ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 33

የሆዋ ንህዝቡ ይሕልዎም

የሆዋ ንህዝቡ ይሕልዎም

“ዓይኒ የሆዋ ንዚፈርህዎ . . . ትሕልዎም።”—መዝ. 33:18

መዝሙር 4 “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”

መላለዪ a

1. የሱስ ንየሆዋ፡ ንሰዓብቱ ኺሕልዎም ዝለመኖ ስለምንታይ እዩ፧

 የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሞቱ ዝነበረት ምሸት፡ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ፍሉይ ልማኖ ኣቕረበ። ኣብቲ ጸሎቱ ድማ ንየሆዋ፡ ንሰዓብቱ ኺሕልዎም ለመኖ። (ዮሃ. 17:15, 20) ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ንህዝቡ ወትሩ ይሕልዎም፡ ማለት ይሓልየሎምን የዕቍቦምን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሰዓብቲ የሱስ ካብ ሰይጣን ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተቓውሞ ኸም ዜጋጥሞም፡ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ነቲ እኩይ መጥቃዕቲ ድያብሎስ ንምጽራር፡ ሓገዝ የሆዋ ኸም ዜድልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

2. ብመሰረት መዝሙር 33:18-20፡ ብተጻብኦታት ክንፈርህ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

2 ሎሚ ናይ ሰይጣን ስርዓት ኣብ ልዕሊ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብርቱዕ ጸቕጢ የውርድ ኣሎ። ተስፋ ኬቝርጸናን ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ኪፍትንን ዚኽእል ተጻብኦታት የጋጥመና ኣሎ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም እንርእዮ ግና፡ ነዚ እንፈርሃሉ ምኽንያት የብልናን። የሆዋ ይሕልወና ኣሎ፣ ነቲ ዜጋጥመና ጸገማት ይርእዮ እዩ፣ ንዕኡ ንምስጋር ዜድልየና ሓገዝ ንምሃብ እውን ድሉው እዩ። እምበኣር፡ የሆዋ ‘ንዚፈርህዎ ኸም ዚሕልዎም’ ዜርኢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ክልተ ኣብነታት እስከ ንመርምር።—መዝሙር 33:18-20 ኣንብብ።

በይንና እተሓደግና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ

3. መዓስ እዩ በይንና እተሓደግና ዀይኑ ኺስምዓና ዚኽእል፧

3 ክፍሊ እቲ ብኣምለኽቲ የሆዋ ዝቘመ ዓብዪ ስድራ ቤት እኳ እንተ ዀንና፡ ሓድሓደ ግዜ ግና በይንና ዝቘምና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ መንእሰያት ንደቂ ኽፍሎም ብዛዕባ እምነቶም ኪገልጹሎም ከለዉ፡ ወይ ናብ ሓድሽ ጉባኤ ኺግዕዙ ኸለዉ፡ በይኖም ዝዀኑ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ገሌና ድማ ነዚ ስምዒታት እዚ በይንና ኽንቃለሶ ኸም ዘሎና ስለ ዚመስለና፡ ጓሂ ኺስምዓና ወይ ምስ ኣሉታዊ ስምዒታት ክንቃለስ ንኽእል ኢና። ካልኦት ኪርድኡልና ዘይክእሉ ስለ ዚመስለና ድማ፡ ብዛዕባ ስምዒትና ምንጋር የሰክፈና ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ እሞ ኸኣ፡ ዚሓልየልና ዋላ ሓደ ኸም ዘየልቦ ኺመስለና ይኽእል እዩ። እንተ በዚ እንተ በቲ፡ በይንና እተሓደግና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ እንገብሮ ኺሕርብተናን ክንጭነቕን ንኽእል ኢና። የሆዋ ኸምኡ ኺስምዓና ፈጺሙ ኣይደልን እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧

4. ነብዪ ኤልያስ፡ “ኣነ በይነይ . . . እየ ተሪፈ” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧

4 ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ እሙን ዝነበረ ኤልያስ እስከ ንርአ። ኢዛቤል ከም እትቐትሎ መሓለት፣ ስለዚ፡ ንልዕሊ 40 መዓልቲ ህይወቱ ንምድሓን ሃደመ። (1 ነገ. 19:1-9) ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ሓደ በዓቲ በይኑ ምስ ኰነ፡ ካብ ነብያት የሆዋ “ኣነ በይነይ . . . እየ ተሪፈ” ኢሉ ንየሆዋ ተዛረቦ። (1 ነገ. 19:10) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብታ ምድሪ ኻልኦት ነብያት ነይሮም እዮም፣ ኦብድያ ካብ ኢድ ኢዛቤል፡ 100 ነብያት ኣድሒኑ ነይሩ እዩ። (1 ነገ. 18:7, 13) እሞ ደኣ ስለምንታይ እዩ ኤልያስ በይኑ ዝተረፈ ዀይኑ እተሰምዖ፧ ኵሎም እቶም ኦብድያ ዘድሓኖም ነብያት ዝሞቱ መሲልዎ ደዀን ይኸውን፧ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ፡ በዓል ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ምስ ተረጋገጸ፡ ካልኦት ኣብቲ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ስለ ዘይተጸምበርዎ፡ በይኑ ዝተረፈ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ደዀን ይኸውን፧ ኣብ ምንታይ ሓደጋ ኣትዩ ኸም ዘሎ ዋላ ሓደ ኸም ዘይፈልጥ፡ ወይ እውን ዋላ ሓደ ኸም ዘይግደሰሉ ተሰሚዕዎ ደዀን ይኸውን፧ እቲ ዛንታ ብዛዕባ ስምዒት ኤልያስ ምሉእ ብምሉእ ኣይገልጸልናን እዩ። የሆዋ ንኤልያስ ስምዒቱ ኸም እተረድኣሉን ብኸመይ ኪሕግዞ ኸም ዚኽእል ብልክዕ ይፈልጥ ምንባሩን ግና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

በይንና ዝዀንና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ ካብቲ የሆዋ ንኤልያስ ዝሓገዘሉ መገዲ እንታይ ዜጸናንዕ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5-6 ርአ)

5. የሆዋ ንኤልያስ በይኑ ኸም ዘይተረፈ ዘረጋገጸሉ ብኸመይ እዩ፧

5 የሆዋ ንኤልያስ ብብዙሕ መገድታት ሓጊዝዎ እዩ። ብቐዳምነት፡ ኪዛረብ ኣተባቢዕዎ፡ ክልተ ሳዕ ድማ፡ “ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧” ኢሉ ሓቲትዎ እዩ። (1 ነገ. 19:9, 13) ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ኤልያስ ኣብ ልቡ ዘሎ ኼፍስስ ከሎ፡ ጽን ኢሉ ሰሚዕዎ እዩ። ድሕሪኡ ድማ፡ ህላወኡን ብርቱዕ ሓይሉን ብምግላጽ፡ ንሕቶኡ መሊሱሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንኤልያስ፡ ብዙሓት ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣምለኽቲ ኸም ዘለውዎ ኣረጋጊጹሉ እዩ። (1 ነገ. 19:11, 12, 18) ኤልያስ መሸም ኣብ ልቡ ዘሎ ናብ የሆዋ ምስ ኣፍሰሰን ነቲ እተዋህቦ ምላሽ ምስ ሰምዐን፡ እፎይታ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕርዚ፡ የሆዋ ንኤልያስ፡ ኣገዳሲ ዕዮታት ሃቦ። ንሓዛኤል ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኺነግስ ኪቐብኦ፡ ንየሁ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ኪቐብኦ፡ ንኤልሳእ ድማ ነብዪ ገይሩ ኪቐብኦ ነገሮ። (1 ነገ. 19:15, 16) የሆዋ ንኤልያስ ዕዮታት ብምሃብ ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ኬተኵር ሓገዞ። ናይ ቀረባ ዓርኪ እውን ሃቦ፣ ንሱ ድማ ኤልሳእ እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ በይንኻ ዝዀንካ ዀይኑ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ከመይ ጌርካ ኻብ የሆዋ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል፧

6. በይንኻ ዝዀንካ ዀይኑ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ብዛዕባ እንታይ ክትጽሊ ትኽእል፧ (መዝሙር 62:8)

6 የሆዋ ናብኡ ኽትጽሊ ዕድመ ኣቕሪቡልካ ኣሎ። እንታይ ተሕልፍ ከም ዘለኻ ይርኢ እዩ፣ ጸሎትካ ኣብ ዝዀነ ግዜ ኸም ዚሰምዕ እውን መረጋገጺ ሂቡካ ኣሎ። (1 ተሰ. 5:17) የሆዋ ንኣምለኽቱ ምስማዕ፡ ባህ የብሎ እዩ። (ምሳ. 15:8) እሞ ደኣ በይንኻ እተሓደግካ ዀይኑ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ብዛዕባ እንታይ ክትጽሊ ትኽእል፧ ከምቲ ኤልያስ ዝገበሮ ጌርካ ልብኻ ናብ የሆዋ ኣፍስስ። (መዝሙር 62:8 ኣንብብ።) ብዛዕባ እቲ ዘተሓሳሰበካ ነገራትን ብዛዕባ እቲ እዚ ዝፈጠረልካ ስምዒትን ንገሮ። ንስምዒታትካ ንምጻር ዜኽእል ሓገዝ ንምርካብ እውን ንየሆዋ ለምኖ። ንኣብነት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኽትምስክር ከለኻ፡ በይንኻ ዝቘምካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ ወይ እንተ ፈሪህካ፡ ሓሳብካ ኽትገልጽ ዜኽእለካ ትብዓት ምእንቲ ኺህበካ ንየሆዋ ለምኖ። እምነትካ ብሜላ ንምግላጽ ዜኽእል ጥበብ ምእንቲ ኺህበካ እውን ክትልምኖ ትኽእል ኢኻ። (ሉቃ. 21:14, 15) ምስ ኣሉታዊ ስምዒታት ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ብዛዕባ እዚ ምስ ብሱል ክርስትያን ንምዝርራብ ምእንቲ ኺሕግዘካ ንየሆዋ ለምኖ። እቶም ምስጢርካ እተካፍሎም ሰባት ምእንቲ ኺርድኡልካ እውን ካብ የሆዋ ሓገዝ ክትልምነሎም ትኽእል ኢኻ። ኰታስ፡ ልብኻ ናብ የሆዋ ኣፍስስ፣ ንጸሎትካ ብኸመይ ምላሽ ከም ዚህበሉ ርአ፣ ካብ ካልኦት ድማ ሓገዝ ተቐበል። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ በይንኻ ዝዀንካ ዀይኑ ኣይኪስምዓካን እዩ።

ኣገልግሎትካ ንምስፋሕን ምስ ካልኦት ሓቢርካ ኣብኡ ንምስታፍን መገድታት ተናዲ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ካብ ማውሪስዮ እንታይ ትምሃር፧

7 የሆዋ ንዅላትና፡ ትርጉም ዘለዎ ዕዮ ሂቡና ኣሎ። ንዅሉ እቲ ኣብ ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎትን እትዓይዮ ዕዮ ኸም ዜስተብህለሉን ከም ዜማስወሉን ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 110:3) እሞ ደኣ በይንኻ እተሓደግካ ዀይኑ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ብዕዮ ትሑዝ ምዃን ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ንኣብነት፡ ማውሪስዮ ዝስሙ መንእሰይ ሓው እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ንርአ። b ማውሪስዮ ምስ ተጠምቀ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ኻብቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ በብቝሩብ ካብ ሓቂ ኺወጽእ ጀመረ። ማውሪስዮ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ከምዚ ይብል፦ “ንሱ በብቝሩብ ካብ ሓቂ ኪርሕቕ ምርኣየይ፡ ንርእሰ ምትእምማነይ ጸልይዎ እዩ። ምስ ወፈያይ ተሰማሚዐ ኽመላለስ ዝኽእል እንተ ዀይነ፡ ክፍሊ ስድራ ቤት የሆዋ ዀይነ ክቕጽል እውን ዝኽእል እንተ ዀይነ እሓስብ ነይረ እየ። በይነይ ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ፣ ንስምዒተይ እውን ዋላ ሓደ ኸም ዘይርድኣለይ እሓስብ ነይረ።” እሞ ደኣ ንማውሪስዮ እንታይ ሓጊዝዎ፧ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ባዕሉ ምላሽ ይህብ፦ “ኣገልግሎተይ ኣስፊሐ። እዚ ድማ ኣብ ርእሰይ ጥራይ ከየተኵርን ብኣሉታዊ ስምዒታት ከየስተማስልን ሓጊዙኒ። ምስ ካልኦት ሓቢረ ኸገልግል ከለኹ፡ ሓጐስ ተሰሚዑኒ፡ ሰብ ከም ዘሎኒ እውን ክርኢ ኽኢለ።” እወ፡ ምስ ክርስትያናት ብጾትና ብኣካል ሓቢርና ኽንሰብኽ እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ምሳታቶም ሓቢርና ብደብዳበ ወይ ብተሌፎን ኣብ ዚግበር ምስክርነት ምስ እንሳተፍ፡ ብርታዐ ንረክብ ኢና። ንማውሪስዮ ዝሓገዞ ተወሳኺ ነገርከ እንታይ ኣሎ፧ ንሱ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ጉባኤ እውን ብዕዮ ትሑዝ እየ ዀይነ። ናይ ተምሃራይ ክፍልታት ንምድላውን ንምቕራብን ዚከኣለኒ ገይረ እየ። ሳላ እዚ ኽፍልታት እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ሰባትን ዋጋ ኸም ዘሎኒ ተሰሚዑኒ።”

ብሰንኪ ኸቢድ ፈተናታት እንገብሮ ኺሕርብተና ኸሎ

8. ከቢድ ፈተናታት ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧

8 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ንጽበ ኢና። (2 ጢሞ. 3:1) ገሊኡ ፈተናታት ግና፡ ኣብ ዘይተጸበናዮ እዋን ኪመጽእ ይኽእል እዩ፣ ወይ ከኣ እቲ ፈተና ዘይተጸበናዮ ዓይነት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሃንደበት ቍጠባዊ ጸገም ኬጋጥመና፡ ከቢድ ሕማም ከም ዘሎና ኺንገረና፡ ወይ ከኣ እንፈትዎ ሰብና ኺሞተና ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት ምናዳ እቲ ፈተናታት ተኸታቲሉ እንተ መጺኡ ወይ ብሓንሳእ ተደራሪቡ እንተ መጺኡ፡ ጭንቂ ኺስምዓና ወይ እንገብሮ ኺሕርብተና ይኽእል እዩ። የሆዋ ይሕልወና ኸም ዘሎ ግና ኣይንረስዕ። ብሓገዙ ድማ ንዝዀነ ፈተና ኽንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና።

9. ገለ ኻብቲ እዮብ ዘሕለፎ ፈተናታት ግለጽ።

9 የሆዋ ነቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ እስከ ንርአ። እዮብ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ተደራራቢ ዜጨንቕ ፈተናታት እዩ ኣጋጢምዎ። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ፡ ጥሪቱ ኸም እተወድኣ፡ ገላዉኡ ኸም እተቐትሉ፡ ዝገደደ ድማ እቶም ዜፍቅሮም ደቁ ኸም ዝሃለቑ እዩ መርድእ ተነጊርዎ። (እዮ. 1:13-19) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ገና ብርቱዕ ሓዘን እናሃለዎ፡ ብዜሳቕን ብዜስገድግድን ሕማም ተጠቕዐ። (እዮ. 2:7) እቲ ዅነታቱ ኣመና ኽፉእ ብምንባሩ ኸኣ፡ “ንህይወት ፈንፊነያ እየ፣ ብህይወት ክነብር ከኣ ኣይደልን እየ” ኽሳዕ ምባል እዩ በጺሑ።—እዮ. 7:16

የሆዋ ንእዮብ ከም ዚሓልየሉ መረጋገጺ ምእንቲ ኺህቦ ኢሉ፡ ብዛዕባ እቲ ንፍጥረቱ ሓልዮቱ ዜርእየሉ ብዙሕ መገድታት ነገሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. የሆዋ ንእዮብ ፈተናታቱ ንምጽዋር ዜድልዮ ዘበለ ዝሃቦ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

10 የሆዋ ንእዮብ ይሕልዎ ነይሩ እዩ። የሆዋ ንእዮብ የፍቅሮ ብምንባሩ፡ ንፈተናታቱ ንምጽዋር ዜድልዮ ዘበለ ሃቦ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ንእዮብ ተዛረቦ፣ ኣብቲ ዘረባኡ እውን ብዛዕባ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበቡን ንፍጡራቱ ዘለዎ ፍቕራዊ ሓልዮቱን ኣዘኻኸሮ። ብዛዕባ ብዙሓት ዜደንቑ እንስሳታት እውን ተዛረቦ። (እዮ. 38:1, 2፣ 39:9, 13, 19, 27፣ 40:15፣ 41:1, 2) ብዘይካዚ ድማ፡ በቲ ብዕድመ ዝነኣሰ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ኤሊሁ ኣቢሉ ኣበርትዖን ኣጸናንዖን። ኤሊሁ ኸኣ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ስለቲ ተጻዋርነቶም ወትሩ ዓስቦም ከም ዚህቦም ኣረጋገጸሉ። ብተወሳኺ ድማ፡ የሆዋ ብኤሊሁ ኣቢሉ ንእዮብ ፍቕራዊ ምኽሪ ሃቦ። ኤሊሁ ንእዮብ፡ ንሕና ምስቲ ፈጣሪ ዩኒቨርስ ዝዀነ የሆዋ ኽንነጻጸር ከለና ኣመና ደቀቕቲ ምዃንና ብምዝኽኻር፡ ኣብቲ ዓብዪ ጕዳይ ኬተኵር ሓገዞ። (እዮ. 37:14) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንእዮብ ሓደ ዕዮ ሃቦ፣ ነቶም ዝሓጥኡ ሰለስተ ብጾቱ ኺጽልየሎም ኣዘዞ። (እዮ. 42:8-10) እሞ ደኣ ሎሚ ኸቢድ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ብኸመይ ይድግፈና፧

11. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እዋን ፈተናታትና እንታይ መጸናንዒ እዩ ዚህበና፧

11 የሆዋ ኸምቲ ንእዮብ እተዛረቦ ገይሩ ንዓና ብቐጥታ ኣይዛረበናን እዩ። በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ግና ይዛረበና እዩ። (ሮሜ 15:4) ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ብምሃብ እውን የጸናንዓና እዩ። ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ኼጸናንዓና ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሒደት ሓሳባት እስከ ንርአ። የሆዋ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ዝዀነ ነገር፡ ዋላ እውን ከቢድ ፈተናታት ‘ካብ ፍቕሩ ኺፈልየና ኸም ዘይክእል’ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ሮሜ 8:38, 39) “ንዅሎም እቶም [ብጸሎት] ዚጽውዕዎ . . . ቐረባኦም” ከም ዝዀነ እውን ኣረጋጊጹልና እዩ። (መዝ. 145:18) ኣብኡ እንተ ተወኪልና፡ ዝዀነ ፈተና ኽንጻወር ከም እንኽእል፡ ኣብ እዋን ፈተናና እውን ከይተረፈ ሓጐስ ክንረክብ ከም እንኽእል ሓቢሩና እዩ። (1 ቈረ. 10:13፣ ያእ. 1:2, 12) ፈተናታትና ምስቲ ተዓቚሩልና ዘሎ ዘለኣለማዊ ዓስቢ ኺነጻጸር ከሎ፡ ግዜያውን ሓጺርን ምዃኑ ቓል ኣምላኽ የዘኻኽረና እዩ። (2 ቈረ. 4:16-18) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንሱር ጠንቂ ዅሉ ፈተናታት ከም ዜወግዶ፡ ማለት ንሰይጣን ድያብሎስን ነቶም ንእኩይ መገድታቱ ዚስዕቡ ዘበሉን ከም ዜጥፍኦም ርግጽ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። (መዝ. 37:10) እሞ ደኣ ኣብ መጻኢ ፈተናታት ኬጋጥመካ ኸሎ ንምጽዋሩ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ገሊኡ ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኣእምሮኻ ኣጽኒዕካዶ ኣለኻ፧

12. ካብ ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዚጽበየና፧

12 የሆዋ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርና ንምጽናዕን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ብዕምቈት ንምሕሳብን ዚኸውን ግዜ ኽንምድብ ይጽበየና እዩ። ነቲ እተምሃርናዮ እንተ ተግቢርናዮ፡ እምነትና ትድልድል እያ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና እውን ብዝያዳ ንቐርቦ ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ፈተናታት ንምጽዋር ዜኽእል ዝያዳ ብርታዐ ንረክብ ኢና። የሆዋ ነቶም ኣብ ቃሉ ዚውከሉ እውን ቅዱስ መንፈሱ ይህቦም እዩ። እቲ መንፈስ እቲ ድማ ንዝዀነ ፈተና ኽንጻወር ዜኽእል “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ይህበና እዩ።—2 ቈረ. 4:7-10

13. እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዘዳለዎ መንፈሳዊ ምግቢ፡ ፈተናታት ክንጻወር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

13 እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡” ድልዱል እምነት ክንሃንጽን ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓት ክንከውንን ዚሕግዝ ኣኺሉ ዚተርፍ ዓንቀጻትን ቪድዮታትን ሙዚቃን ብደገፍ የሆዋ የፍሪ ኣሎ። (ማቴ. 24:45) ነዚ እዋናዊ መሰናድዎ እዚ፡ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ ንዅሉ እዚ መንፈሳዊ ምግቢ ዘለዋ ሞሳ ገሊጻ እያ። ኣብ ፈለማ፡ “ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ 40 ዓመት፡ ንጽህናይ ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ እዩ” ብምባል ሓሳባ ትገልጽ። እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ከቢድ ፈተናታት እዩ ኣጋጢምዋ። ኣቦሓጎኣ ብሓደ ሰኽራም መራሒ ማኪና ተቐቲሉ፣ ወለዳ ብዘይምሕር ሕማም ሞይቶም፣ ንሳ እውን ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ ምስ ሕማም መንሽሮ ተቓሊሳ እያ። ክትጻወር ዝሓገዛ ደኣ እንታይ እዩ፧ ንሳ ኸምዚ ዚስዕብ ኢላ ትገልጽ፦ “የሆዋ ዅሉ ሳዕ ይሓልየለይ እዩ። እቲ በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣቢሉ ዚህበና መንፈሳዊ ምግቢ ኽጻወር ሓጊዙኒ እዩ። ሳላ እቲ ምግቢ ኸኣ ከም እዮብ፡ ‘ክሳዕ ሞተይ ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!’ ክብል እኽእል እየ።”—እዮ. 27:5

ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ጉባኤና ንዚርከቡ ኻልኦት ሰባት በረኸት ክንከውን እንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. የሆዋ ኣብ እዋን ፈተናታትና ኸመይ ገይሩ እዩ ብክርስትያናት ብጾትና ኣቢሉ ዚድግፈና፧ (1 ተሰሎንቄ 4:9)

14 የሆዋ ንህዝቡ ኣብ እዋን ጭንቂ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ኪጸናንዑን ኣሰልጢንዎም እዩ። (2 ቈረ. 1:3, 4፣ 1 ተሰሎንቄ 4:9 ኣንብብ።) ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብነት ኤሊሁ ስለ ዚስዕቡ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብተኣማንነት ክንጸንዕ ዜኽእለና ደገፍ ንምሃብ ድሉዋት እዮም። (ግብ. 14:22) ንኣብነት፡ ንሓንቲ ዳያን እትብሃል ሓብቲ ሰብኣያ ኸቢድ ጸገም ጥዕና ምስ ኣጋጠሞ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልድልቲ ዀይና ምእንቲ ኽትቅጽል፡ ጉባኤኣ ብኸመይ ከም ዘተባብዕዋን ከም ዝሓገዝዋን እስከ ንርአ። ንሳ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “ከቢድ እዩ ነይሩ። ኣብተን ኣጸገምቲ ኣዋርሕ ግና፡ እተን ብርቱዓትን ፈቃራትን ኣእዳው የሆዋ ርኢና ኢና። ጉባኤና ብብዙሕ መገዲ ደጊፎምና እዮም። በጺሖምና፡ ተሌፎን ደዊሎምልና፡ ሕቝፍ ኣቢሎምና እዮም፣ እዚ እውን ክንጻወር ሓጊዙና እዩ። ማኪና ኽዝውር ስለ ዘይክእል፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ኣኼባታት ኣመላሊሶምኒ፡ ኣብ ዝኽእለሉ ኣጋጣሚታት እውን ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ወሲዶምኒ እዮም።” ክፍሊ እቲ ፍቕሪ ዝዓሰሎ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

ስለቲ ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ነመስግን ኢና

15. ንዜጋጥመና ተጻብኦ ኽንሰግር ከም እንኽእል እንኣምን ስለምንታይ ኢና፧

15 እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ንዅላትና ፈተና የጋጥመና እዩ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ ግና፡ ነቲ ፈተና በይንና ኽንገጥመሉ የብልናን። የሆዋ ኸም ፈቃር ኣቦ ስለ ዝዀነ ወትሩ ይሕልወና እዩ። ኣብ ጐድንና እዩ ዘሎ፣ ኣውያትና ንምስማዕ ኰነ ደገፍ ንምሃብ ድሉው እዩ። (ኢሳ. 43:2) ንምጽዋር ዜድሊ ዘበለ ብብዝሒ ስለ ዝሃበና፡ ንዜጋጥመና ተጻብኦ ኽንሰግር ከም እንኽእል ንኣምን ኢና። ኣብ ግዜ ሽግርና እውን ሓገዝ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ጸሎትን መጽሓፍ ቅዱስን ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግብን ፈቃራት ኣሕዋትን ሂቡና ኣሎ።

16. ከመይ ጌርና ኢና ወትሩ ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ኽንቅጽል እንኽእል፧

16 ወትሩ ዚሕልወና ሰማያዊ ኣቦ ስለ ዘሎና፡ ኣዚና ኢና እነመስግን! “ልብና ብእኡ ይሕጐስ” እዩ። (መዝ. 33:21) ብዅሉ እቲ ምእንቲ ኺሕግዘና ኢሉ ዝገበሮ መሰናድዎታት ብምጥቃም፡ ነቲ ፍቕራዊ ሓልዮቱ ኸም እነማስወሉ ኸነርእዮ ንኽእል ኢና። ኵሉ ሳዕ ኣብ ትሕቲ ሓልዮቱ ንምቕጻል እውን፡ እጃምና ኽንገብር ኣሎና። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንየሆዋ እዙዛት ንምዃን ዚከኣለና እንተ ጌርናን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕኑዕ እንተ ጌርናን፡ ንሱ ንዘለኣለም ኪሕልወና እዩ።—1 ጴጥ. 3:12

መዝሙር 30 ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፡ ፈታውየይ

a ሎሚ ንዜጋጥመና ተጻብኦታት ንምስጋር፡ ሓገዝ የሆዋ የድልየና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዚሕልዎም ተረጋግጸልና። የሆዋ ነቲ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዜጋጥመና ጸገማት የስተብህለሉ እዩ። ነቲ ጸገማት ንምስጋር ዜድልየና ዘበለ እውን ይህበና እዩ።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።