ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 35

መዝሙር 123 ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ

ነቶም ካብ ጉባኤ እተወገዱ ዚውሃብ ሓገዝ

ነቶም ካብ ጉባኤ እተወገዱ ዚውሃብ ሓገዝ

“ንስሓ ኻብ ዘየድልዮም 99 ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ዝያዳ ሓጐስ ኪኸውን እዩ።”ሉቃ. 15:7

ኣትኵሮ

ገሊኦም ሰባት ካብ ጉባኤ ስለምንታይ ከም ዚውገዱ፡ ሽማግለታት ከኣ ንዓታቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑን ሞገስ የሆዋ ኺረኽቡን ብኸመይ ከም ዚሕግዝዎም።

1-2. (ሀ) የሆዋ ብፍታዎም ንዚሓጥኡ ሰባት ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧ (ለ) የሆዋ ንኣበስቲ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም፧

 የሆዋ ንዅሉ ኣካይዳ ዚቕበል ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ንሓጢኣት ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። (መዝ. 5:4-6) ነቲ ኣብ ቃሉ ዝሰርዓልና ቕኑዕ መለክዒታቱ ኸነኽብሮ ይደልየና እዩ። ልክዕ እዩ፡ ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ፍጽምና ኣይጽበን እዩ። (መዝ. 130:3, 4) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ‘ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ብጸጋኡ ኣመኽንዮም ንውርምና ኺገብሩ ኸለዉ፡’ ስቕ ኢሉ ኣይርእን እዩ። (ይሁ. 4) ስለዚ፡ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን “ጥፍኣት እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት” ከም ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ።—2 ጴጥ. 3:7፣ ራእ. 16:16

2 ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ከም እተገልጸ፡ “ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ” ኸም ዚደሊ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። (2 ጴጥ. 3:9) ክርስትያን ሽማግለታት ንኣበስቲ መገዶም ኪቕይሩን ከም ብሓድሽ ሞገስ የሆዋ ኺረኽቡን ብትዕግስቲ ኺሕግዝዎም ከለዉ፡ ንየሆዋ እዮም ዚመስልዎ። ኰይኑ ግና፡ ኵሎም ኣበስቲ ኣይኰኑን ዚንስሑ። (ኢሳ. 6:9) ሽማግለታት ንኣበስቲ ናብ ንስሓ ንምምራሕ ብተደጋጋሚ ዚጽዕሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኦም ኣበስቲ ግና ብግጉይ መገዶም ይቕጽሉ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ እንታይ እዩ ኺግበር ዚግባእ፧

“ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣርሕቕዎ”

3. (ሀ) ዘይንስሑ ሓጥኣን እንታይ ኪግበሩ ኸም ዘለዎም እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚነግረና፧ (ለ) ሓደ ኣባሲ ምስ ዘይንሳሕ፡ ካብ ጉባኤ ኺውገድ ይመርጽ ኣሎ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3 ሓደ ኣባሲ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ፡ ሽማግለታት ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 5:13 ዚርከብ፡ “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣርሕቕዎ” ዚብል መምርሒ ኻብ ምስዓብ ወጻኢ ኻልእ ኣማራጺ የብሎምን። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ኣባሲ ባዕሉ እዩ ነቲ ሳዕቤን እቲ ዚመርጽ ዘሎ፣ ዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ ዘሎ። (ገላ. 6:7) ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ ሽማግለታት ናብ ንስሓ ኺመርሕዎ ኢሎም ብተደጋጋሚ ዝገበሩሉ ጻዕሪ ኣይተቐበሎን። (2 ነገ. 17:12-15) ብመለክዒታት የሆዋ ኺመላለስ ከም ዘይደሊ፡ ብተግባራቱ ኣርእዩ እዩ።—ዘዳ. 30:19, 20

4. ዘይንሳሕ ኣባሲ ኻብ ጉባኤ ኺውገድ ከሎ ምልክታ ዚንገር ስለምንታይ እዩ፧

4 ሓደ ዘይንሳሕ ኣባሲ ኻብ ጉባኤ ምስ ተወገደ፡ ድሕሪ ደጊም ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዘይኰነ ዚሕብር ምልክታ ንጉባኤ ይንገር እዩ። ዕላማ እቲ ምልክታ፡ ነቲ ኣባሲ ውርደት ንምልባስ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ነቲ ምስኡ “ደጊም ከይትጽምበሩ፡ ምስ ከምዚ ዝበለ ኸኣ ከቶ ኸይትበልዑ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ምእንቲ ኺስዕብዎ እዩ። (1 ቈረ. 5:9-11) እዚ መምርሒ እዚ እተዋህበሉ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ ከም ዜብኵዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ቈረ. 5:6) ዘይንስሑ ኣበስቲ ንቘራጽነት እቶም ብቕኑዕ መለክዒታት የሆዋ ዚመላለሱ ክርስትያናት ኬዳኽምዎ ይኽእሉ እዮም።—ምሳ. 13:20፣ 1 ቈረ. 15:33

5. ንሓደ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዚግባእ፧ ስለምንታይከ፧

5 እሞ ደኣ ንሓደ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ክርስትያን ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧ ምስኡ ማሕበራዊ ርክብ ዘይህልወና እኳ እንተ ዀነ፡ ተስፋ ኸም ዘይብሉ ዘይኰነስ፡ ከም ዝጠፍአ በጊዕ ጌርና ኢና ኽንርእዮ ዘሎና። ካብ ደምበኣ ዝጠፍአት በጊዕ፡ ክትምለስ ትኽእል እያ። እቲ ኸም ጥፍእቲ በጊዕ ዝዀነ ሰብ፡ ርእሱ ንየሆዋ ኸም ዝወፈየ ኣይንረስዕ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ወፈያኡ ተሰማሚዑ ኣይኰነን ዚመላለስ ዘሎ፣ ስለዚ ድማ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ። (ህዝ. 18:31) ይኹን እምበር፡ ምሕረት የሆዋ ኽሳዕ ዘሎ፡ እቲ ሰብ እቲ ናይ ምምላስ ተስፋ ኣለዎ። እሞ ደኣ ሽማግለታት ንሓደ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ ብኸመይ እዮም እዚ ተስፋ እዚ ኼርእይዎ ዚኽእሉ፧

ሽማግለታት ንውጉዳት ብኸመይ ይሕግዝዎም፧

6. ሽማግለታት ካብ ጉባኤ ንእተወገደ ሰብ ንምሕጋዝ እንታይ ስጕምትታት እዮም ዚወስዱ፧

6 እሞ ደኣ እቲ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ ኣኺልዎ ተደርብዩ፡ ወይ ናብ የሆዋ ባዕሉ ኺምለስ ምሉእ ብምሉእ ተሓዲጉ እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን! ኮሚተ ሽማግለታት ንሓደ ዘይተነስሐ ኣባሲ ኻብ ጉባኤ ኸም እተወገደ ኺሕብርዎ ኸለዉ፡ ናብ ጉባኤ ንምምላስ ኪወስዶ ዘለዎ ስጕምትታት ይገልጹሉ እዮም። እዚ ጥራይ ግና ኣይኰነን ዚገብሩ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ ኣተሓሳስባኡ እንተ ቐዪሩ ንምርኣይ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ምስኡ ኺራኸቡ ኸም ዚደልዩ ይነግርዎ እዮም። እቲ ኣባሲ ፍቓደኛ ዀይኑ ምሳታቶም ምስ ዚራኸብ፡ ኪንሳሕን ኪምለስን ይምሕጸንዎ እዮም። ዋላ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ገና ኣተሓሳስባኡ እንተ ዘይቀየረ፡ ኣብ መጻኢ ምስኡ ንምርኻብ ብተደጋጋሚ ይጽዕሩ እዮም።

7. ሽማግለታት ምስ ሓደ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ ኣብ ዘለዎም ርክብ፡ ከመይ ገይሮም እዮም ርሕራሐ የሆዋ ዜንጸባርቑ፧ (ኤርምያስ 3:12)

7 ሽማግለታት ምስ ሓደ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ ኣብ ዘለዎም ርክብ፡ ርሕራሐ የሆዋ ኼንጸባርቑ ይጽዕሩ እዮም። ንኣብነት፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ፋሉል ዝኸዱ ህዝቡ፡ ቀዳማይ ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስዱ ኣይተጸበዮምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ገና ናይ ንስሓ ምልክት ከየርኣዩ ኸለዉ፡ ንሱ ብተበግሶኡ እዩ ኺሕግዞም ጽዒሩ። ኣብዚ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ኣብ እትርከብ ካልአይቲ ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ንነብዪ ሆሴእ ምስታ እትሓጥእ ዝነበረት ሰበይቱ ኺዕረቕ ብምእዛዝ፡ ርሕራሐኡ ኣርእዩ እዩ። (ሆሴ. 3:1፣ ሚል. 3:7) ክርስትያን ሽማግለታት ከኣ ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ፡ እቲ ኣባሲ ኺምለስ እዮም ብሓቂ ዚደልዩ፣ ከምኡ ምግባር ዓቐብ ከም ዝዀኖ ኣይገብሩን እዮም።—ኤርምያስ 3:12 ኣንብብ።

8. እቲ የሱስ ዘዘንተዎ ምሳሌ እቲ ዝጠፍአ ወዲ፡ ብዛዕባ ርሕራሐን ምሕረትን የሆዋ ኽንርዳእ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃ. 15:7)

8 ነቲ ኣብ ካልአይቲ ዓንቀጽ እተመያየጥናሉ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ዝጠፍአ ወዲ ዘዘንተዎ ምሳሌ እውን ንዝክሮ ኢና። እቲ ኣቦ ነቲ ናብ ቤቱ ዚምለስ ወዱ ምስ ረኣዮ፡ “ጐይዩ . . . ሓኒቑ ሰዓሞ።” (ሉቃ. 15:20) ይቕረታ ኽሳዕ ዚልምን ኣይተጸበዮን። የግዳስ፡ ፈቃር ኣቦ ብምዃኑ፡ ንሱ እዩ ተበግሶ ወሲዱ። ሽማግለታት እውን ነቶም ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ክርስትያናት ተመሳሳሊ ኣመለኻኽታ እዮም ኬርእይዎም ዚጽዕሩ። ነቶም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ፡ “ናብ ቤቶም ኪምለሱ” እዮም ዚደልይዎም። (ሉቃ. 15:22-24, 32) ሓጥእ ኪምለስ ከሎ፡ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ፡ ሓጐስ እዩ ዚኸውን!—ሉቃስ 15:7 ኣንብብ።

9. የሆዋ ንሓጥኣን እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚምሕጸኖም፧

9 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ንዘይንስሑ ኣበስቲ ስቕ ኢሉ ኣይርእዮምን እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ጠሪሱ ዝባኑ ኣይመልሰሎምን እዩ። ኪምለሱ ይደልዮም እዩ። ንዚንስሑ ኣበስቲ ብኸመይ ከም ዚርእዮም፡ ኣብ ሆሴእ 14:4 ጽቡቕ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል፦ “ጥልመቶም ከሕዊ እየ። ቍጥዓይ ካባታቶም ስለ እተመልሰ፡ ብፍታወይ ከፍቅሮም እየ።” እዝስ ንሽማግለታት፡ ንንእሽቶ ምልክት ንስሓ እኳ ኺሕብሕቡ ዜለዓዕል ደይኰነን፧ ነቶም ንየሆዋ ዝሓደግዎ ሰባትከ ኸይተደናጐዩ ናብኡ ኺምለሱ ኣጸቢቑ ዜለዓዕሎም ደይኰነን፧

10-11. ሽማግለታት ነቶም ኣብ ሕሉፍ ግዜ ኻብ ጉባኤ እተወገዱ ሰባት ብኸመይ እዮም ኪሕግዝዎም ዚጽዕሩ፧

10 ኣብ ሕሉፍ ግዜ፡ ምናልባት እውን ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ካብ ጉባኤ እተወገዱ ሰባት ደኣኸ ብኸመይ እዮም ኪትሓዙ ዚግባእ፧ እዞም ሰባት እዚኦም ነቲ እተወገዱሉ ሓጢኣት ሓዲጎምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ስለምንታይ ከም እተወገዱ እኳ ኣይዝክርዎን እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሽማግለታት ነዞም ሰባት እዚኦም ኪረኽብዎምን ኪበጽሕዎምን ይጽዕሩ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ምብጻሕ፡ ምሳታቶም ይጽልዩ፡ ናብ ጉባኤ ኺምለሱ እውን ይምሕጸንዎም እዮም። ሓደ ሰብ ካብ ጉባኤ ንሓያሎ ዓመታት እንተ ርሒቑ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣመና እዩ ዚደክም። ስለዚ፡ ናብ ጉባኤ ኺምለስ ዚደሊ እንተ ዀይኑ፡ ዋላ እኳ ገና ኸይተመልሰ ኸሎ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓሉ ሰብ ብሽማግለታት ኪምደበሉ ይከኣል እዩ። ኣብ ኵሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት፡ ሽማግለታት እዮም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበር ዚምድቡ።

11 ሽማግለታት ኣብነት ርሕራሐ የሆዋ ብምስዓብ፡ ብእተኻእሎም መጠን ንብዙሓት ሰባት ናብ ጉባኤ ዚምለሱሉ ማዕጾ ኽፉት ምዃኑ ኼረድእዎም ይደልዩ እዮም። ሓደ ሓጥእ እንተ ተነሲሑን መገዱ እንተ ቐዪሩን ከኣ፡ ብቕልጡፍ ናብ ጉባኤ ኺምለስ ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 2:6-8

12. (ሀ) ሽማግለታት ብፍላይ ኪጥንቀቕሉ ዚግባእ እንታይ ኵነታት ኣሎ፧ (ለ) ገሊኦም ዓይነት ሓጥኣን ካብ ምሕረት የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይጥቀሙ ጌርና ኽንሓስብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

12 ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ሽማግለታት ንሓደ ሰብ ናብ ጉባኤ ቕድሚ ምምላሶም፡ ፍሉይ ጥንቃቐ ኺገብሩ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ብህስያ ቘልዑ ወይ ብኽሕደት ገበነኛ እንተ ነይሩ፡ ወይ መውስቦኡ ምእንቲ ኺፈርስ ብተንኰል ሓሊኑ እንተ ነይሩ፡ እቶም ሽማግለታት ቅድም ብሓቂ ኸም እተነስሐ ኼረጋግጹ ኣለዎም። (ሚል. 2:14፣ 2 ጢሞ. 3:6) ብተወሳኺ፡ ነተን መጓሰ ኼዕቍብወን ኣለዎም። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ የሆዋ ንሓደ ብሓቂ እተነስሐን ካብ ግጉይ ኣካይዳኡ እተመልሰን ኣባሲ ኸም ዚቕበሎ ኽንርስዕ የብልናን። ስለዚ፡ ሽማግለታት ነቶም ኣብ ሕሉፍ ንሰባት ዝጐድኡ ኣበስቲ ዚጥንቀቑሎም እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኦም ዓይነት ሓጥኣን ካብ ምሕረት የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይጥቀሙ ገይሮም ኪሓስቡ ግና ኣይግባእን እዩ። a1 ጴጥ. 2:10

ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

13. ኣብ መንጎ እቲ ብሽማግለታት ንእተገንሐ ሰብ እንሕዘሉ መገድን ካብ ጉባኤ ንእተወገደ ሰብ እንሕዘሉ መገድን እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧

13 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ከም እተገንሐ ምልክታ ይንገር እዩ። ከምኡ እንተ ተገይሩ፡ እቲ ሰብ እቲ ስለ እተነስሐን ንግጉይ መገዱ ስለ ዝሓደጎን፡ ምስኡ ኽንሓብር ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 5:20) ንሱ ኽፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ፣ ምስ ክርስትያን ብጾት ብምሕባር ዚርከብ መተባብዒ እውን የድልዮ እዩ። (እብ. 10:24, 25) እንተዀነ ግና፡ ሓደ ሰብ ካብ ጉባኤ እንተ ተወጊዱ፡ ኣመና እተፈልየ ዅነታት እዩ ዚፍጠር። ምስቲ ሰብ እቲ ‘ደጊም ኣይንጽምበርን፡ ከቶ እውን ኣይንበልዕን ኢና።’—1 ቈረ. 5:11

14. ክርስትያናት ምስ ሓደ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ ኣብ ዚህልዎም ርክብ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኦም ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ንሓደ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ንጐስዮ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። መሸም፡ ምስኡ ማሕበራዊ ርክብ ኣይህልወናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ክርስትያናት ንሓደ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ፡—ንኣብነት፡ ንሓደ እተወገደ ቤተ ሰቦም ወይ ንሓደ ዚቐርብዎ ዝነበሩ ሰብ ናብ ኣኼባ ጉባኤ ንምዕዳም ወይ ንዘይምዕዳም በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኦም ተጠቒሞም ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ናብ ኣኼባ እንተ መጺኡኸ፧ ኣብ ሕሉፍ፡ ሰላም ኣይንብሎን ኢና ኔርና። ሕጂ ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብዚ መዳይ እዚ በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ተጠቒሙ ኺውስን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ነቲ ሰብ እቲ ሰላም ኪብልዎ ወይ ናብ ኣኼባ ኪቕበልዎ ይኽእሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግና፡ ነዊሕ ከነዕልል ወይ ምስቲ ሰብ ክንቀራረብ የብልናን።

ክርስትያናት ካብ ጉባኤ ንእተወገደ ሰብ ናብ ኣኼባ ንምዕዳም ወይ ኣብ ኣኼባ ሰላም ንምባል፡ በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኦም ተጠቒሞም ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)


15. ኣብ 2 ዮሃንስ 9-11፡ እንታይ ዓይነት ሓጥኣን እዮም ተገሊጾም ዘለዉ፧ (“ ዮሃንስን ጳውሎስን ብዛዕባ ሕደ ሓጢኣት ድዮም ዚዛረቡ ነይሮም፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

15 ገሊኦም፡ ‘እቲ ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ሰላም ዚብሎ፡ ተኻፋሊ እቲ እኩይ ግብሩ ኸም ዝዀነስ መጽሓፍ ቅዱስዶ ኣይገልጽን እዩ፧’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። (2 ዮሃንስ 9-11 ኣንብብ።) ኣብ ከባቢ እዘን ፍቕድታት እዚአን ዘሎ ሓሳባት፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ከሓድትን ግጉይ ኣካይዳ ብንጡፍ ምስ ዜተባብዑ ሰባትን ብዚተሓሓዝ ከም እተዋህበ ይሕብር እዩ። (ራእ. 2:20) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ትምህርትታት ክሕደት ወይ ካልእ ግጉይ ተግባር ብንጡፍ የተባብዕ እንተ ኣልዩ፡ ሽማግለታት ኪበጽሕዎ ኣይከዱን እዮም። ልክዕ እዩ፡ ናብ ልቡ ኺምለስ ይኽእል ይኸውን። ከምኡ ኽሳዕ ዚኸውን ግና፡ ሰላም ኣይንብሎን ወይ ናብ ኣኼባ ጉባኤ ኣይንዕድሞን ኢና።

ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ፡ ርሕራሐን ምሕረትን ነርኢ

16-17. (ሀ) የሆዋ ንሓጥኣን እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም፧ (ህዝቅኤል 18:32) (ለ) ሽማግለታት ንኣበስቲ ንምሕጋዝ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ፡ ከመይ ገይሮም እዮም መዓይይቲ ኣምላኽ ዚዀኑ፧

16 ካብዚ ሓሙሽተ ተኸታታሊ ዓንቀጻት እንታይ ተማሂርና፧ የሆዋ፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ! (ህዝቅኤል 18:32 ኣንብብ።) ሓጥኣን ምስኡ ኺዕረቑ እዩ ዚደሊ። (2 ቈረ. 5:20) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ የሆዋ ፋሉል ንዝኸዱ ህዝቡ ዀነ ውልቀ ሰባት ኪንስሑን ናብኡ ኺምለሱን ብተደጋጋሚ ተማሕጺንዎም እዩ። ሽማግለታት ጉባኤ ንኣበስቲ ናብ ንስሓ ንምምራሕ ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ መዓይይቲ የሆዋ ዀይኖም እዮም ዚዓይዩ።—ሮሜ 2:4፣ 1 ቈረ. 3:9

17 ሓጥኣን ኪንስሑ ኸለዉ፡ ኣብ ሰማይ ዚፍጠር ሓጐስ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ! ሓደ ኻብቶም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ እኳ ናብ ጉባኤ ኺምለስ ከሎ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ይሕጐስ እዩ። ብዛዕባ ርሕራሐኡን ምሕረቱን ጸጋኡን ብዘስተንተንና መጠን፡ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ እናዓመቘ እዩ ዚኸይድ።—ሉቃ. 1:78

መዝሙር 111 መሐጐሲና

a ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ይቕረ ዘይብሃሎ ሓጢኣት ንገሊኡ ዓይነት ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ብቐጻሊ እናተጻረረ ብተሪር ልቢ ንዚገብሮ ሓጢኣት እዩ ዜመልክት። ሓደ ሰብ ከምዚ ዓይነት ሓጢኣት ምግባሩ ወይ ዘይምግባሩ፡ ንሕና ኽንፈርድ ኣይንኽእልን ኢና።—ማር. 3:29፣ እብ. 10:26, 27