ዓንቀጽ መጽናዕቲ 34
ካብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር
“እቶም ልቦና ዘለዎም . . . ኪርድኡ እዮም።”—ዳን. 12:10።
መዝሙር 98 ቅዱሳት ጽሑፋት—ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ
መላለዪ a
1. ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ምእንቲ ኽንፈቱ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
በን ዝስሙ መንእሰይ ሓው፡ “ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ እፈቱ እየ” ይብል። ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፡ ወይስ ትንቢት ምጽናዕ ይኸብደካ እዩ፧ ምናልባት እውን ትንቢታት ምጽናዕ ዘሰልኪ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ የሆዋ ኣብ ቃሉ ስለምንታይ ከም ዘስፈሮ ምስ ፈለጥካ፡ ኣረኣእያኻ ትቕይር ትኸውን።
2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ምንታይ ኢና ኸነተኵር፧
2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ክንምሃር ከም ዘሎና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ከነጽንዖ ኸም ዘሎና እውን ክንመያየጥ ኢና። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ርድኢት ሕጂ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ምእንቲ ኽንርኢ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ተመዝጊቡ ዚርከብ ክልተ ትንቢታት ክንምርምር ኢና።
ስለምንታይ ኢና ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እነጽንዕ፧
3. ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድኣና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
3 ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ሓገዝ ክንሓትት ኣሎና። ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ እስከ ንርአ። ንምብጻሕ ናብ ሓደ ዘይትፈልጦ ቦታ ኼድካ ንበል። ምሳኻ ግና ነቲ ኸባቢ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ ፈታዊኻ ይጕዓዝ ኣሎ። ብልክዕ ኣበይ ከም ዘለኹምን ኵሉ እቲ መገድታት ናበይ ከም ዚመርሕን ይፈልጥ እዩ። ‘ነዚ ፈታውየይ እንቋዕ ሒዘዮ መጻእኩ’ ኢልካ ኸም እትሓስብ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ የሆዋ ኣበየናይ ግዜ ኸም ዘለናን ኣብ መጻኢ ናበይ ከም እነምርሕን ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ብትሕትና ሓገዙ ኽንልምን ኣሎና።—ዳን. 2:28፣ 2 ጴጥ. 1:19, 20።
4. የሆዋ ኣብ ቃሉ ትንቢታት ዘስፈረልና ስለምንታይ እዩ፧ (ኤርምያስ 29:11) (ስእሊ እውን ርአ።)
4 የሆዋ ኸም ኵሉ ፈቃር ወላዲ፡ ንደቁ ዜሐጕስ መጻኢ እዩ ዚምነየሎም። (ኤርምያስ 29:11 ኣንብብ።) ዘይከም ሰብኣውያን ወለዲ ግና፡ ብዛዕባ መጻኢ ብልክዕ ኪንበ ይኽእል እዩ። ኣገዳሲ ፍጻመታት ገና ኸይኰነ ምእንቲ ኽንፈልጥ ኢሉ፡ ኣብ ቃሉ ትንቢታት ኣስፊሩልና ኣሎ። (ኢሳ. 46:10) ስለዚ፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሰማያዊ ኣቦና እተዋህበና ፍቕራዊ ውህበታት እዩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ እተነበዮ ብሓቂ ኸም ዚፍጸም ግና ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧
5. መንእሰያት ካብ ተመክሮ ማክስ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧
5 መንእሰያትና ኣብ ቤት ትምህርቲ በቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣኽብሮት ዘይብሎም ሰባት እዮም ተኸቢቦም ዚውዕሉ። እቲ ኻብቶም ሰባት እቲኦም ዚሰምዕዎ ርእይቶታትን ኣባታቶም ዚርእይዎ ኣካይዳን ከኣ ኣብ ኣእምሮኦም ጥርጣረታት ኪዘርእ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ማክስ ዚብሃል ሓው ዘሕለፎ ተመክሮ እስከ ንርአ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ኰተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ወለደይ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ይምህሩኒ እንተ ኣልዮምን መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ እንተ ዀይኑን ክጠራጠር ጀሚረ።” እሞ ደኣ ወለዱ እንታይ ገበሩ፧ ንሱ ባዕሉ ነዚ ምላሽ ኪህብ ከሎ፡ “ተጨኒቖም እኳ እንተ ነበሩ፡ ብህድኣት እዮም ሒዞምኒ” ይብል። ወለዱ ንሕቶታቱ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምላሽ ሃብዎ። ማክስ እውን ሓደ ነገር ገበረ። እንታይ ከም ዝገበረ ኺገልጽ ከሎ፡ “ባዕለይ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዐ፣ ነቲ ዝፈለጥክዎ ኸኣ ምስ ካልኦት መንእሰያት ተመያይጠሉ” ይብል። እዚኸ እንታይ ኣፍረየሉ፧ “ድሕሪኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ኣሚነ” ይብል።
6. ጥርጣረ እንተ ኣልዩካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ስለምንታይከ፧
6 ከም ማክስ፡ ሓቂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ እንተ ዀይኑ ኽትጠራጠር እንተ ጀሚርካ፡ ዝበደልካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። እንተዀነ ግና፡ ስጕምቲ ኽትወስድ ኣሎካ። ጥርጣረ ኸም ምራተ እዩ። ስቕ ኢልካ እንተ ተራእዩ፡ በብቝሩብ ንኽቡር ነገር ኬበላሹ ይኽእል እዩ። ካብ እምነትካ ዝዀነ ይኹን “ምራተ” ምእንቲ ኸተወግድ፡ ‘ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚብሎ እኣምኖ ድየ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ኽትሓትት ኣሎካ። ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ኣብቲ ድሮ እተፈጸመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኽትገብር ኣሎካ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧
ብኸመይ ኢና ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እነጽንዕ፧
7. ትንቢት ብኸመይ ከነጽንዕ ከም ዘሎና ብዚምልከት፡ ዳንኤል እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧ (ዳንኤል 12:10) (ስእሊ እውን ርአ።)
7 ትንቢት ብኸመይ ከነጽንዕ ከም ዘሎና ብዚምልከት፡ ዳንኤል ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ቅኑዕ ውሽጣዊ ድራኸ ሒዙ፡ ማለት ሓቂ ኺፈልጥ ኢሉ እዩ ትንቢታት ዜጽንዕ ነይሩ። ብተወሳኺ እውን፡ ዳንኤል ትሑት እዩ ነይሩ። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ነቶም ዚፈልጥዎን በቲ ንጹህ መለክዒታቱ ዚመላለሱን ንምርዳእ ዜኽእል ኣእምሮ ኸም ዚህቦም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዳን. 2:27, 28፣ ዳንኤል 12:10 ኣንብብ።) ሓገዝ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ብምውካል፡ ትሕትናኡ ኣርእዩ እዩ። (ዳን. 2:18) ብዘይካዚ፡ ዳንኤል ጽጹይ መጽናዕቲ እዩ ዚገብር ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ ኺረኽቦ ዚኽእል ዝነበረ ቕዱሳት ጽሑፋት ምርምር ገይሩ እዩ። (ኤር. 25:11, 12፣ ዳን. 9:2) እሞ ደኣ ንዳንኤል ብኸመይ ክትመስሎ ትኽእል፧
8. ገሊኦም ሰባት፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተፈጸመ ዘይኣምኑ ስለምንታይ እዮም፧ ንሕና ግና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
8 ውሽጣዊ ድራኸኻ መርምር። ሓቂ ንምፍላጥ ካብ ዘሎካ ሓያል ድሌት ተላዒልካ ዲኻ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዕ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ። (ዮሃ. 4:23, 24፣ 14:16, 17) ትንቢት ንምጽናዕ ግና እንታይ ካልእ ምኽንያት ኪህሉ ይኽእል፧ ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘይተጻሕፈ መርትዖ ንምርካብ ኢሎም እዮም መጽናዕቲ ዚገብሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ናይ ርእሶም መለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ንምውጻእ መመኽነይታ ኺረኽቡ ይጽዕሩ። ንሕና ግና ቅኑዕ ውሽጣዊ ድራኸ ኺህልወና ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ሓንቲ ኣገዳሲት ባህርይ ተድልየና እያ።
9. ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድኣና፡ እንታይ ባህርይ እያ እተድልየና፧ ግለጽ።
9 ትሑት ኩን። የሆዋ ንትሑታት ከም ዚሕግዞም ቃል ኣትዩ ኣሎ። (ያእ. 4:6) ስለዚ፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድኣና ሓገዙ ኽንልምን ኣሎና። ካብቲ መንፈሳዊ ምግቢ ብግዜኡ ዚህበና መትረብ ሓገዝ ከም ዜድልየና እውን ክንኣምን ኣሎና። (ሉቃ. 12:42) የሆዋ ናይ ስርዓት ኣምላኽ እዩ፣ ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ሓቅታት ክንርዳእ ዜኽእለና ሓገዝ ንምሃብ፡ ሓደ መትረብ ጥራይ እዩ ዚጥቀም።—1 ቈረ. 14:33፣ ኤፌ. 4:4-6።
10. ካብ ተመክሮ ኤስተር እንታይ ትምሃር፧
10 ጽጹይ መጽናዕቲ ግበር። ሓደ እትፈትዎ ትንቢት ሕረ እሞ ብዛዕባኡ ምርምር ግበር። ኤስተር ዝስማ ሓብቲ ኸምኡ እያ ገይራ። ኣብቲ ብዛዕባ ምምጻእ እቲ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢታት ተገዳስነት ነበራ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ጓል 15 ኸለኹ፡ እዚ ትንቢታት እዚ ቕድሚ እቲ የሱስ ዝነበረሉ እዋን ከም እተጻሕፈ መርትዖ ንምርካብ ክዅዕት ጀሚረ።” ብዛዕባ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ዘንበበቶ ነገር ከኣ ከም እትኣምን ገበራ። ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ገሊኡ ቕድሚ እቲ ክርስቶስ ዝነበረሉ እዋን እዩ ተጻሒፉ። ስለዚ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ትንቢታት ካብ ኣምላኽ ኪኸውን ኣለዎ።” ብተወሳኺ፡ ኤስተር፡ “እዚ ኽሳዕ ዚርድኣኒ፡ ብተደጋጋሚ ኸንብብ ነይሩኒ” ትብል። እዚ ጻዕሪ እዚ ብምግባራ ግና ሕጕስቲ እያ። ብዛዕባ ሓያሎ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ጽጹይ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባራ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ብንጹር ክርኢ ኽኢለ እየ” ትብል።
11. መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ እንተ ኣረጋጊጽና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
11 ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ገሊኡ ትንቢታት ብኸመይ ከም እተፈጸመ ኽንርኢ ኸለና፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ኣመራርሓኡን ድልዱል እምንቶ ኢና እነሕድር። ብተወሳኺ፡ ሕጂ ዜጋጥመና ፈተናታት ብዘየገድስ፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኸም እነሕድር እዩ ዚገብረና። እምበኣር፡ ሕጂ ዚፍጸም ዘሎ ዳንኤል ዝመዝገቦ ኽልተ ትንቢታት እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንመርምር። ነዚ ትንቢታት እዚ እንተ ተረዲእናዮ፡ ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና።
እቲ ኣእጋር ኣጻብዕን ካይላን ብኸመይ ይጸልወካ፧
12. እቲ ‘ብሓጺንን ብልምሉም ካይላን ተሓዋዊሱ’ ዝቘመ ኣእጋር ንምንታይ የመልክት፧ (ዳንኤል 2:41-43)
12 ዳንኤል 2:41-43 ኣንብብ። ኣብቲ ዳንኤል ንንጉስ ነቡካድነጻር ዝተርጐመሉ ሕልሚ፡ ኣእጋር እቲ ምስሊ “ሓጺን ምስ ልምሉም ካይላ” እተሓወሰ እዩ ነይሩ። ነዚ ትንቢት እዚ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤልን መጽሓፍ ራእይን ዚርከብ ካልእ ትንቢታት ከነነጻጽሮ ኸለና፡ እቲ ኣእጋር ነዚ ሎሚ ሓይሊ ዓለም ኰይኑ ዘሎ ኺዳን ኣንግሎ-ኣመሪካ ኸም ዜመልክት ክንድምድም ንኽእል ኢና። ዳንኤል ብዛዕባ እዚ ሓይሊ ዓለም እዚ፡ “እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲ፡ ገሊኣ ድማ ተሰባሪት ክትከውን እያ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። ስለምንታይ እያ እታ መንግስቲ ገሊኣ ተሰባሪት እተባህለት፧ ምኽንያቱ፡ እቶም ብልምሉም ካይላ እተመሰሉ ተራ ሰባት፡ ነቲ እቲ ሓይሊ ዓለም ብሓጺናዊ ብርታዐ ስጕምቲ ንምውሳድ ዘለዎ ኽእለት የዳኽምዎ እዮም። b
13. ካብዚ ትንቢት እዚ እንታይ ኣገዳሲ ሓቅታት ኢና እንምሃር፧
13 ካብቲ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕልሚ እተራእየ ምስሊ፡ ምናዳ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ኣእጋር ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣገዳሲ ሓቅታት ንምሃር ኢና። ቀዳማይ፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ብርታዐኡ ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለምን እተረኽበ ዓወት፡ ወሳኒ ተራ ነይርዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ሓይሊ ዓለም እዚ በቲ ኣብ መንጎ ዜጋታቱ ዘሎ ውሽጣዊ ግጭታት ተዳኺሙ እዩ፡ ብሕጂ እውን ኪዳኸም እዩ። ካልኣይ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ክሳዕ እተጥፍአን፡ እዚ ኺዳን ኣንግሎ-ኣመሪካ ናይ መወዳእታ ሓይሊ ዓለም ኰይኑ ኺገዝእ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ካልኦት ሃገራት ንሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ እኳ እንተ በድሃኦ፡ ፈጺመን ግና ኣይኪትክኣኦን እየን። እታ ንመንግስቲ ኣምላኽ እተመልክት “እምኒ” ነቲ ንኺዳን ኣንግሎ-ኣመሪካ ዜመልክት ኣእጋር ከም እትሕምሽሾ ንፈልጥ ኢና።—ዳን. 2:34, 35, 44, 45።
14. ነቲ ብዛዕባ ኣእጋር ሓጺንን ካይላን እተነግረ ትንቢት እንተ ተረዲእናዮ፡ ብኸመይ ኢና ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር እንኽእል፧
14 እቲ ዳንኤል ብዛዕባ ኣእጋር ሓጺንን ካይላን እተነበዮ ሓቂ ምዃኑስ ትኣምንዶ፧ ትኣምን እንተ ዄንካ፡ እዚ ንናብራ ህይወትካ ኺጸልዎ እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ እትጠፍእ ዓለም፡ ገንዘባዊ ውሕስነት ኣይከተናድን ኢኻ። (ሉቃ. 12:16-21፣ 1 ዮሃ. 2:15-17) ነዚ ትንቢት እዚ እንተ ተረዲእካዮ፡ ኣገዳስነት ዕዮ ስብከትን ትምህርትን ኪርኣየካ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 6:33፣ 28:18-20) እሞ ደኣ ነዚ ትንቢት እዚ ድሕሪ ምጽናዕካ፡ ንምንታይ ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ዘይትሓትት፦ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ከም እተጥፍአን ዝኣምን ምዃነይ ኣብ ውሳነታተይ ይርአ ድዩ፧’
“ንጉስ ሰሜን”ን “ንጉስ ደቡብ”ን ብኸመይ ይጸልዉኻ፧
15. ሎሚ “ንጉስ ሰሜን” መን እዩ፧ “ንጉስ ደቡብ”ከ መን እዩ፧ (ዳንኤል 11:40)
15 ዳንኤል 11:40 ኣንብብ። ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 11፡ ኣብ ዓለም ዓብለልቲ ንምዃን ንሓድሕዶም ብዛዕባ ዚቃለሱ ኽልተ መንግስትታት ወይ ፖለቲካውያን ሓይልታት ተገሊጹ ኣሎ። ነዚ ትንቢት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዚርከብ ካልእ ትንቢታት ብምንጽጻር፡ እቲ “ንጉስ ሰሜን” ተባሂሉ ዘሎ፡ ሩስያን ተሓባበርቱን ምዃኖም፡ እቲ “ንጉስ ደቡብ” ተባሂሉ ዘሎ ኸኣ፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። c
16. እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት “ንጉስ ሰሜን” ዚነብሩ እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም ዘሎ፧
16 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት “ንጉስ ሰሜን” ዚነብሩ ህዝቢ ኣምላኽ ካብዚ ንጉስ እዚ ቐጥታዊ መስጐጕቲ ይወርዶም ኣሎ። ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት እምነቶም ኣደዳ መውቃዕትን ማእሰርትን ኰይኖም ኣለዉ። እዚ ተግባራት “ንጉስ ሰሜን” ግና ንኣሕዋትና ኣይደሃሎምን፣ የግዳስ፡ ንእምነቶም እዩ ኣደልዲልዋ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚወርድ መስጐጕቲ፡ ዳንኤል ተነብይዎ ምንባሩ ይፈልጡ እዮም። d (ዳን. 11:41) ነዚ እንፈልጥ ምዃንና ኸኣ፡ ተስፋና ኸነደልድልን ንጽህናና ኽንሕሉን ይሕግዘና እዩ።
17. ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ንጉስ ደቡብ ዚነብሩ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ብድሆታት እዩ ኣጋጢምዎም፧
17 ኣብ ሕሉፍ እዋን፡ “ንጉስ ደቡብ” እውን ኣብ ህዝቢ የሆዋ ቐጥታዊ መጥቃዕቲ ኣውሪዱ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ መበል 20 ዘመን፡ ብዙሓት ኣሕዋት ብምኽንያት ገለልትነቶም ተኣሲሮም፡ ገሊኦም ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጒጎም እዮም። ኣብቲ ድሕሪኡ ዘሎ ዓመታት፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት “ንጉስ ደቡብ” ዚነብሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት ዚፍትን ዝረቐቐ ፈተናታት ኣጓኒፍዎም እዩ። ንኣብነት፡ ንምርጫ ኣብ ዚግበር ጐስጓስ፡ ሓደ ክርስትያን ንሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ወይ ንሓደ ሕጹይ ኪድግፍ ይፍተን ይኸውን። ድምጹ ኽሳዕ ምሃብ እኳ እንተ ዘይበጽሐ፡ ብኣእምሮኡን ብልቡን ግና ወገን ይሕዝ ይኸውን። እምበኣር፡ ብተግባርና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሓሳብናን ብስምዒትናን እውን ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት ክንከውን ኣሎና!—ዮሃ. 15:18, 19፣ 18:36።
18. በቲ ኣብ መንጎ “ንጉስ ሰሜን”ን መቐናቕንቱን ዘሎ ግጭት እንታይ እዩ ዚስምዓና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
18 እቶም ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ዘይብሎም ሰባት፡ “ንጉስ ደቡብ” ምስ “ንጉስ ሰሜን” “ኪጋጠም” ኪርእይዎ ኸለዉ፡ እምብዛ ይጭነቑ ይዀኑ። (ዳን. 11:40፡ እ.ጽ.) እዞም ነገስታት እዚኦም ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ህይወት ንምጥፋእ ዜኽእል ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣለዎም። ንሕና ግና፡ የሆዋ ነዚ ኸም ዘይፈቅድ ንፈልጥ ኢና። (ኢሳ. 45:18) ስለዚ፡ በቲ ኣብ መንጎ “ንጉስ ሰሜን”ን “ንጉስ ደቡብ”ን ዘሎ ተጻብኦ ኣብ ክንዲ እንርበሽ፡ በዚ ዅነታት እዚ እምነትና ትድልድል እያ። እወ፡ እዚ ነገር እዚ መወዳእታ እዚ ስርዓት ከም ዝቐረበ እዩ ዜረጋግጸልና።
ወትሩ ናብ ትንቢት ኣቕልብ
19. ብዛዕባ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢና ኣሚንና ኽንቅበል ዘሎና፧
19 ገሊኡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ኣይንፈልጥን ኢና። ነብዪ ዳንኤል እውን እንተ ዀነ፡ ገሊኡ ዝጸሓፎ ነገራት እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይተረድኦን ነይሩ። (ዳን. 12:8, 9) ሓደ ትንቢት ብኸመይ ከም ዚፍጸም ምሉእ ብምሉእ ክንርዳእ ስለ ዘይከኣልና ግና፡ እቲ ትንቢት ኣይፍጸምን እዩ ማለት ኣይኰነን። የሆዋ ኸምቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበሮ፡ ነቲ ኽንፈልጦ ዚደልየና ነገራት ኣብ ልክዕ ግዜኡ ኸም ዚገልጸልና ኽንኣምን ንኽእል ኢና።—ኣሞ. 3:7።
20. ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ ልቢ ዚሰልብ ትንቢታት እዩ ኺፍጸም፧ ንሕናኸ እንታይ ክንገብር እዩ ዘሎና፧
20 እዋኑ ምስ ኣኸለ፡ ኣዋጅ “ሰላምን ደሓንን” ኪእወጅ እዩ። (1 ተሰ. 5:3) ድሕሪኡ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዓለም ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪግልበጥዋን ኬጥፍእዋን እዮም። (ራእ. 17:16, 17) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ እውን መጥቃዕቲ ኺፍንዉ እዮም። (ህዝ. 38:18, 19) እዚ ድማ ብቐጥታ ናብ ውግእ ኣርማጌዶን ኪመርሕ እዩ። (ራእ. 16:14, 16) እዚ ነገራት እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምቕላብን ንኻልኦት ከምኡ ኺገብሩ ብምሕጋዝን፡ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ሞሳ ነርኢ።
መዝሙር 95 እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ
a ኵነታት ዓለም ዝኸፍአ እኳ እንተ ኸፍአ፡ ዜሐጕስ መጻኢ ኸም ዘሎ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ፡ እዚ እምንቶ እዚ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ከነጽንዕ ከም ዘሎና ኽንመያየጥ ኢና። ዳንኤል ዝመዝገቦ ኽልተ ትንቢታት ከኣ ኣሕጽር ኣቢልና ኽንምርምር ኢና። እዚ ርድኢት እዚ ብብሕቲ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና እውን ክንርኢ ኢና።
b ኣብታ ኣብ ናይ 15 ሰነ 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “የሆዋ ‘እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ’ ይገልጽ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ሕ.ጽ. 7-9 ርአ።