ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 31

መዝሙር 12 የሆዋ ዓብዪ ኣምላኽ

የሆዋ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣት ንምድሓን እንታይ ገይሩ፧

የሆዋ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣት ንምድሓን እንታይ ገይሩ፧

“ኣምላኽሲ . . . ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።”ዮሃ. 3:16

ኣትኵሮ

የሆዋ ኣብቲ ምስ ሓጢኣት እንገብሮ ቓልሲ ንዓና ንምድጋፍ ብተበግሶኡ ዝገበሮ ነገራትን ካብ ሓጢኣት ሓራ ዄንና ንዘለኣለም ምእንቲ ኽንነብር ዝገበሮ ነገራትን።

1-2. (ሀ) ሓጢኣት እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ምስኡ እንገብሮ ቓልሲኸ ብኸመይ ኢና ኽንዕወት እንኽእል፧ (ኣብ “መግለጺ ቓላት” እውን ርአ።) (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብተን ኣብዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዘለዋ ኻልኦት ዓንቀጻትን ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧ (ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘሎ፡ “ሓበሬታ ንኣንበብቲ” ዚብል እውን ርአ።)

 የሆዋ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረካ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምፍላጥ፡ ንዓኻ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ንምድሓን እንታይ ከም ዝገበረ ኣጽንዕ። ሓጢኣት a ባዕልና ኽንስዕሮ ዘይንኽእል ክፉእ ጸላኢ እዩ። መዓልቲ መዓልቲ ንሓጥእ ኢና፣ ብሰንኪ ሓጢኣት ድማ ንመውት ኢና። (ሮሜ 5:12) ምስዚ እተተሓሓዘ ግና ሓደ ብስራት ኣሎ። ብሓገዝ የሆዋ፡ ንሓጢኣት ክንስዕሮ ንኽእል ኢና። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ከም እንዕወት ርግጸኛታት ኢና!

2 የሆዋ ኣምላኽ ንዓና ንደቂ ሰብ፡ ንልዕሊ 6,000 ዓመት ምስ ሓጢኣት ኣብ ዝገበርናዮ ቓልሲ ይሕግዘና ኣሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የፍቅረና እዩ። ንደቂ ሰብ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ እዩ ኣፍቂርዎም፣ ስለዚ፡ ኣብዚ ቓልሲ እዚ ምእንቲ ኺዕወቱ፡ ብዙሕ ደገፍ ይገብረሎም እዩ። ሓጢኣት ናብ ሞት ከም ዚመርሕ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ፣ ክንመውት ድማ ኣይደልየናን እዩ። የግዳስ፡ ንዘለኣለም ክንነብር እዩ ዚደልየና። (ሮሜ 6:23) ንዓኻ እውን ከምኡ እዩ ዚምነየልካ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ ሰለስተ ሕቶታት ክንመያየጥ ኢና፦ (1) የሆዋ ንሓጥኣን ደቂ ሰብ ብኸመይ እዩ ተስፋ ሂብዎም፧ (2) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሓጥኣን ሰባት ከመይ ገይሮም እዮም ሞገስ የሆዋ ዝረኸቡ፧ (3) የሱስ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣት ንምድሓን እንታይ እዩ ገይሩ፧

የሆዋ ንሓጥኣን ደቂ ሰብ ብኸመይ እዩ ተስፋ ሂብዎም፧

3. እቶም ቀዳሞት ወለድና ሓጥኣን ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

3 የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ተሓጒሶም ኪነብሩ እዩ ፈጢርዎም። ውቅብቲ መንበሪትን ባህ ዜብል መውስቦን ጽቡቕ ዕዮን ሂብዎም እዩ። ንሳቶምን ዘርኦምን ንምድሪ ኺመልእዋ፡ ንብዘላ ፕላነትና ኸኣ ከም ገነት ኤደን ዝኣመሰለት ገነት ኪገብርዋ እዩ ሓሊኑ ነይሩ። ሓደ ቐሊል ትእዛዝ ጥራይ እዩ ሂብዎም። ደይ መደይ ኢሎም ካብኡ ብምዕላው ነቲ ትእዛዝ እቲ እንተ ጥሒሶም፡ ሓጢኣቶም ናብ ሞት ከም ዚመርሖም እውን መጠንቀቕታ ሂብዎም ነይሩ እዩ። ድሕርዚ እንታይ ከም ዝዀነ ግና ንፈልጦ ኢና። ንኣምላኽ ኰነ ንዓታቶም ፍቕሪ ዘይብሉ ብዓይኒ ዘይርአ መንፈሳዊ ፍጡር መጸ እሞ፡ ኪሓጥኡ ፈተና ኣቕረበሎም። ኣዳምን ሄዋንን በቲ ሕማቕ ጽልዋ ተሰነፉ። ነቲ ፈቃር ኣቦኦም ስለ ዘይኣመንዎ ኸኣ፡ ሓጥኡ። ድሕርዚ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ዀነ። ካብታ ዕለት እቲኣ ንነጀው፡ ሓጢኣት ዘስዓበሎም ሳዕቤናት ዓጸዱ፣ ማለት ኪኣርጉ ጀመሩ፡ ኣብ መወዳእታ እውን ሞቱ።—ዘፍ. 1:28, 29፣ 2:8, 9, 16-18፣ 3:1-6, 17-19, 24፣ 5:5

4. የሆዋ፡ ሓጢኣት ዚጸልእን ምስ ሓጢኣት ክንቃለስ ዚሕግዘናን ስለምንታይ እዩ፧ (ሮሜ 8:20, 21)

4 የሆዋ ነቲ ዜሕዝን ዛንታ እቲ፡ ንጥቕምና ኢሉ ኣብ ጽሑፍ ከም ዚዕቀብ ገይሩልና ኣሎ። እዚ ድማ ስለምንታይ ሓጢኣት ኣመና ኸም ዚጸልእ ክንርዳእ የኽእለና እዩ። ሓጢኣት ካብ ኣቦና ይፈልየና፡ ናብ ሞት እውን ይመርሓና እዩ። (ኢሳ. 59:2) ስለዚ ድማ እዩ ሰይጣን ኬሕጥኣና ህርድግ ዚብል። እዚ ዓለወኛ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ፡ ጠንቂ ዅሉ መከራና እዩ። ኣብ ኤደን ከኣ ዓብዪ ዓወት ዝረኸበ መሲልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ፈቃር ምዃኑ ግና ኣይተረድኦን ነይሩ። ኣምላኽ ነቲ ንዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበሮ ዕላማ ኸቶ ኣይቀየሮን። ንደቂ ሰብ የፍቅሮም እዩ፣ ስለዚ፡ ብኡብኡ ንዅሎም ሰባት ተስፋ ሃቦም። (ሮሜ 8:20, 21 ኣንብብ።) ገሊኦም ዘርኢ ኣዳም ንዕኡ ኸም ዜፍቅርዎን ምስ ሓጢኣት ንምቅላስ ሓገዙ ኸም ዜድልዮምን፡ የሆዋ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣቦኦምን ፈጣሪኦምን ብምዃኑ ኸኣ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ኪዀኑን ንዕኡ ኪቐርብዎን መገዲ ኸፈተሎም። እሞ ደኣ እዚ ምእንቲ ኪኸውን እንታይ እዩ ገይሩ፧

5. የሆዋ ንሓጥኣን ደቂ ሰብ ናይ መጀመርታ ኣፋፍኖት ተስፋ ዝሃቦም መዓስ እዩ፧ ግለጽ። (ዘፍጥረት 3:15)

5 ዘፍጥረት 3:15 ኣንብብ። ኣብቲ የሆዋ ፍርዲ ሰይጣን እተዛረበሉ ቓላት፡ ናይ መጀመርታ ኣፋፍኖት ተስፋ ሰፊሩ ኣሎ። ኣብኡ ድማ ሓደ “ዘርኢ” ኣብቲ ተስፋ እቲ ወሳኒ ተራ ኸም ዚህልዎ፡ ኣምላኽ ተነበየ። እቲ ዘርኢ እቲ ኣብ መወዳእታኡ ንሰይጣን ከም ዚጭፍልቖ፡ ንዅሉ እቲ ሰይጣን ኣብ ኤደን ዝገበሮ እከይ እውን ከም ዜዐርዮ ተሓበረ። (1 ዮሃ. 3:8) ኰይኑ ግና፡ እቲ ዘርኢ እቲ መከራ ኸም ዜሕልፍ ተገልጸ። እወ፡ ሰይጣን ነቲ ዘርኢ ሸዀናኡ ኸም ዚነኽሶ፡ ማለት ከም ዜቕትሎ ተገልጸ። እዚ ንየሆዋ ኣመና እዩ ኣጕህይዎ። ኣብ መወዳእታ፡ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ስለ ዚድሕኑ ግና፡ እዚ ብሓቂ ይኽሕሶ እዩ።

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ከመይ ገይሮም እዮም ሞገስ የሆዋ ዝረኸቡ፧

6. ከም ኣቤልን ኖህን ዝኣመሰሉ ናይ እምነት ሰባት ንየሆዋ ምእንቲ ኪቐርብዎ እንታይ እዮም ገይሮም፧

6 ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዘመናት፡ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ከመይ ገይሮም ንየሆዋ ኪቐርብዎ ኸም ዚኽእሉ፡ ንሱ ባዕሉ በብቝሩብ ኣነጺሩልና እዩ። እቲ ኻልኣይ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን ዝዀነ ኣቤል፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኤደን ዘጋጠመ ዕልወት፡ ኣብ የሆዋ እምነት ዘሕደረ ናይ መጀመርታ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣቤል ንየሆዋ የፍቅሮ ብምንባሩ፡ ባህ ኬብሎን ኪቐርቦን እውን ይደሊ ብምንባሩ፡ መስዋእቲ ኣቕረበ። ጓሳ ስለ ዝነበረ፡ ካብ መጓሰኡ ንየሆዋ መስዋእቲ ኣቕረበ። እሞ ደኣ የሆዋ ኸመይ ተሰምዖ፧ “ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ብሞገስ ረኣየ።” (ዘፍ. 4:4) ብዘይካዚ፡ የሆዋ በቲ ኸም ኖህ ዝኣመሰሉ ዜፍቅርዎን ዚኣምንዎን ሰባት ዘቕረቡሉ መስዋእቲ ባህ ከም ዝበሎ ገለጸ። (ዘፍ. 8:20, 21) ነዚ መስዋእትታት እዚ ብምቕባሉ ኸኣ፡ ሓጥኣን ሰባት ሞገሱ ኺረኽቡን ንዕኡ ኪቐርብዎን ከም ዚኽእሉ ኣርኣየ። b

7. ካብቲ ኣብርሃም ንወዱ ንምስዋእ ዝነበሮ ፍቓደኛነት እንታይ ንምሃር፧

7 የሆዋ ነቲ ዜደንቕ እምነት ዝነበረቶ ኣብርሃም፡ ኣመና ኣጸጋሚ ነገር ኪገብር፡ ማለት ንወዱ ይስሃቅ ኪስውኣሉ ሓተቶ። ኣብርሃም መሸም በዚ ኣመና ተጨኒቑ ኪኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ከምቲ እተባህሎ ኺገብር ተዳለወ። ኣምላኽ ግና ኣብታ ናይ መወዳእታ ህሞት ደው ኣበሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብነት እቲ፡ እምነት ንዘለዎም ኵሎም ሰባት ኣገዳሲ ሓቂ ይምህሮም እዩ። የሆዋ ንዜፍቅሮ ወዱ ንምስዋእ ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ክሳዕ ክንድኡ እዩ ንደቂ ሰብ ዜፍቅሮም።—ዘፍ. 22:1-18

8. ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝነበረ ሓያሎ መስዋእትታት ናብ ምንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧ (ዘሌዋውያን 4:27-29፣ 17:11)

8 ድሕሪ ዘመናት፡ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ሕጉ ኺህቦም ከሎ፡ ንሓጢኣቶም ዜተዓርቕ ሓያሎ መስዋእትታት ኬቕርቡ ኣዘዞም። (ዘሌዋውያን 4:27-29፣ 17:11 ኣንብብ።) እዚ መስዋእትታት እዚ፡ ናብቲ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ዜድሕኖም ዓብዪ መስዋእቲ ዜመልክት ነበረ። ነብያት ኣምላኽ ብድራኸ መንፈስ ተመሪሖም፡ እቲ እተተስፈወ ዘርኢ፡ ማለት ሓደ ፍሉይ ወዲ ኣምላኽ ከም ዚሳቐን ከም ዚመውትን ተነበዩ። ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ኸም ዚውሰድ እውን ሓበሩ። (ኢሳ. 53:1-12) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሆዋ ንደቂ ሰብ፡—እንተላይ ንዓኻ፡ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንምድሓን፡ ፍቑር ወዱ እዩ ሂቡ!

የሱስ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣት ንምድሓን እንታይ እዩ ገይሩ፧

9. ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ የሱስ እንታይ እዩ ዝበለ፧ (እብራውያን 9:22፣ 10:1-4, 12)

9 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝዀነ ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ “እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ!” በለ። (ዮሃ. 1:29) እዚ ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ቓላት፡ የሱስ እቲ ንነዊሕ ግዜ ትጽቢት እተገብረሉ ዘርኢ ምዃኑ ዚሕብር ነበረ። መስዋእቲ ኸም ዚኸውን ተነጊሩሉ ዝነበረ እውን፡ ንሱ እዩ። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምሉእ ዓወት ከም ዚጐናጸፉ ርግጽ ተስፋ ረኸቡ።—እብራውያን 9:22፣ 10:1-4, 12 ኣንብብ።

10. የሱስ ንሓጥኣን ‘ኪጽውዕ ከም ዝመጸ’ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

10 የሱስ ነቶም ብሓጢኣቶም እተደቝሱ ሰባት ብፍላይ ኣተኰረሎም፡ ሰዓብቱ ኪዀኑ እውን ጻውዒት ኣቕረበሎም። ሓጢኣት ሱር ኵሉ መከራ ደቂ ሰብ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ብሓጢኣቶም ንዚፍለጡ ሰባት ንምሕጋዝ ጸዓረ። ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ፡ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ” ብምባል ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ንጻድቃን ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን ክጽውዕ እየ መጺአ” በለ። (ማቴ. 9:12, 13) ከምኡ ድማ እዩ ገይሩ። ንኣብነት፡ ብንብዓታ ኣእጋሩ ንዝሓጸበቶ ሓንቲ ሰበይቲ ሓጢኣታ ሓደገላ። (ሉቃ. 7:37-50) ኣብ ጥቓ ዒላ ንዝረኸባ ሳምራዊት ከኣ፡ ምስ ዘይሰብኣያ ትነብር ምንባራ እናፈለጠ እኳ፡ ኣገዳሲ ሓቅታት መሃራ። (ዮሃ. 4:7, 17-19, 25, 26) ኣምላኽ እውን ንየሱስ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ሳዕቤን ሓጢኣት ዝዀነ ሞት ኪስዕሮ ሓይሊ ሃቦ። እሞ ደኣ የሱስ ንሞት ብኸመይ ሰዓሮ፧ ንወዲ ተባዕታይ ኰነ ንጓል ኣንስተይቲ፡ ንንእሽቶ ዀነ ንዓብዪ ኻብ ምዉታት ኣተንስአ።—ማቴ. 11:5

11. ሓጥኣን ሰባት ናብ የሱስ ዚስሓቡ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

11 ኣብ ሓጢኣት ዝጠሓሉ ሰባት እኳ ብቐሊሉ ናብ የሱስ ይስሓቡ ምንባሮም ዜገርም ኣይኰነን። ስለምንታይሲ፡ ንሱ ይርሕርሓሎምን ይድንግጸሎምን ነይሩ እዩ። ከይተሰከፉ እዮም ዚቐርብዎ ነይሮም። (ሉቃ. 15:1, 2) የሱስ ድማ ስለቲ እምነቶም ይንእዶምን ይባርኾምን ነበረ። (ሉቃ. 19:1-10) ንምሕረት ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ዜንጸባርቕ ህያው መርኣያ እዩ ዀይኑሎም። (ዮሃ. 14:9) እቲ ርሕሩሕን መሓርን ኣቦኡ ንሰባት ከም ዜፍቅር፡ ኣብቲ ምስ ሓጢኣት ዚግበር ቃልሲ ድማ ንነፍሲ ወከፎም ኪዕወቱ ኸም ዚደልዮም፡ ብቓልን ብግብርን ኣርኣዮም። ንሓጥኣን ሰባት መገዶም ኪቕይሩን ንዕኡ ኺስዕብዎን ድሌት ከም ዚሓድሮም ገበሮም።—ሉቃ. 5:27, 28

12. የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እንታይ ኢሉ እዩ ዝመሃረ፧

12 የሱስ እንታይ ይጽበዮ ኸም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣሕሊፍካ ኸም ዚውሃብን ከም ዚስቀልን ብተደጋጋሚ ንሰዓብቱ ይሕብሮም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 17:22፣ 20:18, 19) እቲ ንሱ ዚኸፍሎ መስዋእቲ፡ ከምቲ ዮሃንስ ዝበሎን ከምቲ ነብያት እተነበይዎን፡ ሓጢኣት ዓለም ከም ዜርሕቕ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ህይወቱ ድሕሪ ምስዋኡ፡ ‘ንዅሉ ዓይነት ሰብ ናብኡ ኸም ዚስሕብ’ እውን ምሂሩ እዩ። (ዮሃ. 12:32) ሓጥኣን ሰባት ንየሱስ ከም ጐይታኦም ብምቕባልን ኣስኣሰሩ ብምስዓብን፡ ንየሆዋ ባህ ኬብልዎ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ‘ካብ ሓጢኣት ሓራ ኺወጹ’ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 6:14, 18, 22፣ ዮሃ. 8:32) ስለዚ፡ የሱስ ብፍታውን ብትብዓትን ምስ ዜስካሕክሕ ሞት ፊት ንፊት ተጋጠመ።—ዮሃ. 10:17, 18

13. ኣማውታ የሱስ ከመይ እዩ ነይሩ፧ ሞቱኸ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ እንታይ ይምህረና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 የሱስ ኣሕሊፍካ ተዋሂቡ፡ ተኣሲሩ፡ ተጸሪፉ፡ ተጠቂኑ፡ ተፈሪዱ፡ ከምኡ እውን ተሰቅዩ እዩ። ወተሃደራት ከኣ ናብታ ዚቕተለላ ቦታ ወሲዶም ኣብ ጕንዲ ሰቒሎምዎ እዮም። ንዅሉ እዚ ስቓይ ብተኣማንነት ኪጻወሮ ኸሎ ግና፡ በዚ ዅሉ ኻብኡ ንላዕሊ እተሳቐየ ነይሩ እዩ። ንሱ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። የሆዋ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሓይሉ ገቲኡ፡ ጣልቃ ኸይኣቱ እውን ገዛእ ርእሱ ዓጊቱ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ንሓደ ፈቃር ኣቦ ኸምኡ ኺገብር እትድርኾ እንታይ እያ፧ ብሓንቲ ቓል፡ ፍቕሪ እያ። የሱስ፡ “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ።—ዮሃ. 3:16

የሆዋ፡ ወዱ ኪቕተል ኣብ ዝፈቐደሉ እዋን፡ ንዓና ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ምእንቲ ኺገብረና ኢሉ ኸቢድ ስቓይ እዩ ኣሕሊፉ (ሕጡብ ጽሑፍ 13)


14. ካብቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ እንታይ ትምሃር፧

14 እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፡ የሆዋ ንዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዜፍቅሮም ዜርኢ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ መርትዖ እዩ። ንዓኻ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረካ የርኢ እዩ። ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ኼድሕነካ ኢሉ ዓብዪ መስዋእቲ ኸፊሉ፡ ከቢድ ስቓይ እውን ኣሕሊፉ እዩ። (1 ዮሃ. 4:9, 10) እወ፡ ንነፍሲ ወከፍና ኣብቲ ምስ ሓጢኣት ዚግበር ቃልሲ ኽንዕወት ይደልየና እዩ!

15. ካብቲ ኣምላኽ ንወዱ በጃና ኪኸውን ብምፍቃድ ዝሃበና ውህበት ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

15 ሳላ እቲ ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ በጃና ኪኸውን ብምፍቃድ ዝሃበና ውህበት፡ ሕድገት ሓጢኣት ንምርካብ መገዲ ተኸፊቱልና ኣሎ። ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ንምርካብ ግና፡ ንሕና ኽንገብሮ ዚግባእ ነገር ኣሎ። እዚኸ እንታይ እዩ፧ ዮሃንስ መጥምቕን የሱስ ክርስቶስን፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” ብምባል ናይዚ መልሲ ሓቢሮም ኣለዉ። (ማቴ. 3:1, 2፣ 4:17) እምበኣር፡ ምስ ሓጢኣት ክንቃለስ፡ ንፈቃር ኣቦና እውን ክንቀርቦ እንተ ደሊና፡ ክንንሳሕ ኣሎና። ንስሓ ግና እንታይ እዩ፧ ምስ ሓጢኣት ንምቅላስከ ብኸመይ ይሕግዘና፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ መጽናዕቲ፡ ናይዚ መልሲ ኽንረክብ ኢና።

መዝሙር 18 ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና

a መግለጺ ቓላት፦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ሓጢኣት” እትብል ቃል ንግጉይ ተግባራት፡ ማለት ምስ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ ንዘይሰማማዕ ተግባራት ከተመልክት ትኽእል እያ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ብሰንኪ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኢና ዅላትና እንመውት።

b የሆዋ ነቲ እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት ሰባት ዘቕረቡሉ መስዋእትታት፡ ብመሰረት እቲ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ነባሪ እፎይታ ዜምጽእ ናይ መጻኢ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ እዩ ተቐቢልዎ።—ሮሜ 3:25