የሱስ እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧ ከምቲ ተኽሊ በብቝሩብ ዚዓቢ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበል ሰብ እውን ብመንፈሳዊ መዳይ በብቝሩብ ከም ዚዓቢ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ንኣብነት፡ እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ እናቐረብዎ ምስ ከዱ፡ እቲ ዚገብርዎ ጽቡቕ ለውጥታት ኪርኣየና ይጅምር እዩ። (ኤፌ. 4:22-24) ይኹን እምበር፡ ነቲ ደቂቕ ዘርኢ ዜብቍሎ የሆዋ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን።—1 ቈረ. 3:7

6-7. ካብቲ የሆዋ ንምድሪ ዝፈጠረሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧

6 የሆዋ ኣብ ኵሉ ተግባሩ፡ ዕዮኡ ንምዝዛም ዜድሊ ግዜ ብትዕግስቲ ይወስድ እዩ። ከምኡ ዚገብር ከኣ፡ ንኽብሪ ስሙን ንጥቕሚ ኻልኦትን ኢሉ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ምድሪ መንበሪት ደቂ ሰብ ክትከውን ኢሉ በብቝሩብ ዘዳለወሉ መገዲ እስከ ንርአ።

7 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንምድሪ ብኸመይ ከም ዝፈጠራ ኺገልጽ ከሎ፡ “ልክዓ” ኸም ዝወሰነ፡ “መቘሚኣ” ኸም ዘስጠመ፡ “እምኒ መኣዝና” ኸም ዝሰረተ ገሊጹ ኣሎ። (እዮ. 38:5, 6) ብዛዕባ ዕዮኡ እውን ግዜ ወሲዱ ሓሲቡ እዩ። (ዘፍ. 1:10, 12) ፍጥረት የሆዋ በብቝሩብ ቅርጹ ኺሕዝ ከሎስ፡ መላእኽቲ እንታይ ከም እተሰምዖም እሞ ሕስብ ኣብሎ፧ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም! እወ፡ “ብናእዳ ጨዲሮም” እዮም። (እዮ. 38:7) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ የሆዋ ፍጥረቱ ንምዝዛም ብዙሕ ኣሽሓት ዓመታት እዩ ወሲዱ፣ ንዅሉ እቲ ዝፈጠሮ ምስ ተመልከተ ግና፡ “ኣዝዩ ጽቡቕ” ኢሉ እዩ ገሊጽዎ።—ዘፍ. 1:31

8. ሕጂ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

8 ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣብነታት ከም ዝረኣናዮ፡ ትዕግስቲ ኸም ዜድልየና ዜጕልሕ ብዙሕ ስርዓታት ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሕጂ ኸኣ፡ ብትዕግስቲ ንየሆዋ ኽንጽበየሉ ዚግባእ ክልተ መዳያት ክንርኢ ኢና።

መዓስ ኢና ንየሆዋ ኽንጽበዮ ዘሎና፧

9. ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ ኽንጽበየሉ ዘሎና መዳያት እንታይ እዩ፧

9 መልሲ ጸሎትና ንምርካብ፡ ብትዕግስቲ ኽንጽበ የድልየና ይኸውን። ፈተና ንምጽዋር ዜድሊ ብርታዐ ወይ ድኽመትና ንምስናፍ ዜድሊ ሓገዝ ደሊና ኽንጽሊ ኸለና፡ ምላሽ ጸሎትና ኻብቲ ዝሓሰብናዮ ዝነውሐ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። እሞ ደኣ የሆዋ ንዅሉ ጸሎትና ብኡብኡ ዘይምልሶ ስለምንታይ እዩ፧

10. ምስ ጸሎትና ብእተተሓሓዘ ትዕግስቲ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

10 የሆዋ ንጸሎትና ጽን ኢሉ ይሰምዖ እዩ። (መዝ. 65:2) ነቲ ኻብ ልብና እነቕርበሉ ጸሎት፡ ከም መግለጺ እምነትና ገይሩ እዩ ዚርእዮ። (እብ. 11:6) ብዘይካዚ፡ ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ንምንባርን ፍቓዱ ንምግባርን ክሳዕ ክንደይ ቈራጽነት ከም ዘሎና ኺርኢ ይደሊ እዩ። (1 ዮሃ. 3:22) ስለዚ፡ ንሓደ ሕማቕ ልማድ ወይ ንሓደ ድኽመት ንምውጋድ ክንጽዕር ከለና፡ ትዕግስቲ ኽንገብርን ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ኽንዓይን የድልየና ይኸውን። ገሊኡ ጸሎትና ብኡብኡ ኸም ዘይምለስ፡ የሱስ ኣሚቱ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ከምዚ ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ፦ “ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ። ዚልምን ዘበለስ ይቕበል፡ ዚደሊ ዘበለ ይረክብ፡ ዚዅሕኵሕ ዘበለ እውን ይኽፈተሉ እዩ።” (ማቴ. 7:7, 8) ነዚ ምኽሪ እዚ እንተ ስዒብናን ‘ብጸሎት እንተ ጸኒዕናን፡’ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸም ዚሰምዓናን ከም ዚምልሰልናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ቈሎ. 4:2

ንየሆዋ እናተጸበና ብእምነት ናብኡ ንጽሊ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) *

11. መልሲ ጸሎትና ዝደንጐየ እንተ መሲሉና፡ እብራውያን 4:16 ብኸመይ ትሕግዘና፧

11 ንጸሎትና ዚውሃበና መልሲ ዝደንጐየ እኳ እንተ መሰለ፡ የሆዋ ንጸሎትና “ብግዜኡ” ኸም ዚምልሰልና ሓቢሩና እዩ። (እብራውያን 4:16 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ሓደ ነገር ከምቲ ዝሓሰብናዮ ቐልጢፉ እንተ ዘይኰይኑልና፡ ንየሆዋ ኽንነቕፎ የብልናን። ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ስርዓት እዚ መወዳእታ ኽትገብረሉ ንዓመታት ኪጽልዩ ጸኒሖም እዮም። የሱስ እኳ ብዛዕባ እዚ ኽንጽሊ ኸም ዚግባእ ሓቢሩና እዩ። (ማቴ. 6:10) ኰይኑ ግና፡ መወዳእታ ኣብቲ ሰባት ዚጽበይዎ ግዜ ብዘይምምጻኡ ኣብ ኣምላኽ ዘላትና እምነት ትደክም እንተ ዀይና፡ እዚ ዕሽነት ምዀነ! (ኣን. 2:3፣ ማቴ. 24:44) የግዳስ፡ ንየሆዋ ኽንጽበዮ፡ ብእምነት እውን ናብኡ ኽንጽሊ ኣሎና። የሆዋ መወዳእታ እትመጸላ ‘መዓልትን ሰዓትን’ ስለ ዝሓረየ፡ መወዳእታ ልክዕ ግዜኡ ሓልዩ ኺመጽእ እዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ንዅሉ ብልጽቲ ግዜ ኽትከውን እያ።—ማቴ. 24:36፣ 2 ጴጥ. 3:15

ካብ ዮሴፍ ብዛዕባ ትዕግስቲ እንታይ ንምሃር፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 12-14 ርአ)

12. ምናዳ ኣብ ምንታይ ኵነታት እዩ ትዕግስትና ኺፍተን ዚኽእል፧

12 ፍትሒ ኺሰፍን ንጽበ እንተ ኣሊና፡ ትዕግስቲ የድልየና ይኸውን። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሰባት ብዙሕ ግዜ ነቶም ካባታቶም እተፈልየ ጾታ፡ ዓሌት፡ ዘርኢ፡ ባህሊ፡ ወይ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ይገፍዕዎም እዮም። ገሊኦም ከኣ ብሰንኪ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ይግፍዑ እዮም። ብዙሓት ካብ ህዝቢ የሆዋ ድማ ብምኽንያት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ እምነቶም ይግፍዑ እዮም። በዚ ኸምዚ ኽንብደል ከለና፡ ነቲ የሱስ፡ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ክንዝክር ኣሎና። (ማቴ. 24:13) እንተዀነ ግና፡ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ከቢድ ኣበሳ ኸም ዝፈጸመ እንተ ፈሊጥካኸ፧ እቲ ጕዳይ ናብ ሽማግለታት ምስ በጽሐ፡ ብመገዲ የሆዋ ኺሕዝዎ ብትዕግስቲ እናተጸበኻ ኣብ ኢዶም ትሓድጎ ዲኻ፧ ከምዚ ዝበለ ጕዳይ እንታይ ኬጠቓልል ይኽእል፧

13. ንዚልዓል ጕዳያት ብመገዲ የሆዋ ምሓዝ እንታይ የጠቓልል፧

13 ሽማግለታት ኣብ ጉባኤ ኸቢድ ኣበሳ ኸም እተፈጸመ ምስ ፈለጡ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ዘለዎ ኣረኣእያ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ብጸሎት “ናይ ላዕሊ ጥበብ” የናድዩ እዮም። (ያእ. 3:17) ሸቶኦም ነቲ ብሓጢኣት ዚመላለስ ሰብ ‘ካብ ስሕተት መገዱ ምምላስ’ እዩ። (ያእ. 5:19, 20) ነታ ጉባኤ ንምዕቋብን ነቶም እተጐድኡ ንምጽንናዕን እውን ዚከኣሎም ዘበለ ዅሉ ኺገብሩ ይደልዩ እዮም። (2 ቈረ. 1:3, 4) ከቢድ ኣበሳ እተፈጸመሉ ጕዳይ ኪሕዙ ኸለዉ፡ ንዅሉ እቲ ሓቅታት ኪፈልጡ ኣለዎም፡ እዚ ድማ ግዜ ይወስድ ይኸውን። ድሕርዚ፡ ጸሎት ምስ ኣቕረቡ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቖም ምኽሪ ይህቡ፡ “ብልክዕ” እውን ይእርሙ እዮም። (ኤር. 30:11) ዘይደናጐዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ተሃዊኾም ግና ኣይፈርዱን እዮም። ነገራት ብግቡእ ኪትሓዝ ከሎ፡ ኣብታ ጉባኤ ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጸገማት በዚ ኣገባብ እዚ ኺትሓዝ ከሎ እኳ፡ ንጹህ ሰብ ኪጕዳእ ይኽእል እዩ። ንስኻ ኸምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ነቲ ስቓይካ ንምንካይ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

14. ሓደ ክርስትያን ኣመና እንተ ጐዲኡካ፡ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነት እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧

14 ሓደ ሰብ፡ ምናልባት እውን ሓደ ክርስትያን ብጻይካ ኸቢድ በደል በዲሉካዶ ይፈልጥ፧ የሆዋ ነቲ ነገር ክሳዕ ዜቕንዖ ብኸመይ ክትጽበ ኸም እትኽእል ዚምህር ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ጽቡቕ ኣብነታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ዮሴፍ ብኣሕዋቱ እኳ እንተ ተገፍዐ፡ በደሎም ኣየመረሮን። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እዩ ኣተኲሩ፣ ብትዕግስቲ ስለ እተጻወረ ኸኣ የሆዋ ብዙሕ ዓስቢ እዩ ሂብዎ። (ዘፍ. 39:21) ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ዮሴፍ ስግር እቲ ዘሕለፎ ሽግር ኪጥምት፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝባረኾ እውን ኪርኢ ኽኢሉ እዩ። (ዘፍ. 45:5) ንሕና እውን ከም ዮሴፍ፡ ንየሆዋ እንተ ቐሪብናዮን ንነገራት ኣብ ኢዱ እንተ ሓዲግናዮን፡ ንጸናናዕ ኢና።—መዝ. 7:17፣ 73:28

15. ሓንቲ ሓብቲ ንዘይፍትሓዊ ተግባር ዕሽሽ ክትብል ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧

15 ልክዕ እዩ፡ ኵሉ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ማዕረ እቲ ዮሴፍ ዘሕለፎ መከራ ኣይከውንን እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ዝዀነ ግፍዒ ንልብና ኼጕህዮ ይኽእል እዩ። ምስ ሰብ ጸገም ኬጋጥመና ኸሎ፡ ዋላ እውን ንየሆዋ ምስ ዘየምልኽ ሰብ ጸገም ኬጋጥመና ኸሎ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተግቢርና ንጥቀም ኢና። (ፊል. 2:3, 4) ሓደ ተመክሮ እስከ ንርአ። ሓንቲ ሓብቲ፡ መሳርሕታ ብዛዕባኣ ሓቅነት ዘይብሉ ኣሉታዊ ነገር ተውሪ ኸም ዘላ ምስ ፈለጠት፡ ብዙሕ ተጐድአት። ይኹን እምበር፡ ተሃዊኻ ምላሽ ኣብ ክንዲ እትህባ፡ ግዜ ወሲዳ ብዛዕባ የሱስ ኣስተንተነት። የሱስ ምስ ተጸርፈ፡ መሊሱ ኣይጸረፈን። (1 ጴጥ. 2:21, 23) ነዚ ኣብ ኣእምሮኣ ሒዛ ኸኣ፡ ነቲ ጕዳይ ክትሓድጎ ወሰነት። ኣብ ካልእ ግዜ፡ እታ መሳርሕታ ኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ጾይራ ኸም እትነብርን ብዙሕ ውጥረት ከም ዘለዋን ፈለጠት። በዚ ኸምዚ እታ ሓብቲ፡ እታ ሰበይቲ ነቲ ወረ ብፍላጥ ከም ዘየውረየቶ ደምደመት። ስለዚ፡ እታ ሓብቲ ነቲ በደል ብትዕግስቲ ብምጽዋራ ተሓጐሰት፡ ሰላም እውን ረኸበት።

16. ዘይፍትሓዊ ተግባር የጋጥመና እንተ ኣልዩ፡ እንታይ እዩ ኼጸናንዓና ዚኽእል፧ (1 ጴጥሮስ 3:12)

16 ዘይፍትሓዊ ተግባር ወይ ጐዳኢ ተግባር ትጻወር እንተ ኣሊኻ፡ የሆዋ “ነቶም ስቡር ዝልቦም” ከም ዚቐርቦም ዘክር። (መዝ. 34:18) ትዕግስቲ ስለ እትገብርን ጾርካ ናብኡ ስለ እትድርብን ይፈትወካ እዩ። (መዝ. 55:22) ንሱ ፈራድ ኵላ ምድሪ እዩ። ካብ ኣዒንቱ ዚሕባእ የሎን። (1 ጴጥሮስ 3:12 ኣንብብ።) እሞ ደኣ፡ ክትፈትሖ ዘይትኽእል ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ንዕኡ ኽትጽበዮስ ፍቓደኛ ዲኻ፧

እቶም ንየሆዋ ዚጽበይዎ ሰባት ዚረኽብዎ መወዳእታ ዘይብሉ በረኸት

17. ኣብ ኢሳይያስ 30:18 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂቡና ዘሎ፧

17 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ብመንግስቱ ኣቢሉ ኣብዚሑ ኺባርኸና እዩ። ኢሳይያስ 30:18 ኸምዚ ትብል፦ “የሆዋ ግና ሞገስ ኬርእየኩም ብትዕግስቲ ይጽበ ኣሎ፣ ኪምሕረኩም ድማ ኪትንስእ እዩ። የሆዋስ ኣምላኽ ፍትሒ እዩ። ኵሎም እቶም ዚጽበይዎ ሕጉሳት እዮም።” እቶም ንየሆዋ ብትዕግስቲ ዚጽበይዎ፡ ሕጅን ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለምን ብዙሕ በረኸት ኪረኽቡ እዮም።

18. እንታይ በረኸት እዩ ዚጽበየና ዘሎ፧

18 ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ሓዳስ ዓለም ምስ ኣተዉ፡ ጭንቀትን ጸገማትን ኪጻወሩ ኣይኬድልዮምን እዩ። ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኰነ ስቓይ ኣይኪህሉን እዩ። (ራእ. 21:4) ዜድልየና ዅሉ ኣኺሉ ስለ ዚተርፍ፡ ብጭንቀት ኣይክንጽበን ኢና። (መዝ. 72:16፣ ኢሳ. 54:13) ሽዑስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ ኪኸውን!

19. ሕጂ የሆዋ በብቝሩብ ንምንታይ እዩ ዜዳልወና ዘሎ፧

19 ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ሓደ ሕማቕ ልማድ ብዘሰነፍና መጠን፡ ሓደ ኣምላኻዊ ባህርይ ድማ ብዘማዕበልና መጠን፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዘሎ ህይወት እዩ ዜዳልወና ዘሎ። እምበኣር፡ ተስፋ ኣይንቝረጽ፡ ከቶ እውን ኣይንተሓለል! ጥዑም ግዜ ገና ይመጽእ እዩ ዘሎ! ኣብ ቅድሜና ብሩህ ተስፋ ስለ ዘሎ ኸኣ፡ የሆዋ ዕዮኡ ኽሳዕ ዚፍጽም ብፍታውን ብትዕግስትን ንጸበዮ!

መዝሙር 118 “እምነት ወስኸና”

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ሓቂ ነዊሕ ዝገበረ ኣገልጋሊ የሆዋ፡ ‘እዚ ስርዓት እዚ ኽሳዕ እዚ ዕድመይ ዚጸንሕ ኣይመሰለንን ነይሩ’ ኺብል ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ምናዳ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ፡ ኵላትና ነቲ የሆዋ መወዳእታ ዜምጽኣሉ ግዜ ተሃንጢና ኢና እንጽበ ዘለና። ኰይኑ ግና፡ ዕጉሳት ክንከውን ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክንጽበ ዜኽእለና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ኢና። ንየሆዋ ብትዕግስቲ ኽንጽበየሉ ዚግባእ ክልተ መዳያት እውን ክንምርምር ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ ነቶም ኪጽበዩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ተዓቚሩሎም ዘሎ በረኸት ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ1፦ ሓንቲ ሓብቲ ኻብ ቍልዕነት ኣትሒዛ ኣዘውቲራ ናብ የሆዋ ትጽሊ። ንእሽቶ ኸላ፡ ወለዳ ብኸመይ ከም እትጽሊ ምሂሮምዋ እዮም። መንእሰይ ምስ ኰነት፡ ፈላሚት ኰይና ተገልግል፡ የሆዋ ንኣገልግሎታ ኺባርኸላ ድማ ብዙሕ ሳዕ ትጽሊ። ድሕሪ ዓመታት፡ ሰብኣያ ብርቱዕ ሕማም ምስ ሓመመ፡ ነቲ ፈተና ኽትጻወር ዜድልያ ብርታዐ ንምርካብ ምህለላ ተቕርብ። ሎሚ መበለት ኰይና ኣብ እትነብሮ ህይወት ከኣ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኣ ኸምቲ ኣብ ምሉእ ህይወታ ዚገብሮ ዝነበረ ንጸሎታ ኸም ዚምልሰላ ተኣማሚና፡ ብጸሎት ትጸንዕ።