ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 32

ኣቱም መንእሰያት፡ ድሕሪ ጥምቀት ቀጻሊ ዕቤት ግበሩ

ኣቱም መንእሰያት፡ ድሕሪ ጥምቀት ቀጻሊ ዕቤት ግበሩ

“ብዅሉ . . . ብፍቕሪ ንዕበ።”—ኤፌ. 4:15

መዝሙር 56 ንሓቂ ኣጥርያ

መላለዪ a

1. ብዙሓት መንእሰያት ክሳዕ ሕጂ እንታይ ሰናይ ነገራት እዮም ዓሚሞም ዘለዉ፧

 ኣብ ዓዓመት፡ ኣሽሓት መንእሰያት ክርስትያናት ይጥመቑ እዮም። ንስኻኸ ነዚ ስጕምቲ እዚ ዝወሰድካ ዲኻ፧ እንተ ዄንካ፡ መንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ብኣኻ ሕጉሳት እዮም፣ የሆዋ እውን ብኣኻ ሕጉስ እዩ! (ምሳ. 27:11) ክሳዕ ሕጂ እንታይ ነገራት ዓሚምካ ኸም ዘለኻ እሞ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ኣጽኒዕካ ኢኻ፣ ምናልባት እውን ንዓመታት ኣጽኒዕካ ትኸውን። እቲ ዝገበርካዮ መጽናዕቲ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ኣእሚኑካ እዩ። ልዕሊ እዚ ግና፡ ነቲ ደራሲ እቲ ቕዱስ መጽሓፍ ክትፈልጦን ከተፍቅሮን ክኢልካ ኣለኻ። ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ እናወሰኸት ብምኻዳ ድማ፡ ሓደ ኻብቶም ርእሶም ወፍዮም እተጠምቁ ኣገልገልቱ ኽትከውን ወሲንካ ኢኻ። እዚ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ!

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

 2 መሸም ናብ ጥምቀት ክትግስግስ ከለኻ፡ እምነትካ ብብዙሕ መገድታት ተፈቲና ኽትከውን ኣለዋ። ብዕድመ እናዓበኻ ምስ ከድካ ኸኣ፡ ሓድሽ ፈተናታት ኬጋጥመካ እዩ። ሰይጣን ነታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኼዳኽማ፡ ካብቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት ድማ ኬርሕቐካ ይጽዕር እዩ። (ኤፌ. 4:14) ከምኡ ኺገብር ግና ኣይትፍቀደሉ። እሞ ደኣ ንየሆዋ እሙን ኴንካ ንምምልላስን ርእስኻ ኽትውፊ ኸለኻ ዝኣቶኻዮ መብጽዓ ንምፍጻምን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ቀጻሊ ዕቤት ክትገብር ኣሎካ፣ ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ‘ክትግስግስ’ ኣሎካ። (እብ. 6:1) ግናኸ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኸምኡ እትገብር፧

ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ብኸመይ ዕቤት ክትገብር ትኽእል፧

3. ኵሎም ክርስትያናት ድሕሪ ጥምቀት እንታይ ዕቤት እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧

3 ድሕሪ ጥምቀት፡ ኵላትና ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቱ ዝሃቦም ምኽሪ ኽንስዕቦ ኣሎና። ንሱ ‘እኹላት’ ክርስትያናት ኪዀኑ እዩ ኣተባቢዕዎም። (ኤፌ. 4:13) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ቀጻሊ ዕቤት ግበሩ’ እዩ ዚብሎም ነይሩ። ጳውሎስ ንመንፈሳዊ ዕቤት ምስቲ ቘልዓ ዚገብሮ ኣካላዊ ዕቤት ዘመሳሰለሉ ምኽንያት ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ወለዲ በቲ ሓድሽ ዚውለድ ዕሸል ውላዶም ደስ ይብሎምን ይሕበኑን እዮም። እንተዀነ ግና፡ ንሓዋሩ ዕሸል ኰይኑ ኺነብር የብሉን። እናሓደረ ነቲ “ነገር ቈልዓ” ኺሓድጎ ኣለዎ። (1 ቈረ. 13:11) ዕቤት ክርስትያናት እውን ምስዚ ይመሳሰል እዩ። ድሕሪ ጥምቀት፡ ቀጻሊ ዕቤት ክንገብር ኣሎና። እምበኣር፡ ከምኡ ንምግባር ዚሕግዘና ገለ ሓሳባት እስከ ንርአ።

4. እንታይ ባህርይ እያ መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ክትሕግዘካ እትኽእል፧ ግለጽ። (ፊልጲ 1:9)

4 ነታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኣዕብያ። መሸም ንየሆዋ ኣዚኻ ተፍቅሮ ኢኻ። እታ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ግና፡ ዕምቈት ክትውስኽ ትኽእል እያ። ብኸመይ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ 1:9 ሓደ መገዲ ሓቢሩ ኣሎ። (ኣንብብ።) ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ ጳውሎስ፡ ፍቕሪ ሰብ ፊልጲ “እናበዝሐ ኪኸይድ” እዩ ጸልዩ። ስለዚ፡ ፍቕርና ኸነዕቢ ንኽእል ኢና። ከምኡ ንምግባር፡ “ልክዕ ፍልጠትን . . . ምሉእ ምስትውዓልን” ከነጥሪ ኣሎና። ንየሆዋ ብዝያዳ እናፈለጥናዮ ብዝኸድና መጠን፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ትዓዝዝ እያ፣ ንባህርያቱን ንግብርታቱን እውን ብዝያዳ ነማስወሉ ኢና። ንዕኡ ባህ ንምባል ዘሎና ባህጊ እናሓየለ ይኸይድ እዩ፣ ዋላ ሓንቲ ዜጕህዮ ነገር ክንገብር እውን ኣይንደልን ኢና። ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ ንምስትውዓልን ምስ ፍቓዱ ብኸመይ ከም እንሰማማዕ ንምፍላጥን ንጽዕር ኢና።

5-6. ነታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነዕብያ ንኽእል፧ ግለጽ።

5 ነታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንምዕባይ ንወዱ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ኣሎና፣ ንሱ ፍጹም ነጸብራቕ ኣቦኡ እዩ። (እብ. 1:3) ንየሱስ ክንፈልጠሉ እንኽእል ብሉጽ መገዲ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ኣርባዕተ ወንጌላት ተመዝጊቡ ዘሎ ዛንታታት ብምጽናዕ እዩ። እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ናይ ምንባብ ጽቡቕ ልማድ እንተ ዘይብልካ፡ ስለምንታይ ሕጂ ዘይትጅምር፧ ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዚትርኽ ዛንታታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ምናዳ ንባህርያቱ ኣስተብህለሉ። ተቐራቢ እዩ ነይሩ፣ ንቘልዑ ብፍቕሪ ይሓቝፎም ነይሩ እዩ። (ማር. 10:13-16) ንደቀ መዛሙርቱ ፍዅስ ከም ዚብሎም ይገብር ነይሩ እዩ፣ ኣብ ልቦም ዝነበረ ኸይተሰከፉ ይገልጹሉ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 16:22) በዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ መሲልዎ እዩ። የሆዋ እውን ኣዝዩ ተቐራቢ እዩ። ብጸሎት ኣቢልና ናብኡ ኽንቀርብ ንኽእል ኢና፣ ክንጽሊ ኸለና ድማ ኣብ ልብና ዘሎ ኸነፍስሰሉ ንኽእል ኢና። ከም ዘይኵንነና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለምንታይሲ፡ ንሱ የፍቅረና እዩ፣ ንሱ ይሓልየልና እዩ።—1 ጴጥ. 5:7

6 የሱስ ንሰባት ይርሕርሓሎም ነይሩ እዩ። ሃዋርያ ማቴዎስ ብዛዕባ የሱስ ኣብ ዝጸሓፎ ጸብጻብ፡ “ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን ስለ ዝነበሩ፡ ደንገጸሎም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ማቴ. 9:36) የሆዋኸ ኸመይ እዩ ዚስምዖ፧ የሱስ፡ “እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ፡ ሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ” ኢሉ ኣሎ። (ማቴ. 18:14) እዚ ብሓቂ ንልብና ባህ ዜብል እዩ! ንየሱስ ብዝያዳ እናፈለጥናዮ ብዝኸድና መጠን፡ እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ትዓቢ እያ።

7. ምስ ብሱላት ክርስትያናት ምቅርራብ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

7 ኣብ ጉባኤኻ ምስ ዘለዉ ብሱላት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣጸቢቕካ እንተ ተፋሊጥካ፡ ብዝያዳ ፈቃር ክትከውንን ከም ክርስትያን ዕቤት ክትገብርን ትኽእል ኢኻ። ንሳቶም ክሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ምዃኖም ኣስተብህለሎም። በቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበርዎ ውሳነ ኣይጠዓሱን እዮም። ገለ ኻብቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍዎ ተመክሮታት ኪነግሩኻ ሕተቶም። ኣገዳሲ ውሳነ ኽትገብር ከለኻ ድማ፡ ካባታቶም ምኽሪ ሕተት። ከመይሲ፡ “ብብዙሓት ኣማኸርቲ . . . ኣሳልጦ ይርከብ” እዩ።—ምሳ. 11:14

ምስ ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት ፊት ንፊት ምእንቲ ኽትጋጠም፡ ብኸመይ ክትዳሎ ትኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)

8. ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ጥርጣረታት እንተ ሓዲሩካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

8 ንጥርጣረታትካ ኣሰንፎ። ኣብ  ሕጡብ ጽሑፍ 2 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ሰይጣን ተወሳኺ መንፈሳዊ ዕቤት ከይትገብር ኪዓግተካ ይጽዕር እዩ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዚገብረሉ መገዲ ኸኣ፡ ብዛዕባ ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርትታት ኣብ ኣእምሮኻ ጥርጣረታት ብምዝራእ እዩ። ንኣብነት፡ ውዒልካ ሓዲርካ ናብቲ ንኣምላኽ ዘየኽብር ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት ከይተቓላዕካ ኣይትተርፍን ኢኻ። ኣቐዲምካ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብዙሕ ኣይትሓስብን ኔርካ ትኸውን፣ ዕድመ ምስ ወሰኽካ ግና፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስቲ ጕዳይ ብቐጥታ ትፋጠጥ ትኸውን። እቲ መምህራንካ ንፍልቀት ደጊፎም ዚዛረብዎ ዘረባ ዚውሓጥን ዜእምንን ኪመስል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሳቶም ነቲ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዜርኢ መርትዖ ብርዝነት ሓሲቦምሉ ዘይፈልጡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 18:17 ዚርከብ ከምዚ ዚብል ስርዓት ኣይትረስዓዮ፦ “እቲ ሓደ ወገን መጺኡ ኣጸቢቑ ኽሳዕ ዚምርምሮ፡ እቲ ቕድም ጕዳዩ ዜቕርብ ቅኑዕ ይመስል።” እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚቐርበልካ ሓሳባት ብዕሙትካ ኣብ ክንዲ እትቕበሎ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቅታት ተጠንቂቕካ መርምሮ። ብጽሑፋትና ጌርካ ምርምር ግበር። ንፍልቀት ይኣምኑሉ ንዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዛርቦም። ፈቃር ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዘእመኖም እንታይ ምዃኑ ሕተቶም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሃናጺ ምይይጥ፡ ኣብቲ ጭቡጥ ሓቅታት ከተተኵር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

9. ካብ ተመክሮ መሊሳ እንታይ ትምሃር፧

9 መሊሳ ዝስማ ሓብቲ ኻብቲ ኣብ ጕዳይ ፍጥረት ዝገበረቶ ምርምር ብዙሕ ተጠቒማ እያ። b ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ንፍልቀት ኣዝዩ ዜእምን ኣምሲሎም እዮም ዜቕርብዎ። ኣብ ፈለማ፡ ምስ ጥርጣረታተይ ፊት ንፊት ምግጣም የፍርሃኒ ነይሩ። ምርምር እንተ ገይረ፡ እምነተይ ከይፈርስ ፈሪሀ ነይረ። ድሕሪኡ ግና፡ የሆዋ ብዕሙት ከነገልግሎ ኸም ዘይደልየና ሓሲበ። ስለዚ፡ ምስ ጥርጣረታተይ ፊት ንፊት ተጋጢመ። ነታ ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ዘርእስታ መጽሓፍን ነታ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ ዘርእስታ ብሮሹርን ነታ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ ዘርእስታ ብሮሹርን ኣንቢበ። ብልክዕ ድማ፡ እዚ እዩ ዜድልየኒ ነይሩ። ‘ነዚ ኣቐዲመ ኽገብሮ ነይሩኒ’ ኢለ እየ ተመንየ።”

10-11. ስነ ምግባራዊ ንጽህናኻ ሓሊኻ ንምምልላስ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (1 ተሰሎንቄ 4:3, 4)

10 ካብ ግጉይ ኣካይዳ ርሓቕ። ኣብ እዋን ንእስነት፡ ጾታዊ ስምዒታት ኪጐሃሃር ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ጾታዊ ርኽሰት ምእንቲ ኽትፍጽም ብርቱዕ ጸቕጢ ኺወርደካ ይኽእል እዩ። ሰይጣን በዚ ትምኒት እዚ ኽትስነፍ እዩ ዚደልየካ። እሞ ደኣ ስነ ምግባራዊ ንጽህናኻ ሓሊኻ ንምምልላስ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (1 ተሰሎንቄ 4:3, 4 ኣንብብ።) ኣብ ብሕታዊ ጸሎትካ፡ ስምዒትካ ንየሆዋ ኣካፍሎ። ብሓቂ እንታይ ከም ዚስምዓካ ንገሮ፣ ኬበርትዓካ እውን ለምኖ። (ማቴ. 6:13) የሆዋ ኪዅንነካ ዘይኰነስ፡ ኪሕግዘካ ኸም ዚደሊ ኣይትረስዕ። (መዝ. 103:13, 14) ብዘይካዚ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ እውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት መሊሳ ዝስማ ሓብቲ፡ ምስ ርኹስ ሓሳባት ተቓሊሳ እያ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ከይሕለል ሓጊዙኒ እዩ። ኣነ ናይ የሆዋ ኸም ዝዀንኩን ንዕኡ ኣብ ህይወተይ ኪህሉ ኸም ዝደልዮን ኣዘኻኺሩኒ እዩ።”—መዝ. 119:9

11 ንጸገማትካ በይንኻ ኽትዋጽኣሉ ኣይትፈትን። ብዛዕባ እቲ ቓልስኻ ንወለድኻ ንገሮም። ልክዕ እዩ፡ ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያትካ ምዝራብ ቀሊል ኣይኰነን፣ እንተዀነ ግና፡ ኣገዳሲ እዩ። መሊሳ ኸምዚ ትብል፦ “ትብዓት ንምርካብ ምስ ጸለኹ፡ ንኣቦይ ብዛዕባ እቲ ጸገመይ ኣዛሪበዮ። ድሕሪኡ፡ ዓብዪ እፎይታ እዩ ተሰሚዑኒ። ከመይሲ፡ የሆዋ ብኣይ ከም እተሓበነ ፈሊጠ።”

12. ብኸመይ ኢኻ ጽቡቕ ውሳነታት ክትገብር እትኽእል፧

12 ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመላለስ። በብቝሩብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ውሳነታት ንምግባር ዜኽእል ዝያዳ ናጽነት ምርካብካ ዘይተርፍ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ህይወት ዘሎካ ተመክሮ ድሩት ምዃኑ ኣይትረስዕ። እሞ ደኣ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ኪጸሉ ዚኽእል ጌጋ ኻብ ምግባር ብኸመይ ክትቍጠብ ትኽእል፧ (ምሳ. 22:3) ካሪ ዝስማ ሓብቲ ዝሓሸ ውሳነታት ንምግባር እንታይ ከም ዝሓገዛ ትገልጽ። ብሱላት ክርስትያናት ኣብ ኵሉ ዅነታት ዚምርሑሉ ሕግታት ከም ዘየድልዮም ክትገልጽ ከላ፡ “ሕግታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ክርዳእ ነይሩኒ” ትብል። እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘እዚ ዘንበብክዎ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ የሆዋ እንታይ ይነግረኒ፧ ንኣካይዳይ ከም መምርሒ ዚኸውን መሰረታዊ ስርዓታት ኣለዎዶ፧ እንተ ኣልይዎ፡ ንዕኡ ኽትግብሮ ኸለኹ፡ ብኸመይ እየ ዝጥቀም፧’ (መዝ. 19:7፣ ኢሳ. 48:17, 18) መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብን ንስርዓታቱ ተስተንትነሉን እንተ ዄንካ፡ ንየሆዋ ባህ ዜብል ውሳነታት ንምግባር ዝቐለለ ኪዀነልካ እዩ። ዕቤት እናገበርካ ምስ ከድካ፡ ንኣተሓሳስባ የሆዋ ስለ እትርድኦ፡ ኣብ ኵሉ ዅነታት ሕጊ ኸም ዘየድልየካ ኽትርኢ ኢኻ።

ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ እንታይ ዓይነት መሓዙት እያ ሓርያ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ጥዑያት ፈተውቲ እንታይ ጽልዋ ኼሕድሩልካ ይኽእሉ፧ (ምሳሌ 13:20)

13 ንየሆዋ ዜፍቅሩ ፈተውቲ ሕረ። ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ ናይ ፈተውቲ ምርጫኻ ንክርስትያናዊ ዕቤትካ ኣጸቢቑ ይጸልዎ እዩ። (ምሳሌ 13:20 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ሳራ ዝስማ ሓብቲ ሓጐሳ ኣጥፍአት። ድሕርዚ ግና፡ ንኣመለኻኽታኣ ኽትቅይር ዝሓገዛ ነገር ኣጋጠማ። ብዛዕባ እዚ ሳራ ኸምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “ኣብ ጽቡቕ ግዜ፡ ጥዑያት ፈተውቲ ረኺበ። ኣነን ሓንቲ መንእሰይ ሓብትን ኣብ ሰሰሙን ብሓባር ግምቢ ዘብዐኛ ኸነጽንዕ ጀሚርና። ካልእ መሓዛይ ከኣ፡ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ምሃብ ክጅምር ሓጊዛትኒ። ሳላ እቲ መሓዙተይ ዘሕደራለይ ጽልዋ ንብሕታዊ መጽናዕትን ንጸሎትን ብዝያዳ ኣርዚነ ኽርእዮ ጀሚረ። ምስ የሆዋ ዝደልደለ ርክብ ከማዕብል ጀሚረ፣ ከም ብሓድሽ እውን ሓጐስ ረኺበ።”

14. ብኸመይ እዩ ጁልየን ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪገብር ክኢሉ፧

14 እሞ ደኣ ጽቡቕ ጽልዋ ምስ ዜሕድሩልካ ሰባት ብኸመይ ክትተዓራረኽ ትኽእል፧ ሕጂ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ዘሎ ጁልየን ከምዚ ይብል፦ “ብግዜ ንእስነተይ፡ ኣብ ኣገልግሎት እየ ጥዑያት ኣዕሩኽ ክገብር ክኢለ። እቶም ኣዕሩኸይ ከኣ ብቕንኣት ዜገልግሉ እዮም ነይሮም፣ ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኪኸውን ከም ዚኽእል ከኣ ክርኢ ሓጊዞምኒ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሸቶይ ክገብሮ ጀሚረ። ምስቶም ኣብ ናተይ ክሊ ዕድመ ዚርከቡ ጥራይ ብምትዕርራኽ ጽቡቕ ምሕዝነትን መሳጢ ዕርክነትን የምልጠኒ ኸም ዝነበረ እውን ኣስተውዒለ። ድሕርዚ፡ ኣብ ቤት-ኤል እውን ጽቡቕ ዕርክነት ክገብር ክኢለ እየ። ኣብነቶም ከኣ ናይ መዘናግዒ ምርጫይ ከመሓይሽ ሓጊዙኒ እዩ፣ በዚ ኸምዚ እውን፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ቐሪበዮ እየ።”

15. ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ሂብዎ፧ (2 ጢሞቴዎስ 2:20-22)

15 ኣብ ጉባኤ ዚርከብ ሓደ ሰብ ጥዑይ ዓርኪ ኸም ዘይኰነካ እንተ ፈሊጥካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ጳውሎስ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚርከቡ ገሊኦም ሰባት፡ መንፈሳዊ ኣመለኻኽታ ኸም ዘይነበሮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንጢሞቴዎስ ካባታቶም ኪርሕቕ ኣጠንቂቕዎ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:20-22 ኣንብብ።) ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ኣዝዩ ኽቡር እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ ብብዙሕ ጻዕሪ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ዝመስረትናዮ ርክብ ኬበላሹ ኸነፍቅደሉ የብልናን።—መዝ. 26:4

ሸቶታት ምግባር፡ ንመንፈሳዊ ዕቤት ብኸመይ ይሕግዘካ፧

16. እንታይ ዓይነት ሸቶታት ኢና ኽንሓሪ ዘሎና፧

16 ጠቓሚ ሸቶታት ግበር። ዜበርትዓካን ዚዅልዓካን ሸቶታት ሕረ። (ኤፌ. 3:16) ንኣብነት፡ ብሕታዊ መጽናዕትኻን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካን ንምምሕያሽ ክትውስን ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 1:2, 3) ወይ ክሳዕ ክንደይ ብተደጋጋሚ ትጽሊ ኸም ዘለኻን ትሕዝቶ ጸሎትካ እንታይ ምዃኑን ክትሓስበሉ የድልየካ ይኸውን። ምናልባት ኣብ ናይ መዘናግዒ ምርጫኻ ወይ ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜኻ ብዝያዳ ርእስኻ ኽትገትእ የድልየካ ይኸውን። (ኤፌ. 5:15, 16) የሆዋ ተወሳኺ ዕቤት ንምግባር ትጽዕር ከም ዘለኻ ምስ ረኣየ፡ ባህ ኪብሎ እዩ።

እዛ መንእሰይ ሓብቲ እንታይ ሸቶ እያ ገይራ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ንሰባት ምሕጋዝ እንታይ ዕግበት የምጽእ፧

17 ንሰባት ክትሕግዝ ከለኻ እውን ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ዕቤት ትገብር ኢኻ። የሱስ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ኢሉ እዩ። (ግብ. 20:35) ገሊኡ ኻብ ግዜኻን ጕልበትካን ንኻልኦት ንምሕጋዝ እንተ ኣውዒልካዮ፡ ብዙሕ ክትጥቀም ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣብ ጉባኤኻ ንዚርከቡ ኣረጋውያንን ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ሰባትን ንምሕጋዝ ሸቶ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ዜድልዮም ነገራት ንምትዕድዳግ ክትለኣኾም ወይ ኣብ ኣጠቓቕማ ኤለክትሮኒካዊ ናውቲ ኽትሕግዞም ትኽእል ትኸውን። ሓው እንተ ዄንካ፡ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ምእንቲ ኸተገልግሎም ኢልካ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንምዃን ሸቶ ግበር። (ፊል. 2:4) ነቶም ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጋር ፍቕሪ ኣርእዮም። (ማቴ. 9:36, 37) እንተ ኽኢልካ፡ ኣብ ሓደ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምስታፍ ሸቶ ግበር።

18. ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምስታፍ፡ ክትዓቢ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

18 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር፡ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኪኸፍተልካ ይኽእል እዩ። ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ኣጋጣሚ ኪኸፍተልካ ይኽእል እዩ። ኣብ ቤት-ኤል ከተገልግል ወይ ኣብ ቲኦክራስያዊ ህንጸት ክትሳተፍ ትኽእል ትኸውን። ኬትሊን ዝስማ መንእሰይ ፈላሚት ከምዚ ትብል፦ “ምስ ምኩራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ኣገልግሎት ግዜ ምሕላፈይ፡ ድሕሪ ጥምቀተይ ብመንፈሳዊ መዳይ ክዓቢ ዝሓገዘ ዓብዪ ረቛሒ እዩ ነይሩ። ኣብነቶም ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠተይ ከዕምቝ፡ ንናይ ምምሃር ክእለተይ ድማ ከመሓይሽ ደሪኹኒ እዩ።”

19. መንፈሳዊ ዕቤት እናገበርካ ምስ ከድካ፡ እንታይ በረኸት ኢኻ እትረክብ፧

19 መንፈሳዊ ዕቤት እናገበርካ ምስ ከድካ፡ ብዙሕ በረኸት ክትረክብ ኢኻ። ንእስነትካ ደድሕሪ ባዶ ሸቶታት ኣብ ምጕያይ ኣይከተባኽኖን ኢኻ። (1 ዮሃ. 2:17) ሕማቕ ውሳነታት ምግባር ካብ ዜስዕቦ ጓሂ ልቢ እውን ክትስተር ኢኻ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናይ ሓቂ ኣሳልጦን ሓጐስን ክትረክብ ኢኻ። (ምሳ. 16:3) እቲ ጽቡቕ ኣብነትካ፡ ንንኣሽቱ ዀኑ ንዓበይቲ ክርስትያናት ብጾትካ ኼተባብዖም እዩ። (1 ጢሞ. 4:12) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ባህ ብምባልን ምስኡ ናይ ቀረባ ዕርክነት ብምምስራትን ዚርከብ ሰላምን ዕግበትን ከተስተማቕር ኢኻ።—ምሳ. 23:15, 16

መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ

a መንእሰያት ኪጥመቑ ኸለዉ፡ ልቢ ዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ብሓጐስ ይመልእ እዩ። ልክዕ እዩ፡ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ ተጠምቁ፡ ቀጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኣለዎም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ እተጠምቁ መንእሰያት ክርስትያናት ብኸመይ ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ኪዓብዩ ኸም ዚኽእሉ ኽንርኢ ኢና።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።