ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 36

ህዝቢ የሆዋ፡ ጽድቂ ይፈትዉ

ህዝቢ የሆዋ፡ ጽድቂ ይፈትዉ

“ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን . . . ሕጉሳት እዮም።”—ማቴ. 5:6

መዝሙር 9 የሆዋ እዩ ንጉስና!

መላለዪ a

1. ንዮሴፍ እንታይ ፈተና እዩ ኣጋጢምዎ፧ ንሱኸ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡ፧

 ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ከቢድ ፈተና ኣጋጠሞ። ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ። ንሳ ሰበይቲ እቲ ጶጢፋር ዚብሃል ጐይታኡ እያ ነይራ። ዮሴፍ ነቲ ሕቶኣ ኣይተቐበሎን። ገሊኡ፡ ‘ስለምንታይ እዩ ዮሴፍ ነዚ ፈተና እዚ ተጻሪርዎ፧’ ኢሉ ይሓትት ይኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ ጶጢፋር ኣይነበረን። ብዘይካዚ፡ ዮሴፍ ኣብቲ ቤት እቲ ባርያ እዩ ነይሩ፣ እታ ሰበይቲ ድማ ከምቲ ዝበለቶ እንተ ዘይገይሩ፡ ንህይወቱ ኣብ ከቢድ ጭንቂ ኸተእትዋ ትኽእል ነይራ እያ። ኰይኑ ግና፡ ደጋጊማ እኳ እንተ ሓተተቶ፡ ኪሰምዓ ፍቓደኛ ኣይነበረን። ስለምንታይ፧ “ከመይ ገይረ ደኣ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ኢሉ እዩ መሊሱላ።—ዘፍ. 39:7-12

2. ዮሴፍ ዝሙት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣት ምዃኑ ብኸመይ ፈሊጡ፧

2 ኣምላኽ ንዝሙት ከም “ዓብዪ ኽፍኣት” ገይሩ ኸም ዚርእዮ ዮሴፍ ብኸመይ ፈሊጡ፧ እቲ “ኣይትዘሙ” ንዚብል ትእዛዝ ዜጠቓልል ሕጊ ሙሴ፡ ድሕሪኡ ድሕሪ ኽልተ ሚእቲ ዓመት እዩ ተጻሒፉ። (ዘጸ. 20:14) ይኹን እምበር፡ ዮሴፍ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ ዝሙት ከመይ ከም ዚስምዖ ኼስተውዕል ይኽእል ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንመውስቦ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ከም ዝገበረ፡ ብርግጽ ክፈልጥ ይኽእል ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ፡ እታ ኣደ ኣቦሓጎኡ ዝዀነት ሳራ ኽትዕመጽ እትኽእለሉ ሓደገኛ ዅነታት ምስ ተፈጥረ፡ የሆዋ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ጣልቃ ብምእታው ከም ዘዕቈባ ሰሚዑ ኪኸውን ኣለዎ። ብተመሳሳሊ እውን፡ ኣምላኽ ንርብቃ ሰበይቲ ይስሃቅ ንምዕቋብ ጣልቃ ኣትዩ እዩ። (ዘፍ. 2:24፣ 12:14-20፣ 20:2-7፣ 26:6-11) ዮሴፍ ብዛዕባ እዚ ጉዳያት እዚ ኺሓስብ ከሎ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ቅኑዕን ጌጋን ኬስተውዕል ይኽእል ነይሩ እዩ። ዮሴፍ ንኣምላኹ የፍቅሮ ብምንባሩ፡ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓታት ጽድቂ እውን ይፈትዎ ነይሩ እዩ፣ ንምሕላዉ እውን ቈሪጹ እዩ ነይሩ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ጽድቂ ትፈቱዶ፧ ከም እትፈቱ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ኵላትና ግና ዘይፍጹማት ኢና፣ እንተ ዘይተጠንቂቕና ኸኣ እቲ ዓለም ብዛዕባ ጽድቂ ዘለዋ ኣረኣእያ ብቐሊሉ ኺጸልወና ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 5:20፣ ሮሜ 12:2) ሕጂ እምበኣር፡ ጽድቂ እንታይ ምዃኑን ጽድቂ ብምፍታው ብኸመይ ከም እንጥቀምን ክንምርምር ኢና። ድሕሪኡ፡ ንመለክዒታት ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንፈትዎ ዚሕግዝ ሰለስተ ስጕምትታት ክንምርምር ኢና።

ጽድቂ እንታይ እዩ፧

4. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ጽድቂ እንታይ ግጉይ ሓሳባት እዩ ዘለዎም፧

4 ብዙሓት ሰባት ንሓደ ብርእሱ ዚምካሕ፡ ንኻልኦት ዚፈርድ፡ ወይ ተመጻዳቒ ሰብ እዮም ጻድቕ ኢሎም ዚሓስብዎ። ኣምላኽ ግና ነዚ ባህርያት እዚ ፈጺሙ ኣይፈትዎን እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ናይ ርእሶም መለክዒታት ጽድቂ ብምግባሮም ኣትሪሩ ነቒፍዎም እዩ። (መክ. 7:16፣ ሉቃ. 16:15) ናይ ሓቂ ጽድቂ ምስ ምምጽዳቕ ፈጺሙ ኣይተሓሓዝን እዩ።

5. ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ጽድቂ እንታይ እዩ፧ ኣብነታት ሃብ።

5 ጽድቂ ጽቡቕ ባህርይ እዩ። እታ ጽድቂ እትብል ቃል ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽ ቅኑዕ ምግባር ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ጽድቂ” እትብል ቃል በቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ መለክዒታት፡ ማለት ብመለክዒታት የሆዋ ምምልላስ ዚብል ሓሳብ ተመሓላልፍ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንነጋዶ ‘ቕኑዕ መምዘኒ’ ኺጥቀሙ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 25:15) እታ “ቕኑዕ” ተባሂላ እተተርጐመት በዅሪ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ጻድቕ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ስለዚ፡ ሓደ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ጻድቕ ኪኸውን ዚደሊ ክርስትያን ኣብ ኵሉ ስራሓቱ ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ እዩ ዚኸውን። ጻድቕ ሰብ ፍትሒ ይፈቱ እዩ። ሰብ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ኺትሓዝ ኪርኢ ኣይደልን እዩ። ብሓቂ ጻድቕ ዝዀነ ሰብ ‘ንየሆዋ ብዅሉ ኼሐጕሶ’ ኢሉ ውሳነታቱ ብዓይኒ ኣምላኹ ብኸመይ ከም ዚርአ ይሓስብ እዩ።—ቈሎ. 1:10

6. በቲ የሆዋ ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ዚጥቀመሉ መለክዒታት ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ኢሳይያስ 55:8, 9)

6 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ምንጪ ጽድቂ ምዃኑ እዩ ዚገልጸልና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ “መንበሪ ጽድቂ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ኤር. 50:7) የሆዋ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ፡ ንሱ በይኑ ጥራይ እዩ መለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ኪሰርዕ ዚኽእል። ፍጹም ስለ ዝዀነ ኸኣ ቅኑዕን ጌጋን ካባና ኣጸቢቑ ብዝበለጸ መገዲ ኺፈሊ ይኽእል እዩ። ንሕና ግና መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይፍጽምናን ብሓጢኣትን ንጽሎ ኢና። (ምሳ. 14:12፣ ኢሳ. 55:8, 9 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና፡ በቲ ንሱ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ኽንመላለስ ንኽእል ኢና። (ዘፍ. 1:27) ከምኡ ምግባር እውን ንፈቱ ኢና። ንኣቦና ዘላትና ፍቕሪ፡ ብእተኻእለና መጠን ንዕኡ ኽንመስሎ ትድርኸና እያ።—ኤፌ. 5:1

7. ስለምንታይ እዩ ዜተኣማምን መለክዒታት ዜድልየና፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

7 ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘለዎ መለክዒታት እንተ ሓሊና ንጥቀም ኢና። እዚ ስለምንታይ ምዃኑስ ይረኣየካዶ ኣሎ፧ ኵሉ ባንክ ዋጋ ባጤራ ዚትምነሉ ነናቱ መለክዒታት እንተ ዚህልዎ፡ ወይ ኵሉ ትካል ህንጸት ነናቱ መለክዒታት ንውሓት እንተ ዚህልዎ ኺፍጠር ዚኽእል ነገር እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ፧ ብዙሕ ሕንፍሽፍሽ ምዀነ ነይሩ። ሰብ ሞያ ሕክምና እውን ስሩዕ መለክዒታት እንተ ዘይህልዎም ነይሩ፡ ገሊኦም ተሓከምቲ ምሞቱ ነይሮም። እምበኣር፡ ዜተኣማምን መለክዒታት ዕቝባ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ ኣምላኽ ዝሰርዖ መለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ድማ ዕቝባ ኪዀነና ይኽእል እዩ።

8. ነቶም ቅኑዕ ምግባር ዚፈትዉ ዘበሉ እንታይ በረኸት ይጽበዮም ኣሎ፧

8 የሆዋ ነቶም ብመለክዒታቱ ኺመላለሱ ዚደልዩ ይባርኾም እዩ። “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ ኣተስፍዩ ኣሎ። (መዝ. 37:29) ኵሉ ሰብ ንመለክዒታት የሆዋ ኣብ ዚስዕበሉ እዋን፡ ኣብ ደቂ ሰብ ዚሰፍን ሓድነትን ሰላምን ሓጐስን እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። የሆዋ ኸምኡ ዓይነት ህይወት ኪህልወካ እዩ ዚደሊ። እምበኣር ነፍሲ ወከፍና ጽድቂ እንፈትወሉ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። እሞ ደኣ ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ባህርይ እዚ ብዝያዳ ኽንፈትዎ እንኽእል፧ ክንወስዶ እንኽእል ሰለስተ ስጕምትታት እስከ ንርአ።

ንመለክዒታት የሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ኣደልድል

9. ጽድቂ ንምፍታው ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

9 1ይ ስጕምቲ፦ ነቲ ነዚ መለክዒታት እዚ ዝሰርዖ ኣምላኽ ኣፍቅሮ። ጽድቂ ምእንቲ ኽንፈቱ፡ ነቲ ንመለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ዝሰርዓልና ኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኽትዓቢ ኣለዋ። ንየሆዋ ብዝያዳ ብዘፍቀርናዮ መጠን፡ በቲ ንሱ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ንምምልላስ ዝያዳ ድሌት እዩ ዚሓድረና። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ እንተ ዜፍቅርዎ ነይሮም፡ ነቲ ፍትሓዊ ሕጉ ፈጺሞም ኣይምጠሓሱን።—ዘፍ. 3:1-6, 16-19

10. ኣብርሃም ብዛዕባ የሆዋ ዝነበሮ ርድኢት ዘስፍሐ ብኸመይ እዩ፧

10 ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ ጌጋ መሸም ክንደግሞ ኣይንደልን ኢና። ብቐጻሊ ብዛዕባ የሆዋ ንምሃር እንተ ዄንና፡ ንባህርያቱ ነማስወሉ እንተ ዄንና፡ ንኣተሓሳስባኡ እውን ክንርዳእ ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ነቲ ጌጋኦም ካብ ምድጋም ክንስተር ንኽእል ኢና። ከምኡ ኽንገብር ከለና ድማ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ብርግጽ ክትዓቢ እያ። ኣብዚ መዳይ እዚ ብዛዕባ ኣብርሃም እስከ ንርአ። ንሱ ንየሆዋ ብሓቂ የፍቅሮ ነይሩ እዩ። ኣብርሃም ንውሳነታት የሆዋ ምርዳእ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እኳ ኣይዓለወን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኺፈልጦ ጸዓረ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንሶዶምን ንጎሞራን ኬጥፍአን ከም ዝወሰነ ምስ ፈለጠ፡ ኣብ ፈለማ “እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ” ንጻድቕ ምስቲ እኩይ ከይኵስትሮ ኢሉ ፈሪሁ ነይሩ እዩ። ብዓይኒ ኣብርሃም እዚ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ብትሕትና ንየሆዋ ተኸታታሊ ሕቶታት ሓተቶ። የሆዋ ድማ ብትዕግስቲ መለሰሉ። ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ንልቢ ዅሉ ሰብ ከም ዚምርምር፡ ንንጹህ ድማ ምስ ገበነኛ ለኪሙ ኸም ዘይቀጽዕ ኣብርሃም ፈለጠ።—ዘፍ. 18:20-32

11. ኣብርሃም ንየሆዋ ኸም ዜፍቅሮን ከም ዚኣምኖን ብኸመይ ኣርእዩ፧

11 ኣብርሃም በቲ ምስ የሆዋ ብዛዕባ ኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ዝገበሮ ዝርርብ ውሽጡ እዩ ተተንክዩ። ንኣቦኡ ኸኣ ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ፍቕርን ኣኽብሮትን ኣሕዲሩ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ኣብርሃም ነቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ዚፍትን ከቢድ ፈተና ኣጋጠሞ። የሆዋ ንኣብርሃም ነቲ ሓደ ፍቑር ወዱ ዚዀነ ይስሃቅ ኪስውኦ ሓተቶ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና ኣብርሃም ንኣምላኹ ብዝያዳ ፈሊጥዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ ንዕኡ ዚኸውን ሕቶታት ኣይነበሮን። ትኽ ኢሉ ኸምቲ የሆዋ ዝሓተቶ ጥራይ እዩ ገይሩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ እተሓተቶ ንምግባር ኪዳሎ ኸሎ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሳቐየ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣብርሃም ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዚፈልጦ ነገራት ብዕምቈት ሓሲቡሉ ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ዝዀነ ይኹን ዘይጽድቃዊ ወይ ዘይፍቕራዊ ነገር ከም ዘይገብር ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ የሆዋ ነቲ ፍቑር ወዱ ይስሃቅ ካብ ምዉታት ከም ዜተንስኦ ሓሲቡ ነይሩ እዩ። (እብ. 11:17-19) ስለምንታይሲ፡ ይስሃቅ ኣቦ ህዝቢ ኸም ዚኸውን የሆዋ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ይስሃቅ ገና ኣይወለደን ነይሩ። ኣብርሃም ንየሆዋ ፍቕሪ ነይርዎ እዩ። ኵሉ ተግባር ኣቦኡ ጽድቂ ምዃኑ እውን ይኣምን ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ነገር ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ፡ ብእምነት እዩ ተኣዚዙ።—ዘፍ. 22:1-12

12. ከመይ ጌርና ኢና ንኣብርሃም ክንመስሎ እንኽእል፧ (መዝሙር 73:28)

12 ከመይ ጌርና ኢና ንኣብርሃም ክንመስሎ እንኽእል፧ ልክዕ ከምኡ ብዛዕባ የሆዋ ብቐጻሊ ኽንምሃር ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ብዝያዳ እውን ከነፍቅሮ ኢና። (መዝሙር 73:28 ኣንብብ።) ሕልናና ኸኣ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ንምንጽብራቕ ኪስልጥን እዩ። (እብ. 5:14) ሽዑ ሓደ ሰብ ጌጋ ኽንገብር እንተ ፈቲኑና፡ ክንኣብዮ ኢና። ንኣቦና ኼጕህዮን ምስኡ ዘሎና ርክብ ኬበላሹን ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር ዚብል ሓሳብ እኳ ኺጽልኣና እዩ። ጽድቂ ኸም እንፈቱ ኸነርኢ እንኽእለሉ ኻልእ መገዲኸ እንታይ እዩ፧

13. ከመይ ጌርና ኢና ጽድቂ ኽንስዕብ እንኽእል፧ (ምሳሌ 15:9)

13 2ይ ስጕምቲ፦ መዓልቲ መዓልቲ ንጽድቂ ዘሎካ ፍቕሪ ኣማዕብል። ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ዘሎና ፍቕሪ፡ ምስቲ ጭዋዳታትና ንምድልዳል እንጥቀመሉ ሜላ ብዚመሳሰል መገዲ ኢና እነማዕብሎ። ብስሩዕ ቀጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና፣ እዚ መዓልቲ መዓልቲ ኽትገብሮ እትኽእል ዕዮ እዩ። የሆዋ ሚዛናዊ እዩ፡ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር እውን ከቶ ኣይጽበየናን እዩ። (መዝ. 103:14) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ጽድቂ ንዚስዕብ . . . የፍቅሮ” ኢሉ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (ምሳሌ 15:9 ኣንብብ።) ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ሓደ ሸቶ ኽንበጽሕ እንተ ደሊና፡ ጻዕሪ ንገብር ኢና። ጽድቂ ኽንስዕብ ከለና እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። የሆዋ ድማ በብግዜኡ ዕቤት ምእንቲ ኽንገብርን ምእንቲ ኽንመሓየሽን ብትዕግስቲ ይሕግዘና እዩ።—መዝ. 84:5, 7

14. “ድርዒ ጽድቂ” እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ እዩ ዜድልየና፧

14 የሆዋ ኻብ ፍቕሪ ተላዒሉ፡ ጽድቂ ጾር ከም ዘይኰነ የዘኻኽረና እዩ። (1 ዮሃ. 5:3) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ብጽድቂ ምምልላስ ዕቝባ እዩ ዚዀነና። እዚ እውን መዓልታዊ የድልየና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ክንለብሶ ኸም ዚግባእ ዝገለጾ መንፈሳዊ ኣጽዋር እሞ ዘክሮ። (ኤፌ. 6:14-18) ኣየናይ ክፋል እዩ ንልቢ ወተሃደር ዜዕቍብ፧ እቲ “ድርዒ ጽድቂ” እዩ ንልቢ ዜዕቍብ፣ እዚ ድማ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ የመልክት። ከምቲ ድርዒ ቓል ብቓሉ ንልቢ ዜዕቍቦ፡ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓታት ጽድቂ ድማ ንምሳልያዊ ልብና ማለት ንውሽጣዊ እንታይነትና ኼዕቍቦ ይኽእል እዩ። እምበኣር ካብቲ እትለብሶ ኣጽዋር፡ ድርዒ ጽድቂ ኸም ዘይጐደለ ኣረጋግጽ።—ምሳ. 4:23

15. ከመይ ጌርካ ኢኻ ድርዒ ጽድቂ ኽትለብስ እትኽእል፧

15 ከመይ ጌርካ ኢኻ ድርዒ ጽድቂ ኽትለብስ እትኽእል፧ ኣብ መዓልታዊ ውሳነታትካ መለክዒታት ኣምላኽ ኣብ ግምት ብምእታው ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል። ብዛዕባ እንታይ ከም እትዛረብ፡ እንታይ ሙዚቃ ኸም እትሰምዕ፡ እንታይ መዘናግዒ ኸም እትርኢ፡ ወይ እንታይ መጻሕፍቲ ኸም እተንብብ ቅድሚ ምውሳንካ፡ ‘ንልበይ እንታይ እየ ኽምግቦ፧ የሆዋስ ነዚ ይሰምሮ ድዩ፧ እዚ ነገር እዚኸ ምንዝርና፡ ዓመጻ፡ ስስዐ፡ ፍትወት ርእሲ፡ ኰታስ የሆዋ ኸም ሓጢኣት ገይሩ ዚርእዮም ነገራት የተባብዕ ድዩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። (ፊል. 4:8) እቲ እትገብሮ ውሳነታት ምስ ፍቓድ የሆዋ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ንልብኻ ኼዕቍቦ ትፈቅድ ኣለኻ ማለት እዩ።

ጽድቅኻ “ኸም ማዕበላት ባሕሪ” ኪኸውን ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 16-17 ርአ)

16-17. ኢሳይያስ 48:18 ንዘለኣለም ብመለክዒታት የሆዋ ኽንመላለስ ከም እንኽእል እተረጋግጸልና ብኸመይ እያ፧

16 ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ፡ ካብ ዓመት ንዓመት የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ እናሓሎኻ ኽትመላለስ ትኽእል እንተ ዄንካስ ኣተሓሳሲቡካዶ ይፈልጥ፧ ኣብ ኢሳይያስ 48:18 ዚርከብ የሆዋ እተጠቕመሉ ምሳሌ እሞ ርአ። (ኣንብብ።) ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ ‘ጽድቅና ኸም ማዕበላት ባሕሪ’ ኪኸውን ከም ዚኽእል ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ገምገም ሓደ ሰፊሕ ባሕሪ ደው ኢልካ መወዳእታ ዘይብሉ ማዕበላት እናወሓዘ ኺመጽእ ከም እትዕዘብ ዘለኻ ጌርካ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ኣብቲ ሰላም ዝሰፈኖ ሃዋህውሲ፡ ‘ሓደ መዓልቲ እዚ ማዕበላት የቋርጽ ይኸውን’ ኢልካዶ ምተጨነቕካ፧ ኣይምተጨነቕካን! ማዕበላት ንኣሽሓት ዓመታት ነቲ ገማግም ከም ዝጸፍዖ፡ ኣብ መጻኢ እውን ብርግጽ ከም ዚቕጽል ትፈልጥ ኢኻ።

17 ጽድቅኻ ከም ማዕበላት ባሕሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ፡ የሆዋ እንታይ ክትገብር ከም ዚደልየካ ሕሰብ። ድሕሪኡ ኸምኡ ግበር። እቲ ውሳነ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ጸኒዕካ ምእንቲ ኽትመላለስን መዓልቲ መዓልቲ በቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ምእንቲ ኽትነብርን፡ እቲ ፈቃር ኣቦኻ ወትሩ ኺሕግዘካ እዩ።—ኢሳ. 40:29-31

18. ንኻልኦት ብናትና መለክዒ ኻብ ምፍራድ ክንቍጠብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 3ይ ስጕምቲ፦ ፍርዲ ንየሆዋ ሕደጎ። በቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ንምምላስ ንጽዕር እኳ እንተ ዀንና፡ ካብ ምምጽዳቕን ንኻልኦት ካብ ምፍራድን ግና ክንቍጠብ ኣሎና። ንኻልኦት ብናትና መለክዒታት ክንፈርድ መሰል ከም ዘሎና ጌርና ብንዕቀት ኣይንርእዮምን ኢና። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” ምዃኑ ንዝክር ኢና። (ዘፍ. 18:25) የሆዋ ነዚ ናይ ምፍራድ መሰል እዚ ኣይሃበናን። መሕልፎ እኳ ደኣስ የሱስ፡ “ከይፍረደኩም፡ ደጊም ኣይትፍረዱ” ኢሉ እዩ ኣዚዙና።—ማቴ. 7:1 b

19. ዮሴፍ ኣብ ፍርዲ የሆዋ እምነት ከም ዘለዎ ብኸመይ ኣርእዩ፧

19 እቲ ጻድቕ ዝነበረ ዮሴፍ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ መሊስና ንርአ። ኣደዳ ግፍዒ እኳ እንተ ዀነ፡ ንኻልኦት ካብ ምፍራድ ተቘጢቡ እዩ። ኣሕዋቱ ገፊዖምዎ፡ ንባርነት ሸይጦምዎ፡ ንኣቦኦም እውን ዮሴፍ ሙማቱ ኣእሚኖምዎ እዮም። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ግና፡ ዮሴፍ ምስ ቤተ ሰቡ ተራኸበ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓያል ገዛኢ ዀይኑ ብምንባሩ ንኣሕዋቱ ኸቢድ ፍርዲ ኺፈርዶም፡ ሕነኡ እውን ኪፈዲ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣሕዋት ዮሴፍ እውን፡ ዋላ እኳ በቲ ዝገበርዎ ኻብ ልቦም ተጣዒሶም እንተ ነበሩ፡ ንሱ ኸምኡ ኸይገብር እዮም ፈሪሆም ዝነበሩ። ዮሴፍ ግና፡ “ኣይትፍርሁ። ኣነዶ ኣብ ቦታ ኣምላኽ እየ፧” ኢሉ ኣረጋገጸሎም። (ዘፍ. 37:18-20, 27, 28, 31-35፣ 50:15-21) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ዮሴፍ ብትሕትና ፍርዲ ንየሆዋ ሓደጎ።

20-21. ከመይ ጌርና ኢና ኻብ ምምጽዳቕ ክንቍጠብ እንኽእል፧

20 ከም ዮሴፍ ፍርዲ ንየሆዋ ንሓድጎ ኢና። ንኣብነት፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓደ ነገር ዝገበሩሉ ውሽጣዊ ድራኸ ኸም እንፈልጥ ጌርና ኣይንሓስብን ኢና። ስለምንታይሲ ልቢ ኸነንብብ ኣይንኽእልን ኢና፣ የሆዋ ጥራይ እዩ “ውሽጣዊ ድራኸታት” ዚምርምር። (ምሳ. 16:2) ንሱ ንዅሎም ዓይነት ሰባት፡ ማለት ካብ ኵሉ ድሕረ ባይታን ባህልን ንዝመጹ ሰባት የፍቅር እዩ። ብዘይካዚ ድማ የሆዋ፡ “ልብኹም ጋህ ኣብሉ” ኢሉ የተባብዓና እዩ። (2 ቈረ. 6:13) ስለዚ፡ ንዅሎም መንፈሳውያን ስድራ ቤትና ኸነፍቅሮም ደኣ ኢና እንደሊ እምበር፡ ክንፈርዶም ኣይንደልን ኢና።

21 ከምዚ ኺብሃል ከሎ ድማ፡ ነቶም ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ እውን ክንፈርዶም የብልናን ማለት እዩ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ንእምነትካ ንዘይተቐበሎ ቤተ ሰብካ፡ “እዚ ሰብ እዚ ፈጺሙ ናብ ሓቂ ኣይመጽእን እዩ፧” ኢልካ ምፍራድሲ ግቡእ ድዩ፧ ኣይፋልን። ከምኡ ምግባር፡ ዘየድሊ ድፍረትን ምምጽዳቕን እዩ ዚኸውን። የሆዋ “ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት” ኪንስሑ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ። (ግብ. 17:30) ምምጽዳቕ ሓደ ዓይነት ሓጢኣት ምዃኑ ፈጺምካ ኣይትረስዕ።

22. ስለምንታይ ኢኻ ጽድቂ ኽትፈቱ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

22 እቲ የሆዋ ንዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ዘሎና ፍቕሪ ንዅላትና ሓጐስ ኬምጽእ፡ ንኻልኦት እውን ምሳናን ምስ ኣምላኽናን ንምቅርራብ ዜለዓዕል ኪኸውን እዩ ትምኒትና። እምበኣር፡ ወትሩ “ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን” ኴንና ንንበር። (ማቴ. 5:6) የሆዋ ንጻዕርታትካ የስተብህለሉ፡ ብዕቤትካ እውን ወትሩ ባህ ይብሎ እዩ። እዛ ዓለም እዚኣ ናብ ሓጢኣት እናጠሓለት እኳ እንተ ኸደት፡ ኣጆኻ፡ የሆዋ ‘ንጻድቃን ከም ዜፍቅሮም’ ከቶ ኣይትረስዕ።—መዝ. 146:8

መዝሙር 139 ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ

a ኣብዛ እክይቲ ዓለም ጻድቃን ብቐሊሉ ኣይርከቡን እዮም። ኰይኑ ግና፡ ሎሚ ሚልዮናት ሰባት መገዲ ጽድቂ ይስዕቡ ኣለዉ። ንስኻ መሸም ሓደ ኻባታቶም ክትከውን ኣሎካ። ንየሆዋ ስለ እተፍቅሮ ኢኻ በቲ መገዲ እቲ እትስዕብ ዘለኻ። የሆዋ ድማ ጽድቂ ይፈቱ እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ጽቡቕ ባህርይ ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ከነዕቢ ንኽእል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ጽድቂ እንታይ ምዃኑን ጽድቂ ብምፍታው ብኸመይ ከም እንጥቀምን ክንርኢ ኢና። ነዚ ጽቡቕ ባህርይ እዚ ብዝያዳ ንምፍታው እውን እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ከም ዘሎና ኽንመያየጥ ኢና።

b ሓድሓደ ግዜ፡ ሽማግለታት ጉባኤ ምስ ከቢድ ሓጢኣትን ንስሓን እተተሓሓዘ ጉዳያት ኪፈርዱ ኣለዎም። (1 ቈረ. 5:11፣ 6:5፣ ያእ. 5:14, 15) እንተዀነ ግና፡ ልቢ ኼንብቡ ኸም ዘይክእሉን ንየሆዋ ኢሎም ከም ዚፈርዱን ብትሕትና ይዝክሩ እዮም። (ምስ 2 ዜና መዋእል 19:6 ኣረኣኢ።) ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ሚዛናውን ፍትሓውን መለክዒታት ተጠንቂቖም ክጥቀሙሉ ይጽዕሩ እዮም።