ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 34

መዝሙር 107 ፍቕሪ ኣምላኽ

ከመይ ጌርና ኢና ንሓጥኣን ፍቕርን ምሕረትን እነርእዮም፧

ከመይ ጌርና ኢና ንሓጥኣን ፍቕርን ምሕረትን እነርእዮም፧

“ኣምላኽ ብለውሃቱ ናብ ንስሓ ኺመርሓካ ይፍትን [ኣሎ።]ሮሜ 2:4

ኣትኵሮ

ሽማግለታት ነቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ኪሕግዝዎም ከም ዚጽዕሩ።

1. ገሊኦም ከቢድ ሓጢኣት ዚገብሩ ሰባት እንታይ እዮም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ቈረንቶስ እተፈጸመ ኸቢድ ኣበሳ ብኸመይ ከም ዝሓዞ ርኢና ኔርና። እቲ ሓጥእ ስለ ዘይተነስሐ፡ ካብ ጉባኤ ኺውገድ ነይርዎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቀንዲ ጥቕስና ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ገሊኦም ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ ሰባት ተስፋ ዘይብሎም ኣይኰኑን። ናብ ንስሓ ኺምርሑ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 2:4) እሞ ደኣ ኸመይ ገይሮም እዮም ሽማግለታት ናብ ንስሓ ንምብጻሕ ኪሕግዝዎም ዚኽእሉ፧

2-3. ሓደ ክርስትያን ብጻይና ኸቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበረ እንተ ፈሊጥና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

2 ሽማግለታት ቅድሚ ምሕጋዞም፡ እቲ ነገር እንታይ ምዃኑ ኺፈልጡ ኣለዎም። ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ብጻይና ኻብ ጉባኤ ኼወግዶ ዚኽእል ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበረ እንተ ፈሊጥና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ነቲ ኣባሲ ኻብ ሽማግለታት ሓገዝ ኪደሊ ኸነተባብዖ ኣሎና፧—ኢሳ. 1:18፣ ግብ. 20:28፣ 1 ጴጥ. 5:2

3 እቲ ኣባሲ ምስ ሽማግለታት ምዝርራብ እንተ ኣብዩኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ እቲ ሰብ እቲ ዜድልዮ ሓገዝ ምእንቲ ኺረክብ፡ ንሕና ንሽማግለታት ክንነግሮም ኣሎና። ሓውና ወይ ሓብትና ኽንስእን ስለ ዘይንደሊ፡ እዚ ተግባር እዚ ፍቕሪ ኸም ዘሎና እዩ ዜርኢ። እቲ ኣባሲ ብመገዱ እንተ ቐጺሉ፡ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ እዩ ዚብተኽ። ምስ ጉባኤ ዘለዎ ርክብ እውን ይበላሾ እዩ። ስለዚ፡ ካብቲ ንየሆዋን ነቲ ኣባስን ዘሎና ፍቕሪ ተላዒልና ብትብዓት ስጕምቲ ንወስድ ኢና።—መዝ. 27:14

ሽማግለታት ነቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ ሰባት ብኸመይ ይሕግዝዎም፧

4. ሽማግለታት ምስ ሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ኪራኸቡ ኸለዉ፡ እንታይ ሸቶ እዩ ዘለዎም፧

4 ሓደ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ገይሩ፡ ኣካል ሽማግለታት ካብ መንጎኦም ከም ኮሚተ ዀይኖም ዜገልግሉ ሰለስተ ብቑዓት ኣሕዋት ይሓርዩ እዮም። a እዞም ሰባት እዚኦም፡ ትሑታት ኪዀኑ ይግባእ። ነቲ እተጋገየ ናብ ንስሓ ንምምራሕ ኪሕግዝዎ ዚጽዕሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ለውጢ ንምግባር ኬገድድዎ ኸም ዘይክእሉ ግና ይፈልጡ እዮም። (ዘዳ. 30:19) ብተወሳኺ፡ ከም ንጉስ ዳዊት ዚንስሑ ዅሎም ኣበስቲ ኸም ዘይኰኑ ይፈልጡ እዮም። (2 ሳሙ. 12:13) ገሊኦም ኣበስቲ ንምዕዶ የሆዋ ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። (ዘፍ. 4:6-8) ይኹን እምበር፡ እቶም ሽማግለታት ብእተኻእለ መጠን ነቲ ኣባሲ ናብ ንስሓ ንምምራሕ እዮም ሸቶ ዚገብሩ። እሞ ደኣ ምስቲ ኣባሲ ኺራኸቡ ኸለዉ ብምንታይ ስርዓታት እዮም ዚምርሑ፧

5. እቶም ሽማግለታት ምስቲ ኣባሲ ኺራኸቡ ኸለዉ፡ እንታይ ምኽሪ እዮም ኣብ ኣእምሮኦም ዚሕዙ፧ (2 ጢሞቴዎስ 2:24-26) (ስእሊ እውን ርአ።)

5 እቶም ሽማግለታት ነቲ ኣባሲ ኸም ዝጠፍአ ኽቡር በጊዕ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (ሉቃ. 15:4, 6) ስለዚ፡ ምስቲ ሰብ እቲ ኺራኸቡ ኸለዉ፡ ኣብ ዘረባኦምን ኣረኣእያኦምን ኣቀራርባኦምን ዘየናሕስዩ ኣይኰኑን እዮም፣ ወይ እውን ነቲ ኣኼባ ንማለቱ ዚግበር ኣሰራርሓ ጥራይ ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:24-26 ዚርከብ ባህርያት እዮም ዜርእዩ። (ኣንብብ።) ኣብቲ ንልቢ እቲ ኣባሲ ንምትንካይ ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ ልኡማትን ልዙባትን ለዋሃትን እዮም ዚዀኑ።

ሽማግለታት ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ጓሶት፡ ንዝጠፍአት በጊዕ ኪመልሱ እዮም ዚጽዕሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)


6. እቶም ሽማግለታት ምስቲ ኣባሲ ቕድሚ ምርኻቦም ብኸመይ እዮም ልቦም ዜዳልዉ፧ (ሮሜ 2:4)

6 እቶም ሽማግለታት ልቦም የዳልዉ። ኣብቲ ምስ ሓደ ሓጥእ ዘለዎም ርክብ፡ ንየሆዋ ኺመስልዎ እዮም ዚጽዕሩ። እቲ ጳውሎስ፡ “ኣምላኽ ብለውሃቱ ናብ ንስሓ ኺመርሓካ ይፍትን [ኣሎ]” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ይዝክሩ እዮም። (ሮሜ 2:4 ኣንብብ።) ብቐዳምነት፡ ጓሶት ምዃኖም ኪርስዑ የብሎምን፣ ነዚ ሓላፍነቶም እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ኰይኖም ኪፍጽምዎ ይግባእ። (ኢሳ. 11:3, 4፣ ማቴ. 18:18-20) እቶም ኮሚተ ምስቲ ኣባሲ ቕድሚ ምርኻቦም፡ ብጸሎት ሸቶኦም የነጽሩ እዮም፦ ነቲ ኣባሲ ናብ ንስሓ ኺመርሕዎ እዮም ዚጽዕሩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብ ጽሑፋትናን ምርምር ይገብሩ፡ ምስትውዓል ንምርካብ እውን ይጽልዩ እዮም። ነቲ ንኣተሓሳስባን ንኣረኣእያን ንኣካይዳን እቲ ውልቀ ሰብ ኣበርክቶ ኺገብር ዚኽእል ድሕረ ባይታ እውን ኣብ ግምት የእትዉ እዮም።—ምሳ. 20:5

7-8. ሽማግለታት ምስ ሓደ ኣባሲ ኺራኸቡ ኸለዉ፡ ብትዕግስቲ ዝመጸ ኸመይ ገይሮም እዮም ንየሆዋ ኺመስልዎ ዚኽእሉ፧

7 እቶም ሽማግለታት ብትዕግስቲ ዝመጸ ንየሆዋ ይመስልዎ። ኣብ ሕሉፍ ግዜ፡ የሆዋ ንኣበስቲ ብኸመይ ከም ዝሓዞም ኣብ ኣእምሮኦም ይሕዙ እዮም። ንኣብነት፡ የሆዋ ንቃየል ብትዕግስቲ ተዛሪብዎ፡ ብዛዕባ ሳዕቤን ሓጢኣት ኣጠንቂቕዎ፡ ኪምለስ ተስፋ ኸም ዘለዎ እውን ሓቢርዎ እዩ። (ዘፍ. 4:6, 7) ንዳዊት ከኣ ብነብዪ ናታን ኣቢሉ ልቢ ብዚትንኪ ምሳሌ ሓጊዝዎ እዩ። (2 ሳሙ. 12:1-7) ነቶም ፋሉል ዝኸዱ እስራኤላውያን እውን፡ ነብያቱ ‘ደጋጊሙ ልኢኹሎም’ እዩ። (ኤር. 7:24, 25) ሓገዝ ንምሃብ፡ ህዝቡ ኽሳዕ ዚንስሑ ኣይተጸበየን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ገና እናሓጥኡ ኸለዉ እዩ ኺንስሑ ተማሕጺንዎም።

8 ሽማግለታት ነቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ ኺሕግዝዎም ከለዉ፡ ኣብነት የሆዋ እዮም ዚስዕቡ። ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4:2 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ንሓደ እተረበጸ ክርስትያን ብጻይ “ብዅሉ ዓቕሊ” እዮም ዚሕዝዎ። ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ ዘሎ ነጥቢ መጽናዕቲ፡ ሓደ ሽማግለ እንታይ ኪገብር ከም ዚግብኦ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ትገልጽ፦ “ወትሩ ርእሱ ኺገትእ ኣለዎ፣ ብትዕግስቲ ድማ ነቲ [እቶም ሓጥኣን] ቅኑዕ ንምግባር ዘለዎም ድሌት ኬለዓዕል ኣለዎ። ቅጭ እንተ መጺእዎ ወይ እንተ ተበሳጭዩ፡ ንገሊኦም [ሓጥኣን] ኬርሕቖም ወይ ኪዕንቅፎም ይኽእል እዩ።”

9-10. እቶም ሽማግለታት ነቲ ሓጥእ ብዛዕባ መገዱ ኺሓስብ ብኸመይ ኪሕግዝዎ ይኽእሉ፧

9 እቶም ሽማግለታት ነቲ ናብ ሓጢኣት ዝመርሐ ዅነታት ኪፈልጡ ይጽዕሩ። ንኣብነት፡ እቲ ክርስትያን ንብሕታዊ መጽናዕቱ ወይ ንኣገልግሎቱ ሸለል ብምባሉ፡ በብቝሩብ ድዩ ደኺሙ፧ ናብ የሆዋ ዚጽልዮ ጸሎት ብዝሑን ዕምቈቱን ነክዩ ድዩ፧ ብግጉይ ትምኒት ድዩ ዚምራሕ ዘሎ፧ ኣብ ናይ ኣዕሩኽን ናይ መዘናግዕን ምርጫኡ ሕማቕ ውሳነ ገይሩ ድዩ፧ እዚ ውሳነታት እዚ ንልቡ ብኸመይ ጸልይዎ፧ እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝገበሮ ውሳነታትን ዝወሰዶ ስጕምትታትን ንኣቦኡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ተረዲእዎ ድዩ፧

10 እቶም ሽማግለታት ኣብ ውልቃዊ ጕዳይ እምብዛ ኸይኣተዉ ጽቡቕ ሕቶታት ብምሕታት፡ ነቲ ኣብ ልቢ እቲ ኣባሲ ዘሎ ሓሳባት የውጽእዎ፡ ብዛዕባ መገዱ ኺሓስብ እውን ይሕግዝዎ እዮም። (ምሳ. 20:5) ብተወሳኺ፡ ከምቲ ናታን ንዳዊት ዝገበረሉ፡ ብምሳሌታት ገይሮም መገዱ ኽሳዕ ክንደይ ጌጋ ምዃኑ ኼረድእዎን ኬርእይዎን ይጽዕሩ እዮም። ምናልባት ኣብቲ ፈለማ ምስኡ ዚራኸቡሉ ኣጋጣሚ፡ እቲ ሰብ ብመገዱ ብሓቂ ኺጕሂ ይጅምር ይኸውን። ምናልባት እውን ይንሳሕ ይኸውን።

11. የሱስ ንሓጥኣን ብኸመይ እዩ ሒዝዎም፧

11 እቶም ሽማግለታት ንየሱስ ኪመስልዎ ይጽዕሩ። የሱስ ንሳውል ብዓል ጠርሴስ፡ “ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧” ዚብል ዜመራምር ሕቶ ኣቕረበሉ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ግጉይ መገዱ ኺሓስበሉ ሓገዞ። (ግብ. 9:3-6) ብዛዕባ ሓንቲ “ኢዛቤል” እተባህለት “ሰበይቲ” ኸኣ፡ “ክትንሳሕ ግዜ ሂበያ” ኢሉ ኣሎ።—ራእ. 2:20, 21

12-13. ሽማግለታት ንሓደ ኣባሲ ኸመይ ገይሮም እዮም ኪንሳሕ ግዜ ኺህብዎ ዚኽእሉ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

12 እቶም ሽማግለታት ንየሱስ ኪመስልዎ ስለ ዚጽዕሩ፡ ተቐላጢፎም ሓደ ኣባሲ ኸም ዘይንሳሕ ገይሮም ኣይድምድሙን እዮም። ገሊኦም ምስቶም ኮሚተ ንፈለማ ኣብ ዚራኸቡሉ እዋን ኪንስሑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ተወሳኺ ግዜ የድልዮም እዩ። ስለዚ፡ እቶም ሽማግለታት ምስቲ ሓጥእ ካብ ሓደ ሳዕ ንላዕሊ ምስኡ ንምርኻብ ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት እቲ እተጋገየ ክርስትያን ምሳታቶም ንፈለማ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ብዛዕባ እቲ እተነግሮ ብርዝነት ኪሓስብ ይጅምር ይኸውን። ብትሕትና ናብ የሆዋ ይጽሊ ይኸውን። (መዝ. 32:5፣ 38:18) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ዚስዕብ ምሳታቶም ኪራኸብ ከሎ፡ ካብቲ ዝቐደመ እዋን እተፈልየ መንፈስ የርኢ ይኸውን።

13 እቶም ሽማግለታት ነቲ ሓጥእ ናብ ንስሓ ንምምራሕ፡ ድንጋጽን ለውሃትን የርእዩ እዮም። የሆዋ ንጻዕርታቶም ኪባርኾ፡ እቲ ፋሉል ዝኸደ ክርስትያን ከኣ ናብ ልቡ ተመሊሱ ኺንሳሕ ተስፋ ይገብሩን ይጽልዩን እዮም።—2 ጢሞ. 2:25, 26

ሽማግለታት ንሓደ ሓጥእ ኪንሳሕ ግዜ ምእንቲ ኺህብዎ ኢሎም፡ ካብ ሓደ ሳዕ ንላዕሊ ምስኡ ንምርኻብ ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)


14. ብንስሓ ሓደ ሓጥእ መን እዩ ዚምስገን፧ ስለምንታይከ፧

14 እቲ ሓጥእ እንተ ተነሲሑ፡ እዚ ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ! (ሉቃ. 15:7, 10) እሞ ደኣ በዚ መን እዩ ኺምስገን ዘለዎ፧ እቶም ሽማግለታት ድዮም፧ ጳውሎስ ብዛዕባ ሓጥኣን፡ “ምናልባት ኣምላኽ . . . ንስሓ ይህቦም” ኢሉ ኸም ዝጸሓፈ ኣይንረስዕ። (2 ጢሞ. 2:25) ኣብታ ፍቕዲ እቲኣ ዘሎ ነጥቢ መጽናዕቲ ኸምዚ ይብል፦ “በቲ ኣብ ኣተሓሳስባን ኣብ ኣረኣእያን ዚመጽእ ለውጢ፡ ሰብ ዘይኰነስ፡ እቲ ንዝሓንገደ ክርስትያን ኣገዳሲ ለውጢ ኺገብር ዝሓገዘ የሆዋ እዩ ኺምስገን ዘለዎ። ጳውሎስ ኣስዒቡ ገለ ኻብቲ ንስሓ ዜፍርዮ ጽቡቕ ፍረ ጠቒሱ ኣሎ፣ እወ፡ ነቲ ሓጥእ ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ይመርሖ፡ ናብ ልቡ ኺምለስ ይሕግዞ፡ ካብ መፈንጠራ ሰይጣን ኬምልጥ እውን ይሕግዞ እዩ።—2 ጢሞ. 2:26።”

15. እቶም ሽማግለታት ንእተነስሐ ኣባሲ ብኸመይ እዮም ቀጻሊ ሓገዝ ዚገብሩሉ፧

15 ሓደ ኣባሲ ምስ ዚንሳሕ፡ እቶም ኮሚተ ጕስነታዊ ምብጻሕ ይገብሩሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ሰብ ንመፈንጠራ ሰይጣን ንምቅላስን ንኣእጋሩ ትኽ ዝበለ መገዲ ንምግባርን ቀጻሊ ሓገዝ ይረክብ። (እብ. 12:12, 13) እቶም ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ሓጥእ ዝገበሮ ነገር ንዋላ ሓደ ኣይነግሩን እዮም። ግናኸ፡ ብዛዕባ እንታይ እዮም ንጉባኤ ኺሕብሩ ዘለዎም፧

“ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም”

16. ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:20፡ ጳውሎስ “ኣብ ቅድሚ ዅሉ” ኺብል ከሎ፡ ኣብ ቅድሚ መን ማለቱ እዩ ነይሩ፧

16 ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 5:20 ኣንብብ። ጳውሎስ ነቲ ኸምኡ ሽማግለ ዝዀነ ጢሞቴዎስ፡ ምስቶም “ብሓጢኣት ዚመላለሱ” ብዚተሓሓዝ እዩ ነዚ ቓላት እዚ ጽሒፉሉ። እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ “ኣብ ቅድሚ ዅሉ” ኺብል ከሎ፡ ግድን ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ጉባኤ ማለቱ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ብዛዕባ እቲ ሓጢኣት ዚፈልጡ ማለቱ እዩ ነይሩ። ንሳቶም ከኣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ወይ እቲ ኣባሲ ዝነገሮም ሰባት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ እቶም ሽማግለታት ነቶም ሰባት እቲኦም፡ እቲ ጕዳይ ብግቡእ ከም እተታሕዘን እቲ ሓጥእ ከም እተኣረመን ብስቱር የፍልጥዎም እዮም።

17. ሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ኣብ ጉባኤ ብሰፊሑ ዚፍለጥ ወይ ምፍላጡ ዘይተርፎ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ምልክታ እዩ ዚንገር፧ ስለምንታይከ፧

17 ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ እቲ ኣበሳ ኣብ ጉባኤ ብሰፊሑ ዚፍለጥ ወይ ምፍላጡ ዘይተርፎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ “ኣብ ቅድሚ ዅሉ” ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ጉባኤ ማለት እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሽማግለ ነታ ጉባኤ፡ እቲ ክርስትያን ከም እተገንሐ ምልክታ ይነግር። ስለምንታይ፧ ጳውሎስ፡ “ንኻልኦት ከም መጠንቀቕታ ምእንቲ ኪዀኑ” ብምባል ነዚ ይምልሰልና።

18. ሽማግለታት ነቲ ንዘይባጽሑ ጥሙቓት ዚምልከት ጕዳያት ብኸመይ እዮም ዚሕዝዎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

18 ዘይባጽሑ ጥሙቓት፡ ማለት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ከቢድ ኣበሳ ምስ ዚገብሩኸ፧ ክልተ ሽማግለታት ምስቲ ዘይባጽሐን ምስ ክርስትያን ወለዱን ንምርኻብ፡ ኣካል ሽማግለታት ምድላዋት ይገብሩ እዮም። b እቶም ሽማግለታት ከኣ ነቶም ወለዲ፡ ንውሉዶም ናብ ንስሓ ንምምራሕ እንታይ ስጕምትታት ከም ዝወሰዱ ይሓትትዎም እዮም። እቲ ውሉድ ምኽሪ ወለዱ እንተ ሰሚዑን ለውጢ እንተ ገይሩን፡ እቶም ክልተ ሽማግለታት ተወሳኺ ነገር ንዘይምግባር ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ስለምንታይሲ፡ ኣምላኽ ንወለዲ፡ ንውሉዳቶም ብፍቕሪ ኺእርምዎም ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። (ዘዳ. 6:6, 7፣ ምሳ. 6:20፣ 22:6፣ ኤፌ. 6:2-4) ድሕርዚ፡ እቶም ሽማግለታት ሓሓሊፎም ነቶም ወለዲ፡ ውሉዶም ዜድሊ ሓገዝ ይረክብ እንተ ኣልዩ ይሓትትዎም እዮም። እንተዀነ ግና፡ እቲ ዘይባጽሐ ጥሙቕ ከይተነስሐ ብግጉይ መገዲ እንተ ቐጺሉኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ፡ ኮሚተ ሽማግለታት ምስኡን ምስ ወለዱን ኪራኸቡ ኣለዎም።

ሓደ ዘይባጽሐ ወሉድ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ገይሩ፡ ክልተ ሽማግለታት ምስኡን ምስ ክርስትያን ወለዱን ይራኸቡ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)


“የሆዋ ኣዝዩ ፈቃርን መሓርን እዩ”

19. ሽማግለታት ኣብቲ ምስ ኣበስቲ ዘለዎም ርክብ ንየሆዋ ኺመስልዎ ዚጽዕሩ ብኸመይ እዮም፧

19 የሆዋ ነቶም ኮሚተ ዀይኖም ዜገልግሉ ሽማግለታት፡ ንጽህና ጉባኤ ኺሕልዉ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። (1 ቈረ. 5:7) ንሳቶም ከኣ እንተ ተኻኢሉ፡ ንኣበስቲ ናብ ንስሓ ኺመርሕዎም እዮም ዚደልዩ። ስለዚ፡ ኣወንታውን ትስፉውን ኣመለኻኽታ እዮም ዚሕዙ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ “ኣዝዩ ፈቃርን መሓርን” ዝዀነ የሆዋ እዮም ኪመስልዎ ዚደልዩ። (ያእ. 5:11) እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣርእዩ እዩ። ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ደቀየ፡ ምእንቲ ኸይትሓጥኡ፡ እዚ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። ሓደ እኳ ዝሓጥአ እንተሎ፡ ኣብ ኣቦ ረዳኢ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ እቲ ጻድቕ ኣሎና።”—1 ዮሃ. 2:1

20. ኣብታ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

20 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ሓደ ክርስትያን ምንሳሕ ኪኣቢ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ካብ ጉባኤ ኺውገድ ኣለዎ። እሞ ደኣ ሽማግለታት ንኸምዚ ዝበለ ኸቢድ ጕዳይ ብኸመይ ኪሕዝዎ ይግባእ፧ መልሲ እዛ ሕቶ ኣብታ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።

መዝሙር 103 ውህበት ሰባት ዝዀኑ ጓሶት

a ኣብ ሕሉፍ፡ እዞም ሽማግለታት እዚኦም፡ ኮሚተ ፍርዲ ተባሂሎም እዮም ዚጽውዑ ነይሮም። እንተዀነ ግና፡ ፍርዲ ሓደ መዳይ ዕዮኦም ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ድሕሪ ሕጂ ነዚ መጸውዒ እዚ ኣይክንጥቀመሉን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኮሚተ ሽማግለታት ጥራይ ኢልና ኢና እንጽውዖም።

b እቲ ኣብዚ ብዛዕባ ወለዲ ዚውሃብ ዘሎ መምርሒ፡ ንሕጋውያን መዕበይቲ ወይ ከም ወለዲ ዀይኖም ሓላፍነት ንዚስከሙ ኻልኦት ሰባት እውን ይምልከት እዩ።