ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 33

ካብ ዳንኤል ተምሃር

ካብ ዳንኤል ተምሃር

“ንስኻ ኣዚኻ እተፈቶኻ ኢኻ።”—ዳን. 9:23

መዝሙር 73 ኣትብዓና

መላለዪ a

1. ባቢሎናውያን ብነብዪ ዳንኤል እተደነቑ ስለምንታይ እዮም፧

 ነብዪ ዳንኤል ብባቢሎናውያን ተማሪኹ፡ ካብ ዓዱ ናብ ርሑቕ ኣብ እተወስደሉ እዋን ገና መንእሰይ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ማረኽቱ ብእኡ ተደነቑ። ንሳቶም ነቲ ብኣዒንቲ ‘ዚርአ’ እዮም ርእዮም፣ ማለት፡ ዳንኤል ‘ጕድለት ዘይብሉን ጽቡቕ ዝትርኢቱን’ ምዃኑ፡ ካብ እንዳ ዓበይቲ እውን ምዃኑ እዮም ርእዮም። (1 ሳሙ. 16:7) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካብቶም ዝለዓሉ ኣባላት እቲ ማሕበረ ሰብ ኪኸውን ኣሰልጠንዎ።—ዳን. 1:3, 4, 6

2. የሆዋ ብዛዕባ ዳንኤል እንታይ ይስምዖ ነይሩ፧ (ህዝቅኤል 14:14)

2 የሆዋ ንዳንኤል ብምኽንያት ትርኢቱ ወይ ማሕበራዊ ደረጃኡ ኣይኰነን ፈትይዎ። የግዳስ፡ በቲ ኻብ ንእስነቱ ዝነበሮ ስብእና እዩ ፈትይዎ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ማዕረ እቶም ኣብ ቅድሚኡ ንሓያሎ ዓመታት ጽቡቕ ስም ዝሃነጹ ኖህን እዮብን ገይሩ ኣብ ዝጠቐሰሉ እዋን፡ ዳንኤል ኣብ መወዳእታ 10ታት ወይ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። (ዘፍ. 5:32፣ 6:9, 10፣ እዮ. 42:16, 17፣ ህዝቅኤል 14:14 ኣንብብ።) ድሕርዚ እውን፡ የሆዋ ንዳንኤል ኣብ ብምሉኡ እቲ ነዊሕን ዜደንቕን ህይወቱ ይፈትዎ ነይሩ እዩ።—ዳን. 10:11, 19

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተፈታዊ ዝገበሮ ኽልተ ባህርያት ክንርኢ ኢና። ፈለማ፡ ነዚ ባህርያት እዚ በብሓደ ኽንገልጾ ኢና። ንሱ ነዚ ባህርያት እዚ ዘርኣየሉ ኣጋጣሚታት እውን ክንምርምር ኢና። ድሕሪኡ፡ ዳንኤል ነዚ ባህርያት እዚ ኼማዕብል ዝሓገዞ እንታይ ምዃኑ ኽንርኢ ኢና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእል ክንመያየጥ ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ መንእሰያት ዘተኰረት እኳ እንተ ዀነት፡ ኵላትና ኻብ ዳንኤል ክንምሃር ንኽእል ኢና።

ነቲ ብትብዓት እተመላለሰ ዳንኤል ምሰሎ

4. ዳንኤል ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

4 ተባዓት ሰባት ፍርሂ ይስምዖም ይኸውን፣ እዚ ግና ቅኑዕ ካብ ምግባር ኪዓግቶም ኣይፈቕዱን እዮም። ዳንኤል ኣዝዩ ተባዕ መንእሰይ እዩ ነይሩ። ትብዓቱ ዘርኣየሉ ኽልተ ኣጋጣሚታት እስከ ንርአ። እቲ ቐዳማይ ካብቲ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ዘጥፍኡሉ ግዜ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ እዩ ኣጋጢሙ ኪኸውን ዚኽእል። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ብሕልሚ ሓደ ገዚፍ ምስሊ ረኣየ፣ በዚ ሕልሙ እውን ተረበሸ። ነቶም ጥበበኛታት ከኣ፡ እንተላይ ንዳንኤል እውን ማለት እዩ፡ ሕልሙን ትርጉሙን እንተ ዘይነጊሮምዎ ንዅላቶም ኪቐትሎም ወሰነ። (ዳን. 2:3-5) ዳንኤል ቅልጡፍ ስጕምቲ ኺወስድ ነበሮ፣ እንተ ዘይኰይኑ፡ ህይወት ሰባት ምጠፍአ ነይሩ። ስለዚ፡ “ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ እቲ ትርጉም ንንጉስ ኪነግሮስ፡ ግዜ ኺህቦ ለመኖ።” (ዳን. 2:16) እዚ ትብዓትን እምነትን ዚሓትት እዩ ነይሩ። ዳንኤል ቅድሚኡ ሕልሚ ኸም ዝተርጐመ ዚሕብር ጸብጻብ የልቦን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቶም ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዚብል ናይ ባቢሎናውያን ስማት እተዋህቦም ብጾቱ፡ “ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ጸልዮም ምሕረት ኪልምኑ ሓተቶም።” (ዳን. 2:18) የሆዋ ድማ ጸሎቶም መለሰሎም። ብሓገዝ ኣምላኽ፡ ዳንኤል ንሕልሚ ነቡካድነጻር ተርጐሞ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ህይወት ዳንኤል ኰነ ህይወት ብጾቱ ደሓነ።

5. ኣብ ካልእ እዋን ዳንኤል እንታይ ንትብዓቱ ዚፍትን ፈተና እዩ ኣጋጢምዎ፧

5 ዳንኤል ትርጉም እቲ ብሕልሚ እተራእየ ገዚፍ ምስሊ ድሕሪ ምፍታሑ እተወሰነ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ትብዓቱ ኸም ብሓድሽ ተፈተነ። ነቡካድነጻር ካልእ ዚርብሽ ሕልሚ ሓለመ። እዚ ሕልሚ እዚ፡ ብዛዕባ ሓንቲ ነዋሕ ኦም እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ዳንኤል ንንጉስ ትርጉም እቲ ሕልሚ ብትብዓት ገለጸሉ። እቲ ንጉስ ንእተወሰነ እዋን ከም ዚጽለልን ዝፋኑ ኸም ዚስእንን እውን ሓበሮ። (ዳን. 4:25) እቲ ንጉስ ነቲ መልእኽቲ ኸም ዕልወት ገይሩ ብምርኣይ ንዳንኤል ኪቐትሎ ምኸኣለ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ዳንኤል በዚ ኸይተዳህለ፡ ተቢዑ ነቲ ትርጉሙ ገለጸሉ።

6. ዳንኤል ብትብዓት ንምምልላስ እንታይ ሓጊዝዎ ኪኸውን ይኽእል፧

6 ዳንኤል ኣብ ምሉእ ህይወቱ ብትብዓት ንምምልላስ እንታይ ሓጊዝዎ ኪኸውን ይኽእል፧ ብንእስነቱ ኻብቲ ኣብ ኣቦኡን ኣዲኡን ዝረኣዮ ኣብነት ተማሂሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንሳቶም ነቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ወለዲ ዝሃቦም ትእዛዝ ብምሕላው፡ ንውሉዶም ሕጊ ኣምላኽ ምሂሮምዎ ኪዀኑ ኣለዎም። (ዘዳ. 6:6-9) ዳንኤል ከም ዓሰርተ ትእዛዛት ዝኣመሰለ መሰረታዊ ኽፋል ሕጊ ሙሴ ጥራይ ኣይኰነን ዚፈልጥ ነይሩ። የግዳስ ሓደ እስራኤላዊ እንታይ ኪበልዕ ከም ዚኽእልን ከም ዘይክእልን ብዝርዝር ይፈልጥ ነይሩ እዩ። b (ዘሌ. 11:4-8፣ ዳን. 1:8, 11-13) ብዘይካዚ ብዛዕባ ታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ ይፈልጥ፡ መለክዒታት የሆዋ ኣብ ዘይሓለዉሉ እዋን እንታይ ከም ዘጋጠሞም እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዳን. 9:10, 11) ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዘሕለፎ ተመክሮ፡ የሆዋን ሓያላት መላእኽቱን ይድግፍዎ ኸም ዘለዉ እምንቶ ኣሕዲሩሉ እዩ።—ዳን. 2:19-24፣ 10:12, 18, 19

ዳንኤል ብመጽናዕትን ብጸሎትን በቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎ እምነትን ኣቢሉ ትብዓት ኣማዕበለ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. እንታይ ተወሳኺ ነገራት እዩ ንዳንኤል ትብዓት ኬማዕብል ዝሓገዞ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

7 ዳንኤል ነቲ ነብያት ኣምላኽ ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት፡ እንተላይ ነቲ ኤርምያስ ዝጸሓፎ ትንቢታት የጽንዕ ነይሩ እዩ። ካብቲ መጽናዕቱ ኸኣ፡ እቲ ኣይሁድ ኣብ ምርኮ ባቢሎን ዝጸንሑሉ ግዜ መወዳእታኡ ኸም ዚቐረበ ኣስተውዓለ። (ዳን. 9:2) ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ምርኣዩ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎ እምንቶ ኣደልዲሉሉ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ኣምላኽ ድልዱል እምነት ዘለዎም ከኣ ዜደንቕ ትብዓት እዮም ዜርእዩ። (ምስ ሮሜ 8:31, 32, 37-39 ኣረኣኢ።) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ዳንኤል ብተደጋጋሚ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ይጽሊ ነበረ። (ዳን. 6:10) ኣብ ጸሎቱ ኸኣ ሓጢኣቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተናዘዘ፡ ስምዒቱ እውን ገለጸሉ። ብተወሳኺ እውን ሓገዝ ለመነ። (ዳን. 9:4, 5, 19) ከማና ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ትብዓት ወሪሱ ኣይኰነን ተወሊዱ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ባህርይ እቲ ብመጽናዕትን ብጸሎትን ኣብ የሆዋ ብምውካልን እዩ ኣማዕቢልዎ።

8. ብኸመይ ኢና ትብዓት ከነማዕብል እንኽእል፧

8 እሞ ደኣ ትብዓት ንምምዕባል እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ወለድና ተባዓት ክንከውን ይላበዉና ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ባህርይ እዚ፡ ኬውርሱና ኣይክእሉን እዮም። ትብዓት ምምዕባል፡ ሓድሽ ክእለት ከም ምጥራይ እዩ። ሓደ ኻብቲ ሓድሽ ክእለት ከተማዕብለሉ እትኽእል መገዲ ኸኣ፡ ተግባራት መምህርካ ብምዕዛብን ኣብነቱ ብምቕዳሕን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ካልኦት ብኸመይ ተባዓት ከም ዝዀኑ ብምዕዛብን ኣብነቶም ብምቕዳሕን ትብዓት ከነማዕብል ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ካብ ዳንኤል እንታይ ተማሂርና፧ ከምኡ ንቓል ኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ኣሎና። ናብ የሆዋ ኸይተሰከፍና ብተደጋጋሚ ብምጽላይ ምስኡ ናይ ቀረባ ርክብ ክንምስርት ኣሎና። የሆዋ ኸም ዚድግፈና ርግጸኛታት ብምዃን እውን፡ ኣብኡ እምነት ከነሕድር ኣሎና። ድሕሪኡ፡ እምነትና ምስ ተፈተነት ተባዓት ክንከውን ኢና።

9. ተባዓት እንተ ዄንና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

9 ተባዓት እንተ ዄንና፡ ብብዙሕ መገድታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ተመክሮ በን እስከ ንርአ። በን ኣብ ጀርመን ኣብ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ እዩ ዚምሃር ነይሩ። ኣብቲ ቤት ትምህርቱ ዚርከቡ ዅሎም ሰባት ከኣ ኣብ ፍልቀት እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ፍጥረት እውን ከም ጽውጽዋይ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ሓደ መዓልቲ በን ኣብ ቅድሚ ደቂ ኽፍሉ ደው ኢሉ ህይወት ብፍጥረት ዝመጸሉ ምኽንያት ኬረድእ ዕድል ተዋህቦ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንሱ ብትብዓት እምነቱ ገለጸ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ በን ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “መምህረይ ጽን ኢሉ ሰሚዑኒ። ቅዳሓት እቲ ንመጐተይ ዚድግፍ ሓበሬታ ኣዳልዩ እውን ንዅሎም ደቂ ኽፍለይ ዓዲልዎም።” እሞ ደኣ እቶም ደቂ ኽፍሉ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ በን፡ “መብዛሕትኦም ክፉት ኣእምሮ እዩ ነይርዎም። ከም ዜድንቑኒ እውን ገሊጾምለይ” ይብል። ካብ ተመክሮ በን ከም እንርእዮ ተባዓት ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣኽብሮት ይረኽቡ እዮም። ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት እውን ናብ የሆዋ ኺስሕቡ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ትብዓት እነማዕብለሉ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና።

ነቲ እሙን ዝነበረ ዳንኤል ምሰሎ

10. ተኣማንነት እንታይ እዩ፧

10 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ተኣማንነት” ወይ “ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ዜርእዮም ፍቕሪ ንምግላጽ እያ እትውዕል። ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንዘሎ ፍቕሪ ንምግላጽ እውን ተዓይዩላ ኣሎ። (2 ሳሙ. 9:6, 7) ተኣማንነትና ምስ ግዜ እናደልደለ ኪኸይድ ይኽእል እዩ። ነዚ ነገር እዚ እስከ ኣብ ነብዪ ዳንኤል ንርኣዮ።

የሆዋ ንዳንኤል ስለቲ ተኣማንነቱ፡ መልኣኽ ብምልኣኽን ኣፍ ኣናብስ ብምዕጻውን ሞገሱ ኣርኣዮ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ዳንኤል ኣብ እዋን እርጋኑ እንታይ ናይ ተኣማንነት ፈተና እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 ዳንኤል ንየሆዋ ዝነበሮ ተኣማንነት ኣብ ምሉእ ህይወቱ እዩ ተፈቲኑ። ሓደ ኻብቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ፈተናታት ግና ኣብ 90ታት ዕድሚኡ እዩ ኣጓኒፍዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ባቢሎን ብሜዶናውያንን ብፋርሳውያንን ተታሒዛ ነበረት፣ ንጉስ ዳርዮስ እውን ይገዝእ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ኣባላት ቤተ መንግስቲ ንዳንኤል ጸልእዎ፣ ነቲ ንሱ ዜምልኾ ኣምላኽ እውን ኣኽብሮት ኣይነበሮምን። ስለዚ፡ ንዳንኤል ኬቕትልዎ ውዲት ኣለሙ። ዳንኤል ካብ ኣምላኹ ወይ ካብ ንጉስ ንሓዲኦም ጥራይ እሙን ኪኸውን ዚፍትን ትእዛዝ ከም ዚወጽእ ገበሩ። ዳንኤል ነቲ ንጉስ ዝነበሮ ተኣማንነት ንምርግጋጽ፡ ምስ ካልኦት ተመሳሲሉ ን30 መዓልቲ ናብ የሆዋ ኸይጸለየ ኺጸንሕ ጥራይ እዩ ነይርዎ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ እምነቱ ምልምላም ኣበየ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርበየ። የሆዋ ግና ካብ ኣፍ ኣናብስ ብምንጋፍ፡ ዓስቢ ተኣማንነቱ ሃቦ። (ዳን. 6:12-15, 20-22) እሞ ደኣ ከምቲ ዳንኤል ዘርኣዮ ጽኑዕ ተኣማንነት ብኸመይ ከነማዕብል ንኽእል፧

12. ዳንኤል ንየሆዋ ጽኑዕ ተኣማንነት ኬማዕብል ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

12 ኣቐዲምካ ኸም እተጠቕሰ፡ ተኣማንነት ካብ ሓያል ፍቕሪ እዩ ዚነቅል። ዳንኤል ንሰማያዊ ኣቦኡ ኣጸቢቑ የፍቕሮ ስለ ዝነበረ እዩ ንየሆዋ ጽኑዕ ተኣማንነት ኪህልዎ ኽኢሉ። ነዚ ፍቕሪ እዚ ንምምዕባል፡ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ሓሲቡ፡ ብዛዕባ እቲ ነዚ ባህርያት እዚ ዘርኣየሉ መገድታት እውን ኣስተንቲኑ ኪኸውን ኣለዎ። (ዳን. 9:4) ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዕኡ ዀነ ንህዝቡ ዝገበሮ ዅሉ ሰናይ ተግባራት ብሞሳ ኣስተንቲኑ እዩ።—ዳን. 2:20-23፣ 9:15, 16

ንየሆዋ ሓያል ፍቕሪ እንተ ኣማዕቢልካ፡ ከም ዳንኤል፡ ንዕኡ ጽኑዕ ተኣማንነት ከተማዕብል ትኽእል ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. (ሀ) መንእሰያትና እንታይ ናይ ተኣማንነት ፈተና እዩ ዜጋጥሞም፧ ኣብነት ሃብ። (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንግብረ ሶዶማውያን ዚድግፉ እንተ ዀይኖም ሕቶ ምስ ዚቐርበልካ፡ ኣብታ ቪድዮ ኸም እተራእየ እንታይ ኢልካ ኢኻ ኽትምልስ እትኽእል፧

13 መንእሰያትና እውን ከም ዳንኤል፡ ንየሆዋ ዀነ ንመለክዒታቱ ኣኽብሮት ብዘይብሎም ሰባት እዮም ተኸቢቦም ዘለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም ንዝዀነ ይኹን ንኣምላኽ አፍቅሮ እየ ዚብል ሰብ ይጸልኡ ይዀኑ። ገሊኦም ሕሉፍ ሓሊፎም ንመንእሰያትና ነቲ ንየሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ኬፍርሱ ጸቕጢ ይገብሩሎም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ግሬም ዝስሙ መንእሰይ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፈታኒ ዅነታት ኣጋጠሞ። መምህሮም፡ ‘ሓደ ሰብ ግብረ ሶዶማዊ ምዃኑ ብምስጢር እንተ ነጊሩካ እንታይ ትገብር፧’ ዚብል ሕቶ ነቶም ተምሃሮ ኣቕረበትሎም። ኵሎም እቶም ነቲ ሰብ እቲ ግብረ ሶዶማዊ ዀይኑ ኺመላለስ ዚድግፍዎ ብሓደ ሸነኽ እቲ ኽፍሊ ደው ኪብሉ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ በቲ ሓደ ሸነኽ ደው ኪብሉ ሓተተት። ግሬም ኣስዕብ ኣቢሉ ዘጋጠመ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዘይካ ኣነን ሓደ ናይ የሆዋ ምስክርን፡ ኵሎም እቶም ደቂ ኽፍልና በቲ ብመገዲ ህይወቱ ኺመላለስ ዚድግፍዎ ሸነኽ ደው ኢሎም” ይብል። እቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ነገር ከኣ፡ ነቲ ግሬም ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነት ብሓቂ እዩ ፈቲንዎ። ብዛዕባኡ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ኣብቲ ሓደ ሰዓት ዚኸውን ዝተረፈ ግዜ፡ እቶም ተምሃሮን እታ መምህርን ኣባጭዮምልናን ጸሪፎምናን። ብህድኣትን ብሚዛናዊ መገድን ንእምነተይ ንምጥባቕ ዝከኣለኒ ገይረ። ዝብሎ ዝነበርኩ ግና ፈጺሞም ኣይሰምዑንን።” እሞ ደኣ እዚ ናይ ተኣማንነት ፈተና ኣብ ግሬም እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ባዕሉ ይምልስ፦ “ኣደዳ ጸርፊ ምዃነይ ኣይፈቶኽዎን። ከይተለማለምኩ ንእምነተይ ክጣበቕ ብምኽኣለይ ግና ኣዝየ እየ ተሓጒሰ።” c

14. ንየሆዋ ጽኑዕ ተኣማንነት ከነማዕብል እንኽእለሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

14 ከም ዳንኤል ንየሆዋ ሓያል ፍቕሪ እንተ ኣማዕቢልና፡ ጽኑዕ ተኣማንነት ኪህልወና ይኽእል እዩ። ነቲ ፍቕሪ እቲ ንምምዕባል ከኣ ባህርያት የሆዋ ኽንምሃር ኣሎና። ንኣብነት፡ ነቲ ዝገበሮ ነገራት ከነጽንዖ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 1:20) ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከተዕዝዝ እንተ ደሊኻ፡ “ተነዲፉ ድዩ፧” ኣብ ዘርእስቱ ዓምዲ ዚርከብ ሓጺር ዓንቀጻት ከተንብብ ወይ ቪድዮታት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ኣብታ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ ዘርእስታ ብሮሹርን ኣብታ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ ዘርእስታ ብሮሹርን ዚርከብ ሓበሬታ እውን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ደንማርክ እትነብር ኤስተር ዝስማ መንእሰይ ብዛዕባ እዚ ጽሑፋት እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “እቲ መረዳእታታት መሳጢ እዩ። እተን ብሮሹራት እንታይ ክትኣምን ከም ዘሎካ ኣይኰናን ዚነግራኻ፡ የግዳስ ነቲ ሓቅታት የቕርባልካ እሞ ባዕልኻ ኽትውስን እየን ዚሓድጋኻ” ትብል። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ በን እውን፡ “እዚ ሓበሬታ እዚ ኣዝዩ እምነት ዜደልድል እዩ። ኣምላኽ ህይወት ከም ዝፈጠረ ኣረጋጊጹለይ” ይብል። ነዚ ሓበሬታ እዚ ምስ ኣጽናዕካዮ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ [ኢኻ] እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ኢሉ ዚዛረቦ ሓሳብ ከም እትሰማማዕ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ራእ. 4:11 d

15. ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ከነማዕብለሉ እንኽእል ካልእ መገዲ እንታይ እዩ፧

15 ንየሆዋ ሓያል ፍቕሪ እነማዕብለሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ ብዛዕባ ህይወት እቲ ወዱ ዝዀነ የሱስ ኣጸቢቕና ብምምርማር እዩ። ኣብ ጀርመን እትነብር ሳሚራ ዝስማ መንእሰይ ሓብቲ ኸምኡ እያ ገይራ። ንሳ፡ “ንየሆዋ ብየሱስ ኣቢለ ብዝያዳ ኽፈልጦ ኽኢለ” ትብል። ብቝልዕነታ፡ ነቲ ‘የሆዋ ስምዒታት ኣለዎ’ ዚብል ሓሳብ ብቐሊሉ ኣይትርድኦን እያ ነይራ። የሱስ ከመይ ይስምዖ ኸም ዝነበረ ግና ክትርዳእ ትኽእል ነይራ። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “የሱስ ምቕሉልን ቈልዑ ዚፈቱን ብምንባሩ ፈትየዮ” ትብል። ብዛዕባ የሱስ ብዝያዳ ብዝፈለጠት መጠን፡ ንየሆዋ ዘለዋ ፍቕሪ እናሓየለ ኸደ። ስለምንታይ፧ ከምዚ ብምባል ባዕላ ትምልስ፦ “የሱስ ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚመስሎ ኽርዳእ ክኢለ። ኣጸቢቖም እዮም ዚመሳሰሉ። የሆዋ ንየሱስ ናብ ምድሪ ዝለኣኸሉ ሓደ ምኽንያት እውን እዚ ምዃኑ ተገንዚበ። ደቂ ሰብ ንየሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ኺፈልጥዎ ኢሉ እዩ ልኢኽዎ።” (ዮሃ. 14:9) ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ከተደልድል እንተ ደሊኻ፡ ብዛዕባ የሱስ ንምፍላጥ ንምንታይ ዝያዳ ግዜ ዘይትውፊ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕርን ተኣማንነትን ኪዓቢ እዩ።

16. እሙናት እንተ ዄንና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧ (መዝሙር 18:25፣ ሚክያስ 6:8)

16 እሙናት ዘበሉ ናይ ቀረባን ነባርን ዕርክነት እዮም ዚምስርቱ። (ሩት 1:14-17) ንየሆዋ እሙናት ዘበሉ ኸኣ ውሽጣዊ ሰላም ይረኽቡ እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ምስ እሙን፡ እሙን ከም ዚኸውን ቃል ኣትዩ ኣሎ። (መዝሙር 18:25፣ ሚክያስ 6:8 ኣንብብ።) ሕስብ እሞ ኣብሎ እቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ፡ ምሳና ንሓዋሩ ዚቕጽል ፍቕሪ ንምምስራት ፍቓደኛ እዩ። ከምዚ ዓይነት ዕርክነት ምስ መስረትና ኸኣ ዝዀነ ይኹን ፈተና፡ ተቓውሞ፡ ወይ ሞት ካብኡ ኣይኪፈልየናን እዩ። (ዳን. 12:13፣ ሉቃ. 20:37, 38፣ ሮሜ 8:38, 39) እምበኣር ንዳንኤል ንምሰሎ፡ ንየሆዋ እውን እሙናት ንኹን።

ወትሩ ኻብ ዳንኤል ተምሃር

17-18. ካብ ዳንኤል እንታይ ተወሳኺ ትምህርቲ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

17 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክልተ ኻብ ባህርያት ዳንኤል ጥራይ ኢና መርሚርና። ካብኡ ኽንምሃሮ እንኽእል ገና ብዙሕ ነገራት ግና ኣሎ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንዳንኤል፡ ራእያትን ሕልምታትን ኣርእይዎ እዩ። ትንቢታዊ መልእኽትታት ናይ ምትርጓም ክእለት እውን ሂብዎ እዩ። ሓያሎ ኻብዚ ትንቢታት ተፈጺሙ እዩ። ገሊኡ ግና ኣብ መጻኢ እዩ ኺፍጸም፣ ኣብ ምድሪ ንዚርከብ ኵሉ ሰብ እውን ኪጸሉ እዩ።

18 ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክልተ ኻብቲ ዳንኤል ዝመዝገቦ ትንቢታት ክንምርምር ኢና። ንኣሽቱ ዀንና ዓበይቲ ነቲ ትንቢታት እቲ ኽንርድኦ እንተ ኽኢልና፡ ሕጂ ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ኢና። እዚ ትንቢታት እዚ ንትብዓትናን ንተኣማንነትናን ዜደልድል ስለ ዝዀነ ድማ፡ ንዚመጽእ ፈተናታት ድሉዋት ኴንና ኽንጸንሕ ኢና።

መዝሙር 119 እምነት ትሃልወና

a ኣብዚ ግዜና ዘለዉ መንእሰያት ኣገልገልቲ የሆዋ ንትብዓቶምን ነቲ ንየሆዋ ዘለዎም ተኣማንነትን ዚፍትን ብድሆታት የጋጥሞም እዩ። ብፍጥረት ስለ ዚኣምኑ፡ ደቂ ኽፍሎም የላግጹሎም ይዀኑ። ወይ ድማ ንኣምላኽ ስለ ዜገልግሉን ብመለክዒታቱ ስለ ዚመላለሱን መዛኑኦም ከም ዓያሹ ገይሮም ይርእይዎም ይዀኑ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም እንርእዮ ግና እቶም ኣብነት ዳንኤል ዚስዕቡ፡ ንየሆዋ እውን ብትብዓትን ብተኣማንነትን ዜገልግልዎ ሰባት ብሓቂ ጥበበኛታት እዮም።

b ዳንኤል ነቲ ባቢሎናውያን ዘቕረቡሉ ምግቢ ኸም ርኹስ ገይሩ ዝረኣየሉ ሰለስተ ምኽንያት ኪህልዎ ይኽእል እዩ፦ (1) እቲ ስጋ ናይቶም ብሕጊ ሙሴ እተኸልከሉ እንስሳታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘዳ. 14:7, 8) (2) እቲ ስጋ፡ ደሙ ብግቡእ ካብ ዘይፈሰሰ እንስሳ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘሌ. 17:10-12) (3) ካብቲ ምግቢ እቲ ምብላዕ፡ ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ምስታፍ ጌርካ ይርአ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ምስ ዘሌዋውያን 7:15ን 1 ቈረንቶስ 10:18, 21, 22ን ኣረኣኢ።

c ኣብ jw.org፡ ውጽኢት ናይ ሓቂ ጽድቅስ ሰላም እዩ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

d ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ንምሕያል ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ እውን ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ብዕምቈት ትገልጽ።