መጻምድትኺ ስእለ ጽዩፍ ምስ ዚርኢ
-
“ሰብኣየይ ብተደጋጋሚ ኸም ዝዘመወ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።”
-
“እተዋረድኩ፡ ጽብቕቲ ዘይኰንኩ፡ ዘይረብሕ ዝዀንኩ ዀይነ እዩ ተሰሚዑኒ።”
-
“ብዛዕባኡ ንዋላ ሓደ ኸዛራርብ ኣይከኣልኩን። ኣብ ውሽጠይ ሒዘዮ እየ ተሳቕየ።”
-
“የሆዋ ኸም ዘይሓልየለይ ኰይኑ ተሰሚዑኒ።”
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ቓላት፡ ሰብኣይ ስእለ ጽዩፍ ምስ ዚርኢ፡ ሰበይቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትሳቐ እዩ ዚሕብር። ብሕቡእ ንኣዋርሕ ወይ ንዓመታት ከምኡ ኺገብር እንተ ጸኒሑ ኸኣ፡ ክትኣምኖ ዘይትኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓ። ሓንቲ ኸምዚ ዘጋጠማ ሰበይቲ፡ “‘እዚ ሰብ እዚ መን እዩ፧ ካልእ ዝሓብኦ ነገር ይህሉ ደዀን ይኸውን፧’ እየ ኢለ” ትብል።
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ስእለ ጽዩፍ ዚርኢ ሰብኣይ ንዘለዋ ሰበይቲ እያ ተዳልያ። a ዜጸናንዕ፡ ደገፍ የሆዋ ዜረጋግጽ፡ ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ክትሓዊ ዚሕግዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ሒዛ ኣላ። b
እታ ንጽህቲ ሰበይቲ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ንዅሉ ተግባራት ሰብኣይኪ ኽትቈጻጸርዮ እኳ እንተ ዘይከኣልኪ፡ ጓሂኺ ንምንካይን ዝያዳ ናይ ኣእምሮ ሰላም ንምርካብን ግና ስጕምትታት ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ። ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት እሞ ርኣይዮ።
ገዛእ ርእስኺ ኣይትውቀሲ። ሰብኣይ ስእለ ጽዩፍ ብምርኣዩ፡ ሰበይቲ ጕድለት ዘለዋ ዀይኑ ኺስምዓ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ኣሊስ፡ c ንሰብኣያ እትበቅዕ ሰበይቲ ኸም ዘይኰነት ኰይኑ እዩ ተሰሚዕዋ። ‘ሰብኣየይ ኣብ ክንዲ ንዓይ፡ ንኻልኦት ኣንስቲ ዚጥምት ስለምንታይ እዩ፧’ ኢላ ድማ ትሓስብ ነይራ። ገሊአን ኣንስቲ ኸኣ በቲ ግብረ መልሰን ነቲ ዅነታት የጋድዳኦ ኸም ዘለዋ ገይረን ብምሕሳብ ገዛእ ርእሰን ይወቕሳ እየን። ንኣብነት ዳንየል ከምዚ ትብል፦ “ክርስትያናዊ ብዘይኰነ ቝጥዓ ሓዳራ እተፍርስ ዘላ እተመረረት ሰበይቲ ኸም ዝዀንኩ ገይረ እየ ገዛእ ርእሰይ ርእየያ።”
ተመሳሳሊ ስምዒት እንተ ኣሕዲርኪ፡ የሆዋ ብተግባራት ሰብኣይኪ ተሓታቲት ከም ዘይገብረኪ ኽትፈልጢ ኣሎኪ። ያእቆብ 1:14፡ “ነፍሲ ወከፍ . . . ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን” ትብል። (ሮሜ 14:12፣ ፊል. 2:12) ስለዚ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ የሆዋ ንዓኺ ኣይወቕሰክን እዩ፣ የግዳስ፡ ስለቲ ተኣማንነትኪ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየኪ።—2 ዜና 16:9።
ሰብኣይ ስእለ ጽዩፍ ምርኣዩ፡ ሰበይቲ ጕድለት ኣለዋ ማለት ከም ዘይኰነ እውን ክትርድኢ ኣሎኪ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ መጽናዕቲ ዝገበሩ ኽኢላታት፡ ስእለ ጽዩፍ ዚፈጥሮ ጾታዊ ትምኒት፡ ሰበይቲ ኸተርውዮ እትኽእል ከም ዘይኰነ ይገልጹ።
እምብዛ ኣይትጨነቒ። ካተሪን ሰብኣያ ስእለ ጽዩፍ ከም ዝረኣየ ምስ ፈለጠት፡ ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባኡ ጥራይ ትሓስብ ከም ዝነበረት ትገልጽ። ፍራንሰስ ድማ፡ “ሰብኣየይ ኣበይ ከም ዘሎ እንተ ዘይፈሊጠ እጭነቕ እየ። ምሉእ መዓልቲ እየ ኽጭነቕ ዝውዕል” ትብል። ገሊአን ኣንስቲ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ናይ ሰብኣየን ጸገም ምስ ዚፈልጡ ክርስትያናት ብጾት ኪዀና ኸለዋ ኸም ዚሽቝረራ ገሊጸን እየን። ገሊአን ድማ ንዅነታተን ዚርድኣለን ስለ ዘየሎ፡ በይነን ዝዀና ዀይኑ ኸም እተሰምዐን ገሊጸን እየን።
እዚ ስምዒታት እዚ ንቡር እዩ። ብቐጻሊ ኸምኡ ትሓስቢ እንተ ዄንኪ ግና፡ ንጭንቀትኪ እዩ ዜጋድዶ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎኪ ርክብ ኣተኵሪ። ከምኡ እንተ ጌርኪ፡ ውሽጣዊ ብርታዐኺ ኽትሃንጺ ኢኺ።—መዝ. 62:2፣ ኤፌ. 6:10።
ዛንታ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዚርከባ ጭንቂ ዘጋጠመን፡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ምስ ቀረባ ኸኣ እተጸናንዓ ኣንስቲ ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን ኪሕግዘኪ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ የሆዋ ንጸገማተን እኳ እንተ ዘየወገዶ፡ ሰላም ግና ሂብወን እዩ። ንኣብነት፡ ሃና በቲ ዅነታታ “ኣመና ተመሪራ” ነበረት። ይኹን እምበር፡ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ነዊሕ ጸሎት ምስ ጸለየት፡’ ኵነታታ ኸመይ ከም ዚኸውን ገና ኸይፈለጠት እኳ፡ ሰላም ረኸበት።—1 ሳሙ. 1:10, 12, 18፣ 2 ቈረ. 1:3, 4።
ካብ ሽማግለታት ጉባኤ ደገፍ ድለዪ። ንሳቶም “ካብ ንፋስ ከም መጽለሊ፡ ካብ ሃጽፊ ኸም መዕቈቢ” ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ኢሳ. 32:2፡ እ.ጽ.) ምስጢርኪ ኸተካፍልያ እትኽእሊ፡ ምንጪ ምጽንናዕ እውን ክትኰነኪ እትኽእል ሓብቲ ኺሕብሩኺ ይኽእሉ ይዀኑ።—ምሳ. 17:17።
ክትሕግዝዮ ትኽእሊዶ፧
ሰብኣይኪ ኻብቲ ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ወልፉ ሓራ ምእንቲ ኪኸውን፡ ክትሕግዝዮ ትኽእሊዶ፧ ምናልባት ክትሕግዝዮ ትኽእሊ ትዀኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ጸገም ምስ ምፍታሕ ወይ ንሓደ ሓያል ጸላኢ ምስ ምስዓር ብዚተሓሓዝ፡ “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ” ይብል። (መክ. 4:9-12) ሰብ ሓዳር ብሓባር እንተ ዓዪዮም፡ ንወልፊ ስእለ ጽዩፍ ኬሰንፉ፡ ኣብ ሓዳሮም ዝነበረ ምትእምማን እውን ኪመልሱ ኸም ዚኽእሉ መጽናዕትታት ይሕብር እዩ።
2 ቈረ. 4:7፣ ያእ. 5:14, 15) ካብቲ ፈተና እቲ ዜርሕቖ ስልትታትከ ነዲፉዶ፧ ንኣብነት፡ ንኤለክትሮኒካዊ ናውቱ ቐይድታት ገይሩሉዶ፧ ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ኻብ ዚኽእል ኵነታትከ ይርሕቕዶ ኣሎ፧ (ምሳ. 27:12) ሓገዝኪ ንምቕባል ፍቓደኛ ድዩ፧ ብዛዕባ እቲ ጸገሙኸ ዋላ ሓንቲ ኸይሓብአ ዅሉ ገሊጹልኪ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ክትሕግዝዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ልክዕ እዩ፡ እቲ ጸገም እቲ ምእንቲ ኺፍታሕ፡ መጻምድትኺ ነቲ ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ጸገሙ ንምፍታሕ ልባዊ ጻዕሪ ኺገብር ኣለዎ። እሞ ደኣ ሓይሊ ንምርካብ ናብ የሆዋ ተማህሊሉዶ፧ ካብ ሽማግለታትከ ሓገዝ ደልዩዶ፧ (ብኸመይ፧ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። እቲ ፈሊሻ እተመርዓወቶ ኤታን ዚብሃል ሰብኣይ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ወልፊ ነበሮ። ፈሊሻ ኸኣ ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ትምኒት ኪልዓሎ ኸሎ፡ ከይተሰከፈ ኺነግራ ሓበረቶ። ብዛዕባ እዚ ኤታን ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ንሰበይተይ ከይሓባባእኩ ብግልጺ እየ ዝነግራ። ንሳ ድማ ብፍቕራዊ መገዲ ደረት ክገብር ትሕግዘኒ፡ ብተደጋጋሚ እውን ከመይ ከም ዘለኹ ትሓትተኒ እያ። ነቲ ኢንተርነት ዝጥቀመሉ መገዲ ኽድርቶ እውን ትሕግዘኒ እያ።” መሸም ፈሊሻ፡ ኤታን ስእለ ጽዩፍ ኪርኢ ትምኒት ብእተላዕሎ መጠን ሕማቕ እዩ ዚስምዓ። “እንተዀነ ግና፡ ቍጥዓይን ስቓየይን ካብቲ ሕማቕ ወልፊ ሓራ ኪኸውን ኣይሕግዞን እዩ። ብዛዕባ እቲ ጸገሙ ድሕሪ ምምይያጥና፡ ንሱ እውን ብዛዕባ ስቓየይ ኪሕግዘኒ ይኽእል እዩ” ትብል።
ከምዚ ዝኣመሰለ ምይይጥ ንሰብኣይ ካብ ስእለ ጽዩፍ ሓራ ኪኸውን ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ፡ ንሰበይቱ ኸም ብሓድሽ ክትኣምኖ እውን ይሕግዛ እዩ። ከመይሲ፡ ሰብኣይ ብዛዕባ ትምኒቱን መዓልታዊ ንጥፈታቱን ኣበይ ከም ዚውዕልን ብግልጺ ዚሕብር እንተ ዀይኑ፡ ኣብ መንጎኦም ምስጢር ኣይህሉን እዩ።
እሞኸ ንሰብኣይኪ ብተመሳሳሊ መገዲ ኽትሕግዝዮ እትኽእሊ ዀይኑዶ ይስምዓኪ፧ ንምንታይ እሞ ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብሓባር ዘይተንብብዋን ዘይትመያየጡላን፧ ሸቶኡ ስእለ ጽዩፍ ኪሓድግን ክትኣምንዮ ዜኽእለኪ መሰረት ኪህበክን እዩ ኪኸውን ዚግባእ። በቲ ዘተሓሳሰበኪ ጕዳይ ቅር ኣብ ክንዲ ዚብሎ፡ እቲ ጸገም ብኸመይ ከም ዝጸለወኪ ኺርዳእ እዩ ኺጽዕር ዘለዎ። ናትኪ ሸቶ ኸኣ፡ ጻዕርታቱ ምድጋፍን ከም ብሓድሽ ክትኣምንዮ ዜኽእለኪ ዕድል ምሃብን እዩ። ክልቴኹም ድማ፡ ሰባት ብስእለ ጽዩፍ ስለምንታይ ከም ዚወድቁን እዚ ጸገም እዚ ብኸመይ ኪውገድ ከም ዚከኣልን ክትፈልጡ ኣሎኩም። d
ዝርርብኩም ናብ ቈየቛ ኸየምርሕ እንተ ሰጊእኪ፡ ንኽልቴኹም ዚቐርበኩም ሽማግለ ምሳኻትኩም ኮፍ ኢሉ ነቲ ዝርርብኩም ንእተወሰነ ግዜ ኪቕልሶ ኽትሓትቲ ትኽእሊ ኢኺ። ሰብኣይኪ ነቲ ወልፊ ስእለ ጽዩፍ ምስ ኣሰንፎ እኳ፡ ናብ ናይ ቀደም ደረጃ እምነት ንምብጻሕ እተወሰነ ግዜ ኺወስደልኪ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ተስፋ ኣይትቝረጺ። ኣብቲ ኣብ መክ. 7:8፣ 1 ቈረ. 13:4።
ርክብኩም እትርእይዮ ንኣሽቱ ምምሕያሻት ኣተኵሪ። ምስ ግዜን ትዕግስትን ሓዳርኪ ኸም ብሓድሽ ድልዱል ኪኸውን ከም ዚኽእል ተስፋ ግበሪ።—እንተ ዘይሓዲግዎኸ፧
ሰብኣይኪ እቲ ጸገም እንተ ደጊስዎ፡ ኣይተነስሐን ወይ ተስፋ የብሉን ማለት ድዩ፧ ግድን ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ምናዳ ወልፊ እንተ ነይርዎ፡ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ቓልሲ ኪዀኖ ይኽእል እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ካብቲ ጸገም ርሒቑ ድሕሪ ምጽናሕ እኳ፡ ኪደግሶ ይኽእል እዩ። ኣብ መጻኢ ጸገሙ ምእንቲ ኸይደግሶ ብዝያዳ ኺቃለስ የድልዮ እዩ። ምናልባት ነቲ ጸገሙ ኸም ዘሰነፎ ዀይኑ ምስ ተሰምዖ እኳ፡ ነቲ ንምክልኻል ዘውጽኦ ስልትታት ኪዕቅቦ የድልዮ ይኸውን። (ምሳ. 28:14፣ ማቴ. 5:29፣ 1 ቈረ. 10:12) ሓድሽ “ኣተሓሳስባ” ኼማዕብል፡ ‘ክፍኣት እውን ኪጸልእ’ ኣለዎ፣ እወ፡ ስእለ ጽዩፍ ኰነ ኸም ግብረ ሕቡእ ዝኣመሰለ ኻልእ ምስኡ እተተሓሓዘ ርኹስ ልምድታት ኪጸልእ ኣለዎ። (ኤፌ. 4:23፣ መዝ. 97:10፣ ሮሜ 12:9) እሞኸ ነዚ ጻዕርታት እዚ ንምግባር ፍቓደኛ ድዩ፧ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ፡ ተስፋ ዘይብሉ ኣይኰነን። e
መጻምድትኺ ምስዚ ጸገሙ እዚ ኺቃለስ እንተ ዘይደልዩኸ፧ ብሰንኪ እዚ ኽትጕህይን ክትቍጥዕን ትኽእሊ ኢኺ፣ እተጠለምኪ ዀይኑ እውን ኪስምዓኪ ይኽእል እዩ። ነቲ ነገር እቲ ኣብ ኢድ የሆዋ ብምሕዳግ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ክትረኽቢ ጽዓሪ። (1 ጴጥ. 5:7) ብመጽናዕትን ብጸሎትን ብምስትንታንን ኣቢልኪ ወትሩ ንየሆዋ ቕረብዮ። ከምኡ እንተ ጌርኪ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኪ እዩ። ኣብ ኢሳይያስ 57:15 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ምስቶም “እተደቝሱን ትሑት ዝመንፈሶምን” እዩ ዚነብር፣ መንፈሶም እውን ይሕድሰሎም እዩ። ብልጽቲ ክርስትያን ንምዃን ዚከኣለኪ ግበሪ። ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ድለዪ። ኣብ መጻኢ፡ ሰብኣይኪ ኻብ ልቡ ኺልወጥ ከም ዚኽእል እውን ተስፋ ግበሪ።—ሮሜ 2:4፣ 2 ጴጥ. 3:9።
a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ ስእለ ጽዩፍ ዚርኢ ሰብ፡ ሰብኣይ ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ኰይኑ ግና፡ ሓያሎ ኻብቲ ስርዓታት፡ ሰበይቲ ስእለ ጽዩፍ ምስ እትርኢ እውን ንሰብኣያ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ።
c ስማት ተቐዪሩ እዩ።
d ኣብ jw.orgን ኣብ ጽሑፋትናን ሓጋዚ ሓበሬታ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ jw.org፡ “ስእለ ጽዩፍ፡ ሓዳር ኪብትን ይኽእል እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ፣ ከምኡ እውን ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 2014 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 10-12 እትርከብ “ንፈተና ኽትቃወሞ ትኽእል ኢኻ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2013 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 3-7 እትርከብ፡ “ስእለ ጽዩፍ—ጕድኣት ዘይብሉ ድዩ ወይስ ሓደገኛ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
e ስእለ ጽዩፍ ወልፊ ኼትሕዝ ስለ ዚኽእል፡ ገሊኦም ሰብ ሓዳር ኣብ ርእሲ እቲ ኻብ ሽማግለታት ዚረኽብዎ መንፈሳዊ ጕስነት፡ ካብ ሰብ ሞያ ሓገዝ ንምርካብ ብሕታዊ ውሳነ ገይሮም እዮም።