ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እቲ ኣብ 2 ተሰሎንቄ 3:14 ምልክት ብዛዕባ ምግባር ተጠቒሱ ዘሎ ተግባር፡ ብደረጃ ጉባኤ ድዩ ዚግበር ወይስ ብደረጃ ውልቀ ሰብ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚርከቡ ክርስትያናት፡ “ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ . . . ምልክት ግበሩሉ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (2 ተሰ. 3:14) ኣቐዲምና፡ እዚ መምርሒ እዚ፡ ንሽማግለታት ከም እተዋህበ ጌርና ኢና እንርእዮ ኔርና። ሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ምኽሪ እናተዋህቦ ኽነሱ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ እንተ ኢልዎ፡ ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ናይ መጠንቀቕታ መደረ ኬቕርቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ድሕሪኡ፡ ኣስፋሕቲ ምስቲ ምልክት እተገብረሉ ሰብ ማሕበራዊ ርክብ ኣይህልዎምን እዩ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ምትዕርራይ ኣድልዩ ኣሎ። ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ክርስትናያት ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ኪወስድዎ ንዚግባእ ስጕምቲ እዩ ዜመልክት። ስለዚ፡ ድሕሪ ደጊም ሽማግለታት፡ ናይ መጠንቀቕታ መደረ ኬቕርቡ ኣየድልዮምን እዩ። ስለምንታይ እዩ እዚ ለውጢ ተገይሩ፧ ኣብ ከባቢ እዚ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ዘሎ ሓሳባት እስከ ንርአ።
ጳውሎስ፡ ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ‘ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ’ ሓቢሩ ኣሎ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዚውሃቦም ምኽሪ ዕሽሽ ኢሎምዎ ነይሮም እዮም። ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ “ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይደሊ እንተ ዀይኑ፡ ኣይብላዕ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። ገሊኦም ግና፡ ኪዓይዩ እናኸኣሉ ኽነሶም፡ ዕዮ ምዕያይ ይኣብዩ ነይሮም እዮም። ኣብ ናይ እንዳ እማቶም ዘይምልከቶም ጕዳይ እውን ይኣትዉ ነይሮም እዮም። ክርስትያናት ነዞም ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ ሰባት ብኸመይ እዮም ኪሕዝዎም ዚግባእ፧—2 ተሰ. 3:6, 10-12።
ጳውሎስ፡ “ምልክት ግበሩሉ” ኢሉ ኣሎ። እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ነቲ ሰብ እቲ ብፍሉይ ኪምልከትዎ ኸም ዘለዎም እትሕብር እያ። እዚ መምርሒ እዚ፡ ንብዘላ እታ ጉባኤ ደኣ እምበር፡ ንሽማግለታት ጥራይ ኣይኰነን ተዋሂቡ። (2 ተሰ. 1:1፣ 3:6) ስለዚ፡ ክርስትያናት ብደረጃ ውልቀ ሰብ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንዘይሕሉ ክርስትያን ኪምልከትዎ እሞ ‘ምስኡ ኸይሓብሩ’ ይውስኑ ይዀኑ።
ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ጉባኤ ኸም እተወገደ ጌርካ እዩ ዚርአ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን፣ ስለምንታይሲ፡ ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ከም ሓው ደኣ ምዓድዎ” ኢሉ እዩ። ስለዚ፡ ክርስትያናት ብደረጃ ውልቀ ሰብ ምስቲ ምልክት እተገብረሉ ኣብ ኣኼባን ኣብ ኣገልግሎትን ይሓብሩ እዮም፣ ኣብ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ወይ ኣብ ምዝንጋዕ ግና ምስኡ ንዘይምሕባር ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ስለምንታይ፧ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ “ምእንቲ ኺሓፍር” እዮም ከምኡ ዚገብሩ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ክርስትያን ምልክት ስለ እተገብረሉ፡ ብኣካይዳኡ ይሓፍርን መገድታቱ ይቕይርን ይኸውን።—2 ተሰ. 3:14, 15።
እሞ ደኣ ሎሚ ክርስትያናት ነዚ ምኽሪ እዚ ብኸመይ ኪትግብርዎ ይኽእሉ፧ ቀዳማይ፡ ሓደ ሰብ “ብዘይ ስርዓት” ይመላለስ ከም ዘሎ ርግጸኛታት ክንከውን ኣሎና። ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ንሕልና ኣብ እተሓድገ መዳያት ወይ ኣብ ብሕታዊ ምርጫታት ካብ ናትና እተፈልየ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ብዛዕባ እቶም ንስምዒትና ዝጐድእዎ ሰባት እውን ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ እቶም ኰነ ኢሎም ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ንጹር ምኽሪ ዘይሕልዉ ሰባት እዩ ዚዛረብ ነይሩ።
ሎሚ፡ ከምዚ ዓይነት መንፈስ ዘይተኣዛዝነት ዘለዎ ክርስትያን እንተ ርኢና፡ a ኣብ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ኰነ ኣብ ምዝንጋዕ ምስቲ ሰብ እቲ ንዘይምሕባር ክንውስን ንኽእል ኢና። እዚ ብሕታዊ ውሳነ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ኣባላት ስድራ ቤትና ወጻኢ ኣይንመያየጠሉን ኢና። ምስቲ ውልቀ ሰብ እቲ ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎትን ንሓብር ኢና። መገዱ ምስ ኣዐረየ ድማ፡ ምስኡ ንቡር ቅርርብ ይህልወና እዩ።
a መንፈስ ዘይተኣዛዝነት ዘለዎ ክርስትያን፡ ንኣብነት ኪዓዪ እናኸኣለ ኽነሱ ምዕያይ ይኣቢ፡ ምስ ዘይኣማኒ ዚገብሮ ውረዛ ንምቍራጽ ፍቓደኛ ኣይከውንን፡ ወይ ድማ ከፋፋሊ ዘረባ ወይ ጐዳኢ ወረ ይነዝሕ ይኸውን። (1 ቈረ. 7:39፣ 2 ቈረ. 6:14፣ 2 ተሰ. 3:11, 12፣ 1 ጢሞ. 5:13) እቶም በዚ መገዲ እዚ ዚመላለሱ፡ “ብዘይ ስርዓት” እዮም ዚመላለሱ ዘለዉ።